Friday, April 6, 2018

A Practical Approach To Gratitude



ማህጸን “ተመስገን ምባል” ምስጢር ሓጐስ ምስጢር ህይወት፡ A Practical Approach To Gratitude
“ሰብ ምዃነይ” ኢሉ ደራፊ “ሰብ ምዃነይ ኣብ ዓለም ክነብር” ሐራይ ሰብ ኮንካ ኣብ ዓለም ክትነብር ሽዑ’ኸ፧ “ምስ ኩሉ ንሳነ” ጨለ! ንፋቀር፡ ነበርቲ ኣይኮንናን፡ ንዝተጸገመ ወገንና ንሓግዝ እዩ ክብለና ደልዩ። መሬት ዘይወድቅ ዘረባ’ዩ ግን ፕሮፖጋንዳ ጥራይ እንድዩ እንዳኾነ ንድዩ’ሞ ቅጭ ዘምጻልካ። መዝሙር ፍቅሪን ሓልዮትን ምዝማር ከም ፋሽን’ዩ ተወሲዱ፡ ወላ እናሓረዱኻ ከለው ንብዓት ፍቅሪን ብሰላም ምንባርን ይነብዑልካ። ብጐዘሞ ዓመጽ ሰለፍካ እናቆረጹኻ ፍትሒ ኢሎም ኣብ ጉንጊ እዝንኻ ኮይኖም ይንቁዉ! ዘለዋኻ ቁሩብ ቁራቦ እናመንዙዑ ብዛዕባ ትኳቦ ይሰብኩኻ። ሰበይቲ “ዘይረኽቦ ብለይ” ዝበለት’ኮ ከምዚ ምስ ረኣየትያ። ዓለም ንኩላትና ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋታት ኣለዋ ፡ ግን እንታይ ይገበር ጐሓላሉ በዚሖም። ጐሓላሉ ክጉሕሉ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ ከኣ ከምኦም ጉሒላ እዩ። ደሓን ግን፡ ፍትሕስ ትኽስ እያ ኢላ ‘ምበር ኣይጠፍአትን። ሰብ ኮንካ መወዳእታኻ ቀለብ ፍልሖ ምዃንካ እዩ፡ ጉሒልካ ጉሒልካ ኣብ መወዳእታ ብተራኻ ትጉሓል ደኣ! ኣየ ዓለም ጥዕምቲ። ሰብ ካብ ጭቃ’ዩ ተሰሪሑ ዝብልዎ፡ ኢጎኻ ኣይትንፍሓዮ፡ ብላሽ ደሮና ኢኻ ማለቶም’ዮም። እዝኒ ንዘለዎ ዓቢ ትምህርቲ’ዩ። ሎሚ ስጋ ላም ትምንጭት ጽባሕ ንስኻ ትምንጨት። ሎሚ ኣነ ገዛኢ ዓለም ኢልካ እኽሊ ትሓይኽ ጽባሕ ንዓኻ ዝሕይኽ ከምዘሎ ትፈልጥ። ንሕጂ ግን ብዛዕባ ቅድሚ ናብ ድኹዒ ምቅያርካ ዘሎ ግዜ ክንዛረብ።
******************
ሎሚ እናዓበኹን እናዓሸኹን ብዝኸድኩ ሰብ ምዃነይ ቅጭ’ዩ ዘምጻለይ ዘሎ። እስርቲ ናይ ድሌታት ምዃነይ ሓደ ካብቲ ዘሕዝነኒ ነገር’ዩ። ኢሂ፧ መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ። ቆልዓ ከለኻ እንተዝዓቢ ትብል፡ ምስ ዓበኻ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ትብል፡ ምስ ወዳእካ ጽቡቅ ስራሕ ምስ ሓዝኩ ትብል፡ ምስ ሓዝካ ርቡሕ ኣታዊ ምስ ረኸብኩ ትብል፡ ደሓን ገንዘብ ምስ ሓዝካ ቆልዓ ምስ ወለድኩ ትብል፡ ምስ ወለድካ ደቀይ ምስ ዓበዩለይ ትብል፡ ምስ ዓበዩ ደቂ ደቀይ ምስ ረኣኹ ትብል፡ ደቂ ደቅኻ ምስ ረኣኻ “”ሕጂ ክመውት ኣይተዳለኹን” ትብል! መዓሰ ዴኻ ደኣ ክትመውት፧ ወይስ ከም ማቱሳላ 997 ዓመት ኢኻ ደሊኻ፧ ኣብኡ ከለና ዞም ናይ ቀደም ኣቦታት ዕድመ ኣዝዩ ካብ ምንውሑ ጥራይ ዘይኮነ ተለቭዥን ወይ ኢንተርነት ዘይብሎም ከመይ ኢሉ ከይሰልቸዎም ግዜ ይሓልፍ ኔሩ ይገርመኒ’ዩ። ዕድሜኦም ካብዚ ሎም ዘለናዮ by a factor of ten’ዩ ዝራባሕ ኔሩ። ወዲ 50 ዓመት ማለት ወዲ 500 ዓመት’ዪ ኔሩ ‘ቲ ቀደም ዝበሃል። ደቂ 300 ይምርዓው፡ ደቂ 800 ወይ 900 ከኣ ይሞቱ ኔሮም። ደቂ ሰባት ግን በዚ ነዊሕ ዕድመ ንኣምላኽ የመስግንዎ’ዶ ኔሮም፧ ኣይፋሎምን። እንታይ ከፊእዎም’ዩ እንድዒ ግን ኣምላኽ ስለ ዘይተሓጐሰሎም በቃ ደቂ ሰብ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም 120 ኣይክትሓልፍዋን ኢኹም ቢሉ ten times ዕምሮም ከምዘንቆልቁል ጌርዎ። እዚ ዛንታ ናይ ዕድመ literal ትወስድዎ ሰባት ኣይትሰኣኑን ኢኹም፡ ኣነ ግን እቲ ሞራላዊ ትምህርቱ’ዩ ዘገድሰኒ። ዕድመ ሰብ ምቁራጽ እንታይ ሞራላዊ ትምህርቲ ደኣ ኣለዎ፧
**********************
ተመስገን ዘይምባል ዕድሜኻ የሕጽር ምዃኑ ክምህረና ዝደለየ ይመስል። ተመስገን ምባል ካብ ጭንቀትን ከናግፈካ ዝኽእልን ካልእ ብዙሕ ረብሓታት ዘለዎን መሳርሒ’ዩ። ኣቲ ሓብትና፡ ተመስገን ክብል ከም ዘለዎ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ’ዩ፡ እቲ ሕቶ ከመይ ጌርካ ትብል’ዩ። ንሓውኻ ከተፍቅሮ ከም ዘለካ ኩላትና ንፈልጥ ኢና፡ ክንሰርቅ ከምዘይብልና፡ ክንሕሱ ከምዘይብልና፡ ክንቀንእ ከምዘይብልና ወዘተ ወዘተ። ብዙሕ ካብዚ ሞራላዊ ትምህርቲ ቆልዑ ከለና brainwash ስለ ዝኾንና ወይ ድማ ንጹሃት ከለና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝተስገደደ መውጽኢ የብልናን። ወላ ሕጂ ኣምለኽቲ ገንዘብ ንኹን፡ ጭማራ ሒዝና ጸረ ኣምላኽ ንለዓል the damage is already done ሃይማኖት ናብ subconscious ክፋል ኣእምሮና already ኣትዩ’ዩ። እቲ ጸገም ክትገብሮ ዘይብልካ ነገራት ፍቶ ጽላእ ኩሉ ኣብ ልብኻ ተወቂጡ’ዩ፡ ምስ ዓበኻ ነዚ ጽሑፍ እናርኣኻ ሸለል ክትብሎ ምርጫ ኣለካ።
**********************
ናይ ተመስገን hypocrisy ብዙሕ’ዩ። እግሪ ዘይብሉ ብዙሕ ኣሎ፡ ንስኻ ግን ብዛዕባ ሓደስቲ ፋሽን ጫማ ኢኻ ትሓምም! ብርሃን ዓይኒ ዘይብሉ ብዙሕ’ዩ ንስኻ ግን ጽቡቕ ፊልም ዘይረኣኻ’ዩ ዘሕመካ! እዝኒ ዘይብሉ መሊኡ’ዩ ከም በዓል ሲዶና ተኾንካ ናይ ኣብራር ደርፊ ጓይላ በዚሕዋ ኢልካ ተማርር። ሰብ ቁራስ ባኒ ስኢኑ ከሎ ንስኻ ዓይነት ሃምበርገር ተማርጽ! እቲ ዘሕዝን ወይ ዘሕጉስ ግን ከምዚ ምግባርካ ቅጭጭ ዘይብለካ ምዃኑ’ዩ። ብገለ ሸነኽ’ኮ ሓቅኻ ኢኻ፡ ሰብ ኣይትበድል፡ ሕማቅ ኣይትግበር’ምበር ብዛዕባ ኳዕኳዕ፡ ሆሊውድ፡ ሃምበርገር፡ ሙዚቃ እንተሓመምካ ሕማቅ ሰብ ኣይገብረካን’ዩ። ነዞም ዘይሰለጦም ኣሕዋትና ድንጋጸ ዘይተኾብካሎም ኢለ ኣይሕዘልካን’የ ምኽንያቱ ኩላትና ተመስገን ዘይንፈልጥ ብፍልሖ ክንብላዕ እንቀራረብ ዘለና ሓሸር መሸር ስለ ዝኾና። ስለዚ ሰኣን ኣፍልጦ ኣይኮነን ሰብ ተመስገን ዘይብል። ገሊኡ ኣፉ መሊኡ “ኤእ! እዚኣ ይፍትሓላ፡ ኣነ ተምስገን ኣይብልን’የ” ዝብል ኣሎ። ምርጫኡ’ዩ፡ ገለ ድማ ተመስገን ክብል ምደለኹ ግን ከመይ ጌረ፧ ይብል። ንቀጽል።
