Saturday, July 1, 2017

ድሌትና ምርካብ ስለምንታይ ፍታሕ ከም ዘይኮነ



ሰነ 24 2017
ድሕሪ ዓመትን ክልተ ወርሕን ተለቭዥን ምርኣይ ጀሚረ ኣለኹ። እዘን ዝሓለፋ 3 ወይ 4 መዓልታት ዝረኣኹለን ግን ኣይግድን! ኩሉ ነገር ከምቲ እትጽበዮ ከም ዘይኮነ’ኳ እንተተመሃርኩ፡ ከምቲ ትጽቢተይ ኮይኑ ስለ ዘይጸንሓኒ ግን ደስ ኣይበለንን። “ኪዲ መንደቅ ገሃጺ!” ነዚ ኩነት ክገልጽዎ ከለው፡ ሓንጐልካ “እዚ ጐዲሉኒ ስለ ዘሎ ንዕኡ ክረክብ ኣለኒ” ዝብል ጠለብ የቅርብ’ሞ ኣብቲ ዓቢ መጽሓፍ ድሌታት ይምዝገብ። እዚ ዝርዝር ድሌታት እናነውሕ ይኸይድ፡ ከም ገሊኦም ሰባት ዝብልዎ “ዕድለኛ” እንተኾንካ ካብቲ ድሌታትካ እናረኸብካ ናብ ታሕቲ ዘለዉ ድሌታትካ ትወርድ። ኣብ ክንዲ’ታ ኣብርሃም ማስለው ዝበላ ንላዕሊ ትኸይድ “ሃረም-ድሌታት” ዘይኮነት ንታሕቲ ትወርድ ሃረም’ያ ዘላትካ። ሓንጐልካ ነዚ ድሌታት ናይ ምምላእ ዝብል ተራ ሞያይ ኢሉ ክሕዞ ምስ ጀመረ፡ ሰብ ኣብ ክንዲ ዘለዎ ዝርኢ ነቲ ዝጐደሎ ክርኢ ይጅምር። በታ ሕማም 99 ትበሃል ሕማም ድማ ይውለፍ። እዛ ዛንታ ናይ ሓደ ብህይወቱ ዕጉብ ዝነበረ ቀምቃም ጸጉሪ ንጉስ’ያ ተዘንቱ። እቲ ንጉስ ምስጢር ሓጐስ’ቲ ቀምቃሚ ክፈልጥ ደልዩ ነቶም ለባማት ኣማኸርቱ ጸዊዑ ምስ ሓበሮም፡ “እዚ ደኣ ግደፎ ናባና፡ ለይቲ ኣብ ገዝኡ ኬድና 99 ወርቂ ሰልዲ ዝመልአት ሳንጣ ንደርብየሉ’ሞ፥ እዛ ሓጐሱ ክንደይ ከም ትጸንሕ ክትርእያ ኢኻ” ኢሎም ኣማኸርዎ። እቲ ንጉስ ከምቲ ዝበልዎ ምስ ገበረ ንጽባሒቱ እቲ ወትሩ ንግሆ ተበሪህዎ እናተሓጐሰ ዝመጽእ ዝነበረ ቀምቃሚ፡ ገጹ ኣሲሩ፡ ሓጐሱ ሃሚምዎ ናብ ስራሕ መጸ። ነዚ ዝረኣየ ንጉስ ብልቡ ባህ እናበሎ ከም ሓላዪ መሲሉ “እንታይ ደኣ ኴንካ ሎሚ፧ ናይ ደሓን ዲኻ፧” ክብል ሓተቶ። እቲ ቀምቃሚ ሓንቲ ወርቂ ሰልዲ ክረክብ ከም ዘለዎ ሓበሮ። ሓንቲ ወርቂ ሰልዲ ናይ ስለስተ ወርሒ ደሞዝ ሰራሕተኛ’ያ ኔራ። እቲ ንጉስ ነቲ ቀምቃሚ ጸዊዑ “ ወላሓንቲ ወርቂ ሰልዲ ዘይብልካ ከሎ ሕጉስ ኔርካ፡ ደሓር ከኣ 99 ረኺበልካ ኣብ ክንዲ ትሕጐስ በታ ዝተረፈት ሓንቲ ወርቂ ሰልዲ ክንዲዚ ሓሚምካ። ረአ በል ስለምንታይ ከማኻ ሕጉስ ከምዘይነበርኩ፡ ሎሚ ግን ክልቴና ማዕረ ኴንና!” በሎ ይበሃል።
