Monday, July 17, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.2



ቀዳም 15 ሓምለ 2017
እነሀና ኣብ መሳልል ኣተሓሳስባ ሰባት ኣቲናስ ምቕያር ኣተሓሳብኦም ናብ ዝብል ካልኣይ ዕሟኾ ምኽርታት በጺሕና። ኣቶ ዴል ቅድም ቀዳድም ንክትዕ ኣወግድ ብዝብል ምኽሪ ምጅማሩ ቅኑዕ ኣካይዳ ኮይኑ እስምዓኒ። ሎሚ ድማ እታ ካልኣይቲ ምዕራፉ A Sure Way of Making Enemies –And How to Avoid It ትብል ከስተርእየላ ክፍትን’የ። እዚ ኣጻሕፋይ ምናልባት ምስቲ Stream of Consciousness ዝመሳሰል’ዩ እዚ ካብ ቀደም ዝጥርጥሮ ዝነበርኩ ዓይነት ኣጽሕፋ ‘ነሀለ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሰብን “ኣምላኽን” እእመነሉ። WordWeb ዝበሃል ኣብ ላፕቶፐይ ዘሎ መዝገበ ቃላት ከምዚ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ “A literary genre that reveals a character's thoughts and feeling as they develop by means of a long soliloquy” ብ James Joyce ዝተጻሕፈት Ulysses  ትብል ልብወለድ ቅምጥ ዝበለት ኣብነት’ያ ዝብልዋ። እቲ ዘሕዝን ወይ ዘሐጉስ ሲዶና ነዛ መጽሓፍ ኣንቢበያ ኣይፈልጥን ከንብባ ውን ኣይደልን። እንድዒ! ምንባብ ዘይትፈቱ ደንቆሮ እናኾንኩ እኸይድ ኣለኹ። “ኣንብቡ!” ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንሰምዓ ምኽሪ እንድያ ፡ ኣብ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ጥበብን ኣድላይነታ ኣይክሕዶን ናብ መንፈሳውነት እንተመጺኻ ግን እንድዒ። ስለዚ እንታይ ዓይነት ጸሓፊት ከም ዝኾንኩ ተፈሊጡ ኣሎ ማለት’ዩ “ነዊሕ ነብሰ-ዝርርብ ዝዓብለሎ” ኢሉ ድዩ ገሊጽዎ፡ እሺ ጥራይ’የ ክብል። ተመስገን ኣምላኽ! ኣብ መወዳእታኡስ ንሲዶና ትኸውን ባኮ’ዶ ‘ምበር ተረኺባ። ለባማት ከም ዝብልዎ ዝኾነት ጸሓፊት ቅድም ድምጻ ክትረክብ ኣለዋ ድሕሪኡ ዓይነት “ጆንራኣ” ተለሊ ድሕሪኡ ነዚ ጻዕዳ ወረቐት በል ትብሎ። ከም ናይ ትማል ትግርኛ ሓንካስ ኢለ ኣይጻረፍን’የ ነዛ Consciousness ትብል ቃል ግን ትርጉማ ክፈልጣ ምደለኹ ግን ኣበይ ትርጉም ከይህልዋ ኢልክያ። መን’ሞ ‘ዩ ክትርጉማ፧ እንታይ ክብል ስለ ዝደለየ’ኸ’ዩ ክትርጉማ፧ ምናልባት ተተርጉማ እንተኾነት ውን ከመይ ኣቢላ እዛ ብዙሕ ምንባብ ዘይብርሃ ሃካይ ጓል ክትፈልጥ፧ ኣየገድስን’ዩ።
ዕድመ ንጉግል ነጻ ብሎግ ዝፈቐዱ፡ ዕድመ ን ዛከርበርግ (ወዲ ሽኮር ጎቦ ማለት’ዩ። ጀርመንኛ ክመሃር እደሊ ስለ ዝነበርኩ ገለ ቃላት እፈልጥ’የ። ዛከር ማለት ሽኮር ማለት’ዩ፡ በርግ ድማ ጎቦ ስለዚ ዛከርበርግ ዓቢ ስም ዘይኮነ ሓረስታይ ወይ ጎቦ ሽኮር ማለት’ዩ። ብሉምበርግ ገለ ጎቦ ማለት’ዩ። ትርጉም የፖ ወዲ ጎቦ ናብ የፖ ወዲ ኹርባ ለዊጦማ መምህር ኣማረ። ስለምንታይ እንድዒ) ንማርክ ዛከርበርክ ወዲ ኹርባ ነዛ ምስ ሰብ መራኸቢትን ግዜ መጥፍኢትን ዝፈጠረ ዕድመ ይኹኖ፡ ዕድመ ነቶም ኣብ ማትሪክ ኣርባዕተ ዘምጽኡ ላፕቶብ ንሃቦም ዝበሉ፡ ዕድመ ናብዛ ዓለም ክመጽእ ዝዓደሙኒ ኣቦይን ኣደይን፡ ዕድመ “ንኣምላኽ” ክሳብ ሕጂ ብህይወት ዘጽንሓኒ፡ ዕድመ ንኹሎም መማህራነይ ዘለዎም ዘካፈሉኒ፡ ዕድመ ንኹሎም ዝፈልጦም ሰባት ዕሽነት ክዛረብ ከለኹ ዝተጻወሩኒ፡ ዕድመ ነዛ ክራይ ዝኾነት ዓለም፡ ዕድመ ነዚ እንታይ ምዃኑ ዘይንፈልጦ ኣድማስ! በቃ ሎሚ ሲዶና ብተመስገን’ያ ቅዳሴኣ ክትጅምር። ሐራይ ቐሺት ሶዶና! እዞም ጴንጤ ኣሕዋትና ኣዋልድ ኣቕሽሽቲ ይፈቕዱ እንድዮም ስለዚ ድሕሪ ገለ ዓመታ ቐሺት ምባል ይልመድ ይኸውን። “ምጾታት!” ክብላየን በዓል ዓባየይ ኣብ መቓብረን ኮይነንJ። ናይ ተመስገን ነገር ምስ ተላዕለ ክልተ ነገራት ትዝ እብላኒ ኣለዋ። ሓደ ጳውሎስ ዝበሎ “ተመስገን ዝፈልጥ ሃይማኖት ክንደይ ዓቢይ ረብሓ እዩ” ወይ ቲ’ ጉደይ ጋሕመጥ መጥ እብል ኣለኹ ኣብ ጥቕሲ! ከምኡታትያ መስለኒ ትብል ኔራ። እንታይ እሞ ክገብር ንኣምላኽ ናይ መልሓስ ኣገልግሎት ክህቦ እንተዝውዕል ተረር ተረር መበልክዎ ኣነ ግን ኣብኡ የለኹን። ከምቲ ኣብ ፒስ ቲቪ ዝሰብኽ ዝነበረ ዛክር ናይክ ንመጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ክርስትያን ዝፈልጦ “ሸኺት” ኣይኮንኩን። ኣቦታትና ክምስሉ “ሰይጣንሲ ከምስል መ/ቅዱስ ይጠቅስ” እዋእ!እዞም ኣቦታትና ቀደም ተነብዮ’ሞ ነዚ ሽጣራ ምስይጣን ትብል ሲዶና ከምዚ ምስ ሰምዐት። ኣብዚ ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ሃዋህው “ምስይጣን” ካብ ኣጽዋር ንላዕሊ መሳርሒ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።  ዝወረዶ ሰይጣን! ከምቲ ዝበሃል ኣብ “ዘመነ ሓበሬታ” disinformation ካብ information ይሕይል። ንቑሕ ሰብ ተዘየለ ሓንጐልካ ክሓጽቡኻ ዝደልዩ “ሓጻቦ” ፈቐድኡ ዘወን ይብሉ ኣለው። እዚ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ምስይጣን እነሀ ሎሚ ኣብ ኩሉ ንርእዮ። ወይ ጉድ! ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱ ከውድቐካ ዝፍትን ሰብ በዛ ምስላ ጌርካ በል ትብሎ። ሲዶና እዚ ሓቂ እቲ ጌጋ ክትብል ስለ ዘይትደሊ ኩሉ ድላዩ ይእመን ድላዩ ይግበር ኣይግድሳን’ዩ። ተመስገን ዝፈልጥ ሃይማኖት ግን ጽቡቕ ነገር ምዃኑ እሰማማዓሉ።
እታ ካልኣይቲ ነጥቢ ድማ ኣብ 2016 ከንብበን ኢለ ዝኣከብክወን ዝርዝር 100 ዝበለጻ self-help መጽሓፍቲ ሓንቲ Thanks: The Science of Gratitude ትብል ኔራ። እዘን ናይ ዴል ካርኔጊ ክልቲአን ኣብቲ ዝርዝር ሰለ ዘለዋ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ ኮይኑለይ ዘሎ። ተመስገን ምባል ንኢጎ ኣይደልዮን’ዩ። ስለምንታይ ኣይደልዮን መጽሓፍ ምሉእ ምኽንያታት ከተምጽእን ናይ PhD መጽናዕታዊ ወረቐት ብእኡ ጥራይ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ኢሂቲ ተመስገን ዘይትብሊ ትብላ ንሓንቲ ሸገርገር ክትብል ዝረኣኻያ መሓዛኻ፧ ከመይ ጌረ ከይሃብተምኩ ትብለካ። ሐራይ ሃብትሚ ግን ሃዲእኪ ነቲ ዘለኪ ስድራቤት፡ ጥዕና፡ ፍልጠት ወዘት እናስተማቀርኪ ዘይትጉዓዚ። ጐይኻ ጐይኻ ናብ መቃብርካ ካብ ኮንካ ስለምንታይ ቀስ ኢልካ ነቲ መገዲ እናስተማቀርካ፡ ምስቶም መጓዕዝትኻ ሰባት ፍሽኽ እናበልካ (ወላ ናይ ብሕሶት!) ንኢጎኦም እናሓለኻ ዘይትጉዓዝ። ህይወት ከምዚያ ከምቲያ ከይበልኩ ብሓጺሩ ጽቡቕ ጉዕዞ ዝጸልእ መን ኣሎ፧ ሲዶና ተመስገን ምባል ክትፈቱ ጀሚራ ኣላ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብዚኣ ክህሉ ድምር ናይ ብዙሓት ነገራት’ዩ እዚ ንኹሉ ዝሓቁፍ ድምር’ዚ እዚ ዕድል’ዚ ስለ ዝሃበኒ ተመስገን። ነቲ ዘለኒ ሽሕን ሚእትን ቀዳዳት እናርኣኹ ንኣምላኽ፡ ንሰባት፡ ንነብሰይ ክወቅስ ኣይደልን። ንዕኦም ምጽራፍ ማለት ሎሚ ከም ዝርድኣኒ ዕሽነት’ዩ። እዚ ኢጎ’ዚ ኮ ዘይገብሮ የብሉን! ኣማርሪ! ተመስገን ኣይትበሊ! ጌና ዝጎድለኪ ብዙሕ ኣሎ! ብዙሕ እሓልፈኪ ኣሎ! ኣይትቕሰኒ! ግዜኺ ተጠቐምሉ! ገለ ግበሪ! ተመስገን ኢልኪ እንተዕሪፍኪ ክትሞቲ ኢኺ! ሽዑ ሲዶና “ስቕ በል! ሓሳዊ” ትብሎ። ክሰርሕ’የ ግን ተመስገን እናበልኩ፡ ክምርሽ’የ ግን ነቲ ዘለኒ እናስተማቐርኩ፡ ክጽሕፍ’የ ግን ህሉው እናረኣኹ። ክነብር’የ ግን ኣብቲ ዝጎደለኒ ዘይኮንኩ ኣብቲ ዘለኒ’የ ከተኩር። እዚ ኣየዋጻንን’ዩ ዝብል ኢጎ ድማ መንድቅ ይግሃጽ ንድየ ክብሎ ሓሲበ ነይረ ገዲፈዮ፡ እዚ ኣየዋጻንን ዝብል ኢጎ ከም ድላዩ ዘዋጽኦ ይግበር ኢለ ክትክኦ’የ።
ስለዚ እነሀት ሳልሰይቲ መፍትሕ ረኺባ ሲዶና። መፍትሕ ዓወት=> ዲሲፕሊን፡  መፍትሕ ኣምላኽ- ፍቓድካ ‘ምባል፡ መፍትሕ ሓጐስ => ተመስገን ምባል። መን ይፈልጥ፧ ምናልባት ኩሉ ናይ ሓሶት መፋትሕ ክኸውን ይኽእል በንጻሩ ውን ናይ ሓቂ መፋትሕ ክኸውን ይኽእል። ተመስገን ምባል ሕጉስ ይገብር’ዶ ይኸውን፧ ኣብ ቀጻሊ ክንሕልሎ (እንታይ ይገበር ቋንቋ ኣብዩኒ ታሕሊል analysis ማለት’ዩ ብዓረብ። ብትግርኛ ግን እንድዒ ረሲዐያ ኣለኹ! ምሉእ መዓልቲ ድሽ ክትርኢ ‘ተውዒልካ ትግርኛ ኣጥፊእካ ዓረብ ትሕዝ! ኣዲኣ ገዲፋ ….. ይኸውን ዛንታኻ) ደሓን ኣብ መንጎ ተመስገንን ሓጐስን ዘሎ ርክብ ካልእ መዓልቲ ታሕሊል ከካይደሉ እሓይሽ መስለኒ።
ኣቶ ዴል ነዛ ካልኣይቲ ምዕራፍ ብ ትዮዶር ሩዝቨልት ካብ ትጽቢታተይ 75% እዋን ልክዕ እንተለኹ ኣዝየ ዕድለኛ’የ ብዝበሎ’ዩ ጀሚርዋ። ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዝተፈልጠ ሰብ 75 ሚእታዊት’ኳ ንጋዶ ርግጸኛ ካብ ኮነ ኣነን ንስኺን ደኣ ስለምንታይ ከምዛ 100% ርግጸኛታት ንዛረብ ይብል። ትማሊ ኣብ ፌስ ቡክ ዘለው “Eritrean Scholars Group” ኣትየ  ኔረ ። ደቂ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ነገር “ኣምላኽ” በል ክበሃሉ ሲዶና ትዕዘብ’ሞ ናብቲ ክርፍስ ኢዳ ትመልስ። ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ ዕሽነት’ንድዩ ግን ውዒላቶ ጠንቃም ሲዶና። “ሼንኪ ደቕሲ” ዘስምዕ ምኽሪ ካብ ሓደ ምስ መጻኒ “ክስርቶስ ኣምላኽ ድዩ ፧” ምሽክናይ ወዲ ኣዋጠርክዎ “ኣይኮነን” መሊሱ። “ከመይ ጌርካ ፈሊጥካ፧” ለባም’ዩ መስለኒ ኣስቂጡ ካልእ ባይታ ይፈጠረልና ከምዝን ወዲ ከምዝን ክንዛረበሉ’ኳ በለኒ። ወዲ “ካብዚ መጽሓፍ ኣንቢበዮ” ኢሉ እንቋዕ ኣይመለሰ “ስሬኻ ብርእስኻ” ምኾነት መስለኒ። ያኢ ኣምላኽ ከም ክልሰ-ሓሳብ መዛረቢ platform ደልዩሉ፡ ከም ናቱ ሓሳብ ዘለዎም ውን ኣይሰንኣኑን’ዮም። ወይ ጉድ! ምጾታት’ዩ! ትዕቢት ወድ ሰብ’ሲ መወዳእታ’ዶ ይህልዎ፧ ን ኣምላኽ ከም ናይ ኣንስታይን “ሕጊ ተዛማድነት” ክዛረቡሉ ይደልዩ ኣለው! ሕጂ ተሓሰብክዎ መዓልታዊ እጽሕፍ ካብ ሃለኹ ናብዛ ብሎገይ ከምጽኦም’ም ዝኾነ ቁምነገር ክጽሕፍ ዝደሊ መበገሲ ምኾኖ። ሲዶና ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ ኣይትጸልኦን ግን ከምቲ ሳእንኻ ኣውጺኻ ናብ መስጊድ ወይ ናይ ኦርቶዶክስ ቤ/ያን ዝእቶ (ኣብዚኣ ገለ ክብል ኢጎይ ይደፍኣኒ ስለ ዘሎ ክዛረብየ) ከምኡ ድማ መጽሓፍ ቅዱስካን ቁርኣንካ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኣቀሚጥካ’ዩ ናብ ዝኾነ ፍልስፍናዊ ዝርርብ ዝእቶ። ሎሚ 1000 ቃላት ዘይኮነ 2000 ቃላት’የ ክጽሕፍ መስለኒ! ጐሓፍ ተደፊኡኒ J
ናብ ሳእኒ ሲዶና ንእቶ ከይረሳዕክዋ! ናይ ሳእኒ ነገር ዘይርስዓ ኣጋጣሚ ን ጆርጆ ቡሽ ኣብ ዒራቕ ሓደ ጋዜጠኛ ሳእኑ ክድርብየሉ ከሎ። እቲ ዘሕዝን ስሒትዎ! ገጹ እንተዝረኽቦ ክንደይ ባህ ምበለኒ። እዚ ነፋጥ ሰብኣይ ንዒራቕ ኣባላሽይዋ- ፖለቲካ ደሓን እጽንሓለይ ጌና ስለ ዘይበሰልኩ ዕሽነት ከይዛረብ። ፍልስፍና፡ ሃይማኖትን ስነ ልቦናን ግን ኣይንሕሾ ኣይንሓምቆ። ሳእንኻ ምውጻእ ሙሴ ኣብ ግብጺ ከሎ ኣምላኽ ምስ ተራእዮ’ዩ ዝጅምር። እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ቃልቃልታ ሓዊ ተራእዮ’ሞ ይብል ጽሑፍ እዚ ዘለኻ’ዩ ስፍራ ቅዱስ’ዩ ሞ ሳእንኻ ካብ እግርኻ ኣውጽእ በሎ፡ ስለዚ ይብሉ ክርስትያን ናብ ቅዱስ ቤቱ ክትኣቱ ከለኻ ሳእንኻ ኣውጽእ። ገለ ድማ “እዚ ስፍራ” ማለቱ ነታ ቦታ’ምበር ንኩሉ ቤት ጸሎት ኣይኮነን ይብሉ። ገለ ድማ እዚ ናይ ቀደም ሕጊ ድሕሪ ክርስቶስ ኣይሰርሕን’ዩ ምኽንያቱ ብደሙ ንኩላ ዓለም ስለ ዝቀደሳ። ኣብ ምስልምና ቅድሚ ምጽላይካ ኩሉ “ጫፋትካ” ብማይ ክትሓጽቦ ኣለካ። ነቲ ኣብ እንዳጉሓፍ ዝረገጸ ሳእንኻ ጌርካ ናብ ቤት ኣምላኽ ክትኣቱ ነውሪ’ዩ ይብልዎ። ሲዶና ምስዞም ሳእኒ ክወጽእ ኣለዎ ዝብሉ ትሰማማዕ ወላኳ ኣምላኽ ሳእንኻ ዘይኮነ ልብኻ ዝርኢ እንተኾነ፡ ወላኳ ሳእንኻ ኣውጺኻ ደሓር ትሰርቕን ትሕሱን እንተኾንካ፡ ወላኳ ሳእንኻ ኣውጺኻ ሓጢኣት ግን