Wednesday, July 12, 2017

ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.5



ሰሉስ ሓምለ 11 2017
እነሀና ኣብ ሓምሸይቲ ሕጊ በጺሕና። ትማሊ ኣምስየ ገዛ ኣትየ፡ ጽቡቕ ድቃስ ለይቲ ስለ ዘይረኸብኩ ቁሩብ ቢቺ ኣለኹ። ሰዓት መሊእካ ምስ ሰባት ምዝራብ ክጅመር ኣለዎ። ቅድሚ ነቲ ሰብ ምርካብካ ክንደይ ግዜ ይኣኽሎ ትብል’ሞ ሞባይልካ ክንድቲ ዝመደብካሉ መሊእካ ከም ተዘክረካ ትገብራ። እንታይ ምዃና ስለ ዘይፈልጡ ድምጽጺ ጥራይ’ዮም ክሰምዑ፡ ኣብ መንጐ ዕላልካ ጭር ትብል ከምዛ መሰጅ ዝመጻካ ኣውጺኻ ተጥፍኣ ድሕሪኡ ጽንሕ ኢልካ እሞ ንኺድ’ዶ ትብሎም። ሲዶና ከምዚ ከይጀመርኪ ሰብ ኣይክትኮንን ኢኺ። ኣቶ ካርኔጊ ነዛ ናይ ሞባይል ጉዳይ ከመይ ከም ዝርእያ ኣይፈልጥን ግን ንሰብ ስምዒቱ ሓልየ ሰዓት ምሉእ “ኦሆይ” ክብሎ ተምስየ ኣብ መንጎ ከኣ ንኺድ እንተኢለዮ ንዕላልና ከም ማይ ሰነ ይናፍቆ ይኸውን’ምበር። ስም ‘ዛ ምዕራፍ How to Interest People ’ያ ትብል፡ ካብዚ ክንብሎ ዝቀነና ተበጊስካ እንተርኢኻ’ያ ድማ እታ መልሲ ቀላል’ያ። ሰባት ክግደሱልካ ብዛዕባቲ ዘገድሶም ተዛረብ። ዴል ነዛ ምዕራፍ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ገጻት ኣስፊርዋ ኣሎ ነታ መሪሕ ወይ መትከል (ፕርንሲፕል ብትግርኛ’የ ክትርጉም ዝፍትን ዘለኹ) ከምዚ ኢሉ ነዲቅዋ፥ Talk in terms of the other man’s (or woman’s) interests. ግርም ሕጊ!
ነዛ ሓምሸይቲ ሕጊ ኣብ ቅድሚት ከምጽኣ ምኸኣለ እንተኾነ ግን ኣይደለየን ምኽንያቱ ቅድም ክትግደስን ክትሰምዕን’ዩ ዘለካ። ዝኾነ ሰብ ከም ቢቢሲ ምሉእ መዓልቲ ክዛረብ ስለዘይክእል ምራቑ ክመልስ ከዕርፍ ኣለዎ። ከዕርፍ ከሎ ነታ ማይክሮፎን ነዓኻ ምስ ሃበካ ኣብ ክንዲ ከምዚ ተወጢጡ ዝጸንሐ ሰብ ብዛዕባ ድሌታትካ ትሸነሉ ይብል ኣሎ ዴል ብዛዕባ ዘገድሶ ነገር ድፍኣሉ (ወላ ሽነሉ ኣይጸልኦን’ዩ ምኽንያቱ ዘገድሶ ስለ ዝኾነ)። ኣፍካ ክትከፍት ዕድል ተረኺብካ መቀጸልታ ቁ.4 ብዛዕባ ነብሱ ክዛረብ ኣተባብዓዮን ብዛዕባ’ቲ ዘገድሶ ነገር ከም እትፈልጥን ከም እትግደስን ኣርእዮ- እናተዛረብካ። ኣብነት ሓደ ነዛ ሕጊ ዝተማህራ ሰብ (ዊልያም ሊዮን ፈልፕስ) ኣብታ መጽሓፍ ቀሪቡ ኣሎ። ታሪኹ ክጸዊ ከሎ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እንዳ ኣምኡ ወይ ሓትነኡ (ኦንት ጥራይ’ዮም ዝብልዎ ጸዓዱ እንታይ ፈሊጠሎም ከም ሓበሻ ኣሕዋት ኣቦኻን ኣሕዋት ኣዴኻን ሕደ’ዩ ነዐኦም-apparently) ምስ ከደ ሓደ “ጀንትልማን” ከም ዝረኸበ የዕልል። እዚ ናይ ከተማ ኒው-ዮርክ ጠበቃ “ጀንትልማን” ንሰዓታት ምስቲ ቆልዓ ብዛዕባ መራኽብ ከዕልል ኣይምስዩ እቲ ድግስ ምስ ተወድአ ወዮ ቆልዓ ኣድናቆቱ ኣብቲ ልዕሊ ሰብኣይ ክገልጽ ጀመረ። ነዚ ዝሰምዐት ሓትነኡ “ዶን ቢ ሲሊ” እዚ ዝረኣኻዮ ሰብኣይ ብዛዕባ መራኽብ ቅንጣብ ሃም የብሉን (ሃም ብዓረብ ናብ ኢንተረስት ትቀረብ ቃል’ያ። እዚ ሓንካስ ትግርኛ ን interest ትመስል ልዝብቲ ቃል ስኢነሉ። እንታይ ክገብር፧ ጦቕ’ኮ ኢለ ምስኡ ገፈፍ ክብል) ቅንጣብ ሃም የብሉን ኢላቶ። እታ ትመጽእ ባህርያዊ ሕቶ “ስለምንታይ ደኣ ዘይግደስ ከሎ ብዛዕባ መራኽብ ክዛረብ ኣምስዩ፧” ኢሉ ንሓትነኡ ሓቲትዋ። እቲ ዝሃበትኒ መልሲ ይብል ተራኺ እቲ ዝሃበትኒ መልሲ ካብ ኣእምሮይ ኣይወጸን። ናይ ሓትነኡ ዘረባ ቃል ብቃል ከምታ ዘላታ ክጽሕፋ ይሓይሽ። “Because he is a gentleman. He saw you were interested in boats, and he talked about things he knew would interest and please you. He made himself agreeable” ኢላቶ።
ሲዶና እዚ ወርቃዊ ምኽሪ ኣቦታትኪ ትሰምዕዮ ኣለኺ’ዶ፧ ሎሚ ይሰርሕ ይኸውን’ዶ ኢልኪ ትጠራጠሪ ‘ተለኺ ፈትንዮ። ዘመነ ገበል ዝሃበካ ተቀበል ኣይኮነናን ዘለና። ወላ’ኳ ኣሜን ምባል መፍትሕ ንሰላም ኣምእሮ’ዩ ኢልና ደምዲምና እንተነበርና፡ ከምቲ ቡድሃ ዝበሎ ግን ኩሉ ነገር ፈቲንካ እንተሰዓብካዮ የዋጽእ። እዚ “ስነ-ፍልጠታዊ” ብልሓት ነቲ እትፈልጦ ምሳኻ ከተወሃህዶ ዕድል ዝህብ ኮይኑ ይስምዓኒ ምኽንያቱ ብኣእምሮኻ ስለ ዝተረድኣካ ጥራይ ሓደ ነገር “ኣኸለ” ናይ ባህሪ ለውጢ ከምጽእ’ዩ ማለት ኣይኮነን። (ነዛ “ናይ ባህሪ ለውጢ” ትብል ጽብቕቲ ቃል ኣብ ኣፍ ገለ ኣምሰሉታት ብብዝሒ ስለ ዝተመላለሰት ብኣሶሴሽክን ምስ’ዞም ለመጭ ሰባት ዘይትርጉማ ዝሓዘት ኮይኑ እስምዓኒ ኣሎ።) ንሰባት ትግደሰሎም ካብኦም ገለ ጥቕሚ ስለ ዘለኪ’ዩ ዘድልየካ ምስ ረኸብካ ግን “መንደቅ ገሃጹ” ትብሎም ማለት’ድዩ፧ ለይዲ ወይ ጀንትልማን እንተኾንካ ከምኡ ኣይበሃልን’ዩ። ሲዶና ነዛ መምርሒት ኣብ ምትግባራ ከመይ ኢኺ፧
