Friday, September 29, 2017

What Christians Could Learn From Muslims and Vice Versa



What Christians Could Learn From Muslims and Vice Versa
ኣብ መንጐ ክርስቶስን መሓመድን ዘሎ ፍልልይ ዓቢ’ዩ። ‘ዞም ክርስትያን ኣሕዋትና ክርስቶስ ‘ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ’ እዩ’ዮም ዝብልዎ። ዘይከምቲ ናይ ምስልምና ብስስዐን ፖለቲካዊ ጥሙሕን ኣብ ሱኒን ሺዓን ክምቀል ከሎ፡ ኣብ ክርስትና ኣብ ክልተ ዝመቀለ ቀዳማይ East-West Schism ብመሰረቱ ኣብ ሰለስተ ነገራት’ዩ ኣተኲሩ። ቀዳማይ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ጥራይ ድዩ ዝመጽእ ወይስ ካብ ወልድ እንተላይ ይመጽእ’ዩ፧ ካቶሊክ ካብ ኣብን ወልድን በበይኑ ይመጽእ ክብሉ ከለው ምብራቃውያን ኦርቶዶክስ ድማ ካብ ኣብ ጥራይ’ዩ ዝመጽእ ይብሉ። ካልእ ፍልልዮም ዝበኹዐ እንጌራ ዲኻ ወይስ ዘይበኹዐ ኣብ ቁርባን ትጥቀምን፡ ሳልሳይ ፍልልይ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ ልዕሊ ኩሎም ሃዋርያት ድዩ ኣይኮነን። እዚ ማለት line of succession ካብ ክርስቶስ ናብ ጴጥሮስ ሓሊፉ። ጴጥሮስ ኣብ ሮማ ምስ ሞተ፡ ናብቲ ተኸታሊኡ፡ ከምኡ እናበለት ከየቋረጸት ክሳብ ሎሚ ኣላ። ጳጳስ ፍራንሲስ ድማ ሎሚ ነዛ ናይ ኩሎም ካቶሊክ ዝኾነት ምድራዊት ስልጣን ሒዝዋ ኣሎ። ኦርቶዶክስ ንልዕልና ጴጥሮስ ኣብ ሃዋርያት ኣይቅበልዎን። ጽቡቕ ነገር ናይዚ ግን ሴፍ ሒዞም ክመናጨቱ ትርጉም ከምዘይብሉ ዝተረድኦም ይመስል። ቀደም ብዙሕ ደም ፈሲሱ ‘ንድዩ ይኣክል ዝሓለፈ ኢሎም፡ ሎሚ ኣብ ኣኼባታት ከም መካትዒ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሽግር የብሉን። ኣብ ምስልምና ግን ዝኣክል ደም ስለ ዘይፈሰሰ ጌና ድሕሪ መሓመድ መን ይምርሓና ኢሎም ይተሃናኾቱ ኣለው። ጌና ብዙሕ ደም ውን ክፈስስ’ዩ። ጽምኢ ደም ዘሎዎም ሕሙማት’ኮ በዚሖምና።<>
ክርስቶስ ከም ሰብ ባህርያቱ ናይ ባእሲ፡ ናይ ውግእ፡ ናይ ጭካነ ሰብ ኣይኮነን ኔሩ። ብፍቅሪ ዘንጠብጥብ፡ ቦቅባቅ፡ ለዋህ፡ ሓላዪ፡ ናይ ብሓቂ ገንሸል ኣምላኽ’ዩ ኔሩ። እዚ ልኡም፡ ፈቃር ባህሪ ዝጽላእ’ኮ ተዘይኮነ ኣብ ማእከል ተዃሉ ኮንካ ግን “ጸጋማይ መትልሕካ ንዝጸፍዓካ፡ የማነይቲ ምለሰሉ” እናበልካ ክትነብር ኣይትኽእልን። ፍቅሪ፡ ይቅረ ምብህሃል፡ ሓልዮት ዝመልኦ ዕላም ሂቡ ከይዱ። እዚ ወላ ነዞም ክርስትያን ኣሕዋትና ኢሂታ ከምዚ ምሽ ኢልኩም እንታይ ደኣ ኢልካ ክትሓቶም ከለኻ ‘ሄይ ንሱ ፍጹም ሰብ’ዩ ኔሩ ንሕና ግን ድኹማት ኢና ስለዚ…….’ እናበሉ ዕባራ ምኽንያታት የምጽኡ። ካልእ ክርስቶስ ናይ ቄሳርን ናይ ኣምላኽን ኢሉ ንኩሉ ፈለዮ። ኣብ ትሕቲ ቄሳር ኣሜን በል ኢሉ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። እዚ ንበዓል ቄሳር ዝኣመሰሉ ውልቀ መለኽቲ ባብ ዘርሑ፡ ብሃይማኖት ጌሮም ክገዝኡኻ ዘፍቅድ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ብትዕቢት ego ደም ክፈስስ ስለ ዘይደለየ ክኸውን ይኽእል። መሓመድ በንጻሩ ንዝጨኮነካ ሰብ ይኹን ስርዓት ጸረ-ኣላህ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ዕጠቅ፡ ተቃለሶ፡ ልብኻ ንጹህ እንተኾይኑ ኣላህ ምሳኻ ክኸውን’ዩ ዝብል። ንቅኑዕ ዕላማ ኣብ ውግእ እንተሞትካ ዓስቢ ኣለካ። ክርስቶስ ብፍቅሪን ሰላምን ጌርካ ንጸላኢኻ ምሕማቅ ክመርጽ ከሎ፡ መሓመድ ግን በትሪ ዘስምዖ ተኾይኑ ንጸላኢኻ በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ምስማዑ ይመርጽ። ኣብ እዋን መሓመድ ዝነበረ ኩነታት ፍቅሪ፡ ሰላም፡ ይቅረ ምብህሃል ወዘተ እናበልካ ትሓልፎ ናይ ምድረበዳ ህይወት ኣይኮነን ኔሩ። ተባዕ ተቃላሳይ፡ ንዝኣምነሉ ዕላማ በጃ ዝሓልፍ ክትከውን ኢኻ ትመሃር። ብርግጽ ነዚ ጠዊኻ ናብ ግብረ ሽበራ ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ። እቲ መልእኽቱ ግን ስቅ ኣይትበል፡ ከምዚ ኣብራር ሓውና ዝበሎ “ባህጊ’ለኒ” ኢልካ ደቂስካ ኣይትሕደር ዝዓይነቱ’ዩ። “መንግስተይ ናይዛ ዓለም ኣይኮነትን” ኢሉ ክርስቶስ ኣብ ጎል ኣእትዩና! ብክልተ ነገር ድኽምቲ argument ። ቀዳማይ እቲ ዝሃቦ idealist ዝኾነ ነገር ክትገብሮ ጽቡቕ እንድዩ፡ ካብዞም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ሰባት ግን 0.1% ከማይ ክበጽሕዎ ኣይክእሉን። 