Saturday, July 1, 2017

ስለምንታይ ሴፍካ ኣበይ ከምዘሎ ምፍላጥ ከም ዘድሊ



ስነ 27 2017
ህይወት ጸወታ’ያ ይበሃል። ሐራይ ካብ በልኩ’ሞ ስለዚ ድኹምን ሓያልን ጐንኻ ምፍላጥ ጽቡቕ ጸወታ ክትጻወት ይኽእለካ’ዩ። ፍልጠት ብዓንደ ርእሱ ከም ኣገዳሲ ረቋሒ”ንጽቡቕ ህይወት” ክንወስዶ የሸግር። ቀዳማይ ጽቡቕ ህይወት ዝበሃል እንታይ ዘማልአ’ዩ፧ ካልኣይ ፍልጠት’ከ እንታይ ማለት’ዩ፧ እቲ ኣብ ክፍሊ ኣቲኻ ትመሃሮ’ድዩ፧ ኣንቢብካን ጽሒፍካን ምኽኣል ጥራይ’ከ፧ ዘይተማህሩ ናይ ቀደም ኣቦታትና ብዛዕባ ህይወት ኣፍልጦ ኣይነበሮምን ክንብል ንኽእል’ዶ፧ ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣለው። ሳልሳይ ዝፈለጠ ሰብ ካብቲ ዘይፈለጠ ኣብ ኣረኣእያ ህይወቱ ለውጢ የምጽእ’ዶ፧ እዚ ግን ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባኻ ምምጻእ ከም ዕላማ ፍልጠት እንተወሲድናዮ ጥራይ’ዩ። ድኹም ጐንኻ ፈሊጥካዮስ ክትልውጦ ድማ ድሌት ኣለካ ንበል። ከም ኣብ ብዙሕ ሰብ ዝርአ ግን እታ ለውጢ ከተምጽኣ ዓቀብ ትኾነካ። ሽጋራ ሕማቅ ምዃኑ እናፈለጥካን ክትገድፎ እናደለኻን ተትክኽ፡ ኩሉ’ቲ  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ሓጢኣት”ዝኾነ ነገራት እናፈለጥካን ክትገብሮ ዘይደለኻ  እንከለኻን ትውዕሎ። ኣነ ሲዶና ሽዑ ምሕታት እጅምር። ስለምንታይ ሰብ ብኣፉ እዚ’የ ዝደሊ እናበለ ብኢዱ ካልእ ዝገብር፧ ስለምንታይ ፍልጠት ከለዎ ግብሩ ትሕንክስ፧ ስለምንታይ፧ እናበልኩ ንገዛእ ርእሰይን ንዝረኸብክዎም “ፍልጠት”ዘለዎም ሰባትን እሓትት።
ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ከም ፖለቲካ፡ ትምህርቲ፡ ስፖርት፡ ቁጠባ ወዘተ ሓያልን ድኹምን ጐንኻ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን። እንተ’ቲ ናብ ውስጠ-ነብስኻ ክትኣቱ ምስ ጀመርካ ግን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዚ ልሙድ ፍልጠት ኣኻሊ ኣይመስልን። ሓደ ግን “ጭንቂ ዕላላ፥ እንታይ ገደሰኪ ናብ ውሽጥኺ ትኣትዊ። ተመሃሪ፡ ፍለጢ፡ ስርሒ፡ ኣፍቅሪ፡ ተመርዓዊ፡ ውለዲ፡ ጡረታ ውጺ ህይወት ኣስተማቅሪ፡ ተበሪሁኪ ሙቲ።” ካብዛ ደጋዊት ዓለም ፈፈሪህኩም “ናይ ውሽጢ ዓለም” እናበልኩም ትሕክሉ ዘለኹም ኩላትኩም ጾር እዛ ዓለም ዝኸበድኩም ሃደምትን ፈራሃትን ኢኹም ብሰምዕ ቃና ይመኽረኒ። ብዙሕ ሰብ ውን እዚ ናይ ውሽጢ ሰላም’ዶ ፡ ነባሪ ሓጐስ’ዶ መንደፍ’ዶ ኣገዳስነቱ ኣይረኣዮን’ዩ። ሓደ ምናልባት ከምቲ ዝብልዎ ትርጉም ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል፡ ወይ ካልኣይ “ዓበይቲ ሕቶታት” እናሓተቱ ክጭነቁ ኣይደልዩን ወይ ሳልሳይ ንውሽጥኻ ምርኣይ ከም ናብ ጸድፊ ምርኣይ ስለ ዝመስል የፍርሆም ይኸውን። እዚ ኣረኣእያ ቅኑዕን ጌጋን ክብሎ ኣይደፍርን። ግን ንክልቲ ኣማራጺታት ክፍትቲ ምዃንን ከም ሓቀኛ ፈላስፊት ጸግዒ ዝኾነ ወገን ከይሓዝኩን ክምርምሮ ይግብኣኒ። ኣነን እቲ ኩሉ “ሓቂ” እስዕባ’የ እናበለ ዝዝምርን ኩሉ።
ንመለስ ናብ ነጥብና “ፍልጠት” እንታይ ኮይኑ ንሰብ ዘይልውጦ፧ ሶቅራጠስ ሓደ ሰራቒ  ሓቀኛ ፍልጠት ስለ ዘይሓዘ’ዩ ዝሰርቅ ‘ምበር፡ ስርቂ ግናይ ምዃኑ ሓቀኛ ርድኢት እንተዝህልዎስ ኣይምሰረቀን ይብል። እዛ ነጥቢ ጽብቕቲ’ያ ብኣእምሮኻ እዚ እዚዩ እቲ እቲ’ዩ ክትብል ስለ ዝኸኣልካ ጥራይ ፍልጠት ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ፍልፍና ኢፒስቲሞሎጂ ዝበሃል ምሉእ ዓውዲ ንፍልጠትን ባህርያቱን ዝተወፈየ’ዩ። መሲልኪ እንታይ ኣምጺኺ፧ ሰብ ይፍለጥ ኣይፍለጥ ጽቡቕ ይግበር ኣይግበር ሓደ ሓታቲ “እንታይ’ሞ ሕጂ፧” ክብለካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ሓደ እታ ኣዝያ ተሕርቕ ቃል ኣብ እንግሊዝኛ ‘whatever’ ኮይና ተረኺባ። እዚ ኩሉ ሃለውለው ምስ በልካ “እንታይ’ሞ” ንዝብለካ ሰብ ክትሓንቆ ክትደሊ የብልካን። ኮሊልካ ኮሊልካ ናይ ኣእምሮ ጂምናስቲክስ ሰሪሕካ እንታይ ኣፍሪኻ ንዝብለካ ሓታቲ ከተመስግኖ ይግብኣካ እመስለኒ። ኢሂ ሲዶና ማራቶን ዘረባን ቱት ምባልን እንታይ’ሞ ሕጂ፧ ከም ዝፈለጥኪ ከተርእይና ዲኺ ደሊኺ ብሎግ ከኣ ጌርክለይ፧ ናተይ ኣይኮነን ‘ዚ ፍልጠት ትብልናስ ኣለኺ፡ ዘይናትኪ ፍልጠት ሰቢኽኪ ንዓለም ክትልውጥያ ድዩ ሕልምኺ፧ ወይስ ነታ ዝረኸብክያ ሰላም ምስ ሰባት ክትማቀልያ፧
ሓያል ጐነይ ዲሲፕሊን’ያ። ነዛ ዲሲፕሊን ኣብ ዓውዲ ጽሑፍ ክፍትና ስለ ዝደለኹ’የ ምበር ኣነስ ሰብ ክምህር ኣይደልን። ክምህር ወላውን እንተደለኹ ብላዕሊ ተፍስሶ ፍልጠት ዝልውጥ ስለ ዘይከውን ትርጉም ኣልቦ’ዩ። ብዙሓት ተኸተልቲ ሃይማኖት ሰባት እኹል ፍልጠት ኣለዎም ግን ኣብ ግብሪ ምስ መጻኻ ቆራያትን ሓንካሳትን ይበዝሑ። ስለምንታይ ከምኡ ይገብሩ ዘምጽእዎም መመኽኔታት ብዙሓት እዮም ግን ኣብ ግምት ከተእትዎ ከቢድ’ዩ። ስለዚ “ፍልጠት” ንሰብ ይቅይሮ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን፡ ከምኡ ምባለይ ንርእሱ ‘ውን ፍልጠትን ከንቱን’ዩ። ንሰብ ክልውጥ ካብ ዘይኮንኩ፡ ሓሳባተይ ብቃላት ሰፍየ ኣብ ላፕቶፐይ ከንጽፎ ስለ ደለኹ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ኦሾ እሾኽ “ስለምንታይ፧” ኢልካ ምሕታት ናይ ኢጎ እዩ ኢልዎ። ስለምንታይ ዝብል ሕቶ መልሲ ስለ ዘይብላ ክትሕተት ኣይግብኣን ማለቱ’ዩ። ንምንታይ ተፈጢርካ፧ ንምንታይ ጸሓይ ትበርቅ፧ ስለምንታይ ሲዶና እዚ ሕቶታት ትሓትት ወዘተ ምባል ካብ ፍርሂ ናይ ኢጎ ዝተላዕለን ንዓለም ተረዲኡን ሕግታት ከውጽእ’ሞ ውሕስነት ክኽኖ ዓሊሙ ዝገብሮ’ዩ። ለውጢ ክፋል ተፈጥሮ ስለ ዝኾነን ደው ኢሉ ዝነብር ነገር ስለ ዘየለን ንኢጎ ባህ ዘብል ኩነት ኣይኮነን። ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰርሑ ገዛውቲ ንፋስ-ግዜ መጺኡ ሃደሽ ከብሎም ኣይደልን፡ ዘይርጉጽነት ህይወት ሕማም ርእሲ ይኾኖ። ስለዚ ፍልጠት ንኢጎ ብርሃኑ እያ፡ ጸግዑ እያ፡ ድንቁርናን ድሕረትን ዝቆርጸላ ሴፉ’ያ። ከባቢና ምስ እንዕዘብ ኢጎ ምዕባለን ምብራስን ኣምጺኡ። ሸውሃቱ ዶብ ስለ ዘይብሉ ድማ ንምዕባለ ዶብ የብሉን፡ ድሌታቱ መልጐም ተመስገን ስለ ዘይብለን ድማ ብሰንኪ ወድ ሰብ ዝመጽእ ዕንወት ዶብ የብሉን።
ዘንጸባርቅ ኢጎ ክህልወካ ምድላይ ንርእሱ ኢጎ’ዩ። እዚ ብዛዕባ ኢጎ ዝጽሕፎ ዘለኹ ንርእሱ ካብ ኢጎ ዝወጽእ ዘሎ’ዩ። ሃይማኖተኛታት ዝረቀቀ ኢጎ ኣለዎም ይበሃል ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ንርእሶም ሓፍ-ሓፍ ዘብሉ ንኣምላኽ ሓፍ ስለዘብሉ። እቲ ኣምላኽ ዝብልዎ ዘለዉ ግን “ናተይ ኣምላኽ” ማለቶም’ዮም። ኣነ’ኮ ንድሌት ስጋ ዝቀተልኩ’ዩ፡ ኣነ’ኮ ሕሩይ ኣምላኽ’የ፡ ኣነ’ኮ ምባል ብውሽጢ ኮይናስ ስርሓ ኣይተቋርጽን’ያ። ኢጎ ናይ ሲዶና ከኣ “ኣነ’ኮ ኣምሰሉነት ናይዞም ኣመንቲ’ና በሃልቲ ዝቀልዕ፡ በላሕ ሰብ’የ” ትብል።  