Friday, June 23, 2017

ስለምንታይ መንግስተ ሰማያትና ካብ መንግስተ ሰማያትኩም ከም ዝገፍሕ

ብዙሓት ተኸተልቲ ናይ ምብራቕ ሃይማኖታት ይኹኑ ናብ ምዕራብ እናምጽኡ ዘፋለጥዎን “ሰበኽቲ” ከም በዓል ኦሾ፡ ኤክሃርት፡ ክሪሽናሙርቲ ወዘተ ዝደጋግምዋ ሕመረት ናይ ትምህርትታቶም ኣላ፥ <ነቲ ሓሳቢ ተዓዘቦ>! Mind identification ወይ ኣነ እቲ ዝሓስቦን ዝስምዓንን’የ ምባል እታ ዝዓበየት ሓሶትን well-kept secretን ናይዛ ዓለም ይቆጽርዋ።
ሓንቲ ተመሃሪት ኮሌጅ ምስ ኣተወት ወይ ውን ቅድሚኡ ክትነቕሕ ትኽእል። “ምንቃሕ” ብዙሕ ትርጉማት ዘለዋን ኩሉ “ብርስሓትካ” ደንጊጹ ኣእምሮኻ ክሓጽበካ ዝደሊ ገባር ሰናይ ዝጥቀመላን ቃል’ያ።  ነብሰ-ምንቃሕ ግን ብደገ ዘይኮነ፡ መሰረታውያን ሕቶታት ህይወት ቀጨውጨው ከብሉኻ ከለውን ከም ፋሉል ከልቢ ፈቐዶ ጉሓፍ ምሓፍ ሓሳባት ኮለል ምባል ክትጅምር ከለኻን’ዩ። ሓቂ’ዩ ነዛ ስእሊ ብኻልእ መልክዕ’ዮም ዘርእዩ’ኻ። ከም ሓደ ንሓቂ ሃረር ዝብል ጅግና ወይ ከም ሓደ ሕቶታት ህይወት ክፈትሕ ህርድግ ዝብል መስተውዓሊ፡ ከም ሓደ ህዱእን ምእንቲ ሓላፊ ናይ ዓለም ነገራት ዘይኮነ፡ ምእንቲ ነባሪ “ሓቂ” ኢሉ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ሓርበኛ ጌሮም ይስእሉኻ! በዓል ፓውሎ ኮሄሎ ድማ ኣብነታትካ ይኾኑ። ወይ ጉድ! ትብል ወይዘሪት ፈላስፋ። ደሓን ሓርበኛ ህይወት ዲኻ ወይስ ጐድፍ ጐድፍ ኮለል ዝብል ከልቢ ምሕታት ኣሎ፡ ክትፈልጥ ምድላይ ኣሎ፡ “ጥሜት መንፈስ” ወላ ንበሎ ኣሎ ወይ ውን ምስዞም ተጠራጠርቲ እንተኾንካ የለን ግን ከም ዘሎ ኮይኑ እስምዓካ ኣሎ ንበል።
ሓውትኹም’ውን ምስ ነቓሕኩ whatever that means ከም ሰበይ ነቶም ከም ፋሽን መጺኦም ዝነበሩ መጽሓፍቲ ከንብብን ናይ ግዜይ ሕቶታት ክሓትትን ጀመርኩ። ሶፍያ ምስ ወጸት ድማ ብትግርኛ ክሃንጽ ጽቡቕ መጀመሪ ነጥቢ ኮነኒ። ድሕሪ ሶፍያ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምብራቕ ሃይማኖታት ቡድሂዝም፡ ታኦይዝም፡ ሱፊዝም፡ ታንትራ በጻሕኩ። ዓረብ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምምሃረይ ተለቭዥን ብዘይ ጸገም ክከታተል ምስ ጀመርኩ ድማ ቅዱስ ቁርኣን ውን