Saturday, September 8, 2018

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧



September 22, 2017
“Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን’ዩ ምበር። ሓንቲ ዝፈትዋ መሓዛይ “ሸለል” ኣዚዛትለይ ቀንያ’ላ። ዝኾነ ሰብ attention ምሃብ ክኣብየካ ከሎ፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ ቀዳማይ ዝጉዳእ ኢጎኻ’ዩ። “ኣነ ዝኣክል’ሲ” ከምዚ ክትገብረኒ! ኢሉ ሓውሓው የብለካ። ክብሪ ነብስኻ ዝተቀንጠጠ ኮይኑ ስለ ዝስመዓካ፡ ዓጸፌታ ክትመልሰሎም ህርግድ ትብል። ጉድ’ኳ ኢና ረኺብና። “ኡፍ፡ ኡፍ” በሉኒ፡ “ብዛዕባይ ተገደሱ” ዝብል ኢጎ ተዓዲሉና እንታይ ክንገብር’ሞ! እዛ ናይ ቀደም መሓዛይ ‘ዚኣሲ እንታይ ኮን’የ ክገብራ፧ BLOCK ክብላ ደልየ ኣለኹ፡ ልበይ ግን ኣብያትኒ፡ ተቀርቂረ ኣለኹ።**********
ዝኾነ ሰብ ሸለል ምስ ዝእዝዘልካ እንታይ ተገበርካ ‘ሓይሽ፧ BLOCK ምግባር እቲ ግርጭት ከይተፈትሕ ኣብ ጠልጠል ዝገድፎ’ኳ ተኾነ፡ ካብ ብዛዕባ’ታ ሰብ ምሕሳብ ግን ፋይላ ኣቃጺልካ ምዕራፍ ይሓይሽ። ብዝርርብ ዘይፍታሕ ሽግር’ኳ ተዘይሃለወ እታ ሰብ ክትዛረብ ድልውቲ ተዘይኮይና ግን እንታይ ክንገብር ኢልኩምና! ትድውለላ ኣይትቅበለካ፡ ብሰብ ጌርካ ትልምና ስቅ ትብል፡ መሴጅ ትሰደላ ተስቅጥ ተኾይና፡ “ኣነ ጓሉ’ዶ! ሰይጣነይ’ያ ከተላዕለለይ ደልያ መስለኒ” ናብ ምባል ኢኻ ትኣቱ። ስብ ርጉም ሓጺር እዝኑ! ብግልጺ ንዘራረብ ኢሉ ከበሮ ሓምሓም ክትወቅዕ ከምዘይጸንሐ፡ ሃየ በል ናብ Dialogue ንእቶ ተበልካዮ ሽርብ! ስለምንታይ ሸለል ከም ዝበለትኒ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት መልሲ ተዘይጽሒፋ፡ ናብዛ infamous ዝርዝር ናይ ዝተዓግሩ ሰባት ክትኣቱ’ያ። ኬፍ ኣለዎ ከምዚ’ልካ ሰብ ከተፈራርህ፡ ኢጎኻ ስልጣን ዝጨበጠ ኮይኑ ስለ ዝስምዖ  ክንዲ ጎቦ’ዩ ዝኸውን። ኣየ ኢጎ መደንገጽ!

