Saturday, July 1, 2017

ዕትሮ፡ ቴንዳ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብን



ሰነ 29 2017
ሎሚ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ክልሰ-ሓሳባዊ ፈተና ጊታር ኣለኒ። ከየጽናዕኹ ስለ ዝቀነኹ ቀጨውጨው እብለኒ ኣሎ። ሲዶና ክሳዕ ግዜ ፈተና ዝኣቱ ከይተዳለወት ጸኒሓ ሽዑ ሸበድበድ ትብል’ሞ ግን ከኣ ተገዲሳ ሒዛቶ’ዶ ነይራ መጽሓፍቲ ተንብብ ነይራ’ዶ ወዘተ ዝብል ካልኦት ረቋሒታት ንውጽኢታ ይጸልውዎ ይኾኑ’ዮም። ርእሰይ ከሕመኒ ክማን ይጅምር ኣሎ! ሕማም ርእሲ እንተዘይሒዙካ ርእሲ ከምዘለካ ኣይትዝክሮን ኢኻ፡ ሓደ ክፋል ኣካልካ ብጽቡቕ ይሰርሕ ‘ተሎ ኣይፍለጠካን’ዩ። ቹዋንግ ጹ “ጫማብልክዕ ምስ ሰጠመት እግሪ ይርሳዕ” ኢሉ። እዚ ማለቱ ይብል ኦሾ “ክፍስር” ከሎ ባህርያዊ ህይወት ምንባር ክትጅምር ምስ ጀመርካ እቲ ሽግራት ባዕሉ ንባዕሉ ይጠፍእ እሞ ናብ ኣተኩሮኻ ኣይመጽእን’ዩ። ህይወትካ ሽግር መሲላ ትርኣየካ ‘ተላ መዓቀንካ ስለ ዘይኮነት ወይ ድማ ብግቡእ ትሰርሕ ስለ ዘየላ’ያ ይብል። ሳእንኻ ምስ ዝገፍሓካ ወይ ምስ ዝጸበካ ኢኻ ንእግርኻ ትዝክሮ’ምበር ካልእ እዋን እግርኻ ኣበይ ከምዘሎ ከማን ኣይትፈልጥን። ኤክሃርት ቶለ ከም ዝበሎ “ባህርያዊ” መሰልና ማለት መንነትና ክንልፈልጥ እንተደሊና ምስቲ ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ርእይቶታት ምሃብ ዘየቋርጽ ኢጎና ሰላም ክንገብር ኣለና። ሰላም ምግባር ብሓይሊ ስቕ ምባሉ ዘይኮነ ምርዳኡ’ዩ ይብሉ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ።
ኩሉ ሰብ ናይ እፎይታ እዋናት ማለት ካብዚ ሰላምካ ዝዘርግ ውስጠ-ዘረባ ንገለ እዋናት ስቅ ኣብ ዝብለሉ ከተስተማቅሮ ትኽእል። ሲዶና ነዚ ተሞኪራትሉ ትፈልጥ’ያ። እቲ ጸገም ይብሉ ለባማት ካብዚ ቤት-ማሕዩር ንገለ ደቃይቅ ከውጻካ ዝኽእል ነገራት ከም ወልፊ ትሕዞም’ሞ ህይወትካ ምሉእ ነተን ተደሚረን ቁንጣሮ ሰዓታት ከማን ዘይመልኣ ናይ ሰላም እዋናት ጥራይ ኣስተማቂርካ ትሓልፍ። እቲ ዝተረፈ ድማ ክትጭነቕን ናብዝን ናብትን ክትብልን ተሕልፎ። ከምቲ ግቡእ ግን ንስኻ ኩሉ ናይ ህይወት ካልኢታትካ ኣብኡ ከተሕልፎ’ዩ ነይሩካ። ብሃይማኖታዊ ኣገላልጻ ኣብ ጽላል ኣምላኽ መቺኡካ ክትነብር፡ ኣብ ፍቕሩ ማሙቕካ ክትድቅስን ክትስእን ብምስጋና ክትውድሶ’ዩ ነይሩ እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ መሰልካ ይበሃል ግን እቲ መመኽኔታ ኩሉ ነገራት ዝኾነ “ድያብሎስ” ቅንኢ ስለ ዘለዎ’ዩ መስለኒ ካብቲ ርስትኻ ዝኾነ ጽላል ኣምላኽ ከውጻካ ይደሊ ኣሎ። ብፍልስፍናዊ ወይ ስነ-ልቦናዊ ኣገላልጻ ብዘይ ጭንቕን መከራን ክትመላለስ ምስ እትደሊ ነቲ ንህይወትካ ተቆጻጺርዋ ዘሎ inner voiceካ ምለኮ፡ ንስኻ’ምበር ንሱ መራሒ ከምዘይኮነ ኣፍልጦ ይብሉ። እዚ ብቀሊሉ ናብቲ መን’ዩ መን ወይ ኣየናይ ድምጺ’ዩ ናይ መን ዝብል ሓሸውየ ከእትወካ ይኽእል ስለዚ ይብሉ እቶም ለባማት ኩሉ ድምጺ ምስ ጠፍአ ዝዓስል ሰላም እቲ ብካልእ ቋንቋ “ጽላል ኣምላኽ” ዝበሃል ዘሎ ኩነተ-ኣእምሮ እዩ። ነዚ ዕረፍቲ ካብ ማእሰርቲ ሓሳባት ድማ “ሓቐኛ” ናጽነት ይብልዎ። ሓደ መሓዛይ “ካብ ዓለም ተፈቲሐ ግን ኣብ ክርስቶስ ተኣሲረ’የ” ኢሉ ክዛረብ ምስ ሰማዕክዎ “እንታይ’ሞ ሰንሰለት ጥራይ ኢኻ ቀይርካ ‘ምበር ጌና እሱር ምዃንካስ ኣይፈልትጥን’ዶ፧ ዓለማውያን ብገንዘብ፡ ብስልጣን፡ ብፍልጠት ይእሰሩ። እቶም ሃይማኖተኛታት ከኣ ብጽድቂ፡ ብመብጽዓታት መንግስተ-ሰማይ፡ ብሕግታት ኣምላኽ፡ ብስርዓተ ኣምልኾ፡ በቲ “ኣምላኽ”ዝሰደዶም ብዙሓት ቅዱሳት መጽሓፍትን ጌና እሱራት’ዮም። እዚ ሲዶና ትብሎ ዘላ ናጽነት ግን ወላውን ብኣምላኽ ዘይምእሳር ማለት’ዩ። እቲ ኣነ ህላወ ኣምላኽ ኣይኣምንን’የ ዝብል ዘሎ ሰብ ጌና ብኣምላኽ እሱር’ዩ  ስለ ዝኾነ’ዩ ‘ምበር ንምንታይ ኣፍካ ከፊትካ ምእዋጅ ኣምጽኦ፧ ስለ ትፈርህ ዲኻ ንኣምላኽ ትጻረሮ ዘለኻስ ወይስ ንዕኡ ስለ ዝኸሓድካ ዝዓበኻ ኮይኑ ስለ ዝስምዓካ’ዩ፧ ሓደ ንኣምላኽ ከመስግን ወይ ክጽሊ ምስ ትሰምዖ “ዕሽነቱ” ምጽዋር እንተ ደኣ ስኢንካዮ ጌና በቲ ዘይትኣምኖ “ኣምላኽ”ተኣሲርካ ኣለኻ። እዚ ናይ በዓል ሲዶና ናጽነት ዝበሃል ዘሎ ንኣምላኽ ኣይትጻረሮን ኣይትውድሶን ምኽንያቱ ንስኻ ክፋል ኣምላኽ ስለ ዝኾንካ። ምኽንያቱ እዚ መውጽኢ ኣፍ ዝኾነ ሓላፍ መገዲ ኮይኑ ዘሎ “እምነት”መሸቀጢ፡ መዋስኢ ‘ምበር ንህይወትካ ዝቅይር ሓቀኛ እምነት ኣይኮነን። ከምቲ ዝሓለፈ እዋን ዝበልናዮ “ኣምላኽ ሆቢ ኣይኮነን”።