**************************
ክሳብ ሕጂ ክልተ መገድታት ተፈቲነን ውጽኢት ምሃብ ዝኣበያ ኣለዋ። ሓደ ካብዛ ዓለም ሃዲምካ ኣብ ገዳም ምስፋር። ልብኻ ግን ብናፍቆት ሃብትን ጣዕምን ‘ዛ ዓለም ድቃስ ክትከልኣካ ትኽእል’ያ።  ኣደይ ኢታይ ኮንካ ተመስገን ምባል ትመልኮን ውን ትክእል ኢኻ I don’t know። እቲ ካልኣይ መገዲ ድማ ንኩሉ ዝመጻካ ድሌት ንምርዋይ ደድሕሪኡ ምጉያይ! እዚ ኩላትና ንገብሮ’ዩ። ንሓደ ካብዚ ጐደና ስሕብ ኣቢልካ “ኣብዛ እዋን’ዚኣ እንታይ ኮንካ ምሉእ ሓጐስ ዘይብልካ፧” ኢልካ ምስ ትሓቶ። I’m sure everyone would answer “ከምዚ ኣ ጐዲላትኒ ስለ ዘላ’ዩ” ዝብል። እዛ ‘ጐዲላ’ ትበሃል ዘላ ቪዛ ክትከውን ትኽእል፡ ቆልዓ፡ PhD፡ ገንዘብ፡ መርዓዊ፡ ጥዕና፡ ስልጣን፡ ዝና፡ ወዘተ ክትከውን ትኽእል። ንሳ ምስ ተመልአት’የ ምሉእ ሰብ ዝኸውን ይብለካ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ድማ ሓንቲ ቀዳድ ዓቢስካ ደው ትብል ‘ተትኸውን መሓረ ምበልና፡ ናይ ህይወትና ሽግር ግን ሓደ ቀዳድ ትዓብስ ካልእ ቀዳድ ይመጽእ፡ ከምዚ ‘ናልካ ክሳብ መቃብርካ። እዚ’ዩ ንሓውትኹም ቅጭ ዘምጽኣላ ዘሎ። ከም ማንቲለ ካብ ሓደ ድሌት ናብ ካልእ ድሌት እናዘለልካ ትነብር። እፎይ ኢልካ ነቲ ዘለካ ከተስተማቅር ትጽገም። ካብ በቲ ዘለካ 90 ጽቡቕ ነገራት ተመስግን በተን ዝተረፋ 10 ድቃስ ዘይብልካ ትሓድር። ቁሩብ ጸኒሕካ ድማ “ሰብ ምዃነይ” ኢልካ ትደርፍ። እንታይ’ሞ ሕጂ፧ ከም ማንቲለ እናዘለልና እንተነበርና እንታይ ጸገም ኣለዎ! ኖርማል ወይ “ዓዲ” ክትብል ትኽእል። ከምዚ ‘ተልካ ምርጫኻ አኽብሮ። ገሌና ግን ማንቲለ ምዃን ዝሰልቸወና ኣይንሰኣንን፡ ከመይ ቢልና ተመስገን ምባል ክንመሃር። እዚ ሕቶ’ዚ ልክዕ ባዕሉ ድሌት’ዩ። ካብ “ድሌት ውጻእ” እናበልና መሊስካ ከመይ ኣቢለ ተመስገን እመሃር ኢልካ ካልእ ድሌት ተእቱ ኣለኻ። ሓጺር መልሱ ከንቱነት ኩሉ ድሌታትካ ምስ ተረድኣካ ኢኻ ተመስገን ምባል ትኽእሎ። ዓሻ ዲኺ፧! ሃብቲ፡ ስልጣን፡ ትምህርቲ፡ ፍልጠት፡ ሓዳር፡ ፍቅሪ፡ ውላድ፡ ኩሎም ድሌታት ከንቱ’ዮም ኣይትበልኒ! ከመይ ‘ደሉ ሸቶታት’ዮም! ኣነ ደድሕሪኦም ዘብዘብ ክብል’የ ‘ተልካ፡  የቃንዓልካ! ጌና ከንቱነቶም ኣይኣተወካን፡ ዕድለኛ ተኾንካ ምስ ኣረግካ “ኩሉ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ’ዩ” ትብል ትኸውን። ዕድለኛ እንተዘይኮንካ ግን ምስ ድሌታትካ እናበኸኻ፡ ስንኻ እናሓርቀምካን “ዓለም ትሽዓተ” ኢልካ እናተራገምካ ብሓይሊ ካብ መድረኽ ህይወት ጐቲቶም ከውጹኻ’ዮም። እንታይ ይገበር ኢልካዮ! ወላ ኣነ ዝበለ ተዋስኣይ ኩን፡ መልኣከ ሞት በፍንጫ ካብ ማእከል ስቴጅ ኣብዚ ቅድሚ ‘ዚ ኩሉ ተዓዛቢ ጐቶቱ ክወስደካዩ! ከምዚል’ካ ካባ ሕፍረት ተጐልቢካ እናወጻኻ ፡ ጌና “ሸቶታተይ ትርጉም ኣለዎም” ትብል ተለኻ ኣይጠዓኻን! ህይወት ኣይተድልን ኢኻ ኢላ Throw This Person Away እናጸሓፈትልካ ከላ! ኖእ! ኣነ ኣገዳሲ ሰብ’የ ምባል ሕማም ኢጎ ጥራይ’ዩ። እንታይ ማለትካ ኢኻ’ኸ ክመውት ኣይደልን’የ፧
**************
ከመይ ጌርካ ተመስገን ትመሃር፧ ከንቱነት ናይዞም ድሌታት ተረዳእ። ወላ ደድሕሪኦም እናጐየኻ ምስ ረኸብካዮም ውሽጥኻ ብዙሕ ከምዘይልውጥዎ ኣስተውዕል። እዚ ምስ ተረድኣካ ይብሉ ለባማት ምጉያይ ዘይኮንካ ተቋርጽ ብልብኻ ምድላይ ተቋርጽ። ፍሽኽ እናበልካ ደድሕሪኦም ምጉያይ ትላመድ። ከም ኣያ ዝብኢ “ተረኸብኩ ኣይገድፍ፡ ተሰኣንኩ ኣይጸድፍ” ክትብል ትጅምር። ዝገጠመካ ኩነት ህይወት ከም ስልማት ትቅበሎ። እዚ ተዘይከውን፡ ከምዚ ተዘይገጥመኒ ኢልካ ነብስኻ ምቅሻሽ ትገድፎ። ትደልዮ ምርካብ ምስጢር ሓጐስ ከይዘኮነ ክትምስክር ትኽእል ኢኻ። ድሌት ንካልእ ድሌት’ምበር ንቅሳነት ኣይኮነትን ትወልድ። እዚ ግን ከም ቅዱስ መጽሓፍ ወይ ቁርኣን ወይ መጽሓፍ ፍልስፍና ስለ ዘንበብካዮ ወይ ክስበኽ ስለ ዝሰማዕካዮ ክትገብሮ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ተምስገን ምባል ከምዘድሊ ክንደይ ግዜ ሰሚዕካ ንዲኻ ሎሚ ውን ሰሚዕካ ጥራይ ኢኻ ክትሓልፎ። ርእስኻ እናነቅነቅካ፡ ጨለ ዘረባ ኢልካ ጽባሕ ትርስዖ use and throw’ዩ። **************
