Wednesday, July 5, 2017

ስለምንታይ ዝዓበየት “ትእዛዝ” ሕልማዊት ከም ዝኾነት



ሰሉስ ሓምለ 4 2017
ሓደ ኣይሁዳዊ ንክርስቶስ ክፍትኖ ደልዩ ድዩ ወላ ክፈልጥ ደልዩ እዝጊ ዋንኡ  ጽብቕቲ ሕቶ ሓተቶ። “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧” ኣነ እዛ ሕቶ ኣዝያ’ያ ደስ ትብለኒ ዝተዋህባ መልሲ ከኣ ዝያዳኣ እፈትዋ። መልሳ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፡ ብምሉእ ሓሳብካ፡ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቕር። እታ ካልኣይቲ ንዓኣ ትመስላ ትእዛዝ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ገቢርካ ኣፍቕር።” እዚ መልሲ ኣብ ናይ ኣይሁድ ቶራ ወይ ብሉይ ኪዳን ተጻሒፉ ዝነበረ’ዩ (‘ተዘይ ተጋግየ ኣብ ትንቢት ኢሰያስ ኣሎ)። ምስዛ ነጥቢ ትኸይድ ድማ ናይ ጳውሎስ ብወርቂ ቀለም ክትጸሓፍ ዘለዋ 1ይ ቆረንጦስ 13“እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ ነበራ ካብዘን ሰለስተ እትዓቢ ፍቅሪ’ያ”።
ፍቅሪ ናይ ብዙሓት መዝሙር ስለ ዝኾነት ሲዶና ሎሚ ፍቅሪ ክትዝምር’ያ። ብዙሕ ተጻሒፍሉ፡ ተደሪፍሉ፡ ተፈልሲፍሉ’ዩ ስለዚ ክምልእ ወይ እንታይ ሓድሽ ክብል እኽእል፧ ከምቲ ዝበሃል ፍቅሪ ማለት ኣምላኽ ማለት እንተኾይኑ ብቃላት ክጽይቆ ኣይደፍርን። ፍቅሪ ማለት ዘልኣለማውነት እንተኾይኑ ክርድኦ ኣይጽዕርን። ፍቅሪ ማለት ህይወት እንተኾይኑ ቀናጢበ በብሓደ ክፍትሾ ኣይመርጽን። ፍቅሪ ማለት ስምዒት ማለት እንተኾይኑ ክሎግሞ ኣይደልን። ከምታ ናይ ቀደም ሲዶና እንተዝኸውን ፍቅሪ እንታይ ማለት’ዩ ኢለ ሓቲተ ብቃላት ክምልስ ምጀመርኩ እንተ ሎሚ ክበሃሉ ዘይክእሉ ነገራት ከም ዘለው ስለ ዝተሰወጠኒ ፍቅሪ ከምዚ’ዩ ከምቲ’ዪ ኢለ ናይ ፍቅሪ ፈጣሪ ከኾርዮ ኣይደልን።
ኣብ ከባብየይ ብዝርእዮ ነዚ ቆርበት ፍቅሪ ተኸዲኑ ዘወን ዝብሎ ዘሎ ፍቅሪ ቁ.2’የ ክዛረብ። ቀዳማይ ፍቅሪ ማለት ጥቅሚ ማለት’ዩ። ኪዲ ሓሳዊት! ክብለኒ ይኽእል ሓደ ብብዝሒ ፊልም ብምርኣዩ ዝንቡዕ ኣረኣእያ ዘሎ ጐበዝ። ምናልባት ዓው ኢልካ ፍቅሪ ጥቅሚ’ዩ ምባል ዘይተፈቃሪ ክገብረካ ይኽእል ይኸውን። ገለ ለባማት ውን ነታ “ጥቕሚ” ትብል ቃል ብካልእ ልዝብ ዝበለት ቃል ይቅይርዋ ይኾኑ ኢልካ ኢልካ ግን ፍቅሪ ብኽሳራ ዝንቀሳቀስ ዋኒን ኣይኮነን። ክወርደልካ ‘ተደሊኻ ናይ ምልውዋጥ ባይታ ኢልካ ወላ ስመዮ ደሓን። ይግደሰልካ፡ ትግደሰለይ፡ ከምዚ እብለካ ከምዚ ትብለኒ፡ ከምዚ እበካ ከምቲ ትበኒ እቲ ጸገም ምስ ግዜ እቲ ትበኒ ፍጊዕ ከብለኒ ይጅምር፡ መቀረቱ ክጎድል ይጅምር፡ ኩሉ ትብሎ ምስ ሰማዕኩ እትሓስቦ ከይተዛረብካኒ ክፈልጦ ምስ ጀመርኩ፡ ነተን ቀዳሞት ናይ ፍቅሪ እዋናትና እናዘከርኩ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢልካ ከለኻ ‘ተን መዓልታት “እንተዝድገማለይ” ኢለ እናፍቅ!
