Monday, August 20, 2018

ሽርክነት ሃይማኖትን ሰይጣንን



ኣብዚ ናይ ብዙሓት ጉጅለ፡ ገለ ኩነታተይ ዘይፈለጡ ሰባት በዛ ናይ ሎሚ ሓንቲ ጽሕፍቲ ኣንቢቦም ከይዕንቀፉ መታን ገለ ክብል’ሞ ከም ልሙድ ናብ ዛዕባ ናይዛ ሰሙን ክኣቱ።
1.   ቀዳማይ፥ ኣብ ሃይማኖት እዚ ጌጋ’ዩ እዚ ቅኑዕ’ዩ ክትብል ኣይከኣልን። ዝኾነ እምነት prove or disprove ክኸውን ስለ ዘይኽእል ወላ ኣብ ሰይጣን እመን ሰይጣን ሓቀኛ ኣምላኽ ከይምዘይኮነ disprove ክገብሮ ዝኽእል ሰብ የለን። ንሱ መጽሓፉ የውጽእ ንስኻ ድማ ናትካ መጽሓፍ ተውጽእ፡ ከም ክልተ ደማሙ ኛው! ኢልካ ክትበኣስ ትኽእል። ቁርኣን’ዶ ይበልጽ  መጽሓፍ ቅዱስ፧ ኣምላኽ ኣሎ’ዶ የለን፧ ወዘተ ad nauseam ፍጊዕ ዘብል ሕቶታት ድላይካ መልሲ ሃበሉ። ኣስላማይ ኩን፡ ክስርትያን ኩን፡ ኢዚሀራዊ ኩን፡ ሰይጣን ኣምልኽ፡ ኣግኖስታዊኩን፡ ድላይካ በል። ኣጆኻ! ጌጋ ዝበሃል መልሲ የለን፡ ብህይወት ምህላውካ ጥራይ እኹል መልሲ ስለ ዝኾነ ድላይካ ምረጽ። ህይወት’ያ እታ እንኮ ሃይማኖት። ምስ ሞትካ ኣበዴኻ ኮንካ ክትካታዕኒ፧ ስለዚ ብህይወት ስለ ዘለካ ኢኻ ego acrobatics ናይ እምነት ክትገብር በቂዕካ። ከም በጊዕ ነዓ በዚ ኣብል፡ ንዒ ‘ዛ ሓብተይ በዚኣ ትሕሸኪ ዝብሉ ብዙሓት’ዮም፡ ተሰማዕካዮም ጽቡቕ፡ fu*k off ተበልካዮም ውን ጽቡቕ።
2.   ካልኣይ ነጥቢ፥ ኩላትና ኔርና፡ ኔርና ቀለብ ፍልሖ ንምዃን እንድዩ፡ ዓቢ ሰብ ኩን፡ ድኻ ኩን፡ ህቡብ ኩን፡ ጻድቅ ኩን፡ መንደፍ ኩን፡ ጉሒላ ኩን ማዕልቦኻ ፍሉጥ’ዩ። ድኹዒ ንምዃን ኢና ‘ዚ ኹሉ ተብተብ። ስለዚ ህይወት ኣወዳድኣኣ እንፈልጣ ድራማ ስለ ዝኾነት ኣብ መወዳእታ ኩሉ ከንቱነት’ዩ። ፍልሖ በሊዑ ብቀልቀሉ ምስ ደርበየካ ደሮና ኮንካ ኢኻ ክትተርፍ ስለዚ ኩሉ ብላሽ’ዩ። ኖኖ! ህይወት ትርጉም ኣለዋ! ፍቅሪ፡ ፍልጠት፡ ጽባቐ ወዘተ እናበልካ ክትዛረብ ትኽእል እንዲኻ ወላ እቲ ዘረባኻ ውን ብላሽ’ዩ። ህይወት ጽብቕቲ እንተኾይና ናይ ego commentary ኣየድልያን’ዩ። ወላ እዚ ዝዛረቦ ኩሉ ከንቱ ከም ዝኾነ እናፈልጥኩ’የ ዝጽሕፍ።
3.   ሳልሳይ፥ ገለ ሰብ ብዕላማ ናይ ኣላህ በሎ፡ ናይ ህግደፍ በሎ፡ ናይጸረ-ህግደፍ በሎ፡ ናይ ክርስቶስ በሎ፡ ናይ ኒቸ በሎ፡ ናይ ኢጉኡ በሎ፡ ዝኾነ ሕቡእ ኣጀንዳ ከስፋሕፍሕ ኢሉ’ዩ ኣብ ፈስቡክ ዝጽሕፍ። መብዛሕትኡጸሓፊ ለማኒ መሲልካዮ ዋዛ፡ ምኽሪ፡ ሓበሬታ ክቶኽበልካ’ዩ ዝጽሕፍ ኣነ ግን ዝኾነ ክሸጠልካ ዝደሊ ነገር የብለይን። ዕዳጋን ሸቃጦን ናይ እምነታት ከማን ኣይብርሁኒ! ገለ ኢለ ክእምነካ ዝፍትን ዘለኹ ኮይኑ እንተደኣ ተሰሚዑካ፡ ከም ቆቃሕ ቆብ ኣብለኒ’ሞ ዓይንኻ ተዓመት ወይ ትሕቲ ዓራት እቶ። ኩሉ ከንቱ’ዪ ኢለ ከእምነካ ከማን ከንቱ ስለ ዝኾነ፡ ዝኾነ መልእኽቲ የብለይን። ሞራላዊ ትምህርቲ ትረኽበሉ፡ ትዘናጋዓሉ እንተኾነልካ ግርም ግን ዕላማይ ኣይኮነን።  ንምንታይ ደኣ ትጽሕፊ ኣለኺ፧ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ኩንትራት ምስዛ ጉጅለ ስለ ዘለኒ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ’ምበር ከእምነካ ዝድልዮ ምንም የብለይን። ኩሉ ትፈልጥ በሊሕ ሰብ እንዲኻ!ኣምላኽ ኣሎ’ዶ የለን ትፈልጥ፡ እንተሎ ኣየናይ ምዃኑ ትፈልጥ፡ ኣየናይ መጽሓፍ ሓቀኛ ምዃኑ ትፈልጥ፡ ኣየነይቲ እምነት ቅንዕቲ ምዃናን ኣየኖት ኣመንቲ ናብ ገሃነም ከም ዝኸዱን ትፈልጥ ለባም ሰብ እንዲኻ! ማዕዳን ምኽርን’ዶ ኣባኻ ክጠፍእ ኢልካዮ፧ኣብ ዓለም መማህራን በዚሖም ኣለው ስለዚ ነዚ ዘሎ ጻዕቂ መማህራን ከነጉድሎ ክንጽዕር ኣለና’ምበር ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ከይኮነና።
4.   ራብዓይ፥ ዝብሎ ኩሉ ከም በናጅር ብሰለስተ ቃላት ክኣስረልካ “እንድዒ!”+”እንታይ’ሞ ሕጂ፧” +”እዩ”። ይኣኽለና፡ ህይወት ባዕላ sarcastic joke ’ያ ፡ Life is not fair ስለዚ ናብ ናይ ሎሚ ዛዕባና ክንሰግር።
***********************
እዚ ኣብ ስእሊ እትርእዮዎ ዘለኹም መላጥ ሰብኣይ ኣንቶን ላቨይ እዩ ዝበሃል። ዶ/ር ላቨይ ኣብ 1966 ዓ.ም. Church of Satan ኣብ ከተማ ፍራንሲንስኮ ብወግዒ ርእሲ ተላጽዩ፡ ጸሊም ካባ ጌሩ፡ መሪቁ ከፊትዎ። 60ታት ኣሜሪካውያን ንሓዋሩ ካብ ማሕዩር ሞራላውነትን፡ ተጽዕኖ ሕብረተሰብን ወጺኦም፡ ውልቃዊ ናጽነት ዝጨበጡላ decade’ያ ኔራ። “ንፋስ ከይኣትዎ ፍቅርና” ዝበሎ ኣብራር፡ ንፋስ ኢሞራላውነት ኣትይዎም። ኣብ ቃኘው ዝነበሩ ኣሜሪካውያን ከማን ገለስ ኣእትዮምልና’ዮም። ከም ኤልቪስ ዝምሸጡ ደቂ ኣስመራ ጻዕዳ ኔሮም ይበሃል፡ ብትግርኛ ትዊስት፡ ትዊስት ዘብል ሙዚቃ ከማን ኔሩ! ወይ ጉድ ሽንቲ ገመል ደኣ እነሀ’ንዶ ብዚ። ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ክልተ ዓይነት ሰይጣናውነት’ዩ ዘሎ። Theistic Satanism ዝብሃል ሰይጣን ልክዕ ከም ኣምላኽ entity ኮይኑ ኣብ ህላውነቱ ዝኣምኑ። እቲ ካልኣይ ዓይነት Non-theistic Satanism ድማ ሰይጣን ህላውነት ሃይልይዎ ዘይኮነ what He  represents’ዩ ዘገድሶም። ጸረ-ጊላነት ዝተላዕለ፡ ክብሪ ወድ-ሰብ ዝመልስ፡ “መጓሰ” ኣይኮንኩን ጓሳ ዘድልየኒ” ዝብል ሓሳብ’ዩ ይብሉ። ከም መዘናግዒ ግን ስእሊ ቀርኒ ዘለዎ ሰብኣይ ይሕዙ። ኣብ ሆሊውድ ሰይጣን ብክንደይ መስሓቅ ኣገባባት ተገሊጹ’ዩ።  ናይ ላ ቨይ ዓይነት ሰይጣናውነት ካብዚ Non-theistic Satanism ኮይኑ ዳርጋ ኩሉ ሓሳባቱ ኣብThe Satanic Bible ትብል መጽሓፍ ኣስፊርዎ ኣሎ። ኣብ ሰይጣን ከለና፡ መጽሓፍቲ ምንባብ ትፈትዉ ተለኹም፡ ናይ Salman Rushdie, The Satanic Verses ትብል መጽሓፍ ሰሚዕኩማ ትኾኑ። ዘይትፈልጥዋ controversy ዘለዋ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ኣብኡ ኣላትኩም። በቃ! ሎሚ ብዛዕባ banned books ምዝራብ ጥራይ ኮይኑ’ሎ ስራሕና። ጸገም ናይዛ መጽሓፍ፡ ብ ሰኮንዶማኖ second hand ከም ዝፈልጦ፡ ኣብ ቁርኣን ሰለስተ ሱራታት verses ከም ዝነበራ’ሞ፡ ደሓር ነቢ መሓመድ ከም ዝሰሓበን ዝገልጽ ታሪኽ ኣሎ። እዚ ብሓቂ ኣጋጢሙ’ዩ ዝበሃል። ሰልማን ሩሽዲ ብዙሕ ኣብ ዛንታኡ ነዚ ሓበሬታ ስለ ዝተጠቅመሉ’ዩ መዘዝ ኣምጺኡ። ባዕሉ ኣስላማይ ስለ ዝኾነ ንነቢ መሓመድ ክወቅስ ኢሉ ዝተላዕለ ኣይመስለንን። ግን ጥሩፋት ብቀንዱ ድማ ኣያቶላህ ናይ ኢራን ኣብ ከተማ ፓሪስ ንዝገብሮ ዝነበረ “ነገራት” ስለ ዝተዛረበ፡ ብሽፋን ሃይማኖት ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምግባር Ayatollah put a bounty on his head. ስለምንታይ መሓመድ ነዘን verses ከም ዝሰሓበን ክዛረብ ከሎ “ሰይጣን’ዩ ኣስሒቱኒ” እምበር ካብ ኣምላኽ ኣይኮናን ኢሉ። እዚ ሽግር ኣምጺኡ ፡ ምኽንያቱገለ ጠንቃማት “እሞ ካልእ’ከ ከም ዘየስሓተካ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧”  ክብሉ ጀሚሮም። ራሽዲን እዛ ልቢ ወለዱን ብዙሕ ኣካታዒትኣርእስቲ ስለ ዝኾነት፡ ብዛዕብኡ ምዝራብ ከንቱ’ዩ unless controversy ባህ ዝብለካ ተዘይኮንካ።  Salman Rushdie ኣብ 1988 ምስ ጸሓፋ ኣብ 1989 ፈትዋ ብኣያቶላህ ተጸዊዕሉ። ነዚ ገበነኛ ኣብ ዘለዎ ቦታ ከይዱ ዝቀተሎ ሰብ ናብ መንግስተ ሰማዩ ድቅድቅ!ሚልዮናት ከኣባ ግንዖ ኣለዎ bounty hunter እንድዩ! ራሽዲ ክሳብ ሕጂ ተሓቢኡ’ዩ ዝነብር ዘሎ። ጠንቀምቀም’ኮ’ዩ! ኢድካን እግርኻ ዶ ትእክብ ወይስ ባዕልኻ ነገር ተምጽእ።እቲ ዝገርም ዳግማዊት ንግስቲ ኤሊዛጴጥ ናይ ዓዲ እንግሊዝ Knighted him in 2007። መሊአ ክጸድቅ፡ ኣብኡ ከለኹ ኣብ ክርስትና ዝተወገዛ መጽሓፍቲ ገለ ክብል። ወንጌል በርነባስ፡ ወንጌል ቶማስ፡ ወንጌል ጴጥሮስ ከምኡ ድማ Gospel of Marcion ዝበሃላ ውጉዛት ወንጌላት ኣለዋ። ኣርባዕተ ወንጌላት ጥራይ ይኣኽለና ስለ ዝተባህለ፡ ኣርባዕተ ጥራይ መሪጾም ንካልእ ምስ ወግዓዊ እምነት ክርስትና ዘይከይድ ኣቃጺሎሞ ወይ ቀቢሮሞ። ስለዚ ውዲት controversy ዝብርሃኩም ተለኽኩም ኬድኩም ንበብወን፡ ከንቱንድዩ ግን ኣይጽላኣን’ዩ። ካልእ ብዙሓት ብስም ክርስቶስ ዝሽቅጡ ከምኒ ዳን ብራውን፡ ሪቻርድ ዶኪን ኣለውኹም ኣነ ብጭራሽ ኣይብርሁንን’ዮም ምኽንያቱ disproving a wrong theory doesn’t make you right.
 *************
ሎሚ ኣብ The Satanic Bible ዘለዋ ትሽዓተ ጭርሖታት ወላ ንበለን ከምዘለዋኦ ክጽሕፈን፡። ብኣፍካ ጥራይ ኣነ Scholar እየ ምባል እኹል ኣይኮነን። ኣብ underground ሰባት እንታይ ይብሉ ከም ዘለው( ወላ ብላሽ) ይኹን ምፍላጡ ኣይጽላእን።
1.  Satan represents indulgence, instead of abstinence! ከም ከፍቲ ይሰብሑ ኣለው ዓዲ ገሊኦም። ተመስገን ምባል በየን ትምጻእ። ንብላዕ፡ ንስተ፡ ንዘሙ’ዩ ነገሮም። ኣመንቲ ኢና እናበልካ፡ ጮማ ተዘይረኸብኩ ትብል። ማኪና ዘየጥረኹ ትብል። ጣዕሚ ህይወት indulge ምግባር ሓጥያት ኣይኮነን። ተሓጐሱ! ተደሰቱ! ኩሉ ንዓኹም ንምሑጓስ’ዩ ይብል ኣሎ ኣቦና ሰይጣን።
2.  Satan represents vital existence, instead of spiritual pipe dreams!  መንግስተ ሰማይ ኣላን’ድያ ግን ሕማቅ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ ሕልሚ ኮይና ከይትተርፍ መታን፡ ኣብዛ ዓለም ከለኹ ኩሉ ንኢጎይ ደስ ዘብሎ ነገር ክገብር’የ። ካብ ንዓመታ ደርሆ መንግስተ ሰማይ ሎምዘበን እንቋቁሖ ዓለም ይሕሸኒ ትብሉ ኣለኹም። ሰይጣን ድማ መርሓባ! ይብል። ብልዑ!