ክንኣስሮ፡ ሓቀኛ ፍልጠት ዝበሃል ካብ ኣከባቢኻ ዝኣከብካዮም ነጥብታት ናብ ልብኻ ዘሪቊ ካብ ውሽጥኻ ምስ ዝፍልፍል ጥራይ’ዩ ክቅይረካ ዝኽእል ምበር ክርስቶስ በሎ፡ መሓመድ በሎ ሰብ ክቅይር ኣይክልእን’ዩ። ወላ ኣምላኽ ባዕሉ ካብ ሰማይ ወሪዱ “ተመስገን በል” ኢሉካ ተመስገን ኣይክትብልን ኢኻ። ኣዳምን ዛንታኡን ለውጢ ብውሽጢ ምበር ብግበር ኣይትግበር ከምዘይኮነ’ዩ ዝምህረና። ሕጂ ዘለው ሃይማኖታት ኣብ ክንዲ ውሽጥካ ክልውጡ ዝፍትኑ ብደገ ጥራይ’ዮም ዘጸባብቁኻ፡ ውጽኢቱ መስካሪ ኣየድልዮን’ዩ። ክርስትና ድሕሪ ክርስቶስ ሞይቱ፡ ምስልምና ድሕሪ መሓመድ ሞይቱ፡ ቡድሂዝም ድሕሪ ቡድሃ ሞይቱ (ሕጂ ከይተረፈ ኣብ ሮሂንጋ ይመውት ኣሎ) ብሓጺሩ ኩሎም “ኢዝማት” ሞይቶም’ዮም። እዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ሎሚ ሃይማኖት ሬሳ’ዩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ። ሓቀኛ ሃይማኖት ኣብ ልቢ’ዩ ሰፈሩ። ውሽጥኻ ክቅይረካ እንተዘይክእሊሉ፡ ካብ ሓደ ሃይማኖት ናብ ካልእ ምንጣር ፋይዳ የብሉን። ስለዚ ከመይ ኢለ ተመስገን ክብል፧ ከመይ ጌረ መንግስተ ሰማይ ይኣቱ፧ ወይ ከመይ ጌረ ሓጐስ እረክብ፧ እቲ መልሲ ንደጌኻ ድዩ ወይስ ንውሽጥኻ፧ ንደጌኻ እንተኾይኑ ከምዚ ኢልካ ጸሊ፡ ክንድዚ መዓልቲ ጹም፡ ከምዚ ግበር ከምዚ ኣይትግበር ዝብሉ ብዙሓት ሃይማኖታት ስለ ዘለው ኪድ ካብኦም መሪጽካ ደጌኻ ኣጸባብቅ። ናይ ሓጐስ ድማ motivational speeches ኣለካ፡ መጽሓፍቲ ከመይ ጌርካ ከም ትሕጐስ ዝዛረቡ ኪድ ንበቦም። ናይ ውሽጢ ተደለኻ’ኸ፧ ናይ ውሽጢ ደኣ ባዕልኻ ትገብሮ ኣይኮነን። ባዕሉ ዘጋጥም’ዩ። ከም ጸጋ ኣምላኽ ዱብ ዝብል’ዩ። Achieve ክገብር ዝደሊ ኢጎ ስለ ዝኾነ ከምዚ ጌርካ ኢኻ ትረኽቦ ዝብለካ ኩሉ ሓሳዊ’ዩ። ንስኻ ወላ ሓንቲ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ ፡ ባዕሉ’ዩ ዘጋጥም። ንኣምላኽ ትደልይዎም ዘለኹም ሰባት ውን ብሓይልኹም ወይ ብብልሕኹም ክትረኽብዎ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ኣምላኽ ክግለጸልካ እንተዘይደልዩ በየናይ ክእለትካ ኢኻሞ ንስኻ ክትረኽቦ፧ ብተመሳሳሊ ድማ “ከመይ ጌረ ከምዚ ክኸውን” ወይ “ከመይ ጌረ ከምዚ ክረክብ፧” ኢሉ ብዛዕባ “ውሽጣዊ” ነገራት ዝሓትት ኩሉ”ከመይ ጌረ” ምባል ናይ ኢጎ’ዩ ስለዚ ግደፎ። ከምዚ ህይወትካ ኣነ ክውለድ ኣለኒ፡ ከምዚ ኮይነ ክፍጠር ኣለኒ ኢልካ ዘየምጻኻያ፡ ተመስገን ምባል ድማ ከምኡ ባዕልኻ ከተምጽኣ ኣይከኣለካን። ንሳስ ተጋጥም እምበር ብርእስኻ ክትፍጽማ ኣይከኣለካን’ዩ። ስለዚ ከም ማህጸን ተቀባሊ ጥራይ ኩን፡ ዕድል ጌርካ ፈቃር ተኾይኑ ማህጸንካ ሃንደበት ተመስገን ምባል ክትጠንስን ፡ ሓጐስ ክትወልድን ኢኻ።

Lonliness



መስከረም 12
ብዙሓት ሰባት ጽምዋ ይጸልኡ’ዮም። “ኢሂ እንታይ ኮንካ ጽምዋ ትጸልእ፧” ኢልካ ምስ ትሓትት “እንድዒ ደስ ኣይብለንን’ዩ” ይብሉኻ። ስለ ዝፈርሁ ደኾን ይኾኑ፧ ፍርሂ ጽምዋ ከም ንፋስ ሰሜን ምስ ዘይትፈትዎ ሰብ ከተሓቋቁፈካ ይኽእል። “ዓወት” እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይፈልጥን’የ፡ ምኽንያቱ ኣብ ማርቻቤዲ ትልምን ኔርካ ዲኻ ንጉስ ነገስት ኔርካ፡ ኣብ መወዳእታ ቀለብ ፍልሖ ስለ ትኸውን። እቶም ስልጣንካ፡ ሃብትኻ፡ ፍልጠትካ፡ መልክዕካ ዝምስክሩ ውን ከማኻ ድኹዒ’ዮም ክኾኑ። ስለዚ ድኹዒ ንካልእ ድኹዒ የጣቃዓሉ፡ ወይ ድኹዒ ንዱኹዒ ይገዝኦ፡ ወይ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ የእትዎ! ወይ ጉድ! እነሀት ጌና expire ዘይኮነት ድኹዒ ሓውትኹም ድማ ኣብ ፌስቡክ ትጽሕፈልኩምን ኣኣብ ዘለኹሞ “ፍልሖኣዊ” ሰላምታኣን ተቅርበልኩም! ካብ ዝሰምዖ ብዛዕባ ዓወት “ድኹዕታት” ፡  ዕውታት ኩሉ ግዜ ዝጉዓዝዎ መገዲ ብሽግርን ጻዕርን ዝመልአ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ሰብ ኣብ መገዶም የለን። ልክዕ ከምዚ እታ ናብ መንግስተ ሰማይ ትወስድ መገዲ ጸባብ፡ ብእሾኽ ዝመልአት’ያ ዝብሉዋ ናብ ዓወት ትወስድ መገዲ ድማ ብተመሳሳሊ ጻዕርን፡ ረሃጽን ሽግርን ዝመልኣ’ያ። ዓቢ ነገር ክትገብር ኣብ ትፍትነሉ እዋን ምስ ጽምዋ ምምሕዛው ከድልየካ’ዩ። Winners are loners ንምባል’ዩ። ፐርሰናሊ፡ ዓቢ ነገር ክትገብር ምፍታን ናይ ኢጎ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ኣይምስጠንን’ዩ። ፕረዚደንት ኮንካ እንታይ ኮን ኢኻ proof ክትገብር ትህቅን ዘለኻ፧ ሃብቲምካ’ኸ “ትርጉም ዘለኒ ሰብ’የ” ንምባል ድዩ፧ ፕሮፈሰር ኮንካ’ኸ ኣበይ ክትበጽሕ ስለ ዝደለኻ ኢኻ፧ ወይስ ንርእስኻ ፍልጠት መሊእካ ዝሓሸ self-image ወይ  ኣረኣእያ ኣብ ነብስኻ ንምርካብ’ዩ፧ <>
ሓንቲ ደስ ትብለኒ ዘረባ ኣላ። ንእምባ ኤቨረስት ንፈለማ እዋን ዝሓኾሮ ሰብ፡ ኣብ ጫፍ በጺሖም ምስ ተመልሱ ኣብ ታሕቲ’ቲ እምባ ሓደ ወጣም ጋዜጠኛ ጸንሖም። “ስለምንታይ ንኤቨረስት ሓዂርካዮ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ወዮ ሓዃሪ “Because it is there” ክብል መለሰሉ። በቃ! ክትገብሮ ከም ትኽእል ንምርኣይ! እዚ ግርም መልሲ’ዩ ምኽንያቱ ሓታቲ ንባዕሉ ትርጉም ዝደሊ ዘሎ ኢጎ ስለ ዝኾነ። ኢጎ ኤቨረስት ይሓኩር፡ ኢጎ ስለምንታይ ሓዂርካዮ ኢሉ ተገልቢጡ ይሓትት። ካብዚ ንርድኦ ካብ ኢጎ ናጽነት የለን፡ ናጽነት እንተደለኻ ውን ባዕሉ ኢጎ’ዩ “ከመይ ጌረ ነጻ ዝኸውን፧” ዝብል ዘሎ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ከምዚ ኣብ መእተዊ ዘሎ ሕቶታት፡ ገንዘብ ኣኪብካ እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ወይ ፍልጠት ኣኪብካ ሽዑ’ኸ፧ ስልጣን ሒዝካ እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ዝብለካ ኣይሰኣንን’ዩ። እቲ መልሲ ከምዚ ሓዃሪ ዝበሎ because I can ኢልካ ንኢጎኻ boost ግበሮ። ስለምንታይ እጽሕፍ ኣለኹ፧ Should I have a reason to write? Why can’t I just write or someone might ask “Why are we here on earth?” Why can’t we just be? ኢጎ ንነገራት ተቆጻጺሩ ካብ unknown dangers ክቆጻጸር ስለ ዝደሊ፡ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ነገር reason ይደልየሉ። እንታይ፧ ካበይ፧ ስለምንታይ፧ ወዘተ እናበለ ጦቅ የብለካ።<>
