Monday, July 17, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.3



ሰንበት 16 ሓምለ 2017
ቅድም ጽሒፈዮ ዝበርበኩ ደምሲሰዮ፡ ግናይ ኣመል ዝጸፍካዮ ምድምሳስ። ብዝኾነ እነሀ ቅድም ካብ ክትዕ ልክዕ ከም ካብ ፌራ ትሃድሞ ህደም ኢሉና ዴል ሽኮር ቀጺሉ ድማ ንዝኾነ ሰብ ሓሳቡ ኣኽብርሉ - ከም ዝተጋገየ ኣይትንገርዮ ኢሉና። ከም ዝመስለኒ ንኤርትራውያን ጌጋ ኣብ ምርካብ ዝቕድመና የለን። እዚ ብሳይኮሎጂ ቅምጥ ዝበለ stereotype እንድዩ እንታይ ክገብር ግን ምግናን ዘይክእል ክጽሕፍ ኣይግብኦን’ኳ ዝተባህለ። ግን ሰብ ምምራር ክፈቱ መዓት’ዩ። ንኣምላኽ፡ ንመንግስቲ፡ ንከባቢኻ፡ ንሰባት …..በቃ!ኩሉ ንጸገምካ ተሓታቲ’ዩ ኢልካ ትጥርጥሮ ሰብ ኣማርሮ ኢሉካ’ዩ። እንድዒ! ምምራር ከም ነብስኻ ምሕጻብ ዕረፍቲ ክበካ ይኽእል ይኸውን ምስ በዝሐ ግን ከይትሰርሕ ብመቁሕ መመኼኔታታት ክኣስረካ ይኽእል። ነሓድ ምኒኑ ሰብ “እንታይ ከፊኡካ ዘይትሰርሕ፧” ምስ ትብሎ ብዙሕ ምኽንያታት ክድርድረልካ ይኽእል። እዚ “ምኽንያታት” ምኽኑይ ክኸውን ይኽእል ዘይምኽኑይ ኣየገድሳን’ዩ ንሲዶና ምኽንያቱ መገዲ ዓወት ብመመኼታት ዝተለበጠ ስለ ዘይኮነ። ሽግር ኣሎ ግጠሞ! ኣብ ዓዲ ፒተር ፓን ነቨርላንድ ኣይኮናን ዘለና። ሓቂ’ዩ ዓለም ሽግር፡ ሕሰም፡ ስርቂ፡ ተንኮል፡ ዓመጻ፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝመልኣ እያ። ብዘይ ሽግር ክትነብር እንተደሊኻ ህይወት ተጋጊኻ ኣለኻ ሰብ ኮንካ ካብ ተፈጠርካ ምስ ሽግር ተራጺምካ ክትበልሕ ወይ ድማ ኣብ በዓቲ ምኽንያታት ክትነብር ትኽእል። ኩሉ ክሕንኩለካ ክደሊ’ዩ፡ ከይትቕድሞ ተኲሱ ከሰንክለካ’ዩ፡ ውድቐትካ ክሓስብ ከይደቀሰ ክሓድር’ዩ (ወይ ብዛዕባኻ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኣይግድሾን ይኸውን) እዚ ኩሉ ከም ውሁብ ወሲድና ክንቃለስ’ዩ ዘለና። ወይ ዘረባ! እዚ ኩሉ ኣነቃቃሒ ዘረባ ደኣ ንምንታይ’ኺ ደሊኽዮ ሲዶና፧ ተራእዩኒ’ኮ ከምዞም ጸለምቲ motivational speakers ኣብ ዓቢ ስታድዩም “ያ!” ገለ እናበልኩ ሰብ fire up ክገብር። “You can have anything you want” ኢለ ክጅድር እረኣየኒ’ሎ። ብተስፋ ሰብ ክሽቅጥ! “All you got to do is….” ዋት? Trust me you don’t want me to answer that! ምምራር ወልፊ ጌጋ ምርካብ ዝነበረ ሱር ሰዲዱ ከም መንሽሮ ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ተዘርግሐ ይመጽእ። በቲ ሓደ ሸነኽ ክርአ ከሎ እቶም ቀዳሞት ሰባት ጥረ ስጋ ብምብላዕ ጦቕ ምስ በሉ ሓደ ዝሕላ ኬፍ ዘይህቦ ሰብኣይ “ከምዚልካስ ናብራ ‘ይኮነን” እናበለ የማርር ኔሩ ይኸውን። ስጋ ክጥበስ ከምዘለዎ ንሱ’ዶ ረኺብዎ ይኸውን፧ እንድዒ! መቸም እቲ ዘማርር ኣማርር በሎ’ምበር ኣበይ ከይመራመር ኢልካ’ዮ! ብሓቂ ክርአ ከሎ ክልተ ዓይነት