Friday, April 6, 2018

In Search of The Miraculous



መስከረም 10 2017
In Search of The Miraculous ትብል መጽሓፍ ብ ሩስያዊ P. D. Ouspensky ዝተጻሕፈት ድርሳን ከንብባ ጀሚረ ኣለኹ። እቲ ዝገርም ነዛ መጽሓፍ ቀደም’የ ኣራጊፈያ download ጌረያ ግን ተራኺ ብብዝሒ ምስ ሓደ G. ዝበሃል ሰብኣይ ዝገበሮ ርክባት ይዛረብ ስለ ዝነበረ፡ እንታይዋይ G. እዩ ‘ኸዚ ኢለ ቅጭ ኣምጺኣትለይ። ሎሚ ግን ኣጋጣሚ G. መን ምዃኑ ኣብ መእተዊ ምስ ረኣኹ ግድን ከንብባ ኣለኒ’ለ ጀሚረያ። G ማለቱ George Gurdjieff (1877-1949) ዝነበረ መበቆል ግሪኽን ኣርሜንያን ዝነበሮ ሩስያዊ ተመራማሪ፡ ፈላስፋ፡ Mystic ’ዩ ኔሩ። ን ጆርጅ ብ መገዲ ኦሾ’የ ዝፈልጦ። Ouspensky ተመሃራይ Gurdjieff ከም ዝረበረ፡ ድሒሩ ግን ከምዚ ፕላቶ ካብ ሶቕራጠስ፡ ኣሪስቶቲል ድማ ካብ ፕላቶ ዝተፈልዩ፡ ንሱ ድማ ካብ መምህሩ ተፈልየ። <>
እዛ መጽሓፍ ክትጅምር ከላ ተራኺ ምስ ጂ. ተራኸበሞ፡ ተመሃራይካ ክኸውን ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኣሎ ድዩ፧ ንኣብነት ምዕኢሉ ሓተቶ። ጂ. ድማ ሰብ ንነብሱ ዝፈልጣ እንተዝኸውን’ሲ ምስጢር ዓቅብ ኢልና ምሰበኽናዮ ኔርና፡ ሰብ ብውሽጡ “ሐራይ ምስጢር ክዕቅብ’የ” ኢሉ ክመባጻዕ ይኽእል። ድሕሪ ገለ እዋን ገለ ካብ ውሽጡ “ምስ ካብ ሰበይትኻ ምስጢር ኣይትሕባእ” ወይ ድማ “ምስ ዓርክኻ መስተ እናሰተኻ ዘይተውግዕ” እናበለ ከም ዘውጽኦ ክገብሮ ይኽእል። ወይ ድማ ምስ ሓደ በሊሕ ሰብ ይራኸብ’ሞ ምስጢር የምሉቅ ከምዘሎ ከይተረድኦ ክዘርዎ ይኽእል፡ ስለዚ ሰብ ነብሱ ይፈልጣ እንተዝነብር “ምስጢርና ዓቅቦ” ምበልናካ፡ ንስኻ ግን ንነብስኻ ስለ ዘይትፈልጣ ምስጢር ዓቅብ ኣይንብለካን ኢልዎ። ከምዚ ምስ ኣንበብኩ፡ ነዛ መጽሓፍ ክፈትዋ ምዃነይ እኹል ጭብጢ ኮነኒ’ሞ፡ ከንብባ ከም ዘለኒ ተሰወጠኒ።<>
In search ተባሂሉ ዘሎ ቃል ምስ ትዕዘብ፡ ሰብ እንታይ ኮን ኣጥፊኡ’ዩ እዚ ኹሉ ተብተብ ዘብሎ ዘሎ፧ ኩሉ ይደሊ ስለ ዘሎ ብጥዕናና ከምዘየለና ይበርሃልካ። ሃይማኖተኛታት ሰብ ሓጢኡ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝተፈልየ፡ ነታ ዘጥፍኣ ክመልስ’ዩ ዝደሊ ዘሎ ይብሉና። እዞም ኢዚሀራውያን ድማ ሰብ ክፈልጥ፡ ክምዕብል ውሽጣዊ ድፍኢት ስለ ዘለዎ’ዩ ዝደሊ ዘሎ ይብሉና። “ሰብ መዓስ’ዩ ዕረፍቲ ዝረክብ፧” ኢልካ ምስ ትሓትት ፡ ካብዞም ክልተ ኣረኣእያታት ናይዞም “ኣመንቲ” ትሓይሽ። (ወላ’ኳ መብዛሕትኦም ብኣፍ ጥራይ እንተኣመኑ) ንሓደ ኢዚሀራዊ ምስ ሞትካ ጥራይ’ዩ ዕረፍቲ ዝርከብ ዝብሉና ወይ ውን “እንታይ ማለት’ዪ ኸ ዕረፍቲ” ክብሉ ይኽእሉ። <>