ስለምንታይ ኢልካ ምሕታት ኣብ መወዳእታኡ ዝኾነ ፋይዳ የብሉን። ሰብ ኮንካ ግን ግድን ክትሓትት ኣለካ እምበር ዝበሃል ኣዘራርባ ኣሎ። ካብ ማእሰርቲ ናይ reason ክወጽእ ዝደሊ ብዙሕ ሰብ የለን፡ “ኣይተካፍእዮ! Reason ማእሰርቲ ዘይኮነ ናጽነት’ዩ” ክብል ይኽእል ሓደ ብጫይ። እሺ! ‘ደለ ኹን። ፍልስፍና ብሕቶታት ዘጌጸ ናብ ባዶሽነት ዝወስድ መገዲ’ዩ። “ባዶሽነት” ዝበሃል ዘሎ ትርጉም ምስኣን ማለት እንተኾይኑ፡ እቲ ሕቶ ግን ትርጉም ዘይትደሊ’ተለኻ ከመይ ጌርካ ንትርጉም ትስእኖ፧ ስለዚ ትርጉም ህይወት ኣይትድለዮ’ሞ ትርጉማ ኣይክትስእኖን ኢኻ። ብዙሓት ቀለም ቀመስ ኣሕዋትና፡ ከም ኒቸ “ኣምላኽ ሞይቱ” ይብሉ። ሐራይ! ኣምላኽ ዝገደፎ ቦታ መን ይምለኣዮ፧ “ሓልዮት” ኣምላኽን ንዓኻ ዘለዎ መደባቱን እንተውጺኻዮ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ብገለ ክትመልኦ ኣለካ። ቅድሚ ኣብ ፌስቶራንት ፍልሖ ምዝልዛልካ፡ ገለ ነገር ክትገብር ትደሊ። ወላ ሚያ ዘለዎ ነገር ኣይትግበር ኩሉ መዳያዊ “ጣዕሚ” ከተስተማቅር ትብህግ። “ምቾት” ዮም ዝብሉዋ ገለ ሰባት፡ እዚ ዝብልዎ ዘለው ምቾት ፡ ኣካላዊ physical ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣእምሮኣዊ ምቾት፡ ከምኒ ቅሳነት፡ ተመስገን ምባል፡ ሰላም ወዘተ ምስ ግዜ እናተቀዳደምካ ዝመጽእ ኣይኮነን። ካብ ጽምዋ እናፈራህካ፡ በይንኻ ብዘይ ብጫይ ናይ መጽሓፍቲ፡ ኢንተርነት፡ ሙዚቃ ኮፍ ክትብል እንተደኣ ዘይትኽእል ኮንካ፡ ኣእምሮኣዊ ምቾት ኣይክትበጽሖን ኢኻ። <>
በይንኻ ብዘይ ዝኾነ human interaction ኣብ ሓደ ጸልማት ገዛ እንተደኣ ተኣሲርካ፡ መጀመርያ 3 ሰሙን ምስ ነብስኻ ጥራይ ብውሽጥኻ ትዛረብ። ድሕሪ 3 ሰሙን ግን፡ ነብስኻ ድምጺ ስለ ዘድልያ ዓው ኢልካ ትዛረብ። ድሕሪ 3 ወርሒ ባዕልኻ ሓቲትካ ባዕልኻ ክትምልስ ትጅምር ይብሉዎ። ንሰብ ኣብ ጽምዋ solitary ምስ ትኣስሮ፡ ንስኻ ኣይኮንካ ትቀጽዖ። ነብሱ ንነብሱ’ዩ ዝቀጽዖ፡ ብሓሳባት ጥራይ። ዘድልዮ ኩሉ ቀሪብካሉ ከለኻ፡ ምስ ሰብ ጉጅም ክብል ይደሊ። ወላ ኣብ Auschwitz ናይ ሂትለር ካምፕ ተኣሰር፡ በይንኻ ጥራይ ኣይትኹን’ምበር ኣነ ዝበለ ሽግር ክትሓልፎ ትኽእል ኢኻ። ሰባት ሳላ ማሕበራዊ ናብራና ቀስ ኢልና እነንፍሶ እሳተ ጐመራ ኢና። እዚ እሳተ ጐመራ ብዓቀን ስለ እነንፍሶ ከይተፈለጠና ንነብር፡ ከይንፍንጀር ኢልና ጽምዋ እንተፈራህና ውን ኣየኽፍኣልናን’ዩ።<>
ጽምዋ ምብዛሕ ሓደገኛ ካብ ኮነ በንጻሩ ድማ ዕውታት ሰባት spiritually and worldly ንጽምዋ ዝኸመለኹ ካብ ኮኑ፡ ኣብ መንጐ ምቅርቃር ክመጽእ’ዩ፧ ምስ ሰብካ መዓት ኢልካ’ዶ ብሰላም average ኮንካ ምንባር ይሓይሽ ወይስ ካብ ውሕሰነት ናይ መጓሰ herd ሕብረተሰብ ወጺኻ ገለ ነገር ምግባር፧ ድላይካ! ከይተመርዓኻ ከይወለድካ ምንባር ትርጉም የብሉን ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን። ቆልዓ ምፍራይ ስርሐይ ኢልካ ተሒዝካዮ ንፉዕ ወላዲ ክትከውን ይግበኣካ። ኖእ ኣነስ ትምህርተይ፡ ሃብተይ፡ ስርሐይ ትብል ተለኻ ድማ ግርም ጌርካ ሓዞ። ክልቲኡ መገድታት ዋጋ ከሓተካዩ፡ ኣየናይ መስዋእቲ ምኽፋል ከምዘዋጻካ ግን ናትካ ምርጫ’ዩ። ጽምዋ ትጸልእ እተኾንካ ምስ ቆልዓ፡ ምስ ሰብኣይ፡ ምስ ሰበይቲ ጯቊ እናበልካ ጽምዋ ዝብሉዎ ኣይክቀርበካን’ዩ። ክትጽሕፍ፡ ክትምህዝ፡ ክትህብትም፡ ክትመሃር፡ ክትዕወት እንተደሊኻ ግን ምስ ስድራቤትካ ተሕልፎ ግዜ ኣብ ስራሕካ ከተሕልፎ ኣለካ። ኣብ ክንዲ ምስ ሰብ ምስ ጽምዋ ትመራዖ’ሞ ኣብ ዝደለኻዮ ትበጽሕ።

ደርፊ ናይ ሰይጣን ድዪ፧



ደርፊ ናይ ሰይጣን ድዪ፧
ሞት Don Williams ዘርድእ ዝነበረ ሓደ ናይ ፌስቡክ ብጫይና፡ ዛ ሓሳድ ዓለም ንዶን ዊልያምስ ወሲዳቶ ክብል መረርኡ ክገልጽ ሪአ። ዓለም መስከነይቲ ፡ ኣቲ ጨናዊት፡ ኣቲ ሓሳድ፡ ኣቲ ደርሆ ፡ ኣቲ ትሽዓተ፡ ኣቲ ሸርሙጣ፡ ኣቲ ……..ወዘተ በቃ! ዝኸፍአ ጸርፍታት ይዘንባዪ፡ ይግብኣ ደኾን ይኸውን፧ ኣነ ዝገርመኒ ግን ሞት ደረፍቲ ወይ ተዋሳእቲ ልዕሊ ሞት ዝኾነ ሰብ ይወዓዋዕ ምዃኑ’ዩ። እንታይ ማለት’ዩ’ኸ ዙይ፧ ካልእ ንብዙሕ ሰብ ዘሕሞ ድማ ስለምንታይ ልዕሊ መማህራን፡ ሓረስቶት፡ ሓካይም፡ ኣፍረይቲ ዜጋታትን ገንዘብ ይኽእፈሉ፧ ሙዚቃ ተጻዊትካ፡ ኣብ ፊልም ተዋሲእካስ ኣየናይ ሰብ ኢኻ ካብ ሞት ተድሕን፧ ወይስ ክንደይ ሰብ ኢኻ ከብዶም ተዐንግል፧ እዚ ዘይፍትሓውነት ዝመስል ነገር ‘ዛ “ጨናዊት” ዓለም ከይተረድኣኒ ከሎ፡ አንጸርጽርን ነዞም ተዋሳእትን ደረፍትን እቀንኣሎም ነበርኩን፡ ሎሚ ግን ይግብኦም ጥራይ ዘይኮነ ውሒድዎም ከማን ናብ ምባል በጺሐ ኣለኹ። ከመይ ንትብሉ ንኺድ<>
