Showing posts with label sidona omer. Show all posts
Showing posts with label sidona omer. Show all posts

Monday, August 20, 2018

ሪሃናን ዘገዳም ሓሳባታን “Wild Thoughts”

መስከረም 17
ኣባጅጎ ፡ Import ዘይኮነ “ጽሩይ” ኣምላኽ ሓበሻ
ቅድሚ ናብ ሰፊሕ ዛዕባ ናይዚ ሰሙን ምእታወይ ገለ መዘኻኸሪ ክገብር። ዘይትፈልጡኒ ተለኹም ፡ ኣብ ፌስቡክ Like ወይ Comment ክትኮበለይ ኢለ ዝጽሕፍ “ለማኒት” ኣይኮንኩን። I really don’t give a shit ብዛዕባይ ትብልዎ። መብዛሕትኹም ተገዲስኩም ክትኩምቱ ቢልኩም መላጉም ኮምፒተር ወይ ሞባይል ትጸቅጡ ሰባት ኣተሓሳስባኹም predictable ኢኹም። ምሳኹም ዝሰማማዕ ሓሳብ ተመጸ ተጣቅዓዑ፡ ኣንጻርኩም ንዝዛረብ ትጸርፉ። ሳልሳይ ጉጅለ ከኣ’ባ ኣለው ኣንቢቦም ስቅ ዝመርጹ። ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኣባል ESG ሲ I don’t believe I wrote this much ዝዓይነቱ ዘረባ ኮሚቱ! ጉድ’ኳ’ዩ! መን ጸሓፈለይ ኢሉካ ተበልካዮሲ መን ክብል’ዩ፧ ኣነ’የ ጌገኛ ኮመንት ዘንብብ! ትኳቦ ትሃርፍ ለማኒት ፌስቡክ ድየ መሲሉካ፧ ሓቅኻ ኢኻ ግን ፡ ተገዲሰ እዚ ኹሉ ምጽሓፈይ ምስ ስእነት attention ቆጺርካዮ ምሽ። ከምቲ ደበና ብዝናብ ዝዝቅብብ ኣነ ድማ ብሓሳባት ስለ ዝዘቅበብኩ’የ ቶሾሽ ቶሾሽ ዘብሎ ዘለኹ’ምበር፡ ከም ኣደይ ኢታይ ለማኒት ተዝኸውን’ሲ ኣብ ክንዲ ክህብ ፡ ክወስድ ምተጓየኹ። ካብ ኣምላኽኩም ኮነ ካብ ዓለም ዝደልዮ emotional pampering የለን። ካበይ መጽየ ኣይፈልጥን’የ፡ ክሳብ ዘለኹ ኣለኹ ምስ ሞትኩ ድማ ፋክ ኢት! የለኹን ሽዑ አርክበሉ! ኣምላኽ ኣሎ ተልካኒ፡ “እንታይ’ሞ ነዓይ፧” ኣምላኽ ሞይቱ ተልካኒ፡ “እንታይ’ሞ ነዓይ፧” ድላይካ በል ኩሉ ከንቱ’ዩ፡ ወላ ከንቱ’ዩ ምባል ከንቱ’ዩ። ስለዚ ኮመንት ነዓይ ኣይኮነን ክጸሓፍ ዘለዎ፡ ተገዲስኩም ወላ ኣንጻራዊ ዝኾነ ኮመንት ትጽሕፉ ኣብቲ ዝቀረበ ሓሳብ ግበርዎ ምኽንያቱ An idea is stronger than a person. ወላ ኣነ ተሞትኩ ኣብ ውሽጥኻ ግን ተመሳሳሊ ሓሳባት ኣሎ፡ ሽሕ’ኳ እናጸቐጥካ ናብ subconscious ተእተኻዮ። ዳዕሽ ተኸደ እቲ idea ናይ ዳዕሽ ክሳብ ዝሃለወ ስም ቀይሩ ቦሎኽ ክብል’ዩ። ስለዚ scholar ማለት ምስ ትርኪ ምርኪ personal ነገራት ዘይኮነ ምስ ሓሳባት ዝገጥም ሰብ ማለት’ዩ። ንቀጽል
************
ቅጭ ካብ ዘምጹለይ ዝነበሩ ነገራት ሓደ “ኣመንቲ ኣምላኽ ወይ ኣላህ” ኢና ዝብሉ ሰባት ክጭነቁ ክርኢ ከለኹ’ዩ። ከምቲ ትብሎ “ኣምላኽ ጸግዒ እንተለኻ እንታይ ኮንካ ትጭነቅ ኣለኻ፧” ተበልካዮም እንታይ ኢሎም ክምልሱ’ዮም። “ኣምላኽ ምሳኺ ተሎ እንታይ ነፊሑኪ ትፈርሂ ኣለኺ፧” ተበልካያ እንታይ ክትብል’ያ፧ ሎሚ ምስ ተረድኣኒ hypocrites ሪአ ቅጭ ምምጻእ ገዲፉኒ’ዩ። ከም ፓፓጋሎ ዝሰምዕዎ ዝደግሙ ስለ ዝኾኑ ጥራይ’ዮም እቲ ጸገም። ንኣምላኽ ናይ ብሓቂ ዝፈልጥዎ እንተዝኾኑስ ጭንቀት ኣይምሃለዎምን ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። እዞም ኣሕዋትና ግን ካብ ወለዶም ወይ ከባቢኦም ዝወረስዎ ተዋስኦ’ዮም ዝዋስኡ ዘለው። ሕማቃት ተዋሳእቲ ድማ’ዮም። ጉድ’ኳዩ! ኣብ ኣላህ ወይ ኣምላኽ ትኣምን እንተኾንካ ክትጭነቅ ከለኻ እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ፧ ጭንቀትካ ባዕሉ ምስክር’ዩ። ምስክር ድንቁርናኻ! ኣምላኽ እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይትፈልጦ ሕንጻይ ምዃንካ። ንኣምላኽ ውን ጸርፊ’ዩ፡ ምኽንያቱ በዚ ብመልሓስካ እኣምነካ’የ ትብሎ በቲ ድማ ከምዛ መወከሊ ዘይብልካ ትጭነቅን ትፈርህን። ኣብ ኣምላኽ ተወከሉ ኢልካ ድማ ትሰብኽ! ዜሮ! “ሰይጣን’ዩ ከም ዝጭነቅን ዝፈርህን ዝገብረኒ” ኢልካ ድማ ተላግበሉ። ብዘይ ሰይጣን’ከ ካልእ እንታይ ምኽኒት ኣለኩም፧ ዘኢትነገር ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ሰብ ብሒም ኢሉ ኣይዛረበሉን’ዩ። ካብዞም ሕማቃት ተዋሳእቲ ኣምላኽ’ሲ ዞም ኢዚሀራውያን ምስ ጸገሞም ዓሰርተ ኢድ እሕሹኒ። ኣብ ጀርመን Alternative fur Deutschland AFD ዝበሃል ሰልፊ ኣሎ ይበሃል፡ ቀንዲ ዛዕባ ናይ ሎሚ ልጥፎ ድማ ምምስራት Alternative for God (AFG) ዝብል parody religion ንምብሳር’ዩ። ትርጉም ፓሮዲ ዘትፈልጥዎ ተለኹም ምንባብ ኣቋሩጹ። ዝተረፍኩም ንኺድ
**************
ብዙሓት ዝፈልጦም “ቀለም ቀመስ” ሰባት ክቱር ጽልኢ ሃይማኖታት ኣለዎም። ንጸገማት ናይዚ ሎሚ ዘሎ ሃይማኖት ሪእኻ፡ ሃይማኖት ኣየድልን’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ክወስደካ የብሉን። ሃይማኖት ብዙሕ ማሕበራዊ፡ ውልቃዊ፡ ፓለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ትምህርታዊ ጥቅሚ ኣለዎ። ነዊሕ ከይደድና እዘን ሕጂ ንርእየን ዘለና ዓበይቲ ዩኒቨርስታት ዓለም’ኮ ስነፍልጠት ክስፋሕፍሓ ዘይኮና ሃይማኖት ክስፋሕፍሓ እየን ተመስሪተን። እዚ ተንብቦ ዘለኻ ፊደል ክሳብ ሕጂ ዘሎ’ኮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግሪኽን እብራይስጥን መተርጐሚ ክኾኖም ኢሎም’ዮም ኣቦታትና ክሳብ ሕጂ ኣጽኒሖሞ። ቅድሚ ክርስትና ናብ ሃገረ ሓበሻ ምእታው ጽሑፍ “ብግእዝ” ዝጸሓፍ እንተነበረ፡ “ንጉሳዊ ትእዛዝ” ወይ መዝገብ ናይ ቀረጽ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ቅድሚ ክርስትና ናብ ምድረ ሓበሻ ምእታዉ ፍልስፍናዊ ድርሳናት ኔሩ’ዶ፧ እንድዒ! ትግርኛ ካብ ግእዝ ድዩ ወጽዩ ወይስ ጐኒ ጐኒ ግእዝ ርእሱ ክኢሉ ዝነብር ዝነበረ ቋንቋ’ዩ፧ ኣነ ዝፈልጦ የብለይን፡ ትፈልጡ ተለኹም ገለ በሉና።
***************
ድሕሪ ግሪኻውያንን ምውዳቕ ሮማን እታ ጠፊኣ ዝነበረት ሽግ ፍልጠት፡ ሳላ ሃይማኖት’ያ ተዓቂባ ጸኒሓ። ካብኡ ናብኡ ከማን እቶም ወርቃዊ ዘመን ናይ ምርምርን ስነ-ፍልጠትን ዘሕልፉ ዝነበሩ ዓረብ። ነቶም ስነፍልጠኛታት ናይቲ ዘመን “ተመራመሩ ጥራይ እምበር ገንዘብ ኣይትሰከፉ” ዝብሉ ከሊፋታት ኔሮም። “ዘመነ ጸላም” ኣብ ኤውሮጳ ኣትዩ ኣብ ባሕሪ ምትሃትን ማሪታዊ እመነታትን ክሕንብሱ ከለው፡ ናይ ግሪኽን ሮማን ጽሑፋት ናብ ዓረብ ቶርጒሞም ኣጽኒሖምልና ጥራይ ዘይኮነ እዚ ግሩም ቁጽርታት 01234 ሂቦምና (Arabic numerals ዮም ዝበሃሉ)፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዳታት ጽቡቕ ሰጒሞም ኔሮም። እንታይ’ሞ ሽንቲ ገመል እንድዮም ኮይኖም! ጸቢብ ኣተሓስባ ሃይማኖት ክሕይሮም ምስ ጀመረ ደድሕሪ ገመል ምጉያይ ይሕሸና ኢሎም። እቲ ዝመራመርን ንኩሉ ዝሓትትን ዝነበረ ሓንጐሎሞ ናብ “ነዋልድ ሸፍነን!” “ንኩፋር ሕረዶም” ቀይሮሞ። መሕዘን! በቲ ዝጀመርዎ እንተዝኸዱ ሎሚ ካልእ ዓለም ምረኣና ኔርና። ድሕሪ ዘመነ ተሃድሶ ከኣ ‘ቶም ደቂሶም ዝነበሩ ኤውሮጳውያን መትሓዚ ክሳብ ዝሰኣኖም ንዝሓለፈ 600 ዓመታት ኣያታትና ኮይኖም ኣለው። ስነፍልጠት ተዝሕዙ ሎሚ ፡ ኤርዶጋን በሎ ኣሳድ መቀመጫ ፑቲን፡ ስዑዳውያን በሎም ቀጠራውያን ድማ መቀመጫ Whitehouse ኣብ ምልሓስ ኣይምኣተውን። ብዝኾነ ቅድም ብዛዕባ psychological need ናይ ሃይማኖት’የ ክዛረብ።