7 ግዜ 70 ንሓውኻ ይቅረ በለሉ ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ብፍቅሪ ክርስቶስ ክሳብ ዓንቀርካ ዝተመላካ እንተዘይኮንካ ምሽ 7X70 ሓንሳብ ውን ይቅረ ክትብለሉ የጸግመካ። ምስ ግዜ ከምዚ ዓይነት ምስ ህሉው ናይ “ዓለማዊ” ነገር ዘይከይድ ትእዛዝ hypocrites ጥራይ’ዩ ዘፍሪ። ካልኣይ ጸገም ድማ resignation ከምጽእ ይኽእል። ብጌጋ ተረዲእካ ኣነ ናይዛ ዓለም ኣይኮንኩን ኢልካ፡ ተረጊጽካ እናኸድካ፡ ደሓን ኣብ መንግሰተ ሰማይ ክሓልፈለይ’ዩ ትብል። እዚ ብርግጽ ዘይኵውንነታዊ ስለ ዝኾነ ናብ ነብሰ-ፍትወት ይመርሓካ።  ምስ ግዜ እንቋዕ ጥራይ ነዓይ ኣይከፍኣኒ’ምበር ካልእ ደኣ ወላ ኣብ ገደል ይእቶ።  ብካልኣይ ደረጃ ድማ ኣዝማደይ ከኣ ኣይኽፍኣዮም እምበር ሃገር ደኣ ድላያ ትብል። “ገንዘብካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ” ክርስቶስ እምበር መሓመድ ከምኡ ክብለካ ክትጽበይ የብልካን። ዘካት- ንድኻታት ትኾበሎም ሓንቲ ካብተን 5 ኣርካን Pillars ናይ ምስልምና እዩ። ክርስቶስ ዘምጽኦ ኩሉ ሓሳባት፡ ትምህርቲ ብጽእናን ፍጽምናን ኣነ እቅበሎ’የ ግን ኣብዛ ዓለም ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ይኽእል’ዩ ግን ኩሉ ነገርካ ገዲፍካ ንክርስቶስ ምስዓብ egoኻ ኣይፈቅደልካን’ዩ። ስለዚ ምሉእ ሰብ ዝበሃል ፍቅርን ሰላምን ናይ ክርስቶስ በቲ ሓደ ወገኑ ድማ ቆራጽነት ተባዕነትን ናይ መሓመድ ዘሎዎ ክኸውን ኣለዎ።<>
ክንኣስሮ፡ ትምርህቲ ክርስቶስ ኣዝዩ ለምሊሙኒ፡ ትምህርቲ መሓመድ ድማ ኣዝዩ ተሪሩኒ። ኩሉ ግዜ እታ ሓቀኛ መገዲ ኣብ ማእከል’ያ ዘላ። ኣብ ዝኾነ ነገር The Golden Mean ዝብልዋ ዝሓሸት መገዲ ኣላ። ፍቅሪ ናይ ክርስቶስ ቦታ ኣለዎ፡ ቃልሲ ናይ መሓመድ ድማ ቦታ ኣለዎ። እንታይ’ሞ ሕጂ፧ ግርም። ኣብ ኤርትራ 1961 ዓዋተ ክቃለስ ኢሉ ክጅመር ከሎ፡ ኣብ ቁርኣን ጸረ ዓመጽ ተለዓል፡ ኣላህ ምሳኻ ክኸውን’ዩ ዝብል እንተ ዘየንብብ ኔሩ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” እናበለ ምነበረ። እዚ ኣካይዳ ናይ ፖለቲካዊ ምስልምና ሓደገኛ’ዩ። ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝገበሮም ዝበለጹ ነገራት ናይ ሃይማኖትን ወገንነትን ነጻ ዝኾነ ውድብ ምምስራቱ’ዩ። ብዙሕ ግዜ ንሰምዖ “ኣብ ኤርትራ ናጽነት ናይ ሃይማኖት የለን” ዝብል’ዩ። ስለምንታይ ከምኡ ከግበር ከም ዝተመርጸ ትፈልጡ’ዶ፧ ብስምዒት ድላይካ ክትብል ትኽእል ኢኻ፡ ካብ ድንቁርናኻን ኩነታት ክትርዳእ ካብ ዘይምድላይን ኣፍካ ዝሃበካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ሰብ ብእምነቱ ይእሰር ኣሎ፡ እዚ ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት’ዩ! እወ ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት’ዩ ግን ስለምንታይ ከምኡ ተመሪጹ፧ ሰብ ንምጭፍላቅ። ሰብ ጨፍሊቕካ፡ ጸላእቲ ኣጥሪኻ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ረብሓ ክትረክብ፧ ክትንጸል እንተዘይኮይኑ መራሒ ኣእማንን ምዃን ንፉዕ ፖለትካዊ መራሒ ኣይገብረካን’ዩ። ንኤርትራ ክትመቃቅላ ዘኽእለካ ዝበለጸ መሳርሒ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ህዝባ’ዩ። ዝበዝሐ ህዝብና ስለ ዘይነቅሐ ሆ! ከተብሎ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ ከም ድላዩ ክሰብኽ እንተፈቂድካሉ፡ ንሃይማኖት ጠውዩ ንፖለቲካዊ ረብሓኡ ከውዕሎ ኣዝዩ ቀሊል ይገብሮ። ኣብ ኣቁርደት ከይዱ ሓደ ሸኽ ንለዓል፡ ኣምላኽ ምሳና’ዩ ኢሉ ገለ ሰዓብቲ እንተ ደኣ ኣጥርዩ፡ ሃገር ከበላሹ ይኽእል’ዩ። ወላ ነሽሓት ካብ ተኸተልቱ ረሽኖም ወይ እሰሮም፡ ንፖለቲካዊ ጥሙሕካ The Cause of Allah ኢልካ ሰይምካ ውፉያት ክትረክብ ይኽእለካ። ብከምዚ ዝመጸ ፖለቲካዊ ነውጺ ክርስትያን ኣንጻር ኣስላም ክትብል ተጀሚርካ ፡ ኤርትራ ከም ሶማል ውድቕቲ ሃገር ክትከውን’ያ። ነዚ ፍልልይ ነቃዕ ዘይምኽፋት፡ ብዝከኣል መጠን ነዞም ክለዓዓሉ ዝኽእሉ ኣስላም ከተህድኦም፡ ተዘየሎ ድማ ኣብ መንጎኦም ፍልልይ ኣምጺኻ ሃገር ከየጥፍኡ ከትቆጻጸሮም ኣለካ። ሃይማኖት ደኣ ወላ እምኒ ኣምላኸ’ዩ በል status quo ቀይርካ ግን ንሓደ ወገን ክትንጽል ምስ ትጅምር the country will go to the dogs ንማለት’ዩ። ስለዚ ኤርትራዊ ጌና ስለ ዘይነቅሐ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣየድልዮን’ዩ። ከምዚ ዘሎ state controlled ሃይማኖት ግን ደሓን’ዩ። እዚ ናይ ስምዒት ዘይኮነ ኵውንነታዊ ንባብ ናይ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ዝብል ዛዕባ’ዩ። ናጽነት ሃይማኖት ዘምጽኦ መዘዝ ካብቲ ንሱ ዝፈጥሮ ሰላም ስለ ዝዓቢ።

