Monday, July 17, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.4



ሰኑይ 17 ሓምለ 2017
ቆልዓ ይጐዪ ምበር ኣይቅድምን’ዩ ዝበሃል። ካባይ ጀሚርካ ብዙሓት ሰባት (ብቀረባ ዝፈልጦምን ዘይፈልጦምን) ገለ ነገር ጀሚሮም ኣብ መንጐ የቋርጹ። “ኢሂታ እንታይ ደኣ ረኺቡካ፧” ትብሎ። ትማል ትማል ብሞራል ጎቦ ክፍንቅል ዝኽእል ኮይኑ ዝስምዖ ዝነበረ ኣላሽ ኢሉ ከላሽኑ ክሰቅል ምስ ረኣኻዮ ቁሩብ እናተሰማዓካ ትደሃዮ። ደጋውን ውሽጣውን ምኽንያታት ጠንቂ ምቁራጽ ፕሮጀክት ክኸውን ይኽእል። እቲ ደጋዊ ብዙሕ እዋን ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ንጐኒ ገዲፍና ናብቲ ውሽጣዊ ምኽንያት ኣተኩረ ተውጋዕኹ እሓይሽ። ርሑቅ ከይከድኩ ኣብ ፌስቡክ ወይ ኣብ ብሎግስፖት ዘለው ጸሓፍቲ ውልዕ ጥፍእ ክፈትው መዓት’ዮም። ኣማተራት ስለዝኾኑ፡ ደሞዝ ስለ ዘይክፈሎም፡ ሓሳብ ስለ ዝውድኡ፡ ሞራል ስለ ዘውድቑ፡ ወዘተ ወዘተ እናበልካ ስለምንታይ ውልዕ-ጥፍእ ከም ዝብሉ ክትዛረብ ትኽእል። ሓንቲ ኢፒሶድ ብዛዕባ ዝጀመርካዮ ምውዳእ ኣብ American Dad ዝነበረት ትዝ ትብለኒ ኣላ። እቲ pervert ኤልየን ምስታ wife (ስሞም ረሲዐዮ!ክልተ ዓመት ቀሪቡ ኣሎ ካብ ዘይርእዮም) ብዛዕባ tenacity ብሓደ sick way ምስ ረኣኹዋ ምሉእ ህይወተይ ከም ዘይርስዓ ኮይነ ልበይ ተተንኪፈ። ዝደለኻዮ ክትረክብ ካልእ መገዲ የለን እንትርፎ persistence. ቀጻልነት ምህላው ወይ ኣብ ዝጀመርካዮ ምንካስ። ቆልዓ ግን ኣብዚ ይነክስ’ሞ በቲ ገለ ጌጋ ምስ ረኣየ “ርእይቶ” ክህብ ኢሉ ኣፉ ይኸፍት! መሊሱ ኣብቲ ይነክስ፡ ኣዕርኽቱ መጺኦም “ኣታ ነዚ ትነክስ! ካልእ ይሕሸካ” ምስ በልዎ ይገድፎ። ወይ ከኣ ይነክስ’ሞ በይኑ ጥራይ ይኸውን ካልኦት ክዘናግዑ ምስ ረኣየ “ኦፋ! ተመሊሰ ክነክስ’የ” ኢሉ ይገድፎ። ወይ ድማ ቅጭ ይመጾ’ሞ ኣነ ሰብ ‘ምበር ከልቢ ኣይኮንኩን ስለዚ ደስ ‘ተለኒ ይሰርሕ ደስ ተዘይበለኒ ይጥንጥኖ ይብል። ወይ ድማ ሞራል ዝህቦ ይስእን- እዚኣ ብዙሕ እዋን ኣብ መንእሰያት ተጋጥም’ያ። ሓለፍትኻ ወይ ልዕሌኻ ኣብቲ ቦታ ዝጽንሑ ከጣቕዑልካ ወይ ድማ “ኣጆኻ! ከይትገድፋ” ክብሉኻ ትጽበ’ሞ ሸፈፍ ኢሎም እንተደኣ ሓሊፎምኻ ዝነሸስካዮ ብላሽ ትፍንዎ! ከምዚ ዝረኣናዮ ንኽሶ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ ኣነኻኽሳ ድማ ብዙሕ’ዩ።
ጉዳየይ ብዛዕባ መንከስቲ ክጽሕፍ ደልየ ዘይኮንኩ ነዛ ወርቃዊት ቃል tenacity ኣብ ልበይ ክደርዛ ስለ ዝደለኹ’ዩ። ዓመት ምሉእ መን ብሎግ ክገብሮ’ዩ፧ ኢለ ክጠራጠር ጀመርኩ። እነሀ ወርሐይ ቀሪበ  ከም መፈተኒ ንኣስናነይ ኢለ ዝኣተኹዎ ጉዳይ ብሕጂ 11 ኣዋርሕ ኣለኒ። ሲዶና ካብ ቁልዕነት ትወጻሉ initiation ceremony ብመገዲ ’ዛ ብሎግ’ዩ። ሰብ ስለምንታይ ዝጀመሮ የቋርጽ፧ መብዛሕትኡ ስለ ዝስልችዎ። ስለምንታይ ይስልችዎ፧ ምናልባት ኢጎ ወትሩ ሓድሽ ስለ ዝደሊ ሓደ ነገር ከደጋገም የስልቹ ። ሰብ ሓዳር ይብል ኦሾ ኣብ ዓለም ዝሰልቸዎም ሰባት’ዮም