Thursday, September 28, 2017

ኣትለቲክስ



ሰኑይ ነሓሰ 14 2017
ናይ ኣትለቲክስ ውድድር ትማሊ ተወዲኡ፡ ኣብ ተለቭዥን መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ሕጂ ክርእዮ ጸኒሐ። ኡሴይን ቦልት ተፋኒናዮ ወላኳ ከምቲ ዝድለ ጌሩ ኣይወድእ። እዚ ካብ ዕለት 4 ዝነበረ ውድድራት ኣብ HD ተለቭዥን ኣዝዩ መሳጢ ነይሩ። ግን ኣብ መወዳእታ እንታይ ኢልካ ክትሓትት የብልካን። ተዓዘብ፡ ኣስተማቅር ደሓር ኣኸለ። ከመ መመኽኔታ ን ኣትለቲክስ ኢለ ዝውልዓ ዝነበርኩ ተለቭዥን ከጥፍኣ ኣለኒ።
ዕላማ ናይ ተለቭዥን ምርኣይ እንታይ እዩ፧ ሓበሬታ ንምስናቅ ወይ ንምዝንጋዕ። ካብ ካልኦት ሳተላይታት ‘ተዝነብር ምናልባት ብብዝሒ ሓበሬታ እሞልቀኒ ኣሎ ክትብል ትኽእል እንተ ኣብዚ ናይ ናይል-ሳት ዘሎ መደባት መብዛሕትኡ ወገናዊ ሓበሬታ ኮይኑ እተን ዝርካበን ድማ ከዕግባኒ ኣይከኣላን። ካብ ምውሓደን ዝተላዕለ ንዐአን ክትረክብ ኣብ መንጐ ትምልኦ ዘየደሊ ጋዕ ገልጠም ይበዝሕ። እንታይ ይሕሸኒ፧ ዝበለጸ ክሓስበሉ፡ ክመራመረሉ ዝግብኣኒ ግዜ ኣብ ቅድሚ ተለቭዥን ኮፍ ኢለ ከጥፍኦ ኣይደልን። ወላውን ምዝንጋዕ ይኹን ኣብ ቅድሚ መስኮት ተለቭዥን ፍጭም ኢለ ክዘናጋዕ ኣይደልን። ሓንቲ መፍትሒት ትኸውን ኢለ ዝሓስባ ሬድዮ ጥራይ ምክትታል። ሓበሬታ ከምቲ ዝድለ ክቀስም ይኽእል፡ ሙዚቃን ካልእ ናይ መዘናግዒ መደባት ውን ኣይሓልፈንን’ዩ። ነዚ ዓቢ ነብሰ-ምቁጽጻር ዘድልዮ ውሳኔ ብዓቢ ጥንቃቀ ክገብሮ ኣለኒ። ምስ ግዜ እናለመድኵዎ ምስ መጻኹ ብዙሕ ዘሸግር ኮይኑ ኣይክረኽቦን’የ። ካልኣይ ድማ መዓልታዊ ዘይኮንኩ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ’የ ሬድዮ ክሰምዕ እምበር ካልእ መዓልታት’ሲ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ሳልሳይ ነጥቢ ስራሕካ ምስ ወዳእካ ጥራይ ክትዘናጋዕ ኣለካ’ምበር ጌና ብዙሕ መደባት ተወንዚፉ ከሎ ሬድዮ ምስማዕ ኣየዋጽእን’ዩ።
ካብ ዘን ዝተመሃርኵዎ ኣብ ሕጂ ምንባርን ብዘይ ዕላማ ምጉዓዝን ዝብላ ኣምራት ይመላለሳኒ ኣለዋ። ትርጉም ህይወት ከናዲ ዝውዕል ዘሎ ኢጎ’ዩ፡ ብዛዕባኡ ምሕሳብ ኣገዳሲ ኣይኮነን ስለዚ ምንባር ካብ ምሕሳብ ምቅዳም። ናበይ’የ ክኸይድ፧ እንታይ’የ ክገብር፧ ከመይ’የ ክኸውን፧ እንድዒ! ህይወት ባዕላ ትምርሓኒ። ፍቃድ ኣምላኽ ባዕሉ የንቀሳቅሰኒ። ጽሕፍቶ መገደይ ትጽረጎ። ሰብ ኣብ ሕጂ ጥራይ’ዩ ክነብር ዝኽእል ስለዚ ሕጀይ ትኹን ሃይማኖተይ። እንድዒ! ሕጂ!
እዛ ቃል ደስ ተብል’ያ “ሕጂ”። ካበይ መጺኣ ትኸውን፧ ትግርኛ ኣይትመስልን፡ ኣብ ትግራይ “ሕዪ” እዮም ዝብልዋ። ካብ ህይወት ወይ ብዓረብኛ “ሓያ” ዶ መጺኣ ትኸውን። “ሕዪ” ብሕይወት ዘሎ! ጽቡቕ ኣተራጉማ። ሕጂ ጥራይ’ያ እታ መልሲ ምኽንያቱ ህይወት ኣብ ሕዪ ጥራይ ስለ ዘላ። ሕጂ! በቃ ሳንያሲን ክኸውን ቀሪበ፡ ምቅራብ ከማን ኣየድልየካን’ዩ። ኩን! ከምዚ ጴንጤ ኣሕዋትና ዝብልዎ ሕጂ ጐይታ ተቀበል’ሞ ደሓን! ኢጎ ሕጂ ክድሕን ኣይደልን’ዩ፡ ጽባሕ እምበር ወይ ቁሩብ ግዜ ከድልየኒ’ዩ ወዘተ ምባል ይፈቱ።
ካብ ፌስቡክ ኵወጽእ ኢለ መዲበዮ ዝነበርኩ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ተገዲደ ኣለኹ። ኣብ ክንዲ ጠቅሊለ ዝገድፎ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ እናኸድኩ ልጥፎታተይ ከበርክት’የ። 5 ቅርሺ ኣብ ሰሙን ኣብ ወርሒ 25 ናቅፋ ጥራይ’ዩ ስለዚ ናይ ገንዘብ ጸገም ብዙሕ ኣይክህልወንን’ዩ። እሞ ሕጂ ናይ ጽባሕ ልጥፎይ ከዳሉ’ዶ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...