Wednesday, July 5, 2017

ስለምንታይ ኣምላኽ “ሱፐርሂሮ” ከም ዘይኮነ



ሰኑይ ሓምለ 3 2017
ሓንቲ ጉጅለ ኣላ ኣብ ኢንተርነት ብ eriminds.com ትፍለጥ። ጭርሖኦም ሓሳባት ምስልሳል ወይ Discussing Ideas ዝብል’ዩ፡ ከም ዝፍለጥ ድማ ብዙሕ ሓሳባት ዘለዋ ጓል ኣብዚ እነሀት። ወላ ውን ሓሳባት ክስገሩ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እንተለዋ። እዞም ኣብ ፌስቡክ ብ Eritrean Scholars Group ዝፍለጡ ጉጅለ ካብ ጸቢብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ወገናውን ኣተሓሳስባታት ነጻ ኮይኖም “ሓሳባቶም” ክለዋወጡ ኣለዎም። ከምቲ ዴል ካርኔጊ ዝበሎ እንተኾይኑ ግን ሓደ ሰብ ኣብ ክትዕ ወይ ወግዓዊ ስሙ “ሓሳብ ክለዋወጥ” ከምጽእ ከሎ ንሱ ልክዕ ከም ዘሎ ከርኢ ወይ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ ከራጉድ እዩ ዝመጽእ። ስለዚ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ በዓል ተሪር ሽኽና ተራጺምካ እንታይ ከተፍሪ ኢኻ፧ ሓደ ርእሲ ዓካት ዝኾነ ሰብ ወላውን ክከሓድ ዘይክእል “ጭብጢ” ኣምጻሉ ክሰምዓካ ኣይደልን ይኸውን፡ ሲዶና ግን ንስኻ ኢኻ ርእሲ ዓካት ንካልእ ክትዕክት ዝደለኻ ትብል። ንምንታይ ንካልእ ሰብ ካብ መርገጺኡ ክትኣልዮ ትደሊ ኣለኻ፧ ስለምንታይ ካልእ ዓካት ከተእምን ትደሊ ኣለኻ፧ ስለ ትጠራጠር ወይስ ንካልእ ዓካት ብምእማን ኢኻ “ኣነ ልክዕ ኣለኹ” ክትብል ትደሊ ዘለኻ።
ኣብ ሓበሻ ከምዝን ከምትን ኣሎ ኢለ ሓደ ገዚፍ ስእሊ ናይ ሓበሻ ከውጽእ ምደለኹ ግን ዕሽነት ኮይኑ እስምዓኒ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ከባብየይ ዘለው “ሓበሻ”ብዙሕ ብዛዕባ ሓሳባት ምዝራብ ኣይፈትውን’ዮም። ምናልባት እቲ ኣነ ዘልዕሎ ሓሳባት እንትርፎ ዉሑዳት መብዛሕትኦም ሰሚዖሞ ወይ ኣስተንቲኖምሉ ስለ ዘይፈልጡ ክሕድሶም ይኽእል ይኸውን። እቶም ሰሚዖሞ ዝፈልጡ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣርእስቲ  መርገጺኦም ስለ ዝወሰኑ እዝኖም ዓጽዮም ኣፎም ይኸፍቱ፡ ሶዶና ኣባል ናይዞም ካልኣይ ጉጅለ እያ። ምስ ሲዶና ክትዛረብ ምስ ትጅመር ልሳና ትቅልጥፍ! ግን ጽቡቕ ናይ ሲዶና በተን ትህበካ ግዜ ክተእምና እንተኽኢልካ ነቲ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ክትድርብዮ ቅርብቲ እያ። ኣብ ኤሪ ማይንድስ ክትጽሕፍ ትደሊ ኣላ፡ ሓንቲ ጽሕፍቲ ብዛዕባ ዕላል ምስ ሓጐስ ትብል ውን ፖስት ኮይናትላ ኣላ። ወይ ሲዶና!
