Friday, July 7, 2017

ሰባት ኽፈትዉኻ እንተደሊኻ (ሕጊ ቁ.1)



ዓርቢ 7 ሓምለ 2017
ፍልስፍና ፍዒዕ ኢሉኒ ኣሎ። እዚ ብሰንኪ ተለቭዥን ምርኣይ ምጅማረይ ክኸውን ይኽእል ምኽንያቱ ኣተኩሮ ከጉድል ስለ ዝጅምር ዘለኹ። ወይ ውን ዘይተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል። ኣብ SPSS ክመሃር ከለኹ ዝነበሩ ሓሳባት ናይ correlation and regression ትዝ ይብሉኒ ኣለው። እንታይ’ሞ ይኸውን ዝኾነ ዝተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ክትሰርሓሉ እናጀመርካ ምሳኻ እንተዘይኣዋሃሂድካዮ ከምቲ ሱር ዘይሰደደ ተኽሊ እዩ ክኸውን። መመኽኔታት ብዙሓት ኣለው ስለምንታይ SPSS ክሰርሓሉ ከምዘይክእል ግን ምኽኒት ንውድቀት ትቅድማ። ብዝኾነ ሓደ ነገር ፍዒዕ እንተኢሉካ ናብ ካልእ ዛዕባ ንክትሰግር ነብስኻ መልእኽቲ ይሰደልካ ኣሎ ማለት’ዩ። ሲዶና ካብ ፍልስፍና ናብ ሳይኮሎጂ ክትኣቱ እያ መስለኒ።
ሕጂ ኣብ ቅድመይ ናይ ዴል ጋርኔጊ መጽሓፍ HOW TO WIN FRIENDS AND INFLUENCE PEOPLE ኣላ። ዝኾነ መጽሓፍ hardcopy ክትረኽቦ ክንደይ ኮን ይጽብቅ! ሓንቲ ዘይትርድኣኒ ቃል መግለጺ ኣድናቖት ኣብ ትግርኛ ኣላ “እጹብ ድንቂ!” ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዛ መጽሓፉ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ሰባት ከም ዝፈትውኻ ክትገብሮም ከም እትኽእል ይዛረብ። 6 ነጥብታት ኣልዒሉ ነብስ ወከፈን ምዕራፍ ምሉእ ሂብወን ኣሎ። እዚ ንሲዶና ጽቡቕ ስራሕ እዩ ምኽንያቱ እቲ ትማል ዝበለቶ ምቅያር መገዲ ካብ ፍልስፍና ስለ ዝሰማማዕ። እዛ መጽሓፍ ምስ ሰባት ከመይ ትዋሳእ ስለ ትምህር ሓንቲ ካብተን ክጠዓማ፡ ክብልዓ ወይ ድማ ክሓቃ ጥራይ ዘይኮና ካብኡ ሓሊፋ ምስ ደምካን ዓጽምኻን ክትወሃሃድ ይግብኣ። ስለዚ ብዛዕባኣ ክዛረብ ክጅምር’የ። 6+12+9+7= 34 ምዕራፋት ን 34 መዓልታት። ግርም።
ቀዳመይቲ ሕጊ Become genuinely interested in other people
ብዓይኒ’ቲ ክዝርዝሮ ዝቀነኹ ኢጎ ንዝኾነ ሰብ ከይተገደስካሉ ክግደሰልካ ኣይክእልን። ስለምንታይ፧ ንሰብ ምስ ትግደሰሉ እንታይ ትብል ኣለኻ ማለት’ዩ፧ ቀዳመይቲ ምግዳስ ማለት ኣገዳሲ ሰብ ኢኻ ወይ ኢኺ ትብሎ ኣለኻ ማለት’ዩ። ረብሓ ዘለዎ ሰብ ኢኻ፡ ካብዛ ዓለም እንተኼድካ ዓለም ክትከስር’ያ፡ ንከባቢኻ ዘለው ሰባት ትጠቕሞም ኢኻ፡ ዋጋኻ ዓቢ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ኣብ ክንዲ ሸለል ዝብለካ ክግደሰልካ መሪጸ ኣለኹ። ብኣንጻሩ ረጊጸካ እንተኸይደ ንዋጋኻ ደርቤዮ ኣለኹ ማለት’ዩ ስለዚ ንሰብ ሸለል ምባል “ኣገዳሲ” ዘይምዃኑ ብተዘዋዋሪ ትሕብሮ ኣለኻ ማለት’ዩ ዝኸውን። እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ረጊጽካዮ ንዝኸድካ ሰብ ወይ ሸለል እንተኢልካዮ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክብሩ ከም ዝፈጸምካ ዝቁጸር። ሲዶና ብምጥሓስ ሕጊ ቁ.1 ገበነኛ ኢያ። ንሰብ ክግደሰልካ ተገደሰሉ። ክፈትወካ ተገደሰሉ። ክቀርበካ ተገደሰሉ። ክሕግዘካ ተገደሰሉ። ዝደለኻዮ ደስ እናበሎ ክገብረልካ ተገደሰሉ።
ናይ ሓሶት ምግዳስ ዝበሃል የለን መስለኒ። ወላ ናይ ሓሶት ደዊልካ ከመይ ከም ዘሎ ሕተቶ’ስኪ፧ ተገዲሱ ደዊሉለይ ኢዩ ክብል ‘ምበር ናብ ብሕሶት ደዊሉለይ ኣይብልን’ዩ። ናይ ሓሶት ኮፍ ኢልካ ነቲ መሰልቸው ዕላላ ስማዕ። እንታይ ኢያ ክትብል ናይ ብሕሶት ተገዲሱ ሰሚዑኒ ካብ ምባል ተመሲጡ ሰሚዑኒ ምባል ይቀላ ምኽንያቱ ነብሰ-ክብሪ ክመጽእ ከሎ ሰባት ኣዝዮም ኣወንታውያን’ዮም። ተገዲስካ ክትሰምዖም ከለኻ ዝፈጥረሎም ሓጐስ ላዕሊ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ጥራይ ኣብ ክንዲ የዋህመኒ ኣሎ ዝብሉ ኖእ! ኣገዳሲ ሰብ ስለ ዝኾንኩ ወይ ድማ ቁም ነገር እዛረብ ሰለዘለኹ’ዩ ዝሰምዓኒ ዘሎ’ምበር ክሳብ ክንድዚ ኣይምተገደሰለይን ይብሉ። ስለዚ ወላ fake interest ኣርኢ ALL interest whether fake or real is an interest!
እዛ ሕጊ genuine interest ኣርኢያ ትብል ኣላ። ዘይልባዊ ግዳሴ ከምዘሎ ከም ርዱእ ወሲድዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ኣነ ከም ሲዶና ግን እዚ ዴል ጋርኔጊ “ልባዊ” ዝብሎ ዘሎ ነቲ ዕላማ ስለምንታይ ኣብ ሰባት ትግደስ ዘይኮነ ነቲ ተገዲስካሉ ዘለኻ ነገር ወይ ኣርእስቲ ልባዊ ክኸውን ኣለዎ ማለቱ’ዩ መስለኒ። ንሓደ ዕባራ ግጥሚ ዝገጥም ሰብ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓንካስ ማይ-ቤቱ እናመልከትካ “ካልኣይ ፑሽኪን” ትብሎ ገለ ጽቡቕ ነገር ከተውጻሉ እትክእል ክፋል ስርሑ ምትኳር ይሓይሽ ክብል ዝደለየ መስለኒ። እዚ ምግባርካ ካብ flattery ወጺኻ ናብ praise ትኣቱ ካልኣይ ድማ ነቲ ትዛረቦ ክትኣምኖ ስለ ትጅምር ዘእምንን ሓቅን ዘረባ ክትዛረብ ትጅምር።