ከምዚ ምዃኑ ሲዶና ጽቡቕ ኣይትብሎ ሕማቕ ኣይትብሎን። ኣብ ሓድሕድ ዝተሰረተ ምዃኑ፡ ዓቢ ናይ ኢጎ ወፍሪ ዝካየደሉ ዋኒን ምዃኑ ወይ ምምሳሉ ምስ ግዜ እናዛሕተለ ዝኸይድ ምዃኑ ቅንኢ ዝዓብለሎ ምዃኑ ንተፈቃሪ ከም ንብረት ክትውንኖ ምድላይካ ኩሉ’ቲ ዝካየድ ድራማታት ፍቅሪ ከምኡ ምዃኑ፡ እንቋዕ ኮነ ካልእ ክኸውን ውን ኣይምኸኣለን። ካብ ሓቂ ርሒቅካ ክኾኖ ዝግብኦን ዘይግብኦን እናበልካ ሕግታት ኣውጺኻ ንፍቅሪ ኣብ ኢድካ ከይተሕውዮ ተጠንቀቅ። እዚ’ዩ ሓቀኛ እዚ ድማ ናይ ጥቕሚ እናበልካ ክትገምዖስ እንታይ ይበሃል፧ ከምዚ እዚ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ’ዩ እዚ ናይ ብሕሶት እናበልካ ንኣምላኽ ምምቃል ይመስል። ኣብ ተፈጥሮ ጥቅሚ ዘይብሉ ነገር የልቦን ይበሃል (ክሳብ ጥቕሙ ትረኽቦ) ስለዚ ዕዳ ሓቊፍካ ክትነብር ምስ ግዜ ቅጭ ክመጻካ ይኽእል ይኸውን። ኦሾ ንዴል ጋርነጊ ከልዕሎ ከሎ ንሰባት ተዋሳእቲ ይቕይሮም ኣሎ ይብል። ኣብታ ሃው ቱ ዊን ፍሬንድስ ትብል መጽሓፍ “ንሰበይትኻ መዓልታዊ ከም ተፍቕራ ንገራ፡ ኣብ ቁርሲ፡ ምሳሕ ድራር” ደጋግሞ ምስ ግዜ ክወሃሃደካ’ዩ ሽዑ ልክዕ ወላ ዘይስምዓካ ከሎ ከም ሬፍለክስ፡ ከም ዓይንኻ ሰም ምባል፡ ከም ምስትንፋስ ፍቅሪ መውጽኢ ኣፍካ ክኸውን’ዩ መልእኽቱ። እቲ ዘሕዝን ከምኡ ጌሩ ብዙሕ ኣብ ቀዳማይ ሓዳሩ ኣይተዓወተን፡ ብርግጽ ዴል ጋርነጊ ስለ ዝተፋትሐ እቲ ንሱ ዝበሎ ኣይሰርሕን’ዩ ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእልን። ኩሉ መድሃኒት ንኩሉ ሰብ ይሰርሓሉ ማለት ኣይኮነን። እቲ ጽቡቕ ቃላት እናደጋገምካ ዝግበር ተዋስኦ ምስ ግዜ ስለ ትኣምኖ ሓቀኛ ህይወትካ ይኸውን። ኣነ ካብ መራር ሓቂ እናደርበየ ሕፍረተይ ዝቀልዕ ሰብ ብልዙብ (aka መዓር) ዘረባ ነቲ ዘሎ ክፉእ ዝመስል ኩነታት እናቀምቀመ ነቲ እሾኽ ንውሽጢ እናእተወ ዝዛረበኒ ሰብ እፈቱ። ዴል ጋርነጊ ውን ከምኡ’ዩ ነጥቡ። ኢጎ ናይ ሰብ ተገቲርካ “ሓቂ” ስለ ዝነገርካ’’ዮ ኣይፈትወካን’ዩ ብቀደሙ ሓቂ መዓስ ጠፊኣቶ፡ “ዝርድኦን ዝርድኣን” ሰብ’ዮም ስኢኖም ዝበሃል። ንኢጎ ናይ ሰብ ቀበጥበጥ እናበልካ ተሓሊኻ’ዮ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኣብ “ፍቅሪ” ክትወድቕ ትኽእል ይበሃል። ንዝኾነ ዝግደሰልካ ሰብ ትግደሰሉ፡ ንዝፈትወካ ትፈትዎ፡ ንዘፍቅረካ ተፍቅሮ ባህርያዊ ሕጊ’ዩ። ክትፍቀር ኣፍቅር ወላ ምስ ግዜ ከምቲ ትሓስቦ ኣይኹን ወላ ፍቕርኻ ይወዳእ!
