Wednesday, July 5, 2017

መፋትሕ ዓለማውን መንፈሳውን ህይወታት



ሰንበት 2 ሓምለ 2017
ወላ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት ይቅረብ ክጽሕፍ ስለ ዘለኒ ጥራይ ግን ምጽሓፍ ጀሚረ ኣለኹ። ዲሲፕሊን መሳልል ናይ ዝደለኽዎ ነገር’ያ ኢላ ትዛረብ ጐርዞ ሲዶና እነሀ በሊ ከምታ ዝበልክያ ስሬኺ ወይ ቀሚሽኪ ብርእስኺ ኣውጽያ ኮይና። ምዃን’ኳ ቀምሽ ብርእስኻ ከተውጽኦ ይቀልል መስለኒ ስለዚ ነዛ ናይ ድስፕሊን ነገር ኣብ ኣዋልድ ኣይትሰርሕን’ያ ‘ዶ ክበሃል ተደልዩ ይኸውን፧ ኢሂ’ቲ ካብ ሓደ ዓንጃል ወዲ ዝንእስ ዲሲፕሊን ይህልወኒ ኢልኪ’ዶ ትሓስቢ ኢኺ፧
እስከፍ ኣለኹ። ብዓርቢ ንሓብቲ ፈላጢተይ ብዛዕባ ጀሚረ’ዮ ዘለኹ ናይ ብሎግ ሓሳባት ምስ ኣካፈልክዋ ዝበለትኒ መልሲ ትዝ እብለኒ ኣሎ። “One page per day, that is a lot of commenting” ስክፍታይ ድሕሪ ገለ እዋን እዚ ኣብዚ ዝጽሕፎን ዝሓስቦን ሓደ ከይከውን እሞ ሲዶና ዑመር (ናይ ብሓቂ ስመይ ዘይኮነ) ምስታ ሓቀኛ ነብሰይ ዝብላ ተወሃሂደን መንያ መን ምፍላይ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከይበጽሕ እስከፍ ኣለኹ። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ዓንገረር ዝበልክሉ “ነብስኻ ኣጥፊእካ ንኣምላኽ ምርካብ” ዝብል ጭርሖ “ነብስኻ ኣጥፊእካ ብካልእ ምትካእ” ብዝብል ክቅየር የብሉን መስለኒ።
ሓድሽ ዘስተውዕሎም ዘለኹ ነገራት ገለ ኣብዚ ዝጸሓፍክዎም ሓሳባትን ኣበሃህላታትን ኣብ መዓልታዊ ምስ ሰባት ዝዛረበሉ ኣጋጣሚታት በጨቕ እናበሉ ክኣትዉ እርእዮም ኣለኹ። ንኢጎ “ኢጎ” እናበልኪ ኣይተራጉድዮ በጃኺ! እንታይ ይሕሸኪ ሲዶና፧ ስለ ዝጸሓፍካ ጥራይ ኢጎኻ ምናልባት እናተራቀቀ ክኸይድ ይኽእል ይኸውን፡ ሓሳባትካ ኣብ ሓደ እናተጠርነፈ ይኸይድ ይኸውን፡ ምናልባት ከምዚ ወይ ከምቲ እናበልካ መመኽኔታታት ኣምጺኻ ምጽሓፍ ከም ዘቋርጽ ክትገብረኒ ትሓስብ ትህሉ ትኸውን እንተ’ቲ ኣነ’ሞ ዓመት ምሉእ ክጽሕፍ’የ። ኢጎይ እንተረጐደ ከኣ ወላ ክንዲ ሓርማዝ ይኹን!
ዲሲፕሊን መፍትሕ ዓወት’ያ እንተደኣ ኢልና ብዘይ ኤክሰፕሽን ኣብ ኩሉ ሊከቶታት ህይወት ክንገጥማ ኣለና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ህይወት ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኾነት! እዛ መወዓውዒት ዘይዝክራ ‘ተሎ ቆልዓ’ዩ። ዓንተዎይ ምስ ሓደ ብጻይ ኣብ ነዕልለሉ ኣብ ዝነብርና እዋን ብዛዕባ ነብሰይ ኣብዚ እዋን’ዚ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብከምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ገይረ ገሊጸሉ። “ኣብ ዓለማዊ ህይወትካ ዲሲፕሊን’ያ ‘ታ መፍትሕ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትካ ድማ ንኣምላኽ ፍቃድካ’ምበር ፍቃደይ ዘይምባል” በልኩዎ። ከምኡ ምባለይ ከምዚ ዓቢ ልቦና ዝደለብኩ ኮይኑ ተሰመዓኒ’ሞ ብነብሰይ ባህ በልኒ። ሲዶና በልክዋ ንነብሰይ “እነሀ ነብስኺ ተዕርፈሉ ለምለም ሸኻ ምስ ወሓዚኡ፡ ተሓጐሲ ኣምላኽ ባሪኹኪ’ዩ’ሞ ተፈስሂ”። እወ ተፈስሂ! ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...