ኣርእስቲ ናይዛ ዘለናያ ምዕራፍ Do this and you’ll be welcome anywhere ‘ያ ትብል። ኣብዛ ምዕራፍ ዴል ጋርኔጊ ነዛ ሕጊ ብመዓልታዊ ዛንታታት ተመሃሮኡን ፍሉጣት ሰባትን (ኣብ 1920ታት 30ታትን ዝነበሩ) ጌሩ ኣሀብቲምዋ ኣሎ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልናዮ ኣገዳስነት እታ “ኣነ” ትብል ክንድ-ስም ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ “ጭብጢ” ኣቅሪቡ። ኣብ ኒው-ዮርክ ዝርከብ ሓደ ትካል ቴለፎን ብዝገብሮ መጽናዕቲ ኣብ 500 ናይ ቴለፎን ዝርርባት እዛ “ኣነ” ወይ “I” ትብል ቃል 3990 ግዜ ተሰሚዓ! ዴል ካርኔጊ እንቋዕ ምምጻእ ሰልፊ ከይረኣየ ሞተ። ኣይበልኩን’ዶ ምበለ ኔሩ። እቲ ደስ ዘብል ነገር ናይዛ መጽሓፍ ንኹሉ ብዛዕባ ኢጎ ዝብሎ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ስለ ዘይርእዮ’ዩ። ምስቲ ናይ ሰብ ኢጎ ከመይ ኣቢልካ ትሕልዎ ዝብል መርገጺኡ ብዝሰማማዕ ናይ ኣንባቢኡ ኢጎ ይሕልዎ ኔሩ። ኣብዛ ምዕራፍ ብ bold ዝተጻሕፈት ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ጥራይ ኣላ። ንሳ ድማ Why should people be interested in you unless you are first interested in them? ትብል’ያ። ቀጺሉ መልስኻ ብርሳስ ጌርካ ኣብዚ ጸሓፍ ኢሉ መመለሲ ቦታ ገዲፉልና ኣሎ። ንዝተገደስካሉ ሰብ ይኹን ነገር ዋጋ ግዳሴኻ ከርእየካ ኣይጽግሞን’ዩ ዝበሃል። ኣትክልቲ ከይተረፉ ተገዲስካ እናቀባጠርካ ትዛረቦም፡ ኡፍ ኡፍ ትብሎም፡ መዓልታዊ መጺኻ ትርእዮም ‘ተኾንካ ይብል ኣብ ሓደ መጽናዕቲ  ወላኳ ሓደ ዓይነት መሬት፡ ድኹዒ፡ ጸሓይን ካልእ ኩሉ ነገራትን ሃቦም እቶም “ዝተገደስካሎም” ኣትክልቲ ካብቶም ሸለል ዝተኣዘዞም ዝያዳ ምህርቲ ይህቡ ይበሃል። ዱባ ኢጎ ኣለዎ ዲና ክንብል፧ ኦሾ attention ወይ ግዳሴ መግቢ እዩ ዝብሎ ስለዚ ‘ዮም ‘ቶም ኣትክልቲ ዝያዳ ካልኦት ዝዓበዩ። እንድዒ! ከምኡ ተበልኩሞ ሐራይ። ግን በዓል ኮሚደረን ሽጉርትን ከማን ዝርድኦም ‘ተኾይኑ ሰባት ደኣ ክንድምንታይ ይስምዖም ይኸውን፧
ኣብዛ ምዕራፍ ተጠቒሰን ዘለዋ መጽሓፍቲ
1.   What Life Should Mean To You –Alfred Adler
2.   Theodore Roosevelt, Hero To His Valet – James E. Amos
3.   The Return to Religion – Henry Link
