Saturday, July 1, 2017

ስለምንታይ ቡድሃ “ኣይትእመነኒ” ከም ዝበለ



ሓምለ 1 2017
ሓደ ወደ መዝሙር ናብ ሰኪቶ ዝበሃል ካህን ዘን ክመሃር መጸ። “ካበይ መጺኻ፧” ሰኪቶ ነቲ ተመሃራይ ሓተቶ። “ካብ ኮሰይ እየ መጺአ”፡ “ነቲ ኣብ ኮሰይ ዝነብር ፍሉጥ መምህር ኣቶ ባሶ ትፈልጦ’ዶ፧” ፡ “እወ እፈልጦ” ሽዑ ሰኪቶ ናብ ኣብ ጥቅኡ ዝነበረ ዝወደቀ ዕንጸይቲ እናመልከተ “ባሶ ነዚ’ዶ ይመስል’ዩ፧”እናበለ ሓተቶ።  እቲ ተመሃራይ ዝምልሶ ጠፊእዎ ደው በለ። ሲዶና መጀመርያ ናይ ዘን ዛንታታት ምንባብ ምስ ጀመረት “ኣይኮነን ኢሉ ዘይምልሰሉ” ትብል ነይራ ምስ ግዜ ግን ከምቲ ንየሱስ ብምስላ ክዛረብ ከሎ እንትርፎ እቶም ደቀ-መዛምርቱ (ንሳቶም ውን ባዕሉ ምስ ገለጸሎም እንተዘይኮይኑ) ዝርድኦ ዘይነበረ ነዚ ናይ ጽሉላት ዝመስል ዛንታት ዘን ድማ ክገልጸልካ ዝኽእል ሰብ (ብዓረብ “ክፍስረልካ”) የድሊ ይኸውን። እዚ በቶም ርትዓውያን ኢና በሃልቲ ሰባት ቅቡል ኣይኮነን። ምስጢር ኣምላኽ ንኩሉ ኣእምሮ ዝተዓደሎ ሰብ ክበርሃሉ እንተዘይክኢሉ “ስነ-ፍልጠተኛታት” ብኣምላኽ ክኣምኑ ከጸግሞም ይኽእል። እቶም “ገለጽቲ” ውን በብዝጥዕሞም ስለ ዝገልጹ ምፍንጫል ዘይብላ ሃይማኖት ትከሰስ’ዩ ዘብል። ኣምላኽ ካባኻ ንላዕሊ ንሓደ ካህን ኣብሊጹ ክርእዮ’ሞ ምስጢር ሃይማኖት ክገልጸሉ ምውራድ ይኣብየካ። ምናልባት ትዕቢት ስለ ዘለካ ከይከውን ኣብ መንጐይን ኣምላኽን ዝኾነ ሰብ ክኣቱ የብሉን፡ መማህራን ሃይማኖት ክህልዉ የብሎምን ትብል ዘለኻ።
ናብ ዛንታና ንመለስ እቲ ተመሃራይ ናብ ባሶ ተመሊሱ ኩሉ ዘጋጠሞ ነገሮ። ባሶ “እቲ ዕንጸይቲ ዓቢ’ዶ ነይሩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ተመሃራይ “እወ”ኢሉ መለሰ። ባሶ ተቀቢሉ “እሞ ኣዚኻ ጉልበተኛ ሰብ ኢኻ” በሎ ይበሃል። ትማል ምሸት ነዛ ዛንታ ምስ ኣንበብክዋ ኣይተረድኣትንን ደሓን ይእቶ ኦሾ ናይ ዘን ዛንታታት ስለ ዝገልጽ ግን “ክፍስረለይ” ናብኡ ኣማዕደኹ። ሰኪቶ ናብቲ ዕንጸይቲ እናመልከተ ምዝራቡ ኣብ ሕጂ ይነብር ከም ዘሎ የርኢ። “ህላውነት” ኣብ ጽባሕ ወይ ኣብ ትማል ኣይኮነን። ግዜ ዝበሃል ነገር ብሓቂ የለን (ኣንስታይን ዝበሎ) ስለዚ ሰዓት ወይ እዋን ኩሉ ግዜ ሕጂ ጥራይ’ዩ። ካብ ሕጂ ክወጽእ ዝኽእል ሰብ የልቦን፡ ኣብ ሕጂ ኮንካ ንጽባሕን ትማልን