ኣማራሪ ሰብ ኣሎ። ቀዳማይ ሰብ ንምምራር ከም ሞተር ንቅድሚት መወንጨፊ ይጥቀመሉ ስለዚ ንሱ’የ ዝምዕብል ፡ ፈንጠርጠር ዝብል፡ ንየው ነጀው ዝብል። ካልኣይ ንምምራር ከም ማዕተብ ኣብ ክሳዱ ዝኣሰሮ ደው ኢሉ ምምራር ምስ ሰልቸዎ ንምምራር ከም ወንበር ይጥቀመሉ ምእንቲ ኮፍ መበሊ ክኾኖ! ካብዞም ክልተ መን ይበልጽ፧ እንድዒ! ኖእ ምዕባለ እሓይሽ ክብል ምደለኹ ግን ሎምስ ናይ ብሓቂ ከምኡ ምዃኑስ ኣይፈልጥን’የ። እንታይ ይገበር ተፈላሲፍካ ተፈላሲፍካ’ዶ ብዘይ ፍልስፍና ትረርፍ ኢኻ፧ ወይ ሲዶና ትረኽቦ።
እዚ ኹሉ ወግዒ መእተዊ ናብዛ ሳልሰይቲ መምርሒት ናይ ዴል ካርኔጊ’ዩ። ኣብዛ If You Are Wrong Admit It ትብል ምዕራፍ ከምቲ ስማ’ያ። ዴል ምስ ሓደ ፖሊስ ኒውዮርክ ዝገበሮ “ቅያ” ብምዝንታው’ያ ትጅምር። ከም ሕጊ ጸዓዱ ዝኾነ ከልቢ ብዘይ muzzle and leash (ክትርጎም ከሎ muzzle- መወዘቢ! ኣየ ትግርኛ መኸየፍ! ስጋቦይ ፍቃዱ! እንቋዕ ነዓኻ ከይፈልጥኩ ኣይመትኩ። ድሕሪ መወዘቢ ሞት ከም ኣዳም! መወዘቢ ኢልካ ቃል ኣሎ! J መወዘቢ ዘድልዮም ብዙሓት ሰባት ኣለው ካብ ሲዶና ጀሚርካ!) ከልቢ “ከየወዘብካዮ” ምውጻእ ኣይፍቐድን፡ እዚ ፖሊስ ሓደ መዓልቲ ዴል ምስ ከልቡ ብዘይ መወዘቢን መስሓብን ኣብቲ ፍሉጥ ፓርክ ኒው ዮርክ ክናፈሱ ሒዝዎም። ቀዳማይ እዋን ብምንባሩ ብመጠንቕቕታ ሓሊፍዎ። ድሕሪ ሰሙን ካልኣይ ግዜ ምስ ረኸቦ ዴል ተቀዳዲሙ “ሎሚ “ምስ ቐይሕ ኢደይ”ረኺብካኒ ዝኾነ መመኽኔታ የብልይን” በሎ። ወዮ ፖሊስ ቅሩብ ክልምልም ጀምረ “ደሓን’ዩ ኣለካ ምሽ….” ዴል “ተንኮለኛ” ግን ኣብ መንጎ ኮለፎ። “ኖእ! ደሓን ኣይኮነን! ቆልዓ ክነክስ ይኽእል ምጹጹላይ ክቐትል ይኽእል” እቲ ተጋግየ ክብል ወዮ ፖሊስ ደሓን ክብል ግዜ ሓሊፉ ሲዶና ሰልችይዋ! መሕመም ዝኾነ insight ዴል ስለ ዝረኸብኩ ከም ዘለዋ ክደግማ “The policeman, being human, wanted a feeling of importance; so when I began to condemn myself, the only way he could nourish his self-esteem, was to take the magnanimous attitude of showing mercy” ሽዑ ይብል ዴል ኣብ ክንዲ ዝቀጽዖ ኪድ ደሓን ከምዛ ዘይረኣኹኻ ተጠንቂቕካ ኣጻውቶ! በሎ ወይ ጉድ!ሓበሻና ነዚ ተንኮል ዶ ምበሎ፧ እንድዒ! ትሕት ኢሉ ዴል ስለምንታይ እዚ ከም ዝሰርሕ ክገልጽ ከሎ Say about yourself all the derogatory things you know the other person is thinking or wants to say or intends to say –and say them before he has a chance to say them –and you take the wind out of his sails! እነሀልካ በል ትምህርቲ! ንጌጋታትካ ክትቕበል ፕሮ ጥራይ ክትከውን ኣለኻ። ተልመዴን ተጋግየ ክብል ዓቀብ’ዩ ዝኾኖ (ስለምንታይ ከቢዱ ንርዱእ ምኽንያት