ባህጊ ጥራይ እኹል ኣይኮነን



ባህጊ ጥራይ እኹል ኣይኮነን
ኣብራር ሽኮር “ባህጊ’ለኒ” ትብል ሓዳስ ደርፊ ኣውጺኡ’ሎ። ግርም! ደሃይካ ኣይተሓባእ ሓቢብ ኣልቢ። ግን እንታይ ደኣ ጓይላ መሪጽካ፧ ናይ ጓይላ ህርመት ምጥቃም ከም ዝመስለኒ መሸፈኒ ስነጥበባዊ ሕምቀትን፡ ከምኡ ድማ ጽቡቕ ዜማ ዝሓቶ ጻዕሪ ከይትህብ ምስልካይን’ዩ። ዲም ዲም ነደይ ጉብጥሽ ዘይንገድፈለን! ደርፊ ኤርትራውያን ወርቃዊ ግዜኡ ዘብቅዐ ይመስል። እዚ ጥሪም ጥሪም ሎሚ ትሰምዖ ጽባሕ ትርስዖ ገዲፍካ፡ ናብ ውሽጥኻ ዝኣቱ ደርፊ ኣበይ ጸኒቱ፧ እንታይ ክንብል ኢና! ስነጥባባዊ ብገንዘብ ይሽመት ስለ ዘሎ ድዩ፧ ወይስ ርእሲ ቴኖ ስለ ዝኾኑ ጓይላ ተዘይኮይኑ ካልእ ኣየምሕረሎምን ኢሎም’ዮም ብጓይላ ልብና ዘሰንክርዎ ዘለው፧ ብልቡ ዝደርፍ’ኮ ስኢነ፡ ወላ ብልቡ ኣይድረፍ ግን ክኢላ እታ ሒዝዋ ዘሎ እተዝኸውን መምሓረ። ደሓን ናይ ደርፊ ኣብዚ ይኣክል፡ ፈላስፋ ንደርፊ ክትህይስ ኣየምሕረላን። ኣብራር ሽኮር ዘምጽኦ ሓሳብ ስለ ዘሎ ሓሳባት ንዛረብ።<>
ባህጊ’ለኒ! ኩላትና ባህጊ’ለና፡ ጽቡቕ ዝጸልእ ስለ ዘየለ እቲ ሕቶ ባህጊ ለካ ዶ የብልካን ኣይኮነን። እተወሓደ ኣብዚ ክንሰማማዕ ንኽእል ኢና። ግርም፡ ኩላትና ጽቡቅ ካብ ደለና እንታይ ደኣ የባእሰና’ሎ፧ ባህጊ ከም ዓቢ ኣብ መሬት ዝተሳእለ ክቢ circle ንሕሰቦ፡ ናይ ሓደ ባህጊ ናይቲ ካልእ ክቢ ከይዳ ክትድምስሳ ምስ ጀመረት፡ ዘይምስምማዕ ይመጽእ። እዛ ባህጊ ትብል ቃል ካልእ ስም ናይ ሕልሚ፡ ድሌት፡ ዊንታ፡ ጸሎት፡ ምህለላ እያ ክንብላ ንኽእል። ክትብህግ ጽቡቕ እንድዩ ግን ባህጊ ጥራይ ንርእሱ ኣበይ ከብጽሓካ’ዩ፧ “ንዑ ንማህለል ክሓልፈልና” ዝዓይነቱ ናይ ድኹማት ዘረባ ኣይፈትዎን’የ። ዓቅሚ ተዘይብልካ ስቅ በል! ባህጊ’ዶ መንደፍ’ዶ ምባል ንመን ኣርቢሑ ይፈልጥ፧ ናጽነት ኤርትራ ብባህጊ ድዩ መጽዩ፧ I don’t give a rat ምስ ህግደፍ ዲኻ ወላ ኣንጻር ህግደፍ። ኣብ ክውንነት’የ ዝዛረብ ዘለኹ። There is no free lunch ዝበልዎ ጸዓዱ ሓቃቶም’ዮም። ኮፍ ኢልካ ሚእቲ ዓመት፡ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ክትብህግ ትኽእል ኢኻ ፡ ሕምልኻ ግን ሕልሚ ደርሆ ጥራይ’ዩ ክኸውን። ባህጊ ከኣ ይበሃለለይ! ባህጊ ዝሓቶ መስዋእቲ፡ ባህጊ ዝጠልቦ ሽግር፡ ዓጸቦ፡ ድኻም፡ ስንክልና፡ ጥሜት፡ ዕርቃን፡ ሞት ክትጻወር ዘይትደሊ ክነስኻ፡ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ኮንካ “ባህጊ’ለኒ” ተበልካ መን ከይሰምዓካ’ዩ። ኣሕዋት፡ ባህጊ ናይ ፖለቲካ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ዝኾነ ባህጊ፡ ባህጊ ሃብቲ፡ ባህጊ ፍልጠት፡ ባህጊ ዕቤት! ኩሉ ባህጊ ምስኡ ዝመጽእ ዋጋ ኣለዎ፡ ነዚ ዋጋ’ዚ ክትከፍሎ ዘይትደሊ እንተኾንካ ግን ኪድ ተጐምቢሕካ ባህጊ’ለኒ፡ ባህገይ ሃቡኒ በል። ስለዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ባህግኹም ኣብ ክትገብርዎ ትኽእሉ ተትዛረቡ መምሓረ። ካልኣይ ዝዓበየ ነጥቢ ድማ “እንታይ’ሞ፧’ዩ” እንታይ’ሞ ኣብ ፌስቡክ ስያሳ ተዛሪብካ፧ እንታይ ክዓብስ’ዩ! ኣነ ምትንታን ምስ psycho-philosophy ምትእስሳር ባህ ስለ ዝብለኒ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ’ምበር ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ዝደልዮ ባህጊ የብለይን። ባህጊ ናይ ድኹማት፡ ስራሕ ድማ ዕውታት ስለ ዝኾነ። ባህጊ ብስራሕ እንተዘይተደሪዑ፡ ካብ ምብሃግ ማይ ምዑማኽ ይቀልል።<>
እዚ ዘለናዮ እዋን ብገለ ሸነኹ ልክዕ ከምቲ ኣብ 40ታት ዝነበረ’ዩ ዝመስል። ባህጊ ነጻነት ኤርትራ ዝነበሮም ገለ ፓለቲካውያን ማሕበራ ይንቀሳቀሳ ነበራ። ኤርትራዊ ምጭፍላቅ ጥራይ’ዩ ዘምሕረሉ መስለኒ፡ ኣብ ነንሓድሕዶም ከማን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን! ሕብረት ኢሎም ዓድና ሸይጦማ። ፖለቲካዊ ሜላ ዝጐደሎም መሃይማን፡ ብገዛእ ኢዶም “ኖእ! ምስ ኣዴና ኢትዮጵያ ምሕባር ይሕሸና” ኢሎም ነቃዕ ከፈቱ’ሞ the rest is history ድዮም ዝብልዎ። ከምኡታት’ዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት “ንናጽነት ባህጊ’ለኒ” ተበልካ መስሓቅ ሸራፋት ኢኻ ጥራይ ክትከውን። ስለዚ ስራሕ ተዘይብሉ ባህጊ ጥራይ እኹል ኣይኮነን።

Alternate history and parallel universe



Alternative history is a genre of fiction in which the author speculates on how the course of history might have been altered if a particular historical event had had a different outcome. ሓደ ጸሓፊ ሂትለር ኣብ WWII እንተዘይሰዓር ኢሉ ጽሒፉ፡ ኣሜሪካ ልክዕ ከም ጀርመን ኣብ መንጐ ሂትለርን ስታሊንን ተመቂላ ከላ ደስ ዘብል ዛንታ’ዩ። ኣብዚ ድላይካ ክትብል ትኽእል። ንጉስ ሄሮደስ ንክስርቶስ ቆልዓ ከሎ እንትዝረኽቦ፡ ወይ ናብ ግብጺ እናኸዱ ኣብ መንገዲ ተዝመውት፡ ወይ መሓመድ ናብ መዲና ክሃድም ከሎ ኣብ መንጐ ተዝቀትልዎ ወዘተ እናበልካ ንዓለምና ዝቅይሩ ዓበይቲ ፍጻሜታት ብ what if ናብ ካልእ ክትወስዶም ትኽእል። ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ክፋል ኢትዮጵያ ኔራ እንተትኸውን’ከ፧ ወይ ንዓሰብ ሸይጦም ንትግራይ ምስ ኤርትራ ሓዊሶም ናይ ተዛረብቲ ትግርኛ ሃገር እንተትህሉ’ኸ፧ ንኣብነት እዛ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ገለ ዓይነት science fiction ከተጽሕፈካ ምኸኣለት። ኣኽሱም፡ ዓዲ ግራት፡ መቀለ ምስ ኣስመራ፡ ከረን፡ ባረንቱ ብሓንሳብ ኣብ ሓንቲ ሃገር’ሞ ሕሰብወን! ናይ ኤዛና ኣኽሱም’ኳ ቅጅል በለትኒ! ሽዑ ክሳብ ድባርዋ ትበጽሕ ኔራ ትኸውን’ያ። ንፕሮፖጋንዳ ዝኸውን’ዩ ምበር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን randomly ኣብ መንጐ ጥልያንን ሃጸይ ምኒልክን እዩ ተሳኢሉ። ትግራይ ደረቅ መሬት እናበሉ ይጸርፍዋ እንተደኣ ኔሮም፡ ኣብ ውግእ ዓድዋ ኣሉላ ጅግንነት ሰሪሑ። ተሳዒሩ ተዝኸውን’ከ፧<>
ኣብ ኳንተም ፊዚክስ ዩኒቨርስ universe ምባል ገዲፍናዮ ኢና። እንታይ ደኣ multiverse ንበል ኢሎምና ኣለው። ኣብ ዓለም እልቢ ዘይብሉ infinite ኣድማሳት ክህሉ ኣለዎ ፡ ንኹሉ ተኽእሎታት ክሓቊፍ ክኽእል መታን ኢሎሞ። ሓውትኹም ዝኾነ ዕቃበ የብለይን እንትርፎ ካብዚ ዘለናያ ናብ ካልእ ኣድማስ መንጠሪ ባይታ ተዝከብ። ነዚ ውን ብክልሰሓሳብ ይከኣል’ዩ ኢሎምና ኣለው። ሓደው ማዕረ ብርሃን ዝኸይድ ፍጥነት ኣምጽኢ ሓደው wormhole ርኸቢ’ሞ ብእኡ ስቱኽ ኢልኪ ንሕሉፍ ትኸዲ ወይ ንመጻኢ ትኸዲ። ሕጂ ቅምጥ ኢልና ሆሊውድ ስታይል time travel ኣቲና። እዚ ኣማራጺ-ታሪኽ ቅዲ ግን ክንደይ’ኳ ባህ በለኒ።<>
ብዙሕ ክትብል ትኽእል ኢኻ ግን ኩሉ ካብዚ ዘለኻዮ ምህዳም’ዩ። ንህሉው ኩነታት ክትቅበሎ ካብ ዘይምድላይ ዝፍልፍል ሕማም ናይ ኢጎ’ዩ ምበር ካልእ መዓስ ኮይኑ።