ናይ ሰብ ነገር ግን ኣብ ምድላይ’ዩ ዘሎ፡ ምስጢር ሰብ እንታይ’ዩ ተዝበሃል “ድሌት” ኢልካ ቅኑዕ መልሲ ክትበሉ ትክእል። ድሌት ኩሉ መዳያዊ ድሌት! ድሌት ነገራዊ ረብሓ፡ ድሌት ጽድቂ፡ ድሌት ኣምላኽ፡ ድሌት ዘልኣለማውነት፡ ወላ ቶም ዓለም ኮንቶ ኢሎም ነብሶም ዘጥፍኡ “ድሌት ሞት” ኣለዎም፡ ስለዚ ሰብ ብድሌታት ዝንቀሳቃስ ግዛዕ’ዩ። ናብቲ ድሌትካ ዝመልኣልካ ትጐዪ፡ ካብቲ ንድሌታትካ ከይትረክብ ዘስግኣካ ድማ ትሃድም። ኢጎ ኮንካ ዕረፍቲ ኣበይ ከይርከብ ኢልኩሞ። ፍርሒን ድሌትን እናተበራረዩ ይድህኩኻ። ቅድሚ መንደቅካ ምፍራሱ ክትገብሮም ዘለካ ነገራት፡ ክትበጽሖም ዘለካ ቦታታት፡ ክትዓሞም ዘለካ ፕሮጀክትታት ኣለው። ነዞም ድሌታትካ ከይረኸብካዮም ከይፈርሰካ ድማ ፍርሂ ኩሉ ግዜ ከም ጽላሎት ምሳኻ ኣሎ። ኣብ ዘን ኩሉ ድሌት ናይ ኢጎ ምዃኑ’ዩ ዝዝረበሉ። ወላ ድሌት መንግሰተ ሰማያት!  ብሓቂ እንተሪእኻዮ ውን ኣብ መንግስተ ሰማያት ነዚ ኣብዛ ዓለም ክሰምረልካ ዘይከኣለ ድሌታትን ሸውሃታትን ተርውየላ ቦታ’ያ። ንኣብነት ኣብ ምስልምና ኣንስቲ ኣይትርአ፡ መስተ ኣይትስተ ትበሃል ኣብኡ ግን ከም ድላይካ፡ ኣብ ክርስትና ገንዘብካ ንድኻታት ሃብ ይበሃል ኣብኡ ግን ብወርቂ ዝተለበጠ ጐደናታት ኣለካ! ወይ ጉድ! ክኸውን ይኽእል’ዩ ግን ስስዐ ናይ ኢጎ ከም ጸሓይ በርቂ ይበርሃልካ። ወላ ንዘልኣለም ምንባር ዝብል ኣምር ካበይ መጺኡ ‘ተበልካ ኢጎ ብዙሕ ዘይተፈጸመ ድሌታት ስለ ዘለዎ ግድን eternity ዝብል ሓሳብ ከእቱ ኣለዎ። መንግስተ ሰማይ ኣሎ ድዩ የለን እንትርፎ ብእምነት ብመጐት ዝፈልጥ ሰብ የልቦን፡ እንተ ዘየለ ግን ክመሃዝ ኔርዎ። <>
ወድ ሰብ መዓስ ኮን’ዩ ምድላይ ዘቋርጽ፧ ስለምንታይ ንምድላይ ከም “ሕማቅ”  ነገር እገልጾ ኣለኹ። ድሌት ሕማቅ ኣይኮነን፡ “ካብ ድሌታት ነጻ ክኸውን’የ” ክትብል እንተጀመርካ ውን ንባዕሉ ድሌት’ዩ። ድሌታትካ ቅተሎ ማለት ኣይትድለ ማለት ዘይኮነ ‘ከንቱነት ናይቲ ድሌት’ ክትርዳእ ፈትን ማለት’ዩ ዝኸውን። ከንቱነት ናይ ድሌታት ማለት ድማ፡ ሓደ ድሌት ኣርዊኻ ናብ ካልእ ድሌት ክትነጥር ስለ ዝኾንካ። ሰብ ምዃንካ ብሰንሰለት ድሌታት ዝተኣሰርካ፡ ብመሳልል ባህጊ እተመላለስ ፍጡር ምኳን ማለት’ዩ። ስለዚ ሎሚ ከምዚ ትደሊ፡ ጽባሕ ከምቲ፡ ክሳብ ግዜ ሞትካ ይቅጽል። እዚ ድኣ’ሞ ፍሉጥ እንድዩ፧ እወን ኣይፋልን።