ብዙሕ እዋን ሰባት ክፈላለዩ ከለው clean break ኣይኮኑን ዝገብሩ። ብዙሕ ክሻ baggage ናይ ሕሉፍ ርክባቶም ተሰኪሞም’ዮም ዝፈላለዩ። ወላ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ኔሮም ዝፋትሑ ሰባት ተረኣኻዮም they’re not really over it. ፍርቁ ክሻኻ ምስ ሰበይትኻ ክጸንሕ ይደሊ፡ ፍርቁ ክሻኻ ድማ “ነዛ ስርኤል ከይተርእየኒ” ይብለካ። መስኪናይ ሰብኣይ ኣብ መንጐ ተቀርቂሩ ንቁሩብ እዋን ዓወን ወን ክብል ይጸንሕ’ሞ፡ ኣብ መወዳእታኡስ ፍትሕ’ዩ ዝመርጽ። ምስ ተፈታሕካ፡ እቲ ጽናሕ ዝብል ዝነበረ ክሻኻ “ኢለካ’ንዴ! ከምታ ሓላል ሰበይቲ ኣይክትረክብን ኢኻ” ኢሉ ድቃስ ይኸልኣካ። ወይ ነታ ሰበይቲ “ኣቲ ዓሻ! ሕጂ ፈቲሕክዮ ጽቡቕ፧ ዘፍቅረኪ የለ ዝግደሰልኪ በይንኺ ሓያም ኮንኪ ክትነብሪ ኢኺ”” እናበለ ቅሳነት ይኸልኣ። እዚ ብፖለቲከኛታት ዓዲ እንግሊዝ“hard brexit ” ይበሃል። ኣብ ሓዳር soft brexit ዝበሃል ድማ ኣሎ፡ ድሕሪ ፍትሕካ 6 ወርሒ ጸኒሕካ ምስ ካልእ ሰብ ክትምርዖ ከለኻ’ዩ። እዚ ጽፉፍ ፍትሕ፡ ሰብ ዝነበሮ ኩሉ ክሻታት ብሰላም ስለ ዝቀበሮ ጸገም የብሉን። ገሊኦም ሰባት ወላ ቆልዑ ወሊዶም ከለው ብ ጽፉፍ ተፋቲሖም ብሰላም ዝነብሩ ኣለው። ስለዚ ምስ ዝኾነ ሰብ ዘለካ ርክብ ከተቋርጾ ከለኻ ኩሉ ግዜ ዝኾነ ክሻ ከይተትርፍ ተጠንቀቅ። Delete ጥራይ ዘይኮነ እንተወሓደ Format ድኣ በላ። ምስ ተጣዓስካ Recover ከይፍትን ተደሊኻ ድማ፡ ነዛ ናይ ዝምድና ሃርድ ዲስክ ደርቢኻ ካልእ ’ሓዳስ” ሃርድ ዲስክ ምግዛእ ይበልጽ። “ሰብኣይ ተኸደ ሰብኣይ ‘መጽእ” ይብላ ኣንስቲ ዓድና። ኢጎኻ ዝለመዶ ስለ ዝሰኣነ ቀጨውጨው ከብለካዮ ምስ ግዜ ግን ክተለምዶ ኢኻ። ኣብ ክሻ ዝምድናኻ ተረፍ መረፍ ፋይላት ዘለካ ተኾንካ ግን ኤእ! ልቢ ኣዕብያ ተተመልሰት ዝብል  ተስፋ ክህልወካ ስለ ዝኽእል “ጥራዩ ክሻ” ኣብ ርእስኻ ግደፈላ። መሓዛይ ትመጻኒ’ዶ ትኸውን ቢለ ከም “ቤላ ሮባ” ኣስመራ፡ መሸማዕ ሒዘ ኮለል ክብል ኣይኮንኩን ሓውትኹም። ቤላ ሮባ ምዃን ዝኽእላ’ዩ ዝኽእላ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ጭው ዝበለት ጓለ ‘ስመራ ንዒ ቤላ ሮባ ኩኒ ክትብላ ጸገም’ዩ። ዓጋመ ገለ ተዝኸውን’ሲ ከማን ደሓን ናየቦታተይ ምበልኩ። ኣብዛ ጉጅለ ዓጋመ ከትህልው ጥራይ! እንተለኹም ወይ እንተተሰሚዑኩም BLOCK ግበሩ’ኒ ከም መቅጻዕተይ። ግን “ካብ ዓጋመ ዘይውለድ ወይ …..” ዝብል ምስላ ኔሩ’ዩ ቲ ቀደም። ስለዚ ኩላትና ዘርኢ ዓጋመ ኣለና ‘ዮም ክብሉና ደልዮም። እዚ ዓጋመ ወዲ ዓጋመ ዝብል ምፍልላይ ብቀንዱ ፓለቲካዊ ኣጀንዳታቶም ንምስሳን ኢሎም ፖለቲከኛታት ዝዘርእዎ ክርዳድ’ዩ። ኣብዚ ጸዓዱ ኣህባይ እናበሉ ይጸርፉና፡ ንሕና ኣህባይ ድማ ፡ ኣብ መንጐና መሳልል ናይ ‘ህብይና’ ኣውጺና ኢጎና ንደርዝ። እቲ ካብ ጸዓዱ ዘይረኸብናዮ ክብሪ ካልእ ሓውና ብምንእኣስ “ከነግንዮ” ንፍትን። እዚ ናይ ቤላ ሮባ ዘምጽኦ’ንድዩ፡ ንዓጋመ ክጸርፍ ኢለ ኣይኮንኩን ተላዒለ። ስነ-ጽሑፍ ልክዕ ከም መልኣኽ ፍቅሪ ትእዛዙ ብርቱዕ ስለ ዝኾነ ፡ Hypocrite ተዘይኮንካ ኩሉ ዝኣዘዘካ ክትገብር ኣለካ። ስለዚ ቀደም ዓጋመ ቤላ ሮባ ዝነበሩ ስለ ዝዘከርኩ’የ ምበር ንሕና ካብ ዓጋመ በሊጽና ኢና ወዘተ ኢለ ዓሌታዊት ክኸውን ኢለ ኣይኮንኩን።

ኣብ ምዕቡል ዓለም ካብ ዘሎ ሓዳር ዳርጋ እቲ ፍርቂ ብፍትሕ’ዩ ዝዛዘም። እዞም ጸዓዱ ውን ከማይ ቤላ ሮባ ምዃን ኣይፈትውዎን’ዮም መስለኒ። ንፍቁርካ ክትጽበዮ፡ ናብ ልቡ ክምልሰ ሕጊግ ክትብለሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ጉዳይ’ዚ ነዞም ኣባላት’ዛ ጉጅለ ኣውሪድና ግርም ዝርርብ መካየድና ግን ኣምሰሉነት ክበዝሕ’ዩ። ከመይ፧ ኣፍቃሪትካ ወይ ሰበይትኻ ኣብ FB friend ኻ ተኾይና፡ ዝኾነ ብዛዕባዚ ጉዳይ ትዛረቦ ከተንብቦ’ያ። ንሳ ተንቢባቶ ድማ ክትግምተካ ፡ ብተመሳሳሊ ኣፍቃሪኺ ወይ ሰብኣይኪ ተንቢብዎ ክግምተኪ ስለ ትፈርሁ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ኢኹም ክትዛረቡ። ነዓይ ነንጭዋ ናብ ለቶታ’ዩ ነገሩ። እቶም Singles ወይ significant other ዘይፈልጦ account ትጥቀሙ ዘለኹም ሰባት ግን ቀሲንኩም ናይ ልብኹም ተዛረቡ። ሕቶይ ንጹር መታን ክኸውን ከምዚ’ዩ
ዝበደለካ ሰብ ወላ ይቅሬታ ክትሓቶ፡ ናይ ምብህሃል መስመር ክፉት ክገድፎ ኣለዎ። እንተደኣ “እንታይ ኮንካ ኢልካ፧” ከይትሓቶ ጠቅሊሉ ከቲቱካ ግን ፡ እቲ ሰብ ዳግማይ ክርእየካ ከምዘይደሊ ብንጹር መገዲ ይሕብረካ ኣሎ። ስለዚ ናብ ልባ ትምለሰ ትኸውን ኢልካ ምጽባይ’ዶ ይሓይሽ ወይስ ጠቅሊልካ ርክብ ምቁራጽ፧

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...