የሱስ “ነቶም ዝፈትውኹም እንተፈተኹም እንታይ ሓለፋ ገበርኩም” ይብል። ስለዚ ይብል ናይ ብሓቂ ሰውራዊ ትምህርቲ ክርስቶስ “ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዝረግምኹም መርቑ” ኢሉ ምሂርዎም። ኣቱም ክርስትያን ኢና በሃልቲ እሞ’ኸ ደኣ ንጸላትኹም ተፍቕሩ’ዶ ኣለኹም፧ ብዙሕ ግዜ ከም ዋዛ ትመጽእ ናይ የሱስ ዘረባ ኣላ ‘ሓደ ገጽካ ንዝጸፍዓካ እታ ካልአይቲ ገጽካ ምለሰሉ”ኢሉ። እዚ ኣንጻር ሰብኣዊ ርድኢት’ዩ ይበሃል። ስለምንታይ ኣንጻር ባህርያዊ ሕጊ ክኸይድ ደልዩ ክርድኣኒ ኣይክእልን’ዩ ምናልባት ክሳብ ሕጂ ዘይበጻሕክዎ ነገር ክኸውን ይኽእል። ካልእ ባህርያዊ ሃይማኖት ዝበሃል ግን “ንጸላኢኻ ቅተሎ” ኢሉ ይእዝዘካ፡ ንጸላኢኻ ተጻረሮ፡ ንጸላኢኻ ስዓሮ! ግን ኩሉ ግዜ ጸላኢ ክህሉ ኣለዎ፡ እቲ ፍልልይ እቲ ሓደ ኣፍቅሮ ይብለካ እቲ ካልእ ድማ ቅተሎ ይብለካ ኮሊሎም ኮሊሎም ግን ኣብ ጸላኢ ይመጹ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልናዮ ብዘይ “ባድ ጋይስ” ሃይማኖት ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ንባድ ጋይስ ኣፍቅሮም ክብለካ ከሎ ምናልባት ካብቶም “ንጸላኢኻ ቅተሎም” ዝበለ ዝሓይሽ ይመስል ይኸውን እንተ ኣነ ግን ካብኡ ንላዕሊ እጽበ ኣለኹ። “ጸላኢ የብልካን” ኢሉ ዝምህር’ዩ መምህረይ። መን’ዩስ ከ ጸላኢኻ፧ ኩሉ ንጥቅሚ ወይ ስእሊ ኢጎኻ ዝትንክፍ! ወይ ጉድ! ምናልባት ክስርቶስ ጸላኢ የብልካን ክብል ኣይክእልን ኔሩ ይኸውን ምኽንያቱ መን ፈቲኑኒ ክብል’ዩ’ሞ፧ መን ሰቂሉኒ ክብል’ዩ’ሞ፧ መን ተጻሪሩኒ ክብል’ዩ ሞ፧ መን ንመጓሰይ ካብ ኢደይ ክምንዝዐን ደልዩ ክብል’ዩ ሞ፧ ኩሎም ሃይማኖታት ብዘይ ሰይጣን ንበሎ ወላ ድያብሎስ ክነብራ ኣይክእላን ምኽንያቱ መሰረተን ንዕኡ ምጽራር ስለ ዝኾነ።