**********************
ነዛ ናይ ኣምላኽ ፋይል ዓጺኻ ብሰላም secular ህይወት ክትመርሕ ትኽእል ተኾንካ ግርም ምኾነ። ካበይ መጺኻ ኣይግድሸካ፡ ምስ ሞትካ እንታይ ከም ትኸውን ኣይግድሸካ፡ ድሌትካ ክትረክብ ዝኾነ ነገር ክትገብር ቅሩብ፡ ሕልናኻ መመርሒ ህይወትካ ጌርካ ክትምርሽ እንተደኣ ክኢልካ ካልእ ዘየድልየካ “ጻድቕ” ኢኻ። እዚ ክትገብር ግን ከቢድ’ዩ። ስለምንታይ፧ ሰብ social animal ኮይኑ፡ subconscious ዝኾነ ድሌት ኣባል ናይ ጉጅለ ምዃን ኣለዎ። ‘ቲ ቀደም ዓለም በይንኻ ትውጻእ ኣይነበረትን። ሃድን በይንኻ ጢል ጢል እናበልካ ተኼድካ፡ ኣብ መገዲ ዕስለ ተዃሉ እንተጓነፉኻ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ስለዚ ውሕስነት ኩሉ ግዜ ኣብ ጉጅለ እዩ ኔሩ። እዚ ምስ ግዜ ናብ ዓሌትን እንዳን ማዕቢሉ፡ ምስ ግዜ ምጥርናፍ ዓድታትን ዓሌታትን መጺኡ። ምስ ግዜ ‘ዞም ጉጅለ ናብ ማሕረስ ምስ ኣተው ዝናብ ክቦም መታን ናቶም ዝኾነ ጣኦት ምህለላ ክገብሩ ጀመሩ፡ ነቅሽሽትና ወይ ንሸኻትና ዝመስሉ ኣብ መንጎ’ቲ ጣኦትን ደቂ’ቲ ዓድን “ወረ” ዘመላልሱ ድማ ተቀልቂሎም። እዚ “ናቶም” ወይ ዋንነቶም ዝኾነ ጣኦት ምስ ካልእ ቀቢላ ኣብ ውግእ ዝኸዱሉ እዋን ኣብ ጐኖም’ዩ። ሎሚ ዘሎ ኩነታት ድማ ተመሳሳሊ’ዩ፡ ኣላህ ናይ ኣስላም ደጋፊ፡ ክርስቶስ ናይ ክርስትያን ደጋፊ ፡ ቡድሃ ናይ ቡድሂስት ደጋፊ። ዋንጫ ዓለም ጌሮ’ሞ በቃ! ንስኻ ተምልኾ ንሱ ካብ ጸላኢ ይከላኸለልካ (win-win) ። ኣብ ሳልሳይ ወራር ኣብ ገዛውትና ዝነበራ ኣንስቲ ክምህለላ ኢለን ናብ ቤተክርስትያን ይኸዳ ነበራ። ኣብ መቀለ ዝነበራ ኣንስቲ ከኣ ናብ ናተን ቤተክስርስትያን ይኸዳ ኔረን ይኾና። ኣስላም ምስ ክርስትያን ክበኣሱ ናብ “ኣምላኽካ” ምጽላይ’ሲ ደለ ኹን ምበልናዮ፡ ክልተ ኣስላም ወይ ክልተ ክርስትያን ከበኣሱ ከለው ናብ ተመሳሳሊ ኣምላኽ ምጽላይ ግን ኣበይ ከሽርፎየ፧ ብዝኾነ ግን ‘ዘን ኣንስቲ ደቀን ብሰላም ክምለሱለን ኢለን’የን እምበር፡ ብጸሎት ንወያነ ክስዕራ ደልየን ኣይመስለንን። ዝገብርኦ ስለ ዘይብለን ኣብ ኣምላኽ ይዕቆባ፡ ጸግዒ ወይ ጽላል ኣብ እመነተን ይረኽባ። ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ካብ ዘሕመኒ’ዩ። ኣላህ ንሺዓ ድዩ ክሰምዕ ንሱኒ፧ ኣብ ኤርትራ ሺዓ ዳርጋ ስለ ዘየለው፡ ኣብዚ ጉጅለ ዘለኹም “ኣላህ ናይ ሱኒ ደጋፊ’ዪ” ኢልኩም ተመለስኩም ኣይሕዘልኩምን። ብዝኾነ ፡ ከም ትዕዘብዎ ዘለኹም ውሕሰነት ምድላይ instinct እዩ። ዕምባባ ጽገሬዳ ከማን እሾኽ ጌራ ነብሳ ክትከላኸል’ያ ትፍትን፡ ሰብ ድማ ምስ ካልኦት ብምዃን’ዩ ውሕስነት ዝደሊ።
**************************
The Rainmaker ወይ ኣባጅጎ ቅድሚ ክርስትና ወይ ምስልምና ናብ ኤርትራ ምምጽኡ ዝነበረ original ኣምላኽ ኤርትራውያን’ዩ። ብሰንኪ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣና ኢዮም ምስልምናን ክርስትናን መጺኦምና እምበር፡ ኣብ ክንዲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከል ጫካታት ብራዚል እንነብር ህዝቢ እንተንኸውን ኔርና ብሰላም ምስ ኣባጅጎና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ምነበርና። ኣባጅጎ ሽኮር! ብሓይሊ ውሓጥዎ ኢሉ ዘስገደደና ሰብ የለን። ሎሚ ንኩሉ ኤርትራዊ ፡ ሃይማኖታዊ ሓረጉ ወላ ኣብ ስሙ እዩ ዝልጠፍ! ኣባጅጎ ከምዚ ጌሩ ኣይምፈላለየናን። ዓብዱን ገብረን ዝበሃሉ መፈላለይቲ ኣስማት ኣይምሃለወናን። ደሓን ይእቶ ህ.