Wednesday, July 12, 2017

ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.3



ሰንበት ሓምለ 9 2017
ድሕሪ ፍሽኽታ እንታይ ኮን ይመጽእ ይኸውን፧ ዴል ጋርኔጊ ኣብዛ ሳልሰይቲ ምዕራፍ ብቀጥታ ናብ ኣገዳስነት ስም ናይ ወድ ሰብ’ዩ ኣትዩ። ኣብታ መጽሓፍ ከምዚ ክብል ብ ቦልድ ጽሒፍዎ ኣሎ Remember that a man’s (or woman’s-my addition ) is to him the sweetest and most important sound in any language. ብዙሓት ሰባት ንሲዶና ሓዊስካ ስም ናይ ሰብ ኣይንዝክርን ኢና። እዚ ጸገም ገለ እዋን ብወግዒ ስም ስለዘይተለዋወጥ ክኸውን ከሎ፡ ገለ እዋናት ከኣ ዋላ ስም ምስ ተለዋወጥካ ትርስዖ። እዚ ከምቲ ብዙሕ ሰብ ዝርድኦ ስለ ዘይትግደስ እዩ። ንሰብ ስሙ ምስ እትርስዖ ካልእ ድላይካ መመኽኔታ ዋላ ኣምጽእ፡ ክትቅበሎ ወላ ኣይትድለ ስም ሰብ ምርሳዕካ እቲ ሰብ ክድንቲ ኣገዳሲ ኣይኮነን ማለት’ዩ። ስለዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ኣብዚ ብዙሕ ሰብ ዘይደፍኣሉ ዓውዲ “ምዝካር ስም ሰባት” ምስ እትነጥፍ ከም ተፈታዊ ሰብ ክገብረካ ዝኽእል።
በንጻር’ዚ ክንዛረቦ ዝጸናሕና ሓንቲ ትደልያ ጓል ቁ. ቴሌፎና ምስ ትህበካ ወላ ኣብ ወረቐት ኣይትጽሓፋ ወላ ወቕዒ ሓንጐል የጋጥምካ ኣይትርስዓን ትኸውን። ስለምንታይ ደኣ’ሞ ስም እቲ ቅድሚ ሰሙን ዝረኸብካዮ ሰብ ዝጠፍኣካ፧ ቀሊል’ዩ ‘ት መልሲ-ኣገዳሲ ስለዘይኮነ። ናይ ዴል ጋርኔጊ ፍልስፍና ንሰብ ዋኒን ዝዓለመ ስለ ዝኾነ ኣብ ሓደ ኣኼባ ወይ ድግስ ንእትረኽቦ ሰብ ድሕሪ ወርሒ ኣብ ኦፊሱ ኬድካ ገለ ንብረት ክትሸጠሉ ምስ እትደሊ ስሙ እንተረሲዕካ’ዮ ጠፊእካ’ዩ ዝብለና ዘሎ። ካብዚ ተበጊሱ ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ነዛ ምዕራፍ If you don’t do this, you are headed for trouble ኢሉ ሰምይዋ ዘሎ። ካልእ መዓልቲ ንሰብ ክትረኽቦ ከለኻ ኣብ ጽፍርኻ ከይትኣቱ፡ ዘድልየካ ነገር ‘ተሎ ስሙ ከም ትዝክሮ እናርኣኻ “እከለ ሓወይ” እናበልካ ምስ እትሓቶ ክተሓባበረካ ዘሎ ተኽእሎ ላዕሊ’ዩ ይበሃል።
“…..ኣብ ዓለም ዝመቀረትን ዝዓበየትን ነገር….” ኢልዋ ኣሎ ዴል ካርኔጊ ንስም ወድሰብ! “ደይ ከምዚኣ ‘ንታይ ደልየ ደይ ከምዚኣየ” ኢሉ ይድብል ይህሉ ኣቶ ኢጎ። (ወይዘሪትን ወይዘሮን ኢጎ ውን ኣይገድፋን’የን)። ንኢጎ ከነቋሽሽ ዘይኮነ ግን ነቲ ክንሰብኮ ዝቀነና “ኣነ ማእከል ናይዛ ዓለም’የ” ዝብል ስምዒት ወይ ርድኢት ኢጎ ምሕላው ሰባት ከም ዝፈትውኻ ክገብር ይኽእል’ዩ ክበሃል ከሎ ንሲዶና ይገርማ ኣሎ። ልዕል’ዚ ዝተጠቅሰ ትምህርቲ ድማ ዕሽነተይ ይርድኣኒ ኣሎ። ከመይ ጌረ ክግምቶ ዘይከኣልኩ ኣይርድኣንን ዘሎ ምኽንያቱ መንፈሳውነት ማለት ንኢጎ ምቕታል እንተኾይኑ ኣብዛ ዓለም ምስ ሰባት ብጽቡቕ ክትነብር ድማ ንኢጎኦም ከመይ ጌርካ ጽቡቕ ከም ዝስምዖ ምግባር ምዃኑ’ስ ክፈልጦ ምተገብኣኒ። ማዕለሽ! ጌና ማይ ኣይሓለፎን ሲዶና ሽኾር-- ነዛ ኣብ ዓለም ዝመቀረትን ዝዓበየትን ስምኪ ከኣ ክንደጋግመልኪ ተፈተኽና ኣይፍለጥን።
ስም ሰብ ምዝካር ከቢድ’ኳ እንተኾነ ምስቲ ዝህበካ ረብሓ ኣረኣኢኻ ግን የውብህካ ዘብል’ዩ። ዴል ካርኔጊ ከም ኣብነታት ጠቂስዎም ዘለው ፖለቲከኛታት ኣሽሓት ሰባት ብስሞምን ስም ኣብኦምን ክዝክሩ ይኽእሉ። ቀደም ከመይ ጌርካ Superpower Memory ተማዕብል ትብል PDF ኔራ፡ እዛ መጽሓፍ ትርጉም ዘይብሉ feats ከምኒ ባኮ ምሉእ ናይ ጠላዕ ካርታ ትሽምድድ፡ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ነገራት ሓንሳብ ሰሚዕካዮም ከመይ ጌርካ ትዝክሮም፡ ቁጽርታት ከመይ ጌርካ ትዝክር ወዘተ ዝብል ኔርዋ። እታ ኣገዳሲት (ምስ’ዚ ንዛረበሉ ዘለና ትኸይድ) ድማ ስም ሰብ ምስ ገጹ ከመይ ጌርካ ትዝክር። ኣብታ መጽሓፍ ብጻዕዳን ጸሊምን ብርሳስ ዝተሳእሉ ሰባት ትዝ ይብሉኒ ኣለው። ስም ሰብ ወፍሪ ክግበረሉ ዘለዎ ዓውዲ ካብ ኮነ ድማ ሲዶና ነዛ መጽሓፍ ካልኣይ ግዜ ረኺባ ከተንብባ ኣለዋ መስለኒ። ክትዝክሮ ትደሊ ሰብ ምዝካር ዓቢ ምስጢር ኣይመስለንን ጥራይ ግዜ ሂብካ ነታ ስም ደጋግማን ብዛዕባ’ቲ ሰብ ገለ ድጋፍ ዝኾነ ሓበሬታ ምልኣያን። እታ ጸገም ድማ እዚኣ’ያ ተገዲስካ ግዜ ሂብካ ብዛዕባ’ቲ ሰብ ክትሓስብ ማለት ካብታ ማእከል ዓለም ዝኾነት ነብስኻ attention መንዚዕካ ነቲ ክዝከር ተደልዩ ወይ ተደልያ ዘላ ሰብ ምሃብ ማለት’ዩ። ነዚኣ ድማ ኩሉ ሰብ ኣይክእላን ወይ ክገብራ ኣይደልን። ዴል ካርኔጊ ነዚ ምስ ትገብሪ ዓስቢ ክህልወኪ’ዩ እብለኒ ኣሎ። ሐራይ ኣይተ ዴል ካርኔጊ ምኽርኹም ሰሚዕዮ ኣለኹ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ድየ ግን እንድዒ ምኽንያቱ ሰብ ዝሰምዖ ወላ ውን ኣገዳስነቱ ይረድኣዮ ኣብ ባይታ ምስ መጸ ብዙሓት ካባና ሓንካሳትን ቆራያትን ‘ዮም ዝኾኑ።
