Wednesday, July 12, 2017

ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.2



ቀዳም ሓምለ 8 2017
ፍሽኽ በል! ካልእ ቃል ኣላ “ፈገግ”በል ትብል። ፈገግታ ብኸመይ ሰባት ከም ዝፈትውኻ ይገብር፧ ዴል ጋርኔጊ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ ንሰብ ምስ ረኣኻዮ ፍሽኽ ምባል “ገጽካ ብምርኣየይ ደስ ኢሉኒ ኣሎ። ኣዚኻ ባህ ተብል ሰብ ኢኻ። ብምርኻብና ሕጉስ’የ”ዝብል መልእኽቲ ትሰድድ ኣለኻ። ሓንቲ ካብተን ኣብኡ ከም ኣብነት ቀሪበን ዘለዋ ዛንታታ “ፍሽኽ ምባል እንተዘይመጽዩኒ’ኸ፧”ንነብስኻ ክሳብ ትለምዶ ኣገድዳ! ጽቡቕ ባህርይ ከተማዕብል እቲ ሕማቕ ባህሪኻ ክመውት ኣለው፡ ንሱ ክመውት ስለ ዘይደሊ ብጐነጽ ጥራይ’ዩ ክቕተል ዘለዎ ዝዓይነቱ ምኽሪ ኣሎ። “ኢጎ ማኒፑዩሌሽን!” ወይ ጉድ ትብል ሲዶና። ናይ ፕላስቲክ ተዋስኦኻ ድሕሪ ግዜ ክትኣምኖ ስለ ትጅምር ቀዳማይ ዝረኣየካ ሰብ ገጹ ሪእኻ ደስ ዝበለካ ስለ ዝመስሎ ካልኣይ ፍሽኽታ ጽቡቕ ባህሪ ምዃኑ ድማ ሳልሳይ። እዚ ኹሉ ምኽንያታት ተደሚሩ ሰብ ፍሽኽ ምባል ተተማህረ ንዕኡን ከባቢኡን ይጠቕም።
ስለምንታይ ሰብ ፍሽኽታ ኣየዘውትርን፧ ኣብ ዘድሊ እዋን ፍሽኽ ምባል ይሓይሽ ኢሉዶ ይኸውን፧ ገጽካ ኣሲርካ ትውዕል’ሞ ወላ ኣብ ኣገዳሲ ዝበሃልካዮ ህሞት ከመይ ጌሩ ክመጻልካ፧ ብዛዕባ ፍሽኽታ ብዙሕ ተባሂሉ ይኸውን’ዩ እዚ ግን ኣብ ግብሪ ተዘይውዒሉ መሪቱ ጥራይ’ዩ ክተርፍ። ሰለዚ ይብሉ ለባማት ተለማመድ! ፍሽኽ ምባል ተለማመድ። ገለ ደፋራት ድማ ሓጐስ ልምምድ’ያ’ሞ ተለማመድ ይብሉ። ወላ ኣይትእመኖ ተለማመድ። ወላ ቅጭ ይምጻእካ ተለማመድ። ወላ ተሓለል ስቅ ኢልካ ተለማመድ። ናይ ፓቭሎቭ ኣኻልብ ትዝክሮም’ዶ፧ ሰብ ኩሉ ዝሓስቦን ዝገብሮን ከምቶም ኣኻልብ ዝተለማመዶ እዩ ስለዚ ሓደ ነገር ከተማዕብል ተለማመድ።
ብዙሕ ጥቕሚ ናይ ፍሽኽታ ተሰቢኹ ይኸውን’ዩ ሲዶና ግን ምስ ኢጎ ዘለዎ ርክብ ዝያዳ ይስሕባ። ዴል ጋርኔጊ ወላውን ንሰብ ዋኒን ኢሉ ይጀምሮ ጽቡቕ ሜላ ኣቀራርባ ዘለዋ መጽሓፍ’ዩ ገዲፉልና ከይዱ። ኣንጻር’ቲ ቅድሚ ሕጂ ንብሎ ዝነበርና ከመይ ጌርካ ንኢጎ ተጥፍኦ ዘይኮነ ሎሚ ከመይ ጌርካ ንኢጎ ደስ ተብሎ ናብ ዝብል ጐደና ኣቲና። እዚ ለውጢ ካብ ሃይማኖት ናብ ዓለም ካብ ሰማይ ናብ መሬት ካብ ሕልሚ ናብ ክውንነት’ዩ (መስለኒ)። ኣብዛ ዓለም ዘለዋኻ ውሑዳት ዓመታት ንሰብ ከመይ ኣቢልካ ተሐጉሶ ምፍላጥ ጠቓሚ እዩ ግን ይብሉ ካልኦት ካብ ንሰብ ተፍቱ ንኣምላኽ ምፍታው’ዶ ኣይምሓሸን። ንሰብ ተፍቲኻ ንኣምላኽ ኣፍቲኻ ማለት ስለ ዝኾነ ብዙሕ ፍልልይ የብሎምን። ንኢጎ ናይ ሰብ ኣፍቲኻ ንኢጎ ኣምላኽ ኣፍቲኻ ማለት’ዶኸ ይኸውን፧ እንድዒ። እቲ ነጥቢ ንኢጎ ካብ ትጻረሮ ኣሐይሎ’ያ ትብል መስለኒ። ሰብ ፍሽኽ ኢልካኒ ኢሉ ደስ ክብሎ ተጀሚሩ ገጽ ተኸሊእካዮ ከኣ ኮርነፍ ክብል’ዩ። ወይ ሰብ ደቀይ። ስለዚ ንፍሽኽታኻ ከም መሳርሒ ትጥቀመሉ። ገለ ነገር ምስ ትደሊ ኩሉ ኣስናንካ ተርኢ፡ በንጻሩ ድማ ነታ ሰብ ገጽ ትኸልኣ’ሞ እንታይ ደኣ ኮይኑ ገጽ ዝኸልኣኒ ኢላ ተቀባጥረልካ ትጅምር’ሞ ከም ዓስቢ ፍሽኽታ ትምጥወላ። ምስ ግዜ ሰብ ፍሽኽ ተበልካ’ዮ “ኣገዳሲ ወይ ደስ ዘብል ሰብ ማለት’የ” ኢሉ ምትርጓም ተማሂሩ፡ ገጽ ተተኸሊኡ ከኣ ከምታ ቆልዓ ከሎ ዝኹርያ ዝነበረ ሕጂ ወላ ቀርኒ ዘውጽአ ሽማግለ ይኹን ገጽ ተኸሊእካዮ ልክዕ ከም ቆልዓ ኣብ ውሽጡ ሕርር ይብል። ዓመታት ስለ ዝቆጸርካ ጥራይ ኢጎኻ ይምሕረካ ወይ “ደሓን ወላ ሰብ ኣይገደሰለይ ጸገም የለን” ክብል ኣይደልን’ዩ።
ንኣሽቱ ህጻናት ከም ናይ ፓቭሎቭ ከይተለማመዱ ፍሽኽ ምባል ብተፈጥሮ ይኽእልዎ። እዚ ተፈጥሮ ዝሃበቶም ህያብ መስለኒ ምኽንያቱ ርእሶም ክኢሎም ንኽነብሩ ጌና ኣብ ካልኦት ክምርኮሱ ስለ ዘለዎም ንካልኦት ከም መስሓቢ ክጠቅሞም ይኽእል። ሓደ ፍሽኽ ዝብለካ ቆልዓ ብሳይኮሎጂያዊ ዓይኒ “ይጠውየካ” ስለ ዘሎ ዝደለዮ ግበረሉ ይመጻካ፡ ኣገዳሲ ሰብ ምዃነይ ኣነን ንስኻን ጥራይ ኢና ንፈልጥ ትብሎ ብልብኻ። እዚ ኩሉ ታሕሊል መቸም ይኸውን ወይ መስለኒ ኣብ ዝብል ዝተመርኮሰ’ዩ።
ከምቲ ሲዶና ዝደምደመቶ ጽቡቕን ሕማቕን ዝበሃል ነገር ‘ተዘየለ ንሰብ ፍሽኽ ኢልካ ደስ ከም ዝብሎ ምግባርን ትደልዮ ምርካብን ሕማቕ ክኸውን ኣይክእልን። ንኢጎ ሓልዎ ክትፍቶ ተደሊኻ። ናይ ሮበርት ግሪን “48 ሕግታት ሓይሊ ወይ ስልጣን” ቀደም’የ ኣንቢበያ ኔረ፡ ብሮቡዕ ምስ ሓደ ሰብ እናዕለልና ከለና የንብባ ከም ዘሎን ኣብኡ ዘሎ ሕግታት ብዙሕ ይምህሮ ከም ዘሎን ነጊሩኒ። Game Of Thrones