ብዙሓት ተኸተልቲ ናይ ምብራቕ ሃይማኖታት
ይኹኑ ናብ ምዕራብ እናምጽኡ ዘፋለጥዎን “ሰበኽቲ” ከም በዓል ኦሾ፡ ኤክሃርት፡ ክሪሽናሙርቲ ወዘተ ዝደጋግምዋ ሕመረት ናይ ትምህርትታቶም
ኣላ፥ <ነቲ ሓሳቢ ተዓዘቦ>! Mind identification ወይ ኣነ እቲ ዝሓስቦን ዝስምዓንን’የ ምባል እታ ዝዓበየት
ሓሶትን well-kept secretን ናይዛ ዓለም ይቆጽርዋ።
ሓንቲ ተመሃሪት ኮሌጅ ምስ ኣተወት ወይ
ውን ቅድሚኡ ክትነቕሕ ትኽእል። “ምንቃሕ” ብዙሕ ትርጉማት ዘለዋን ኩሉ “ብርስሓትካ” ደንጊጹ ኣእምሮኻ ክሓጽበካ ዝደሊ ገባር ሰናይ
ዝጥቀመላን ቃል’ያ። ነብሰ-ምንቃሕ ግን ብደገ ዘይኮነ፡ መሰረታውያን
ሕቶታት ህይወት ቀጨውጨው ከብሉኻ ከለውን ከም ፋሉል ከልቢ ፈቐዶ ጉሓፍ ምሓፍ ሓሳባት ኮለል ምባል ክትጅምር ከለኻን’ዩ። ሓቂ’ዩ
ነዛ ስእሊ ብኻልእ መልክዕ’ዮም ዘርእዩ’ኻ። ከም ሓደ ንሓቂ ሃረር ዝብል ጅግና ወይ ከም ሓደ ሕቶታት ህይወት ክፈትሕ ህርድግ ዝብል
መስተውዓሊ፡ ከም ሓደ ህዱእን ምእንቲ ሓላፊ ናይ ዓለም ነገራት ዘይኮነ፡ ምእንቲ ነባሪ “ሓቂ” ኢሉ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ሓርበኛ
ጌሮም ይስእሉኻ! በዓል ፓውሎ ኮሄሎ ድማ ኣብነታትካ ይኾኑ። ወይ ጉድ! ትብል ወይዘሪት ፈላስፋ። ደሓን ሓርበኛ ህይወት ዲኻ ወይስ
ጐድፍ ጐድፍ ኮለል ዝብል ከልቢ ምሕታት ኣሎ፡ ክትፈልጥ ምድላይ ኣሎ፡ “ጥሜት መንፈስ” ወላ ንበሎ ኣሎ ወይ ውን ምስዞም ተጠራጠርቲ
እንተኾንካ የለን ግን ከም ዘሎ ኮይኑ እስምዓካ ኣሎ ንበል።
ሓውትኹም’ውን ምስ ነቓሕኩ
whatever that means ከም ሰበይ ነቶም ከም ፋሽን መጺኦም ዝነበሩ መጽሓፍቲ ከንብብን ናይ ግዜይ ሕቶታት ክሓትትን ጀመርኩ።
ሶፍያ ምስ ወጸት ድማ ብትግርኛ ክሃንጽ ጽቡቕ መጀመሪ ነጥቢ ኮነኒ። ድሕሪ ሶፍያ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምብራቕ
ሃይማኖታት ቡድሂዝም፡ ታኦይዝም፡ ሱፊዝም፡ ታንትራ በጻሕኩ። ዓረብ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምምሃረይ ተለቭዥን ብዘይ ጸገም ክከታተል