ካብ ልብኻ እንተዘይየውጻኻ። እንድዒ! ቅድም ገጽካ ናብ ኣምላኽ ምለስ ደሓር ሳእንኻ ከም ድላይካ ዝብሉ ሓደሽቲ እምነታት ተለው ኣነ ግን ኣማኒ ሳእኑ ከውጽእ ከሎ ባህ እብለኒ። ስለምንታይ ባህ እብለኒ፧ እንድዒ! ኣምሰሉነት እናርኣኺ ስለምንታይ ዘይትሓርቂ ክብል ይኽእል ሓደ “ሳእኒ ወጽዩ ኣይወጽዩ” ትርጉም የብሉን ዝብል ኣማኒ። ሲዶና ፕሮ ኮይና’ያ። ንካልኦት ክትፈርድ ኣይትኽእልን ኣይትደልን ድማ። ሳእኑ ኣውጺኡ ተመሊሱ ሓጢኣት ተገበረ ኣምላኽ ባዕሉ ይፍረዶ። እዞም ሳእኖም ዘየውጽኡ ኣምላኽ እንታይ ክገብሮም’ዩ፧ እንድዒ! ንዕኡ ይምልከት። እዞም ንኣምላኽ ዘይኣምኑ እንታይ ክኾኑ’ዮም፧ እንድዒ! ኣብ ጃፓን ናብ ዝኾነ ገዛ ቅድሚ ምእታውካ ሳእንኻ ተውጽእ ስለዚ ህዝቢ ጃፓን ንኣምላኽ የሐጉስዎ ኣለው’ዶ፧ እንድዒ! እዚ መንፈሳዊ ሕርያ ሲዶና “ንካልኦት ዘይምፍራድ” ጥራይ ኢልካ ጠጠው ምባል ዘይኮነ፡ ካብኡ ሓሊፍካ “ኣነ ልክዕ ንስኹም ጌጋ”ምባል ምውጋድ የጠቃልል። እዚ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልናዮ ምስዘን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ኣይሰማማዕን። ምኽንያቱ ሓደ ሃይማኖት “ኣነ ልክዕ ንስኻ ጌጋ” እንተዘይኢሉ ሓሸውየ ናይ ኢጎ ክሰርሕ ኣይክእልን። ስለዚ ምስታ ዝበለጸት ተስፋ ሰላምና ዝኾነት ኣቦታትና ዝበልዋ “ሃገር ናይ ሓባር ሃይማኖት ናይ ውልቂ” ትብል መርገጺ እሰማማዕ። ኩላትና አእምነትና ኣለና፡ እምነት ካልኦት እናኽበርና ተጸዋዊርና ንንበር’ዩ እቲ መልእኽቲ። እዚ ንረብሓ ኩልና ስለ ዝኾነ ክንሰማማዓሉ ይግብኣና ሽሕ’ኳ እምነትካ “ካልኦት ኣብ ገሃነም ክጥበሱ’ዮም ንስኻ ጥራይ ኢካ ልክዕ ዘለኻ” እንተበለካ  ነቶም ካልኦት ወላ “እናተጋገዩ” እምነቶም ኣኽብረሎም ። እቲ ጸገም “ኖእ! ኣነ ከድሕኖም ኣለኒ” ኢልካ ኣይትሓዙኒ ክትብል ከለኻ’ዩ። እንታይ ረብሓ ኮን ክትረክብ ደሊኻ ኢኻ “ተዘይድሓንኩዎም” ትብል ዘለኻ፧ ናይ ብሓቂ ንመንፈሶም ሓሊኻ ዲኻ፧ ካብቲ ሒዞሞ ዝበልጽ እንታይ ስለ እትፈልጥ ኢኻ “ሃዋርያ” ክትኮነሎም ትፍትን ዘለኻ፧ እንድዒ! ሰዓብቲ ንምጥራይ እዚ ኩሉ ጸደፍደፍ ንምንታይ፧ እንድዒ! ወይ ጣጣ። ኣብ ፌስቡክ ኮነ ዝኾነ ቦታ ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ ንሲዶና “መንፈሳዊ ነውሪ” ‘ዩ ምኽንያቱ ኩሎም ነንጽመጽሓፎም ከም ሳእኒ ኣብ ኣእምሮኦም ወድዮሞ ስለ ዝመጹ። እቶም ዘይኣምኑ ድማ “ንሳእኒ”ወይ መጽሓፍ  ካልኦት ጌጋ ክረኽቡሉ ሓኾት ይብሉ። ጌጋ ናይ ካልኦት እናረኸቡ ልክዕ ከም ዘለው ውሕስነት ክኾኖም ኢሎም’ዮም መስለኒ። እንተ ጌጋ ናይ ካልኦት እምነታት ሪእኻ ተባጩ ተለኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌና ዘይበሰልካ ቆልዓ ኢኻ፡ ባጫ ቁልዕነትካ ‘ምበር ብልሕኻ ኣይኮነን ዝእውጅ። ሃለውለው ከይበዝሕ ጌጋ ናይ ካልኦት ዝልዓልኩ ነዛ ካልኣይቲ ሕጊ ናይ ዴል ምስኣ ስለ ትኸይድ’የ  ክልፍልፍ ጸኒሐ። ንቀጽል!
እዛ A sure way of making enemies ዝብላ ዘሎ መገዲ ንሰብ ተጋግዩ ከም ዘሎ ምንጋር’ያ። ሓቁ’ዩ ንዝኾነ ሰብ “ተጋጊኻ” ምስ እትብሎ  ክልተ መገድታት ኣለዋ እታ ዝርርብ ክትከደሉ ትኽእል። ሓደ፥ ፈላስፋ ከም በዓል ሲዶናን ኣቦይ ፍቃዱን (‘ዞም ንፈልጦም ባዕሎም ዝነኣዱ ሰብኣይ) እንተኾይኑ “ከመይ፧ እስከ ኣርእየኒ” ክብለካ’ዩ ካልኣይ፥ ከም በዓል ዓዲ ገሊኦምን ዓዲ ገሊአንን እንተኾይኑ ግን (ኣብ ትሕቲ ኢጎ ቤቱ ዝሃነጸ ሃካይ ሰብ LOL) ቅጭ ከመጾ’ዩ። ንዝኾነ ሰብ ተጋጊኻ ክብትሎ ከለኻ “ኣነ ካባኻ ንላዕሊ እፈልጥን እልብምን” “ፍልጠትካ ኣብ ቅድመይ ከም ሽምዓ ይመክኽ” ዘስምዕ ንክብሪ ሰብ ዝትንክፍ መርዚ ኣለዎ ይብል ዴል። ንዝኾነ ሰብ “ረአ ሕጂ ንምንታይ ተጋጊኻ ከም ዘለኻ ክእምነካ’የ” ኢልካ ዝኾነ ዘረባ ኣይትጀምር ምኽሩ ይቅጽል ኣቶ ዴል። ከምዚ ዓይነት ዘረባ ንኢጎ “ተዳሎ ክብርኻ ባይታ ከም ዝዘብጥ ክገብሮ’የ” ዝብል መልእኽቲ ከም ምሕላፍ’ዩ። “ኣነ ካባኻ ዝሓሽኩ ስለ ዝኾንኩ ገለ ነገራት ነጊረ ጭብጢ ኣርእየ ሓሳብካ ከም እትቅይር ክገብረካ’የ” ትብል ኣለኻ ብተዘዋዋሪ። እዚ ሽግር ምዕዳምን እቲ ሰብ ሓሳቡ ፈጺሙ ከይቅይር ምትብባዕን’ዩ ይብል ዴል ካርኔጊ። ዴል በቲ ዘይምኖ ኣጸሓሕፍኡ ካብ 2200 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ፈርኦን “ኣኽቶይ” ክሳብ 20 ክፍለ ዘመን ዝኸይድ ዝተፈላለዩ ኣብነታት እናምጽአ ሓሳብ ካልኦት ከነኽብር ይምህረና ኣሎ። እዛ ምኽሪ ብቃላቱ ከምዚ ትጸሓፍ “Show respect for the other man’s (woman’s too) opinions. Never tell a man he is wrong” ውሃ ዘብል ምኽሪ! ትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ይብል ክርስቶስ፡ ሃየ ትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ነዚ ዴል ዝብሎ እንተዝሰምዕ ክንደይ መምሓረ። ሲዶና ሓሳብ ካልኦት ኣኽብሪ ንዝኾነ ሰብ ተጋጊኻ ኣለኻ ኣይትበልዮ።
ክንኣስሮ ሎሚ ካብቲ ልሙድ ወጺአ ኣስታት 1500 ቃላት በጺሐ ኣለኹ፡ እዚ ናይ 500 ቃላት “ኤክስትራ” ሃለውለው ብሰንኪ ጠንቀምቀም ኣብ ፌስቡክ ዝመጸ’ዩ። ስለዚ ነታ ቀዳመይቲ ሕጊ ኣብ ዝርርብ ‘ምበር ኣብ ክትዕ ኣይትሳተፊ ዝተባህለኒ ገዲፈ ክካታዕ ፈቲነ (ዕሽነት ቁጽሪ ሓደ)፡ ንሰባት ጌጋ ከምዘለው ነጊረዮም (ዕሽነት ቁጽሪ ክልተ)፡ ተመስገን እንቋዕ ናብ ካልእ ዕሽነት ከይሰገርኩ ከለኹ ተበራበርኩ። ንሰብ ተጋጊዩ ከምዘሎ ኣይትንገሮ ስለ ዝተበህለ ዓይንኻ ዓምት፡ ሕማቅ እናርኣኻ “እንታይ ገዲሹኒ” በል ማለት ኣይኮነን። ባህልና ተባላሽዩ ኢሎም ዝዛረቡ ብዙሓት ሰባት ኣለው። ኢሂ እንተበልካ “እንታይ ገዲሹኒ” ስለ ዝዓብለለ ይብሉኻ እዚ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ዝመጽእ ዘሎ ምብላል ባህሊ ክንቃለሶ ይጽውዑ። ሓደ ሰብ ተልመዴን ምዃኑ ክትፈልጦ ቀሊል’ዩ ምኽንያቱ ወይ ንዝረኸቦ ምስኡ ዘሰማማዕ ሰብ “ተጋጊኻ” ይብሎ ወይ ድማ ከም ሰገን ርእሱ ኣብ ሑጻ ይቀብር። እዚ ኣካይዳ ሰገን “ውልቃውነት” ከሰይጥኖን፡ ከበሮ ባህሊ እናወቓዕኩ ከኹድድን “ባህለይ”ኢለ ከጣቅዕን ኣይደልን። ታሕሊል ምግባር ግን ኣይምተጸልአን። (ዘኪረያ ትንተና’ያ ትበሃል ብትግርኛ። ወይ ጉድ! ካልኣይ ግዜ ትግርኛ’ዶ ክጽንዕ ኣለኒ መስለኒ) ስለዚ ይብሉ ለባማት ከም በዓል ዴል ንሓሳብ ሰብ ኣኽብር ‘ተተባሃልካ ናብ ህጉም እናኣተወ ስቕ በሎ ማለት ኣይኮነን። ሰለሞን “ንኹሉ ግዜ ኣለዎ” ከም ዝበሎ ንሰብ ተጋጊኻ ኣለኻ ትብለሉ ግዜ ኣሎ፡ ከም ሰገን ኣብ ሑጻ ኣይኮነን ወላ ኣብ ሓዊ ርእስኻ ተእትወሉ ግዜ ኣሎ። ልቦና ዝበሃል መዓስ እንታይ ትገብር ማለት ምስ መን ሰገን-ሰገን ትጻወት ምስ መን’ከ ኢጎ-ኢጎ ትጻወት ምፍላጥ’ዩ። ምስ ሓደ “ትንፈር ኣይትንፈር” ዝብል ሰገን-ሰገን ትጻወት። ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ዝምርኮስ ሃይማኖት (no exceptions!) ጉዳይ ትንፈር ኣይትንፈር ስለ ዝኾነ ሲዶና ምስ ኩሎም ሃይማኖተኛታት ሰገን-ሰገን ምጽዋት የዋጽእ ዝብል ሓሳብ ኣለዋ። ኢጎ-ኢጎ ‘ኸ ምስ መን ክንጻወቶ፧ ስነ-ፍልጠት ኩሉ “ኣርእየኒ” ስለ ዝኾነ ተጋጊኻ ምባል የምሕረልካ’ዩ፡ ከም በዓል ሲዶናን ኣቦይ ፍቃዱን (‘ዛ ሰብኣይ መመሊሳ ኬፍ ትበኒ ኣላ!) እወ ምስ ኣቦይ ፍቓዱን ሲዶና ጓሎምን ኢጎ-ኢጎ ምጽዋት የዋጽእ ምኽንያቱ ወይ ከእምኑኻ’ዮም ወይ ድማ ከተእምኖም ኢኻ።
ብእንግሊዝኛ intellectual honesty ዝበሃል ኣምር ኣሎ። ቅድሚ ገለ እዋን ናይ ስነ-መጎት መጽሓፍ ኣብ ዘንብበሉ ዝነበርኩ እዋን ትዝ ዝበለኒ ክጽሕፍ። ምስ ዝኾነ ሰብ ይብል እቲ ጸሓፊ ምስ ዝኾነ ሰብ ቅድሚ ምክታዕካ ነዛ ሕቶ ሕተቶ “እምነትካ ወይ መርገጺኻ ጌጋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ክትኣምን ቅሩብ ዲኻ፧” ኣይፋል! እንተኢሉካ ወላ መልኣኽ ካብ ሰማይ ወሪዱውን ከእምኖ ኣይክእልን ይትረፍ ንስኻ ካብ ጭቃ ዝተሰራሕካ (creationism) ወይ ወዲ ጓሉ ጓሉ ንኣቦይ ሓሰኻ (evolution) ዝኾንካ ፍጥረት። ካልኣይቲ ትስዕባ ሕቶ “ለባም” ኮይኑ “እንድዒ” ወይ “እወ ክህልዎ ይኽእል’ዩ” እንተኢሉካ ማለት’ዩ ከምዚ ኢልካ ሕተቶ “ብጭብጢ ወይ ብመጐት ምስ ዝረትዓካ ዘለካ መርገጺ ክትቅይር ድሉው ዲኻ፧” ኖእ እንተኢሉካ ዘረባ ተወዲኡ’ዩ ተመሳጊንካ ተፈላለ።  