ከንብቦ ጀመርኩ። ድሕሪ ናይ ዓመታት ኮለል ምስ ዘን ተራኺብና ድሕሪኡ ናብ synthesis ኣተኹ። እምነተ-ኩሉ እምነተ-ሓደ እምነተ-ሰለስተ ወዘተ እናበልካ ዝግበር ናይ “እምነት” ኣካይዳ ጠንጠንክዎ ኣብ ክንዳኡ ንኣምላኽ ክትኣምኖ ዘይኮንካ ክትፈልጦ’ዩ ዘለካ ምኽንያቱ እምነት ማለት ጌና ንጥርጣረ ዓቢጥካ ምንባር ስለዝኾነ። ዝፈለጠ ሰብ ግን ምጥርጣር ከቶ የብሉን። ስለዚ ብእምነት ምጉዓዝ ማለት ብርሃን “መጻሕፍትኻ” እናተጠቀምካ ንጥርጣረ ኣብ ሕቆኻ ጼርካ ምሱጓም ከም ማለት’ዩ፡ ናብ ዝኸድካ እንተኸድካ ከይደኸመት ምሳኻ’ላ <ምጥ’ርጣር>! ስለዚ ንኣምላኽ ክፈልጦ’ምበር ክኣምኖ ከምዘይብለይ ተመሃርኩ።
ውሽጥኻ ጽቡቕ ይስምዓካ ‘ተሎ ማለት ሰላም ዝረኸብካ እንተኾንካ ግድን ናብ ኣምላኽ ቅረብ ዝብለካ ሰብ የለን። እቲ ጸገም ውሽጣዊ ህይወት ወድ ሰብ ሰላም ስለ ዘይብሉ’ዩ። ነቲ ቀዳድ ንምምላእ ናብ ሓደ ጐቦ ምጽጋዕ ዘድሊ መስለኒ። ባዕለይ ጐቦ ክኸውን’የ ‘ተልካ “ሃየ” እዩ መልሰይ። “ኣነ ንኣምላኽ ዝኸውን ቦታ የብለይን፥ ወይ ከም ዘሎ ኣርእየኒ፡ ኣምላኽ እንተዝህሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ሽግር ንምንታይ ክፈትሖ ዘይደሊ፧ ገለ ሰብ ውን ኣሎ ወላውን ክኣምን እንተደለኹ ምስ መን ሃይማኖት ኮይነ’የ ክስዕቦ ምኽንያቱ ኩሎም “ንኣምላኽ ክትረኽቦ እንተደሊኻ እታ እንኮ መገዲ ናትና ጥራይ’ያ ወይ ድማ ካልኦት ኩሎም ናብ ገሃነም ክኣትው’ዮም! ንሕና ኢና ልክዕ ዘለና፡ ንሕናባ። ኣምላኽና ካብ ኣምላኽኩም ይዓቢ። ናትና ካብ ናትኩም ሓቂ ትበልጽ። መንግስተ-ሰማያትና ካብ መንግስተ-ሰማያትኩም ይገፍሕን ይጽብቕን።” ከም ክልተ ገዛ ገዛ እናተጻወቱ ዝበኣሱ ዘለዉ ቆልዑ ክመስሉ ናተይ ናትካ ይብሉ! ነዚ ዝረኣየ ሓደ ዘይኣማኒ “ፎእ!” እንተበሎምን “ኣምላኽ የልቦን” እንተበለን ኣነ ብወገነይ ኣይሕዘሉን። ከምዚ ዞም “ቆልዑ” ዝገብርዎ “መንግስተ-ሰማይና ካብ ኩላተን መንግስተ-ሰማያት ዝበለጸተ’ያ” ኢለ ምስ ኣምላኽ ገዛ-ገዛ ከጻወት ኣይደልን። እታ ትመጽእ ሕቶ ግን “ከመይ ኣለኻ፧ ውሽጣዊ ዕረፍቲ ኣለካ’ድዩ፧ ሰላም ሰፊንካ’ዶ’ዩ ፧ ግደፎ ነዚ ዓቢ ሰብኣይ። ገለ እዋን ቅጭ ክመጻካ፡ ክትሓርቕ፡ ክትፈርህ፡ ክትበሳጮ፡ ክትሕለል፡ ዝደለኻዮ ስኢንካ ልብኻ ክስበር፡ ከሐጉሰኒ’ዩ ኢልካ ዝተጸበኻዮ ሰብ ወይ ኩነት ከምቲ ትጽቢትካ ንነዊሕ ምሕጓስ ክኣብየካ ከሎ፡ ወዘተ ወዘተ ኩሉ እቲ “ሕማቅ” ዝበሃል ስምዒታት ህይወት “ንቡር’ዩ” ኢልካ ዝደምደምካ ሰብ እንተኾንካ  ወይ ድማ “ህይወት ነቲ ጽቡቕ ምስቲ ሕማቕ እናቋሰኻ ምንባር’ያ” ትብል ተለኻ ኣገናዕ! ንዓኻ ኣምላኻ ኣየድልየካን’ዩ። ኪድ ድሕሪ ሸቶታትካን ዕላማታትካ ጉየ። ውደቕ፡ ተስእ፡ ስራሕ፡ ጡረታ ውጻእ፡ ሙት። ግዜኻ ከይትቀትል መታን ተብ ተብ እናበልካ ንበር። ህይወት ክሳብ ናብ መቃብር ትኣቱ እንተኾይና፡ ንሎሚ ተሓጐስ ምኽንያቱ ጽባሕ ሞት ኣሎ ዘይተርፍ። ምስዚ ኣረኣእያ ዝኾነ ባእሲ ወይ ቂም የብለይን።
ገለ ሰብ ግን ከምዚ ከማይ ሓዊስካ ማለት’ዩ ምስዛ ናይ ላዕሊ ሓሳብ ኣይንሰማማዕን። እዚ ትብልዎ ዘለኹም ጽላሎት ‘ምበር ህይወት’ሲ ደድሕሪ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ህቡብነት፡ ብሓጺሩ ድሕሪ “ሸቶታት” ምጉያይን ኣብ መወዳእታ ድማ ከምታ ናብዛ ዓለም ወላ ሓንቲ ከይሓዝካ ዝመጻኻ ወላሓንቲ ከይሓዝካ ክትከይድ ፍትሒ ኣይኮነን ስለዚ ገለ ዓቢ ትርጉም ክህሉ ኣለዎ ብማለት ካብ ድቃስና “ክነቅሕ” ንፍትን። እዛ “ነቲ ሓሳቢ ተዓዘቦ” ትብል ድማ እኽልቲ መፍትሕ ምዃና እቶም ዝፈተንዋ ይምስክሩ። ግን ንእምነት ቦት ስለ ዘይብልና ፈቲንና ክንፈልጥ ይዕድሙና። ኣብ ጸልማት ደርገፍ ንዝብል ሓውኻ ምሕጋዝ ከም ጌጋ ዝርእይዎ “ኣባላትና” ድማ ኣለው። “ከመይ ጌርካ ኣብ ጸልማት ከም ዘለው ፈሊጥካ “ ‘ተ ዘየድሓንኩዎም” ትብል ዘለኻ፧ ኣነ ከድሕነካ’የ ምባልካስ ትዕቢት ዶ ኣይኮነን፧ ኣነ ካባኻ ይሓይሽ፡ ንኣምላኽ ስለ ዝፈልጥክዎ ካብቲ ፍልጠተይ ከካፍለካ’የ” ምባልካ ጌና ካብቲ ብሃብቱ፡ ብስልጣኑ ወይ ብፍልጠቱ ዝምካኽ “ዓለማዊ” ዝፈልየካ የለን ይብሉ። ዝምካሕ ብጐይታ ይመካሕ እናበልካ ንስኻ ግን ንጐይታ ጉልባብ ጌርካ፡ “ኣነ ንኣምላኽ ዝፈልጥኩ ዓቢ ሰብ’የ” ትብል። ነዙይ ዝረኣዩ ገለ ኣሕዋት “ጐይታ ንዓይ ፈሊጡኒ” ደኣ በል ‘ምበር፡ “ኣነ ንጐይታ ፈሊጠዮ” ምባልስ ትዕቢት’ያ ይብሉ። ምኽንያቱ ብበረኸቱ ወይ ጸጋኡ ደኣ ኢኻ ዝፈለጥካ’ዮ ‘ምበር ብሓይልኻ ወይስ ብፍልጠትካ ወይስ ብልቦናኻ ኣይኮነን ይብሉ። እዞም ኣሕዋት ቀጺሎም ኣምላኽ ክትፈልጦ ባዕሉ ኢዱ ዘርጊሑ ናብቲ ዳሱ ካብ ኣእተወካ ነቲ ኣብ ጐንኻ ዘሎ “ዘይደሓነ” እትብሎ ሰብሲ ክግለጸሉስ ዘይከኣሎ’ዶ መስለካ፧ ከምቲ ንፈርኦን ልቡ ዘትረሮ፡ ዋላውን ሽሕ ግዜ እንተሰበኽካ ስብከትካ ሰሚዑስ ክንደይ ‘ኮን ‘ዩ ናብ ኣምላኽ ዝመጽእ፧ ስለዚ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ሓደ’ኳ ናብኡ ክመጽእ ዝኽእል የልቦን። ሰዓብቲ ክትረክብ ኢልካ ንብዘላ ዓለም ናብቲ ሃይማኖትካ ከተእትዋ ምፍታን ግን ፖለቲከኛ ደኣ’ምበር ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣይኮንካን ይብሉ እዞም ኣርሃት ብዝብል ስም ዝፍለጡ ኣሕዋት። ኣነ ሲዶና ዑመር ንባዕለይ ምስ ኣርሃት እሰማማዕ’የ። ደላዩ ባዕሉ መጺኡ ኣፍልጠኒ ወይ ሓብረኒ እንተዘይ’ሉካ ንሰብ ምስባኽ “ቅኑዕ”ኮይኑ ኣይስመዓንን። ካብ ሎሚ ጀሚረ ውን ስብከት ደው ኣቢለ’ዮ ኣለኹ።
ክኣስሮ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝተዓዘብክዎን ዝነበብክዎን መጽሓፍቲ፡ ነታ ናይ ሶቅራጠስ “ነብስኺ ፍለጢ” እትብል ለበዋ፡ ኣብ ብዙሓት መንፈሳውያን ጉጅለታት ብተደጋጋሚ እትለዓል ከም መፍትሒ ን “ከመይ ጌረ ንነብሰይ ክፈልጣ እኽእል፧” ትብል ሕቶ እታ መልሲ “ነታ እትሓስብ ዘላ ሲዶና ተዓዘብያ” ሲዶና ከምዚ ይስምዓ ኣሎ፡ ሲዶና ከምዚ ትሓስብ ኣላ፡ ሲዶና ብሳልሳይ ኣካል ትርእያ ማለት’ዩ። ምስ ግዜ ዝመጸ ሓሳብ ተመጸ ሓላፊን ነታ “ሓቀኛ” ሲዶና ከም ዘይውክልን ክትፈልጢ ትጅምሪ፡ ካበይ ከም ዝመጻኽን መን ምዃንክን ድማ ከም ጸሓይ ክበርቀልኪ’ዩ ይብሉ። ንነብሳ እትፈልጥ ሰብ ድማ ናይ መን መንግስተ ሰማይ ዝገፍሐ ምዃኑ ብእምነት ዘይኮነት ብርግጽ ትፈልጥ! ቻው

ስለምንታይ ፈላስፋታት ኩዳ ከም ዘይፈትው



“ፍልስፍና ግደፍዮ!” ንዝብለካ ሰብ “ስለምንታይ፧” ኢልካ ምሕታት ንባዕሉ ፍልስፍና ስለ ዝኾነ እታ ካባኻ ዝጽበያ መልሲ “ሐራይ” ጥራይ’ያ። ፍልስፍና ግደፎ እንታይ ማለትኮን ይኸውን፧ ቅጭ ዘምጽኡ ሕቶታት ምሕታት ግደፎ፧ ከባቢኻ ዝሃበካ ኣተሓሳስባታትን ኣካይዳን ተቀበል፧ ንሰባት ብሕቶ ኣይተዋጥር፧ መንየ፡ ካበይ መጺአ ኣይትበል፧ ድነን፧ እንድዒ! ሓልዮት ወይ ስክፍታ ናይቲ “መኻሪ” ከኣ ክኸውን ይኽእል። ፍልስፍና ስለ ዘጸልል፡ ትሓትት ትሓትት ኣብ መወዳእታ ወይ እቲ ሓታቲ ይጠፍእ ወይ ሕቶ ምሕታት ይጠፍእ። እቲ ሓታቲ መንነቱ እንተጥፊኡ ተጸሊሉ ይበሃል፡ ሕቶ ምሕታት እንተቋሪጹ ከኣ ኢንላይተንድ ኮይኑ ወይ መንፈስ ቅዱስ ሰሪጽዎ ወይ ኣምላኽ ተገሊጽሉ ይበሃል ኢሎሞ።