“Getting In The Zone” ኣብ 21 ክፍለ ዘመን



ኣብ እወታዊ ስነ-ኣእምሮ Positive psychology ብዙሕ እዋን ንሰምዓ ቃል ኣብ flow ክንኣቱ’ሞ ኣብቲ ሒዝናዮ ዘለና ስራሓት ኣድማዕቲ ኮንና ክንወጽእ ትብል’ያ። እዚ ኣምር ናይ getting in the zone ንስፖርተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ሰብ ዝምልከት’ዩ ይበሃል። What the hell does it mean? and why you should care ገለ ክብል’የ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ።<>
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየድ መጽናዕቲ ኔሩ። Attention span ናይ ደቂ ሰብ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን እናንቆልቀለ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ዘመነ ቅድድም ከምቲ ቀደም ዝኾነ “ላህመም” ዝብል ነገር ትጸልእ። ኩሉ ነገር ስልጥ-ስልጥ ክብል ኣለዎ ዝብል ጭርሖ ሎሚ ናብ ቅቡል ቅዲ ህይወት ኣትዩ ኣሎ። ሓደ ጐድናዊ ሳዕቤን ናይዚ rush፡ ግዜ ወሲድካ ቀስ ምባል ተሪፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዜ ክትቁጥብ መታን ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ነገራት ምግባር multitasking ከም ፋሽን ተወሲዱ ይስርሓሉ። ንኣብነት ተለብዥን እናርኣኻ ትበልዕ። እንታይ ኮን ክሓልፈካ’ዩ ተመስገን ኢልካ ቀስ ኢልካ እንተበላዕካ፧ ዜና ከይሓልፈካ ትፈርሕ። ድሕሪ ዓለም ከይትኸውን ግድን ከተህልኾ ዘለካ ዓቀን ናይ ደርፊ፡ ፊልምታት፡ ሙሰልሰላት፡ ብሓጺሩ Daily dose of entertainment እንተላይ social media ኣሎ። እዚ ከም መርፍእ እንተዘይወሲድካዮ “ትሓምም”። ንሓደ ነገር ሒዝካ ሰዓታት ምስኡ ክትጸንሕ ዓቀብ ይኾነካ፡ ሓድሽ ነገር ክትልውጥ ትደሊ። እዚ ባህሊ ኣህላኽነት፡ ግዙእ ናይቲ ተህልኾ ጥራይ ኣይኮነን ዝገብረካ፡ እቲ ዝኸፍአ ጸገሙ ብዘይ movies ህይወት ዘሎ ኮይኑ ዘይስምዓካ ትኸውን። እዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻይደ መጽናዕቲ እንታይ ኢሉ መስለኩም፧ ኣብ Millenials (ካብ መጀመርያ 1980ታት ክሳብ 2000 ዝተወልዱ) Generation y ካልኣይ ስምና’ዩ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ካልእ ነገራት ካብ Generation x ንላዕሊ ብብዝሒ ይሓስቡ። እዚ ማለት ኣእምሮኦም ኣብ ሓደ ነገር ረጊኡ involve ክኸውን የጸግሞም ኣሎ ኢሎም ‘ቶም ተመራመርቲ። <>
Definition ናይ “ፍሎው” ብሓጺሩ ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ዝኾነ ይኹን ነገር ምሉእ ኣድህቦኻ ምሃብን፡ ካብ ዓለምን egoን ወጺኻ ግዜ ከመይ ኢሉ ሓሊፉ ክሳብ ዝጠፍኣካ ክትከውን ከለኻ ማለት’ዩ። ሓንቲ ካብ ሕግታት ናይ ሓጐስ ዝብሉዋ፡ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ፍሎው ዘእትወካ እንተረኺብካ ኩሉ ጠንጢንካ ንዕኡ ስራሕ’ዮ። ይኽደንካ ‘ምበር ሳእኒ ምውልዋል ናብ ዞን ዘእትወካ እንተኾይኑ ትውልውል። ብዙሕ እዋን ንስራሓት እዚ ጽቡቕ እዚ ሕማቅ ኢልና ስለ እንፈላልዮ፡ ኣብ ፍሎው ከይኣተና ንነብር። ከም ሓዊ ቃልቃል ዘብል ስምዒት ዘምጻልካ ስራሕ ምስ ዝኸውን ወላ ምስ ሳእኒ ይተሓሓዝ ክትሰርሖ ኣለካ። ድኹም እንተኾንካ ተጸይንካ ኣብ ሓደ ዱኳን ተቆጺረ ዝጸፈፈ ስራሕ ይሕሸኒ ክትብል ትኽእል ኢኻ። follow your bliss ዝብል ለበዋ ለባማት ንከንቱ መዓስ ኮይኑ፡ ዝኾነ passionate ዝኾንካሉ ነገር ወላ ገንዘብ ኣይሃልዎ እተዎ!<>
ጽባቀ ናይ ኣብ flow ምእታው ብቀሊል ኣብነት ክንርእዮ። ወላ ሳእኒ እናወልወልካ ንበል passionate ስለ ዝኾንካ ግን ዓይነታት ቀለም ወይ ቅዲ ኣሳእን ብብዝሒ ስለ ትርኢ ብዛዕብኦም ክትግደስ ትጅምር። ምሸት ካብታ ኣብ ኣንጐሎ ዘላ ስራሕካ ምስ ኣተኻ ብዛዕባ ቀለም ሳእኒ ተጽንዕ ወይ ውን ሓድሽ ዓይነት ሳእኒ ዲዛይን ክትገብር ትፍትን። ንሓደ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን ብድኽነት ቆርቢዕካ መጽናዕትኻ ትቅጽል። ትፈትዎ ግበር ንብል ዘለናውን ነዚ ናይ ጸላም እዋን ከስግረካ ዝኽእል ፍቅሪ ትሰርሖ ጥራይ’ዩ። ንግሆ ተሲእካ ናብ ስራሕካ እናጐየኻ ከም ትኸይድ እንተደኣ ዘይገብረካ ኮይኑ፡ ህይወትካ ንከብድኻ ጽቡቕ ክትበልዕ፡ ንሕቆኻ ጽቡቕ ክትክደን ኢልካ ብኸንቱ ተጥፍኣ ኣለኻ። ድሕሪ 15 ዓመታት labor of love ምባል ይሓይሽ፡ ሓድሽ ዲዛይን ናይ ሳእኒ ተውጽእ ወይ ነዊሕ ዝጸንሕ ኬሚካል ተምጽእ። ምስ ግዜ ብስምካ brand ኣውጺኻ ኣብ ከምኒ ኒውዮርክን ፓሪስን ድኳን ትኸፍት። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ነገር ንገንዘብ ወይ ንስም ኢልካ ን15 ወይ ልዕሊኡ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ ግን ክንደየናይ ከይትዕወት። ከማኻ ክህብትም፡ ስሙ ክገንን ዝደሊ ኣብ design school ዲግሪ ዘለዎ ሰብ’ኮ ኣሎ፡ ንዓኻ ካብኡ ዝፈልየካ ፍቅሪ ምውልዋል ሳእኒ’ዪ። እዚ ፍቅሪ ድማ’ዩ እዚ nerd ኣብ መጽሓፍቲ ዘይረኸቦ ነገር ከርእየካ ዝኽእል። ኣብ ቤት ትምህርቲ  ከመይ ጌርካ ከም መምህርካ ትሓስብ ስለ ትመሃር፡ ንዓይ ቤት ትምህርቲ ማለት ቅዳሕ መማህራን ዝባዝሓሉ ቦታ’ዩ። ስለዚ ስነ-ዲዛይን ሳእኒወላ ፕሮፈሰር ኩን ጽቡቕ ሳእኒ ዲዛይን ከይገብርካ ክትመውት ትኽእል ኢኻ። ክትመሃር፡ ክትሰርሕ ከለኻ ኣብ flow እንተዘይኣቲኻ፡ ሓደ ወልዋሊ ሳእኒ ንስኻ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ክሰርሕ ይኽእል። thinking outside the box ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ካልእ ትርጉም ከይህልዎ፧ ጽባቀ ናይዛ ሳንዱቅካ፡ social status ናይዛ ሳንዱቅካ፡ ብዝሒ ኣታዊ ናይዛ ሳንዱቅካ ዘሰክፈካ እንተኾይኑ ካብዛ ሳንዱቅ ኣይክትወጽእ ኢኻ። <>
ከይበዝሓኩም ክንኣስሮ፡ rebel ኩን ከምዞም ናይ 60ታት ሂፒስ ኩን ኣይኮነን እቲ መልእኽቲ። ሂፒስ እሱራት ናይቲ ኣንጻሩ ዝተላዕሉ ሕ/ሰብ ዮም ኔሮም። ከመይ ‘ተልካ free sex ወይ ቅድሚ መርዓ sex ሕማቅ’ዩ እንተደኣ ይብል ኣሎ ሕ/ሰብ ንሳቶም ድማ ሕ/ ሰብ እንታይ ከየምጽእ ኢሎም ኣንጻር free sex የዘውትሩ። ኣንጻር ናይቲ ዝተበሃልካዮ ምግባር “ነጻ” ዘይኮነ ዝገረካ “reactionary ባርያ” ‘ምበር። real rebels don’t need to check themselves if they are breaking prescribed roles. they don’t even care such rules exist. ስለዚ ድላይካ ግበር፡ ሳእኒ ወልውል ክበሃል ከሎ፡ ከምዚ ናይ ሆሊውድ ሂፒስ ኣይኮነን። ስለዚ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ትፈትዎ ነገር፡ ብዘይ ገንዘብ ምሉእ ህይወትካ ክትሰርሓሉ እትደሊ ነገር ርኸብ። ካልኣይ፡ ኪድ ግበሮ፡ ግዜኻ ኣብዚ ኣይተጥፍእ። ብዙሓት ካባና ዕድልና already ኣበላሺናዮ ስለ ዝኾንና we can’t start over ኢና ንብል። ኢጎና ሪስክ ክወስድ ስለ ዝፈርህ፡ በቲ ዘሎ ዝፈልጦ ክመላልሰ’ዩ ዝደሊ። ኣብ ፍሎው ምእታው 24/7 ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ እንታይ ትገብር ኣለኻ ኣስተውዕል’ሞ። ተንብብ ተለኻ ኣንብብ ጥራይ be here፡ ሕጂ ነዚ እናጽሓፍኩዎ፡ ኣብ keyboard ዘሎ ጣቅ ጣዕ ዝብል ድምጺ እሰምዕ ኣለኹ፡ ቀስ ብቀስ ኢሎም ቃላት ክመጹ ከለው እፍለጠኒ ኣሎ። ንስኻ ውን ዝኾነ ክትገብር ከለኽ ምሉእ ኣድህቦኻ ምሃብ ተላመድ። እናበላዕካ፡ እናተንቀሳቀስካ፡ ዝኾነ ነገር እናገበርካ ምሉእ ኣድህቦኻ ኣብቲ ዘለኻዮ ክትገሮ ፈትን። ወላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሃሉ፡ ቢ ዜር! ጸገም ደቂ ሰባት we can’t stay long on one thing ነጻ እንተዝወጽእ ትብል፧ ረኣየናን’ዶ ዞም ካብ እስርቤት ዝወጻና፧ ልዕሌኻ ሕጉሳት ኣይኮንናን። ንሕና ድማ ካልእ ነገር “ከምዚ እንተዝኾነለይ” ንብሎ ስለ ዘለና፡ ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ኢና ዘለና። ብሕጺሩ ኩላትና እሱራት ናይ ድሌታትና ኢና። ድሌት ኣይሃሉኻ ዘይኮነ ፡ ሓደ ድሌት ምስ ረኸብካ ናብ ካልእ ክትነጥር ስለ ዝኾንካ፡ ምርዋይ ናይ ድሌታት ከም ምስጢር ሓጐስካ ኣይትውሰዶ። ክሳብ ብህይወት ዘለኻ ድሌታት ከም ማዕበል ክመጹ’ዮም፡ ግደፎም ይምጽኡ። እንታይ ደኣ፧ ደድሕሪኦም ክትጐዩ ከለኻ እናተፈለጠካ ጉዩ፡ ገንዘብ ከተምጽእ እናኸድካ ይፈለጥካ። aware ኩን። ድላይካ ግበር። ወላ ሰብ እናቀተልካ aware ኩን፡ ዘለኻዮ ቦታ፡ ዘለካ ሓሳባት፡ ዝስመዓካ ዘሎ ስምዒታት ኣስተውዕለሉ። ኣብዛ ሕጂ ምናንባር ተላመድ። እዚ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡ ሽሕ’ኳ ቀሊል ይምሰል። እዚ ኣብ መእተዊ ዝረእናዮ መጽናዕቲ ን sex ከማን ናብ ጂምናስቲክ ይቅይሮ ኣሎ ተብ ተብ ዝመልኦ ናብራ ደቂ ሰብ። ስለዚ ኣብ ፍሎው ምእታው ቅድሚ መንደቅካ ምፍራሱ ንህይወት ክተስተማቅራ ክገብረካ ዝኽእል እንኮ መገዲ’ዩ ምኽንያቱ ትማልን ጽባሕን ንዓና ኣይተዓደላን። እታ እንኮ ዘላትና እዋን ሕጂ ስለ ዝኾነት።

