Saturday, July 1, 2017

ሲዶና እታ ሓድነት ኣምላኽ እትቕበል ከሓዲት



ሰነ 30 2017
ፈተና ትማል ሕማቕ ኔሩ። ሕፍረት ተጐልቢበ እነኹ። ነጸላ ውድቀት ክፍሕስ ከም ዝቀነኹ ኣብ መወዳእታኡስ ተዓጢቀያ ደኣ። ጽቡቕ እንተዝሰርሕ ከኣ ኣይትሓዙኒ መን ከማይ ምበልኩ። ወይ ሰብ ምዃነይ ኢልዎን’ድዩ ደራፊ። እዚ ካብ ፍሽለት ምህዳም ብዓወት ምንፋሕ ሕብረተሰብ ኣብ እዋን ህጻንነትና ዝጽዕነና ጾር’ዩ። ኩሉ ሰብ ድማ ኣብ ስሪኡ ዝሸይን፡ ነፋጥ፡ ተሟሲጉ ዘይክእሎ፡ በሽቓጥ፡ ቡቡ ባባ ዝብል ቆልዓ ከም ዝነበረ ክንዝንግዕ የብልናን። ቅድሚ ናብ ሽቃቅ ምእታውካ ኣብ ውሽጥኻ ሓርኢ (literally!) ተሰኪምካ ትንቀሳቀስ ፍጡር ኢኻ። ፎእ! ስለዚ ትዕቢት ግደፎ ኣታ ባንኪ ቀልቀል።
ካልኣይቲ ደስ ተብል ነጥቢ፡ ድሕሪ ሕማቅ ምስርሐይ ነብሰይ ከምዚ’ላ ክትመባጻዕ ሰማዕክዋ “በቃ ምሉእ ክረምቲ ነዚ ናይ ሙዚቃ መጽሓፍቲ በል ክብሎ’የ!”ገለ ለባማት ከም ዝብልዎ ክጸውም ዝሓስብ ሰብ ህርፋን መግቢ ዘለዎ ጥራይ’ዩ ምኽንያቱ ብብዝሒ ምስ በልዐ ሕማቕ ይስምዖሞ ነዚ ሕማቕ ስምዒት ንምዕጋስ ናብቲ ሓደ ጫፍ ናይ ተግባራቱ ይጎዩ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ሰበይቲ ዝሓስብ ድማ “ከይተመርዓኻ ንበር” ይመጾ። ሕማም ገንዘብ ዘለዎ ድማ ንድኻታት ‘ተዘይሃብኩ፡ ገዳም ተዘይደየብኩ እናበለ ነብሱ የደዓዕስ ይበሃል። ሲዶና ጓል ሰብ ድማ መተካእታ ናይ ትማሊ ፍሽለት እነሀ ምሉእ ክረምቲ ከተጽንዕ ተዳልያ ኣላ። እቲ ሓቂ ግን ንቁሩብ መዓልታት ተገዲሳ ተጽንዕ ትኸውን ድሕሪ ግዜ እዚ ሕጂ ዝስምዓ ዘሎ ሕማቕ ስምዒት ህድእ ምስ በለ መጽሓፍቲ ሙዚቃ ድርብያ ተለቭዥን ክትርኢ ከይትውዕል የሰክፍ’ዩ።
ገለ ንቁሓት ነዛ ከም ሰፍኢ ልውጥ ልውጥ ምባል ናይ ድሌት ደቅ ሰብ ክገልጽዋ ከለው፡ ኣእምሮ ኣብ ማእከል ክነብር ኣይክእልን’ዩ ይብሉ። ኣብ ምንቅስቃስ ስለ ዝተሰረተ ካብዚ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣብ ዘየቋርጽ ጉዕዞ ክነብር ኣለዎ። ተመስገን ኢሉ፡ ኣምላኹ ኣሚኑ ክነብር ዝጀመረ ሰብ ኣንጻር’ዚ ምንቅስቃስ ዝብርሆ ኣእምሮ ይለዓል ስለ ዘሎ፡ ንዕድመ’ዚ ናይ ስጋ ኣእምሮ የሕጽሮ። ስለዚ ብዝተኻእለ ምኽንያት ከይሃድእ ኣብ ዘለዎ ተመስገን ከይብል ንሰብ ደድሕሪ ድሌታቱ ከም ዝኸይድ ክትገብሮ ኣለካ። ሃይማኖተኛታት ነዚ ዝተጠቕሰ ነጥቢ “ድያብሎስ” ወይ “ሰይጣን” ኢሎም ስም ኣጠሚቆሞ፡ ደቂ ሰብ ናብ ኣምላኽ ከይመጹ ዝዕንቅጽ ተጻራሪ ኢሎሞ ኣለው። ሲዶና በዚ ዝገበርክዎ ናይ 2 ወይ 3 ዓመት ምምርም ሃይማኖታት ወላ’ኳ ጸሊም ዝሕብሩ፡ ቀርኒ ዘለዎ፡ ኮነ ኢሉ ንሰባት ክዕንቅፍ ኣብ ሲኦል ዝነብር ፍጡር ኣሎ ተዘይበልኩ፡ ኣሕጺሩ ዝጥምት፡ ከይትሃድእ፡ ተመስገን ከይትብል፡ ከይትተብዕ ዝገብር ሓይሊ ግን ኣብ ውሽጥና ዘሎ መስለኒ። ነዚ ናይ “ጸጋም “ሓይሊ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ይብልዎ። ጽቡቕን ሕማቕን፡ ጽድቕን ሓጢኣትን ኩሉ ተዛማዲ መስለኒ ስለዚ ሰብ ተመስገን ስለ ዘይበለ፡ ናብ ኣምላኽ ስለ ዘይሰገደ ወይ ስለ ዘይጾመ ሓጢኣት ጌሩ’ዩ ሞ ብ ሓዊ ጌርና ኣብ ገሃነም ነቃጽሎ ዝብል “ስምዒታዊ” መርገጺ ክድግፍ ወይ ክነጽግ ኣይክእልን። ምናልባት ከምዚ ኩሎም ዝብልዎ ነቶም ሓጢኣተኛታት ኣብ ገሃነም ቦታ ኣዳልዩ፡ ነቶም ዝኣምንዎ ድማ ኣብ መንግስተ ሰማይ ይጽበ ይህሉ ይኸውን! ከይረኣኹ ኣይኣምንን’የ ትብል ተለኻ ገሃነም ተዓሚትካ ትኣትዋ ትኸውን። በንጻሩ ድማ ህይወትካ ምሉእ ስጋኻ ቀቲልካ ነብስኻ ገቲእካ ነዛ ዓለም ከይተሓጐስካላ ኔርካ መንግስተ ሰማይ ጨ ኮይና እንተ ጸኒሓትካ እንታይ ከም እትገብር ባዕልኻ ገምቶ።
ሓንቲ ነጥቢ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትበሃል ዘላ ኮይኑ እስምዓኒ። ስርዓት ነጸብራቕ ኣምላኽ እንተኾይኑ ስድነት ድማ ናይ ሰይጣን ኢልካ ብገዚፍ ብራሽ ክትስእሎ ትኽእል። ከዋኽብቲ ሰማይ፡ ወቕትታት፡ መዓልትን ለይትን፡ ፍጡራት ኩሎም ኣብ ብስሩዕ ይንቀሳቀሱ። ነዛ ነጥቢ እሳተ-ጎመራ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሜትዮራት፡ ብላክ ሆል ኣምጺኻ ከተፍርሳ ትኽእል ኢኻ ግን ንሕጂ ሸለል ኢልካ ኣሕልፈኒ በጃኻ። ሰብ ብስርዓት ክነብር ይደሊ ግን ከም ጸሓይ ኣብ ፍሉጥ ሰዓት ክበራበር፡ ከም ወርሒ ዝወጻሉን ዝኣትወሉን ሰዓታት ክድረት ኣይደልን። ምኽንያቱ ሓንሳብ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ምስ ኣተኻ ብእኡ ኢኻ ክትመላለስ እምበር ናተካ መገድን ናትካ ስርዓትን የብልካን። እዚ ድማ ንኢጎ ክቅበሎ ጸገም’ዩ። ኩሉ ኣብ “ኣምላኽ “ ወይ ካብኡ ዝልዕል ነገር ከም ዘሎ ክኣምን ዘይደሊ ሰብ ቀንዲ ምኽንያቱ ኢጎኡ ስለ ዘየፍቕደሉ’ዩ። እቲ “እኣምን’የ” ዝብል ካብኡ ይሓይሽ ማለት ዘይኮነ ምኽንያቱ ንሱ ገሃነም ፈሪሁ ወይ መጸግዒ ደልዩ ወይ ብዓስቢ መንግስተ-ሰማይ ተወናዊኑ ወይ ድማ ዓለም ምዃን ስለ ዝኣበየቶ ይመጽእ ስለ ዘሎ። ኢጎ ነዚ ሲዶና ተቅርቦ ዘላ ሓሳባት “ናይ ሓሶት ጠቐነ” ወይ “ኮነ ኢልካ ስእሉ ንምድዋን ዝቀርብ ዘሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ” ወይ “ድርብ ዕያረ” ወዘተ እናበለ ከም ዝነጽጎ ርግጸኛ እየ ምኽንያቱ እንተዝቅበሎ ነይሩ ኢጉኡ ሃደሽደሽ ክብል ምጀረ። ከምቲ ደጋጊምና ዝበልናዮ ውን ንናይ ካልኦት ኢጎ ከፍርስ ዝደሊ ባዕሉ ኢጎ ‘ምበር ካልእ ኣይኮነን። ኢጎ ምፍራስ ስራሕ ረኺቡ እናፍረሰ በቲ ድማ እናሃነጸ ኣብ ቀረባ እዋን መወዳእታ ዘይብሉ “ስራሕ” ይኣቱ። እዚ ንቀጻልነቱ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ደው ኣይትበል፡ ተንቀሳቀስ፡ ገለ ግበር እናበለ ከይትሃድእ’ሞ ናብቲ ምንጭኻ ዝኾነ (ወላ እግዚኣብርሄር በልዎ) ከይትምለስ ይሕዘካ።
ክኣስሮ፡ ተግባር ናይ ኢጎ ጸጋ ናይ ኣምላኽ ይበሃል። ጸጋ ሰሪሕካ ኣይኮነን ዝመጽእ ይበሃል እንታይ ደኣ ብነጻ ዝዕደለካ በረኸት እዩ። “እሞ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩላትና ኣሎ ስለዚ ኩላትና ሃይማኖትና ብዘየገድስ ድሒንና ኣለና፡ እዚ ደኣ’ሞ ዓቢ ብስራት’ዩ” ክትብል ምስ ጀመርካ ይኾልፉኻ። “ሓንሳብ ኣብዚኣ” ይብል ሓደ ንኣምላኽ እፈልጦ’የ ዝብል ግን ካብ ከባቢኡ ዝተመልአ ግዚፍ ዕትሮ “ እቶም ብእኡ ንኣምን ጥራይ ኢና’ምበር ኩላትና ኣይኮንናን ጸጋኡ ንረክብ” እታ ኢጎ ምስቶም ሕሩያት ክትከውን ስለ ትደሊ ንኣምላኽ ከም exclusive party ይገብርዎ። “ናትና!” ድማ ይብሉኻ። ኣብ ክንዲ ብጸጋ ብእምነት ትኸውን ትኬት መንግስተ ሰማያት። ገለ ድማ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ ይብልዋ’ሞ፡ “ንኣምላኽ ክትረኽቦ እንተድሊኻ ክትገብሮ ዝግብኣካ ነገራት” ኢሎም ዝርዝር የውጹልካ። እዚ ድማ ዝበለጸ ዜና ንኢጎ’ዩ። ደው ኣይትበል ስራሕ ‘ተልካዮ “ደይ ከምዚኣ ‘ታይ ደልየ ….” እናደበለ ይኣቱ። ኩሉ ተግባራት