Saturday, July 1, 2017

ስለምንታይ ንሓቂ ኣብ ኣርማድዮ ከነቐምጣ ከምዘይብልና



ሰነ 23 2017
ስለምንታይ ንሓቂ ኣብ ኣርማድዮ ከነቐምጣ ከምዘይብልና
ሓንቲ ብዙሕ ግዜ ትደጋገም ሓረግ ኣብ ዘን ኣላ “ነቲ መበቆላዊ ገጽካ ርኸቦ”። ቅድሚ ብዙሕ ምዝራበይ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልክዎ ናተይ ኣይኮነን። “ናተይ”ትብል ቃል መሰረት ናይቲ መልጐም ዘይብሉ ሸውሃት ወድ ሰብ’ያ። ናተይ! ዓራተይ፡ ሰብኣየይ፡ ዓደይ፡ ገንዘበይ፡ ፍልጠተይ፡ እምነተይ፡ ሃይማኖተይ፡ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ “ኣምላኸይ!”። ነዚ ምስ ሰምዐት ፡ ወይ ጉድ! ትብል ሲዶና። ኣምላኽ ከም ናይ ባንኪ ቁጽሪ ሕሳብ ከም ዋንነት ኮይኑ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይሰጋገር፡ ኣብ ፈቀድኡ ብዛዕብኡ መዋዓውዒ ትሰምዕ፡ ኣብታ ትመጽእ ዓለም ነዚ ሕጂ ትገብሮ ዘለኻ “ወፍሪ” እትረኽቦ ረብሓ ይመባጽዑልካ።
“ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እዩ” ይብልዎ፡ እሞ’ኸ ደኣ ኣምላኽ ውሑዳን ንምንታይ ክኸውን ደልዩ፧ ነቶም ኣይንኣምነካን ዝብልዎ’ኸ ከምቲ ኣብ ጽሑፋትኩም ዘሎ ብሕርቃን ተኾምቲሩ ኣምላኽ ምዃን ይገድፎ ድዩ። ከምዚ ብምርጫ ስልጣን ዝሓዘ ሰብ’ሞ ጭቅ’ጭቅ ምስ በዝሖ ስርሑ ዝጸልአ ኣባል ባይቶ ኣምሲልክ’ሞ። “ኣነ ነዞም እተወሰኑ ወገን ሃይማኖት ጥራይ እየ ዝሰምዕ” ነቶም ዝተረፉ ካልኦት ሓደው ናባይ ምጽኡ ሓደው ይጥፍኡ! ኩሎም ሃይማኖታት ዓለም ድማ ወዲ መዝሙሮም ክገብሩኻ ገለ ብሴፍ፡ ገለ ብገንዘብ፡ ገለ ብመብጽዓ ይቀዳደሙልካ። ከምዚ ዝረኣየ ሓደ ጸረ’ቲ “ኣምላኽ” ዝብሉዎ ዘለው እንተተስአስ፡ መን’ዩ ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ሰባት ንስነ-ፍልጠት ናይ መወዳእታ ተስፋ ወድ-ሰብ ጌሮም ዝርእይዎ ኣለው። ገለ ኣሕዋት “ክርስቶስ” ጥራዩ ተስፋ ወድሰብ፡ ብዘይ ብኡኡ ናብ ኣምላኽ ክትቀርቡ ከቶ ኣይትኽእሉን ኢኹም ይብሉ። ንዓለም ኩላ “ከጥምቕዋ” ኣይምጸልኡን። ካልኦት ኣሕዋት ድማ ናትና መገዲ’ያ እታ ሓቀኛ ይብሉ። መቸም ኩሎም’ዞም “ኣሕዋትና” ነናቶም መገዲ’ያ ዘላቶም። ስነ-ፍልጠት በንጻሩ ሓንቲ መገዲ’ያ ዘላቶ። ናተይ ናትካ ዝበሃል ነገር የልቦን። ክልተ ተደመሮ ክልተ ይኸውን ኣርባዕተ። እዛ ኣርባዕተ ናይ ክርስትያን ኣይኮነት ናይ ኣስላም ኣይኮነት ናይ ሂንዱ ኣይኮነት ናይ በሃይ ኣይኮነት። ኣርባዕተ ናይ መን’ያ፧ “ኣርባዕተ ናተይ’ያ” ኢሉ ምስ ገለ ሰብ ክበኣስ እተትሰምዖስ እንታይ ምበልካ፧ ሲዶና “መነዴኻ ሂቡካ፧”ምበልክዎ። ኣርባዕተ ናይ ኩላትና’ያ። ጸሓይ ንሓንቲ መዓልቲ ከይበረቐት እንተትገድፎ ይብሉ ገሊኦም ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኩሉ ህይወታዊ ምሞተ። ነዛ ዓለም ከም እንዳ ዓለቦኻ ክትርእያ መነዴኻ ምስ ሃበካ። ካበይ ከም ዝመጻእካ ትፈልጥ’ዶ፧ ከይተወለድካ ኣበይ ኔርካ፧ እታ ዝጀመርናላ ሕቶ “መበቆላዊ ገጽካ” ዝበልዋ ንኩላህና ስለ ትጠምረና’ያ። ገለ ኣሕዋት ሕብረት ሰብ ክኣምኑ ሓቆም’ዮም። ዕድሜኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወይ ኣብ ቅድሚ ዕድመ መሬት ደው ክብል ይኽእል’ዶ፧ ትማል ካብ ፍትወት ስጋ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተወልድካስ ሎሚ ያኢ ሰብኣይ ተኾይንለይ ድዩ “ኣምላኽ” እጀታ’ዩ ትብል ዘለኻ። ኣታ ንኣምላኽ ኣይኣምንን’የ ትብል ዘለኻ’ኸ መን ኢኻ፧ ኣብ ቋሕ ሰም ናይ ኣምላኽ ዓይኒ ትጠፍእ፡ ተባዕ ኢኻ ምሽ፡ ብግልጺ ምስ ነብስኻ ዘይትዘራረብ። ግደፎ ከም ሕንጻይ ዝተመላእካዮም መልስታት ምምላስ፡ ካበይ ከም ዝመጻኻ ትፈልጥ’ዶ፧ ድሕሪ ሞት ወላ ሓደ ነገር የለን ክትብልሲ ቅድም’ዶ ክትመውት’ዶ ኣይግብኣካን፧ እቲ ትኣምነሉ ስነፍልጠት ብዘይ ጭብጢ ምዝራብ ስለ ዘይፈቱ፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ ዘረድእ ጭብጢ ክሳብ ዘይኣቅረብካ ከመይ ጌርካ “ኣምላኽ የለን” ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ትዛረብ ኣለኻ፧ ናይ ሓሶት “ስነ-ፍልጠተኛ” ኣይትኹን። ካብዚ’የ መጽየ ወይ ዓለም ከምዚላ’ያ ተፈጢራ ክሳብ ዝብል መልሲ ዘይብልካ “ኣፍካ” ሓዝ። ካብ ናትካ ዝገደደ መዓት ከኣ ናይቲ “ኣምላኸ ናተይ’ዩ” ዝብል ሰብ’ዩ።
ኣዳም ናይ መጀመርያ ወድሰብ’ዩ ዝበሃል። ኣዳም ከይተፈጥረ ኣበይ ኔሩ፧ ከም ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ኣምላኽ። ቅድሚ ኣብ ኣእምሮ ኣምላኽ ምእታዉ’ኸ፧ እዋእ ሓንቲ ሓሳብ ከይሓሰብካ’ያ ከለኻ ኣበይ ድያ ትነብር፧ ሓሳባትና ካበይ ይመጹ፧ መበቆል ወይ ምንጪ ዘይብሉ ነገር ኣሎ’ዶ፧ ኣምላኽ ኣሎ ይብሉኻ። ኣብዛ ነጥቢ ምስ በጻሕካ ገሊኦም ኣምላኽ ብኣእምሮ ክብጻሕ ስለ ዘይክእል ዘረባና ንዕጾ ክብሉ ከለው ገለ ድማ ኣምላኽ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ኣድማስ ኩሉ ከይተፈጥረ ከሎ ኔሩ ይብሉኻ። ነቲ “ጽሑፍ” ከም ጭብጢ ምቅራብ ዘይስነ-ፍልጠታዊ ጥራይ ኢልና ንስገሮ፡ እንተ’ቲ ኣምላኽ ከም ወጻኢ ካብ ኣድማስ ኮይኑ ብማዕዶ’ዩ ሰሪሕዎ ዝብልዎ ንዕኡኸ መን ሰሪሕዎ ዝብል ሕቶ ክትሓትት ኣይፍቀደልካን’ዩ። መልሲ እታ ሕቶ ጌና ባዶ ቦታ’ያ ዘላ።
እዛ መበቆላዊ ገጽካ ርኸቦ ትብል ለበዋ ነዛ “ካበይ መጺና፧” ትብል ሕቶ ንክትምልስ ዝተዳለወት ትመስል። እዛ ሕቶ ንምንታይ ክትምለስ ኣድልያትና፧ መልሲ ረኺብና’ኸ እንታይ ክጠቕመና’ዩ፧  እዛ “ኣገዳሲት” ትበሃል ዘላ ሕቶ ስለዝተመለሰት ጥራይ ንግሆ ተሲእካ ቈርሲ ምብላዕ ክተርፍ ድዩ፧ ወላ መልሳ ይረኸብ ናበዴኻ ክትከይድ ኢኻ’ሞ፧ ኩሎም ሃይማኖታት ናይ ተስፋ ነጋዶ’ዮም ኢዩ ዝበሃል። ጽባሕ ኢኻ ናብ መንግስተ ሰማይ ትኣቱ’ምበር ሎሚስ ኣይፋልካን ደኣ። ጽባሕ ከኣ ጽባሕ እናወለደት ኣይትክመጽእን’ያ። ስነፍልጠት ጌና ታተ እናበለ ካበይ መጺና ክሳብ ዝምልሰልና (ይኽእሎ እንተኾይኑ ማለት’ዩ) ግዜ ከድልዮ’ዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ሃይማኖት ዘይብሉ ሰብ ኣብ መንጐ ተቀቂሩ ትረኽቦ። በዚ ንኣምላኽ ከም ውልቃዊ ንብረቶም ዝርእዮዎን ንካብኦም ዝፍለ ሰብ “ጌገኛ” ዝብሉ ሃይማኖተኛታት፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሕቶ ምሕታት እምበር ጽቡቕ መልሲ ምሃብ ጌና ዘይከኣለ ዘሎ ስነ-ፍልጠታዊ ኣካይዳ።
ሓደ ንፉዕ ሓታቲ እሞ እንታይ’ዩ ጥቕሚ ‘ዚ ኩሉ “ንኣምላኽ ርኸቦ” ወይ “መበቆላዊ ገጽካ ርኸቦ” መንደፍ’ዶ ዝብል ዘረባታት ክብል ይግብኦ። እዚ ኢልካ ምሕታት ካብቲ ናይ ሰማየ ሰማያት ኣተሓሳስባ ኣውጺኡ ናብዛ  ክውነንነታዊት ዓለም ስለ ዘምጽእ “እንታይ’ሞ ጥቕሙ፧” ኢልካ ናይ ለባማት’ዩ። እቲ “ህላውነት” ናይ ኣምላኽ ዝበሃል ዘሎ ከነረጋግጾ ወይ ክንክሕዶ ዝኣክል ጭብጢ የብልናን ኢልና ንደምድሞ። ንምንታይ ደኣ’ሞ ንደልዮ ኣለና፧ ንዘይተረጋገጸ ኣምላኽ ምድላይ እንታይ ክጠቕመካ’ዩ፧ መበቆላዊ ገጽካ ምስ ረኸብካ ሽዑ እንታይ ኢኻ ክትገብር፧ ኣብ መንግስተ ሰማይ መሬት ጤሳ ክትወሃብ ትደሊ እንተለኻ ንኣምላኽ ከም መሸቐጢ ኢኻ ትርእዮ ዘለኻ ማለት’ዩ። ስስዐ ናይዛ ዓለም