ጐኒ ጐኒ’ዚ ናይ ዴል ካርኔጊ መጽሓፍ ናይ ኣቦና ስቲቨን ሆኪን’ “Brief History of Time” ከንብባን ክሰምዓን እፍትን ኣለኹ። እፍትን ምኽንያቱ ከም ናይ ዴል ካርኔጊ ምጽእ ኢልካ ትርድኣካ ስለ ዘይኮነ። ፍልልይ ፍልስፍናን ሳይኮሎጂን ኣብዚ’ዩ መስለኒ። እቲ ብቀሊሉ ክትርድኦን ባዕልኻ ክትፍትኖን ትኽእል ኮይኑ ካብ ኣፍንጫኻ ኣርሒቅካ ኣይትሓስብን ኢኻ። እቲ ካልኣይ ግን ዶብ የብሉን እዚ “ፊዚስት ተርንድ ፊሎዞፈር” ናይ ዓለምና ዝበልሐ ዝበሃል ዝጸሓፎ መጽሓፍ ምርዳእ የድልየኒ ይኸውን’ዩ። ኣቦና ከኣ ኢለዮ ኣብ ጸዓዱ ወላ ንሼክስፔር ኣቦና ኣይብልዎን’ዮም፡ ንኣብርሃም ሊንከን ኣቦይ ምባል ኣይተለምደን። እዚ ጸገም ክፋሉ ናይቲ ቋንቋ ሕጽረት ክኸውን ይኽእል ግን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቃላት ዘለዎ እንግሊዝኛ “ኣቦይ ዓቢ” ምባል ስኢኑ ኣይኮነን። ምናልባት እዞም ናይ ሴማውያን ቋንቋታት ዘለዎም ክብሪ ንቀዳሞትን በታ ኣቦና ትብል ቃል ጌርካ ንገለ ዒብ ኣቦታትና መሸፈኒ ትጥቀመላ ትኸውን። ክብሪ ምሃብ ዘይጽላእ እኳ እንተኾነ “”ኣቦታትና ዝበልዎ” ኢልካ ከማና ምሕጻር ንጸዓዱ ኣይወሓጠሎምን ይኸውን። ካብዚ ዝነቀለ ከይከውን ኣቦና ኒውቶን ክበሃል ዘይንሰምዕ ‘ምበር ንሓበን ሃገርካ ዝኾነ ሰብ ኣቦና እከለ እናበልካ ንህዝባዊ ሃልኪ ከውዕልዎ ዓዲ ገሊኦም ኣይምጸልኡን። ኣዴታትና ክዛረባ ስለ ዘይፍቀደለን ኣዴታትና ዝበልኦ’ዶ ከይንብል፡ ሎሚ ምጾታት ከም ዝመጸ ዝዛረባ “ተዓቢጠን” ዝዓበያ ኣዴታት ብዙሓት’የን። ኣዋልድ ኣቅሽሽቲ፡ ፓስተራት፡ ሰበኽቲ፡ ኢማማት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ወዘተ ክኾና ዳርጋ ኩሎም ኣይወሓጠሎምን’ዩ። ጾታዊ ማዕርነት ኢላ ጓል ክትዛረብ ክትሰምዓ ሸለል ትብላ ትኸውን ከምዚ ኣብ ቀረባ ቲቪ ዝረኣናዮ ኣብ ዴንማርክ ትነብር ሓንቲ “ኢማም” ናታ መስጊድ ከፊታ ጥራይ ዘይኮነት ንኣሽቱ ኣዋልድ ኢማማት መምሃቲ ቤት ትምህርቲ ውን ኣለዋ። ገለ ሰባት ነዚ “ምጾታት” ተበልዎ ኣይገርምን። በዚ ኣቶ ዴል ዝበሎ እወ ሓቅኹም ኢልካ ብናቶም ሃም ተዛረብ ስለ ዝበለ ብናቶም ሃም ንዛረብ፡ እንታይ ክንገብር ኢልኩምና ኩሉ ወዮ ኮይኑና።