ስምዑኒ፡ ዝጸሓፍክዎ ኣንብብዎ፡ ተገደሱለይ፡ ኣብዚ ከም ዘለኹ ኣፍልጦ ሃቡኒ፡ ሸለል ኣይትኣዝዙለይ ዝብል ምሕጽንታታት ናይ ኢጎ ወትሩ ኢኻ ትሰምዖ። ኣነ ዝጸሓፍክዎ ሰባት ኣንቢቦም ክካትዕሉ፡ ኣብ ፈቐድኡ ርእይቶ ክህብሉ ብኻልእ ኣዘራርባ ህቡብ ምዃን ሕልሚ ናይ ዝኾነ ኢጎ እዩ፡ ግድን ህቡብ ዘይኮነ ግን ከም ዘሎ ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ’ዩ ዝደሊ። ነዚ “ህርፋን” ኢጎ ‘ዚ ከም ሕማቕ ክንርእዮ የብልናን ይበሃል ምኽንያቱ ረኣዩኒ ምባል ጌጋ’ዩ እንተደኣ ኢልካ ባዕሉ ንኢጎ ዝፈርድ ክዳን ሞኒተር ዝለበሰ ኢጎ ኮንካ ኣለኻ። ኣነ ንድሌታት ኢጎ ዝተረዳእኩ ኢጎ ‘የ። ከምቲ ኣብ ሙሰልሰል ሎስት ዘሎ ገጸ-ባህሪ ጆን  ሎክ ዝለበሰ ብላክ ስሞክ፡ “ክዛረብ እንተፈቂድካሉ ጠፊእካ፡ ኣፉ ክኸፍት ክትፈቕደሉ የብልካን” ዝበልዎ፡ ዝኾነ ብዛዕባ ኢጎ ትዛረቦን ትሓስቦን ጌና ናይ ኢጎ’ዩ ዘሎ። ትማል ኣብ ዕላልና ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ምስ ቀረበ ዝተሓቶ “እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧”ዝብል ነበረ። የሱስ ግን ወይ ኣይመለሰን ወይ ዮሃንስ ወንጌላዊ ኣይጸሓፎን። ሕጂ ኣብ ቅድመይ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺለ ነዛ ዛንታ ክርእያ ጀመርኩ’ሞ ብዘይካ ኣብ ዮሃንስ ኣብተን ዝተረፋ ሰለስተ ወንጌላት ኣይተጻሕፈትን። ስለምንታይ ዮሃንስ ጥራይ ጽሒፍዋ ንዕኡ ይምልከት እንተ’ታ  ቃል ግን “ኣነ ንሓቂ ንኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ኹሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰ፡ ጲላጦስ ከኣ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” በሎ። በቃ ተወዲኣ! ድሕርዚ ናብ ካልኡ ይኣቱ። ክርስቶስ ስለምንታይ ክምልስ ዘይከኣለ፧ እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ስለምንታይ ክምስክር ዘይደለየ፧ ንዕኡ ኢሉ ከም ዝተወልደ እናነገረ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከስቅጥ መሪጹ፧ ጲላጦስ ርእሲ ዓካት ስለ ዝኾነ’ዶ ይኸውን፧ ሲዶና እዚ ነጥቢ ዘምጻቶ ሓቂ ብልሳን ከተድምጻ ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል መርገጺ ስለ ዘለዋ እያ። ዒሳ ዝኾነ መልሲ እንተዝምልስ ጌጋ ምኾነ፡ ሓቂ ትንበር ‘ምበር መፍቶ መልሓስ ኣይኮነትን። ስለዚ ናይ መወዳእታሓቂ ዝበሃል እንተ’ሎ ንሱ ብቃላት ክጽወር ኣይክእልን እዩ።
ሕጂ እናጸሓፍኩ ከለኹ ዝመጻኒ ሓሳብ ካብ ቃላት ዒሳ ወይ የሱስ “ዝተወለድኩ” ትብል ቃል’ያ። ከምዚ ካልኦት ኣሕዋትና ዝብልዋ ማዕርነት ምስ ኣምላኽ ከለዎ ግን ርእሱ ከትሕት ስለ ዝደለየ እዩ። እንድዒ! ኣነ ግን ከምኡ ኣይርድኣንን ዘሎ። ንስኻ ነቲ ንሓቂ ክምስክር ዝመጸ ሰብ ንሱ’ዩ እቲ ሓቂ፡ ንሱ’ዩ እቲ መፍትሕ፡ ንሱ’ዩ እቲ መልሲ ትብል፡ ሲዶና ግን እንድዒ ትብል። መስካርን እቲ ምስክርን ሓደ ኮይኖም ማለት’ዩ። Subject and Object ሓደ ኮይኖም ማለት’ዩ። ኣምላኽን ተመላኽን ሓደ ኮይኖም ማለት’ዩ። ብርሃንን ዓይንን፡ ድምጽን እዝንን፡ ጣዕምን መልሓስን ተወሃሂዶም! ኣሜን! እዚ መንፈሳዊ ምውህዳድ “ተዋሑድ” ምስ ኣጋጠመ መን’ዩ መን፧ ኣነን ኣቦይን ሓደ ኢና ‘ተበለ ኣነ ኣይሕዘሉን። ኣይሕዘሉን ጥራይ ዘይኮንኩ ክኸውን ዝኽእል ነገር ይዛረብ ከምዘሎ ውን ክግምት እኽእል ምኽንያቱ ኣነ ውን ከምቲ ንሱ ናብ ኣቦ ኣትዩ ዝጠፍአ፡ ኣነውን ከም የሱስ ሓውናን ኣብነትና ናብ ኣቦ ኣትየ ምስኡ ክወሃሃድ ተዓዲመ’የ። ኩሎም ዞም ነብያታት ናይ ምዕራብ ይኹኑ ናይ ምብራቕ ወረቐት ዕድመ ካብ ኣምላኽ ሒዞም ዝመጹ መልእኽተኛታት እዮም።