ካብ ሓቀኛ ነብስኻ ስለ ዘርሕቀካ ካብ ኣምላኽ ድማ የርሕቀኻ ይበሃል። እዚ ንዓለም ምዕባለ የምጻላ፡ ንወድሰብ ግን ካብታ ሰላም የርሕቆ። ጎዪ ጎዩ ናብ መቃብሩ። ካብዚ ዘለናዮ ንላዕሊ ንስራሕ፡ ገለ ነገር ንግደፍ ምኽንያቱ ጽባሕ ስለ ንመውት ይበሃል። ቅድሚ ሙሟተይ ይብል ሓደ “ ከምዝን ከምትን ክገብር ኣለኒ፡ ክንድዚ ገንዘብ፡ ክንድዚ ቆልዑ፡ ክንድዚ ፍልጠት ክእክብ ኣለኒ” ካብ ሞት ዘድሕኖ መሲልዎ ያኢ ዘዝዓበየ ሸቶታት ኣብ ምሕንጻጽን ኣብ ምትግባሮምን ይጓየ። ሲዶና ሽዑ ምስዞም ካልኦት መማህራን ኮይና ክርትም ኢላ ትስሕቆ፡ ካብኡ ንላዕሊ ፈሊጣ ዘይኮነትስ፡ ናይ ተፈጥሮ ነገር ገሪምዋ’ምበር። ጉየ፡ ኣይትጉየ፡ መንፍሳዊ ኩን፡ ዓለማዊ፡ ጻዕዳ ኩን ጸሊም፡ ከምዚ እየ በል ኣይትበል፡ ከም መዳሕንቲ ንኩላህና ዝኣስረናን ምንጭናን ኣሎ። ሽም እንተሂብናዮ ዕሽነት’ዩ ምስያም ናይ ኢጎን ካብ ሽኽናና ዝወጽእን ስለ ዝኾነ፡ ከነምልኾ እንተፈቲና ዕሽነት’ዩ ምኽንያቱ መተካእታ ናይ ሸቶታትና ንገበሮ ስለ ዘለና፡ ክንፈልጦ እንተፈቲንና ዕሽነት’ዩ ምኽንያቱ ከምቲ ዓሳ ንባሕሪ ከጽንዖ ዘይክእል ካብኡ እንተወጺኡ ዝመውት ንሕና ካብኡ እንተወጺና ንመውት ኣብኡ ኮይንና ድማ ንዶባቱ ክንርእዮ ኣይንኽእልን፡ ካብኡ ክትጥቀም እንተጀሚርካ ፡ ጸጋኡ ኣሜን ኢልካ ክትቅበል እንተጀሚርካ፡ ኣካሉ ናቱ ምዃንኳ እንተፈሊጥካ ሽግር እዛ ዓለም ፡ ስቃይ እዛ ዓለም፡ ሓጐስ እዛ ዓለም፡ ሃብቲ እዛ ዓለም፡ ጻዕዳን ጸሊምን ፡ ኣምላኽን ሰይጣንን፡ ላዕልን ታሕትን፡ ሓቅን ሓሶትን እናበልካ ምምቅቃል ክትገድፎ ትጅምር። ህይወትን ሞትን ሓደ ምዃኑ ትፈልጥ። ሙት ኣይትሙት ናብ ትኸዶ የብልካን፡ ድላይካ ግበር ኣይትግበር ትኾኖ የብልካን፡ ከይተለወጠ ዝቅጽል ዝኾነ ስለ ዘየለ ለውጢ ጐይታ ኩሉ’ዩ። ኣምላኽ ካልኣይ ስም ናይዛ ኩሉ ለውጢ ዝካየደላ ቁራዕ’ዩ። ኣምላኽ ምባሉ ከማን ኣይበቅዖን ስለዚ “ታኦ” ኢሉ ሰምይዎ ላኦ ጹ። ስለዚ ኩሉ ናቱ’ዩ። ኩሉ ንሱ’ዩ። ንኩሉ የጠቃልል፡ ንኣምላኽን ስይጣንን ነቲ ንሳቶም ዝጻወቱሉ ሜዳን ንኩሎም ደገፍቶምን። እዚ ፍልስፍና ናይ ባሩክ ስፒኖዛ ሓድነት ኣምላኽ ንምእማን ዘምጽኦ’ዩ። ኣብ ሶፍያ ምስ ኣንበብክዎ “ኣብዚ እነሀልካ ወግዒ!” በልኩ በታ መን ከም ዝሃበኒ ዘይፈልጣ ልበይ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...