Monday, July 17, 2017

Self-help መጽሓፍ ከመይ ጌርካ ከም ዝንበብ



ሓሙስ ሓምለ 13 2017
ምስ ሓንቲ መሓዛይ ክንዛረብ ከለና ዴል ካርኔጊ አንብቦ ከም ዘለኹ ምስ ነገርክዋ፡ መፈተኒ ናይዚ ሓድሽ “ክእለተይ” ዝኾነት ስለ ዝመሰላ ደስ ኣይበላን። ዋላ’ኳ ኩሉ ሰብ ጽን ኢልካ ክትሰምዖ ዝደሊ እንተኾነ “ላብ ራት” ናይ ሳይኮሎጂ ክኸውን ግን ደስ ክብሎ ኣይክእልን’ዩ መስለኒ። እዚ ዳብል ዕያረ እብልዎ ጸሓፍቲ ሓተታ፡ ክትስማዕ፡ ክትፍቶ፡ ክግደሰልካ ትደልየኒ ግን ከምኡ እገብር ከም ዘለኹ ክነግረካ ወይ ክትፈልጥ ኣይትደልን ምኽንያቱ ጐደሎኻ አርእየካ ስለ ዘለኹ። ነብስኻ ክንድቲ ትሓሳባ ጽብቕቲ፡ ለባም፡ በላሕ፡ ኣገዳሲት ክትከውን ኣይትኽእልን (ወይ ክትከውን ትኽእል) ስለዚ ነዚ ጽቡቕ ስእለ-ነብስኻ ክትጽይቅ ንትፍትን ብራሽ ሓቂ ሰሰቢርካ እንዳ ጓሓፍ ምእታዋ ጥራይ’ዩ ዘዋጽእ። እንድዒ! ናይ ምብህሃል ክእለት ተማሂርካ፡ ፈሊጥካ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ጽቡቕ’ዩ ግን ነቲ ሰብ ኣይትንገሮ፧ እዋእ ወላ ዕረ ይጥዓሞ ክፈልጥ ኣይግብኦን’ዶ ትብል ሲዶና። ኣብ ዓለም ሰባት ኣብ ክንዲ ንሓቂ ንኢጎ ምሕላው ስለ ዝመርጹ ካብ “መሰልቸው ኢኻ ግን ዴል ካርኔጊ ጽን ኢልካ ሰብ ስማዕ ስለ ዝበለኒ እሰምዓካ ኣለኹ” ምባል ስቕ ኢልካ ዘይትሰምዖ፡ ይተሓጐስ፡ ደሓን እባ’የ’ታ ኬፍ ኣለኒ፡ ባህ ይበሎ ግደፍዮ ሲዶና ምኽንያቱ ባህታኡ ባህታኺ ባህታኺ ባህታና ባህታና ባህታ ዓለም ስለ ዝኾነ።
ዲሲፕሊን ክንደይ ይጥዕም! ሽዱሽተ ሕግታት ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ዝብል ክፋል’ዛ መጽሓፍ ኣንቢበዮ፡ ተዛሪበሉ፡ ኣብ ተግባር ውን ብቁሩብ ዓቀን ከውዕሎ እጅምር ኣለኹ። ዴል ካርኔጊ ክንዲ ብቀጥታ ናብ ትምህርቱ ዝኣቱ “ካብዛ መጽሓፍ ዝበለጸ ውጽኢት ክትረኽበሉ ትኽእል ትሽዓተ መምርሒታት” ኢሉ’ዩ ዝጅምር። ኣገናዕ! ነዛ መጽሓፍ ከም ዳዊት ንግሆ ንግሆ ወላ ኣንብባ፡ ከም ቈርኣን ወላ ሸምድዳ ክትቅይረካ እንትዘይክኢላ ሓንቲ ካብተን “ኣንቢበየን” ኔረ ትብለን መጽሓፍቲ ክትከውን’ያ። እተን መምርሒታት
1.   ብርቱዕን ዓሙቕን ድሌት ምስ ሰባት ዘለካ ዝምድና ንምምሕያሽ ይሃሉኻ።
2.   ቅድሚ ምቅጻልካ ንሓንቲ ምዕራፍ ክልተ ግዜ ኣንብባ።
3.   እናንበብካ ኣብ መንጐ ምንባብ ኣቋሪጽካ ነቲ ተንብቦ ከመይ ጌርካ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕሎ ሕሰብ።