እዛ ምዕራፍ ናይ ሰባት ክፈትውኻ ካብ ዝጅምራ ጥራይ ንነብሰይ ክንደይ ግዜ ነዘን መምርሒታት ክትጥሕሰን ሒዘያ! እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ እዋን ዘረባ ዘይኮንኩ ዝሕዛ፡ እቲ ዕላል ምስ ተወድአ ካብቲ ሰብ ቻው ተበሃሂለ ምስ ተፋነኹ’ዩ። ወይ ሲዶና ብዛዕባቲ ሰብ እንታይ ሰሚዕኪ ተበልካስ “እንድዒ” ይኸውን እቲ መልሲ። ከም ዝርድኣኒ ሓድሽ ባህሪ ከተማዕብል ኣብ ትጅምረሉ እዋን ምጽእ ኢልካ ክትቅየር ስለ ዝኸብድ፡ መጀመርያ ነታ “ባህሪ” ውልዕ ጥፍእ እናበልካ ኢኻ ትዝክራ። ኣተኩሮኻ ሓዳስ ካብ ምዃና ዝተላዕለ እትው ውጽእ ክብል ንቡር’ዩ ምስ ግዜ ግን ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት aware ክትከውን’ሞ ምስ ግዜ ምዝካር ዘየድልየካ እናኾንካ ኬድካ “ባህርያዊት” ጠባይካ ትኸውን። ስለዚ ድሕሪ እዋን ኣብ መንጐ ዘረባይ እናለፍለፍኩ ትዝ ክትብለኒ’ያ፡ ሽዑ ሃለውለውኪ ኣቋሪጽኪ ነቲ ሰብ ዘገድስ ነገራት ክትዛረቢ ትጅምሪ፡ ብዛዕባ ነብሱ ክዛረብ ተተባብዒዮ፡ ልባዊ ዝኾነ ግዳሴ ተርእዪ።
ክንኣስሮ ንሰብ ብዘገድሶ ተዛረብ ኢሉና ‘ሎ። እዚ ብዛዕባ ካልኦት ተገደስ ዝብል መምርሒ ጨዊኻ ናብ ሃይማኖት ከተእትዎ ትኽእል ልክዕ ከምቲ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ገቢርካ ኣፍቅር” ዝተባህለ፡ ናቱ ሃም ናትካ ሃም፡ ናቱ ሽግር ናትካ ሽግር ማለት ስለ ዝኾነ ንሰብ ጽን ኢልካ ምስ እትሰምዖ ኣምላኽ ክሕጐሰልካ ይኽእል። ሳይኮሎጂያዊ መግቢ ትምግቦ ስለ ዘለኻ ምሕረት ትረክብ የኽእለካ ይኸውን ምኽንያቱ ካብቲ ዝበልዖ ዝሰኣነ attention ዝሰኣነ ስለ ዘደንግጽ። ንጸቢብ ውልቃዊ ረብሓ ኢልካ ንሰብ ክትሰምዖ ትጅምር’ሞ ሓቀኛ መንነትካ ምስ ተኸሽሐ ኣብ ጐል ትኣቱ፡ ኣብ ክንዳኡ ንካልኦት ኢልካ ምንባር ሓንቲ ካብ ኣዕኑድ ህይወትካ ትገብራ’ሞ ሃም ካልኦት ሃምካ ብምግባር ትጸድቕ፡ ሰብካ ተሐጉስ፡ ምሸት ባህ ኢሉካ ናብ ዓራትካ ትድይብ። ንካልኦት ሓልዮት ምርኣይ እንታይ ይጐድኣካ፧ ብኢጎ ተሸፊንካ ‘ተዘየለኻ ንሰብ ተገዲስካ ሰሚዕካዮ ወይ ብዛዕባኡ ተገዲስካ ሓቲትካዮ እንታይ ይጐድለካ፧ ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...