Friday, June 23, 2017

ስለምንታይ ፈላስፋታት ኩዳ ከም ዘይፈትው



“ፍልስፍና ግደፍዮ!” ንዝብለካ ሰብ “ስለምንታይ፧” ኢልካ ምሕታት ንባዕሉ ፍልስፍና ስለ ዝኾነ እታ ካባኻ ዝጽበያ መልሲ “ሐራይ” ጥራይ’ያ። ፍልስፍና ግደፎ እንታይ ማለትኮን ይኸውን፧ ቅጭ ዘምጽኡ ሕቶታት ምሕታት ግደፎ፧ ከባቢኻ ዝሃበካ ኣተሓሳስባታትን ኣካይዳን ተቀበል፧ ንሰባት ብሕቶ ኣይተዋጥር፧ መንየ፡ ካበይ መጺአ ኣይትበል፧ ድነን፧ እንድዒ! ሓልዮት ወይ ስክፍታ ናይቲ “መኻሪ” ከኣ ክኸውን ይኽእል። ፍልስፍና ስለ ዘጸልል፡ ትሓትት ትሓትት ኣብ መወዳእታ ወይ እቲ ሓታቲ ይጠፍእ ወይ ሕቶ ምሕታት ይጠፍእ። እቲ ሓታቲ መንነቱ እንተጥፊኡ ተጸሊሉ ይበሃል፡ ሕቶ ምሕታት እንተቋሪጹ ከኣ ኢንላይተንድ ኮይኑ ወይ መንፈስ ቅዱስ ሰሪጽዎ ወይ ኣምላኽ ተገሊጽሉ ይበሃል ኢሎሞ።
እዛ ኢሎሞ ትብል ቃል ኣብ ዘረባታተት ከም ጨው ክጥቀመላ ካብ ዝጅምር ውሑድ ኣይገበርኩን። ኩሉ እትፈልጦ ካብ ከባቢኻ ዘምጻኻዮ’ምበር ናተይ ትብል ጥር ትብል ፍልጠት የብለይን ንማለት’የ። ባዕላ እታ ሓሳብ ውን ናይ ካልኦት’ንድያ እንተኾነ ንዝረኽቦም ሰባት < ከምዚ ይበሃል፡ ኢሎሞ፡ ኣንቢበ፡ ሰሚዐ> ወዘተ ክብሎም ከለኹ ብተዘዋዋሪ መገዲ ውን ናትኩም ፍልጠት የብልኩምን ስለ ዘስምዕ’ዩ መስለኒ፡ ባህ ኣይብሎምን። እዛ “ኩሉ ፍልጠትካ ከም ሕንጻይ ዝተመላእካዮ’ዩ” ትብል ሓሳብ፡ ነቲ ግርማዊ ሰብ፡ ነቲ ንተፈጥሮ ዘድነነ ሰብ፡ ነቲ ካብ ፍጡራት ዝበለጽኩ’የ ዝብል ሰብ ዕርቃኑ ስለ ተውጽኦ፡ ፈላስፋ እንተዘይኮይኑ ንዝኾነ ተራ “ኢጎ” ክትወርደሉ ከተጸግሞ ትኽእል።
ምስ ሓደ ፈላስፋ ምስ ኣዕለልና ብሎግ ጀምር ዝብል ሓሳብ ተላዕለኒ፡ ዲሲፕሊን ጌረ መዓልታዊ ሓንቲ ገጽ ክጽሕፍ ንዝብል ብድሆ ተቀበልክዎ። ንዓመት ምሉእ ክጽሕፍ ዘድሊ ዲሲፕሊን ልዑል’ዩ። ጽሑፍ “ዝምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ይብል፡ ዋላውን እዚ <ሰብኣይ> መን ምዃኑ ኣይፍለጦ፡ ብነብሰ-ዲሲፕሊነይ ግን እምካሕ ኣለኹ። ን 365 መዓልታት መዓልታዊ እንተወሓደ ሓንቲ ገጽ ክጽሕፍ’የ። ካብ ብዛዕባ ዓለም ዝጽሕፍ ብዛዕባቲ ዘይፈልጦ ግን ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝሰማዕኩ ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰራዊት፡ እግዚኣብሄር፡ ኣላህ፡ ኤሎሂም፡ የሆዋ ወዘተ ወዘተ እናተባህለ ዝምለኽን ብዛዕባ’ቲ ንሱ ሰዲድዎ ዝበሃል ጽሑፍን ክጽሕፍን ከስተንትንን መሪጸ ኣለኹ። ኩሉ ነገር ነዓይ ክሳብ ዝርእዮን ዝሙከረሉን “ይበሃልን ኢሎሞን” ኢዩ። ሐራይ ስራሕና ንጀምር።