ምስ ጀመርኩ ድማ ቅዱስ ቁርኣን ውን ከንብቦ ጀመርኩ። ድሕሪ ናይ ዓመታት ኮለል ምስ ዘን ተራኺብና ድሕሪኡ ናብ synthesis
ኣተኹ። እምነተ-ኩሉ እምነተ-ሓደ እምነተ-ሰለስተ ወዘተ እናበልካ ዝግበር ናይ “እምነት” ኣካይዳ ጠንጠንክዎ ኣብ ክንዳኡ ንኣምላኽ
ክትኣምኖ ዘይኮንካ ክትፈልጦ’ዩ ዘለካ ምኽንያቱ እምነት ማለት ጌና ንጥርጣረ ዓቢጥካ ምንባር ስለዝኾነ። ዝፈለጠ ሰብ ግን ምጥርጣር
ከቶ የብሉን። ስለዚ ብእምነት ምጉዓዝ ማለት ብርሃን “መጻሕፍትኻ” እናተጠቀምካ ንጥርጣረ ኣብ ሕቆኻ ጼርካ ምሱጓም ከም ማለት’ዩ፡
ናብ ዝኸድካ እንተኸድካ ከይደኸመት ምሳኻ’ላ <ምጥ’ርጣር>! ስለዚ ንኣምላኽ ክፈልጦ’ምበር ክኣምኖ ከምዘይብለይ ተመሃርኩ።
ውሽጥኻ ጽቡቕ ይስምዓካ ‘ተሎ ማለት
ሰላም ዝረኸብካ እንተኾንካ ግድን ናብ ኣምላኽ ቅረብ ዝብለካ ሰብ የለን። እቲ ጸገም ውሽጣዊ ህይወት ወድ ሰብ ሰላም ስለ ዘይብሉ’ዩ።
ነቲ ቀዳድ ንምምላእ ናብ ሓደ ጐቦ ምጽጋዕ ዘድሊ መስለኒ። ባዕለይ ጐቦ ክኸውን’የ ‘ተልካ “ሃየ” እዩ መልሰይ። “ኣነ ንኣምላኽ
ዝኸውን ቦታ የብለይን፥ ወይ ከም ዘሎ ኣርእየኒ፡ ኣምላኽ እንተዝህሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ሽግር ንምንታይ ክፈትሖ ዘይደሊ፧ ገለ ሰብ
ውን ኣሎ ወላውን ክኣምን እንተደለኹ ምስ መን ሃይማኖት ኮይነ’የ ክስዕቦ ምኽንያቱ ኩሎም “ንኣምላኽ ክትረኽቦ እንተደሊኻ እታ እንኮ
መገዲ ናትና ጥራይ’ያ ወይ ድማ ካልኦት ኩሎም ናብ ገሃነም ክኣትው’ዮም! ንሕና ኢና ልክዕ ዘለና፡ ንሕናባ። ኣምላኽና ካብ ኣምላኽኩም
ይዓቢ። ናትና ካብ ናትኩም ሓቂ ትበልጽ። መንግስተ-ሰማያትና ካብ መንግስተ-ሰማያትኩም ይገፍሕን ይጽብቕን።” ከም ክልተ ገዛ ገዛ
እናተጻወቱ ዝበኣሱ ዘለዉ ቆልዑ ክመስሉ ናተይ ናትካ ይብሉ! ነዚ ዝረኣየ ሓደ ዘይኣማኒ “ፎእ!” እንተበሎምን “ኣምላኽ የልቦን”
እንተበለን ኣነ ብወገነይ ኣይሕዘሉን። ከምዚ ዞም “ቆልዑ” ዝገብርዎ “መንግስተ-ሰማይና ካብ ኩላተን መንግስተ-ሰማያት ዝበለጸተ’ያ”
