Thursday, July 20, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.6



ሮቡዕ ሓምለ 19 2017
ወርሐይ ጌረ ‘ለኹ መዓልታዊ ክጽሕፍ ካብ ዝጅምር። ሓንቲ ስነ-ሰብ ዝተማህረት ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ተዓዚባ ክትጽሕፍ ይግብኣ ይኸውን። ነዚ ዘሎ ኩነታት ኣየር፡ ናብ ሳዋ ዝወርዱ ዘለው ተመሃሮ ዝገብርዎ ዘለው፡ Game of Thrones ከም ዝወጸት፡ ዝናብ ምህራም ከም ዝኣበየ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ገልጠምጠም ኣብ ከባቢና ወዘተ ብዙሕ ክምዝገብ ዝግብኦ ነገራት ኣሎ። ሲዶና ግን ካብ ኣብ ደገ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዝያዳ የገድሳ። ካባብየይ ዘሎ ክምዝግብ ከኣ ክንዲ ናይ በዓል ብንያም ፍስሃጽዮን ዝኸውን ዓቅሊ የብለይን። እንድዒ! ኣብ ቤት ቁርሲ ካቴድራል ኣተው ክብሉ ተደልዮም  ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ’ዮም ዝጅምሩልካ። እዚ ከምዚ ሕብሩ፡ ከምዚ ይመስል፡ ካብዚ መጺኡ እናበልኩ ንገጸ ባህርያተይ መመከኒ ቦታ ክሰርሓሎም ኣይደልን፡ ወላ ይጽልኡኒ ድሌታት ገጸ ባህርያተይ ክሳሲ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ። ክብሎ ዝደለኹ ከይተባህለ ኣብ ቃላት ክሞተኒ ኣይደልን ዋላኳ ጽሕፈተይ ዘይልሙድ ይኹን እቲ ክበሃል ዝተደልየ ልዕል’ቲ ኣበሃህላ አገድሰኒ። ካልእ ከኣ መን ጸሓፊት ኢኺ ምስ በለኒ፧ እነሀ እዘን ዝተረፋኒ 11 ኣዋርሕ ሽርጥጥ ሽርጥጥ ኣቢለ ፋይለይ ክዓጹ’የ።
ንኺድ ናብ ዴል ኣብዛ ሓምሸይቲ ምዕራፍ ሓደ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ፈረንሳዊ ፈላስፋ La Rochefoucauld ዝበሎ ኣሎ “If you want enemies, excel your friends, but if you want friends, let your friends excel you.” (ኣብ Kiwix ክርእዮ ጸኒሐ ክንበብ ዘለዎ ጸሓፊ’ዩ) ዴል ነዚ ናይ ኾሸፎኮ ርድኢት ድሕሪ’ቲ ንሰባት ክስነምዖም ኣለና ዝብል ትምህርቱ’ዩ ኣእቲዋ። እዛ A Safety Valve In Handling Complaints ትብል ምዕራፉ ሰባት ኣብ ቢዝነስ ብዝገብርዎ ጌጋ ትጅምር። ዴል ጋርኔጊ ሰባት ብዛዕባ ሽግሮም ክነግሩኻ ከለው ጽን ኢልካ ስምዓዮም፡ ልዕሌኻ ንዘለዎም ሽግር ባዕላቶም ይፈልጡ ይብል። ኣብ ገለ ቦታ ምስኦም ምስ ዘይተሰማማዕ resist the temptation to interrupt! ይውስኽ ዴል። እዚ ይብል ዴል ብቃላቱ ንርኣዮ “He won’t pay attention to you while he still has a lot of ideas crying out for expression” ከምዚ ተዛረብቲ ትግርኛ “ኣወድኣኒ” ዝብልዎ፡ ሰብ ክዛረብ ከሎ ብፍላይ ብሽግሩ ከስቆርቁርን ከማርርን ከሎ ኣወድኣዮ! ብክፉት ኣእምሮ ስምዓዮን ምስወድአ ብዛዕብኡ መቀጸልታ ሕቶታት ሕተቶ። (ኣጸቢቁ ከራግፎ’ዩ ተደልዩ መስለኒ) ከምዚ ምግባርካ ይብል ዴል “ተሰሚዐ” ኢሉ ስለ ዘዕርፍ ንኽትብሎ እዝኑ ክህበካ ይኽእል፡ ጌና ዝብሎ’ለኒ ይብል ተሎ ግና ከየንፈሶ ፈጺሙ ኣይክሰምዓካን’ዩ። ነዚ ዘብርሃ ዴል ሰለስተ ምስክርነታት ኣይቅሪቡልና ኣሎ። ሕመረተን እዚ’ዩ። ንሰባት ቅድም ብዛዕባ ህይወቶም ሽግራቶምን ከይሰማዕካዮም ብዛዕባ’ቲ ትደልዮ ክትዛረቦም ከምዘይብልካ። ንኣብነት ሓደ ሓላፊ ናይ ኩባንያ ምዕዳል ኤለትሪክ ናብ ሓንቲ ገጠር ዑደት እናካየድ ከሎ ፡ ሓንቲ ዓባይ ናይ ሓረስቶት ገዛ ልቸ ከምዘይብላ ኣስተውዓለ። “እንታይ ኮይኖም ‘ዞም ገዛ ልቸ ዘየእትው፧” ኢሉ ሓተቶ ነቲ ወኪል ናይቲ ዞባ። “ጠረዋት’ዮም ክንደይ ግዜ ክንሸጠሎም ደሊና ግን ምስማዕ ኣብዮምና፡ ተሓሊሉና ገዲፍናዮ” በሎ። እዚ ጆሴፍ ዌብ ዝበሃል ናይ ዴል ኮርሳት ይወስድ ስለ ዝነበረ ምስ ነብሱ “ደሓን ከርእየን’የ” ኢሉ ከደ። ማዕጾ ተኳሕኩሐ፡ ሰይቲ ሓረስታይ ማዕጾ ፈንቂቃ እንዳ ኤለትሪክ ምዃኖም ምስ ረኣየት ኣብ ገጾም ዓጸወቶ። ካልኣይ ግዜ ኳሕኩሐ ቁሩብ ምስ ከፈተቶ ዌብ “ ወይዘሮ ድራከንቦድ ኤለክትሪክ ክሸጠልኩም ኣይኮንኩን መጺአ፡ እንቋቑሖ’የ ክገዝእ ደልየ” በላ። ነቲ ማዕጾ ካብቲ ዝነብሮ ኣርሕው ኣቢላ ብዓይኒ ጥርጣረ ጠመተቶ። እዛ ዛንታ ከም ኩሉ ናይ ምስክርነት ዛንታታት ከመይ ከም እትዛዘም ፍሉጥ’ዩ። ብዛዕብኣ ይግደስ፡ ይሓታ፡ ጽቡቕ የዕልሉ፡ ድሕሪ ገለ እዋን ልቸ የእትው!  