Wednesday, July 5, 2017

ስለምንታይ ቅድም ልብኻ ከይተሰበርካ መንግስተ ሰማይ ከምዘይትኣቱ



ሓምለ 1 2017
ጽባሕ መመረቕታይ’ዩ። ዓቢ ነገር ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ሳባት ብዙሓት’ዮም። ስለምንታይ እንተበልካዮም ስለ ዘይትድገም ወይ ናይ ዓመታት ጻዕሪ መዛዘሚት ስለ ዝኾነት ወይ ፍናን ንዘመወሉኻ ወለዲ ስለ ዝኾነትን ካልእን መልስታት ትሰምዕ። ኢሂ ሲዶና መመረቕታ ዓቢ ነገር’ድዩ፧ እንድዒ! ሎምስ ዝመጻኒ ክዛረብ ከማን ክፈርህ ይጅምር ኣለኹ። ቀዳማይ ብዛዕብኡ እንታይ እመስለኒ ወይ ዘለኒ መርገጺ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ መመረቕታ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ ኢለ ሓሲበ ወይ ትርጉም ኣልቦ’ዩ ኢለ መጒተ እንታይ ከፍሪ እየ። ምናልባት ትርጉም የብሉን እንተ ደኣ ኢለ ዳስ ሰሪሕካ ሰብ ጸዊዕካ ዝግበር ሸንዳሕዳሕ እገድፎ እኸውን። ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ተኾይኑ ከኣ ዓቢ ድግስ እገብረሉ። ስለዚ እንታይ እሓስብ ንተግባራተይን ባህርያተይን ክጸልዎ ይኽእል ማለት’ዩ።
ሶሳን ዝበሃል ሓደ መንፈሳዊ ዝጸሓፋ ድርሳኑ “እምነት ኣብ ሓንጐል” Faith In Mind ልበይ ሴራትኒ። እዛ ልብኻ ምስባር ትብል ሓረግ ካብ ቀደም ኣትሒዘ ዝፈልጣ’ኳ እንተኾንኩ ሓደ ኬፍ ዘለዎ ቀባኣይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤሪ ቲቪ ቃለ-መሕትት እናካየደ ከሎ ዝተጠቕመላ መግለጺ ግን ደስ ኢላትኒ። “ስነ ጥበብ ወይ ጽባቐ ንልብኻ ሃደሽደሽ ከብሎ ይኽእል፡ ሓደ ጨካን ዝነበርካ ጠዋዕዋዕ ከብልካ ይኽእል…..” እናበለ ሃዲኡ ክዛረብ ከሎ ካብ መጽሓፍቲ ዘንበቦ ዘይኮነ ባዕሉ ዝተመኮረሉ ‘መስል ኔሩ። ሶሳን ድሕሪ ምንባበይ ፈጺመ ኣይጠዓኹን! ብሶሳን ዝኣተወኒ ቁሪ ነቲ ፈኸም እናበለ ዝኸይድ ዝነበረ እምነተይ ወይ ጸረ-እምነት እምነተይ ላምባ ነስኒስሉ። ነታ ካብ ሼክስፔር እንፈልጣ “ጽቡቕን ሕማቕን ዝበሃል ነገር የለን፡ ኣተሓሳስባና’ዩ ከምኡ ዝገብሮ” ትብል መልእኽቲ ኣብ ሰለስተ ገጽ ዘይትመልእ ጽሕፍቱ ልበይ ሴሩኒ። ነዛ ናይ ሰለስተ ገጽ መጽሓፍ ኦሾ በብምዕራፍ ርእይቶታት እናውጽአ ናብ ልዕሊ 150 ገጽ ኣብጺሕዋ። ን ሓተታ (commentary) ኦሾ ኣብ ሶሳን ዘንበብኩለን እዋናት ደስ ዘብል ተዘክሮታት ኣለኒ። ባዕሉ ኦሾ ውን ኣብ መንፈሳውነት ካብ ዝተጻሕፋ ክልተ መጽሓፍቲ ነዛ ናይ ሶሳን ካልኣይቲ ድማ ናይ ሓኪም ሳናይ ግጥሚ ሓዲቐት ኣል ሓቂቃ ጥራይ “እንተንቢብካ” እኹላት እየን ክልውጣኻ ይብል። ግን ከምዚ ካልእ መንፈሳዊ ጽሑፋት ኣኣንቢብካ ትድርብዮ ዘይኮነ ኣንቢብካዮ ክሰብረካ ኣለዎ። ኣንቢብካዮ ኣብቲ መኣከቢ ጽሑፋት ዝኾነ ኣእምሮኻ ጥራይ ክተርፍ የብሉን። ኣንቢብካዮ ከምዚ ገለ ኣሕዋትና ዝገብርዎ ኣንቢብካዮ፡ ተዛሪብካሉ፡  ጠቂስካሉ ኣብ መወዳእታ እንተዘይለዊጡካ ትርጉም የብሉን።