ኢለ ምስ ኣምላኽ ገዛ-ገዛ ከጻወት ኣይደልን። እታ ትመጽእ ሕቶ ግን “ከመይ ኣለኻ፧ ውሽጣዊ ዕረፍቲ ኣለካ’ድዩ፧ ሰላም ሰፊንካ’ዶ’ዩ
፧ ግደፎ ነዚ ዓቢ ሰብኣይ። ገለ እዋን ቅጭ ክመጻካ፡ ክትሓርቕ፡ ክትፈርህ፡ ክትበሳጮ፡ ክትሕለል፡ ዝደለኻዮ ስኢንካ ልብኻ ክስበር፡
ከሐጉሰኒ’ዩ ኢልካ ዝተጸበኻዮ ሰብ ወይ ኩነት ከምቲ ትጽቢትካ ንነዊሕ ምሕጓስ ክኣብየካ ከሎ፡ ወዘተ ወዘተ ኩሉ እቲ “ሕማቅ” ዝበሃል
ስምዒታት ህይወት “ንቡር’ዩ” ኢልካ ዝደምደምካ ሰብ እንተኾንካ ወይ
ድማ “ህይወት ነቲ ጽቡቕ ምስቲ ሕማቕ እናቋሰኻ ምንባር’ያ” ትብል ተለኻ ኣገናዕ! ንዓኻ ኣምላኻ ኣየድልየካን’ዩ። ኪድ ድሕሪ ሸቶታትካን
ዕላማታትካ ጉየ። ውደቕ፡ ተስእ፡ ስራሕ፡ ጡረታ ውጻእ፡ ሙት። ግዜኻ ከይትቀትል መታን ተብ ተብ እናበልካ ንበር። ህይወት ክሳብ
ናብ መቃብር ትኣቱ እንተኾይና፡ ንሎሚ ተሓጐስ ምኽንያቱ ጽባሕ ሞት ኣሎ ዘይተርፍ። ምስዚ ኣረኣእያ ዝኾነ ባእሲ ወይ ቂም የብለይን።
ገለ ሰብ ግን ከምዚ ከማይ ሓዊስካ ማለት’ዩ
ምስዛ ናይ ላዕሊ ሓሳብ ኣይንሰማማዕን። እዚ ትብልዎ ዘለኹም ጽላሎት ‘ምበር ህይወት’ሲ ደድሕሪ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ህቡብነት፡ ብሓጺሩ
ድሕሪ “ሸቶታት” ምጉያይን ኣብ መወዳእታ ድማ ከምታ ናብዛ ዓለም ወላ ሓንቲ ከይሓዝካ ዝመጻኻ ወላሓንቲ ከይሓዝካ ክትከይድ ፍትሒ
ኣይኮነን ስለዚ ገለ ዓቢ ትርጉም ክህሉ ኣለዎ ብማለት ካብ ድቃስና “ክነቅሕ” ንፍትን። እዛ “ነቲ ሓሳቢ ተዓዘቦ” ትብል ድማ እኽልቲ
መፍትሕ ምዃና እቶም ዝፈተንዋ ይምስክሩ። ግን ንእምነት ቦት ስለ ዘይብልና ፈቲንና ክንፈልጥ ይዕድሙና። ኣብ ጸልማት ደርገፍ ንዝብል
ሓውኻ ምሕጋዝ ከም ጌጋ ዝርእይዎ “ኣባላትና” ድማ ኣለው። “ከመይ ጌርካ ኣብ ጸልማት ከም ዘለው ፈሊጥካ “ ‘ተ ዘየድሓንኩዎም”
ትብል ዘለኻ፧ ኣነ ከድሕነካ’የ ምባልካስ ትዕቢት ዶ ኣይኮነን፧ ኣነ ካባኻ ይሓይሽ፡ ንኣምላኽ ስለ ዝፈልጥክዎ ካብቲ ፍልጠተይ ከካፍለካ’የ”
ምባልካ ጌና ካብቲ ብሃብቱ፡ ብስልጣኑ ወይ ብፍልጠቱ ዝምካኽ “ዓለማዊ” ዝፈልየካ የለን ይብሉ። ዝምካሕ ብጐይታ ይመካሕ እናበልካ