እታ ካልኣይቲ ዛንታ ቁሩብ ትሓይሽ ምኽንያቱ ኣብ ጋዜጣ ንሓደ ሕልፍ ዝበለ ክእለት ከም ዘድልዮም ዝገልጽ ምልክታ ምስ ወጸ ሓደ ቻርለስ ኩበሊስ ዝተባህለ ንክቁጸር ደብዳቤ ሰደደ። ሰሊጥዎ ቃለ-መሕትት ክገብር ቆጸራ ተታሕዘሉ። መስካሪና ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ነብሱ “ከምዚ ተበሉኒ ከምዚ ክብል’የ” ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝሓስብ ብዛዕባ’ቲ ቃለ-መሕትት ዝገብረሉ ዋና’ታ ካምፓኒ መጽናዕቲ ጌሩ ኩሉ ሓበሬታ ኣከበ። ኣብታ መዓልቲ ኣብ መንጐ ቃለ-መሕትት ኩበሊስ “ኣብዛ ከም ናትኩም ታሪኽ ዘለዋ ካምፓኒ ክሰርሕ ክብሪ እስምዓኒ። ከም ዝርድኣኒ ቅድሚ 28 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ነገር እንትርፎ ሓንቲ ጣውላን ሓንቲ ጸሓፊትን ኢኹም ጀሚርኩም። ሓቀይዶ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ በቃ ኣይትሓዙኒ ኮይኑ ዓዲ! መስራቲ’ታ ካምፓኒ ዝሓለፎ ኩሉ ክዛረብ ወዓለ! ኣብ መወዳእታ ገለ ገለ ሕቶታት ንኩበሊስ ሓተቶ’ሞ ንምክትሉ ጸዊዑ “እዚ ሰብ’ዚ ‘ይ ዘድልየና” ኢሉ ኣብኡ ከሎ ስራሕ ቆጸሮ። እዚ ይብል ዴል ነቲ ካልእ ሰብ ብዛዕባ ነብሱ ክዛረብ ዕድል ክትቦ ኣለካ፡ ሰብ ወላውን ዓርክኻ ይኹን ካብ ብዛዕባ “ቅያታትካ” ዝሰምዕ ብዛዕባ ሽግሩ ከዕልል ይመርጽ። ሶዶና እዚ ክሳብ ሎሚ ጽሒፍክዮ ዘለኺ ኣስታት 45 ገጻት ዝበጽሕ ጽሑፍ ከንብቦ ዝደሊ መን ኣሎ፧ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ሽግሩ ይዓጦ ብዛዕባኻ ክሰምዕ እንተ ደኣ ኮይኑ ከኣ ብዛዕባ ሽግርካ’ምበር ብዛዕባ ዓወታትካ ብዙሕ ኣብ ቅድሚኡ ክትምክሓሉን ነብሰ-ክብሩ ከተጉድለሉን ኣይደልን። ነዚኣ ትገልጽ ቃል ኣላ ኣብ ቋንቋ ጀርመን Schadenfreude ። ዴል ነታ ምስላ ኩላ ብጀርመን’ዩ ጽሒፉዋ “Die reinste Freude ist die Schadenfreude” እቲ ዝበለጸ ሓጐስ ካብ ሽግር ናይ ካልኦት እንረኽቦ’ዩ! እዛ ሻደንፍሮይደ ትብል ቃል ካብ ሻደን- ማለት ሽግር ወይ ቃንዛ ፡ ፍሮይደ ማለት ድማ ባህታ ወይ ሓጐስ ማለት’ዩ። ሮቢን ዊልያምስ ነብሱ ይምሓሮ ኣብታ ተዘካሪት stand up ኮሜድኡ ጠቂስዋ ነይሩ። ነዛ ናቱ stand up ምስ ረኣኹ በቃ! በቀረርብኡ ኣዝየ ካብ ምምሳጠይ ንላዕሊ ድሕሪኡ ዝኾነ ተመሳሳሊ ኮሜዲ ከይርኢ ምሒለ። ከምዚ ገለ ስነ-ጥበበኛታት ዝገብርዎ ኣነ ዝበለ ፍጹም ስራሕ ይሰርሑ’ሞ ንብራሾም ወይ ጊታሮም ወይ ብርዖም ይሰብሩ። ዶብ ናይቲ ክበሃል ዝኽእል ምስ በጽሑ በቃ! ኣብ ክንዲ ብ ካልኣይ ደረጃ ስርሓት ምምርሳሕ ጠቅሊሎም ደው የብሉ። ካብ ኩሎም ዝምስጡኒ ድማ ዓለም ንስርሖም ክትርኢ ኣይግብኣን’ዩ ኢሎም ፍርያቶም ዘቃጽልዎ ወይ ብርሃን ጸሓይ ከይርኢ ዝዓብጥዎ ጀጋኑ ኣለው። ኣምላኽ ይባርኮም።