4.   ኣገዳሲ ንእትብሎ ሓሳብ ኣስምረሉ።
5.   ወርሓዊ ነዛ መጽሓፍ ድገማ።
6.   ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ነዘን ዝተመሃርካየን መምርሒታት ኣብ ግብሪ ኣውዕለን።
7.   ምስ መቕርብካ ነዘን ሕግታት ተተግብረን’ዶ ወላስ ትፈሽል ዝመዝን “ስኮሜሳ” ግበር።
8.   ሰሙናዊ ንእትገብሮ ምዕባለታት ገምግም።
9.   ነዘን ሕግታት ኣብ ምትግባር ዘጓነፈካ ኣብ ዳየሪ መዝግብ።
ወይ ጉድ! ኣነ ዝበለ ዓቢ ፕሮጀክት’ዩ መስለኒ። ምኽንያቱ ንዝኾነት መጽሓፍ በዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ መገድታት ጌርካ እንተንቢብካያ ናይ ብሓቂ ክትጠቕመካ ትኽእል’ያ። ልክዕ’ዩ እታ ቀዳመይቲ መምርሒት ንኹሉ ተግባር ሰብ ትኣስሮ’ያ ብዘይ’ሳ ናብ ትኸዶ የብልካን። ናፖልዮን ሂል “ዘቃጽል ድሌት” ዝብሎ በቃ ከም ማይ ትጸምኦ ዓይነት ድሌት፡ ከምዚ ‘ዞም ናይ ቲቪ ወንጌላውያን ዝሰብክዎ ዓይነት ድሌት የድሊ’ዩ። ኣካይዳኻ ክትልውጥ ድማ ነዚ ዘለኻዮ ክትፍንፍኖ ኣለካ፡ ነዚ ሕጂ ትገብሮ ዘለኻ social blunders ፎእ! ክትብሎ ኣለካ። ነቲ “ሓጢኣትካ” ክሳብ ተምላስ ዝመጻካ እንተፈንፊካዮ፡ ብዛዕባኡ ክትሓስብ ከለኻ ዕግርግር ክሳብ ዝብለካ ትኸውን እንተኾንካ ንድሕሪ ክትጥምት ኣይትደልን ትኸውን። ንስኻ ግን ከም ሰይቲ ሎጥ ጌና ነቲ ቀሺን ሸኽን ስዋሚን “ግደፍ ኣይትውዓሎ” ዝብሉኻ ዘለው “ሓጢኣት” ፈጺምካ ክንዲ ትገድፎ ንድሕሪት ግልጽ እናበልካ ምርኣይ ኣይተቋርጽን። ዲሲፕሊን ክገብር’የ ኢልካ ምስ ነብስኻ ክትወዓዓል ጸኒሕካ ቁሩብ ምስ ከድካ ግልጽ ትጅምር፡ ጽንሕ ኢልካ ሕቆኻ ጠዊኻ ትዕዘብ፡ ጸኒሕካ ደው ትብል፡ “ስለምንታይ ናብዚ ይኸይድ ኣለኹ፧” ትሓትት፡ ክምለስ ኣለኒ ኢልካ እናጐየኻ ናብቲ ዝነበርካዮ ትምለስ! እታ ናይ ቀደም ሲዶና ከኣ “ኣታ ፈሽኳል! ምሽ ትማሊ ከምዚ ክገብር’የ ትብል ኔርካ” ኢላ ተዋርደካ፡ እዛ ናይ ሎሚ ሲዶና ግን ስለምንታይ ንሎጥ ከም ዝተመርዓኻዮ (ንድሕሪት ዝጥምት ኩሉ ወዲ ይኹን ጓል ንዓይ ንሎጥ ከም ዝተመርዓወ’የ ዝሓስቦ) ንምንታይ ንድሕሪት ክትጥምት ከም ዝደለኻ፡ ስለምንታይ ሰብ “ኣይትግበር” ዝተሃብሎ ክገብር ከም ዝደሊ ክርድኣኒ ስለ ዝጀመረ “ፈሽኳል!” ኢለ ሰብ ኣየዋርድን’የ። ሰይቲ ሎጥ ከም ዓንዲ ጨው ደሪቃ ይበሃል። እቲ ኣብ ከተማ ሶዶም ወይ ጎሞራ ዝገደፈቶ ንብረታ፡ ወርቃ፡ ኣጭርቅታ የተሓሳስባ ኔሩ ይኸውን ‘ምበር። እዚ ኹሉ ንብረት! ኢላ ክትሓዝን ግልጽ ኢላ ክትርኢ ምድላያ “ባህርያዊ” ኢዩ መስለኒ። ግን ኣምላኽ ክጽወዓካ ከሎ ንብረተይ፡ ሰበይተይ፡ ወርቀይ፡ ጨርቀይ ትብል እንተኾንካ፡ ጌና ድሌታት ናይዛ ዓለም ከም ሰንሰለት ኣሲሩካ እንተሎ ጻውዒት ፈጣሪ ሰሚዕካ፡ ካብ ኢጎን ህርፋናቱን ማሕዩር ሴርካ ክትወጽእ ከሸገርካ ይኽእል። ነዓ ወሉደይ ኢሉ ረቢ እንተጸዊዑካ እዚ ኹሉ ሓሳብ ብዛዕባ ንብረትካ፡ ፍልጠትካ፡ ሕልምታትካን፡ ህርፋናትካን ከም እምኒ ኣብ ክሳድካ ተኣሲሩ ከሎ ክትበርር ኣይትኽእልን። ካብ ዘለኻዮ መሬት ሓንቲ ኢንች ሓፍ ክትብል ዘይትኽእል እንተኾንካ ደኣ’ሞ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ንሰማያት በሪርካ ክትከይድ፧ ጌና ብሕልምኻ ናቕፋ እናቆጸርካ ንኣምላኽ ምጽዋዕካስ ከም ሰይቲ ሎጥ ከይትኸውን። ኩሉ’ዚ ዘሕስበካ ዘሎ ወርቅን ጨርቅን፡ ስልጣንን ፍልጠትን ኣየናይ ቀዳድ ህይወት’ዩ ክዓብሰልካ፧ ሞት ምስ መጸ ኣብ ቅድሚኡስ መን’ዩ ከጸግዓካ፧
ካልኣይቲ መምርሒት ንሓንቲ ምዕራፍ ክልተ ግዜ ኣንብባ። ደቂ ሎሚ ኮሌጅ ዝኣተና እንተዄና ድማ ብፍላይ ዝንበብ ስለ ዝበዝሓና ሸፈፍ ኢልካ ምሕላፍ ኣለና። ንመጽሓፍ ክትቆምሎ ዘድሊ ዓቅሊ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ምስዚ ዘለናዮ ናይ “ኣህላኽነት ባህሊ” ናይ ገንዘብ ዘይኮነ ናይ ፊልም፡ መጽሓፍቲ፡ ስነጥበብ ብሓፈሻ ምስኡ ዝመጽእ restlessness ኣሎ። ወልፊ ሓድሽ ነገር፡ ኣምጽእ! ኣምጽእ!እናበለ ዝጭድር ድምጺ ኢጎ ንምብልሓትን ምዕባለን ዝኸውን መራሒ ሓይሊ ኣምጺኡ’ዩ። ነቲ ፍርያቱ ሃዲእካ ከተስተማቅር ግን ክንደይ ካባና ይኽእሎ፧ ሓንሳብ ዝረኣኻያ ፈልም ድገማ ምባል መቅጻዕቲ ዝኾነና ክንደይ ኢና፧ ፊልም’ሞ ኮፍ ኢልካ ጥራይ ምርኣዩ፡ ዘንበብካያ መጽሓፍ ድገማ ካብ ምባል’ሞ ብፍትለይ ካቴድራል ኩለላ ምባል ዝሕሸና ሰባት መሊእና ኢና። እዚ “ኣህላኽነት” ሕማም’ዩ፡ self-sustaining ስለ ዝኾነ ግን ካብኡ ክንወጽእ ኣይንኽእልን። እቶም ክንወጽእ ንፍትን ካብ ምዕባለን ተብተብን ‘ዛ ዓለም ምውጻእ ስለ ዘፍርሃና እዎ! መሊሰ ክድንቁር እናበልና ንጉዓዝ። መብዛሕትኣ ሰብ ግን ከምዚ ከም ዘሎ ኣይትፈልጥን፡ ዘብዘብ እናበለት ትነብር፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ “ምህላኽ” ዋሕስ ህላዌኡ ዝኾነ ኢጎ ትነብር፡ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መቃብራ!
