Friday, April 6, 2018

A Practical Approach To Gratitude



ማህጸን “ተመስገን ምባል” ምስጢር ሓጐስ ምስጢር ህይወት፡ A Practical Approach To Gratitude
“ሰብ ምዃነይ” ኢሉ ደራፊ “ሰብ ምዃነይ ኣብ ዓለም ክነብር” ሐራይ ሰብ ኮንካ ኣብ ዓለም ክትነብር ሽዑ’ኸ፧ “ምስ ኩሉ ንሳነ” ጨለ! ንፋቀር፡ ነበርቲ ኣይኮንናን፡ ንዝተጸገመ ወገንና ንሓግዝ እዩ ክብለና ደልዩ። መሬት ዘይወድቅ ዘረባ’ዩ ግን ፕሮፖጋንዳ ጥራይ እንድዩ እንዳኾነ ንድዩ’ሞ ቅጭ ዘምጻልካ። መዝሙር ፍቅሪን ሓልዮትን ምዝማር ከም ፋሽን’ዩ ተወሲዱ፡ ወላ እናሓረዱኻ ከለው ንብዓት ፍቅሪን ብሰላም ምንባርን ይነብዑልካ። ብጐዘሞ ዓመጽ ሰለፍካ እናቆረጹኻ ፍትሒ ኢሎም ኣብ ጉንጊ እዝንኻ ኮይኖም ይንቁዉ! ዘለዋኻ ቁሩብ ቁራቦ እናመንዙዑ ብዛዕባ ትኳቦ ይሰብኩኻ። ሰበይቲ “ዘይረኽቦ ብለይ” ዝበለት’ኮ ከምዚ ምስ ረኣየትያ። ዓለም ንኩላትና ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋታት ኣለዋ ፡ ግን እንታይ ይገበር ጐሓላሉ በዚሖም። ጐሓላሉ ክጉሕሉ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ ከኣ ከምኦም ጉሒላ እዩ። ደሓን ግን፡ ፍትሕስ ትኽስ እያ ኢላ ‘ምበር ኣይጠፍአትን። ሰብ ኮንካ መወዳእታኻ ቀለብ ፍልሖ ምዃንካ እዩ፡ ጉሒልካ ጉሒልካ ኣብ መወዳእታ ብተራኻ ትጉሓል ደኣ! ኣየ ዓለም ጥዕምቲ። ሰብ ካብ ጭቃ’ዩ ተሰሪሑ ዝብልዎ፡ ኢጎኻ ኣይትንፍሓዮ፡ ብላሽ ደሮና ኢኻ ማለቶም’ዮም። እዝኒ ንዘለዎ ዓቢ ትምህርቲ’ዩ። ሎሚ ስጋ ላም ትምንጭት ጽባሕ ንስኻ ትምንጨት። ሎሚ ኣነ ገዛኢ ዓለም ኢልካ እኽሊ ትሓይኽ ጽባሕ ንዓኻ ዝሕይኽ ከምዘሎ ትፈልጥ። ንሕጂ ግን ብዛዕባ ቅድሚ ናብ ድኹዒ ምቅያርካ ዘሎ ግዜ ክንዛረብ።
******************
ሎሚ እናዓበኹን እናዓሸኹን ብዝኸድኩ ሰብ ምዃነይ ቅጭ’ዩ ዘምጻለይ ዘሎ። እስርቲ ናይ ድሌታት ምዃነይ ሓደ ካብቲ ዘሕዝነኒ ነገር’ዩ። ኢሂ፧ መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ። ቆልዓ ከለኻ እንተዝዓቢ ትብል፡ ምስ ዓበኻ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ትብል፡ ምስ ወዳእካ ጽቡቅ ስራሕ ምስ ሓዝኩ ትብል፡ ምስ ሓዝካ ርቡሕ ኣታዊ ምስ ረኸብኩ ትብል፡ ደሓን ገንዘብ ምስ ሓዝካ ቆልዓ ምስ ወለድኩ ትብል፡ ምስ ወለድካ ደቀይ ምስ ዓበዩለይ ትብል፡ ምስ ዓበዩ ደቂ ደቀይ ምስ ረኣኹ ትብል፡ ደቂ ደቅኻ ምስ ረኣኻ “”ሕጂ ክመውት ኣይተዳለኹን” ትብል! መዓሰ ዴኻ ደኣ ክትመውት፧ ወይስ ከም ማቱሳላ 997 ዓመት ኢኻ ደሊኻ፧ ኣብኡ ከለና ዞም ናይ ቀደም ኣቦታት ዕድመ ኣዝዩ ካብ ምንውሑ ጥራይ ዘይኮነ ተለቭዥን ወይ ኢንተርነት ዘይብሎም ከመይ ኢሉ ከይሰልቸዎም ግዜ ይሓልፍ ኔሩ ይገርመኒ’ዩ። ዕድሜኦም ካብዚ ሎም ዘለናዮ by a factor of ten’ዩ ዝራባሕ ኔሩ። ወዲ 50 ዓመት ማለት ወዲ 500 ዓመት’ዪ ኔሩ ‘ቲ ቀደም ዝበሃል። ደቂ 300 ይምርዓው፡ ደቂ 800 ወይ 900 ከኣ ይሞቱ ኔሮም። ደቂ ሰባት ግን በዚ ነዊሕ ዕድመ ንኣምላኽ የመስግንዎ’ዶ ኔሮም፧ ኣይፋሎምን። እንታይ ከፊእዎም’ዩ እንድዒ ግን ኣምላኽ ስለ ዘይተሓጐሰሎም በቃ ደቂ ሰብ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም 120 ኣይክትሓልፍዋን ኢኹም ቢሉ ten times ዕምሮም ከምዘንቆልቁል ጌርዎ። እዚ ዛንታ ናይ ዕድመ literal ትወስድዎ ሰባት ኣይትሰኣኑን ኢኹም፡ ኣነ ግን እቲ ሞራላዊ ትምህርቱ’ዩ ዘገድሰኒ። ዕድመ ሰብ ምቁራጽ እንታይ ሞራላዊ ትምህርቲ ደኣ ኣለዎ፧
**********************
ተመስገን ዘይምባል ዕድሜኻ የሕጽር ምዃኑ ክምህረና ዝደለየ ይመስል። ተመስገን ምባል ካብ ጭንቀትን ከናግፈካ ዝኽእልን ካልእ ብዙሕ ረብሓታት ዘለዎን መሳርሒ’ዩ። ኣቲ ሓብትና፡ ተመስገን ክብል ከም ዘለዎ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ’ዩ፡ እቲ ሕቶ ከመይ ጌርካ ትብል’ዩ። ንሓውኻ ከተፍቅሮ ከም ዘለካ ኩላትና ንፈልጥ ኢና፡ ክንሰርቅ ከምዘይብልና፡ ክንሕሱ ከምዘይብልና፡ ክንቀንእ ከምዘይብልና ወዘተ ወዘተ። ብዙሕ ካብዚ ሞራላዊ ትምህርቲ ቆልዑ ከለና brainwash ስለ ዝኾንና ወይ ድማ ንጹሃት ከለና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝተስገደደ መውጽኢ የብልናን። ወላ ሕጂ ኣምለኽቲ ገንዘብ ንኹን፡ ጭማራ ሒዝና ጸረ ኣምላኽ ንለዓል the damage is already done ሃይማኖት ናብ subconscious ክፋል ኣእምሮና already ኣትዩ’ዩ። እቲ ጸገም ክትገብሮ ዘይብልካ ነገራት ፍቶ ጽላእ ኩሉ ኣብ ልብኻ ተወቂጡ’ዩ፡ ምስ ዓበኻ ነዚ ጽሑፍ እናርኣኻ ሸለል ክትብሎ ምርጫ ኣለካ።
**********************
ናይ ተመስገን hypocrisy ብዙሕ’ዩ። እግሪ ዘይብሉ ብዙሕ ኣሎ፡ ንስኻ ግን ብዛዕባ ሓደስቲ ፋሽን ጫማ ኢኻ ትሓምም! ብርሃን ዓይኒ ዘይብሉ ብዙሕ’ዩ ንስኻ ግን ጽቡቕ ፊልም ዘይረኣኻ’ዩ ዘሕመካ! እዝኒ ዘይብሉ መሊኡ’ዩ ከም በዓል ሲዶና ተኾንካ ናይ ኣብራር ደርፊ ጓይላ በዚሕዋ ኢልካ ተማርር። ሰብ ቁራስ ባኒ ስኢኑ ከሎ ንስኻ ዓይነት ሃምበርገር ተማርጽ! እቲ ዘሕዝን ወይ ዘሕጉስ ግን ከምዚ ምግባርካ ቅጭጭ ዘይብለካ ምዃኑ’ዩ። ብገለ ሸነኽ’ኮ ሓቅኻ ኢኻ፡ ሰብ ኣይትበድል፡ ሕማቅ ኣይትግበር’ምበር ብዛዕባ ኳዕኳዕ፡ ሆሊውድ፡ ሃምበርገር፡ ሙዚቃ እንተሓመምካ ሕማቅ ሰብ ኣይገብረካን’ዩ። ነዞም ዘይሰለጦም ኣሕዋትና ድንጋጸ ዘይተኾብካሎም ኢለ ኣይሕዘልካን’የ ምኽንያቱ ኩላትና ተመስገን ዘይንፈልጥ ብፍልሖ ክንብላዕ እንቀራረብ ዘለና ሓሸር መሸር ስለ ዝኾና። ስለዚ ሰኣን ኣፍልጦ ኣይኮነን ሰብ ተመስገን ዘይብል። ገሊኡ ኣፉ መሊኡ “ኤእ! እዚኣ ይፍትሓላ፡ ኣነ ተምስገን ኣይብልን’የ” ዝብል ኣሎ። ምርጫኡ’ዩ፡ ገለ ድማ ተመስገን ክብል ምደለኹ ግን ከመይ ጌረ፧ ይብል። ንቀጽል።
**************************
ክሳብ ሕጂ ክልተ መገድታት ተፈቲነን ውጽኢት ምሃብ ዝኣበያ ኣለዋ። ሓደ ካብዛ ዓለም ሃዲምካ ኣብ ገዳም ምስፋር። ልብኻ ግን ብናፍቆት ሃብትን ጣዕምን ‘ዛ ዓለም ድቃስ ክትከልኣካ ትኽእል’ያ።  ኣደይ ኢታይ ኮንካ ተመስገን ምባል ትመልኮን ውን ትክእል ኢኻ I don’t know። እቲ ካልኣይ መገዲ ድማ ንኩሉ ዝመጻካ ድሌት ንምርዋይ ደድሕሪኡ ምጉያይ! እዚ ኩላትና ንገብሮ’ዩ። ንሓደ ካብዚ ጐደና ስሕብ ኣቢልካ “ኣብዛ እዋን’ዚኣ እንታይ ኮንካ ምሉእ ሓጐስ ዘይብልካ፧” ኢልካ ምስ ትሓቶ። I’m sure everyone would answer “ከምዚ ኣ ጐዲላትኒ ስለ ዘላ’ዩ” ዝብል። እዛ ‘ጐዲላ’ ትበሃል ዘላ ቪዛ ክትከውን ትኽእል፡ ቆልዓ፡ PhD፡ ገንዘብ፡ መርዓዊ፡ ጥዕና፡ ስልጣን፡ ዝና፡ ወዘተ ክትከውን ትኽእል። ንሳ ምስ ተመልአት’የ ምሉእ ሰብ ዝኸውን ይብለካ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ድማ ሓንቲ ቀዳድ ዓቢስካ ደው ትብል ‘ተትኸውን መሓረ ምበልና፡ ናይ ህይወትና ሽግር ግን ሓደ ቀዳድ ትዓብስ ካልእ ቀዳድ ይመጽእ፡ ከምዚ ‘ናልካ ክሳብ መቃብርካ። እዚ’ዩ ንሓውትኹም ቅጭ ዘምጽኣላ ዘሎ። ከም ማንቲለ ካብ ሓደ ድሌት ናብ ካልእ ድሌት እናዘለልካ ትነብር። እፎይ ኢልካ ነቲ ዘለካ ከተስተማቅር ትጽገም። ካብ በቲ ዘለካ 90 ጽቡቕ ነገራት ተመስግን በተን ዝተረፋ 10 ድቃስ ዘይብልካ ትሓድር። ቁሩብ ጸኒሕካ ድማ “ሰብ ምዃነይ” ኢልካ ትደርፍ። እንታይ’ሞ ሕጂ፧ ከም ማንቲለ እናዘለልና እንተነበርና እንታይ ጸገም ኣለዎ! ኖርማል ወይ “ዓዲ” ክትብል ትኽእል። ከምዚ ‘ተልካ ምርጫኻ አኽብሮ። ገሌና ግን ማንቲለ ምዃን ዝሰልቸወና ኣይንሰኣንን፡ ከመይ ቢልና ተመስገን ምባል ክንመሃር። እዚ ሕቶ’ዚ ልክዕ ባዕሉ ድሌት’ዩ። ካብ “ድሌት ውጻእ” እናበልና መሊስካ ከመይ ኣቢለ ተመስገን እመሃር ኢልካ ካልእ ድሌት ተእቱ ኣለኻ። ሓጺር መልሱ ከንቱነት ኩሉ ድሌታትካ ምስ ተረድኣካ ኢኻ ተመስገን ምባል ትኽእሎ። ዓሻ ዲኺ፧! ሃብቲ፡ ስልጣን፡ ትምህርቲ፡ ፍልጠት፡ ሓዳር፡ ፍቅሪ፡ ውላድ፡ ኩሎም ድሌታት ከንቱ’ዮም ኣይትበልኒ! ከመይ ‘ደሉ ሸቶታት’ዮም! ኣነ ደድሕሪኦም ዘብዘብ ክብል’የ ‘ተልካ፡  የቃንዓልካ! ጌና ከንቱነቶም ኣይኣተወካን፡ ዕድለኛ ተኾንካ ምስ ኣረግካ “ኩሉ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ’ዩ” ትብል ትኸውን። ዕድለኛ እንተዘይኮንካ ግን ምስ ድሌታትካ እናበኸኻ፡ ስንኻ እናሓርቀምካን “ዓለም ትሽዓተ” ኢልካ እናተራገምካ ብሓይሊ ካብ መድረኽ ህይወት ጐቲቶም ከውጹኻ’ዮም። እንታይ ይገበር ኢልካዮ! ወላ ኣነ ዝበለ ተዋስኣይ ኩን፡ መልኣከ ሞት በፍንጫ ካብ ማእከል ስቴጅ ኣብዚ ቅድሚ ‘ዚ ኩሉ ተዓዛቢ ጐቶቱ ክወስደካዩ! ከምዚል’ካ ካባ ሕፍረት ተጐልቢካ እናወጻኻ ፡ ጌና “ሸቶታተይ ትርጉም ኣለዎም” ትብል ተለኻ ኣይጠዓኻን! ህይወት ኣይተድልን ኢኻ ኢላ Throw This Person Away እናጸሓፈትልካ ከላ! ኖእ! ኣነ ኣገዳሲ ሰብ’የ ምባል ሕማም ኢጎ ጥራይ’ዩ። እንታይ ማለትካ ኢኻ’ኸ ክመውት ኣይደልን’የ፧
**************
ከመይ ጌርካ ተመስገን ትመሃር፧ ከንቱነት ናይዞም ድሌታት ተረዳእ። ወላ ደድሕሪኦም እናጐየኻ ምስ ረኸብካዮም ውሽጥኻ ብዙሕ ከምዘይልውጥዎ ኣስተውዕል። እዚ ምስ ተረድኣካ ይብሉ ለባማት ምጉያይ ዘይኮንካ ተቋርጽ ብልብኻ ምድላይ ተቋርጽ። ፍሽኽ እናበልካ ደድሕሪኦም ምጉያይ ትላመድ። ከም ኣያ ዝብኢ “ተረኸብኩ ኣይገድፍ፡ ተሰኣንኩ ኣይጸድፍ” ክትብል ትጅምር። ዝገጠመካ ኩነት ህይወት ከም ስልማት ትቅበሎ። እዚ ተዘይከውን፡ ከምዚ ተዘይገጥመኒ ኢልካ ነብስኻ ምቅሻሽ ትገድፎ። ትደልዮ ምርካብ ምስጢር ሓጐስ ከይዘኮነ ክትምስክር ትኽእል ኢኻ። ድሌት ንካልእ ድሌት’ምበር ንቅሳነት ኣይኮነትን ትወልድ። እዚ ግን ከም ቅዱስ መጽሓፍ ወይ ቁርኣን ወይ መጽሓፍ ፍልስፍና ስለ ዘንበብካዮ ወይ ክስበኽ ስለ ዝሰማዕካዮ ክትገብሮ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ተምስገን ምባል ከምዘድሊ ክንደይ ግዜ ሰሚዕካ ንዲኻ ሎሚ ውን ሰሚዕካ ጥራይ ኢኻ ክትሓልፎ። ርእስኻ እናነቅነቅካ፡ ጨለ ዘረባ ኢልካ ጽባሕ ትርስዖ use and throw’ዩ። **************