ምኽንያቱ መዓልቲ መጸ ፈትዮም ጸሊኦም ሓደ ዓይነት መሰልቸው ዘረባ፡ ሓደ ዓይነት ዋዛ፡ ሓደ ዓይነት sex position (ንሱ ዝበሎ)፡ ዘየንብቡ ተኾይኖም ከኣ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ምሳኻ ን ፍርቂ ዘመን! ይሰውረና ጥራይ። ስለዚ ኣብ መገዲ ይብል ኦሾ ክልተ “መረቆም ዝወድኡ” ትሕት’ቲ ናይ ተዋስኦ ገጾም ምስልካይን being stuck ዝዓብለሎ ዝመረተ ገጽ፡ ከምኡ ድማ ከምዛ ጐኒ ጐኒ ሰጥ ኢልኩም ኪዱ ኢልካ ዝኣዘካዮ ዝመስሉ ሰባት እንተደኣ ሪእና ሰብ ሓዳር’ዮም ይብል። ሓቁ ድዩ፧ እንድዒ! በተሓሳስብኡ ሰብ ኣብ ዘይዕድሜኡ ዝመውት ዘሎ ሓዳር ስለ ዝመጸ’ዩ። ንሱ ነዚ መብዛሕትኡ ንርእዮ ሓዳር ከም institution ኣገዳስነቱ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ግን ሰባት ንምእሳር ዝተፈጥረ’ዩ ዝብል ኣብ ክንዳኡ ናይ ፍቅሪ ሓዳር ክህሉ ኣለዎ ኢሉ። ከም መተካእታ ድማ  open marriage ክኣቱ ጸዊዑ። እዚ ንጐኒ ገዲፍና ምስልቻው ኣብ ሓዳር ፡ ኣብ ስራሕ ፡ ኣብ ጽሕፈት ፡ ኣብ ዝጀመርካዮ ፕሮጀክት ፡ ኣብ ህይወትካ ከይተረፈ እቲ ዝዓበየ ሕማም’ዩ። ካብቲ ምስልቻው ባዕሉ ዝኸፍእ ድማ ምስ ሰልቸወካ ካብኡ ንምውጻእ እትገብሮም ነገራት ኩሎም ወልፍታት ወላ ወልፊ ምንባብ ይኹን ከይስልችወካ ኢልካ ትኣትዎም ተለኻ ጌና ዝተረፈካ ኣሎ።
ናብ ቁምነገርና ንእቶ ራብዐይቲ ምዕራፍ The High Road To A Man’s Reason ትብል ኮይና መቀጸልታ ናይዘን ዝሓለፋ ምኽርታት’ያ። ቆልዑ ከለና ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ዝነበረት ናይ ኤዞፕ ዛንታ ጸሓይን ንፋስን ኣብዚ ምዕራፍ ዴል ኣእትይዋ ኣሎ። ስጋቦይ ፍቓዱ ‘ዛ ዛንታ ሎሚ ምስ ገለጸለይ ‘ያ ተረዲኣትኒ። ጸሓይን ንፋስን መኖም ከም ዝሕይል ተኸራኸሩ’ሞ ከም መፈተኒ ነዚ ሰብኣይ ጃኬቱ ከም ዘውጽኦ ዝገበሮ ይስዕር ተበሃሂሎም ኣብ ምውጻእ ጃኬት ዓምና ኣተው። ኩሉ ከም ዝፈልጦ ጸሓይ መሬት ኣርሲኑ ተዓዊቱ። ኣቶ ዴል ክገልጾ ኸሎ ንሰብ ብምጉዕባዕን ምፍርራህን ምምራርን ሓሳቡ ክትቕይሮ ኣይከኣልን፡ ከም ጸሓይ ብልዙብ ኣገባብ ግን ክትልውጦ ትኽእል ይብል። ኣብኡ “Scolding parents and domineering bosses and husbands and nagging wives ought to realize that people don’t want to change their minds. They can’t be forced or driven to agree with you or me. But they may possibly be led to, if we are gentle and friendly, ever so gentle and ever so friendly” ነዚ ሕመረት ዘራጉዳ ብዙሓት ኣብነታት ጠቒሱ ኣሎ፡ ከም ፓፓጋሎ ኣብዚ ተደገምክዎ ጽቡቕ ኣይኮነን። ሓንቲ ተዘካሪት ግን ኣላ። ወይዘሮ ዶርቲ ደይ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሓደ ናይ ምሳሕ ግብጃ ንመሓዙታ ኣብ ሆቴል ገበረ። ነቲ ብቀረባ እትፈልጦ ኤሚል ዝተባህለ maître d’hotel (ፈረንሳውያን ኣብ ስርሖም ዘለዎም ክብሪን ዝምጥውዎ ማዕርጋትን የቕንእ’ዩ። እዚ መዓርግ maître d’hotel ካልእ ዘይኮነ ሓላፊ ናይ ኣሳሰይትን ኮፍ መበሊ ቦታ ዘመሓድርን ሰብ’ዩ! ተጻሒፋ ክትርእያ ወይ ክትሰምዓ ግን ካልእ ትመስል! ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ስራሕ ይጠፍኣኒ ኣሎ። ወላ ወልዋሊ ሳእኒ ይኹን ስርሑ ዘኽብር ሰብ እናወሓደ ይኸደኒ ኣሎ።) ንቀጽል ንኤሚል ኣሚና ዘዳለወቶ ግብጃ ብሓጺሩ ከምቲ ዝሓሰብቶ ኣይከደን። ሮቡዕ ዝተኻየደ ምሳሕ ንጽባሒቱ ነዚ ትምህርቲ ናይ ዴል ትሰምዖ’ሞ ኣብ ተግባር ከተውዕሎ ትደሊ ስለዚ ንኤሚል ንጽባሒቱ ምስ ረኸበቶ ኣብ ክንዲ ከምቲ ንፋስ ዝገብሮ ከተዋርዶ ትጅመር “ታክቲክ” ቀይራ ክትዛረቦ ትምድብ። ምሽክናይ ኤሚል ንኽትዕ ተዳልዩ’ዩ መጽዩ፡ ናቱ ጌጋ ከምዘይኮነ ነብሱ ሓራ ከውጽእ ዓጢቑ ቀረባ። ወይዘሮ ደይ ግን ኣብ ክንዲ ተዋርዶ “ስማዕ ኤሚል፡ ሓደ ነገር ክነግረካ” ብእንግሊዝኛ ይሓይሽ መስለኒ “I want you to know it means a great deal to me to have you at my back when I entertain. You are the best maître d’hotel in New York. Of course, I fully appreciate that you don’t buy the food and cook it. You couldn’t help what happened on Wednesday.” ከምቲ ዝብልዎ the rest is history። ድሕሪ ሰሙን ወይዘሮ ደይ ንዝገበረቶ ግብጃ ኤሚል ኣርባዕተ ኣስሳይቲ ኣሰንዩ “ይበል” ዘበለ ናይ ምሳሕ እንግዶት ከተካይድ ኣብቂዕዋ J እቲ ምኽሪ ናይ ዴል ብነቀፌታ ጀሚራ እንተትነብር’ከ፧ ንኤሚል ከተዋርዶ ትኽእል ኔራ ግን ካልኣይ መዓልቲ ቁሊሕ ኢሉ ኣይምረኣያን። ሓቂ’ዩ ኣብ ቅድሚ መሓዙታ ኣሕፊሮማ’ዩ ‘ቶም ኮኮታን ‘ቶም ኣሳሰይትን እቲ ብልሒ ሕርቃና ጸይርና ንነዊሕ ብምሕሳብ ለባም ስጉምቲ ወሲዳ። ኣብ ክንዲ ሽዑ ሕርቃና ኣንፊሳ ዝፈኹሳ’ሞ ሓደ ዓቢ maître d’hotel ትኸስር፡ ብብልሒ ንሰብ ምሓዝ ይሕሸኒ ኢላ ትደልዮ ረኺባ። ዴል ነዛ ምዕራፍ ክዛዝማ ከሎ ሓሳብ ሰብ ክትቕይር ኣብ ትደልየሉ እዋን Begin in a friendly way ኢሉና ኣሎ።
ክንኣስሮ እዚ ናይ ወይዘሮ ደይ ሜላ ብዙሕ ገታር ሰብ ስለ ዘሎ ኣይቅበሎን’ዩ። ሰብ እንተኣሕሪቁካ ክሳብ ዝስምዖ ጨፍጭፎ’ምበር እንታይ ክተናሕስየሉ ኢኻ’ሞ ‘ዩ ዝበሃል። ንኣብነት ኣብ ሓደ ኦፊስ ‘ቲ ሓላፊ እንተደንጉይካ “ባግ” ትብል ግን ምስ መጸ ብጩቕ ኢልካ ተተዛሪብካ ጉዳይካ ምስላጥ ከይኣብየካ ስለ እትፈርህ ንውሽጥኻ ጌርካዮ “ልቢ ተዕቢ”። በንጻሩ ኣብ ሓደ ቤት ሻሂ ኣሳሳይት እንተደንጉያትካ ክትበልዓ ትደሊ። እንታይ ክንብሎ ኢና እዚ፧ ቦታኻ ፈሊጥካ ማለት’ድዩ፧ ነቲ ሓለፍትኻ ዝገብሩኻ “ዘሕምቆለኒ” ድዩ፧ ጌጋ እናርኣኻ ስቅ በል ዘይኮነ ግን ብእሩም ክብሪ ሰብ ብዝሕሉ ኣገባብ ኣተንብሃዮ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...