ግ. ንኩሉ ሃይማኖታት ክፉት ስለ ዝነበረ ሎሚ ሳላኡ ኣብ ኤርትራውያን ኣስላማይ ክርስትያን ኢልካ ብዙሕ ምፍልላይ ዳርጋ የለን። እዚ ምስቲ ብዙሕ ዘይነቅሐ ህዝብና ኣረኣኢኻ ተኣምር’ዩ። ብዘለዎ ክቅጽል ይግባእ። እዞም ውዑያት መንእሰያትና (ካብ ኩሉ ደንበ) ከተስተውዕልዎ ዘለዎም፡ ንካልእ ሰብ ድላዩ ይእመን ሓሳባቱ ከተኽበረሉ ሰናይ እዩ። ጥሩፍነት ብሰለስቲኦም ወገናት በጨቅ ይብል ኣሎ። (ኤርትራውያን ኢዚሀራውያን ካብ ብዝሖም ዝተላዕለ ሳልሳይ ዝበዝሑ ተኸተልቲ ዘለዎም ወገን ኮይኖም ኣለው፡ ጽንሕ ኢሎም majority ከይኮኑ እሰግእ’የ)። ኩላትና ደቂ ኣባጅጎ ኢና፡ ወላ’ኳ ሕጂ ካልእ ናይ ባዕዲ እምነት ሸሚትካ ናይ ክርስቶስ’የ  ወይ ናይ መሓመድ’የ በል፡ ሱር መሰረትና ኣባጅጎ’ዩ። ባዕዳውያን ንጥቅሞም ኢሎም ዮም ክልቲኡ ሃይማኖታት ናብ ኤርትራ ኣእትዮ’ሞ። ጥቅሚ ሃይማኖት ኣብ ምፍጣር social cohesion ስለ ዘይከሓድ ግን በቲ ዘሎ ንኺዶ። Hypocrite እንተዘይኮንካ መበቆላዊ ሃይማኖት ኤርትራውያን ኣባጅጎ ምዃኑ ሰሓቦ ጉተቶ ዘድልዮ ኣይኮነን።*********************
ሃይማኖት ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ቦታ ኣለዎ’ዶ፧ ክልቲኡ። እቲ ቀደም ኣብ subconscious ዝተፈጥረ ቀዳድ ንምዕባስ ኢልካ ምስ ከማኻ ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎ ሰብ bond ምግባር ይረአ’ዩ። ESG ከይተረፈተ ሓንቲ ንእሽቶ መርኣያ ናይዚ need to socialize’ያ። ኢዚሀራዊ እንተኾንካ ምሳኻ ኮይኑ ጸረ-ኣምላኽ ዘጣቅዕ መጣፍእቲ ትደሊ። ኣስላማይ ተኾንካ ምሳኻ ተጐምቢሑ ዝጽሊ ሰብ ትደሊ፡ ወይ ከምዚ ናይ ጴንጤ ኣሕዋትና ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ጸሎት ዝስዕስዕ ትደሊ። ኩሉ ድሌታት’ዩ። It doesn’t matter the Object of belief  ምስ ሰብ ኮንካ ምጥቃዕ ጥራይ’ዩ ‘ቲ ዕላማ። “ኣምላኽ ኣሎ” ኢልካ ተጣዕቅ፡ “የለን” ኢልካ ተጣዕቅ። መጣቃዕቲ! ስቕ ክትብል ነብስኻ ኣይገብረልካን’ዩ። ሓቅኻ ኢኻ ግን ስቅ ተበልካ ሽግር ከመጻካ’ዩ። Ego ምውሳን’ዩ ዝደሊ። ውሳኔ ማለት መደብ ምውጻእ ማለት’ዩ፡ መደብ ምውጻእ ማለት ንጽባሕ ምሕሳብ ማለት’ዩ፡ ንጽባሕ ምሕሳብ ማለት ኣብ ሕጂ ከይትነብር መመኽኔታ ምፍጣር ማለት’ዩ። ኩሉ ጸገማትካ ድማ ናይ ጽባሕ ወይ ናይ ትማሊ እዩ። ኤክሃርት ክኾነልኩም፡ ኣብ ሕጂ ዝኾነ ጸገም የለን፡ ኣብ ሕጂ ኮይኑ ego መወከሲ ነጥብታት ክሰርሕ ግድን ንጽባሕ ወይ ንትማሊ ክሓስብ ኣለዎ።ሽግር ኣብዛ ህሞት ገዛ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፡ ስለዚ መደብ ዘይብሉ ሰብ ማለት ዓለባ ሳሬት ናይ ego ኣበይ ከም ትኸውን ዘይወሰነ ማለት’ዩ። እዚ ንego ሽግር’ዩ። ክርስቶስ ብትኸደንዎ ኮነ ብትበልዕዎ ኣይትጨነቁ ዝበሎ እንታይ ማለት ምዃኑ’ሲ ኣነ’ዶ ቀሺት ኮይነ ሕጂ ክገልጸልኩም፧ Ego ግን ግድን ክሓስብን ክጭነቅን ክሻቀልን ኣለኒ’ምበር ከምኡ ተዘይጌረ ደኣ I’m not living ይብል። ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ደረፍቲ ኢና ዝብላ ደቀንስትዮ (more like ወጨጭቲ) ንተፈቃሪ  “መሻቀሊ” ኢየን ዝብላኦ።  