“ናብ ድግስ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ኮን ይጥዕም፧” እዛ ናይ መወዳእታ ሓሳብ ሓደ ሰባኺ ክብላ ዝሰማዕክዋ እያ ገለ ክንደይ ይጥዕም፡ ገለ ክንደይ ይጥዕም፡ ከምዚ ክንደይ ይጥዕም እናበለ ይሰብኽ ነበረ። ኣነ ግን ንኣምላኽ ከም ጥዑም እናገበርካ ንሰባት ምስሓብ እቲ ካልእ “ዕረ”ገጹ  ምስ ረኣዩ ናብ ዓለም ክሃድሙ እዮም ስለዚ ንኣምላኽ ከምዚ ናይ ሎሚ ፖለቲከኛታት ዓለምና ዝገብርዎ ሓደ ወገን ናይ ዛንታ ጥራይ ኣይትንገሩ በሃሊት’የ። ኣምላኽ ዕረን መዓርን፡ ላዕልን ታሕትን፡ ጨካንን ለዋህን፡ ብርሃንን ጸላምን’ዩ። ኖእ! ኣምላኽ ብርሃን ጥራይ’ዩ ዝብሉ ኣሕዋት ግን ብርሃን ብዘይ ጸልማት ከመይ ኣቢሉ ክነብር ይኽእል፧ መዓር ብዘይ ዕረ፡ ጭካነ ብዘይ ለውሃት’ሲ ከመይ ጌሮም ደው ክብሉ ይኽእሉ፧ ኣምላኽ ዶብ ዘይብሉ ብርሃን ትብል ‘ተለኻ ባዕሉ ‘ቲ መግለጺ ብርሃን ተጻራሪ ጸልማት’ዩ ዘስምዕ። ዝጻረሮ ‘ተዘየለኸ፧ ብዘይ ተቃጻጺ ክነብር ዘይክእል ቀናእ ሓዊ ማለት’ካ ድዩ፧ ብቃላት ጌርካ ዝኾነ መግለጺ ኣብ እትህበሉ እዋን መበገሲ ክህልወካ ኣለዎ። መበገሲ ክህልወካ ድማ በተን 5 ናይ ስምዒት ህዋሳትካን ብኣተሓሳስባኻን ክብጻሕ ዝኽእል ነጥቢ ከም መበገሲ ትወስዶ። ንኣምላኽ ድማ ባዕልኻ ክትእዝዞም ብትኽእል ሕጡብ ቃላት ክትሃንጾ ትጅምር’ሞ ብዙሕ ከይጸንሐ ሃደሽ ይብል። ስለዚ ምስ ኣንጻሩ ብምውድዳር ዘይሃንጾ ትብል’ሞ ተጻራሪ ትፈጥረሉ፡ ሂሮ ኣንጻር ቪላን ተምስሎም! ሽዑ ወይ ጉድ ትብል ሶዶና ሓውትኻ። ከምቲ ናይ ኣክሽን ፊልም ጉድ ኣንጻር ባድ ይኸውን እቲ ክርክር ወዮ ኢጎኻ ከኣ ዕምባባ እናበልዐ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ነታ ፊልም የስተማቕራ። ኣብ ሓሸውየ ድማ ትነብር። ንኣምላኽ ምግላጽ ዕሽነት’ዩ። ስለዚ ከይኮነ ኣይተርፍን የሱስ እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተ ዘስቀጠ። እዚ ምስ ሰይጣን ዝቃለስ ሂሮ Imposter ግን ከም መዘናግዒ ተራእናዮ ይሓይሽ ምኽንያቱ ንዓለምን ኩሉ ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ “ፈጣሪ” ብፍጥረቱ ክፍተን ይኽእል’ዩ፡ ተጻራሪ ኣለዎ፡ ቪላን ኣለዎ ምባል ውጹእ blasphemy እዩ። ግን ከኣ ነታ definition  of God ደው ከተብለሎም ትኽእል በትሪ ንሳ ጥራይ ስለ ዝኾነት ተሰኪምኩሞማ ይኸዱ ኣለው፡ ንሓደ ነገር ብኣንጻሩ define ምግባር ጽቡቕ’ኳ ተኾነ ነቲ ከም absolute ዝሓስብዎ ኣምላኽ ግን ኣይትበቅዖን’ያ። ስለዚ እዚ superheroኹም ክቃለሶን ክስዕሮን villain ግድን የድል’ዮ። እንተቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ግን ምስ ባድ ጋይስ ዝቃለስ ሂሮ ዘይኮነ፡ ‘ዞም ኣክተራት ደው ኢሎም ረጊጾሞ ዘለው መሬት ባዕሉ’ዩ። እቲ ዘለውዎ space-time ባዕሉ’ዩ። ከምቲ ዝበልና’ዮ ቁራዕ ህላውነት ባዕሉ’ዩ። ንኩሉ ዝጥርንፍ፡ ንኩሉ ዝሕዝ፡ ንኩሉ ጽቡቕን ሕማቕን ትብልዎ ከጋጥሙ ስቴጅ ዝኸፍት ኢምፐርሰናል ኢንቲቲ’ዩ። እዚልካ ክትገልጾ ምፍታኑ ግን ወላውን ነቲ “እቲ እንኮ ወዱ ኣነ’የ” ዝበል ክርስቶስ ከማን ዝኸበዶ ሲዶና ክትገልጾስ ይትረፍ ብሓሳባ ክትግምቶ ከማን ኣይትኽእልን’ያ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...