እዛ ኢሎሞ ትብል ቃል ኣብ ዘረባታተት ከም ጨው ክጥቀመላ ካብ ዝጅምር ውሑድ ኣይገበርኩን። ኩሉ እትፈልጦ ካብ ከባቢኻ ዘምጻኻዮ’ምበር ናተይ ትብል ጥር ትብል ፍልጠት የብለይን ንማለት’የ። ባዕላ እታ ሓሳብ ውን ናይ ካልኦት’ንድያ እንተኾነ ንዝረኽቦም ሰባት < ከምዚ ይበሃል፡ ኢሎሞ፡ ኣንቢበ፡ ሰሚዐ> ወዘተ ክብሎም ከለኹ ብተዘዋዋሪ መገዲ ውን ናትኩም ፍልጠት የብልኩምን ስለ ዘስምዕ’ዩ መስለኒ፡ ባህ ኣይብሎምን። እዛ “ኩሉ ፍልጠትካ ከም ሕንጻይ ዝተመላእካዮ’ዩ” ትብል ሓሳብ፡ ነቲ ግርማዊ ሰብ፡ ነቲ ንተፈጥሮ ዘድነነ ሰብ፡ ነቲ ካብ ፍጡራት ዝበለጽኩ’የ ዝብል ሰብ ዕርቃኑ ስለ ተውጽኦ፡ ፈላስፋ እንተዘይኮይኑ ንዝኾነ ተራ “ኢጎ” ክትወርደሉ ከተጸግሞ ትኽእል።
ምስ ሓደ ፈላስፋ ምስ ኣዕለልና ብሎግ ጀምር ዝብል ሓሳብ ተላዕለኒ፡ ዲሲፕሊን ጌረ መዓልታዊ ሓንቲ ገጽ ክጽሕፍ ንዝብል ብድሆ ተቀበልክዎ። ንዓመት ምሉእ ክጽሕፍ ዘድሊ ዲሲፕሊን ልዑል’ዩ። ጽሑፍ “ዝምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ይብል፡ ዋላውን እዚ <ሰብኣይ> መን ምዃኑ ኣይፍለጦ፡ ብነብሰ-ዲሲፕሊነይ ግን እምካሕ ኣለኹ። ን 365 መዓልታት መዓልታዊ እንተወሓደ ሓንቲ ገጽ ክጽሕፍ’የ። ካብ ብዛዕባ ዓለም ዝጽሕፍ ብዛዕባቲ ዘይፈልጦ ግን ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝሰማዕኩ ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰራዊት፡ እግዚኣብሄር፡ ኣላህ፡ ኤሎሂም፡ የሆዋ ወዘተ ወዘተ እናተባህለ ዝምለኽን ብዛዕባ’ቲ ንሱ ሰዲድዎ ዝበሃል ጽሑፍን ክጽሕፍን ከስተንትንን መሪጸ ኣለኹ። ኩሉ ነገር ነዓይ ክሳብ ዝርእዮን ዝሙከረሉን “ይበሃልን ኢሎሞን” ኢዩ። ሐራይ ስራሕና ንጀምር።
እቲ ዝምካሕ ብምንታይ ክምካሕ’ዩ፧ ሰብ በዚኣ’ስኪ ተመካሕ በሎ፧ ሞት ስለ ዘሎ እዞም ሃይማኖተኛታት ገለ መመኽነዪ ይረኽቡ። እቶም ዘይኣመንቲ ከኣ ከምቲ ጽሑፍ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን…” ዝብሎ፡ “ኣበይ ኣሎ ኣምላኽ፧” ኢሎም ከመኽንዩ ይረኣዩ። ክልቲኦም