Thursday, July 20, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.7



ሓሙስ ሓምለ 20 2017
ዴል ነዛ ምዕራፍ How To Get Co-operation ክብል ስም ሂብዋ ኣሎ። መልእኽታ ብቃላቱ “Let the other fellow feel the ideas is his.” ነዛ ምኽሪ ምስ ኣንበብኩ ትኽ ኢሉ James Sawyer ኣብ LOST ዝነበረ “ኮን-ማን” ተዘኪሩኒ። ኣብ ሓንቲ መውሲም ንሓንቲ “ኣፍቃሪቱ” 600, 000 ዶላር ክኩንና (ኮን ክገብራ) ምስ ሓሰበ ቆብ ኣቢላቶ፡ “ሒዝክኒ!” ኢሉ ተኣሚኑ። ጓል ግን ሰባት ከመይ ጌርካ ከምተታልል (ምትላል is too much of a word) ክምህራ ትሓቶ’ሞ። ዝዓበየት ምኽሪ ኢሉ ዝነግራ ልክዕ ከምዛ ናይ ዴል እቲ ተታልሎ ዘለኻ ሰብ እቲ ሓሳብ ናቱ ከም ዝኾነ መሲሉ ከም ዝስምዖ ክትገብር ኣለካ’ዩ ዝብል። ደስ ተብል ቃል ድማ long con ትብል ትዝከረኒ። ተመሳሳሊ ነገር ውን ኣብ INCEPTION ክንዕዘብ ንኽእል፡ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮ ሰባት ምዝራእ ወላ ብተመራመርቲ ስነ-ልቦና ይስርሓሉ’ዩ። እዛ ስነ-ልቦና ትብል ቃል ፈጺማ’ኳ ያ ዘይትብርሃኒ፡ እቲ ስነ ሐራይ እታ psyche ግን ብልቦና ምትርጓማ ስለምንታይ ስነ-ኣእምሮ ዘይትኸውን ወይድማ ከምታ ዘላታ ሳይኮሎጂ ከምዚ ባዮሎጂ ኖእ ስነ-ህይወት ክንብሎ ኣለና ኢሎም ዘጋሕምጥዎ ዘለው ማለት’ዩ። ነቀፌታ ይኣክል ሲዶና፡ እንታይ ግበሩ ትብል’ዮም ኣለኺ መሳኪን ቋንቋ ኣብ ክንዲ ዘማዕበሉ። ሰብ’ኮ ሕማቕ ኮይኑ ዝረኣዮ ክዝልፎ ከሎ ባህታ ይፈጥረሉ’ዩ፡ ከምቲ ትማል ዝበልናዮ ነገሩ ነገር ሻደንፍሮይደ እዩ ስለዚ ትግርኛ ከምዚ ኮይኑ፡ ዓለም ከምዚ ኮይና፡ መንግስቲ ከምቲ ኮይኑ ወዘተ እናበልካ ምዝራብ ብተዘዋዋሪ መገዲ ባህታ ይፈጥረልካ ስለ ዝኾነ’ዩ። ርግጽ’ዩ ነዚ ስነ-ሓሳብ ክትቕበል ኣዚኻ ካብ ምንቃሕካ ዝተላዕለ ኣብ ኢድካ ከማን ዓይኒ ከተውጽእ ኣለካ መስለኒ’ምበር-ዝኾነ ሰብ ካብ ጸገሙ ወይ ጸገም ካልኦት ሓጐስ ትረክብ ኣለኻ ምስ ትብሎ ኣብ መስቀል ክሰቅለካ ኣይጸልእን’ዩ። እቲ ዝገርም ግን ኤክሃርት ቶለ ዝተባህለ ናይ ሓዳስ ዓለም መንፈሳውነት መምህር ዓቢ pain body ዝብል ኣምር ኣልዒሉ ይዛረብ ኔሩ። ቃንዛን ሽግርን ኣብቲ ትገብሮ ኣነ ዝብል mind identification ማለት ስምካ፡ ዓሌትካ፡ ጾታኻ፡ ሃይማኖትካ፡ ሓሳባትካ፡ ብሓጺሩ ኣነ ድምር ናይዞም ኩሎም’የ ክትብል ኣነ ቃንዛ እስምዓኒ ኣሎ፡ ንስነ-ልቦና ትብል ቃል ኣይፈትዋን’የ ክትብል ብተዘዋዋሪ ነቲ “ኣነ” ዝብል ተዐንትሮ ኣለኻ። ምስ ግዜ እዚ mind identification ምስ ደልደለ ይብል ኤክሃርት ነብስኻ ካብ ሓሳባትካ ነጺልካ ክትርእየሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ትበጽሕ። ን Mysticism ሓድሽ ዝኾነ ሰብ ኣብዚ ዝተባህለ ብዙሕ ሕቶታት ክህልዎ ይኽእል ግን ከኣ ሓቁ’ዩ ምኽንያቱ ንስኻ ካብ ኣእምሮኻ ወጻኢ፡ ካብ ሓሳባትካ ወጻኢ ዝኸይድ ህይወት ኣለካ ምስ እትብሎ ክቅበሎ ይኸብድ’ዩ። እዚ ግን ካብቲ ኣምላኽ ኣሎ! “እመን ወይ ኣይትእመን” ናይ ሃይማኖታት ዘይኮነ ኮፍ ኣቢልካ ፈቲንካ ክትበጽሖ ዘለዎ ዕድል ይሓይሽ መስለኒ። ንመለስ ሻደንፍሮይደ  መሰረት’ዚ ኩሉ ምምራር ሰባት፡ ሻደንፍሮይደ ጥቕሚ ኣለዎ (ቀንዲ ንኢጎ)፡ ሲዶናን ደቂ ሰባትን ተማረሩ፡ ተተጻረፉ፡ ተሸምጠጡ ባህታ ስለ ዝፈጥረሎም’ዩ። ሃይማኖት ስለምንታይ ሰባት ክቕይር ከም ዘይከኣለ ኣብዚ እነሀ እቲ መልሲ። እዚ ኹሉ ብውሑዱ 2000 ዓመታት ተፋቀሩ፡ ተሓላለዩ፡ ጽቡቕ ግበሩ እናተባህሉ፡ እዞም ኩሎም ካህናት፡ ሸኻት፡ ስዋሚታት፡ ፓስተራት ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ እናሰብኹ ስለምንታይ ሰብ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ በንጻሩ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ፧ እቲ መልሲ ከም ዝመስለኒ ከምዚ ገለ ኣሕዋትና ዝብልዎ ንሰይጣን ከላግበሉ ኣይደልን። እቲ መልሲ ሕማቕ ናይ ካልኦት ርኢኻ ትረኽቦ ሓጐስ ካብ ጽቡቕ ጌርካ ትረኽቦ ሓጐስ ስለ ዝዓቢ ኮይኑ እስምዓኒ። እዚ ማለት ሰብ ብወለዱን መራሕቲ ሃይማኖትን ጽቡቕ ክገብር ከም ዘለዎ ሓንጐሉ-ተሓጺቡ ስለ ዝዓቢ፡ ደላይ ጽቡቕ ዝኾነ ኮይኑ ክስምዖ ይኽእል፡ ይደሊ፡ ይፍትን ውን። እዚ ግን ዶብ ኣለዎ ንኣብነት ጻድቅ ዝበሃል ሰብ የልቦን’ዩ ዝበሃል። ኢሂ ስለምንታይ፧ ሓንቲ ፍረ ሓጢኣት ከይገበረ ክነብር ዝኽእል ስለ ዘየለ፧ ስለምንታይ ዘይህሉ፧ ሰብ ድኹም ስለ ዝኾነን ምሕረት ኣምላኽ ስለ ዘይድልዮን ይብሉኻ። ትማል ሓንቲ ጋዜጠኛ ኣብ መደብ መንእሰያት “ሰብ ብ ተፈጥርኡ ጽቡቕ ምግባር’ዩ ዝፈቱ” ኢላ ክትዛረብ ሰሚዐያ። ወይ ጉድ! ሕብረተሰብ ካብ ኡ ዝጽበዮ ጽቡቕ ምግባር’ዩ ተትብል ከማን ቁሩብ ምተቀበልክዋ። እዚ ኩሉ ሰብ-ሰርሖ ሽግር ደኣ ናይ መን ተፈጥሮ’ዩ፧ ሰብ ብተፈጥርኡ ሰናይ ዝደሊ እተዝኸውን ደኣ ጻድቃናት ኣይምፈልፈሉን’ዶ፧