እዛ ነጥቢ ብዘይ’ታ ቀዳመይትን ካልኣይትን ብዙሕ ትርጉም የብላን። ከም መእተዊ ቀደም ዝተላለኻዮ ሰብ “እከለ” ኢልካ ስሙ ጸዊዕካ ነብሰ-ክብሩ ሓፍ ተብሎ፡ ፍሽኽታኻ ጌርካ ልቡ ተረስርሶ፡ ብዛዕባ ስርሑን ሰቡን ሓቲትካ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብ ምዃኑ (ከምቲ ብውሽጡ ዝሓስቦ) ንኢጉኡ ሰማይ ትሰቕሎ። ብሰለስተ ልዙባት ኣርዑት “ኣታ ክንደይ ደስ ዘብል ሰብ’ዩ” ከም ዝብለካ ትገብር ማለት’ዩ። ከም ዝርድኣኒ ዘሎ ብማዕዶ’ዩ ብፍሽኽታ’ዩ ዝጅምር ‘ቲ ተገዳስነት (ማኒፑዩሌሽን ንገሌና)፡ ደሓር ኣፍካ ብስሙ ትኸፍት፡ ተገዳስነትካ ፍጥነቱ ከይጐደለ ድማ ናብ ናብራኡን ጥዕንኡን ዝሕበነሉ ነገርን ይሰግር። ውሃ ዘበለ ቴክኒክ ርክብ ምስ ሰባት’ዩ። እቲ ጸገም ትዋሳእ ከም ዘለኻ እንተተፈሊጥካ ናብዛ ጉድጓድካ ኢኻ ስለዚ ዴል ኣብዛ ነጥቢ ኣጸቢቑ የጠንቅቐና። ዝኾነ ዛረቦ ከምዚ ደረስትና ዝብልዎ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰ ከኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ። ሓንቲ ነጥቢ ሓቂ ኣብ 99 ነጥቢ ማይ ወላ ይኹን They’ll take the bait! መስለኒ። ኣብ ዘን ሱሳን ወይ ቲሎፓ ኣብ ታንትራ ዝብልዎ ዝነበሩ ተዋህዶ ናይ ሕማቕን ጽቡቕን ትኣምነሉ ተጀሚርካ ዝያዳ ዕውት ክትከውን ትኽእል መስለኒ ምኽንያቱ ሰብ ብትሕተ-ንቁሕ ኣእምሮኡ ትሕሱ ከም ዘለኻ ክፈልጥ ይኽእል’ዩ ይበሃል። ስለዚ ኣፍካ መዓር፡ ተግባርካ ጎጎ መዓር፡ ጠባይካ ሜስ መዓር ወላ ይኹን subconsciously ዘይትኣምኖ ተለኻ ወይ ነቲ ሰብ ትንዕቆ ተለኸ ጠፊእካ ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ን bullshit ኣለርጂ ስለ ዘለዎ።
ተዋሳኢ ምስ ግዜ ሓቀኛ መንነትኪ ክፍለጥ’ዩ ድሕሪኡ ወላ ንስኺውን ንነብስኺ ኣይከተኽብርያን ኢኺ። ናይ ሓዳር በዓልቲ ሞያ’ኳ ተዘይኮንኩ ሰባት ከም ዝብልዎ ግን ድሕሪ ሕጽኖት ሰብ ሓዳር ምውሳእ የቋርጹ’ዮም ዝበሃል። ምውሳእ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ትደልዮ ወይ ትደልያ ሰብ ምስ ረኸብካ ነቲ ተፍስሶ ዝነበርካ ጻዕሪ ኣብ ካልእ መዓላ ምውዓሉ ትመርጽ’ሞ ወዮ ክቀባጥረላ ወይ ኡፍ ኡፍ ክትብሎ ዝጽበ ዝነበሩ ዝለምድዎ ይጉድሎም’ሞ ቀጨውጨው ክብሉ ይጅምሩ ፍሕፍሕ ይመጽእ ሓዊ ይውላዕ። ኣብ ክንዲ ምውሳእ ግን ነቲ ትዋስኦ ምእማን ይምረጽ፡ ነቲ ትዋስኦ ክትኣምኖ ድማ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ክትገብር ድማ ንጽቡቕ ናይቲ ሰብ ተዕብዮ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዝነበረት ጽብቕቲ ነገር ኣብቲ ስቡሕ መሬት ኣእምሮኻ ተዘሪኣ ኣዕዋፍ ተጽልል ዓባይ ገረብ ትኸውን። ምስ ግዜ ንፋስ ክደፍኣ’ዩ፡ እቲ ሰብ ሕማቕ ክገብር ክጅምር’ዩ እንተኾነ ሱራ ተሪር ስለ ዝኾነን ንስኻ ስለ ዝኣመንካሉን ነቲ ፈተና ትሓልፎ። ምናልባት እዚ ከይከውን ምስጢር ነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓዳር ብሰላም ምንባር። እቲ ጻዕሪ ከመይ ጌርካ ስቡሕ ኣእምሮ ትውንን’ሞ ዝተዘራእካ’ዩ ተጽድቕ’ዩ።
ክንኣስሮ እዚ ናይ ዴል ምኽርታት ጽቡቕ ኮይኑ ግን ሱር ዘይሰደደ ተዋስኦ ክኸውን የብሉን። ምስ ግዜ ክወሃሃደኪ ምስ ጀመረ second nature ክኸውን ይኽእል ግን first ክኸውን ኣይክእልን ምኽንያቱ ምሳኺ ስለ ዘይተወሃሃደ። ጌና ሱር ሰዲዱ ስለ ዘይቀየረኪ ካልኣይ ‘ምበር ቀዳማይ ክኸውን ኣይክእልን። ከም ሃይማኖት ኣሚንኪ ህይወትኪ ክትቅይሪ ኢልኪ ክትዋስኢ ምስ እትጅምሪ ግን visions ናይ ዓወትን ጽቡቕ ምብህሃልን ትረኽቢ። ንሰብ ብስሙ እናጸዋዕኪ ፍሽኽታ ኣሰኒኺ ብዛዕባኡ እንተተገዲስኪ ኢሉ ዴል ሰባት ግዜ ከይወሰዱ ክፈትውኺ እዮም። “ስለምንታይ ብሰባት ክትፍቶ ትደሊ ኣለኻ፧” ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ክዛረብ ኣይምጸላእኩን ግን ካብ ፍልስፍና ዕረፍቲ ወሲደ ስለ ዘለኹ ብሰባት ክትፍቶ ምድላይ ከም ኣድላዪ ነገር ንውሰዶ። ስለዚ ኣብ ዓለም ዝመቐረትን ዝዓበየትን ናይ ኩሉ ቋንቋታት ድምጺ ስሙ’ያ ተባሂሉ ። ሞቻል ከልብና ከማን ይፈልጣ! ኩኩነሽ ዱመይ ከይተረፈት “ኩኩ! መዓር” ኢለ ከቃባጥረላ ደስ ኢልዋ “ፑር” ትብል። ስለዚ ሰባት ካብ ሞቻልን ኩኩነሽን ኣዝዮም ዝበለጹ ስለ ዝኾኑ ብስሞም ምጽዋዕ ኣይትረስዒ ሲዶና ሽኮር። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...