Friday, April 6, 2018

ደርፊ ናይ ሰይጣን ድዪ፧



ደርፊ ናይ ሰይጣን ድዪ፧
ሞት Don Williams ዘርድእ ዝነበረ ሓደ ናይ ፌስቡክ ብጫይና፡ ዛ ሓሳድ ዓለም ንዶን ዊልያምስ ወሲዳቶ ክብል መረርኡ ክገልጽ ሪአ። ዓለም መስከነይቲ ፡ ኣቲ ጨናዊት፡ ኣቲ ሓሳድ፡ ኣቲ ደርሆ ፡ ኣቲ ትሽዓተ፡ ኣቲ ሸርሙጣ፡ ኣቲ ……..ወዘተ በቃ! ዝኸፍአ ጸርፍታት ይዘንባዪ፡ ይግብኣ ደኾን ይኸውን፧ ኣነ ዝገርመኒ ግን ሞት ደረፍቲ ወይ ተዋሳእቲ ልዕሊ ሞት ዝኾነ ሰብ ይወዓዋዕ ምዃኑ’ዩ። እንታይ ማለት’ዩ’ኸ ዙይ፧ ካልእ ንብዙሕ ሰብ ዘሕሞ ድማ ስለምንታይ ልዕሊ መማህራን፡ ሓረስቶት፡ ሓካይም፡ ኣፍረይቲ ዜጋታትን ገንዘብ ይኽእፈሉ፧ ሙዚቃ ተጻዊትካ፡ ኣብ ፊልም ተዋሲእካስ ኣየናይ ሰብ ኢኻ ካብ ሞት ተድሕን፧ ወይስ ክንደይ ሰብ ኢኻ ከብዶም ተዐንግል፧ እዚ ዘይፍትሓውነት ዝመስል ነገር ‘ዛ “ጨናዊት” ዓለም ከይተረድኣኒ ከሎ፡ አንጸርጽርን ነዞም ተዋሳእትን ደረፍትን እቀንኣሎም ነበርኩን፡ ሎሚ ግን ይግብኦም ጥራይ ዘይኮነ ውሒድዎም ከማን ናብ ምባል በጺሐ ኣለኹ። ከመይ ንትብሉ ንኺድ<>
ምስ ናይ ዶን ዊልያምስ ክትከደልና መታን ብደረፍቲ ጥራይ ንዛረብ። ንኣብርሃም ኣፈወርቂ መቸም ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ ኣይህሉን ይኸውን። ፍቅሪ ፡ ብዜማ ኣብርሃም ኣፈወርቂ መንገብገብ ኣውጺኡ ካብ ጋብያ ልብና ነፊሩ ኣብ ሰማያት ተራእዩ። ኣገዳስነት ናይ ደርፊ ኣበ’ዩ ዘሎ፧ ሓሚምካ ብደርፊ ክትሓዊ ኣይትኽእልን፡ ጠሚኻ ቅኒት ክትበልዕ ኣይከኣልን ግን ልዕሊ ሓረስታይ ልዕሊ ሓኪም ስምን ዝናን ኣለዎም። እዚ ዘይምርድዳእ ዝመጽእ ዘሎ ፡ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ጥራይ ዝነብር ፍጡር ስለ ዝመስለና’ዩ። ስለ ዝበላዕኻን፡ ካብ ሕማም ነጻ ስለ ዝኾንካን ጥራይ ትነብር ኣለኻ ክንብል ኣይንኽእልን። ጽሑፍ “ሰብ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ዪ” ኢልዎ፡ ናይ Abraham Maslow መሳልል ድሌታት ትዝክርዎ ትኾኑ። ንመዓልቲ 2 ሰዓታት ጥሜትካ ከተዐንግል እንተደኣ ኣሕሊፍካየን ዝተረፋ 8 ደቂስካ፡ 14 ሰዓታት ኣበይ ኢኻ ከተሕልፎ፧ ኣብ ኣእምሮኻ ኢኻ ተሕልፎ። እንታይ ኢኻ ክትሰርሕ፧ ምስ መን ኢኻ ክትነብር፧ ዓለም ክትጸፍዓካ ከላ ከመይ ቢልካ ኢኻ ክትንስእ፧ መን’የ እናበልካ ኢኻ ኣብ ዓለም ክትመላለስ፧ ወዘተ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክትምልሶም ኣለካ። ምስ ምዕባለ ደቂ ሰብ ካብ ኣካል body ናብ ኣእምሮ shift ንገብር ኣለና። ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትኡ ድሌታትና ነገራዊ ዘይኮነ ኣእምሮኣዊ’ዩ። ሓጐስ፡ ደስታ፡ ፍቅሪ፡ ምርድዳእ፡ ሰላም ወዘተ ዝኣመስሉ “ኣእምሮኣውያን” ድሌታት ዝዓብለሉዋ ዓለም’ያ። ዓደስ በሊዕካ፡ ጮማ ስጋ እንትርፎ ንቁሩብ ግዜ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን። ምስ ግዜ ጮማ=ዓደስ፡ ጽቡቕ ክበልዕ ዝጀመረ ሰብ ግን ተመስገን ኢሉ ኣብኡ ደው ኣይብልን። ጳውሎስ’ኮ ሓቁዩ፡ ተመስገን ዝዓብለሎ ሃይማኖት ክንደይ ዓቢ ረብሓ’ዩ። ኣብ ዘመንና ኣእምሮና ነጻ ክንገድፎ ዘይንኽእል እናኾና ንመጽእ ኣለና። ስቅ ኢሉ ኮፍ ክብል ኣይክእልን። ግድን ክሰርሕ፡ ሙዚቃ ክሰምዕ፡ ምስ ሰብ ክዛረብ፡ surf ክገብር ኣለዎ። ነእምሮና ስቅ ማለት ሞት እዩ። ስለዚ ሰብ ኣእምሮኡ busy ዝገብር ዝኾነ ነገር ማዕረ መግቢ እናሓንሳብ ውን ልዕሊ መግቢ ክርአዮ ጀሚሩ’ሎ። <>
ኣብርሃም ኣፈወርቂ ዝህበካ ተስፋ ካብ ሃምበርገር ክትረኽቦ ኣይትኽእልን። ዶን ዊልያምስ ምናልባት ሓደ ካብ ቀዳዳትካ ስምዒታትካ ክዓብስ ዝኽእል ደራፊ ክኸውን ይኽእል። I can’t live without music ዝብሉ ሰባት ብዙሓት’ዮም። ኒቸ ከይተረፈ Without music, life would be a mistake ክብል ተዛሪቡ። ሙዚቃ ግን ስለምንታይ ክንድዚ ተፈታውነት ኣሕዲሩ፧ ጽቡቕ ከም ዝስመዓካ ስለ ዝገብር፧ ጸገማትካ ስለ ዘረስዓካ፧ ንህይወት ትርጉም ስለ ዝህባ፧ ኣብ ሃይማኖት ግን ዓለማዊ ሙዚቃ “ናይ ሰይጣን’ዩ” ዝበሃል። ስለምንታይ ምስልምና ሕሉፍ ዝኾነ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ሙዚቃ ኣለዎ፧ ቀሺ እንታይ ኮይኑ ንደርፊ ይጽይኖ፧ ኣብ ልዕሊ ጓይላ ሕሉፍ ጽልኢ ስለ ዘለኒ ምስ ቀሽን ሸክን ኮይነ ጓይላ ካብ ዓለም ክጠፍእ ምሰራሕኩ፡ እንተቲ ክትሰምዖ ባህ ዘብል ደርፍታት ግን ግደፍዎ ይዓምብብ። ኣብርሃም ኣፈወርቂ እንታይ ጌሩ፧ ካብ መንፈሳዊ ነገራት ከይስሕበካ፧ ልብኻ ከይጠውዮ፧ ሙዚቃ ናይ ሰይጣን ካብ ኮነ ፡ ኣብርሃም ኣገልጋሊ ናይ ሰይጣን ማለት ድዩ፧ ጡፍ በልዎ! ኣነ ዝፈልጦ ስለ ዘይብለይ ሙዚቃ ናይ ሰይጣን ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንድዒ! “ሙዚቃ ገለ ዝስሕበካ ሰይጣናዊ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ካብ ኣምላኽ ከይፈልየካ ሓሊና ኢና ንዛረብ ዘለና” ክብሉ ይኽእሉ። ሃይማኖት ኣይትግበሮ ዝብለካ ኩሉ ነገራት “ገለ ነገር” ኣለዎ ማለት’ዩ። Anton LaVey ዝበሃል ጸሓፊ ከም ዝብሎ ኩሉ “ኣይትግበሮ” ዝተበሃልካዮ ሓጐስ ከምጻልካ ስለ ዝኽእል ቀንዲ ንዕኡ ክትገብሮ ኣለካ ይብል። ዕላማ ናይ ጽሑፋቱ ሰብ ቆልዓ ከሎ ብሰንኪ ካብ ወለዱን ከባቢኡን ዝወርዶ ተጽዕኖ፡ ምውሳእ ስለ ዝጅምር እኹል ሰብ ምስ ኮንና ሓቀኛ መንነትና ኣጥፊኡ፡ ብ fake ዝኾነ ባህሪ ይትክኦ ኢሉ። ስለዚ ኩሉ “ሓጢኣት” ዝተባህለ፡ ብዓመታት ጸቅጢ ናይ ሕብረተሰብን ሃይማኖትን perverted ጌሩ እሱራት ናይ reverse psychology ኮይንና ኣለና ይብል። ኣይትዘሙ ትበሃል ካልእ ሃሊዎ ዘይኮነ ሓልዮት’ዩ ኔሩ ‘ቲ ቀደም። ድሕሪ ግዜ ግን forbidden fruit ዝመቀረት ስለ ዝመስለካ በቃ! መትሓዚ ዘይብልካ ትኸውን። ሃይማኖት ንሓድሕድኩም ተፋቀሩ ይብል፡ ውሽጥኻ ግን ፍቅሪ ካበይ ይውለዳ። ኣይትቅተል፡ ኣይትስረቅ፡ ኣይትሓሱ ወዘተ እናበሉ ቅትለት፡ ስርቂ፡ ሓሶት ከም ዝበዝሕ ዝገበሩ ዘለው ቀንዲ መራሕቲ ሃይማኖት’ዮም ይብል ጸሓፊ ኣንቶን ላቨይ። እዚ ብላዕሊ ተስገዲዱ ዝመጻካ “ሞራላዊ ተዋስኦ” ናይ ሃይማኖታት ተጽዕኖ፡ ሓቀኛ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን። በንጻሩ’ኳ ደኣ ንክትሓጥእ’ዩ ዝደፋፍኣካ ይበሃል። ስለዚ ሕረቅ፡ ሓሱ፡ ዘሙ፡ ሙዚቃ ከም ድላይካ ስማዕ፡ ስኸር ምስ ግዜ ከንቱ ምዃኑ ምስ ተረድኣካ ክትገድፎ ኢኻ። ክሳብ ባዕሉ ዝገድፈካ ግን ብሓይሊ ዓምጺጽካ ንትገብሮ ኩሉ “ኣምሰሉነት” ኢሉ ይቃወሞ። ልብኻ ብጽልኢ እናነደደ ከተምስል ፍሽኽ ምባል ምስ ግዜ ኣብ ነብሰ-ክብርኻ ደምሲሱ፡ ዘይምኽኑይ ሰብ ክገብረካ ይኽእል።<>
ሰብ natural ሙዃን ስለ ዝገደፎ፡ ሓቀኛ መንነት ትበሃል እንተኔራቶ፡ ሸይጡዋ’ዩ። ነዛ መንነቱ ከይረኸባ ድማ ሓጐስ ከረክብ ኣይክእልን ይበሃል። ነዛ ዝጠፍአት መንነት ኣበይ ትረኽባ፧ ገለ ናብ ኣምላኽ ንመለስ ክብሉ ከለው፡ ገለ ድማ ሰብ ናጽነቱ ክእውጅ ኣለዎ ይብሉ። ገለን ኣብ ፍቅሪ፡ ገለ ኣብ ገንዘብ፡ ኣብ ስልጣን ፡ ኣብ ፍልጠት። ንዝሓተትካዮ ሰብ ነናቱ መልሲ ክበካዩ። ኩላቶም እሱራት ካብ ከባቢኦም ዘምጽዎ ኣተሓሳስባታት ምዃኖም ግን ክቅበልዎ ኣይደልዩን’ዮም። ንስኻ ውጽኢት ናይ ዕድል ምዃንካ ኣይትቅበሎን። ትርጉም ኣለኒ ትብል! ዕላማ ኣለኒ ትብል፡ ከም ሓቂ ግን፡ እንቋቁሖ ኣዴኻ ዝረኸባ sperm ካብ ሚልዮናት ሓደ ብዕድል’ዩ። ኤርትራዊ ምዃንካ ውን ዕድል’ዩ፡ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ምውላድካ ውን ዕድል’ዩ። ክርስትያን ወይ ኣስላማይ ምዃንካ ውን ባዕልኻ ዝመረጽካዮ ዘይኮነ ካልእ ዕድል’ዩ። ጽባሕ እንተሞትካ ውን ኣጋጣሚ’ዩ። ሰብ ብዕድል ንቅድሚኡ ምንባር ክመሃር ኣለዎ። ጽባሕ ድላያ ትኹን ምባል ክጅመር ኣለዎ። ናይ ቀደም ሰባት ንቅድሚኦም’ዮም ዝነብሩ ኔሮም። ካብ ማእሰርቲ ናይ what ifs ወጺኻ ነዛ ህሞት