ክንኣስሮ፡ ሓቀኛ ፍልጠት ዝበሃል ካብ ኣከባቢኻ ዝኣከብካዮም ነጥብታት ናብ ልብኻ ዘሪቊ ካብ ውሽጥኻ ምስ ዝፍልፍል ጥራይ’ዩ ክቅይረካ ዝኽእል ምበር ክርስቶስ በሎ፡ መሓመድ በሎ ሰብ ክቅይር ኣይክልእን’ዩ። ወላ ኣምላኽ ባዕሉ ካብ ሰማይ ወሪዱ “ተመስገን በል” ኢሉካ ተመስገን ኣይክትብልን ኢኻ። ኣዳምን ዛንታኡን ለውጢ ብውሽጢ ምበር ብግበር ኣይትግበር ከምዘይኮነ’ዩ ዝምህረና። ሕጂ ዘለው ሃይማኖታት ኣብ ክንዲ ውሽጥካ ክልውጡ ዝፍትኑ ብደገ ጥራይ’ዮም ዘጸባብቁኻ፡ ውጽኢቱ መስካሪ ኣየድልዮን’ዩ። ክርስትና ድሕሪ ክርስቶስ ሞይቱ፡ ምስልምና ድሕሪ መሓመድ ሞይቱ፡ ቡድሂዝም ድሕሪ ቡድሃ ሞይቱ (ሕጂ ከይተረፈ ኣብ ሮሂንጋ ይመውት ኣሎ) ብሓጺሩ ኩሎም “ኢዝማት” ሞይቶም’ዮም። እዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ሎሚ ሃይማኖት ሬሳ’ዩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ። ሓቀኛ ሃይማኖት ኣብ ልቢ’ዩ ሰፈሩ። ውሽጥኻ ክቅይረካ እንተዘይክእሊሉ፡ ካብ ሓደ ሃይማኖት ናብ ካልእ ምንጣር ፋይዳ የብሉን። ስለዚ ከመይ ኢለ ተመስገን ክብል፧ ከመይ ጌረ መንግስተ ሰማይ ይኣቱ፧ ወይ ከመይ ጌረ ሓጐስ እረክብ፧ እቲ መልሲ ንደጌኻ ድዩ ወይስ ንውሽጥኻ፧ ንደጌኻ እንተኾይኑ ከምዚ ኢልካ ጸሊ፡ ክንድዚ መዓልቲ ጹም፡ ከምዚ ግበር ከምዚ ኣይትግበር ዝብሉ ብዙሓት ሃይማኖታት ስለ ዘለው ኪድ ካብኦም መሪጽካ ደጌኻ ኣጸባብቅ። ናይ ሓጐስ ድማ motivational speeches ኣለካ፡ መጽሓፍቲ ከመይ ጌርካ ከም ትሕጐስ ዝዛረቡ ኪድ ንበቦም። ናይ ውሽጢ ተደለኻ’ኸ፧ ናይ ውሽጢ ደኣ ባዕልኻ ትገብሮ ኣይኮነን። ባዕሉ ዘጋጥም’ዩ። ከም ጸጋ ኣምላኽ ዱብ ዝብል’ዩ። Achieve ክገብር ዝደሊ ኢጎ ስለ ዝኾነ ከምዚ ጌርካ ኢኻ ትረኽቦ ዝብለካ ኩሉ ሓሳዊ’ዩ። ንስኻ ወላ ሓንቲ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ ፡ ባዕሉ’ዩ ዘጋጥም። ንኣምላኽ ትደልይዎም ዘለኹም ሰባት ውን ብሓይልኹም ወይ ብብልሕኹም ክትረኽብዎ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ኣምላኽ ክግለጸልካ እንተዘይደልዩ በየናይ ክእለትካ ኢኻሞ ንስኻ ክትረኽቦ፧ ብተመሳሳሊ ድማ “ከመይ ጌረ ከምዚ ክኸውን” ወይ “ከመይ ጌረ ከምዚ ክረክብ፧” ኢሉ ብዛዕባ “ውሽጣዊ” ነገራት ዝሓትት ኩሉ”ከመይ ጌረ” ምባል ናይ ኢጎ’ዩ ስለዚ ግደፎ። ከምዚ ህይወትካ ኣነ ክውለድ ኣለኒ፡ ከምዚ ኮይነ ክፍጠር ኣለኒ ኢልካ ዘየምጻኻያ፡ ተመስገን ምባል ድማ ከምኡ ባዕልኻ ከተምጽኣ ኣይከኣለካን። ንሳስ ተጋጥም እምበር ብርእስኻ ክትፍጽማ ኣይከኣለካን’ዩ። ስለዚ ከም ማህጸን ተቀባሊ ጥራይ ኩን፡ ዕድል ጌርካ ፈቃር ተኾይኑ ማህጸንካ ሃንደበት ተመስገን ምባል ክትጠንስን ፡ ሓጐስ ክትወልድን ኢኻ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...