ክንኣስሮ፡ እተን ዝተረፋ ሕግታት ምስዚ ቀልጢፋካ ወዲእካ ናብታ ትቅጽል መጽሓፍ ምንጣር እናበለ ዘሳሕየካ ዘሎ “ትዃን” ኣህላኽነት ምውጋድ ዝጠቅማ ይመስላ። ወዲእኪ ናበይ ደሊኺ እንተበልካያ ናበይ ክትብል’ያ፧ ሃዲእኪ ምስትምቃር እዩ ዘዋጻኪ ሲዶና። ድገምዮ፡ ኣብ መንጎ ኣስተንትኒ፡ ምዕባለኺ ገምግሚ፡ ከምዚ ትገብርዮ ዘለኺ ድማ ዘዘጋጠመኪ ኣብ ዳየሪ ኣስፍሪ። እዚ ዓይነት ኣናብባ self-help መጽሓፍቲ ኣብ ኩሉ እንተዝኣቱ ጽቡቕ ኔሩ ክብል ‘ንድየ ሓሲበ ኔረ ከንቱ ምዃኑ ምስ ዘከርኩ ግን ደው ኢለ፡ ከይድምስሶ ከኣ በቂቀ። ሰብ ስለ ዝፈለጠ ጥራይ ኣብ ተግባር የውዕሎ ማለት ስለ ዘይኮነ። ኦፋ! እዛ ሓሳብ በቃ እናተመላለሰት ጦቕ ተብለኒ ኣላ! ፍልጠት ንለውጢ ኣኻሊ ኣይኮነን ስለዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ዴል “ደጋግሞ” ዝብለና ዘሎ። ሓደ ነገር ምስ ተደጋገመ ሓንጐል ሰብ ክሓጽብ ይኽእል ይኸውን’ዶ፧ ፍልጠት=> ልምምድ=> ሓንጐል ምሕጻብ=> ሓድሽ ባህሪ ? ምናልባት። ዘይሕማምካ ረስኒ ይብሉ ኣቦታትና። ሰብ ይቀየር ኣይቀየር፡ ፍልጠት ለውጢ የምጽእ ኣየምጽእ ሲዶና እንታይ ገደሳ፧ ወይስ ኣነ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል’የ ኢላ’ያ ንኢጎኣ ክትነፍሖ ትደሊ ዘላ። ዓለም እቲ ዝፈጠራ ይሕመመላ። ንኹሉ በብግዚኡ ጽቡቕ ገበሮ! ማለት “ቀድር” ወይ ጽሕፍቶ ኣምላኽ ምቅባል ማለት’ዩ። ሰብ ክትልውጥ ትደሊ ‘ተለኻ ጌና ነዛ ዓለም update ክትገብራ ትሓስብ ኣለኻ፡ ከተማሓይሻ ምሕሳብካ ከኣ ኣምላኽ ጐደሎ ጌሩ ስለ ዝፈጠራ ማለት’ካዩ፡ ኣምላኽ ነዚ ክርድኦ ዘይክእል ደንቆሮ’ዩ ትብል ኣለኻ ብተዘዋዋሪ! ንኣምላኽ ትከራኸሮስ መን ኢኻ፧ ስለዚ ትብል ሲዶና ንዓለም ከተመሓይሽ ምድላይ ናይ ኢጎ ካልእ ማስኬራ’ዪ፡ እቲ ሓደ ገንዘብ ይደሊ ንስኻ ዓለም ከተማሓይሽ ትደሊ። ኣቶ ኢጎ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ድሌት ክነብር ስለ ዝኽእል እናሰሓቀ የተባብዓካ። ወላ ድሌት ኣምላኽ! ድሌት ማለት እዛ ህሞት ጎደሎ ምዃና ምእማን ማለት ስለዝኾነ። እዚዩ ድማ “ሕማም ሰብ” ዝበሃል ኢሎሞ። ቻው

1 comment:

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...