Ali and The Enemy Who Spat in His Face



መስከረም 3 2017
ኣብ ናይ ስነጽሑፍ ወይ ስነ-ግጥሚ ዓለም ዘየለኹም ንሩሚ ክንደየናይ ከይትፈልጥዎ። ደሓን ከላልየኩም’የ ኣይትሰከፉ። ኣብ ፋርስ Persia ዝነብር ዝነበረ ገጣሚ ኮይኑ፡ ካብ ኩለን ስርሓቱ እዛ Mathnawi መሥናቪ ትብል እኩብ ግጥምታቱ እምነ ኩርናዕ Persian literature እያ እትቁጸር። ካብዛ ኣርእስቲ ልጥፎ ክትዕዘብዎ ከም እትኽእሉ ሎሚ ሓንቲ ካብ ዛንታታቱ ኢና ክንርኢ።  ቁሩብ ሃይማኖታዊ ጻንሖት ክንገብር’ሞ ናብ ዛንታና ክንኣቱ። ሱኒን ሺዓን ካብ ዘባእሶም ብዙሕ ነገራት ሓደ ናይ ኸሊፋ caliph ነገር’ዩ ኔሩ። ብሓሳቦም ምስልምና ምስ ተስፋሕፍሐ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ክትፈራኸሽ ወይ ናህራ ክንኪ ዝብል እምነት ኣይነበሮምን፡ ስለዚ ንኩሎም ኣስላም’ዛ ዓለም ዝመርሖም ሰብ “ከሊፋ” ካብ ኣዝማድ ነቢ መሓመድ’ዶ ወይስ ባዕልና ዝመረጽና’ዮ ኢሎም ክፈሓፍሑ ጀመሩ። <> ኣቡበከር ኣልባቕዳዲ መራሒ ዳዕሽ ኣነ ከሊፋ’የ ሃገረይ ድማ ደውለቱል ኹላፋ Caliphate እያ በለ። እዚ ጠራጢ ፕረሲደንት ቱርኪ ኤርዶጋን ውን ከሊፋ ክኸውን’ዩ ዝፍትን ዘሎ። ቱርኪ ካብ 1923 ጀሚራ secular ‘ኳ ተነበረት political Islam እናእተው ናብ Islamic State ክወስድዋ ይፍትኑ ኣለው። ብሰንኪ ስስዐ ሰባት ስእሊ ምስልምና ተበሊሉ’ዩ። ሎሚ እዛ ዘዕልለኩም ዛንታ ግን ካብዚ ናይዞም ዕውራት ወሃባውያን ይኹኑ ሺዓውያን ኣስላም ዘይኮነት፡ ካብ ላህመት ምስልምና’ያ። ዓሊ ኣብ ሱኒ ብዙሕ ቦታ ክብዎ ኣይደልዩን’ዮም። ሺዓ ንዓሊ እናሓንሳብ ልዕሊ መሓመድ’ዮም ዝቆጽርዎ። ከም ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝብልዎ ውን ኣለው። ንኣብነት ገለ ሺዓ ሸሃዳ ክገብሩ ከለው “ላ ኢላሃ ኢለ ላህ” ጥራይ ዘይኮኑ ዝብሉ “ወ ዓሊዩን ወሊዩ ላህ” Ali has the mandate from God ይብሉ። ኣብ ኢራን ስእሊ ናይ ዓሊ ከም ኣንበሳ ዝመስል ካሊግራፊ ኣሎ። ብዝኾነ ዓሊ ኣዝዩ ፍቱው figure እዩ።
Start Here
ኣዲኣ ገዲፋ ሓትነኣ ትናፍቅ ከይትብሉኒ፡ ቁሩብ ታሪኻዊ መእተዊ መን’ዩ ዓሊ ስለምንታይ ነዚ ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዘሎ ፍሕፍሕ ኣብ መንጐ ሺዓን ሱኒን ኮይኑ ኣሎ ገለ ክንብል’ሞ ናብ ዛንታ ሩሚ ክንኣቱ። ዓሊ ራብዓይ ካሊፍ ናይ ምስልምና ኮይኑ ሰብኣይ ጓሉ ንነቢ መሓመድ’ዩ ኔሩ።
ሩሚ ነዛ ግጥሙ ክጅምራ ከሎ ኢኽላስ sincerity (ንጽህና) ካብ ዓሊ ተመሃሩ ኢሉ ይጅምር። እዛ ዛንታ ምስታ ክርስቶስ ክስቀል ከሎ “ኣቦ ዝገብርዎ ኣፍለጡን’ዮም ይቅረ በለሎም ዝበሎ ትሳነ’ያ። ሰብ ብጸጋማይ መትልሕካ እንተጸፊዑካ የማናይ መትልሕካ ግደፈሉ ይብል። ሎሚ ዘሎ ሃይማኖት ዳርጋ ኩሉ መሳርሒ ናይ ego ፖለቲካዊ ጥሙሕካ ንምትግባር ዝዓለመ ስለ ዝኾነ ኣብ ተኣፋፊ እዋን ኢና ዘለና። ቀስ ብቀስ ካብ ማሪታዊ እምነታት እናርሓቅና we are starting to see what “religion” for what it actually is ሓቀኛ ሃይማኖት ኣብ ዓጽረ-ሞት በጺሑ በታ ትልኽ ትብል ዘላ ትንፋሱ ጌሩ “ግደፉ” ይብል ኣሎ። I’ll tell you what I mean by “ሓቀኛ ሃይማኖት” in a bit ቅድም ግን ዛንታ ናይ ዓሊ ክንርእያ። <>
ኣብ ውግእ ዓሊ ምስ ሓደ ኣንጻሩ ዝነበረ ፍሉጥ ጅግና ይጋጠም ነበረ። ሓደ እዋን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ጸላኢኡ ኣብ ውግእ ከለው ካብ ፈረሱ ወደቀ’ሞ፡ ዓሊ ክቀትሎ ኢሉ ሴፉ መዚዙ ናብኡ ቀረበ። ወዮ ጀነራል ብተስፋ ምቁራጽ ዝዓብለሎ ስምዒት ንዓሊ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ። ዓኽታ ናይቲ ጀነራል ኣብ ገጹ ምስ ዓለበ፡ ዓሊ ሴፉ ደርበያ። በዚ ዝተገረመ ጸላኢኡ “ስለምንታይ ሴፍካ ደርቢኻያ፧” ካብዚ ንገብሮ ዘለና ዝዓቢ እንታይ ሪእኻ ኢኻ ምቅታለይ ደው ኣቢልካዮ፧” እናበለ ንዓሊ ይሓቶ። “እንታይ ሪእኻ ኢኻ፡ ረመጽ ሕርቃንካ ዝሒሉ ነዓይ ከማይ ጥዑም ንፋሱ ዝረኽበኒ ዘሎ፧” ንገረኒ እናበለ ንዓሊ ይሓቶ። መልሲ ናይ ዓሊ copy paste ክገብራ’ሞ ባዕልኹም ከተስተማቅርዋ ትሓይሽ።
(Ali) said, "I strike (with) the sword for the sake of God
(only). I am the servant of God; I am not commanded by the body.