J -no one is judging here) ከምዚ ዴል ዝበሎ (ሎሚ በቃ ነዛ ምዕራፍ ተር ኣቢለ ምጽሓፋ ምሓሸኒ) Any fool can try to defend his mistakes –and most fools do – but it raises one above the herd and gives one a feeling of nobility and exultation to admit one’s mistakes. ስለዚ ተልመዴን ኣይትኹኒ ተተጋጊኺ ተጋግየ ፍለጢ። ሰማዒኺ ድማ ምሕረት ክህብ ከሎ ኢጎኡ ስለ ዝንፋሕ ይቅረ ክብለልኪ’ዩ ይብል ኣቶ ዴል። ተልመዴን ናቱ ጌጋ ከምዘይኮነ ክርኢ ይፍትን በዚ ቅጭ ዝመጾ ሰማዒ ድማ ጌጋ ከምዘለካ ከርኢ ይፍትን ዘየድሊ ክርፍስ ትኣቱ። “እመን ኣይትእመን” እናተባሃልካ ድማ ዝምድና ወይ ሓዳር ትብትን። ንኢጎኻ ረጊጽካ “ተጋግየ! ኣነ ኣድጊ’የ” ምስ ትብል ግን እወ “ኣድጊ ኢኻ” ኣይኮነን ኢሉ ክካትዓካ። መካትዕትኻ ብውሽጡ “ኣታ! ዘይነዓቕ ሰብ ናይ ምልላይ ክእለት’ባ ኣለኒ! በሊሕ’የ ማለት’ዩ! ልክዕ ከምታ ዝገመትኩዋ ኣድጊ ምዃኑ ከማን ይእመን ኣሎ! እንቋዕ ደኣ ብልሐይ ተረጋገጸለይ እምበር ነዚ “ኣድጊ”ሕማቕ ከይስምዖ ሸለል ክብሎን ሞሳ ናይዛ ዝኣመነለይ ክቦየ” ይብል ይኸውን! ኢሂ ከምዚ ዝብል ነብሰ-ዝርርብ ክካየድ ኣይክእልን፧ ንሓደ “fools” ኢጎ ብ “noble” ኢጎ ምትካእ ዘይቅበሎ ኳ እንተኾንኩ ካብ ተልመዴን ክጸርፈካ ግን ፕሮ ተዋረደካ ይሓይሽ መስለኒ። (ምስ ዴል ዘለኒ መሰረታዊ ፍልልያት ‘ዘን ክልተ መጽሓፍቱ ምስ ወዳእኩወን ክጽሕፎ ይሓይሽ መስለኒ) ኦፍ ኮርስ ኣብዚ ኩሉ ዝዛረቦ ዘለኹ ጌገኛ ክኸውን እኽእል’የ J
ክኣስሮ፥ ኣብዛ ብኣብነታት ጌጋታትካ ምቕባል ዘጌጸት ምዕራፍ ዴል If you are wrong, admit it quickly and emphatically ብምባል’ዩ ምኽሩ ዝዛዝም። ከተምስል ዲኻ ወላ ሓቕኻ ኣየገድስን’ዩ መስለኒ ብዓይኒ ዴል ምኽንያቱ ወላ ብውሽጥኻ “ልክዕ’የ” ትብል ተለኻ  ንኢጎ ሰማዒኻ ከተሐጉስ ኢልካ ግን ጌጋኻ emphatically! ከኣ ‘ምበር ትናዘዝ! ወይ ሽጣራታት ዓለም! እቲ ዘሐጉስ ኢጎኻ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ክትሕት ስለ ዘይፈቕደልካ “ኖእ! ኣነ ኣይኮንኩን ጌገኛ ደይ ሄዋን ብላዕ ምስ በለትኒ’የ በሊዐ ምበር ኣነስ ክበልዕ ኣይሓሰብኩን” ኢልካ መልስ። እቲ መሓሪ ኣምላኽ ሽዑ እንታይ ኢሉ ንኣዳም ከም ዝረገሞ ኣብ ጽሑፍ ኣሎ። ኣምላኽ ዝኣክል ከማን ኣዳም ጌጋኡ ዘይምቕባሉ pissed off ዝኮነስ፡ ከማይን ከማኻን ሰብ ደኣ ጌጋኻ ምእማን እንተኣቢኻ እንታይ ክገብር’ዩ፧  እንተወሓደ ብዘለዎ ሓይሊ ከእምነካ ክፍትን’ዩ። ከም ኣምላኽ ክቀጽዓካ ዝኽእል እንተኾይኑ ከኣ ጠፊእካ! ወላ ብ silent treatment ጌሩ ክሰሃለካ/ኪ ዩ። እንታይ ኣምጽኦ እዚ ኹሉ ሽግር፧ ጌጋኻ ክትቕበል ዝጽግመካ ተልመዴን ስለ ዝኾንካ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...