እቲ ዝምካሕ ብምንታይ ክምካሕ’ዩ፧ ሰብ በዚኣ’ስኪ ተመካሕ በሎ፧ ሞት ስለ ዘሎ እዞም ሃይማኖተኛታት ገለ መመኽነዪ ይረኽቡ። እቶም ዘይኣመንቲ ከኣ ከምቲ ጽሑፍ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን…” ዝብሎ፡ “ኣበይ ኣሎ ኣምላኽ፧” ኢሎም ከመኽንዩ ይረኣዩ። ክልቲኦም ጉጅለታት ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን’ዮም ዝደግሙ ዘለው (ዋላ ኣነውን!) “ንኣምላኽ ይፈልጦ’የ “ እንተኢልካ ሓሳዊ ኢኻ፡ “ኣምላኽ የለን” እንተ ኢልካ ውን ጌና ትሕሱ ኣለኻ። ስለዚ የለን ወይ ኣሎ ክትብል ዝኣክል ጭብጢ ስለ ዘይብልካ፡ ብኽፉት ልቢ ከም ሸርሎክ ሆምዝ ኪድ ነዛ መጽሓፉ እግዚኣብሄር ዝኾነ ዓለም ንበባ። “መልሲ ረኺበ “ ኢልካ ክትዛረብ እንተጀሚርካ ከም ዕትሮ ዝተመላእካዮ’ዩ፡ “የለን” እንተኢልካ ከኣ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ መንጐ መንገዲ ኣላጊስካ ኣለኻ።
እዚ ለባማት ዘሉዎ’ን ድዩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ተመሊአዮ ዘለኹ ፍልጠት ከምዚ ይብል። ንኣምላኽ ምስ ረኸብክዮ ልክዕ ከምቲ ናብ ባሕሪ ገጹ ዝፈስስ ወሓዚ ናብቲ ባሕሪ ምስ በጽሐ ሓደ ምስቲ ባሕሪ ዝኸውን፡ ንስኺ’ውን ንኣምላኽ ምስ ረኸብክዮ ሓደ ምስኡ ትኾኒ። ኣነ ንኣምላኽ ረኺበዮ ዝብል “ኣነ” ዘይብልካ ትኸውን። ንስኻ የለኻን፡ ኣምላኽ ጥራይ ኣሎ። ኩሉ መገድታት ድማ ነዚ “ኣነ” ዝብል ከመይ ጌርካ ተጥፍኦ’ዩ። ብብዝሒ ዝምልኦም ዘለኹ መጻሕፍቲ ውን ኣብዚ ዘተኮሩ’ዮም። ስለዚ እታ “ዝምካሕ ብየሆዋ ይመካሕ” ትብል ሓረግ፡ ንዓኻ ኣንኢሳ ንኣምላኽ ስለ ተዕቢ እፈትዋ’የ። ኩሉ ነዛ “ኣነ” እትብሃል መርዚ ዘምክን ቅኑዕ፡ ኩሉ ነዛ “ኣነ” ዘትርር ድማ ጌጋ እዩ ይብሉ ናይ ሃይማኖት ተመራመርቲ። ነዞም ተመራመርቲ ዝሰምዐ ሓውኹም ከኣ ዘረባኦም እደግም እነኹ። ነዛ “ኣነ” ትብል ከጥፍኣ ዝደሊ ዘሎ ውን ባዕሉ እቲ “ኣነ”’ዩ። ስለዚ ንኣምላኽ ክትረኽቦ ዝኾነ ነገር ምስ እትገብር ኣይትረኽቦን ምኽንያቱ እቲ “ኣነ” ዝበሃል ደላዪ ስለ ዝኾነ። ንኣምላኽ ከም ሓደ ካብ ሸቶታትካ ክትቆጽሮ የብልካን ይበሃል። ንስኻ ናብኡ ክትቀርብን ኣብኡ ክትጠፍእን ኣብ ውቅያኖሱ ክትወሃሃድን ዝኾነ ባዕላዊ ተግባር ምስ ትገብር ነቲ ከትጥፍኦ ትደሊ ዘለኻ “ኣነ” ተርጉዶ። ባሾ ዝበሃል ጸሓፊ ሃይኩ ዝጸሓፋ
