Friday, July 7, 2017

ስለምንታይ ንሰብ ሕማሙ ምንጋር ጽቡቕ ፖሊሲ ከምዘይኮነ



ሓሙስ 6 ሓምለ 2017
“ፍልስፍና ከኣ ጀሚርኪ” ይብል ሓደ ቅሩብ ዕሙቅ ዝበለ ሓሳብ ወይ ሕቶ ክትሓትት ምስ ዝሰምዓካ። እሞ እንታይ ይሓይሽ፧ ኩሉ’ቲ ዝተበሃልካዮ ሰም ኢልካ ተቀበሎ ማለት’ድዩ፧ ሲዶና ጸገም የብለይን ምስ ዝኾነ ኣሜን ኢልካ ምቕባል ግን 100% ኣሜን ክኸውን ኣለዎ። ጸጽቡቁ ኣምላኽ ጌርዎ ሐሕማቑ ድማ ሰይጣን ዝብል ከሉ ሰብ ዝተሰማማዓሉ ኣምር እንተሎ ኣፍካ ከፊትካ ክትካታዓሉ እንተጀሚርካ “ኡፍ! ፍልስፍና ግደፎ” ይብሉኻ። ነዚ ኣቀዲምና ተሰማሚዕናሉ ዘለና መርገጺ ኣይትተንክፍዮ፡ ናብ ድሕሪት ኣይትምለስና ይብሉ። ሲዶና ሽዑ እሺ ጐይታይ እሺ እምበይተይ ካብ ሎሚ ፍልስፍና ምዝራብ ክገድፎ እየ። ግን ሰብ ብዘይ ፍልስፍና ክነብር ይኽእል’ዶ፧ እንድዒ።
ትዛረቦ ንኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ቅጭ ዘምጽእ እንተኾይኑ እንታይ ትገብር፧ ሀ) ምዝራብ ትገድፎ ወይ ብዓቐን ትዛረብ ወይ ለ) ትሓስቦን ትዛረቦን በበይኑ ትገብሮ ወይ ሐ) ሰብ ክሰምዖ ዝደሊ ዘረባ ትዛረብ። ብዙሕ ሰብ ለን ሐን ከም ምርጫ ይወስደን ዋላኳ ብዙሕ ፍልልይ ኣይሃልወን ትዛረቦ ካብ ትሓስቦ ክትፈሊ ግን ርእሰ ምቁጽጻር ከድልየካ’ዩ። ሰብ ክሰምዖ ዝደሊ ምዝራብ ድማ ሓያል ናይ ምምሳል ክእለት ክህልወካ ኣለዎ፡ እቲ ጽቡቕ ነገር ካብቲ ዝሰምዓካ ሰብ ዓቢ ሓገዝ ስለ ትረክብ ወላ ናይ ዓለም ዝሓመቐ ተዋሳኣይ ኩን ጽቡቕ ናይ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ እቲ ዝሰምዓካ ኣብ ናይ ተዋስኦ ክእለትካ ብዙሕ ኣይግደስን’ዩ። NO ONE IS IMMUNE TO FLATTERY ኢሎሞ ገለ ለባማት። ስለዚ “ፍልስፍና ገዲፍካ እንታይ ክትዛረቢ ኢኺ፧” ኢልካ ንሲዶና እንተሓተትካያ “እቲ ክትሰምዖ ትደሊ ክዛረብ’የ ኢላ ክትምልሰልካ ኢያ”።
ናይ ዴል ጋርኔጊ ምኽርታት ተመሊስካ ምንባብ የድልዮም ኣሎ መስለኒ። ትማሊ ምስ ክልተ መሓዙት (ሓደ ወዲ ሓንቲ ጓል) ደው ኢልና ነዕልል ነበርና። ብዘረባ ዘረባ እታ ጓል ዲስለክስያ ከም ዘለዋ ትዛረብ፡ እቲ ወዲ ኣብ ኦሮታ ሕክምና ይመሃር ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ዲስለክስያ ዘኪሩ ክዛረብ ጀመረ። እሞ ኣብ ሓንጐልኪ “ዳሜጅ” ኣለኪ ኢልዋ፡ ጓል ደስ ኣይበላን ግን ናብ ካልእ ኣቲና ከይደንጐና ቻው ኢልናያ በይንና ከድና። ደሓር ኣብ ዕላልና “ኢሂታ ንምንታይ ከምኡ ጌርካ፧ ዘይትፈልጣ ጓል ሎሚ ረኺብካያ ከይደንጐኻ ሓቂ ክትነግራ ስለምንታይ መሪጽካ፧” ሓቲተዮ። “ተጋግየ፡ ምስ ኣውጻኹዋ ተረዲኡኒ” ኢሉ። ንዴል ጋርኔጊ ዘኪርና ኣዕሊልና። ሰባት ክሰምዕዎ ዝደልዩን ንኢጎ ሰባት ከመይ ጌርካ ትሕልዎ ከምዘለካን ተዛሪብናሉ። ኣብ መወዳእታ ዝደምደምናዮ
1.   ኩሉ ሰብ ጌገኛ’የ ኢሉ ስለ ዘይሓስብ “ተጋጊኻ” ኣይትበሎ።
2.   ኩሉ ሰብ ሕማቕ ናቱ ስለ ዝፈልጥ ጽቡቑ እምበር ሕማቁ ኣይትንገሮ።
3.   ሰናይ ድሌት ናይ ሰብ ሓሲኻ ትርከብ እንተኾይና ሓሱ።
4.   ናይ ዴል ጋርኔጊ መጽሓፍ ከም ዳዊት ንግሆ ንግሆ ክትድገም ኣለዋ።
እቲ ዘሐጉስ ኣብቲ ኩነታት ኣብ ክንዲ እቲ ሕማቕ ናታ ዝነግራ፡ ጽቡቓ ክነግራ ፈቲነ። “ዲስለክስያ ተለኪ’ሞ ገለ ዕቑር ክእለት ኣለኪ ማለት’ዩ”። ሓቀይ ኮይነ ጸኒሐ ናይ “ኢማጂኔሽን” ክእለት ከም ዘለዋ ተዛሪባ። ምስቲ ወዲ ቻው ክንበሃሃል ከለና ሓሲኻ ንሰብ ጽቡቕ ከም ዝስምዖ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰቊርዎ ይኸውን እባ።
ኣብዛ ጨናዊት ዓለም’ያ ዝብልዋ ዓለም እናነብርካ ሰባት ክሰምዖዎ ዘይደል’ዩ ብዙሕ ሓቅታት ኣሎ። ብዙሕ ክሓስብዎ ዘይደል’ዩ ነገራት ኣሎ። ብዙሕ ምዝካር ዘየድልዮም ኩነታት ኣለዉ። ሕጂ ምልስ ኢለ ክርእዮ ከለኹ፡ ተራ ናይ ፈላስፋ ክትወስድ ከለኻ ነዞም “ተነቀፍቲ ነገራት” ኣልዒልካ ምዝራብ ወይ ምሕታት የጠቃልል። ሓቆም’ዮም ሲዶና ፍልስፍና ክትዛረብ ምስ ጀመረት ቅጭ ክመጾም። ወይ ጉድ! ዲስለክስያ ከም ዘለዎም ከተዘክሮም ኣይደልዩን’ዮም፡ ግን ከኣ መን ኣሎ’ሞ ሕፍረቱ፡ ኣምሰልነቱ፡ ድኻሙ ክትቀልዓሉ ዝደሊ፧ ይቕሬታ ክሓትት ይግብኣኒ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ዓው ኢለ “ዲስሌክሲክ”ምባል ባህ ካብ ዘብሉኒ ነገራት’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ እንተ ካብ ትማል ጀሚረ ግን ወላ ዲስሌክሲክ ይኹን ገለ ጽቡቕ ናይቲ ሰብ ሃሰው ክብል ኣለኒ! ከምቲ ዝብልዎ እንተኾይኑ ድማ ኩሉ ሰብ እንተወሓደ ሓንቲ ጽብቕቲ ነገር ኣላቶ። ስርሐይ ነዓኣ ረኺብካ ብዛዕባኣ ምዝራብ’ዩ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ዲስሌክስያኡ ምዝራብ ብዛዕባ ጽቡቕ ናይ ሰብ ምዝራብ ይሓይሽ፡ ኣነ ዘይኮንኩ ዴል ጋርኔጊ ከም ዝሰብኮ ማለት’ዩ።