ከተስማቅር እንተደሊኻ ንህይወት ከም ዝመጸትካ ግጠማ። ሃድንቲ ኣቦታትና ኣብ መገዲ ኣንበሳ ድዩ ክገጥሞም ዓጋዜን ከይፈለጡ ካብ ገዝኦም ይወጹ ነበሩ። ሎሚ እዚ surprise element ጠፊኡ፡ ኩሉ መልሰቸው ኮይኑ ኣሎ። ሰብ እሱር ናይ ኣእምሮኡ ዝሃነጾ ሕሉፍን መጻእን ኮይኑ’ሎ። ሙዚቃ ኣብ ትሰምዓሉ ካብ ኣባሓጐታትካ ዘጥፋእካዮ natural state ትዝ ይብለካ’ሞ፡ ካብ ማሕዪር ሓሳባት ኣውጺኡ ካልእ ገጽ ህይወት የርእየካ። እዚ dimension ክትፈትዎን ካብኡ ኣይምለስን’የ ክትብል ትኽእል። “‘ዛ ሞት ተግዝመካ ዓለም እንታይ ክትገብረለይ’ያ” ትብል። ናብዚ dimension ብ sex, ብመስተ፡ ብዕጸ-ፋርስ፡ ብ ስነጥበብ፡ ብጸሎት፡ ብዮጋ ወዘተ ክትኣቱ ትኽእል። <>
ክንኣስሮ፡ ሰይጣን ተጻራሪ ናይ ኣምላኽ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቁርኣን ኣይትግበሮ ዝተበሃልካ ነገራት ሙዚቃ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ፡ ኣልኮል፡ ዕጸፋርስ ካብ ናይ ኣምላኽ ጐደና ከውጹኻ ዝኽእሉ “ሓጢኣታት” ዮም ተባሂሉ ይዝረበሎም። ስለዚ ሙዚቃ ናይ ሰይጣን መሳርሒ’ዩ ግን “ኬፍ” ዘለዎ መሳርሒ ስለ ዝኾነ፡ ንሰምዖ። ባህታ ስለ ዝፈጥር፡ ንደረፍቲ ከም መላእኽቲ ነምልኾም። ሙዚቃ ሓጢኣት’ዩ። እንታይ’ሞ ሓጢኣት ተኾነ፧ “If loving you is wrong, then I don’t want to be right” ኢሉ ኣሜሪካዊ ደራፊ፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ናብ ትግርኛ ጽቡቕ ጌሩ ተርጒሙዋ። ንፍቅሪ “ሃይማኖተይ” ዝበሎ ደራፊ መጋበርያ ሰይጣን ክትብሎስ እንታይ ይበሃል፧ “መን ከምኡ ኢልዎ፧” ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን’ዩ፡ ኣነ ኣይኮንኩን ከምኡ ኢለዮ፡ ደርፊ ናይ ሰይጣን’ዩ ዝብሉ መራሕቲ ሃይማኖት’ዮም፡ then it follows ኣብርሃም መጋበርያ ሰይጣን ማለት’ዩ። ደርፊ ሓጥኣት ኣይኮነን! ካብ ነብርሃም ኣፈወርቂ ከይሰማዕካ ኣብ መንግስተ ሰማይ ትኣቱ፡ ደርፍታቱ ኣስተማቂርካ፡ ምስኡ ዘሊልካ ናብ ገሃነም ምእታው ይሓይሽ። ካብ ንዊክ አንድ ከይሰማዕካ መንግስተ ሰማይ ትኣቱ፡ ምስኡ ሳዕሲዕካ ናብ ገሃነምካ። ኦ “ዓለም ሓሳድ” ኢልካ ብሞት ዶን ዊልያምስ ተማርር ዘለኻ ሓውና፡ ኣጆኻ ኣብ ገሃነም ክትራኸቡ ትኾኑ ኢኹም። ህላውነት ገሃነም disprove ክገብረልና ዝኽእል ሰብ ክሳብ ዘይመጸ፡ ኣቱም ደረፍትን ኣፍቀርቲ ደርፍን ደራፎን ኣብ ገሃነም የራኽበና። Viva la musica!

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...