Monday, July 17, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.1



ዓርቢ 14 ሓምለ 2017
ሎሚ ካብታ ዝጀመርናያ መጽሓፍ ከይወጻና ናብ ካልእ ኣርእስቲ ኣቲና ኣለና። ከም ሲዶና እዚ ኣርእስቲ ንሸቃጦ፡ ፖለቲከኛታትን ሰበኽትን ዝያዳ ዝምልከት እመስለኒ ነይሩ ምኽንያቱ ንሳቶም ‘ዮም ቀንዲ ተረባሕቲ ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ ሰባት። ኣብ መዓልታዊ ናብራና እንተመጺኻ ንሓደ ቆልዓ ኣተሓሳስብኡ ክትልውጥ፡ ኣብ ስራሕካ ንእትረኽቦም እምኒ ዝርእሶም ሰባት ክትልውጥ ክትደሊ ከለኻ፡ ኣብ እንዳ ሻሂ ክትካታዕ ከለኻ ከተእምን መታን የድሊ ይኸውን’ዩ። ቀስ ኢልካ እንተሪእኻዮ ኢጎ ንካልኦት ከእምን ከሎ ዝስምዖ ደስታ ኣሎ። እቲ ሽግር ዝመጽእ ከምቲ ንስኻ ከተእምን እትደልዮ እቲ ዝሰምዓካ ድማ እምነቱ ክገድፍ ቁሩብ ኣይኮነን ነዚ ምፍሕፋሕ ዘህድእ ዘይቲ ድማ እነሆ ብ ዴል ጋርኔጊ ኣብ 12 መምርሒታት ቀሪቡ። ነዚ ዘይቲ ከመይ ኣቢልካ ትጥቀመሉ ንዓኻ ይምልከት።
መደባት ስለ ዘብዛሕኩ ድዩ ወላስ እኹል ዕረፍቲ ኣብ መንጐ ፕሮጀክትታት እረክብ ስለ ዘየለኹ ትማሊ ምስ መሰየ ኣዝየ ደኺመ ነይረ፡ እዚ ኮለል ክብል እንተዝውዕል ደሓን ምኾነ  እዚ ግን ካብ ገዛ ከይወጻኹ ውዒለ ከለኹ እዩ። ጽሕፈት አዳኽመኒ ኣሎ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዝዓብለሎ ህይወት ኣበይ ከይጥዒ! እዚ ምስትርኣይ ጽሑፋት ዴል ካርኔጊ  (ርእይቶ ምሃብ commentary እንድየ ክብል ደልየ ከመይ ኢለ ከም ዝብላ ከኣ ሓርቢቱኒ። ርእይቶ ካብ ረኣየ ስለ ዝመጸት ኣረኣእያኡ ሃበ ከምኡ ውን ርእይቶ ምሃብ ከም ግሲ ክህሉ ነይርዎ መስለኒ- ንተክአ ተስፋይ ይጭነቖ’ዶ ክብል፧) ደሓን እዚ ምስትርኣይ ክቅጽሎ እደሊ ኣለኹ። እደሊ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ከም እምነተይ ዝኾነ ዝጭበጥ ለውጢ ዝመጽእ ሰብ ንዝሓዞ ነገር ክሳብ መወዳእታ ብድሲፕሊን ሒዙ ምስ ዝኸይድ ጥራይ’ዩ። ስለዚ ሲዶና ካብ ዴል ካርኔጊ ክትመሃር ምስ እትደሊ ክሳብ ትምህርቱ ዝወሃሃዳ ክትደጋግሞ፡ ክትሓስበሉ፡ ክትሰርሓሉ፡ ክትፍትኖ፡ ክትሓልመሉ ብሓጺሩ ክትነብሮ ጥራይ’ዩ ዘለዋ። ስለዚ ነታ ካልኣይቲ መጽሓፉ How To Stop Worrying And Start Living ኣብ እንዳ ሓራጅ እንተረኸብክዋ ከይደ ክደልያ’የ። ካብ ሳዕሳዕካ ተባሂሉንድዩ። ኢጎ ብዙሕ እዋን ለውጢ ይብህግ ስለዚ ዝኾነ ነገር ክድገም ከሎ ምስልቻው የምጽእ እዚ ባህርያዊ’ዩ። ሳላ’ዚ ዘይዓግብ ህርፋን ሓድሽ ነገር ድማ ኢና ኣብዚ ዘለናዮ በጺሕና ዘለና “ወትሩ ንሓድሽ ነገር!” ኢዩ ጭርሖ ኢጎ። ለማኒ ኢጎ! ንሓደ ጸሓፊ መጽሓፉ ክትደጋግሞ ድሲፕሊን የድሊ ኢጎን ዲሲፕሊንን ድማ ዓይንን ሓመድን’ዮም መስለኒ። ስለዚ ዴል ካርኔጊ ካብ ስነ-ልቦና ተመሪጹ ኣሎ፡ ኦሾ ካብ ሃይማኖታት ተመሪጹ ነይሩ፡ ስቲብ ጆብስ ካብ ኢኖቬተርስ ተመሪጹ ነይሩ፡ ኤክሃርት ካብዚ ዘሎ ኣተሕሳስባ ሓዲስ ዘመን “New Age Thinking” ተመሪጹ ነይሩ። ሓደ ነገር ትዝ ኢሉኒ ናይ መሰኻኽር የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ update ገይሮሞ ነይሮም እዚ “ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ዝብልዎ version ብትግርኛ ምስ ወጸ ኣንቢበዮ ነይረ ምስ ግዜ ምኻዶም ኣይጸላእክዎን፡ ነቲ ሓደ ኣምላኽ ድማ በቲ “ሓቀኛ” ስሙ ክጽውዕዎ ምጅማሮም ደስ ዘብል’ዩ። ከምዚ ብዓረብ “ኣላህ” ትብል ቃል ንኣምላኽ ጥራይ ትምልከት ንሳቶም ድማ ነታ “የሆዋ” ትብል ቃል ንእግዜኣብሄር ጥራይ ከም እትምልከት ጌሮም ሓደ ስርዓት ምፍጣሮም ጽቡቕ። መብዛሕትኡ ቃላት ኣምላኽ፡ ጐይታ፡ እግዚኣብሄር፡ ኢሎሂም፡ ኤልሻዳይ ወዘተ ብየሆዋ ተኪኦሞ፡ ከምኡ ክገብሩ ይግብኦም’ዶ፧ ንሲዶና ዝምልከት ሕቶ ኣይኮነን ኣነ ብዛዕባኦም ዝምልሶ ውን ትርጉም የብሉን። ኢጎ ንሰባትን ፍጻሜታትን ክፈርድ ባህ እንድዩ ዝብሎ ሲዶና ግን ድሌቱ ኣይክትፍጽመሉን’ያ። ሶሪ ኢጎ ንዝኾነ ሃይማኖት ኣየቋሽሽን’የ at least for today.