"I am the Lion of God, not the lion of craving, (and) my actions
are evidence of my religion.

"In battle, (the verse) 'You did not throw when you threw'8 (is
the attitude) for me. I am like the sword, but the one who strikes is
(like) the Sun.

"I have removed the baggage of self from [blocking] the way,
(and) I have considered (anything) other than God (to be) nothing.

"I am a shadow (and) the Sun is my lord; I am the doorkeeper, not
a curtain (barring the way) to Him.

"I am like a sword, covered with jewels of Union; in battle, I
make (men) living not killed.

"Blood does not cover the lustre of my sword, (and) the wind
never takes (away) my clouds.

"I'm not straw. I am a mountain of restraint and patience and
justice. The strong wind never steals (away) the mountain!

"Whatever leaves (its) place because of some wind is
(nothing but) twigs. Because there are many unfavorable winds.

"The winds of anger, lust, and greed carry (off) the one who isn't
among those devoted to the (daily ritual) prayers.

"I am a mountain and my existence is His foundation. And if I
become like straw, the wind (moving) me is remembrance of
Him.

"My affection doesn't move (toward anything) except by His
wind, (and) the captain of my cavalry is nothing except love for the
One.

"Anger (is a) king over kings, but (it is) my slave; I have also
tied anger underneath the bridle.

"The sword of my restraint has struck the neck of my anger,
(and) God's anger has come upon me like mercy.

"I am drowned in light, even though my roof is destroyed. I
became a garden, even though I am (called) the Father of Dust.

"Since a cause (other than God's cause) came [into my mind]
during the battle, I found (it) suitable to hide (my) sword,

"So that 'he loves for (the sake of) God may become my name,
(and) so that 'he hates for (the sake of) God' may become my desire.

"So that 'he gives for (the sake of) God' may become my
generosity, (and) so that 'he withholds for (the sake of) God' may
become my existence.

"My avarice (is) for (the sake of) God, (my) generosity (is)
for (the sake of) God and (for) none else. I belong completely to
God, (and) I don't belong to anyone (else).

"And that which I do for (the sake of) God is not imitation or show
(of piety), nor is it (done from) imagination or opinion; it is
nothing other than (direct) vision.

"I am liberated from striving and careful choosing, (for) I have
attached my sleeve to the (hem of) the robe of God.

"If I keep flying, (it is because) I keep seeing the place (worthy)
to fly to, and if I keep circling (it is because) I keep seeing the
object (worthy) of revolving around.

3809 "And if I am carrying a burden, I know where (to take it) to: I
am the moon and the Sun is the guide in front of me!"

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...