ጽቡቕ ሕማቕ ከይበልካ ነዚ ኩሉ ጸወታ ኢጎ ምዕዛብ ጥራይ’ያ እታ ቀዳድ ካብዚ ኩሉ ሓሸውየ ተውጽእ ይብሉ። “ሓሸውየ” ከም ትርጉም ዘይብሉ ነገር ወሲድካ ካብዚ ሓሸውየ ክወጽእ’የ ምባል ጌና ናይ ኢጎ’ዩ። ስለዚ ተዓዘብ ጥራይ ይብሉ እቶም ካብ ኢጎ ወጺና ኢና ዝብሉ ሰባት። ኣነ ስለ ዝበልኩኻ እመን ዘይኮነ ግን ፈትኖ! ይብል ቡድሃ። “ፈትኖ ነቲ ዝሰርሓልካ ተቀበሎ ነቲ ዘየድልየካ ደርብዮ”ኢሉ ሓደ ሰባኺ ክሰብኽ ማዕረ ክንድምንታይ ክብሪ ንወድሰብ ይህቦ ከም ዘሎ ረኣዩ ይብል ኦሾ። ቡድሃ ክመውት ከሎ ንደቀ መዛምርቱ ብእንግሊዝኛ “Be A Light Unto Yourself” ኢልዎም ይበሃል። ስለዚ እቲ ምርጫ ናትካ’ዩ።
ክንኣስሮ፡ ሓያል ጉንኻ ምፍላጥ (ወላ ውን ናይ ኢጎ’ዩ እንተበልናዮ) ኣብ ዓለም ከሕግዘካ ዝኽእል መሳርሒ ክኸውን ይኽእል። ብዘይ ዲሲፕሊን ዝኾነ ዕዉት ስራሕ ክትሰርሕ የጸግም ይኸውን። ስለዚ መእሰሪ ኩሉ ዓወት ዲሲፕሊን’ያ ክንብላ ንኽእል። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዘውጽኽዎ ናይ ዓሰርተ ዓመት “መርሓ ጐደና”ጌና ዘይተዛዘማ ነገራት ኣለዋኦ። ሓንቲ ካብኣተን ድማ ምጽሓፍ ትብል’ያ። ሎሚ ካብ ትምህርቲ ከይስሕበኒ ኢለ ዝስከፈሉ ትምህርቲ ስለዘይብለይን እታ ሓበነይ ዝኾነት ዲሲፕሊን ከውጽኣ ስለ ዝደለኹን’ዩ መስለኒ ጸሓፍ ጸሓፍ ዝብለኒ ዘሎ። እዚ ድሕሪ ዓመት ናበይ ከም ዝወሰደኒ ኣይፈልጥን ግን ዲሲፕሊን ካልኣይቲ ዘይርከባ መፍትሕ ዓወት ምዃናስ ከምቲ ቀደም ዝተረድኣኒ ሎሚ ውን ይበርሃለይ ኣሎ። ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ዝኾነ ክፍጽም ዲሲፕሊን ክዓጥቅ ኣለዎ። እንድዒ መቸም ወላ’ኳ ብዙሕ የሰይጥንዋ ከም ዲሲፕሊን ግን የለን። ጳውሎስ መን ከም ፍቕሪ ምባሉ ሓቁ’ዩ መስለኒ፡ ኣብዛ ዓለም ድማ መን ከም ዲሲፕሊን! ዘብል’ዩ። ፍጹምነት ኣብ ስነ-ጥበብ ወይ ኣብ ስፖርት ክትርኢ ከለኻ እንቋዕ ተፈጠርኩ እብል። ስለዚ ድሲፕሊን ከም ማዕተብ ኣብ ክሳድና ንወቕጣ። ቻው!

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...