ፍልጠት ለውጢ ከየምጽእ ይእኽል። ምናልባት ነዘን መጽሓፍቲ ስለ ዘንበብካ ምስ ሰባት ዘለካ ዝምድና በቓ ክመሓየሽ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ፍልጠት ክልውጥካ ኣለዎ። ባህሪ ኢጎ ዘጽንዑ ተምራመርቲ ብዝረኸብዎም ነጥብታት ተሓጊዞም ግምታዊ ዝኾነ ካርታ ሰባት ሂቦም ኣለው ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ግን ናትኪ እዩ። ንስኻ ገለ ነገር ስለ ዝደለኻ ንሓደ ሰብ ትግደሰሉ፡ ንሱ ነዚ “genuine interest” ርእዩ ባህ ምስ በሎ ነቲ ትደልዮ ክገብረልካ ይኽእል’ያ ‘ታ ነጥቢ (ከይተጸባበቐት)። እታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ብኣኻ ትጅምር። ተገደስ! ልባዊ ብዝኾነ መገዲ ከኣ ተባሂሉለይ! ንሓንቲ ንግሆ ንግሆ ትረኽባ ሰበይቲ ተገዲስካ ብዛዕባ ደቃ ሕተታ፡ ደው ኢልካ 5 ደቂቅ ኣጥፍኣላ። ኩሉ ሰብ ን attention ደልዩ እናጐየየ ከሎ ንስኻ ግን ንካልኦት ሰባት ዓድሎ (ወፍሪ ዓይነት ማለት’ዩ) ጽባሕ ወፍርኻ ክርብሓካ ስለ ዝኾነ ከይበቀቕካ genuine interest ኣብ ካልኦት ኣርኢ ይብለና ኣሎ ዴል ጋርኔጊ።
ክንኣስሮ የድሊ ዶ ይኸውን፧ ተገደስ ክግደሱልካ። ግድን ናይ ካልኦት ሰባት ኣተኩሮ ከም ዘድልየካ ትሑዝ’ዩ ጌርዎ መስለኒ። ብዘይ ናቶም በረከተ-ግዳሴ ሕጉስ ክትከውን ከምዘይትኽእል ጌሩ’ዩ ዝቀርጸካ ዘሎ። ምናልባት ሓቁ ክኸውን ይኽእል’ዩ። “ብሰባት እግደስ’የ” በል ወይ “ባዕሎም ይፈልጡ” በል ክልቲኡ ኣብ ካልኦት’ዩ ዘሎ ሓሳብካ። ዘረባኻ ብዛዕባ ካልኦት’ዩ ዘሎ (ወላ ጽልኣዮም ወላ attention ናይ ሰባት ዘየድልየካ ኩን)። ፍልስፍና ክገድፎ እናበልኩ ይሞልቀኒ ኣሎ። ስለዚ ብሰባት ተገደስ ወላ ኣይትገደስ  ንዓኻ ይምልከት። ዘድልየካ ምስ ረኸብካ ነቲ ሰብ ሸለል ክትብሎ ዲኻ ማለት ድዩ፧ ናይ ዴል ጋርኔጊ ትምህርቲ ን ሸቓጦ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ከመይ ጌርካ ኣብ ሓደ ኦፊስ ኣቲኻ ‘ታ ንብረት ሼጥኻ ትፈራረም’ዩ ዘገድሶ ነይሩ። ናብታ ፌርማ ወይ “ዲል” ክትበጽሕ ዝኾነ ዋጋ ክኽፈል ከም ዘለዎ ይኣምን ስለ ዝነበረ genuine interest ኣርኢ ኢሉ። ካብ ቢዝነስ ወጻኢ ምስ ፈተኖ ድማ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኤውሬካ! ሰባት ክግደሱልካ ተገደሰሎም። ቻው

1 comment:

  1. ንቐጻሊ መደባት ትሕዝቶኹም
    ኸታታሊ ጽሑፍ ብኸመይ ክኽተል ይኽእል

    ReplyDelete

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...