ኢጎ ብትግርኛ ቀጥታዊ ትርጉም የብላን። “ኣነ” ኢልካ ተተርጉሚካያ ከኣ ምስቲ ሓቀኛ “ኣነ” ከይትገራጮ ትፈርሃ፡ እቲ ጽቡቕ ነገር ከምዚ ዝበልናዮ እንተኾይኑ ኣብ መወዳእታ “ኣምላኽ” እምበር “ኣነ” ዝበሃል ክተርፍ የብሉን። ስለዚ ኩሉ ኣነ ናይ ሓሶት ኣነ’ዩ ማለት’ዩ ምኽንያቱ ድላይካ ሕሰብ ድላይካ እመን ብፍቓድካ ኣይኮንካን ናብዛ ዓለም መጺኻ ስለዚ እቲ “ክትመጽእ” ዝዓደመካ’ዩ ምበር ንስኻስ የለኻን። ባዕልኻ ትቆጻጸራ ህይወት እንተትህልወካ “ኣነ” ክትብል ምተፈቕደልካ ሕጂ ግን ኩሉ ኣንነትካ መሸፈኒ ቅርቃንካን መረስዒ ድኻምካን’ዩ። ንቀጽል ኢጎ ኢልና ንርዓማ፡ ኢጎ ተመስገን ምባል እንተጀሚሩ እቲ ዝጐደለ ፈቲሽካ ጸብጻብ ምቕራብን ዕላማታት ምስራዕን ዝብል ስርሑ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣቱ ተመስገን ክትብል ኣየፍቅደልካ’ዩ ይብሉ ተመራመርቲ ኢጎ። ኣብ ቀጻሊ ማሕዩር ናይ ድሌታት ዘእትወካ ዘሎ ኢጎ እፎይ ከይትብልን ነዚ ናይ “ሓሶት” መጋረጃኡ ከይትቀልዖን ስለ ዝፈርህ’ዩ ይበሃል። ተዓዘብ ከባቢኻ ኩሉ ድሌታቱ ረኺቡ ዝሞተ ሰብ ኣሎዶ፧ ብዙሕ ንዘልኣለም ክነብር ይደሊ፡ ስለዚ ኢጎ ንመንግስተ ሰማያት ዝበሃል ሸቶ ምሂዙ። ኩሉ ኣብዛ ሓጻር ህይወት ዘይተመልአ ድሌታት ኣብታ ትመጽእ ከም ዝምላእ ይገልጽ። ንኣምላኽ ከም ፈጻሚ ድሌታት ወድሰብ ይገልጽዎ! ወይ ኢጎ ትብል ሶዶና ኢጎ! ወላውን እቲ ባዕሉ ነብሱ ዝቐትል ብናይ ኢጎ ድሌት ዝተለኽፈ’ዩ። ምኽንያቱ ካብዛ ዓለም ክትሃድም ምድላይ ንባዕሉ ድሌት ስለ ዝኾነ። ድሌት እንተዘየለ ህይወት ከም እተቋርጽ ጌሩ ንሰባት ብምእማን ሰባት ኣብ ክንዲ ንነብሶም ክፈልጡ ዝጽዕሩ ድሌታት ናይዚ ጐይታኦም ዝኾነ ኢጎ ክመልኡ ይነብሩ ይበሃል። እቲ ጸገም ኣይትስራሕ፡ ኣይትማዕብል ዘይኮነ ኢጎ ኣገልጋሊኻ ክንዲ ዝኸውን ጐይታ ይኸውን ስለ ዘሎ’ዩ ይብሉ። ንኢጎ ካብ ስልጣን ኣሊኻ ብመን ክትትክኦ፧ ነዚ ናይ ሸውሃት ማሺን ብኣምላኽ ይተካእ ይብሉ። ኢጎ ሰዲድካ ኢጎ ምትካእ ዘይኮነ፡ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ምንጋስ ‘ዩ እቲ ፍታሕ።