ኩሉ ሰብ ድሌት ኣለዎ፡ ክርስቶስ ንዓለም ከድሕን ድሌት ኔርዎ። “ኣምላኽ” ውን ከምዚ ዝብሉና ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ድሌት ኔርዎ። ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ርሒቆም ንዕኡ ከገልግሉ ድሌት ኣለዎ። እዚ ኣብቲ ናይ ፍረድሪክ ኒቸ ዝበሎ ክልተኣውነት ናይ ሕማቅን ጽቡቕን duality of good and evil ሓሸውየ ምእታው’ዩ። ድሌት ዘለዎ ኣምላኽ’ከ እንታይ ማለት’ዩ፧ ድሌት ብዓንደ ርእሱ’ኮ not being at ease with whatever is happening ማለት’ዩ። ነዛ ሕጂ ዘላ ህሞት ክትቀበላ ካብ ዘይምድላይ ዝመጽእ ሕማም ናይ ኢጎ’ዩ። “ካብዚ ሕጂ ዘለኹዎስ ኣብ መንግስተ ሰማይ ክሕሸኒ’ዩ” ምባል ጌና ብድሌታት ዝተቀደ መንፈስ ከም ዘለካ የርኢ። ኣምላኽ ድሌት ኣለዎ ክትብል ድማ፡ በዚ ዘሎ ኩነታት ሕጉስ ኣይኮነን፡ ስለዚ ካብዚ ዝበልጽ ካልእ ህሞት ኣብ መጻኢ ከናዲ ግድነታዊ ይኾኖ። ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተኾይኑ ግን ስለምንታይ ነዚ ደስ ዘየብሎ ኩነታት ኢዱ ኣጣሚሩ ይዕዘቦ ኣሎ፧ ክትብል ትኽእል። ብዘይ ፍቃድ ኣምላኽ ዝኾነ ዝፍጸም ነገር የልቦን ዝብል ኣብ ምስልምና ወይ ሂንዱይዝም ዘሎ ናይ ጽሕፍቶ ኣምር ጽቡቕ ዕረፍቲ ከምጽእ ይኽእል። ኩሉ ነገር ፍቃድ ኣምላኽ ኢዪ ምባል፡ ካብ ድሌታት ነጻ ክገብረካ ይኽእል። በቃ ትበልዕ ፡ ትሰቲ፡ ትፋረ፡ ትመውት። ከም “ዕምባባታት መሮር” ኣብዛ ሕጂ ጥራይ እናነበርካ መዓልታት ህይወትካ ተሕልፈን። ብሓቂ ክርአ ከሎ ውን እንርፎ ኣብ ሎሚ ምርጫ ከማን የብልካን። <>
ክኣስሮ፡ እዚ ጽሑፍ In search ወይ ድሌት ኢሉ ጀምሩ፡ ድሌት ካበይ ከም ዝመጽእ ክገልጽ ፈቲኑ። “ኣምላኽ” ወይ መንግስተ ሰማይ  ኩሉ ድሌታትካ ምስ ገደፍካዮ ዝርከብ ነገር’ዩ። ድሌት ዘይምህላው ንባዕሉ ድሌት ካብ ኮነ ከመይ ጌርካ ኢኻ ካብ ድሌት ነጻ ትኸውን፧ ካብ ድሌታት ነጻ ክትከውን ኣይትድለ። ድሌት ኣምላኽ እንታይ ኮይኑ ይጽላእ ኣሎ፧ ንኣምላኽ ከም ማኪና፡ ገዛ፡ ገንዘብ ሪእኻ ክትደልዮ ምስ ትጅምር ምስ ግዜ ክስልችወካ ስለ ዝጅምር ይኸውን። ስለዚ መውጽኢ ካብዚ ጸገምዚ ፡ ስቅ ምባልዩ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...