ሻደንፍሮይደ ኣብ ጀርመንኛ ጥራይ ትርከብ ቃል’ያ መስለኒ። ሽግር ካልኦት ከም ዘሐጉሰካ ክትቅበሎ ዓቢ ትብዓት ዘድልዩ ኣምር’ዩ፡ ንጀርመናውያን ስለቲ ግሉጽነቶም አመስግን። እዞም ፈሽኳላት እንግሊዝ ኣብ እሩም ባህርያትን ኣካይዳን እናጸቀጡ ኣብቲ ርእሲ ነገር ክመጹ ከለውስ ቃል ስኢኖም! ወይ ጉድ። ደሓን ይእተው ግን ሕጂ ተራዒማ ሻደንፍሮይደ ኣብ መዝገበ ቃላት እንግሊዝኛ ኣላ። ሰብ ንሱ ከፊእዎ ክጥዕመካ ኣይደልን’ዩ። ከምቲ ፈረንሳዊ ዝበሎ ዝኾነ ቀራቢኻ ክትበልጾ፡ ብ ዝዓመምካዮም ስራሓትካ ክትወራዘየሉ ኣይደልን’ዩ። ዝኾነ ሰብ ክትረኽቦ ከለኻ መታን ጽቡቕ ክስምዖ  ስቕ ኢልካ ክትሰምዖ ይደሊ። ባዕሉ ብዛዕባ ምንታይ ክትዛረቡ ከም ዘለኩም ይምራሕ፡ ብዝገበርካዮም ነገራት ኣይትዛረብ ምኽንያቱ ትክምካሕን ብዛዕባ ነብስኻ ክትልፍልፍ ከለኻን ከይፈተወ’ዩ  ዝጻወረካ ዘሎ (መታን ደሓር ክትሰምዖ ድልዩ)። ናይ ኣዮዲን ጽኪ ታይሮይድካ ቆሪጾም እንተዘውጽዋ ሓደ መሃንዘል ምኾንካ ይብል ዴል ትምክሓሉ ነገር’ሲ ዓቢ ኣይኮነን ስለዚ ብዛዕባ ነብስኻ ምዝራብ ግደፎ!
ክንኣስሮ፡ ሲዶና ምስ ሰባት ኣብ ትራኸብሉ እዋን ብዛዕባ ነብስኺ ምዝራብ ግደፍዮ። እዚኣ ክመሃራ ክንደይ ግዜ ትወስደለይ ትኸውን፧ ኣብ ክንዳኡስ ጽን ምባል ተመሃሪ። ዴል ነዛ 6ይቲ ሕጊ ከምዚ ኢሉ ኣስፊርዋ ኣሎ “Let the other man do a great deal of the talking”. ኣወድእዮ ከኣ። ወላ ዒባ እናደርበየለይ ከሎ ተጻዊረ ከወድኦ ማለት’ዩ። ምዃን’ኳ ሓቁ’ዩ። ኢጎ ካብ ካልእ ኢጎ ዒባ ክመጾ ከሎ “ኣነ ዝኣክል ዓቢ ኢጎስ ናይዚ ቀንጠመንጢ ክሰምዕ” ስለ ዝብል’ዩ ምጽዋር ዝስእኖ። ስለዚ ካብ ኢጎ ሓራ ክትኮኒ ንዒባ ካልኦት ምጽዋር ከድልየኪ’ዩ ሲሱ። ተዛረቢ ተበሉኺ ከኣ “ሻደንፍሮይደ!” ኢልኪ ዘለኪ ጸገማት ምኒን ትብሊ መታን ምሳኺ ተወዳዲሮም ጽቡቕ ክስምዖም። ወይ ጉድ! እንታይ ዓይነት ምኽሪ’ዩ’ታ ‘ዚ። ስጋቦይ ፍቓዱ ሓበሻና ክንድዚ ዝኣክል ንቕሓት የብሉን ግን ከኣ ኩሉ ተነቒሑ ደኣ’ሞ እንታይ ትርጉማ ህይወት፧ ከምዚ ስልጣን ናይ ውሑዳት፡ “ሻደንፍሮይደ” ድማ ናይ ውሑዳት weirdos ‘ያ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...