ሲዶና በዚ ክሳብ ሎሚ ተመሊአዮ (ኣንቢበዮ) ዘለኹ ፍልጠት ሰብ ተፈጥርኡ ሰናይ ኣይኮነ ኣኼስ! እቲ ጸገም ዝመጽእ ይበሃል ሕ/ሰብ ንተፈጥሮ ወድ-ሰብ ሕማቕ ክብሎ ክጅምር ከሎ’ዩ። እዚ ብተፈጥሮ ዝተዓደለካ ነገር ካባኻ ቆሪጽካ ክትድርብዮ ምፍታን ኣብ ዘይተደልየ ረጺሚ የእትወካ’ሞ ንተፈጥሮኣዊ ወይ natural ህይወት ገዲፍካ ሰብ-ሰርሖ (ልክዕ ከም ስማ) ዓይነት ህይወት ክትነብር ትጅምር። ንጽብቕቲ ሰበይቲ ርኢኻ ስጋኻ ደስ ይብሎ ግን በቲ ሕ/ሰብ ዝብሎ “ቅኑዕ’ ክትከይድ ኢልካ ንስምዒትካ ትዓብጦ። እዚ ዕብጦ ሰብኣውነትካ ምስ ግዜ ፍስሃ ካብ ህይወትካ ኣውጺኡ ብመገዲ ሕ/ሰብ ትኸይድ “ዞምቢ” ይገብረካ። እቲ ድሌቱ ዝኸላእካዮ ነብስኻ ድማ ሓጐሱ ናይ ካልኦት ሽግር ካብ ምርኣይ ከምጽኦ ይጅምር! Sick! ኣይትሕረቕ፡ ኣይትሓሱ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይተማርር እናበልካ ብሓይሊ ኣጓዕጺጾም ንወድሰብ ክምህሩ ዝፍትኑ በሽሓት ዝቁጸሩ ሃይማኖታት ኣበይ ኣሎ ፍሬኦም፧ ከቶ ፍረ ከፍር’ዩ ኣይክእሉን’ዮም ምኽንያቱ ነቲ እንስሳዊ ንጹህ ባህሪ ወድሰብ ብ ፕላስቲክ ምትካእ ስለ ዝመረጹ። ገለ ኣሕዋት ኖእ! ንሕና ብምሕረት ኣምላኽ ኢና ንጸድቕ ‘ምበር ብግብርና ኣይኮናን ክብሉ ይስምዑ! ወይ ጉድ! ኣብዛ ዓለም ድላይካ እናገበርካስ ‘ያኢ “ድሒነ’የ”  ክትብል ዓገብ! ስለዚ ትብል ሲዶና ካብቲ ዝኣከበቶ ፍልጠት ተበጊሳ እዚ ኩሉ ስብከት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓለም ክመሓይሻ ካብ ዘይከኣለ ንጌጋ ሕማም ጌጋ መድሃኒት ንህብ ክይንህሉ ነብስና ምምርማር ይሓይሽ። ትማል ኣብ ቲቪ ዝርእዮ ዝነበርኩ ገለ ሕሉፋት ሂንዱስ ኣብ ሓንቲ ከተማ ህንዲ ስጋ ላም ክበልዑ ዝተረኽቡ ኣስላም ኣብ መገዲ ብዱላ ክሰሃልዎም ተዓዚበ። ገለ ውን ሞይቶም ይኾኑ’ዮም። ስጋ ላም ቅዱስ’ዩ ፡ ላም ቅድስቲ’ያ ክብሉ ዝሰምዖም ክርስትያን ወይ ኣስላማይ ክስሕቆም ይኽእል እንተ ንሶም ግን “ላም ቅድስቲ’ያ” ኣኸለ ንክትዕ ዝኾነ ባይታ የብሎምን። እዚ’ዩ ፍርያት ሃይማኖትኩም! ንሰብ ብሃይማኖት ክትቕይር ምፍታን ሽንቲ ላም ከም ጸበል ስተዮ ኣብ ምባል ትወድቕ! ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ኳ ዩ ከምዚ ገሊኦም ሓመድ ፍሒሮም ጸበል’ዩ ከም ዓሲር በጽቢጽካ ስተዮ ዝብሉኻ። ኣነ ስለ ዘይፈልጥ ጌጋ’ዩ ክብል ኣይደፍርን። ብእምነት ዝተገብረ ከሕዊ ይኽእል ይኸውን። ግን ካብ ሽንቲ ላም፡ ናይ ኣቦይ ቀሺ “ጸበል” ይበልጽ ኣይትበለኒ። ኩሉ እምነት’ዩ!