እታ ኣዝዩ ዝፈትዋ ሙሰልሰል ምዃና ነጊሩ ምስኣ ኣወሃሂዱ ድማ ነዛ ዓለም ናይ ኢጎ ዓውደ ውግእ ዘምስል ስእሊ ቀቢኡለይ። ናይ ቀደም ዝኽሪ ናይዛ መጽሓፍ ቁሩብ ዳርክ ዝኾነት ኮይኑ እስምዓኒ እዚ ግን ብግርህነተይ ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ዝኣምነሉ እዋናት’ዩ ኔሩ። ሎሚ ናይ ሰብ ኢጎ ምቅብጣር ኮነ ኢጎ ምጭፍላቕ ብዙሕ ዝፍንፍኖ ነገር ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ “ዝፍንፍን” ዘሎ ጽሩይ “ኢጎ” ክዳን ቀይሩ ጥራይ’ዩ ብሕጓ ኣትዩ ዘሎ እቲ ናይ ቀደም ኢጎ’ዩ። ስለዚ እዚ ናይ ሃይማኖተኛታት “ፎእ! ንኢጎ” ብ ካብኡ ዝኸፍእ “ረቂቅ” ኢጎ ስለ ዝትካእ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፈሊ የብሎምን።
ወላ ሓንቲ ዋጋ ዘይክፈሎ ግን ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ነገር’ዩ ፍሽኽታ። ንሰብ ፍሽኽ ኢልካ’ዮ ብዙሕ እዋን ብፍሽኽታ እዩ ዝመልሰካ። ፍሽኽታ ማለት “ኦ ደስ ተብሊ ፍጥረት” ትብላ።  ንሳ ኸኣ “ኦ ንስኻ ከማን ደስ ተብል ፍጥረት” ሽዑ ብሓባር “ኣዚና ደስ ነብል ፍጥረታት”ኢና ትብል’ሞ ደስ ኢልካ መመገድኻ ትኸይድ። ኣብ መስትያት ምስልኻ ክትርኢ ከለኻ ድማ “ዋው! ደስ ዘብል ፍጥረት’የ” ትብል ምስ ግዜ ትለምዶ’ሞ ወላ ከፊእካ ከሎ “ፍሽኽ” ትብል እቲ ኣብ እዋን ፍሽኽታ ዝስምዓካ ዝነበረ ጽቡቕ ስምዒት ድማ ይመጽእ።
ባዮሎጂካዊ ነብስኻ ናይ ብሓቂ ዲኻ ፍሽኽ ትብል ወላ ናይ ብሕሶት ክፈሊ ኣይክእልን። ስለዚ ፍሽኽ ኣብ ዝበልካሉ እዋን እቲ ጥዕናዊ ጥቕምታት ፍሽኽታ ትሓፍስ። እቶም ኣብ እዋን ደስታ ዝነዝዑ ሆርሞናት ከምዚ ይብሉ ይኾኑ። ኦፕሬተር “ሄሎ ሓርማዝ ሓደ! ያ ገማዓ! ፍሽኽታ የንብብ ኣለኹ። እዛ ሰብ ተሓጉሳ ኣላ ስለዚ ሓይሊ በዓል ኢንዶርፊን ንህጁም ተዳለው” ኢንዶርፊን “ሰሚዐካ ኣለኹ፡ ሕጂ ኬድና ከነኸይፋ ኢና” እናበሉ ከሐጉስኻ ይቀዳደሙ። ነዚ ፌክ ሓጉስ ሆርሞን ምስ ሓወስካሉ ሪል ይኸውን። ድሕሪ እዋን ወላ ሓርማዝ ሓደ ሰራዊት ሓጐስ ኣይስደድ ሰልፍ-ሳስተይን ክትገብሮ ኣይትሽገርን ማለት’ዩ። ለባማት “ተላመድ” ዝበሉ ውን ንኸምዚን ወዲ ኸምዝን ይኾኑ።