ኣምላኽ ንልብኻ ክእዝዛ ከሎ ከምዚ ብዙሓት ኣሕዋት ዝገብርዎ ክኸፍኣካ ከሎ ጥራይ ስሙ ትጽውዖ ዘይኮነ ምሉእ ብምሉእ ነብስኻ ምእንታኡ ምብጃው’ዩ ዘድሊ። ንግሆ ፡ ፋዱስ ፡ ምሸት“ፍቓድካ ‘ምበር ፍቓደይሲ ኣይኹን“ ክትብል ኣለካ። ከም ትእዛዝ ክትብል ኣለካ ምባል ከማን ከንቱ’ዩ። ልክዕ ከምዚ ካልኦት ሕግታት ክትዝሙ የብልካን፡ ክትሕሱ የብልካን፡ ክሰርቕ የብልካን ወዘተ “ክትብል የብልካን”ሰብ ትቐትል ኣላ። “ኣዳም ካብዚኣ ገረብ ክትበልዕ የብልካን” ኢሉ ክእዝዞ ከሎ ይብሉ ገለ ተጫረቕቲ ቁሩብ ሳይኮሎጂ ቀመስ ኔሩ እንተዝኸውን reverse psychology ተጠቒሙ ካብዛ ገረብ ብላዕ እንተዝብሎ ምሓሸ፡ ምኽንያቱ ብላዕ እንተተባሂሉ መመኽኔታ እናምጽአ ኣይምበልዓን ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብ ገነት ምነበርና ኢሎም ይዋዘዩ። ስለዚ “ንኣምላኽ ኣብ ልብኻ ከተንግሶ ኣለካ” ኢልካ ምዝራብ ከምዘይሰርሕ ኣዳም ትምህርቲ ኮይንና’ዩ። “ፍቓድካ ንኣምላኽ ሃብ ምበር ብዝኾነ ኣይትጨነቕ” ኢልካ ዝሰበኽካዮ ሓውኻ ብኣፉ ክደግማ ወላ ይኽኣል ኣብ ግብሪ ግን የለን። “እንታይ ኮንካ ትጭነቕ ኣለኻ፧ እቲ ትኣምኖ ኣምላኽ መጺኡስ ከናግፈካ ዘይከኣሎ’ዶ መስለካ፧ ኣምላኽ ንፍቑራቱ ይሓድጎም ድዩ፧” ኢልካ ምስ እትሓትት ብዙሓት “ስጋይ ድኹም’ዩ፡ ወላ ኣምላኽ ከም ዘሎ እንተኣመንኩ ግን ጌና”ኢሎም ዕባራ ምኽንያት የምጽኡልካ። እቲ ኢጎ ወላ ሰይጣን ንበሎ ፍቓድካ ኣሕሊፍካ ንኣምላኽ ምሃብ፡ ብኣምላኽ ም’ምራኽ፡ ኩለንትናኻ ደርቢኻ ናብኡ ምጉያይ ኣይፈቕደሎምን። እቲ “ዘይኣማኒ” ኣቦኡ ዘፍለጠ ተሪር ኢጎ ስለ ዘለዎ “ፍቓደይ ኣሕሊፈ ኣይህብን፡ ኣምላኽ የለን ስለዚ ወናኒ ፍቓደይ ኣነ’የ” ይብል እቲ “ኣማኒ’የ”  በሃሊ ግን እንታይ ኮን ኢሉ ክመኽኒ ‘ዩ፧
ዘን ከም ምርጫ ዘቕርባ “ፍታሕ” ኣላ።  ሃይማኖት ናይቲ ዝዓበኻሉ ኣከባቢ ጽልዋ’ዩ። ብዙሕ እዋን ሰብ ወለዱ ስለ ዘጽንሕዎ ጥራይ’ዩ ዝኽተሎ። እመን ኣይትእመን ኣይገድስን’ዩ ምኽንያቱ ኩላትና ትሽዓተ ወርሒ እተጠነስና ሰባት ኢና። ሃይማኖትካ፡ ቋንቋኻ፡ ሕብሪ ቆርበትካ ብዘየገድስ፡ ኢጎ “ባህርያዊ” ምሳና ዝተፈጥረ’ዩ። ስለዚ ይብል ዘን ኣብ ክንዲ ንሰብ ከምዚ ግበር ከምቲ ኣይትግበር ኢልካ ብላዕሊ ላዕሊ ብቀለም “ከተድሕኖ” ትፍትን  ውሽጡ ከም ዝልወጥ ክትገብሮ ኣለካ። እዚ ማለት ኣብ ክንዲ “ፍቓድካ ንኣምላኽ ሃብ” ትብሎ ባዕሉ “ኦ ኣምላኸይ እነሀ ነብሰይ ኣብ ኢድካ የማዕቁባ፡ ከም ፍቓድካ ግበረኒ” ኢሉ ብፍቕሪ ናብ “ኣምላኽ” ክቐርብ ኣለዎ። ከምዚ ግበር ሰለ ዝበልካ ጥራይ ኢጎ ከምኡ ይገብር ማለት ኣይኮነን። “ኣምላኽ ረኺበ እንታይ ጥቕሚ ክረኽበሉ’የ፧” ኢሉ’ዩ ዝሓትት። ነዚ ንምምላስ ድማ ድሕሪ ሞትካ ንዘልኣለም ክትነብር ኢኻ፡ ሸውሃትካ ክሳብ ዝረዊ ኣብ ጽላል ኣምላኽ ክትቕመጥ ኢኻ ወዘተ እናበሉ መብጽዓታት ይእተወሉ። ኢጎ “በሊሕ’የ” ኢሉ ስለ ዝሓስብ ግን ኣብዛ ዓለም ክሳብ ሞት መጺኡ ዝወስዶ ድሌታቱ የርዊ፡ ክትመውት ናይ ዘይምድላይ ድሌት ግን እዛ ዓለም ክትህቦ ስለ ዘይትኽእል ናብ ተዋጻኒ’ያ ዝብላ ሃይማኖት ይጽጋዕ ፡ ነቲ ግበሮ ዝበሃል “ሕግታት” ድማ ካብ ውሽጡ ኣሚኑሉ ዘይኮነ ዓስቢ ክረክብ ኢሉ ይገብሮ። ፍቓድካ ንኣምላኽ ስለምንታይ ኣይትህቦን ዘለኻ ክትፈልጥ ኢጎ ከመይ ይሰርሕ ምፍላጥ ኣኻሊ’ዩ ይበሃል።
ክኣስሮ፡ ተለብዥን ምርኣይ ጀሚረ ግን ካልእ ድሌታት የቋርጽ ማለት ኣይኮነን። ክሳብ ግዜ ሞት እሱር ናይ ድሌታት ምዃንና ምናልባት ኣዳም ካብ “ገነት” ክስጎግ ከሎ ዝተረግማ ክትኸውን ትኽእል። ክሳብ ፍቓድካ ናብ ኣምላኽ ትድርቢ ክትዕበስ ዘይትኽእል ሸውሃት ዝስማ ቀዳድ ኣብ ልብኻ እገብር ኣለኹ ኢልዎ ይኸውን። ሰብ ሰለስተ ምርጫታት ኣለዎ፡ ሓደ ናይቶም ጌና ጭብጢ ዝደልዩ ዘለዉ ህይወት ድሌታትካ ክመልእ ተሕልፋ ካልኣይ ኣማኒ’የ በሃሊ ህይወቱ ንኣምላኽ እናወደሰ (ብመልሓስ ጥራይ ውን ይፍቐድ’ዩ) ተሕልፋ ሳልሳይ ኣነ፡ ድሌተይ፡ ፍቓደይ፡ ገንዘበይ፡ ህይወተይ ምባል ገዲፍካ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ። ናትካ “ኣነ” ዘይኮነ ዝነብር ግን ፍቓድ ኣምላኽ ብኣኻ የስተንፍስ፡ ጐይታ ብእኻ ይበልዕ፡ ተለቭዥን ይርኢ፡ ሰባት የፍቕር፡ ደቂ ይወልድ፡ ኣውቶቡስ ጌሩ ስራሕ ይኸይድ፡ እወ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝብልዎ ኣሕዋት ይወስደካ’ሞ ኣብ ኣምላኽ ትጠፍእ። ናይ ሱፊ ተኸተልቲ “ፈናእ-ፊ-ላህ” ይብልዎ። ትነብር ግን ንስኻ ዘይኮንካ ኣምላኽ ብኣኻ ጌሩ ይነብር! ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...