ኣብ ሶፍያ ዘሎ ክፋል ናይ መንፈሳውነት ወይ mysticism ምስዚ ሲዶና ተመሊኣቶ ዘላ ፍልጠት ይመሳሰል። ከም ንጣብ ማይ ናብቲ ባሕሪ ትነጥብ’ሞ ምስኡ ሓደ ትኸውን…. ንዝብል ሓሳብ ናይ ምብራቕ ሃይማኖታት ኣሎ። እዚ ግን ብጌጋ ክትድኦ ትኽእል ምኽንያቱ ዓሲር ምሊኣ ዝነበረት ዕትሮ ክዒኻ ስዋ ስለ ዝመላእካያ “ኣነ ተለዊጠ’የ” ክትብል የብልካን። ጌና ዕትሮ ምዃንካስ ኣይተረፈን። ወላውን እምኒ ምልኣያ፡ ዕትሮነትካ ኣይተለወጠን። ኣብ ሃይማኖታውን መንፈሳውን ጉዳያት ጥርሓ ተገደፍካያ’ኸ፧ ከምታ ክትውለድ ዝነበርካያ፡ ከምታ ኣዳም ቅድሚ እታ ፍረ ገረብ ምብላዑ። ወላ ሓደ ነገር ስለ ዘይመልአት ጥርሓ ኣላ ክንብላ ኣይንኽእልን ኢና። ኣየር መሊኣላ! ኣብ ታኦ ተ ቺንግ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ኣሎ። ሰባት ገዛ ይሃንጹ፡ ግን ኣብቲ መንደቕ ዘይኮነ ኣብቲ “ጥርሑ” ዝኾነ ቦታ’ዮም ዝነብሩ፡ ጎማ ማኪና እቲ “ጥርሑ” ቦታ ኢና ንጥቀመሉ፡ ፒሮ እቲ “ቀዳድ” ‘ዩ ቀለም ዝምላእ ስለዚ ኩሉ እንገብሮ ኣብቲ “ባዶ” ቦታ’ዩ። ምስ ግዜ ነዚ ክፍቲ ቦታ ከተስተውዕሎ ምስ ጀመርካ ናብ “ጽላል ኣምላኽ” ክትኣቱ ትኽእል። ኣብ ኣርማድዮ ገዛና ባህ ተብል Mind The Gap ጽሕፍቲ ኣላ። ኣብ ክንዲ ንዝሓለፋ መካይን ትቆጽር ኣብ መንጎአን ዘሎ ክፍቲ ቦታ ትቆጽር፡ ኩሉ ክፍቲ ቦታ ድማ ዝተኣሳሳረ’ዩ። ምስ ግዜ ድማ ኣጠማምታኻ ኣብ ነገራት ካብ ቅድመ-ባይታዊ ናብ ድሕረ-ባይታዊ ይምዕብል። እዚ ድሕረ-ባይታዊ ኣጠማምታ ነገራት ምስ ሓዝካ እቲ ዘይመውት ወይ ዘይልወጥ ነገር “ክስወጠካ” ይኽእል ይበሃል። ኩሎም እዞም ናይ ዓለምና ነብያታት ዝነበሩ ድሕረ-ባይታዊ ኣጠማምታ ንነገራት ስለ ዘማዕበሉ’ዩ። ደመና ይመጽእ ደመና ይኸይድ እቲ ሰማይ ግን ካብቲ ዘለዎ ኣይንቀሳቀስን። ትውለድ፡ ትዓቢ፡ ትወልድ፡ ትኣርግ፡ ትመውት ልክዕ ከም ደመና ግን ነዚ ኩሉ ምንቅስቃሳት ከም ድሕረ-ባይታ ኮይኑ ዘገልግል ሓደ መሰረት ኣሎ። መደኮኒ ናይ ግዜን ቦታን ዘይብልካ ክትውለድ ኣይትኽእል ክትዘምድ ኣይትኽእል። እዚ መደኮኒ ንዓኻ ኮይኑ ዘሎ ምሳኻ ዝለዋወጥ እንተኾይኑ ከማኻ ፍጡር’ዩ ማለት’ዩ። ስለዚ ካብ ግዜን ቦታን ወጻኢ ዝኾነ ዝዓበየ ንኩሉ ኣድማስ ዝጥርንፍ ቴንዳ ኣሎ። እዚ ድሕረ-ባይታ ናይ ኩሉነት ክኸውን ይኽእል። ናይ ግዜና ተመራመርቲ ከም በዓል ስቲቨን ሆኪን ዝሰርሕሉ ዘለው Theory of Everything ንኩሉ ነገራት ክገልጽ ዝኽእል ነገር’ዩ መስለኒ። ነዛ ዘይትመውት ነፍሲ ዝብልዋ ዘለው ድማ ሓቆም’ዮም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ምኽንያቱ እቲ ኣብ ቴንዳ ዘሎ ስእሊ ክለዋወጥ ምስ ግዜ ብካልኦት ወለዶታት እናተተክአ ክኸይድ ይኽእል እቲ መስኣሊ ቴንዳ ግን ናበይ ኣቢሉ’ዩ ‘ሞ ክንቀሳቀስ። ንኩሉ ዝጥርንፍ ቴንዳ!