ግድን ክትሻቀል ኣለካ! ፍቅሪ ብዘይ ሻቅሎት ፍቅሪ ኣይኮነን። ህይወት ብዘይ ጭንቀት ህይወት ኣይኮነትን ይብሉኻ። ጭንቀት ዘይብሉ ሰብ ኣፎም መሊኦም ጽሉል’ዩ ይብሉ። ካብዛ ብጭንቀትን፡ ሻቅሎትን ዝተመልአት ህይወት ካልእ ገጻ ስለ ዘይፈልጡ፡ ብዘይ ጭንቀት ምንባር ይከኣል’ዩ ተበልካዮም ከመይ ቢሎም ክኣምኑ። ኢጎ ፡ ንዘረባ ክጥዕመልና ሰይጣን ወላ ንበሎ ድማ “ሓቅኻ! ተጨነቅ፡ ንጽባሕ ኣክብ፡ ፍራሕ” እናበለ የተባብዓካ። “ጾርካ ናብ ኣምላኽ ኣይትደርቢ፡ take things on your hands” እናበለ ኣብኡ ተኣሲርካ ከም እትነብር ይገብር። ጽባሕ ቀለብ ፍልሖ ንትኸውን ኣብ ክንዲ ቀሲንካ ናብ መቃብርካ ትኸይድ፡ ምስ ሰብ እናተባኣስካ፡ ተመስገን ከይበልካ ሞት የርክበካ። ስለዚ ወላ’ኳ ብኣፍካ “ኣማኒ” እንተኾንካ ኣብ ግብሪ ግን ናይ ኢጎ ኢኻ። ኢጎ ንዝኾነ ሃይማኖት corrupt ጌሩ፡ ሬሳ ጥራይ’ዩ ዝገድፈልካ። ኣመንቲ ሃይማኖትን ገለ ተምላስ ዘምጽእ ተግባራቶምን ሪእኻ ካብ ሃይማኖቶም እንተባህረርካ ኣይተሓዘልካን።
************************
ነዊሕ ዘረባ’ንድዩ ክንኣስሮ፡ ብዘይ ሃይማኖት ክትነብር ማለት ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ዝኸደ subconscious need to be part of something ክትድምስሶ ስለ ዘይከኣል ከቢድዩ፡  ስለዚ ምስ ዝኾነት “ጉጅለ” ማሕበር ክትኣቱ ኣለካ። ግድን ኣይኮነን ናይ ሃይማኖት ክኸውን፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ናይ ገዛውቲ ማሕበር፡ ማሕበር ህግደፍ፡ ማሕበር ፌስቡክ፡ ማሕበር ጽሙማን፡ ወይ ኣባል ዝኾነት ማሕበር። ወላ ኣባል ኣይትኹን፡ ተመርዓው እሞ ኣባል ናይ ስድራ ኩን። egoኻ እናተዛረበ ጦቅ ስለ ዘብለካ በይንኻ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ማሕበር ምረጽ። ከማይ ማሕበር ዘይብሎም ጉጅለ ውን ንርእሶም ማሕበር’ዮም። ካብ ሎሚ ግን ጀሚረ ኣብ ማሕበር ኣባጅጎ ተጸንቢረ ኣለኹ። ናብ እምነተ ኣባጅጎ ክትጽንበሩ እትደልዩ ኩላትኩም ኣባላት መርሓባ! ኣባጅጎ ኣቦኹም ነዚ ኣብ ልዕሌኹም ተስገዲዱ ዘሎ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ንየው በልዎ ይብለኩም ኣሎ። ኣባጅጎ ካብ ናይ ክርስርያን ወይ ኣስላም ኣምላኽ ተዘይዓብዩ ኣይንእስን’ዩ። ጽሩይ ሓበሻዊ ዝኾነ ኣምላኽ ከለካ’ኸ እንታይ ማለት’ዩ ናይ ኣይሁዳውያንን ወይ ናይ ዓረብ ኣምላኽ ምምላኽ፧ ሃይማኖታዊ ወራር ናይ መሴ፡ ናይ ክርስቶስ ፡ ናይ መሓመድን ብወግዒ እቃወሞ ኣለኹ። ኩሉ ኢዚሀራዊ ሓሳዊ እዩ (ኣምላኽ ከም ዘየለ ብጭቡጥ ስለ ዘየረጋገጸ) ፡ ኩሉ ዚሀራዊ ድማ ከሓዲ እዩ (እምነት ናይ ጥንቲ ኣቦታትና ስለ ዝሸጠ)። ሃይማኖት ነዚ need to bond ዘድሊ ካብ ኮነ፡ ኣባጅጎ’ዩ እቲ non-hypocritical ሓቀኛ ኣምላኽ ሓበሻ። ነዚ ኣምላኽ’ዚ ገዲፍካ ምስ ካልኦት ናይ ባዕዲ ሃይማኖታት ምዝማው ዓገብ። ከይትኹርዩ እምነትኩም ዝኾነ ይኹን አኽብሮ’የ ፡ ኣቱም ክርስትያን ኣቦታትኩም ቅድሚ 1700 ዓመታት ስለ ዝኸስተኑ፡ ኣቱም ኣስላም ድማ ቅድሚ 1400 ዓመታት ስለ ዘስለሙ ኢኹም ሎሚ ከምዛ “ሓቂ” ትፈልጡ ትዛረቡ ዘለኹም። ቅድሚ 3000 ዓመታት ኣብ ኤርትራ መን’ዩ ኣምላኽ ኔሩ፧ ንክልቲኦም ሃይማኖታት እምቢ ዝበሉ ኔሮምዮም ግን ተሓሪዶም’ዮም፡ ኣምለኽቲ ኣባጅጎ ዝነበሩ ኣቦታትና ብጐነጽ ጠፊኦም። ካብ ሎሚ ጀሚረ ንዝኽሮም ስመይ Gwal Abba Jigo ክቅይሮ’የ። እንተቲ ናትኩም ግን ኣዲኣ ገዲፋ ሓትነኣ ትናፍቅ ጌርኩሞ። ኣይትሰከፉ ግን ኣባጅጎ ይቅረ ክብለልኩም’ዩ፡ እንተደኣ ናብኡ ተመሊስኩም። እንተኣቢኹም ዘይከም ኣላህ ወይ ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ኣይጠብሰኩምን’ዩ። ኣባጅጎ ሓቀኛ ኣቦኹም ስለ ዝኾነ ድላይኩም በሉ unconditionally የፍቅረኩም’ዩ፡ ወላ ምስ ካልእ ኣምላኽ ዘምው ንዘልኣለም ናትኩም’ዩ። ኩላትኩም ደቂ ኣባጅጎ ኤርትራውያን ህሉው እምነትኩም ብዘየገድስ ኣኣብ ዘለኹሞ ሰላም ኣባጅጎ ምሳትኹም ይኹን። ኣሜን!