ሶሳን ልበይ ሴሩኒ! ድሕሪ ሶሳን ጽቡቕን ሕማቕን ዝበሃል የለን ክብል ጀሚረ። ምባል ጥራይ ዘይኮነ ክኣምኖ ውን ጀሚረ። ክኣምኖ ጥራይ ዘይኮንኩ ክነብሮ ውን ጀሚረ። እዚ ምስቲ ካልእ ዘንብቦ ዝነብረኩ ናይ መንፈሳዊ ጽሑፋት እናተደመረ ምስ ግዜ ናብ “ፍቓድካ ኣምላኽ” ክኣቱ ክገብረኒ ጀሚሩ። ካልኣይ ልበይ ዝሰበረኒ ድማ ፈላስፋ ባሩክ ስፒኖዛ’ዩ። እዚ ድማ ብትግርኛ ኣብ ሶፍያ ጐኒ ጐኒ ናይ ፕሮፈሰር ብራያን ማጊ መጽሓፍ ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና ኣብ ዘንብበሉ ዝነበርኩ እዋን ብዛዕባ ክውንነት ኣምላኽ ዝበሎ ልበይ ጐዲእዋ። ድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዘን “ናብ ንኸዶ ከምዘይብልና” እናተደጋገመ ዘንብቦ ዝነበርኩ በሪሁለይ። ድሕሪኡ እዚ ክብሎ ዘይክእል ትምህርቲ ተመሃርኩ። “ክርስቶስ ምንጪ ሰላመይ” ይብሉና ገለ ኣሕዋት፡ ኣነ ድማ “ካበይ ከም ዝመጸ ዘይፈልጦ ምንጪ ሰላመይ” እብል። ነዚ ዝሰምዑ ገለ መሓዙት “ብኣፍኪ ክትብልዮ ስለ ዘይከኣልኪ ‘ምበር እዝስ ናይቲ ክትጻረርዮ ትውዕሊ ዘለኺ ክርስቶስ ዝመስል ሰላም’ዩ”ይብሉኒ። ኣነ ግን “ንክርስቶስ ኣይጻረሮ ኣይኣምኖ” እምነት ከም ዕትሮ ክምላእ ኣይፈቱ ኣይጸልእ። ብክርስቶስ ምድሓን ጽቡቕ ኣይኮነ ሕማቕ ኣይኮነ። ሓደ ሃይማኖት ካብቲ ሓደ ኣይበልጽ ኣይሓምቕ፡ ኩሉ ነገር ኣይጽቡቕ ኣይሕማቕ ምባል ጀመርኩ። እዚ ናይ ሶሳን ትምህርቲ ናብ ኩሉ ኩርናዕ ህይወተይ ክኣቱ ምስ ጀመረ ሰላመይ እናዓበየ መጸ እንተበልኩ እሕሱ ኣይዓበየን እንተበልኩ ድማ እሕሱ። ዝኾነ ከይተዛረብኩ ስቕ ምባል እሕሸኒ! ብዝኾነ ትምህርቲ ክልውጥ ከም ዝኽእል ተገንዘብኩ። ወላ ‘ታ ዕትሮ ድሕሪ እዋን እቲ ተመሊኣቶ ዘላ ፈሳሲ ኣሲድ ይኹን ክቀዳ ይኽእል ይኸውን፡ ብፍልጠት ነኹልካ ናብ ኣምላኽ ትፈስስ።
ኣብ ናይ ሂንዱ መጽሓፍ ቅዱስ ጊታ Thou Art That ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ዩ ኣር ጋድ! እዚ ንምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ከቢድ’ዩ ይበሃል። ግን እንታይ ይገበር፡ ቁርሲ ምሳሕ ድራር ናቶም መጻሕፍቲ ከተንብብ ምስ ጀመርካ፡ ምናልባት ኣይ ኣም ኢት ክትብል ትጅምር። እንታይ ከም ዝበሃል ከማን ኣይፈልጥን። ግን ጽቡቕ ኣይኮነ ሕማቕ ኣይኮነ!
ጽባሕ ክምረቕ’የ ጽቡቕ ኣይኮነ ሕማቕ ኣይኮነ። ብህይወት ምህላወይ ጽቡቕ ኣይኮነ ሕማቕ ኣይኮነ። ሰብ ምዃነይ ሓንቲ መዓልቲ ክመውት’የ ሕማቕ ኣይኮነ ጽቡቕ ኣይኮነ። ኣብዚ እንታይ እገብር ከም ዘለኹ ዘይምፍላጠይ ጽቡቕ ኣይኮነ ሕማቕ ኣይኮነ። ኣብ ብዙሕ ነገራት መርገጺ ዘይብለይ ምዃነይ ሕማቕ ኣይኮነ ጽቡቕ ኣይኮነ። ዓሻ’የ ኢለ ተሓሰብኩ ወይስ ለባም’የ ተበልኩ ሕማቕ ኣይኮነ ጽቡቕ ኣይኮነ። ክህብትም ዘይምድላየይ ዓቢ ሰብ ክኸውን ዘይምድላየይ ሕማቕ ኣይኮነ ጽቡቕ ኣይኮነ። ኩሉ ነገር ሕማቕ ኣይኮነ ጽቡቕ ኣይኮነ። “ጽቡቕ ኣይኮነ ሕማቕ ኣይኮነ” ኢልካ ንዓለም ሕብሪ ምልካይ ውን ባዕሉ ከምኡ ሕማቕ ኣይኮነ ጽቡቕ ኣይኮነ። ነገራት ከምዚ ዘለውዎ እዮም’ምበር ሕማቕ ኣይኮኑ ጽቡቕ ኣይኮኑ። እንታይ ደኣሎም፧ ከምቲ ዘለዉዎ ጥራይ! ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...