ትበጽሐን። ኩሉ ትምህርቲ ኤክሃርት ቶለ እዛኣ’ያ። ሰኪቶ ኣብ ቅድሚኡ ዕንጸይቲ ስለ ዝነበረ’ዩ ከምኡ ኢሉ፡ ደንጎላ ኣብ ቅድሚኡ እንተዝነብር “ባሶ ንደንጐላ ይመስል’ዶ፧” ምበለ። ስለዚ ኣብ ሕጂን-ኣብዚን ንበር ማለት’ዩ። ባሶ ነቲ ተመሃራይ “ኣዚኻ ጉልበተኛ ኢኻ” ምባሉ፡ ሰኪቶ ኣብ ሕጂ ምንባር ከርእየካ እናደለየ ንስኻ ግን ነታ “ሓሳብ” ናይ ዕንጸይቲ ሒዝካያ ናብ ኮሰይ ተመሊስካ፡ ከሲርካ ማለቱ’ዩ።
ሰባት ዕንጸይቲ ተሰኪምና ኢና ንንቀሳቀስ። ኣብ ቂም ወድ ቂም ምሓዝ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ መንነትና ውን ከም ዕንጸይቲ ተሰኪምናዮ ንነብር መስለኒ። ዕንጸይቲ ካብ ከባቢኻን መጽሓፍትን ትኣራሪ ተሰኪምካ’ዮ ኣብ ጐደና ሓርነት ሸናዕ ትብል። ሲዶና ተሰኪማ፡ ንስኻ ተሰኪምካ፡ ንስኺ ተሰኪምኪ ኩላትና ጸጾርና ሒዝና ኣብ ንራኸበሉ ክንደይ ‘ኮን ደስ የብል! ሰኪቶ ወይ ባሶ ተመሊሶም እንተዝርእዩና ይብል ሓደ ሰባኺ ልቦም ብድንጋጸ ምመልአ’ሞ ካብዚ ዘየድሊ ጾር ከናግፉና ምጸዓሩ። እንተ ንሕና ግን እዚ ኩሉ ዝኣከብናዮ ዕንጸይቲ መንነትና ስለ ዝመስለና ብቀሊሉ ክንገድፎ (letting-go) ይኸብደና። ምስ ግዜ ዕሽነትናን ድንቁርናን ምቅላዕ ምስ ኣብዝሑልና ከም ሶቅራጠስ ንምርዞም፡ ከም ክርስቶስ ንሰቅሎም፡ ከም ኣል-ሒላጅ ብሴፍ ንቆራርጾም፡ ከም ዣን ኣርክ ብሓዊ ነቃጽሎም፡ እንስሳታት ዘይገብርዎ ጭካነ እናገበርና ንድምስሶም። እዚ ፍቕሪ ምስቲ ተሰኪምናዮ ዘለና ዕንጸይቲ ዘመልክት ይመስል፡ ካብቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ከግድፈካ ዝመጸ ኩሉ “ጸላኢ”ትከላኸል።
ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙሕ ሰብ ኣብ ክልተ ክምቀል ይኽእል። ሓደ ነዛ ዓለም ከም መዳለዊት ነታ ትመጽእ’ያ ይብል፡ እቲ ካልእ ድማ ብዘይካ ‘ዚኣ ካልእ የለን ይብል። ዉሑዳት ኣብ ሳልሳይ ጉጅለ ዘለው ከኣ ወላ ሓንቲ ኣይብሉን። ጉታማ ቡድሃ ካብ ደቂ መዛምርቱ ኩሉ ዓይነታት ሕቶታት ይቕበል ነይሩ እንትርፎ “ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ’ዶ፧” “ኣባጅጐ ኣሎ’ዶ፧” “መንፈስ ኣለና’ዶ፧” ዝብላ ገለ ውሑዳት ግን ኣይምልሰንን ነይሩ። ናይ ቡድሂዝም ተኸተልቲ መልሰን ጠፊእዎ ዘይኮነ፡ ዶግማ ክህበና ስለ ዘይደለየ እዩ ይብሉ። ሓንቲ ካብ ጥቅስታቱ ሪእኻ ትብዓት ቡድሃ ክትግምት ቀሊል እዩ። “ኣነ ስለ ዝበልክኹም ወይስ ጽሑፍ ስለ ዝጸንሓኩም ዝኾነ ነገር ኣይትእመኑ” እዚ ምስ ዝኾነ ነቢ ናይ ኣምላኸ’የ ዝብል እሞ ኣወዳድሮ፧ ከም ክርስቶስ “ኣነ ወዲ ኣምላኽ’የ እሞ እመኑኒ” ኢሉ ኣይልምነካን’ዩ ዘሎ። ከም ሙሴ ኣምላኽ ተዛሪቡኒ ኣይኮነን ዝብለካ ዘሎ። “ከይረኣዩ ዝኣምኑ ብጹኣን እዮም”ኣይኮነን ጭርሑኡ፡ ንሱስ ኣነ ካብዚ መዋቲ ስጋ፡ ካብዚ ግዝያዊ ቤት ማእስርቲ፡ ካብዚ ዝተመልአ እንተተመልአ ዘይዓግብ ሸውሃት ወድ ሰብ መውጽኢ ኣሎ። ካብዚ ዘለናዮ ተመስገን ዘይፈልጥ ኣካይዳ መውጽኢ ኣሎ። እቲ መውጽኢ ግን ኣብዚ እመን ኣብቲ እመን ዘይኮነ፡ ብነብስኻ ጀምር’ዩ ዝብል ኔሩ። ከምቲ ብፍላጻ ማንቲክ ክራማ ዝተወግአ ኣብ ቃንዛ ዘሎ ሰብ ኢና። ቀዳመይቲ ክትገብራ ዘለካ ነታ ፍላጻ ምውጻእ’ዩ‘ምበር ብዛዕባ ዓይነት ናይታ ፍላጻ፡ ሕብራ፡ ቅርጻ፡ ቁመታ፡ ክትወግኦ ከላ ዝነበራ ፍጥነት ነቲ “ውጉእ” ነጊርካዮ ካብ ቃንዝኡ ኣይተናግፎን ኢኻ ይብል። ኩሎም ሃይማኖታት ድማ ኣብ ኣምላኽን ባህርያቱን ብምትኳረን ነቲ ሽግር ወድሰብ፡ ጠንቂ ጭንቀቱ፡ ጸገሙ፡ ሕማሙን ዝኾነ ኣብ ክንዲ ምእላይ ኣብ ግዳማዊ ነገራት የድህባ ይብል። ዕላማ ሃይማኖት ንቃንዛኻ ደው ምባል’ዩ። “ቃንዛ ደው ክብል ይኽእል ድዩ፧ ክፋል ህይወት ስለ ዝኾነ ናይ “ሽጣራ” መስበኺ እዩ ‘ምበር ሰብ ብዘይ ቃንዛ ዝነብር ምስ ሞተ ጥራሕ’ዩ” ክብል ይኽእል ሓደ ሓውና። ካልኦት ሃይማኖታት “ነዚ ንብለካ ወይ ተቀበሎ ወይ ኣብ ገሃነም ክትኣቱ ኢኻ። እቲ ምርጫ ናትካ’ዩ!” ምፍርራህ ዝዓብለሎ መልሲ የስምዑኻ፡ ቡድሃ “ኣይትእመነኒ ፈትኖ፡ተሰርሐ ጽቡቕ ኣይሰርሐን ከኣ ትጉሕፎ” ይብለካ። ሰባኺት ቡድሂዝም መሲለ! ኢሎ’ሞ ኢዩ ኩሉ ዘረባይ። ኦሾ “ናተይ ዕንጸይቲ ክስከም ክሳብ ዘይጀመርኩ ናይ በዓል ቡድሃ ዕንጸይቲ ምስካም’ዶ ይሓይሽ፡ ወይ ናይ የሱስ፡ ወይ ናይ ባህቡላ፡ ወይ ናይ ላኦ ጹ ወይ ናይ መሓመድ”ይብል። እንተቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ዝበሃል ግን “እዚ ዶግማ ዕንጸይትና” ተሰከም ዘይኮነ ክብለካ ዘለዎ ዕረፍቲ ከመይ ጌርካ ከም ትረክብ’ዩ ክምህረካ ዘለዎ። ስለዚ ብዝኾነ መገዲ ጌርካ ዕረፍቲ እንተረኺብካ ንሲዶና ወዲ መዝሙራ ኢኻ። እቲ ዕረፍቲ ግን ከም ንፋስ ሰሜን ምጽእ ኪድ ዝብል ዘይኮነ ምስ ረኸብካዮ ዘይገድፈካ ዓይነት ክኸውን ይምረጽ። የሱስ ክመባጻዕ ከሎ “ካብዚ ‘ዛ ዓለም ትህበኩም ሰላም፡ ናተይ ሰላም ይዓቢ” ኢሉ ነይሩ። ክንደይ ካብ ተኸተልቱ’ዮም ነዛ ሰላም ረኺቦማ፧ እንድዒ። ብዙሓት ብቀንጠ መንጢ ክጭነቁ ኢኻ ትርእዮም፡ ከምኡ ኢልካ እንተነቀፍካዮም ድማ ይኹርዩ ወይ መመኽኔታ የምጽኡ። ጉድኳ የ ረኺበ ሶዶና። “መነዴኺ ሞኒተርና ምስ ገበረኪ፧”እንተበልካ ሓቅኻ  ኢኻ ግን ወላ ሞኒተር ኣይሃሉ ከምቲ ትሰብኮ ምንባር እንተትጅምር ቁሩብ ነብስኻ ከተኽብራ ምጀመርካ መስለኒ። ንሰብ ክርእየልካ ጽቡቕ ምግባርካ ኣነ ኣይጸልኦን’የ ምኽንያቱ ኩሉ ወድ ኣዳም ኣብ ቅድሚ ካልኦት ምውሳእ ስለ ዝኾነ ስራሕና፡ ትብሎ ካልእ ትገብሮ ካልእ ምዃኑ ከማን ከማኻ ሰብ ምዃነይ ስለ ዝርድኣኒ ኣይሕዘልካን’የ። ጸገመይ እንተወሓደ ኣምሰሉ ምዃንካ ተቀበሎ። ሕማምካ ከይኣመንካ ፈውሲ የለን ስለዚ “ኣነ ኣምሰሉ እየ” በል (ኢጎኻ እንተፈቂዱልካ) ። ብዙሕ ሰብ ኣነ ኣምሰሉ’የ ክብል ኣይደልን ግን ኣምሰሉ ምዃኑስ ጭሩ’ኳ ትፈልጥ። ክሳብ ኣምሰሉነትካ ዘይተቀበልካ መንግስተ ሰማያት ከም ኣብ ጽንጽዋይ ዓሊ ባባ ብዛንታ ጥራይ ኢኻ ክትሰምዓ።
ክንኣስሮ፡ ንሃይማኖታት ዓለም ክተመሓይሽ ምድላይ፡ ንሰባት ክተድሕን ምድላይ፡ ንጌጋታት ክትእርም ምድላይ ሕማም (The Messiah Complex) ናይ ደቂ ሰብ’ዩ። ኩሉ ዝኾነ፡ ዘሎን፡ ዝኸውንን ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ኩሉ ከምዚ ዘለዎ ዘሎ ከምኡ ክኸውን ስለ ዘለዎ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ዲቕ ዝበለ ጽሕፍቶነት ከይኣተና ኩሉ ከምኡ’ዩ። ውልቃዊ ናጽነት ‘ተሎ ኣምላኽ የለን፡ ኣምላኽ ‘ተሎ ድማ ውልቃዊ ናጽነት ዝበሃል የለን። ወይ ፍቃድ ኣምላኽ እዩ ወይ ፍቃድካ ይበሃል። ሳልሳይ መገዲ ከኣ ዕሽነት ካብ ምዝራብ፡ ካብ ዕንጸይቲ ሰኪቶ ምልዓል “ምስካት” ‘ሞ ነዚ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ “ህይወት” ምንባር ምኽንያቱ ምናልባት ከምቲ Jack Nicholsen ዝበሎ “You Can’t Handle The Truth” ከይከውን። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...