ክንኣስሮ፡ ሰብ እሱር ናይ ብዙሕ ነገራት ክኸውን ይኽእል። ብሰይጣን ተኣሲርካ ብክርስቶስ ተፈቲሕካ ግን ክርስቶስ ናይ ኣቦኡ ትእዛዛት ጌሩ ክኣስረካ’ዩ። ስለዚ ካብ ሓደ እስርቤት ናብ ካልእ እስርቤት (ወላ ናብራ ኣብቲ ካልኣይ እስርቤት ዝመችአ ይኹን)። ወላ ብኩሎም ኣይትትኣሰር ብቁጽሪ ዕድመኻ ትእሰር፡ ብጥዕናኻ ትእሰር፡ ብግዜን ቦታን ትእሰር፡ ሰብ ምዃንካ ማለት እሱር ምዃን ማለት’ዩ። ካብዚ እስርቤት ሓራ ከውጻካ’የ ኢሉ ዝሰብኽ ኩሉ ኣይትእመኖ፡ ምኽንያቱ ባዕሉ እሱር ከመይ ኣቢሉ ንኣኻ ሓራ ከውጻካ፧ ከምዚ ሲዶና ዝበለቶ ግን ሓርነትካ ወይ ናጽነትካ ማይ ናይ ዕትሮኻ ምቅያር ዘይኮነ “ዕትሮነትካ” ምፍላጥ’ዩ። እዚ ከምቲ ካልእ ዓይነት ፍልጠታት ዘይኮነ ክሰብረካ ኣቃጺሉ ክቅይረካን ዝኽእል ፍልጠት ከም ከሚካላዊ ለውጢ ክምለስ ዘይክእል’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ገለ ቅዱሳት ናይ ኩለን ሃይማኖታት ብፍቅሪ ኣምላኽ ተቃጺሎም ዕትሮኦም የጥፍኡ፡ ካብቲ ብሓሳባቶም ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ጻባብ ዕትሮ ወጺኦም ምስ ኣድማሳዊ ዕትሮ ሓደ ይኹኑ፡ ይወሃሃዱ። “ተዋህዶ” ትብል ቃል ጽብቕቲ’ያ።
ምስ ኣምላኽ ትወሃሃድ
ምስቲ ግዜን ቦታን ዘይምልከቶ ግን ከምዚ ካልኦት ኣሕዋትና ዝብልዎ ንገለ ምቃል ካብ ህዝቢ ዓለም ጥራይ ኣምላኾም ዘይኮነ፡ ምስ ናይ ግሊ ኣምላኽ ዘይኮነ፡ ምስቲ ብዛዕባ ክንደይ ቢራ ሰቲኻን ምስ መን ሰበይቲ ደቂስካ ክጸባጸብ ዝውዕል ኣምላኽ ዘይኮነ፡ ምስቲ ከም ቆልዓ ዝቀንእ ዘይኮነ፡ ምስቲ ናይ ሕርቃኑ ምቁጽጻር ጸገም ዘለዎ ዘይኮነ፡ ምስቲ “ምሳይ ዘይኮነ ኣንጻረ’ዩ” ዝብል ዘይኮነ፡ ምስቲ ሰባት ዝስእልዎን ዝቀርጽዎን ዘይኮነ፡ ምስቲ “ካብ ኩሎም ኣነ ዝዓበኹ ኣምላኽ’የ” ኢሉ ዝምካሕ ዘይኮነ፡ ምስቲ ከም ሰብ ቋንቋ ዝኽእልን ኣብ መንግስተ-ሰማይ ዝነብርን ኣምላኽ ዘይኮነ! ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...