Friday, July 14, 2017

ግስን ምግሳስ ብኣዕማድን ኣብ ቋንቋ ትግርኛ



ሓሙስ ምሸት13 ሓምለ 2017
ኩሉ ነገር ጽሑፍ’ዶ ይኸውን፧ በቲ ዘውጻኹዎ መደብ መሰረት ስቲቭን ሆኪን ዝነደፎ ክልሰ-ሓሳብ ኩሉ ነገር “The Theory of Everything” እናሰማዕኩ ከለኹ ኣቀዲመ ጠንቀምቀም ክብል ዘልዓልክዋ መጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን” ብተክአ ተስፋይ ገለ ብዛዕባ ኣረባብሓ ግሲ ትዛረቦ ዝነበረት ትዝ ክብለኒ ጀመረ። እዚ ብኣዕማድ (እንታይ ማለት ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይበጻሕክዎን) እናገበርካ 14 ቃላት ክትጥንቁል ትኽእል። ንኣብነት ደስ ካብ ዝበላኒ ን euphemism ካብ ምልዛብ ዝብላ ኣቶ ተክአ ኣስተልዝቦ ኢልዋ ኣሎ። ኣገናዕ! ትብሎ ሲዶና ነዚ ዘይሕለል ፍልጠት ናይ ምክፋል ስርሑ። እታ ቅድሚ ገለ መዓልቲ ጦቕ ዘበለትኒ ካብ ግዳሴ ናብ ሃም ኢለ ሓሸውየ ዝኣተኹላ ፍታሕ ዝረኽበላ እመስለኒ። ወላኳ ካብ ቀደሰ ቅዳሴ ዝወጽእ እንተኾነ ካብ ገደሰ ግዳሴ ክወጽእ ከም ዝኽእል ግን እዝጊ ዋንኡ። እዘን 14 ኣዕማድ ልክዕ ከም ናይ ዓረብኛ ብ “ፈዓለ” ወይ ገበረ ትብል ግሲ እያ ተሰሪሓ።
1.   ገቢር (ገበረ)
2.   ገባብሮ (ገባበረ)
3.   ተገብሮ (ተገብረ)
4.   ተጋብሮ (ተጋበረ)
5.   ተገባብሮ(ተገባበረ)
6.   ተስተግብሮ (ተስተግበረ)
7.   ተስተጋብሮ (ተስተጋበረ)
8.   ኣግብሮ (ኣግበረ)
9.   ኣ’ጋብሮ (ኣጋበረ)
10. ኣ’ገባብሮ (ኣገባበረ)
11. ኣ’ተጋብሮ (ኣተጋበረ)
12. ኣ’ተገባብሮ (ኣተገባበረ)
13. ኣስተጋብሮ (ኣስተጋበረ)
14. ኣስተግብሮ (ኣስተግበረ)
ስለዚ ገደሰ> ገዳደሰ>ተገደሰ> ተጋደሰ> ተገዳደሰ>ተስተግደሰ>ተስተጋድሶ>ኣግድሶ>ኣ’ጋድሶ>ኣ’ገዳድሰ>ኣ’ተጋደሰ> ኣ’ተገዳደሰ> ኣስተጋደሰ> ኣስተግደሰ! ወይ ጉድ! ይቕሬታ ክብል ይግብኣኒ ነቲ ዘውጻኽዎ ቁልዕነታዊ ጸርፊ ንትግርኛ። ትግርኛ ዘይኮነ ሓንካስ ኣነ’የ ሓንካስ! ኣይትሓዘለይ ትግርኛ። ካብ ገደሰ ክሳብ ኣስተግደሰ 14 ቃላት ከለኒ ቃላት ውሒዱኒ ኢለ ከማርር ኣየምሕረለይን። ስለዚ ግዳሴ ከምዘይኮነት ፍሉጥ’ዩ፡ ስለዚ ንሓደ ሰብ ክትግደሰሉ ከለኻ እንታይ ክንብሎ፧ ኣስተግድሶ፧ ልክዕ ከምቲ መሃረ ናብ ኣስተምሃረ ወይ ኣስተምህሮ ትኸውን እዚኣ ድማ ገደሰ ናብ ኣስተግድሶ ክትከይድ ትኽእል’ዶ ትኸውን፧ ወይ ጣጣ!
ነዚ ጐኒፉኒ ዘሎ ወጥሪ ናይ ቋንቋ ናብ ትሕቲ ምንጻፍ ኮስቲረ ከእትዎን ዓይነይ ዓሚተ ክኸይድን ባህ ምበለኒ ግን ርእሳ ዝተነፍሐት ደንቆሮ ምዃነይ ንነብሰይ ከዐሽዋስ ኣይከኣለንን። ከምዚ በዓል ተኪአ፡ ኣስረስ ተሰማ፡ ካልኦት ናይ ቋንቋ ተመራመርቲ ዝገብርዎ ዘለዎ ኣሰሮም ክስዕብ እኽእል መስለኒ። ድሕሪ 50 ዓመታት ምርምር ቋንቋ እንታይ ፍረ ኮን አፍሪ እኸውን፧ ከም ሆቢ እንተወሰድክዎስ ክረብሓሉን ሰብ ክጠቕመሉን እኽእል’ዶ እኸውን፧ ሆቢ ብትግርኛ ብሓንቲ ቃል ክትካእ ትኽእል’ዶ ትኸውን፧ ስለምንታይ ዘይፈልጣ፧ እዚ “ኖብል ኵዌስት” ነታ ሽግ ፍልጠት ካብቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ተሰኪምካ ንብድሕሬኻ ዝመጹ ምሕላፍ የጠቃልል። ሲዶና ነዚ ክትገብሮ ትኽእል’ዶ ትኸውን፧  ትግርኛኻ ምምዕባል ይበልጽ ወይስ እንግሊዘኛኻ፧
ተመሲጠ ኣለኹ በዛ መጽሓፍ ብፍላይ ድማ ን personification እንታይ ኢሉ ከም ዝተርጎማ ምስ ረኣኹ ማሻኣላህ ዘብል ክእለት ተዓዚበ። “ኣስተሰብኦ” ን overstatement  ድማ ኣስተድምቖ ኢሉዎ ኣሎ። ወይ ጉድ! ደመቐ ናብ ደማመቐ ናብ ተደመቐ ናብ ተዳመቐ ናብ ተደማመቐ ናብ ተስተድመቐ ናብ ተስተዳመቐ ናብ ኣድመቐ ናብ ኣ’ዳመቐ ናብ ኣ’ደማመቐ ናብ ኣ’ተዳመቐ ናብ ኣ’ተደማመቐ ናብ ኣስተዳመቐ ናብ ኣስተድመቐ!
ክኣስሮ! ትግርኛ ጸገም የብሉን ተዛረብቱ ግን ከምቲ ኸሊል ጅብራን ዝበሎ ሕቆና ንጸሓይ ሂብና ኣብ ጽላሎት ምኽኒት ንነብር ኣለና። ኣምላኽ ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ይቕረ ግበረልና። እቲ ሓደ ሰብኣይኮ ክንደይ ከይግድሶ ኢልካ’ዮ ኣስተግድሶ የብሉን’ዶ ክንብሎ። ወይ ጉድ! እኣኽለኒ ከይሓምም ከኣ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...