Thursday, July 20, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.7



ሓሙስ ሓምለ 20 2017
ዴል ነዛ ምዕራፍ How To Get Co-operation ክብል ስም ሂብዋ ኣሎ። መልእኽታ ብቃላቱ “Let the other fellow feel the ideas is his.” ነዛ ምኽሪ ምስ ኣንበብኩ ትኽ ኢሉ James Sawyer ኣብ LOST ዝነበረ “ኮን-ማን” ተዘኪሩኒ። ኣብ ሓንቲ መውሲም ንሓንቲ “ኣፍቃሪቱ” 600, 000 ዶላር ክኩንና (ኮን ክገብራ) ምስ ሓሰበ ቆብ ኣቢላቶ፡ “ሒዝክኒ!” ኢሉ ተኣሚኑ። ጓል ግን ሰባት ከመይ ጌርካ ከምተታልል (ምትላል is too much of a word) ክምህራ ትሓቶ’ሞ። ዝዓበየት ምኽሪ ኢሉ ዝነግራ ልክዕ ከምዛ ናይ ዴል እቲ ተታልሎ ዘለኻ ሰብ እቲ ሓሳብ ናቱ ከም ዝኾነ መሲሉ ከም ዝስምዖ ክትገብር ኣለካ’ዩ ዝብል። ደስ ተብል ቃል ድማ long con ትብል ትዝከረኒ። ተመሳሳሊ ነገር ውን ኣብ INCEPTION ክንዕዘብ ንኽእል፡ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮ ሰባት ምዝራእ ወላ ብተመራመርቲ ስነ-ልቦና ይስርሓሉ’ዩ። እዛ ስነ-ልቦና ትብል ቃል ፈጺማ’ኳ ያ ዘይትብርሃኒ፡ እቲ ስነ ሐራይ እታ psyche ግን ብልቦና ምትርጓማ ስለምንታይ ስነ-ኣእምሮ ዘይትኸውን ወይድማ ከምታ ዘላታ ሳይኮሎጂ ከምዚ ባዮሎጂ ኖእ ስነ-ህይወት ክንብሎ ኣለና ኢሎም ዘጋሕምጥዎ ዘለው ማለት’ዩ። ነቀፌታ ይኣክል ሲዶና፡ እንታይ ግበሩ ትብል’ዮም ኣለኺ መሳኪን ቋንቋ ኣብ ክንዲ ዘማዕበሉ። ሰብ’ኮ ሕማቕ ኮይኑ ዝረኣዮ ክዝልፎ ከሎ ባህታ ይፈጥረሉ’ዩ፡ ከምቲ ትማል ዝበልናዮ ነገሩ ነገር ሻደንፍሮይደ እዩ ስለዚ ትግርኛ ከምዚ ኮይኑ፡ ዓለም ከምዚ ኮይና፡ መንግስቲ ከምቲ ኮይኑ ወዘተ እናበልካ ምዝራብ ብተዘዋዋሪ መገዲ ባህታ ይፈጥረልካ ስለ ዝኾነ’ዩ። ርግጽ’ዩ ነዚ ስነ-ሓሳብ ክትቕበል ኣዚኻ ካብ ምንቃሕካ ዝተላዕለ ኣብ ኢድካ ከማን ዓይኒ ከተውጽእ ኣለካ መስለኒ’ምበር-ዝኾነ ሰብ ካብ ጸገሙ ወይ ጸገም ካልኦት ሓጐስ ትረክብ ኣለኻ ምስ ትብሎ ኣብ መስቀል ክሰቅለካ ኣይጸልእን’ዩ። እቲ ዝገርም ግን ኤክሃርት ቶለ ዝተባህለ ናይ ሓዳስ ዓለም መንፈሳውነት መምህር ዓቢ pain body ዝብል ኣምር ኣልዒሉ ይዛረብ ኔሩ። ቃንዛን ሽግርን ኣብቲ ትገብሮ ኣነ ዝብል mind identification ማለት ስምካ፡ ዓሌትካ፡ ጾታኻ፡ ሃይማኖትካ፡ ሓሳባትካ፡ ብሓጺሩ ኣነ ድምር ናይዞም ኩሎም’የ ክትብል ኣነ ቃንዛ እስምዓኒ ኣሎ፡ ንስነ-ልቦና ትብል ቃል ኣይፈትዋን’የ ክትብል ብተዘዋዋሪ ነቲ “ኣነ” ዝብል ተዐንትሮ ኣለኻ። ምስ ግዜ እዚ mind identification ምስ ደልደለ ይብል ኤክሃርት ነብስኻ ካብ ሓሳባትካ ነጺልካ ክትርእየሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ትበጽሕ። ን Mysticism ሓድሽ ዝኾነ ሰብ ኣብዚ ዝተባህለ ብዙሕ ሕቶታት ክህልዎ ይኽእል ግን ከኣ ሓቁ’ዩ ምኽንያቱ ንስኻ ካብ ኣእምሮኻ ወጻኢ፡ ካብ ሓሳባትካ ወጻኢ ዝኸይድ ህይወት ኣለካ ምስ እትብሎ ክቅበሎ ይኸብድ’ዩ። እዚ ግን ካብቲ ኣምላኽ ኣሎ! “እመን ወይ ኣይትእመን” ናይ ሃይማኖታት ዘይኮነ ኮፍ ኣቢልካ ፈቲንካ ክትበጽሖ ዘለዎ ዕድል ይሓይሽ መስለኒ። ንመለስ ሻደንፍሮይደ  መሰረት’ዚ ኩሉ ምምራር ሰባት፡ ሻደንፍሮይደ ጥቕሚ ኣለዎ (ቀንዲ ንኢጎ)፡ ሲዶናን ደቂ ሰባትን ተማረሩ፡ ተተጻረፉ፡ ተሸምጠጡ ባህታ ስለ ዝፈጥረሎም’ዩ። ሃይማኖት