ምውዳእ ኣብዩካ ጌና ድሕሪ ሞትካ ውን ብስስዐ ትጽበ ኣለኻ። ኣነ ናይዛ ዓለም ኣይኮንኩን እንተ ኢልካ ድማ፡ ተቃይሕ ኣለኻ! ካብ 70 ዓመት ኣብዛ ጨናዊት ዓለም ንዘልኣለም ኣብ መንግስተ ሰማይ ብዘይ ሽግር ክነብር ይሕሸኒ ትብል ኣለኻ ማለት’ዩ። ኣታ ሱሱዕ! ኣምላኽ ንስስዐኻ ከሳሲ ንድሌታትካ ክምልእ ዝፈጠረካዶ መስለካ’ሎ፧ ንስኻ ኢኻ ህርፋንካ ክትመልእ ትፈጥሮ ዘለኻ ነዚ “ኣምላኸይ” ትብሎ ዘለኻ ‘ምበር ንሱስ ንኣንነትካ ከደልድል ዝተፈጥረ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጥቕሚ ንኣምላኽ ምፍላጥ ዓስቢ ክትረክብ ኣይኮነን። ብመብጽዓ ክሓባብሉኽ ንዝፍትኑ ኩሎም “ዓስ!” በሎም እቲ ሓቀኛ ህያብ ኣምላኽ ምስ ሞትካ ዘይኮነ ሕጂ ብህይወት ከለኻ’ዩ ዝፍለጥ። ንጐይታ ምስ ፈልጥካ እቲ ትማል ዝበልናዮ ጭንቒ እዛ ዓለም፡ ጭንቒ ምዃን ይገድፎ። ሽግር እዛ ዓለም ሽግር ምዃኑ ይገድፎ። ስቓይ እዛ ዓለም ስቓይ ምዃኑ ይገድፎ። እቲ ጭንቒ፡ ሽግር፡ ስቃይ ከም ሽሑር ይጠፍእ ዘይኮነስ እቲ ተጨናቒ፡ እቲ ተሸጋሪ፡ እቲ ተሳቓዪ ይጠፍእ። ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ክጭነቕ ይኾነሉ፧ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓደ ኢና ዝብሉ፡ እቶም ስጋኡ ዝበልዑን ደሙ ዝሰተዩን፡ ጭንቐት ኣበይ ክትንክፎም ይኽእል፧ ከምዚ ፋሽን ጽሑፍ እናጠቀስካ ንስለ ዘረባ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ! ኩላቶም ዋላ ይዘምርዎ፡ እቶም ንኣምላኽ ዝነብርዎ ክንደይ ‘ዮም፧ ስለዚ መበቆላዊ ገጽካ ምርካብ፡ ናብቲ ምንጭኻ ዝኾነ ጐይታ ምእታው ማለት ንርእስኻ  ኣብ ኣምላኽ ምጥፋእ ማለት’ዩ። ንኣምላኽ ቀዳምነት ምሃብ ማለት ንኩሉ ግዝያዊ ሓጐስካን ንኩሉ ሽግራትካን ናብኡ ምድርባይ ማለት’ዩ። ዋላውን ደስታኻ! ኣምላኽ መጉሓፊ ስቃይካ ጥራይ ኣይኮነን። ኣምላኽ ከም ክዳን ኣብ ኣርማድዮ ተቐምጦ ምስ ተሸገርካ ተውጽኦ ምስ ረሃወካ ዓጺፍካ ተእትዎ ክዳን ኣይኮነን። ንኣምላኽ ምርካብ ማለት “ኣነ” ገዲፍካ “ንሱ” ምባል ማለት’ዩ። ፍቓደይ ገዲፍካ ፍቓድካ ይኹን ማለት’ዩ። እዚ ብምግባርካ ድማ ካብ መቑሕ መከራን ሽግርን ኣተሓሳስባኻ ነጻ ትወጽእ። እታ ትሃርፋ ምስ መጸት ዘይትጠፍእ “ሓጐስ” ድማ ትረክብ ይበሃል። ቻው!

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...