ጉጅለታት ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን’ዮም ዝደግሙ ዘለው (ዋላ ኣነውን!) “ንኣምላኽ ይፈልጦ’የ “ እንተኢልካ ሓሳዊ ኢኻ፡ “ኣምላኽ የለን” እንተ ኢልካ ውን ጌና ትሕሱ ኣለኻ። ስለዚ የለን ወይ ኣሎ ክትብል ዝኣክል ጭብጢ ስለ ዘይብልካ፡ ብኽፉት ልቢ ከም ሸርሎክ ሆምዝ ኪድ ነዛ መጽሓፉ እግዚኣብሄር ዝኾነ ዓለም ንበባ። “መልሲ ረኺበ “ ኢልካ ክትዛረብ እንተጀሚርካ ከም ዕትሮ ዝተመላእካዮ’ዩ፡ “የለን” እንተኢልካ ከኣ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ መንጐ መንገዲ ኣላጊስካ ኣለኻ።
እዚ ለባማት ዘሉዎ’ን ድዩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ተመሊአዮ ዘለኹ ፍልጠት ከምዚ ይብል። ንኣምላኽ ምስ ረኸብክዮ ልክዕ ከምቲ ናብ ባሕሪ ገጹ ዝፈስስ ወሓዚ ናብቲ ባሕሪ ምስ በጽሐ ሓደ ምስቲ ባሕሪ ዝኸውን፡ ንስኺ’ውን ንኣምላኽ ምስ ረኸብክዮ ሓደ ምስኡ ትኾኒ። ኣነ ንኣምላኽ ረኺበዮ ዝብል “ኣነ” ዘይብልካ ትኸውን። ንስኻ የለኻን፡ ኣምላኽ ጥራይ ኣሎ። ኩሉ መገድታት ድማ ነዚ “ኣነ” ዝብል ከመይ ጌርካ ተጥፍኦ’ዩ። ብብዝሒ ዝምልኦም ዘለኹ መጻሕፍቲ ውን ኣብዚ ዘተኮሩ’ዮም። ስለዚ እታ “ዝምካሕ ብየሆዋ ይመካሕ” ትብል ሓረግ፡ ንዓኻ ኣንኢሳ ንኣምላኽ ስለ ተዕቢ እፈትዋ’የ። ኩሉ ነዛ “ኣነ” እትብሃል መርዚ ዘምክን ቅኑዕ፡ ኩሉ ነዛ “ኣነ” ዘትርር ድማ ጌጋ እዩ ይብሉ ናይ ሃይማኖት ተመራመርቲ። ነዞም ተመራመርቲ ዝሰምዐ ሓውኹም ከኣ ዘረባኦም እደግም እነኹ። ነዛ “ኣነ” ትብል ከጥፍኣ ዝደሊ ዘሎ ውን ባዕሉ እቲ “ኣነ”’ዩ። ስለዚ ንኣምላኽ ክትረኽቦ ዝኾነ ነገር ምስ እትገብር ኣይትረኽቦን ምኽንያቱ እቲ “ኣነ” ዝበሃል ደላዪ ስለ ዝኾነ። ንኣምላኽ ከም ሓደ ካብ ሸቶታትካ ክትቆጽሮ የብልካን ይበሃል። ንስኻ ናብኡ ክትቀርብን ኣብኡ ክትጠፍእን ኣብ ውቅያኖሱ ክትወሃሃድን ዝኾነ ባዕላዊ ተግባር ምስ ትገብር ነቲ ከትጥፍኦ ትደሊ ዘለኻ “ኣነ” ተርጉዶ። ባሾ ዝበሃል ጸሓፊ ሃይኩ ዝጸሓፋ
       < ስቕ ኢልካ ኮፍ ምስ በልካ
       ክረምቲ ይመጽእ
       ሳዕሪ ባዕሉ ይበቁል>
ኦሾ ነዛ ሃይኩ ኣዝዩ’ዩ ዝፈትዋ’ዩ ኔሩ። ወላ ሓንቲ ትገብሮ ከም ዘይብልካ ንምርኣይ’ዩ ባሾ ጽሒፍዋ።