ምስ ናይ ዶን ዊልያምስ ክትከደልና መታን ብደረፍቲ ጥራይ ንዛረብ። ንኣብርሃም ኣፈወርቂ መቸም ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ ኣይህሉን ይኸውን። ፍቅሪ ፡ ብዜማ ኣብርሃም ኣፈወርቂ መንገብገብ ኣውጺኡ ካብ ጋብያ ልብና ነፊሩ ኣብ ሰማያት ተራእዩ። ኣገዳስነት ናይ ደርፊ ኣበ’ዩ ዘሎ፧ ሓሚምካ ብደርፊ ክትሓዊ ኣይትኽእልን፡ ጠሚኻ ቅኒት ክትበልዕ ኣይከኣልን ግን ልዕሊ ሓረስታይ ልዕሊ ሓኪም ስምን ዝናን ኣለዎም። እዚ ዘይምርድዳእ ዝመጽእ ዘሎ ፡ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ጥራይ ዝነብር ፍጡር ስለ ዝመስለና’ዩ። ስለ ዝበላዕኻን፡ ካብ ሕማም ነጻ ስለ ዝኾንካን ጥራይ ትነብር ኣለኻ ክንብል ኣይንኽእልን። ጽሑፍ “ሰብ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ዪ” ኢልዎ፡ ናይ Abraham Maslow መሳልል ድሌታት ትዝክርዎ ትኾኑ። ንመዓልቲ 2 ሰዓታት ጥሜትካ ከተዐንግል እንተደኣ ኣሕሊፍካየን ዝተረፋ 8 ደቂስካ፡ 14 ሰዓታት ኣበይ ኢኻ ከተሕልፎ፧ ኣብ ኣእምሮኻ ኢኻ ተሕልፎ። እንታይ ኢኻ ክትሰርሕ፧ ምስ መን ኢኻ ክትነብር፧ ዓለም ክትጸፍዓካ ከላ ከመይ ቢልካ ኢኻ ክትንስእ፧ መን’የ እናበልካ ኢኻ ኣብ ዓለም ክትመላለስ፧ ወዘተ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክትምልሶም ኣለካ። ምስ ምዕባለ ደቂ ሰብ ካብ ኣካል body ናብ ኣእምሮ shift ንገብር ኣለና። ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትኡ ድሌታትና ነገራዊ ዘይኮነ ኣእምሮኣዊ’ዩ። ሓጐስ፡ ደስታ፡ ፍቅሪ፡ ምርድዳእ፡ ሰላም ወዘተ ዝኣመስሉ “ኣእምሮኣውያን” ድሌታት ዝዓብለሉዋ ዓለም’ያ። ዓደስ በሊዕካ፡ ጮማ ስጋ እንትርፎ ንቁሩብ ግዜ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን። ምስ ግዜ ጮማ=ዓደስ፡ ጽቡቕ ክበልዕ ዝጀመረ ሰብ ግን ተመስገን ኢሉ ኣብኡ ደው ኣይብልን። ጳውሎስ’ኮ ሓቁዩ፡ ተመስገን ዝዓብለሎ ሃይማኖት ክንደይ ዓቢ ረብሓ’ዩ። ኣብ ዘመንና ኣእምሮና ነጻ ክንገድፎ ዘይንኽእል እናኾና ንመጽእ ኣለና። ስቅ ኢሉ ኮፍ ክብል ኣይክእልን። ግድን ክሰርሕ፡ ሙዚቃ ክሰምዕ፡ ምስ ሰብ ክዛረብ፡ surf ክገብር ኣለዎ። ነእምሮና ስቅ ማለት ሞት እዩ። ስለዚ ሰብ ኣእምሮኡ busy ዝገብር ዝኾነ ነገር ማዕረ መግቢ እናሓንሳብ ውን ልዕሊ መግቢ ክርአዮ ጀሚሩ’ሎ። <>
ኣብርሃም ኣፈወርቂ ዝህበካ ተስፋ ካብ ሃምበርገር ክትረኽቦ ኣይትኽእልን። ዶን ዊልያምስ ምናልባት ሓደ ካብ ቀዳዳትካ ስምዒታትካ ክዓብስ ዝኽእል ደራፊ ክኸውን ይኽእል። I can’t live without music ዝብሉ ሰባት ብዙሓት’ዮም። ኒቸ ከይተረፈ Without music, life would be a mistake ክብል ተዛሪቡ። ሙዚቃ ግን ስለምንታይ ክንድዚ ተፈታውነት ኣሕዲሩ፧ ጽቡቕ ከም ዝስመዓካ ስለ ዝገብር፧ ጸገማትካ ስለ ዘረስዓካ፧ ንህይወት ትርጉም ስለ ዝህባ፧ ኣብ ሃይማኖት ግን ዓለማዊ ሙዚቃ “ናይ ሰይጣን’ዩ” ዝበሃል። ስለምንታይ ምስልምና ሕሉፍ ዝኾነ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ሙዚቃ ኣለዎ፧ ቀሺ እንታይ ኮይኑ ንደርፊ ይጽይኖ፧ ኣብ ልዕሊ ጓይላ ሕሉፍ ጽልኢ ስለ ዘለኒ ምስ ቀሽን ሸክን ኮይነ ጓይላ ካብ ዓለም ክጠፍእ ምሰራሕኩ፡ እንተቲ ክትሰምዖ ባህ ዘብል ደርፍታት ግን ግደፍዎ ይዓምብብ። ኣብርሃም ኣፈወርቂ እንታይ ጌሩ፧ ካብ መንፈሳዊ ነገራት ከይስሕበካ፧ ልብኻ ከይጠውዮ፧ ሙዚቃ ናይ ሰይጣን ካብ ኮነ ፡ ኣብርሃም ኣገልጋሊ ናይ ሰይጣን ማለት ድዩ፧ ጡፍ በልዎ! ኣነ ዝፈልጦ ስለ ዘይብለይ ሙዚቃ ናይ ሰይጣን ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንድዒ! “ሙዚቃ ገለ ዝስሕበካ ሰይጣናዊ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ካብ ኣምላኽ ከይፈልየካ ሓሊና ኢና ንዛረብ ዘለና” ክብሉ ይኽእሉ። ሃይማኖት ኣይትግበሮ ዝብለካ ኩሉ ነገራት “ገለ ነገር” ኣለዎ ማለት’ዩ። Anton LaVey ዝበሃል ጸሓፊ ከም ዝብሎ ኩሉ “ኣይትግበሮ” ዝተበሃልካዮ ሓጐስ ከምጻልካ ስለ ዝኽእል ቀንዲ ንዕኡ ክትገብሮ ኣለካ ይብል። ዕላማ ናይ ጽሑፋቱ ሰብ ቆልዓ ከሎ ብሰንኪ ካብ ወለዱን ከባቢኡን ዝወርዶ ተጽዕኖ፡ ምውሳእ ስለ ዝጅምር እኹል ሰብ ምስ ኮንና ሓቀኛ መንነትና ኣጥፊኡ፡ ብ fake ዝኾነ ባህሪ ይትክኦ ኢሉ። ስለዚ ኩሉ “ሓጢኣት” ዝተባህለ፡ ብዓመታት ጸቅጢ ናይ ሕብረተሰብን ሃይማኖትን perverted ጌሩ እሱራት ናይ reverse psychology ኮይንና ኣለና ይብል። ኣይትዘሙ ትበሃል ካልእ ሃሊዎ ዘይኮነ ሓልዮት’ዩ ኔሩ ‘ቲ ቀደም። ድሕሪ ግዜ ግን forbidden fruit ዝመቀረት ስለ ዝመስለካ በቃ! መትሓዚ ዘይብልካ ትኸውን። ሃይማኖት ንሓድሕድኩም ተፋቀሩ ይብል፡ ውሽጥኻ ግን ፍቅሪ ካበይ ይውለዳ። ኣይትቅተል፡ ኣይትስረቅ፡ ኣይትሓሱ ወዘተ እናበሉ ቅትለት፡ ስርቂ፡ ሓሶት ከም ዝበዝሕ ዝገበሩ ዘለው ቀንዲ መራሕቲ ሃይማኖት’ዮም ይብል ጸሓፊ ኣንቶን ላቨይ። እዚ ብላዕሊ ተስገዲዱ ዝመጻካ “ሞራላዊ ተዋስኦ” ናይ ሃይማኖታት ተጽዕኖ፡ ሓቀኛ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን። በንጻሩ’ኳ ደኣ ንክትሓጥእ’ዩ ዝደፋፍኣካ ይበሃል። ስለዚ ሕረቅ፡ ሓሱ፡ ዘሙ፡ ሙዚቃ ከም ድላይካ ስማዕ፡ ስኸር ምስ ግዜ ከንቱ ምዃኑ ምስ ተረድኣካ ክትገድፎ ኢኻ። ክሳብ ባዕሉ ዝገድፈካ ግን ብሓይሊ ዓምጺጽካ ንትገብሮ ኩሉ “ኣምሰሉነት” ኢሉ ይቃወሞ። ልብኻ ብጽልኢ እናነደደ ከተምስል ፍሽኽ ምባል ምስ ግዜ ኣብ ነብሰ-ክብርኻ ደምሲሱ፡ ዘይምኽኑይ ሰብ ክገብረካ ይኽእል።<>
ሰብ natural ሙዃን ስለ ዝገደፎ፡ ሓቀኛ መንነት ትበሃል እንተኔራቶ፡ ሸይጡዋ’ዩ። ነዛ መንነቱ ከይረኸባ ድማ ሓጐስ ከረክብ ኣይክእልን ይበሃል። ነዛ ዝጠፍአት መንነት ኣበይ ትረኽባ፧ ገለ ናብ ኣምላኽ ንመለስ ክብሉ ከለው፡ ገለ ድማ ሰብ ናጽነቱ ክእውጅ ኣለዎ ይብሉ። ገለን ኣብ ፍቅሪ፡ ገለ ኣብ ገንዘብ፡ ኣብ ስልጣን ፡ ኣብ ፍልጠት። ንዝሓተትካዮ ሰብ ነናቱ መልሲ ክበካዩ። ኩላቶም እሱራት ካብ ከባቢኦም ዘምጽዎ ኣተሓሳስባታት ምዃኖም ግን ክቅበልዎ ኣይደልዩን’ዮም። ንስኻ ውጽኢት ናይ ዕድል ምዃንካ ኣይትቅበሎን። ትርጉም ኣለኒ ትብል! ዕላማ ኣለኒ ትብል፡ ከም ሓቂ ግን፡ እንቋቁሖ ኣዴኻ ዝረኸባ sperm ካብ ሚልዮናት ሓደ ብዕድል’ዩ። ኤርትራዊ ምዃንካ ውን ዕድል’ዩ፡ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ምውላድካ ውን ዕድል’ዩ። ክርስትያን ወይ ኣስላማይ ምዃንካ ውን ባዕልኻ ዝመረጽካዮ ዘይኮነ ካልእ ዕድል’ዩ። ጽባሕ እንተሞትካ ውን ኣጋጣሚ’ዩ። ሰብ ብዕድል ንቅድሚኡ ምንባር ክመሃር ኣለዎ። ጽባሕ ድላያ ትኹን ምባል ክጅመር ኣለዎ። ናይ ቀደም ሰባት ንቅድሚኦም’ዮም ዝነብሩ ኔሮም። ካብ ማእሰርቲ ናይ what ifs ወጺኻ ነዛ ህሞት ከተስማቅር እንተደሊኻ ንህይወት ከም ዝመጸትካ ግጠማ። ሃድንቲ ኣቦታትና ኣብ መገዲ ኣንበሳ ድዩ ክገጥሞም ዓጋዜን ከይፈለጡ ካብ ገዝኦም ይወጹ ነበሩ። ሎሚ እዚ surprise element ጠፊኡ፡ ኩሉ መልሰቸው ኮይኑ ኣሎ። ሰብ እሱር ናይ ኣእምሮኡ ዝሃነጾ ሕሉፍን መጻእን ኮይኑ’ሎ። ሙዚቃ ኣብ ትሰምዓሉ ካብ ኣባሓጐታትካ ዘጥፋእካዮ natural state ትዝ ይብለካ’ሞ፡ ካብ ማሕዪር ሓሳባት ኣውጺኡ ካልእ ገጽ ህይወት የርእየካ። እዚ dimension ክትፈትዎን ካብኡ ኣይምለስን’የ ክትብል ትኽእል። “‘ዛ ሞት ተግዝመካ ዓለም እንታይ ክትገብረለይ’ያ” ትብል። ናብዚ dimension ብ sex, ብመስተ፡ ብዕጸ-ፋርስ፡ ብ ስነጥበብ፡ ብጸሎት፡ ብዮጋ ወዘተ ክትኣቱ ትኽእል። <>
ክንኣስሮ፡ ሰይጣን ተጻራሪ ናይ ኣምላኽ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቁርኣን ኣይትግበሮ ዝተበሃልካ ነገራት ሙዚቃ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ፡ ኣልኮል፡ ዕጸፋርስ ካብ ናይ ኣምላኽ ጐደና ከውጹኻ ዝኽእሉ “ሓጢኣታት” ዮም ተባሂሉ ይዝረበሎም። ስለዚ ሙዚቃ ናይ ሰይጣን መሳርሒ’ዩ ግን “ኬፍ” ዘለዎ መሳርሒ ስለ ዝኾነ፡ ንሰምዖ። ባህታ ስለ ዝፈጥር፡ ንደረፍቲ ከም መላእኽቲ ነምልኾም። ሙዚቃ ሓጢኣት’ዩ። እንታይ’ሞ ሓጢኣት ተኾነ፧ “If loving you is wrong, then I don’t want to be right” ኢሉ ኣሜሪካዊ ደራፊ፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ናብ ትግርኛ ጽቡቕ ጌሩ ተርጒሙዋ። ንፍቅሪ “ሃይማኖተይ” ዝበሎ ደራፊ መጋበርያ ሰይጣን ክትብሎስ እንታይ ይበሃል፧ “መን ከምኡ ኢልዎ፧” ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን’ዩ፡ ኣነ ኣይኮንኩን ከምኡ ኢለዮ፡ ደርፊ ናይ ሰይጣን’ዩ ዝብሉ መራሕቲ ሃይማኖት’ዮም፡ then it follows ኣብርሃም መጋበርያ ሰይጣን ማለት’ዩ። ደርፊ ሓጥኣት ኣይኮነን! ካብ ነብርሃም ኣፈወርቂ ከይሰማዕካ ኣብ መንግስተ ሰማይ ትኣቱ፡ ደርፍታቱ ኣስተማቂርካ፡ ምስኡ ዘሊልካ ናብ ገሃነም ምእታው ይሓይሽ። ካብ ንዊክ አንድ ከይሰማዕካ መንግስተ ሰማይ ትኣቱ፡ ምስኡ ሳዕሲዕካ ናብ ገሃነምካ። ኦ “ዓለም ሓሳድ” ኢልካ ብሞት ዶን ዊልያምስ ተማርር ዘለኻ ሓውና፡ ኣጆኻ ኣብ ገሃነም ክትራኸቡ ትኾኑ ኢኹም። ህላውነት ገሃነም disprove ክገብረልና ዝኽእል ሰብ ክሳብ ዘይመጸ፡ ኣቱም ደረፍትን ኣፍቀርቲ ደርፍን ደራፎን ኣብ ገሃነም የራኽበና። Viva la musica!

In Search of The Miraculous



መስከረም 10 2017
In Search of The Miraculous ትብል መጽሓፍ ብ ሩስያዊ P. D. Ouspensky ዝተጻሕፈት ድርሳን ከንብባ ጀሚረ ኣለኹ። እቲ ዝገርም ነዛ መጽሓፍ ቀደም’የ ኣራጊፈያ download ጌረያ ግን ተራኺ ብብዝሒ ምስ ሓደ G. ዝበሃል ሰብኣይ ዝገበሮ ርክባት ይዛረብ ስለ ዝነበረ፡ እንታይዋይ G. እዩ ‘ኸዚ ኢለ ቅጭ ኣምጺኣትለይ። ሎሚ ግን ኣጋጣሚ G. መን ምዃኑ ኣብ መእተዊ ምስ ረኣኹ ግድን ከንብባ ኣለኒ’ለ ጀሚረያ። G ማለቱ George Gurdjieff (1877-1949) ዝነበረ መበቆል ግሪኽን ኣርሜንያን ዝነበሮ ሩስያዊ ተመራማሪ፡ ፈላስፋ፡ Mystic ’ዩ ኔሩ። ን ጆርጅ ብ መገዲ ኦሾ’የ ዝፈልጦ። Ouspensky ተመሃራይ Gurdjieff ከም ዝረበረ፡ ድሒሩ ግን ከምዚ ፕላቶ ካብ ሶቕራጠስ፡ ኣሪስቶቲል ድማ ካብ ፕላቶ ዝተፈልዩ፡ ንሱ ድማ ካብ መምህሩ ተፈልየ። <>