ኣብዛ You can’t win an argument ትብል ቀዳመይቲ ምዕራፍ ዴል ከም ወትሩ ኣዝየን ተዘከርቲ ዛንታት ኣቅሩቡልና ኣሎ። እዛ ምዕራፍ ኣብ ከተማ ለንደን ንኽብሪ ሰር ሮስ ስሚዝ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ድግስ’ያ ትጅምር። ዴል ከም ዕዱም ኮይኑ ኣብ ዝኸደሉ ሓደ ዕዱም ዛንታ እነገር ነበረ’ሞ ኣብ መንጐ ሓንቲ ጥቕሲ ጠቀሰ። ዴል ነዛ ጌጋ ጥቕሲ ምስ ሰምዐ ምስቲ ኣዘንታዊ ኣብ መኣዲ ብዛዕባ ምንጪ “There is a divinity which shapes our ends, rough-hew them how we will” ክካትዑ ጀመሩ። እዚ ክትዕ ብቀሊል ዝሃድእ ስለ ዘይነበረ ናብ ካልእ “ሬፍ” ክፈርዶም ተሰማምዑ’ሞ እዛ ጥቕሲ ናይ ሼክስፔር’ድያ (ዴል ከም ዝበሎ) ወላስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ (ተኻታዒ ዴል ከም ዝበሎ) ኢሎም ሓተትዎ። እዚ ዓመታት ንስርሓት ሼክስፔር ዘጽንዐ ምሁር “ኖእ! ዴል ተጋጊኻ ኣለኽ ኣቶ እከለ ልክዕ ኣሎ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ’ያ” ኢሉ ፍርዱ ሃበ። ድራር ምስ ተወድአ ዴል ምስዚ ሬፍ (ኣዕሩኽዮም ኔሮም) ብሓባር እናኸዱ ዴል “ኢሂታ ፍራንክ ንምንታይ ደኣ ካብ ሼክስፔር ምዃና እናፈለጥካ ከምኡ ጌርካ፧” ኢሉ ሓተቶ።  ፍራንክ ዝሃቦ መልሲ ልቦናኡ የርእየካ። “ዕዱማት ኣብ ድግስ ከለና ከምኡ ኣይግበርን’ዩ። ነዚ ሰብኣይ ጌጋ ከም ዘሎ ብጭብጢ ጌርካ ስለ ዝረታዕካዮ ዝፈትወካ መስለካ፧ ንምንታይ ክብሩ ክሕሉ ዘይትሓድጐ፧ መን ኣርመኒ ኢሉ ጠዊቑካ፧ ርእይቶኻ ኣይደለየን ኔሩ ስለዚ ስለምንታይ ትካትዖ ኣለኻ፧ Always avoid the acute angle” ካብታ ዕለት ጀሚረ ይብል ዴል “ንክትዕ ፎእ! ኢለ ደርበኽዎ” ከምቲ ንጉስ ሰለሞን ንጥበብ ፎእ ዝበሎ ማለት’ዩ። (ብዙሓት ሰባት በዛ ናይ ሰለሞን ክካትዑኒ ምደለ’ዩ)
ነዛ መመርሒት ጽሒፍዋ ኣሎ “The only way to get the best of an argument is to avoid it” ብዙሕ ሰብ (ኢጎ) ኣብ ክትዕ ክትስዕር ‘ምበር የዋጽእ ክብል ይኽእል’ዩ። ዴል ግን እንተተሳዒርካ ተሳዒርካ እንተስዒርካ ተሳዒርካ ይብል ኣሎ። ሐራይ ንስኻስ ሰዓርካ እቲ መከራኽርትኻ’ኸ፧ ደስ ዝብሎ’ዶ መስለካ፧ ክብሩ ጐዚዝካዮስ ባህ ኢልዎ ገዝኡ ዝኣቱ’ዶ መስለካ፧ ሰለዚ ይብል ዴል ኣብ ክትዕ ኣይትእቶ! ሓንቲ ደስ ተብል ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ኮንስታን ዝስሙ ናይ ሃጸይ ናፖልዮን ሓለቃ ቫሌ (ምትርጓም የድልየኒ ድዩ ኦፋ! ተባዕታይ ኣገልጋሊ) ዝነበረ’ያ። እዚ ትኩር ቫሌ ኣብታ Recollections of the Private Life of Napoleon ትብል መጽሓፉ ምስ ጆሰፊን ቢልያርዶ ክጻወት ከሎ ኩሉ ግዜ ክትስዕሮ እገድፋ ከም ዝነብረ ይጠቕስ። እዚ ትኩር “ባርያ” እንጀራኡ ደይ ከብስል ደልዩ ‘ምበር መዓስ ንሰይቲ ሃጸይ ከኽብር ፈትዩ ክብል ይኽእል’ዩ ሓደ ናይ ሓበሻ ገታር ኣተሓሳስባ ካብ ደሙ ዘይወጻሉ ተዓዛቢ። ዴል ካብ ኮንስታንት ሓደ ኮንስታንት ትምህርቲ ንውሰድ ይብል። ንዓማዊልና፡ ሰብኡትና፡ ኣንስትና፡ መሳርሕትናን ካልኦትን ኣብ መዓልታዊ ንኣሽቱ ዝርርባትና ክስዕሩና ንፍቀደሎም። ኣብ ከባቢየይ ብብዝሒ ዝርእዮ ግን ኖእ! ክሳደይ ንኻራ! ቀምሸይ ንቁልቁል! ወይ ድማ ትማሊ ዘንበብክዋ over my dead body ብትግርኛ ክትብል ተደሊኻ “ሬሳይ ሰጊርካ!” ኢልካ ነቲ ሰብ ደስ ከይተብል ዕጭ ትሕንፍፍ። ወይ ጉድ! ትብል ሲዶና ሽዑ። ኣነ ብሓቂ ክዕወት ኣለኒ ምበር ለማኒት መዓስ ኮይነ ዓወት ትቶኽበለይ፧ ኣነ ወዲ እከለስ (እዚ ዓው ኢልካ ምባሉ ናይ ፋራታት ስለ ዝቁጸር ዘሎ ኩሉ ሰብ ብውሽጡ ጥራይ’ዩ ዝብሎ፡ ኣነ እከለ ወዲ እከለ!) በዚ “ብዙሕ በሊሕ ዘይኮነ” ካባይ ዘይሓይሽ ሰብ ክሰዓር! (እዚ ውን ዓው ኢሉ ክዝረብ ኣይትሰምዖን) ኩሉ “ኢምፕላይድ” እዩ።
ክንኣስሮ፡ ክትዕ ሓሳብ ንምልውዋጥ ኣገዳሲ’ዩ ክብል ይኽእል ሓደ። ኣይፋልካን ዝርርብ’ዩ ጠቓሚ’ምበር ክትዕ’ሲ ናይ ኢጎ ስለ ዝኾነ ኣዋድቅኡ ኣይጽቡቕን’ዩ። ዴል ነዛ ምዕራፍ ክዛዝማ ከሎ ኣብርሃም ሊንከን ንሓደ “ጐበዝ” ዝበሎ “ካብ ምስ ከልቢ ብመሰል ናይ መገዲ ትበኣስን ብእኡ ትንከስን እቲ ጽርግያ ግደፈሉ። ወላ ነቲ ከልቢ ቀቲልካ ካብ መንከስቱ ኣይትሓውን ኢኻ” እዚ ናይ “ፈራሃት” እዩ ክብል ይኽእል ሓደ፡ ምናልባት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ፈራህ ነዲኡ ይኣትዋ ክብል’ንድየ ሓሲበ ገዲፈዮ። ሐራይ ናይ ፈራሃት እዩ ኢልካ ምስ ሰበይትኻ፡ ሰብኣይካ፡ ደቕኻ፡ ኣዕሩኽትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ዓማዊልካ፡ ፈልጥትኻን ተናኸስ። ጌጋ ከም ዘለው ብጭብጢ እናገበርካ ክብሮም ተንክፎ፡ ክሳብ ክንደይ በሊሕ ምዃንካ ብፍልጠትካ ጌርካ ሰዓሮም። ብደገ ሽሕ ግዜ ሰዓሮም፡ ዝኾነ ኢጎ ንግሆ ንግሆ ካባ ስዕረት ክትጉልብቦ ዝፈቱ የለን። ኣብ መወዳእታ …..እንድዒ! ክትዕ ኣወግድ ዝርርብ ፍጠር ዝበሃል ዘሎ ውን ካብ ክትዕ ምልሕጻጽ ኢጎኻ ወይ ኢጎ መካትዕትኻ እንተዘይኮይኑ ቁምነገር ስለ ዘይርከብ ከይከውን። ፕሮ ኩኒ ሲዶና። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...