ክኣስሮ እሕሸኒ፡ ነዚ ዝተባህለ ምስቲ ዴል “No one likes to feel he is being told to do a thing. We much prefer to feel that we are acting on our own ideas. We like to be consulted about our wishes, our wants, or thoughts” ዝበሎ ከነተሓሕዞ። ሰብ ብውሽጡ ዘይኣመነሉ ነገር ወላ ብሰማይ መጺኡ ዝኾነ ኣምላኽ ከእምኖ ኣይክእልን። ድኻም ሃይማኖታት ኣብዚ ኮይኑ እስመዓኒ፡ ንሰብ ኣንጻር ባህሪኡ ብሓይሊ ጓዕጺጽካ ጽድቂ ከተስትዮ ምፍታን! ውጽኢቱ ምድጋም ኣየድልየንን። ሰብ ሃይማኖት ይኹን ናይ self-help መጽሓፍ ዝእዝዞ ክገብሮ ዝኽእል ዝተነግሮ ነገር ከም ሕጊ ምርኣይ ምስ ኣቋረጸ ጥራይ’ዩ። ንሕና ግን ኣብ ዓለም ናይ መራሕቲ ሃይማኖት ጌጋ ክንደግም ኣየድልየናን’ዩ። ንዝኾነ ሰብ ሓሳቡ ክትቕይሮ ብዛዕብኡ ተዛረቦ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓሳብ ሓሳቡ ከም ዝኾነ ኣእሚንካ ካብኡ ትደልዮ ርኸብ ይብል ኣሎ ዴል። ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ንሓሶት ክፍንፍና ክሳብ ዘይጀመረ ወላ ክርስቶስ መጺኡ ለሚንዎ ሓሶት ክገድፎ ዝኽእል መን ኣሎ፧ መሓመድ ኣይትሓሱ ስለ ዝበሎም ኣስላም ኣይሕስውን ክንብል ንኽእል’ዶ፧ ሰብ ክቕየር ብምስግዳድ ዘይኮነ ብምፍታው’ዩ። ካብ ናይ ሎሚ ብሎግ ዝተረዳእክዎ ‘ተሎ፡ ወድሰብ ኣንጻር ድሌቱ ወላ ኣምላኽ ዝኣክል እናፈራርሆ “ጽቡቕ” ክገብር ዘይደለየስ ኣነ ንስኻን “ከምዚ ግበር” ኢልና’ዮ ክንደየና ከይሰምዓና። ስለዚ ኣብ ክንዲ ንሕና እንታይ ደሊና ፡ ንሱ እንታይ ደልዩ ንስማዕ’ሞ ቁሩብ ሳይኮሎጂ ተጠቂምና ኣብ ውሽጡ ሓሳብና ንዝራእ። ዴል ካርኔጊ ብጥቕሲ ዘፍቕሮ ሰብ ላ-ኦ-ጹ ገይሩ’ዩ ነዛ ምዕራፍ ደምዲምዋ ኣነውን ከምታ ዘላታ ክጽሕፋ’የ። ቻው
“The reason why rivers and seas receive the homage of a hundred mountain streams is that they keep below them. Thus they are able to reign over all the mountain streams. So the sage, wishing to be above men, puts himself below them; wishing to be before them, he puts himself behind them. Thus, though his place be above men, they do not feel his weight; though his place be before them, they do not count it an injury.”

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...