ንስኻ ግን ንጐይታ ጉልባብ ጌርካ፡ “ኣነ ንኣምላኽ ዝፈልጥኩ ዓቢ ሰብ’የ” ትብል። ነዙይ ዝረኣዩ ገለ ኣሕዋት “ጐይታ ንዓይ ፈሊጡኒ”
ደኣ በል ‘ምበር፡ “ኣነ ንጐይታ ፈሊጠዮ” ምባልስ ትዕቢት’ያ ይብሉ። ምኽንያቱ ብበረኸቱ ወይ ጸጋኡ ደኣ ኢኻ ዝፈለጥካ’ዮ ‘ምበር
ብሓይልኻ ወይስ ብፍልጠትካ ወይስ ብልቦናኻ ኣይኮነን ይብሉ። እዞም ኣሕዋት ቀጺሎም ኣምላኽ ክትፈልጦ ባዕሉ ኢዱ ዘርጊሑ ናብቲ ዳሱ
ካብ ኣእተወካ ነቲ ኣብ ጐንኻ ዘሎ “ዘይደሓነ” እትብሎ ሰብሲ ክግለጸሉስ ዘይከኣሎ’ዶ መስለካ፧ ከምቲ ንፈርኦን ልቡ ዘትረሮ፡ ዋላውን
ሽሕ ግዜ እንተሰበኽካ ስብከትካ ሰሚዑስ ክንደይ ‘ኮን ‘ዩ ናብ ኣምላኽ ዝመጽእ፧ ስለዚ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ሓደ’ኳ ናብኡ
ክመጽእ ዝኽእል የልቦን። ሰዓብቲ ክትረክብ ኢልካ ንብዘላ ዓለም ናብቲ ሃይማኖትካ ከተእትዋ ምፍታን ግን ፖለቲከኛ ደኣ’ምበር ኣገልጋሊ
ኣምላኽ ኣይኮንካን ይብሉ እዞም ኣርሃት ብዝብል ስም ዝፍለጡ ኣሕዋት። ኣነ ሲዶና ዑመር ንባዕለይ ምስ ኣርሃት እሰማማዕ’የ። ደላዩ
ባዕሉ መጺኡ ኣፍልጠኒ ወይ ሓብረኒ እንተዘይ’ሉካ ንሰብ ምስባኽ “ቅኑዕ”ኮይኑ ኣይስመዓንን። ካብ ሎሚ ጀሚረ ውን ስብከት ደው ኣቢለ’ዮ
ኣለኹ።
ክኣስሮ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝተዓዘብክዎን
ዝነበብክዎን መጽሓፍቲ፡ ነታ ናይ ሶቅራጠስ “ነብስኺ ፍለጢ” እትብል ለበዋ፡ ኣብ ብዙሓት መንፈሳውያን ጉጅለታት ብተደጋጋሚ እትለዓል
ከም መፍትሒ ን “ከመይ ጌረ ንነብሰይ ክፈልጣ እኽእል፧” ትብል ሕቶ እታ መልሲ “ነታ እትሓስብ ዘላ ሲዶና ተዓዘብያ” ሲዶና ከምዚ
ይስምዓ ኣሎ፡ ሲዶና ከምዚ ትሓስብ ኣላ፡ ሲዶና ብሳልሳይ ኣካል ትርእያ ማለት’ዩ። ምስ ግዜ ዝመጸ ሓሳብ ተመጸ ሓላፊን ነታ “ሓቀኛ”
ሲዶና ከም ዘይውክልን ክትፈልጢ ትጅምሪ፡ ካበይ ከም ዝመጻኽን መን ምዃንክን ድማ ከም ጸሓይ ክበርቀልኪ’ዩ ይብሉ። ንነብሳ እትፈልጥ
ሰብ ድማ ናይ መን መንግስተ ሰማይ ዝገፍሐ ምዃኑ ብእምነት ዘይኮነት ብርግጽ ትፈልጥ! ቻው
No comments:
Post a Comment