እዛ መጽሓፍ ክትጅምር ከላ ተራኺ ምስ ጂ. ተራኸበሞ፡ ተመሃራይካ ክኸውን ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኣሎ ድዩ፧ ንኣብነት ምዕኢሉ ሓተቶ። ጂ. ድማ ሰብ ንነብሱ ዝፈልጣ እንተዝኸውን’ሲ ምስጢር ዓቅብ ኢልና ምሰበኽናዮ ኔርና፡ ሰብ ብውሽጡ “ሐራይ ምስጢር ክዕቅብ’የ” ኢሉ ክመባጻዕ ይኽእል። ድሕሪ ገለ እዋን ገለ ካብ ውሽጡ “ምስ ካብ ሰበይትኻ ምስጢር ኣይትሕባእ” ወይ ድማ “ምስ ዓርክኻ መስተ እናሰተኻ ዘይተውግዕ” እናበለ ከም ዘውጽኦ ክገብሮ ይኽእል። ወይ ድማ ምስ ሓደ በሊሕ ሰብ ይራኸብ’ሞ ምስጢር የምሉቅ ከምዘሎ ከይተረድኦ ክዘርዎ ይኽእል፡ ስለዚ ሰብ ነብሱ ይፈልጣ እንተዝነብር “ምስጢርና ዓቅቦ” ምበልናካ፡ ንስኻ ግን ንነብስኻ ስለ ዘይትፈልጣ ምስጢር ዓቅብ ኣይንብለካን ኢልዎ። ከምዚ ምስ ኣንበብኩ፡ ነዛ መጽሓፍ ክፈትዋ ምዃነይ እኹል ጭብጢ ኮነኒ’ሞ፡ ከንብባ ከም ዘለኒ ተሰወጠኒ።<>
In search ተባሂሉ ዘሎ ቃል ምስ ትዕዘብ፡ ሰብ እንታይ ኮን ኣጥፊኡ’ዩ እዚ ኹሉ ተብተብ ዘብሎ ዘሎ፧ ኩሉ ይደሊ ስለ ዘሎ ብጥዕናና ከምዘየለና ይበርሃልካ። ሃይማኖተኛታት ሰብ ሓጢኡ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝተፈልየ፡ ነታ ዘጥፍኣ ክመልስ’ዩ ዝደሊ ዘሎ ይብሉና። እዞም ኢዚሀራውያን ድማ ሰብ ክፈልጥ፡ ክምዕብል ውሽጣዊ ድፍኢት ስለ ዘለዎ’ዩ ዝደሊ ዘሎ ይብሉና። “ሰብ መዓስ’ዩ ዕረፍቲ ዝረክብ፧” ኢልካ ምስ ትሓትት ፡ ካብዞም ክልተ ኣረኣእያታት ናይዞም “ኣመንቲ” ትሓይሽ። (ወላ’ኳ መብዛሕትኦም ብኣፍ ጥራይ እንተኣመኑ) ንሓደ ኢዚሀራዊ ምስ ሞትካ ጥራይ’ዩ ዕረፍቲ ዝርከብ ዝብሉና ወይ ውን “እንታይ ማለት’ዪ ኸ ዕረፍቲ” ክብሉ ይኽእሉ። <>
ናይ ሰብ ነገር ግን ኣብ ምድላይ’ዩ ዘሎ፡ ምስጢር ሰብ እንታይ’ዩ ተዝበሃል “ድሌት” ኢልካ ቅኑዕ መልሲ ክትበሉ ትክእል። ድሌት ኩሉ መዳያዊ ድሌት! ድሌት ነገራዊ ረብሓ፡ ድሌት ጽድቂ፡ ድሌት ኣምላኽ፡ ድሌት ዘልኣለማውነት፡ ወላ ቶም ዓለም ኮንቶ ኢሎም ነብሶም ዘጥፍኡ “ድሌት ሞት” ኣለዎም፡ ስለዚ ሰብ ብድሌታት ዝንቀሳቃስ ግዛዕ’ዩ። ናብቲ ድሌትካ ዝመልኣልካ ትጐዪ፡ ካብቲ ንድሌታትካ ከይትረክብ ዘስግኣካ ድማ ትሃድም። ኢጎ ኮንካ ዕረፍቲ ኣበይ ከይርከብ ኢልኩሞ። ፍርሒን ድሌትን እናተበራረዩ ይድህኩኻ። ቅድሚ መንደቅካ ምፍራሱ ክትገብሮም ዘለካ ነገራት፡ ክትበጽሖም ዘለካ ቦታታት፡ ክትዓሞም ዘለካ ፕሮጀክትታት ኣለው። ነዞም ድሌታትካ ከይረኸብካዮም ከይፈርሰካ ድማ ፍርሂ ኩሉ ግዜ ከም ጽላሎት ምሳኻ ኣሎ። ኣብ ዘን ኩሉ ድሌት ናይ ኢጎ ምዃኑ’ዩ ዝዝረበሉ። ወላ ድሌት መንግሰተ ሰማያት!  ብሓቂ እንተሪእኻዮ ውን ኣብ መንግስተ ሰማያት ነዚ ኣብዛ ዓለም ክሰምረልካ ዘይከኣለ ድሌታትን ሸውሃታትን ተርውየላ ቦታ’ያ። ንኣብነት ኣብ ምስልምና ኣንስቲ ኣይትርአ፡ መስተ ኣይትስተ ትበሃል ኣብኡ ግን ከም ድላይካ፡ ኣብ ክርስትና ገንዘብካ ንድኻታት ሃብ ይበሃል ኣብኡ ግን ብወርቂ ዝተለበጠ ጐደናታት ኣለካ! ወይ ጉድ! ክኸውን ይኽእል’ዩ ግን ስስዐ ናይ ኢጎ ከም ጸሓይ በርቂ ይበርሃልካ። ወላ ንዘልኣለም ምንባር ዝብል ኣምር ካበይ መጺኡ ‘ተበልካ ኢጎ ብዙሕ ዘይተፈጸመ ድሌታት ስለ ዘለዎ ግድን eternity ዝብል ሓሳብ ከእቱ ኣለዎ። መንግስተ ሰማይ ኣሎ ድዩ የለን እንትርፎ ብእምነት ብመጐት ዝፈልጥ ሰብ የልቦን፡ እንተ ዘየለ ግን ክመሃዝ ኔርዎ። <>
ወድ ሰብ መዓስ ኮን’ዩ ምድላይ ዘቋርጽ፧ ስለምንታይ ንምድላይ ከም “ሕማቅ”  ነገር እገልጾ ኣለኹ። ድሌት ሕማቅ ኣይኮነን፡ “ካብ ድሌታት ነጻ ክኸውን’የ” ክትብል እንተጀመርካ ውን ንባዕሉ ድሌት’ዩ። ድሌታትካ ቅተሎ ማለት ኣይትድለ ማለት ዘይኮነ ‘ከንቱነት ናይቲ ድሌት’ ክትርዳእ ፈትን ማለት’ዩ ዝኸውን። ከንቱነት ናይ ድሌታት ማለት ድማ፡ ሓደ ድሌት ኣርዊኻ ናብ ካልእ ድሌት ክትነጥር ስለ ዝኾንካ። ሰብ ምዃንካ ብሰንሰለት ድሌታት ዝተኣሰርካ፡ ብመሳልል ባህጊ እተመላለስ ፍጡር ምኳን ማለት’ዩ። ስለዚ ሎሚ ከምዚ ትደሊ፡ ጽባሕ ከምቲ፡ ክሳብ ግዜ ሞትካ ይቅጽል። እዚ ድኣ’ሞ ፍሉጥ እንድዩ፧ እወን ኣይፋልን።
ኩሉ ሰብ ድሌት ኣለዎ፡ ክርስቶስ ንዓለም ከድሕን ድሌት ኔርዎ። “ኣምላኽ” ውን ከምዚ ዝብሉና ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ድሌት ኔርዎ። ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ርሒቆም ንዕኡ ከገልግሉ ድሌት ኣለዎ። እዚ ኣብቲ ናይ ፍረድሪክ ኒቸ ዝበሎ ክልተኣውነት ናይ ሕማቅን ጽቡቕን duality of good and evil ሓሸውየ ምእታው’ዩ። ድሌት ዘለዎ ኣምላኽ’ከ እንታይ ማለት’ዩ፧ ድሌት ብዓንደ ርእሱ’ኮ not being at ease with whatever is happening ማለት’ዩ። ነዛ ሕጂ ዘላ ህሞት ክትቀበላ ካብ ዘይምድላይ ዝመጽእ ሕማም ናይ ኢጎ’ዩ። “ካብዚ ሕጂ ዘለኹዎስ ኣብ መንግስተ ሰማይ ክሕሸኒ’ዩ” ምባል ጌና ብድሌታት ዝተቀደ መንፈስ ከም ዘለካ የርኢ። ኣምላኽ ድሌት ኣለዎ ክትብል ድማ፡ በዚ ዘሎ ኩነታት ሕጉስ ኣይኮነን፡ ስለዚ ካብዚ ዝበልጽ ካልእ ህሞት ኣብ መጻኢ ከናዲ ግድነታዊ ይኾኖ። ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተኾይኑ ግን ስለምንታይ ነዚ ደስ ዘየብሎ ኩነታት ኢዱ ኣጣሚሩ ይዕዘቦ ኣሎ፧ ክትብል ትኽእል። ብዘይ ፍቃድ ኣምላኽ ዝኾነ ዝፍጸም ነገር የልቦን ዝብል ኣብ ምስልምና ወይ ሂንዱይዝም ዘሎ ናይ ጽሕፍቶ ኣምር ጽቡቕ ዕረፍቲ ከምጽእ ይኽእል። ኩሉ ነገር ፍቃድ ኣምላኽ ኢዪ ምባል፡ ካብ ድሌታት ነጻ ክገብረካ ይኽእል። በቃ ትበልዕ ፡ ትሰቲ፡ ትፋረ፡ ትመውት። ከም “ዕምባባታት መሮር” ኣብዛ ሕጂ ጥራይ እናነበርካ መዓልታት ህይወትካ ተሕልፈን። ብሓቂ ክርአ ከሎ ውን እንርፎ ኣብ ሎሚ ምርጫ ከማን የብልካን። <>