ንምንታይ ን “ኣነ” ከጥፍእዋ ይጽዕሩ ኣለው፧ ክዕወቱ’ኸ ይኽእሉ’ዶ፧ ብቀንዱ’ኸ ክትጠፍእ ትኽእል ድያ፧ ኣምላኽ’ከ ንክትጠፍእ ንምንታይ ፈጢርዋ፧ ነዛ ናይ መወዳእታ ሕቶ ሰይጣን ምስ ኣስሓቶ ንኣዳም እታ ሓቀኛ መንነትና ጠፊኣ ይብሉ። መን ነጊሩካ፧ <ኣብ ከምዚ መጽሓፍ ኣንቢበዮ።> እዋእ ኣብ ከምዚ መጽሓፍ ደኣ ከምዚ ንድዩ ዝብል ዘሎ። ኣየናይ መጽሓፍ’ዩ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ወዘተ ወዘተ ኢልካ ግዜ ከይወሰድካ ሻሽ ተዓጢካ ኣብ ክትዕ ተኹድድ። ፈላስፋ ምዃንካ ነዚ ኹዳ እናጣዕካ ኣብ ወሰን ኮንካ ትዕዘቦ። ገለን ንየምን ነኹድድ ገለን ንጸጋም ከኹድዱ፡ ንስኻ ግን “ንምንታይ ነኹድድ፧” ኢልካ ትሓትት።
ክኣስሮ፡ ፍልስፍና ግደፎ ማለት ኣብ ወሰን ኮንካ ምጥቃዕ ግደፎ ማለት’ዩ መስለኒ። እነሀ ነጸላ ነዓ ምሳና ሓቢርካ ኣኹድድ። ንየማን ወይ ንጸጋም ናትካ ምርጫ ግን ደው ኢልካ ኣይትተዓዘብ። ካባና እንታይ ዝፈልየኪ ኣሎ፧ ንሕና ኣብዚ እናተራጋሕና ሓመድ ንመስል ኣለና ንስኺ እንታዋይ’ቲ ኢኺ ኣየኹድድን’የ ትብሊ። ወስኒ! ኣቦታትክን ኣበሓጐታትክን እናኹደዱ’ዮም ነዓና ወሊዶምና፡ ንሕና ኸኣ እናኹደድና ንዓኺ ወሊድና ኣባኺ በጺሓ እዛ ኹዳ ደው ክትብል የብላን። በንጻር’ዚ ድማ ሓደ “ኣነ ርእሰይ ክኢለ’የ፡ ተማሂረ’የ፡ ፈሊጠ’የ” ዝብል ሰብ ንኹዳ ኣቦታቱ ከም ድሑር እምነት፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ከም ናይ ደናቁር ክወስዶ ይርአ። ኣየኹድድን! ዕጭ ሓንፍፉ ብማለት ድማ “ናጽነቱ” የርኢ። ወይ ጉድ! ትብል  ወይዘሪት ፈላስፋ ወይ ፋላስፊት። “ምኹዳድ ወይ ዘይሙኽዳድ” ይኸውን እቲ ሕቶ ህይወት።
ይኣኽለኒ! ብሕጂ ከኣ 364 መዓልታት ኣለኒ’ንድዩ። ቆልዓ ይጐዪ ‘ምበር ኣይቅድምን’ኳ ዝተባህለ። ቀዳመይቲ መዓልቲ 2 ገጽ ትጽሕፍ እናወሓደ እናወሓደ ድሕሪ ሰሙን ሓንቲ ቃል ከይጸሓፍካ ትተርፍ። ሽጣራታት ዲሲፕሊን ካብ ለባማት ተማሂረ’የ ዝብል ስለዚ ትጽሕፈሉ ዓቀንን ግዜን ፍሉጥ እንተኾነ’ዩ ዘምሕር። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክትምላእ ዘለዋ ሓንቲ ገጽ’ያ ‘ታ ስምምምዕ። ቻው

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...