ዴል ጋርኔጊ ነዛ ምዕራፍ A simple way to make a good first impression ኢሉ ሰምይዋ ኣሎ። ሓንቲ መጽሓፍ Why Not Try God? ብ Mary Pickford ከንብባ ዓዲሙኒ ኣሎ። እዞም ናይ ቀደም ሰባት ሕጂ ፍሉጣት ኣይኮኑን እቲ ሕግታት ሰለ ዘይልወጥ ምንባቡ ኣይጽላእን። ሰብ ብዙሕ እዋን ኣብ ክንዲ ጽብቕቲ መጽሓፍ ብዘይፈልጦ ሰብ ሓንቲ ጉሓፍ ብዝፈልጦ ከንብብ ይመርጽ። ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ኣንብባ ንዝበሉኻ መጽሓፍ ዘለካ ኣረኣእያ ክጸልወካን ካብኣ እንታይ ሒዝካ ትወጽእ ክውስኖን ይኽእል ይኸውን። ኩሉ እዩ! ብሰንኪ ወይ ሳላ ዘን ብዙሕ ኣብ ፍልጠት ዝነበረኒ ኣረኣእያ ተቀይሩ እዩ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዕዞ ናብ ነብስኻ ካብ ከባቢኻ ትረኽቦ ፍልጠይ ዘይክጠቕም ይኽእል ይኸውን። እንተ ምስ ሰባት እናነበርካ ግን ሕግታት ናይ ዴል ጋርኔጊ ይኹን ንኢጎ ዝርዳእ ኣገባባት ምኽታል ጽቡቕ ኮይኑ እስምዓኒ። እዚ ኢጎ ብዛዕባ ኢጎ ዝዛረቦ paradox ናብ ሓፋሽ ወጺኡ እንትርፎ ከቆጥዖም ዝጠቅም ኣይመስለንን። ስለዚ ፍልጠት ብዛዕባ ኣስራርሓ ኢጎ ኣገዳሲ ኢዩ ወላ ከም በዓል ሮበርት ግሪን ወይ ኒኮላ ማክያቬሊ በትሪ ስልጣን ንምሓዝ ኣይትጠቀመሉ፡ ንኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ማኒፑዩሌት (ንምሕጓስ ‘ዮም ዝብልዎ ተግበርቱ) ትጥቀመሉ።
ክንኣስሮ ፍሽኽታ ካልኣይቲ ሰባት ክፈትውኻ ተደሊኻ ከተዘውትራ ዘለካ ሕጊ’ያ። ዴል ጋርኔጊ ንሰብ ተገደሰሉ ኢሉና ቀጺሉ ፍሽኽ በሎ ይብልና ኣሎ። ኣብ ቁጽሪ ሓደ ብመልሓስካ ከም እተገደስካ ትሓቶ ሕጂ ድማ ነቲ “ሰብ ልዕሊ ቃላት ተግባር’ዩ ዝኣምን” ዝበሃል ሕጊ ከተተግብር ፍሽኽታ ተዘውትር። ሓውና በታ ቀዳመይቲ ‘ተዘይኣመነካ በታ ካልኣይቲ ይኣምነካ ይኸውን፡ ኣሚኑ ከኣ ይፈትወካ፡ ፈትዩ ድማ ይተሓባበረካ፡ ተሓባቢሩካ ደስ ይብሎ ደስ ይብለካ። ዊንዊን! ስለዚ ፈገግ በሊ ሲዶና። ቀላል ከይብሉኺ ኣይትሰከፊ “ፍሽኽታ ኣመለይ” ኢሉ ደራፊ ስለዚ ፍሽኽታ ኣመልኪ ግበርዮ። በቃ ፍሽኽ! ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...