       < ስቕ ኢልካ ኮፍ ምስ በልካ
       ክረምቲ ይመጽእ
       ሳዕሪ ባዕሉ ይበቁል>
ኦሾ ነዛ ሃይኩ ኣዝዩ’ዩ ዝፈትዋ’ዩ ኔሩ። ወላ ሓንቲ ትገብሮ ከም ዘይብልካ ንምርኣይ’ዩ ባሾ ጽሒፍዋ።

ንምንታይ ን “ኣነ” ከጥፍእዋ ይጽዕሩ ኣለው፧ ክዕወቱ’ኸ ይኽእሉ’ዶ፧ ብቀንዱ’ኸ ክትጠፍእ ትኽእል ድያ፧ ኣምላኽ’ከ ንክትጠፍእ ንምንታይ ፈጢርዋ፧ ነዛ ናይ መወዳእታ ሕቶ ሰይጣን ምስ ኣስሓቶ ንኣዳም እታ ሓቀኛ መንነትና ጠፊኣ ይብሉ። መን ነጊሩካ፧ <ኣብ ከምዚ መጽሓፍ ኣንቢበዮ።> እዋእ ኣብ ከምዚ መጽሓፍ ደኣ ከምዚ ንድዩ ዝብል ዘሎ። ኣየናይ መጽሓፍ’ዩ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ወዘተ ወዘተ ኢልካ ግዜ ከይወሰድካ ሻሽ ተዓጢካ ኣብ ክትዕ ተኹድድ። ፈላስፋ ምዃንካ ነዚ ኹዳ እናጣዕካ ኣብ ወሰን ኮንካ ትዕዘቦ። ገለን ንየምን ነኹድድ ገለን ንጸጋም ከኹድዱ፡ ንስኻ ግን “ንምንታይ ነኹድድ፧” ኢልካ ትሓትት።
ክኣስሮ፡ ፍልስፍና ግደፎ ማለት ኣብ ወሰን ኮንካ ምጥቃዕ ግደፎ ማለት’ዩ መስለኒ። እነሀ ነጸላ ነዓ ምሳና ሓቢርካ ኣኹድድ። ንየማን ወይ ንጸጋም ናትካ ምርጫ ግን ደው ኢልካ ኣይትተዓዘብ። ካባና እንታይ ዝፈልየኪ ኣሎ፧ ንሕና ኣብዚ እናተራጋሕና ሓመድ ንመስል ኣለና ንስኺ እንታዋይ’ቲ ኢኺ ኣየኹድድን’የ ትብሊ። ወስኒ! ኣቦታትክን ኣበሓጐታትክን እናኹደዱ’ዮም ነዓና ወሊዶምና፡ ንሕና ኸኣ እናኹደድና ንዓኺ ወሊድና ኣባኺ በጺሓ እዛ ኹዳ ደው ክትብል የብላን። በንጻር’ዚ ድማ ሓደ “ኣነ ርእሰይ ክኢለ’የ፡ ተማሂረ’የ፡ ፈሊጠ’የ” ዝብል ሰብ ንኹዳ ኣቦታቱ ከም ድሑር እምነት፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ከም ናይ ደናቁር ክወስዶ ይርአ። ኣየኹድድን! ዕጭ ሓንፍፉ ብማለት ድማ “ናጽነቱ” የርኢ። ወይ ጉድ! ትብል  ወይዘሪት ፈላስፋ ወይ ፋላስፊት። “ምኹዳድ ወይ ዘይሙኽዳድ” ይኸውን እቲ ሕቶ ህይወት።
ይኣኽለኒ! ብሕጂ ከኣ 364 መዓልታት ኣለኒ’ንድዩ። ቆልዓ ይጐዪ ‘ምበር ኣይቅድምን’ኳ ዝተባህለ። ቀዳመይቲ መዓልቲ 2 ገጽ ትጽሕፍ እናወሓደ እናወሓደ ድሕሪ ሰሙን ሓንቲ ቃል ከይጸሓፍካ ትተርፍ። ሽጣራታት ዲሲፕሊን ካብ ለባማት ተማሂረ’የ ዝብል ስለዚ ትጽሕፈሉ ዓቀንን ግዜን ፍሉጥ እንተኾነ’ዩ ዘምሕር። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክትምላእ ዘለዋ ሓንቲ ገጽ’ያ ‘ታ ስምምምዕ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...