ስለምንታይ ሰባት ክቕይር ከም ዘይከኣለ ኣብዚ እነሀ እቲ መልሲ። እዚ ኹሉ ብውሑዱ 2000 ዓመታት ተፋቀሩ፡ ተሓላለዩ፡ ጽቡቕ ግበሩ እናተባህሉ፡ እዞም ኩሎም ካህናት፡ ሸኻት፡ ስዋሚታት፡ ፓስተራት ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ እናሰብኹ ስለምንታይ ሰብ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ በንጻሩ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ፧ እቲ መልሲ ከም ዝመስለኒ ከምዚ ገለ ኣሕዋትና ዝብልዎ ንሰይጣን ከላግበሉ ኣይደልን። እቲ መልሲ ሕማቕ ናይ ካልኦት ርኢኻ ትረኽቦ ሓጐስ ካብ ጽቡቕ ጌርካ ትረኽቦ ሓጐስ ስለ ዝዓቢ ኮይኑ እስምዓኒ። እዚ ማለት ሰብ ብወለዱን መራሕቲ ሃይማኖትን ጽቡቕ ክገብር ከም ዘለዎ ሓንጐሉ-ተሓጺቡ ስለ ዝዓቢ፡ ደላይ ጽቡቕ ዝኾነ ኮይኑ ክስምዖ ይኽእል፡ ይደሊ፡ ይፍትን ውን። እዚ ግን ዶብ ኣለዎ ንኣብነት ጻድቅ ዝበሃል ሰብ የልቦን’ዩ ዝበሃል። ኢሂ ስለምንታይ፧ ሓንቲ ፍረ ሓጢኣት ከይገበረ ክነብር ዝኽእል ስለ ዘየለ፧ ስለምንታይ ዘይህሉ፧ ሰብ ድኹም ስለ ዝኾነን ምሕረት ኣምላኽ ስለ ዘይድልዮን ይብሉኻ። ትማል ሓንቲ ጋዜጠኛ ኣብ መደብ መንእሰያት “ሰብ ብ ተፈጥርኡ ጽቡቕ ምግባር’ዩ ዝፈቱ” ኢላ ክትዛረብ ሰሚዐያ። ወይ ጉድ! ሕብረተሰብ ካብ ኡ ዝጽበዮ ጽቡቕ ምግባር’ዩ ተትብል ከማን ቁሩብ ምተቀበልክዋ። እዚ ኩሉ ሰብ-ሰርሖ ሽግር ደኣ ናይ መን ተፈጥሮ’ዩ፧ ሰብ ብተፈጥርኡ ሰናይ ዝደሊ እተዝኸውን ደኣ ጻድቃናት ኣይምፈልፈሉን’ዶ፧
ሲዶና በዚ ክሳብ ሎሚ ተመሊአዮ (ኣንቢበዮ) ዘለኹ ፍልጠት ሰብ ተፈጥርኡ ሰናይ ኣይኮነ ኣኼስ! እቲ ጸገም ዝመጽእ ይበሃል ሕ/ሰብ ንተፈጥሮ ወድ-ሰብ ሕማቕ ክብሎ ክጅምር ከሎ’ዩ። እዚ ብተፈጥሮ ዝተዓደለካ ነገር ካባኻ ቆሪጽካ ክትድርብዮ ምፍታን ኣብ ዘይተደልየ ረጺሚ የእትወካ’ሞ ንተፈጥሮኣዊ ወይ natural ህይወት ገዲፍካ ሰብ-ሰርሖ (ልክዕ ከም ስማ) ዓይነት ህይወት ክትነብር ትጅምር። ንጽብቕቲ ሰበይቲ ርኢኻ ስጋኻ ደስ ይብሎ ግን በቲ ሕ/ሰብ ዝብሎ “ቅኑዕ’ ክትከይድ ኢልካ ንስምዒትካ ትዓብጦ። እዚ ዕብጦ ሰብኣውነትካ ምስ ግዜ ፍስሃ ካብ ህይወትካ ኣውጺኡ ብመገዲ ሕ/ሰብ ትኸይድ “ዞምቢ” ይገብረካ። እቲ ድሌቱ ዝኸላእካዮ ነብስኻ ድማ ሓጐሱ ናይ ካልኦት ሽግር ካብ ምርኣይ ከምጽኦ ይጅምር! Sick! ኣይትሕረቕ፡ ኣይትሓሱ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይተማርር እናበልካ ብሓይሊ ኣጓዕጺጾም ንወድሰብ ክምህሩ ዝፍትኑ በሽሓት ዝቁጸሩ ሃይማኖታት ኣበይ ኣሎ ፍሬኦም፧ ከቶ ፍረ ከፍር’ዩ ኣይክእሉን’ዮም ምኽንያቱ ነቲ እንስሳዊ ንጹህ ባህሪ ወድሰብ ብ ፕላስቲክ ምትካእ ስለ ዝመረጹ። ገለ ኣሕዋት ኖእ! ንሕና ብምሕረት ኣምላኽ ኢና ንጸድቕ ‘ምበር ብግብርና ኣይኮናን ክብሉ ይስምዑ! ወይ ጉድ! ኣብዛ ዓለም ድላይካ እናገበርካስ ‘ያኢ “ድሒነ’የ”  ክትብል ዓገብ! ስለዚ ትብል ሲዶና ካብቲ ዝኣከበቶ ፍልጠት ተበጊሳ እዚ ኩሉ ስብከት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓለም ክመሓይሻ ካብ ዘይከኣለ ንጌጋ ሕማም ጌጋ መድሃኒት ንህብ ክይንህሉ ነብስና ምምርማር ይሓይሽ። ትማል ኣብ ቲቪ ዝርእዮ ዝነበርኩ ገለ ሕሉፋት ሂንዱስ ኣብ ሓንቲ ከተማ ህንዲ ስጋ ላም ክበልዑ ዝተረኽቡ ኣስላም ኣብ መገዲ ብዱላ ክሰሃልዎም ተዓዚበ። ገለ ውን ሞይቶም ይኾኑ’ዮም። ስጋ ላም ቅዱስ’ዩ ፡ ላም ቅድስቲ’ያ ክብሉ ዝሰምዖም ክርስትያን ወይ ኣስላማይ ክስሕቆም ይኽእል እንተ ንሶም ግን “ላም ቅድስቲ’ያ” ኣኸለ ንክትዕ ዝኾነ ባይታ የብሎምን። እዚ’ዩ ፍርያት ሃይማኖትኩም! ንሰብ ብሃይማኖት ክትቕይር ምፍታን ሽንቲ ላም ከም ጸበል ስተዮ ኣብ ምባል ትወድቕ! ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ኳ ዩ ከምዚ ገሊኦም ሓመድ ፍሒሮም ጸበል’ዩ ከም ዓሲር በጽቢጽካ ስተዮ ዝብሉኻ። ኣነ ስለ ዘይፈልጥ ጌጋ’ዩ ክብል ኣይደፍርን። ብእምነት ዝተገብረ ከሕዊ ይኽእል ይኸውን። ግን ካብ ሽንቲ ላም፡ ናይ ኣቦይ ቀሺ “ጸበል” ይበልጽ ኣይትበለኒ። ኩሉ እምነት’ዩ!
ክኣስሮ እሕሸኒ፡ ነዚ ዝተባህለ ምስቲ ዴል “No one likes to feel he is being told to do a thing. We much prefer to feel that we are acting on our own ideas. We like to be consulted about our wishes, our wants, or thoughts” ዝበሎ ከነተሓሕዞ። ሰብ ብውሽጡ ዘይኣመነሉ ነገር ወላ ብሰማይ መጺኡ ዝኾነ ኣምላኽ ከእምኖ ኣይክእልን። ድኻም ሃይማኖታት ኣብዚ ኮይኑ እስመዓኒ፡ ንሰብ ኣንጻር ባህሪኡ ብሓይሊ ጓዕጺጽካ ጽድቂ ከተስትዮ ምፍታን! ውጽኢቱ ምድጋም ኣየድልየንን። ሰብ ሃይማኖት ይኹን ናይ self-help መጽሓፍ ዝእዝዞ ክገብሮ ዝኽእል ዝተነግሮ ነገር ከም ሕጊ ምርኣይ ምስ ኣቋረጸ ጥራይ’ዩ። ንሕና ግን ኣብ ዓለም ናይ መራሕቲ ሃይማኖት ጌጋ ክንደግም ኣየድልየናን’ዩ። ንዝኾነ ሰብ ሓሳቡ ክትቕይሮ ብዛዕብኡ ተዛረቦ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓሳብ ሓሳቡ ከም ዝኾነ ኣእሚንካ ካብኡ ትደልዮ ርኸብ ይብል ኣሎ ዴል። ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ንሓሶት ክፍንፍና ክሳብ ዘይጀመረ ወላ ክርስቶስ መጺኡ ለሚንዎ ሓሶት ክገድፎ ዝኽእል መን ኣሎ፧ መሓመድ ኣይትሓሱ ስለ ዝበሎም ኣስላም ኣይሕስውን ክንብል ንኽእል’ዶ፧ ሰብ ክቕየር ብምስግዳድ ዘይኮነ ብምፍታው’ዩ። ካብ ናይ ሎሚ ብሎግ ዝተረዳእክዎ ‘ተሎ፡ ወድሰብ ኣንጻር ድሌቱ ወላ ኣምላኽ ዝኣክል እናፈራርሆ “ጽቡቕ” ክገብር ዘይደለየስ ኣነ ንስኻን “ከምዚ ግበር” ኢልና’ዮ ክንደየና ከይሰምዓና። ስለዚ ኣብ ክንዲ ንሕና እንታይ ደሊና ፡ ንሱ እንታይ ደልዩ ንስማዕ’ሞ ቁሩብ ሳይኮሎጂ ተጠቂምና ኣብ ውሽጡ ሓሳብና ንዝራእ። ዴል ካርኔጊ ብጥቕሲ ዘፍቕሮ ሰብ ላ-ኦ-ጹ ገይሩ’ዩ ነዛ ምዕራፍ ደምዲምዋ ኣነውን ከምታ ዘላታ ክጽሕፋ’የ። ቻው
“The reason why rivers and seas receive the homage of a hundred mountain streams is that they keep below them. Thus they are able to reign over all the mountain streams. So the sage, wishing to be above men, puts himself below them; wishing to be before them, he puts himself behind them. Thus, though his place be above men, they do not feel his weight; though his place be before them, they do not count it an injury.”

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...