ክኣስሮ፡ እቲ ደስ ዘብል እታ “ዝዓበየት” ትእዛዝ ተባሂላ ዘላ ንኣምላኻ ኩሉ ነገርካ ምስ ሃብካ ንሰይጣን ዝኸውን ቦታን ግዜን ሓሳብን ኣይክህልወካን’ዩ ንማለት ዝመጸት ትመልስ። ብዙሕ እዋን ዝተፈላለዩ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ገይሮም እንተ ጸቀጥዋ ኣዝያ ደስ ተብል’ያ። ናይ ሎሚ ዝመጹ ዘለው ሓደስቲ ጨናፍር ንእምነት ርእሲ ኩሉ ይገብርዋ፡ ናይ ቀደም ዝነበሩ ንስርዓት ወይ ግብሪ የቀድሙ መቸም ነናቶም መገድታት የውጽኡ ኣለው። ኣነ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ክብሎ ስልጣን ይኹን ኣፍልጦ የብለይን ግን ንፍቕሪ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ ነገራት እትገብር መገዲ እንተትህሉ ከንደይ ኮን ደስ ምበለኒ። እታ ሕልማዊት ናይ ፊልምታት ፍቕሪ ዘይኮነት ግን ግብራዊት ፍቕሪ፡ እታ ንኣምላኽ ምበር ንዓይ ዘይትብል ፍቕሪ፡ እታ እንኮ ድሌታ ንኣምላኽ ክትፈልጥ ዝኾነት ፍቕሪ፡ እታ ኩሉ ነገራ ንኣምላኽ ዝወፈየት ፍቕሪ፡ እታ ቆለ ኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ፡ እታ ከም ጠንቋሊት ስም ኣምላኽ ክትጽውዕ እትውዕል ፍቕሪ፡ እታ መፈጸምታ ድሕነት ዝኾነት ፍቕሪ፡ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኢሉ የሱስ ዝመስከረላ ፍቕሪ፡ እታ ጥቕሚ ዘይብላ ከሎ ስቕ ኢላ ምሃብ ትፈቱ ፍቕሪ፡ እታ ክትገልጻ እትኸብድ ፍቕሪ። እዚ ኩሉ ከማን ዕሽነት’ዩ ምኽንያቱ ንሰብ ጸላኢኻ ኣፍቕር ክርድኦ ይኽእል’ዩ “ጸላኢ የብልካን” ግን ክትቕበሎ ይኸብደካ ምኽንያቱ ኢጎ ብዘይ ተጻራሪ ክነብር ኣይክእልን። ከምቲ ኤክሃርት ዝበሎ ነዛ ዘላ ህሞት ዘይምቕባል መጀመርያ ደወል ናይቲ ኲናት’ያ። ኣብዛ ሕጂ ህሞት ከምዚ እንተዝኸውን መምሓረ ወይ ፡ ከምቲ ተዝምላእ ምጸበቐ ኢልካ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ ትኣቱ። እዚ ኣካይዳ ናይ ሲዶና ከምኡ ይመስል። ሰባት ፍጹም ፍቕሪ ክህልዎም ኣለዎም፡ እዛ ዘለናያ ዓለም ትልወጥ ኣለዋ ወዘተ እናበልኩ ነቲ ዘሎ ገዲፈ ናብቲ ስግር ማዕዶ የማዕዱ ኣለኹ። እዚ ድማ ኣንጻር’ቲ let things be ዝብል ምኽሪ ለባማት’ዩ። ዓለም ከምዚ ዘላቶ ትኹን ግደፍያ፡ ሰባት ከምቲ ዘለውዎ ይኹኑ፡ ኩሉ ፍቓዱ እዩ ስለዚ መን’የ ኣነ ካልእ ክብል፧ ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...