ዘመድ ኣቦይ ፍቓዱ እንተኾይኑ “ሃየ! ውዓሎ! ኣጆኻ ጥራይ ኣእምነኒ ‘ምበር ነዚ ዘለኒ ኣተሓስስባ ከምቲ ተመን ዝኣረገ ቆርበቱ ዝድርብዮ ኣነውን ዝሓሸ እንተሂብካኒ ክድርብዮ’የ” እንተኢሉካ ዕድለኛ ኢኻ! ምስዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ኢጎ-ኢጎ ክትጻወት ሓዲርካ እንተወዓልካ ኣይትጸልኦን። ኣዲኡ ክሳብ ትጽውዖ J ኣዲኡ ማለት ዘዕበዮ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘለው ሰባትን ነገራትን፡ ጥርጣረኡ፡ ካብ ኩሉ ዝዓበየት ድማ ኢጎኡ ብዙሕ ክጻወት ኣይፈቕዱሉን። ምኽንያቱ ብዓቢ ወፍሪ ዘዕበይዎ ሰብ “ክሒዱ” ካብ ሕቁፎኦም ክኸይድ ስለ ዘይደልዩ። ጸረ-ባህሊ ክኸይድ ምስ ዝጅምር ነቲ መሰረት ሕብረተሰብ ዝኾነ ዓንዲ ከነቃንቅ ምስ ዝፍትን “መገዲ የማን” ክሕዝ’ዩ ዝደልዮ ኩሉ። መጐታውን ርዱእን ስክፍታ’ዩ ምኽንያቱ ምንቃሕ ባህልኻን መንነትካን ደርቢኻ ምዕባድ ስለ ዘይኮነ ገለ ተልመዴን ስም ፈላስፋ በሊሎ’ሞ። ሕብረተሰብ ብሰላም ክነብር ሰባት ሕጊ መንግስትን ሕጊ ባህልን ተኣዚዞም ክኸዱ የድሊ። ኩሉ ሰብ ክፈላሰፍ ‘ተጀመረ ግርማ ስለ ዘይብሉ ሕብረተሰብ  ይኹኑ ወለድኻ  ወይስ መራሕቲ ሃይማኖት ብዙሕ ንፈላስፋታት እንተዘየተባብዑ ርዱእ እዩ። ስለዚ እዞኦም ጸወታ ኢጎ-ኢጎ ምሉእ መዓልቲ ክጻወት ንረብሕኦም ዘይኮነ “ሰብ ፍሉይ ረብሓ”ከምቲ ሳእኒ ኣብ ኣፍደገ ዝግደፍ ንሳቶም ዝብልዎ ኩሉ ኣብ ኣፍ ደገ ፍልስፍናዊ ኣዳራሽ ክግደፉ ኣለዎም። ሳእኒ ኣየድልን’ዩ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ምኽንያቱ ተመሊስካ ሳእንኻ ስለ ትገብር። ዓይነት፡ ሕብሪ፡ ዓቀን፡ ፋሽን ናይ ሳእንኻ ክትልውጥ ግን ቁሩብ intellectual honesty ይሃሉኻ። ምናልባት “ተጋግየ” እህሉ እኸውን’የ በል። “ኖእ! ሓቂ ጓል ሓትነያ ብዓሌትናን ሃይማኖትናን ንሓቂ ንፈልጣ ኢና” ትብል ተለኻ ድላይካ ግን ዶብ ካልኦት ኣኽብር፡ ሰብ ኣኪብካ ኣይተጽምመና! ናይ ውሽጥኻ ንውሽጥኻ ግበሮ። “ንስኺ’ኸ፧” ተሓተትካኒ ካባኻ በሊጸ’ዶ ኢልካኒ፧ ኣነ ከኣ ናይ ውሽጠይ ንውሽጠየ ዝገብሮ። “እዚ ጽሑፍ’ከ፧” ተበልካ “መን ጠዊቑ ንብሎግ ሲዶና ኣንብብ ኢሉካ፧” ዩ መልሰይ። ሰገን-ሰገን ንጻወት ተበልኩም ሃየ፡ ኖእ ኢጎ-ኢጎ ይሕሸና ተበልኩም መርሓባ። ኩሉ ጸወታ ንግደፎ መመገድና ተበልኩም(ሰገን-ሰገን) ማለት’ዩ ውን ኣይጽላእን። ወይ ሲዶና ዝብኢ ትገብር! ንካታዕ ተበልኩም ንካታዕ ኣይንካታዕ ተበልኩም ኣይንካታዕ። ተባዕታይ ዝብኢ “ንካታዕ” ጥራዩ ዝፈልጥ ኣንስተይቲ ዝብኢ ግን “ክልቲኡ ግርም ፡ ዝበልኩሞ ይኹን” ’ያ ትብል። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...