ክኣስሮ፡ እዚ ጽሑፍ In search ወይ ድሌት ኢሉ ጀምሩ፡ ድሌት ካበይ ከም ዝመጽእ ክገልጽ ፈቲኑ። “ኣምላኽ” ወይ መንግስተ ሰማይ  ኩሉ ድሌታትካ ምስ ገደፍካዮ ዝርከብ ነገር’ዩ። ድሌት ዘይምህላው ንባዕሉ ድሌት ካብ ኮነ ከመይ ጌርካ ኢኻ ካብ ድሌት ነጻ ትኸውን፧ ካብ ድሌታት ነጻ ክትከውን ኣይትድለ። ድሌት ኣምላኽ እንታይ ኮይኑ ይጽላእ ኣሎ፧ ንኣምላኽ ከም ማኪና፡ ገዛ፡ ገንዘብ ሪእኻ ክትደልዮ ምስ ትጅምር ምስ ግዜ ክስልችወካ ስለ ዝጅምር ይኸውን። ስለዚ መውጽኢ ካብዚ ጸገምዚ ፡ ስቅ ምባልዩ።

ዘረባ ዝደሊ ፍቅሪ፡ ሓቀኛ ፍቅሪ ድዩ፧



9-9-2017
ዘረባ ዝደሊ ፍቅሪ፡ ሓቀኛ ፍቅሪ ድዩ፧
“ከም ተፍቅረኒ ንገረኒ” ትብል ጓለያት። ወይ ጉድ! እንታይ ማለትኪ ኢኺ ‘ዛ ሓብተይ፧ ብመልሓሱ አፍቅረኪ’የ እንተለ’ሞ ሓቂዶ “ኸውን፧ ብዘይ ቃላት ከም ዘፍቅረኪስ ዝኣክል ምልክታት ኣይሃበክን ድዩ፧ ወይስ ካብ ኣፉ ክወጽእ ከሎ’ዩ ዝያዳ ዘእምን ዝገብሮ፧ እቲ ጸገም ናይ ደቀንስትዮ ጥራይ ኣይኮነን፡ መብዛሕትኡ ሰብ ክፍቀር እደሊ’ዩ። ሓንቲ ደርፊ ኣላ ኣብ ርእሰይ ትመላለሰኒ ዘላ Push Me To The Edge, All My Friends Are Dead! ትብል። በቃ ዘፍቅሮምን ዘፍቅሩንን መሓዙተይ ካብ ሞቱ፡ ብድሕሪኦም ህይወት ኣይደልን፡ ኣጽድፉኒ! እዚ ተላዒሉ ዘሎ ዓቢ ጉዳይ፡ ሓንቲ ደርፊ ከምዚላ፡ ጓለያት ከምዚላ ኢልካ፡ ትሕቲ ምንጻፍ ክትድብዮ ትኽእል ኣይኮነን ስለዚ፡ ዕሙቅ ዝበለ ትንተና ክገብረሉ’ሲ ክፍትን if you allow me. <>
ሓደ ህጻን ኣብ ዓለም ምንባር ክጅምር ከሎ፡ ዘረባ ንቀጻልነት ድሌታቱ ከውሕስ ክብል ክዛረብ ኣለዎ። ቅድሚ ምምዕባል ቋንቋ ደሓን ሁሁ ጋጋ እናበልካ ብምልክት ይኣክል ኔሩ፡ እንተሎሚ ግን ዘረባ ግድን ከድልየካ’ዩ። ስለምንታይ ግን የድልየካ፧ ሕጂ ነዚ ከም ንቡር እንወስዶ ተራ ቋንቋ ንጐኒ ገዲፍና ስለምንታይ ሰብ ክዛረብ ኣለዎ ንርአ። ዘረባ ኩሉ ግዜ ከመዩ፧ ሰብ ክዛረብ ከሎ እንታይ’ዩ ዝገብር ዘሎ፧ ድሌታትካ ተፍልጠሉ መሳርሒ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ንኣምላኽ ክትዛረቦ ከማን ቋንቋ የድልየኩም’ዩ ይብሉና ኣለው። እንታይ ማለት’ዩ ኸ’ዚ፧ ጸማማት ወይ ጸገም ዘረባ ዘለዎምሰባት፡ከ ከመይ ጌሮም ክጽልዩ እዮም፧ እቲ ዕላማ ክትጽሊ ከለኻ ተውጽኦ ቃላት ከም auto hypnosis ክሰርሕ ዕድል ንምሃብ ዝዓለም ይመስል። ብሓጺሩ ዘረባ ጌርካ ዘድልየካ ክትጠልብ ትኽእል። ምስ ጠለብካ ይምልሰልካ፡ ምስ ተመለሰልካ መሊስካ ትጠልብ፡ በቃ ክሳብ ትመውት እናጠለብካ ትነብር። ካብ ጠለብ ዝወጽእ ህይወት ስለ ዘየለ።<>
ኣብዚ ሃለውለው ዝብሎ ዘለኹ’ውን ካብኡ’ዩ ዝኸውን። ንዓመት ምሉእ ክጽሕፍ’የ ኢልካ’ዶ ባዕልኻ ኣብ ሽግር ትኣቱ ኢኻ ደቀይ። ግን እንታይ ይገብር፡ ዝኾነ ሃለውለው ክብል ኣለኒ። ካብ ብትግርኛ ከማን ብእንግሊዝኛ ክጽሕፍ እንተዝጅምር ምሓሸኒ። ጐኒ ጉኒ ዝበዝሐ ሕብረ-ቃላት ዘለዎ ቋንቋ ምዃኑ ጥራይ’ሲ ፡ የወናውነካ። መበቆላውነት ካብ ብእንግሊዝኛ ብትግርኛ ክትበጽሖ ይሓይሽ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ’የ ኣብ ትግርኛ ኣተኲረ ዝሰርሕ ዘለኹ። ኣገዳስነት ትግርኛ ብከባቢኻ ክትሓስብ ከለኻ’ዩ መለኒ። ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ትግርኛ ዝዛረቡ እንተደኣ ኮይኖም ንዓኣቶም ንምጽላው ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ ብቋንቋኦም ምዝራብ የድልየካ ይኸውን’ዩ። እንተቲ ክእለትካ ተርእየሉ ኮነ ምስ ዓለም ትርኸበሉ ቋንቋ እንግሊዝኛ ግን ኣድላይነቱ ክትክሕዶ ኣይትኽእልን።<>
ኩሉ ቋንቋና ኮነ እንዛረቦ ካብ ኢጎና ዝፍልፍል ወሓዚ’ዩ። ትብሎ ዘይብልካ ምስ ትኸውን ስቅ ትመርጽ። መልሓስ ክትብሎ ትኽእል ውሑድ’ዩ፡ ኩሉ ትብሎ ውን ሓሶት ክኸውን ይኽእል፡ ስለዚ ካብ ተመስገን ዝተላዕለ ስቅታ ክዓስለካ ክንደይ ኮን ጽቡቕ ምኾነ። በቃ! ነገራት ከም ዘለውዎ ይኹኑ። ምዝራብ ኣየድልን’ዩ፡ እዚ ዝጽሕፎ ዘለኹውን ሃለውለው’ዩ። ብዛዕባ ስቅታ ግን ከመይ ኣቢልካ ክትጽሕፍ ትኽእል፡ ባዕሉ ጽሕፈትካ ረበሻ እናኾነ ምስራሕ ክኸልኣካ ከሎ ፡ ናበይ ኢኻ ተብሎ፧ More awareness less talk እንተኾይኑ ጭርሖኻ፡ ዘረባ ግደፍ ማለት ዘይኮነ ክትዛረብ ከለኻ ብምሉእ ኣቃልቦኻ ግበሮ። ዝኾነ ክትገብር ከለኻ ብምሉእ ዓቅምኻ ግበሮ። ኣብቲ ዘለኻዮን ቦታን ግዜን ጥራይ ንበር። ናይ ሓሳብ መገሻ ኣይትፍቶ። ርእይቶ ምሃብ ከም ስራሕ ኣይትድፍኣሉ። ስቅ፡ ጸጥታ፡ ካብቲ ኣብ ሓንጐልካ እትስእሎ ዘለኻ ዝተፈልየ ህላወ ከም ዘለዋ ክትግምት ኣለኻ። ግን ኩሉ ኣየገድስን’ዩ ኣብ መወዳእታ ምኽንያቱ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት’ዩ። ከምዚ ኢልካ ምዝራብ ከማን ከንቱ’ዩ። ንህይወት ካብዚ ኮመንት እናሃበ ጦቅ ዘብለና ኢጎ ነጻ ምስ ኮንና ኢና ክነብራ እዩ ዝበሃል። እቲ ዘሕዘን ግን እዚ ከምዚ’ሉ ዝዛረብ ዘሎ ባዕሉ እቲ ኢጎ ምዃኑ’ዩ። እንታይ ኢና እንገብሮ፧ ናበይ ኢና እንኸዶ፧ እንታይ ክንብል ኢና፧ መልሲ ናይዘን ሰለስተ ሕቶታት ኦሾ ከም ዝብሎ፡ ወላ ውን ናይ ዘን መማህራን ከም ዝብልዎ ሓንቲ ነገር’ያ ክንገብራ፡ ናብ እንኸዳ፡ ከምኡ ውን ክንብላ እንኽእል። ወላ ሓንቲ በቃ! ወላሓንቲ’ዩ ‘ቲ መልሲ።

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...