“ካብ ሓሸውየ ናይ ፍልስፍና ወጺኻ ኣብ ምስ ሰባት ከመይ ጌርካ ብሰላም ትነብር ተተኮርኪ ይሓይሽ” ዝብል ሓሳብ ይመጻኒ ኣሎ። ግን መንፈሳውነት ፍልስፍና ዘይኮነ ጸረ-ፍልስፍና እዩ። ቲሎፓ ከም ዝበሎ ድማ ፈላስፋ ኣይትኹኒ ጸረ-ፈላስፋ ኣይትኹኒ ምኽንያቱ ጸረ-ፍልስፍና ምዃን ንባዕሉ ፍልስፍና እዩ። ንሰባት ከመይ ጌርካ ተሐጉስ ዘድሊ ክእለት ምስ ተማዕብል ገለ ጥቕሚ ትረክብ’ዶ፧ ኩሉ ብመልሓስካ ክሕጐስ ወይ ክስበር ይኽእል። ጹሑፍ ሓቁ’ዩ ብመልሓስካ ኣብ ገነት ወይ ኣብ ገሃነም ትኣቱ፡ ወላ ቃል ብቃሉ ኣይትውሰዶ ኣገዳስነት እትዛረቦ ቃል ግን ኣይከሓድን’ዩ። ስለዚ መልሓስካ ክትቆጻጻር እንታይ ክትገብር ኣለካ፧ ኩለን ሃይማኖታት ዝፈተንኦ ምፍርራህ ወይ ድማ ዓስቢ ጌርካ ኣፉ ማይ ከም ዝመልኦ ምግባር። እዚ ኣካይዳ ኣይሰርሐን። ካልእ ድማ ምሁራት ስነ ልቦና ዝጸሓፍዎን  ዝምህርዎን ምኽታል እዚ ክሳብ ሸቶኻ ትሃርም ከኺደካ ይኽእል ነዊሕ ግን ኣይጸንሕን። ሰብ-ሰርሖ ወይ ኣርተፊሻል ስለ ዝኾነ እቲ ናይ ብሓቂ ባህሪኻ ድሕሪ ገለ ግዜ በጨቕ ኢሉ ምውጻኡስ ኣይተርፎን። ሲዶና ከም ዝመስላ ተዋሳኦ ኣየወጽእን’ዩ ኣብ ክንዳኡ ምሳኻ ተወሃህዶ ከምዚ ገለ ሰባት ዝብልዎ ናይ “ባህሪ ለውጢ” ተምጽእ። ናይ ባህሪ ለውጢ ከተምጽእ ክትደጋግ’ሞ ኣለካ፡ ክትደጋግ’ሞ ድማ ከምዚ ሲዶና ትገብሮ ዘላ መዓልታዊ ብዛዕብኡ እናጸሓፍካ ክሳብ ኣብ ሕልምኻ ዝረኣየካ ትገብሮ’ሞ፡ በጨቕ ወላ ተበለ እቲ ተዋስኣይ በጨቕ ይብል። ወላ ተገንጸሉኻ ንስኻ ኮንካ ትጸንሕ። ተዋስኦ ምዃን ተሪፉ ዶኩመንታሪ ወይ ሪያሊቲ ሾው ይኸውን።
ኣይትሕተት! እንተበልካ ኣይትፍለጥ ማለት ዘይኮነ ሕተት ግን ዓይነት ሕቶታትካ ምረጽ። ብዛዕባ ስነ-ፍልጠት ሕተት ብዛዕባ ኣምላኽ ግን ኣይትሕተት። “ኖእ! ስለምንታይ ኣይትሕተት ትብለኒ፧ ጌና ክሓትት’የ” ክብል ይኽእል ሓደ ወልፊ ናይ ምሕታት ዘለዎ። ምርጫ ካልኦት ስለ ነኽብር ግን ሐራይ ንብሎ። ስለምንታይ እዚ ኩሉ ሕቶታት ሰብ ይሓትት፧ ኢሉ ሓቲቱ ንኩሉ ሕቶታቱ ፈውሲ ክረኽበሉ ምኸኣለ ይኸውን። ናይ ዘን ኣቕሽሽቲ ከም ዝብልዎ ሰብ ዝሓትት ክእክብ ስለ ዝደሊ እዩ። ገንዘብ ፎእ ወላ እንተበሎ ንፍልጠት ግን ከም ሰልዲ ክእክቦ ይደሊ። ነታ ዕትሮኡ ገለ ክመልኣ ስለ ዘለዎ’ዩ ዝሓትት፡ ሓቲቱ ሓቲቱ ግን ክዓግብ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ልክዕ ከምቲ ሸውሃት ገንዘብ መወዳእታ ዘይብሉ ከምኡ ድማ ሸውሃት ፍልጠት ዶብ የብሉን። ክልተ ዝተፈላለዩ መግለጺታት ናይ ሓደ ሕማም’ዮም ይበሃል። ስለዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ክሓትት ዝውዕል ነቲ ሸውሃቱ ክርዊ ኢሉ’ዩ ዝበሃል። ሓቀኛ ሓታቲ ንኣምላኽ ጸሚኡ’ዩ ዝሓትት እንተ’ቲ ንሸውሃት ኢሉ ዝሓትት ግን ምሕታት ኣየቋርጽን። ወላ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ቅድሚኡ ደው እንተዝብል ጌና ምሕታት ኣየቋርጽን። ግን ከመይ ኣቢልካ ነዞም ክልተ ሓታቶ ትፈልዮም፧ ወላ ድሌት ኣምላኽ’ዩ ዘሕትተኒ እናበልካ ነቲ ሸውሃት ምምላእ’ካ ዶ ይተርፍ’ዩ፧
ክንኣስሮ፡ ሰብ እንታይ ይደሊ፧ ኢሉ ሓቲቱ ዴል ጋርኔጊ ድሕሪ እቶም መሰረታውያን ወይ ባዮሎጂካውያን ጠለባት ሳይኮሎጂካል ጠለባት ኣለዎ። ነዚ ድማ ንሱ ክሳብ ክንዲ ምንታይ ኣገዳሲ ሰብ ምዃኑ ከተርእዮ ወይ ከተእምኖ ይግብኣካ። ከመይ ጌርካ፧ ስምዒቱ እናሓለኻ። ከመይ ጌርካ ስምዒቱ ትሕሉ፧ ተጋጊኻ ኣይትበሎ፡ ዘለዎ ጽቡቕ ነገራት ኣዘውቲርካ ንገሮ፡ ዝገብሮ ኩሉ ንጽቡቕ ከም ዝኾነ ገምተሉ፡ መሊኡ ነገራት ኣሎ ከመይ ኣቢልካ ንኢጉኡ ደስ ከም ዝብሎ ትገብሮ። እዚ መገድታት ተጠቂምካ ደስ ተብሎ ንረኣዩለይ ተዋስኦ እንተኾይኑ ኣብ መንጐ ክስልችወካን ዕረ ጥዒሙካ “ባክ-ፋየር” ክገብር ይኽእል ስለዚ ይበሃል ኣብ ክንዲ ተዋስኦ ኮይኑ ጥራይ ዝተርፍ ብዝተኻእለ መጠን ምሳኻ ተዋሃሂዱ ኣብ ደምካ ከም ዝሰርጽ ክትገብሮ ይግብኣካ። ነዚ ክትገብር ድማ ቀዳማይ ፍልጠት እኹል ትሩፍ ፍልጠት ናይቲ ክትልውጦ ትደሊ ባህሪ ክህልወካ ኣለዎ። ስለዚ ብፍልጠት ንጀምር። መጽሓፍ ዴል ጋርኔጊ ከም መስተንተኒት እናተጠቀምኩ ሓሳባተይ ከንጸባርቅ ክጅምር’የ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...