3.  Satan represents undefiled wisdom, instead of hypocritical self-deceit!  ፍልጠት’ዶ በልኩም። ኣነ ብመጐት እንትዘይኮይኑ ካልእ ኣይኣምንን’የ። መርሓባ! ሸውዓተ ዓመት ከይመሃሩ ሰብዓ ዓመት ይድንቁሩ። ፍለጥ! ን ኣምሰሉታት ሕፍረቶም ቅላዕ።
4.  Satan represents kindness to those who deserve it, instead of love wasted on ingrates!  ኣነን ኣዝማደይን ኣይኽፍኣና እምበር ካልእ ደኣ ገደል ይእቶ በዚሑ ኣሎ። ኣምላኽ ከኣ ይበሃለለይ! ኣታ ፈሪሳዊ ጸላኢኻስ መዓስ ኮን ኢኻ ክተፍቅር፧
5.  Satan represents vengeance, instead of turning the other cheek!  ሕኒኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ ከማን ዝተባህለ። ዝጸፍዓካ መንከሱ ስበሮ። ንሓውኻ ሸውዓተ ግዜ ሰብዓ ይቅረ በለሉ። ስለምንታይ ንዝበደለካ ይቅረ ምባል ከቢድ ኮይኑ፧ ደቂ ሰይጣን ስለ ዝኾና ድዩ፧
6.  Satan represents responsibility to the responsible, instead of concern for psychic vampires! 
7.  Satan represents man as just another animal, sometimes better, more often worse than those that walk on all-fours, who, because of his "divine spiritual and intellectual development", has become the most vicious animal of all!  ዜና ጥራይ ስማዕ፡ ጭካነ ሰብ ኣበይ ኣሎ ኣይጠፍኣካን’ዩ። ሻደንፍሮይደ ጥራይ ኣይኮነን’ዚ ሕልፍ ዝበለ መትሓዚ ዘይብሉ ሰይጣናውነት’ዩ።
8.  Satan represents all of the so-called sins, as they all lead to physical, mental, or emotional gratification!  ርእይቶ ኣየድልዮን’ዩ ዚ
9.  Satan has been the best friend the church has ever had, as he has kept it in business all these years!  ኣብ 2011 ዴሞክራሲ ኢሎም ህዝቢ ሶርያ ክለዓሉ ከለው፡ ኣሳድ ተቀዳዲሙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ጥሩፋት ፈቱሑ’ዩ ፈንዩሎም። እዚ ነፋጥ ኤርዶጋን ድማ ከሊፋ መሲሉ ክርአ ህርፋን ስለ ዘለዎ ዶብ ቱርኪ ከፊቱዎ፡ ዳዕሽ ዓምቢቡ ባቅዳድ ኣተው ኣተው በልና። ትማል ትማል ድማ ካብ ዐርሳል ናብ ደይረዙር ንኣባላት ዳዕሽ ምስ ደቆምን ኣንስቶምን ብኣውቶቡሳት ጌሮም ካብ ሓደ ምዕራባዊ ጫፍ ናብ ምብራቃዊ ጫፍ ሶርያ ብሰላም ኣሕሊፎሞሞ። እዚ ዘርእየካ ሕዝቡላህ ኮነ ኢራን ኮነት ኩሎም ሺዓ፡ ቀጠር በላ፡ ኣብ ሱዕዲ ዘለው ወሃባውያን ከይተረፉ ህላወ ዳዕሽ ንዕኦም ኣገዳሲ’ዩ። ብዘይ ዳዕሽ ፖለቲካኦም መእሰሪ ስለ ዘይብሉ። ብተመሳሳሊ ኩሎም ሃይማኖታት ንሰይጣን ከም ዳዕሽ ይጥቀማሉ። ሰይጣን ተዘየለ ኩሉ’ዚ ጦቅ ዘብሉና ዘለው እምነት ባዶ እዩ። ሰይጣን ወላ እንተዘይህሉ ግድን ክመሃዝ ኔርዎ። ንኣዳም ደኣ መን ኣስሒትዎ ኢልካ ሓሸውየ ሃይማኖት ክትጅምር! ስለዚ ኩሎም ‘ዞም ትርእይዎም “ኣመንቲ” ብሓቂ’ስ ደቂ መዝሙር ሰይጣን’ዮም። ካብ ስብከቶም ሰይጣን እንተደኣሊኻዮ ሃይማኖቶም ረማዕ ክብል’ዩ። ስለዚ ግድን “ስም ሰይጣን” ክጽውዑ ኣለዎም። ብዘይ ሰይጣን ደው ክብል ዝኽእል ሃይማኖት ሓቀኛ ሃይማኖት ንሱ’ዩ (ኣብ ዝመጽእ ክዛረበሉ)። ከምዚ ናይ ሶርያ ፓለቲካ ዝመስል ጸወታ ሃይማኖት ግን ይፍትሓላ ደኣ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...