Wednesday, July 5, 2017

ስለምንታይ ምምጻእ ኤልየንስ ዓቢ ነገር ከም ዘይኮነ



ሮቡዕ 5 ሓምለ 2017
ሳዕስዕ’ሞ ሓዳርካ ኣይትረስዕ ተባሂሉ። ቲቪ ጽቡቅ እናርኣኻ ጸኒሕካ ክትሰርሖ ዘለካ ነገር ስለ ዘሎ ተሲእካ ኣጥፊእካያ ናብቲ ክትገብሮ ምስ ነብስኻ ውዕል ዝኣተኻዮ ትገብሮ። እዚ ብሓጺር ኣገላልጻ ዲሲፕሊን ይበሃል፡ ጽብቕቲ definition ናይ ዲሲፕሊን ፡ ዲሲፕሊን ማለት ሓደ ክትገብሮ ከምዘለካ ዝተረድኣካን ነገር’ሞ እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ምኽንያታት እናምጻእካ ካብ ምግባሩ ዓዲ ካብ ምውዓል ነብስኻ ምግሳጽ ማለት’ዩ። ትማል ኣምስየ ገዛ ስለ ዝኣተኹ ሕጂ ንግሆ ከምቲ ናይ ቀደም ኣዝየ ተነቃቂሐ የለንኹን ስለዚ ተመሊሰ ክድቅስ’የ ‘ሞ ተመሊሰ ክጽሕፍ ይሕሸኒ።
“ንኹሉ ኣብ እዋኑ ጽቡቕ ገበሮ” ይብል ጽሑፍ። ንዒራቕ ወይ ኣፍጋኒስታን ገዲፉ ማለት ዘይኮነ ንኹሉ፡ ንሂትለር ገዲፉ ዘይኮነ ንኹሉ፡ ንዳዕሽ ገዲፉ ዘይኮነ ንኹሉ፡ ንሰሜን ኮርያ ገዲፉ ዘይኮነ ንኹሉ፡ ንኣሜሪካ ገዲፉ ዘይኮነ ንኹሉ። ንኹሉ ማለት ንኹሉ ማለት’ዩ መስለኒ። እዚ ግን ነቲ ፈቃርን ሕያዋይን ፍትሓውን ኣምላኽ ዝበቕዕ ባህርይ ኣይኮነን ምኽንያቱ ንሽግር እናርኣየ “ጽቡቕ ገበሮ”ክብሉ ኣይደልዩን ‘ቶም ተኸተልቲ። ስለዚ እዚ ሽግር ከም መፈተኒ ናይ እምነት፡ ዓለም ድማ መዳለዊት ነታ ትመጽእ ካልእ ዓለም ይርእይዋ። ሲዶና ምስዚ ኣረኣእያ ጸገም የብለይን ምኽንያቱ መንግስተ ሰማይ ክህሉ ይኽእል ከይህሉ ይኽእል። ግርም ከምቲ ዝበሃል መዳለዊት እንተኾይና ግን መታን ኣብታ ትመጽእ ዓለም ቦታ ክትረክብ ኣብዛ “መዳለዊት ፈተና” ጽቡቕ ክንሰርሕ ኣይምተገበኣናን’ዶ፧ ናብታ ብተስፋ ሃረር ትብልዋ ገነት ምእንቲ ክትኣትውስ ልብኹም ክትሰብሩ ኣይምተገብአን’ዶ፧ ኢሂታ ምኽኒት ምሃብ ይሓይሽ፧
ብዓይኒ ሳይኮሎጂ ክርአ ከሎ “ንኹሉ ጽቡቕ ገበሮ” እንተደኣ ኢልካ ነዚ ዘሎ ክቕበሎ እየ ትብል ኣለኻ። ንነገራት ወላ ዕረ ይጥዓሙ “ከምዚ እንተዝኾኑ” ኢሉ ምስ ነገራት ኣብ ክርፍስ ኣይኣቱን’የ ትብል ኣለኻ። እቲ locus of control ዝብልዎ ካብ ነብስኻ ኣውጺኻ ኣብ ደገ ትድኩኖ ኣለኻ። እቲ ናብዚ ክመጽእ ዝገበረ ከዕርፈኒ’ዩ ትብል ኣለኻ። እዞም “ምሁራት” ነዚ ዓሻ ዘረባኺ ሰሚዖም ክስሕቁሒ እዮም። “ባዕላትና ኢና ተፈጢርና ስለዚ ወላሓደ ከዕርፈና ዝኽእል የለን ፡ ሰብ ባዕሉ ናጽነቱ ክእውጅ ኣለዎ” ይብሉ ኣለው። ሰብ ካብ ማእሰርቲ ሃይማኖትን “ዘይ-ስነፍልጠታዊ” እምነታት ምስ ረሓቀ’ዩ ሰብኣዊ ክብሩ ዝረክብ ይብሉ ኣለው። “ንነገራት ንሱ ዘይኮነ ንሕና ኢና ጽቡቕ ንገብሮ” ይብሉ ኣለው። ምናልባት ሓቆም ክኾኑ ይኽእሉ መን ይፈልጥ፧
ሲዶና ትማል ኣበይ ከም ዝነብርኩ ኣይፈልጥን ምስ ሞትኩ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን ስለዚ ኣብዚ ሓሸውየ ኣምላኽ ኣሎ’ዶ የለን ክኣቱ ኣይደልን። ኣማሓይሽካ ወላ ኣቕርባ ክትምለስ ትኽእል ሕቶ ኣይኮነትን። ኣኸለ! እዚ ኣብዚ ክጽሕፎ ዝውዕል ዘለኹ ዶግማ ኣይኮነን። ስነ-ፍልጠት ዶግማ ምዃኑ ብዙሕ ሰብ ይርስዖ’ዩ። ሓደ ተጣባቂ መሰል እንስሳታት ዝበሎ ትዝ ኢላትኒ። ንሱ ይብል ዓሳታት ኣብ ከቢብ ናይ ቬትሮ ሸሓኒ ምስ ኣእተኻዮም ብርሃን መኣዝኑ ተጠውዩ (refracted ኮይኑ) ናብ ዓይኖም ስለ ዝበጽሕ ዝንቡዕ ስእሊ ክውንነት ይህቦም ኣሎ። ስለዚ ዓሳታት ኣብ ኣኳርየም ክኣትው የብሎምን ኢሉ መጒቱ ግን ተሳዒሩ። እቲ ኣንጻሩ ዝመጸ መጐት፡ ዝንቡዕ ስእሊ ይወስዱ ከም ዘለው ስለ ዘይፈልጡ ንዖኦም “ሓቂ” ከምታ ዝርእይዋ እያ። እቶም ስነፍልጠኛታት ዓሳታት ዝገብርዎ ኩሉ ፈተነታት በቲ “ዝንቡዕ” ንብሎ ዘለና’ዮም ክዕቅንዎ፡ ጭብጦም ከኣ በቲ ዝንቡዕ “ዓይኖም” ርእዮም ይኣምኑ። ንኣብነት ሰብ ጸፊሕ ሰተታ መሲሉ ይረኣዮም ተሎ ኩሉ’ቲ ዘምጽዎ ሓሳባት ኣብቲ ሰብ ሰተታ’ዩ ዝብል ይምስረት ምኽንያቱ “ዓይንና ከምኡ ስለ ተርእየና ዘላ ነዚ ክኽሕዶ ዝኽእል ዓሳ የለን” ኢሎም ይምጉቱ። ንሰብ ጸፊሕ ከም ሰተታ’ዩ ወላ ንስኻ ዓሳ ኮንካ ምስኦም ተኣቲኻ ከምኡ ምበልካ። ስለዚ ትብል ሲዶና ስነ-ፍልጠት ማለት ዶግማ ናይ ቅድሜኻ ዝነበሩ ዓሳታት ምኽታል’ዩ። እዚ ኩሉ ስነፍልጠታዊ ሕግታትና ይሰርሕ ኣሎ ግን reality ብቬትሮ distorted ኮይኑ ይመጻና ከምዘሎ ክነግረና ዝኽእል “ዓሳ” የልቦን ምኽንያቱ ካብ ቆዝሞስ ወጺኡ ን ክውንነንት ክዕዘቦ ዝኽእል የልቦን። ስለዚ ንዓይ ከም ሲዶና ዶግማ ሳይንስን ዶግማ ሃይማኖትን ብዙሕ ዝፈላልዮም የለን ሽሕ’ኳ እቲ ስነ-ፍልጠተኛ ኣብ ዝረኣኽዎ’የ ዝኣምን ተበለ፡ ሰብ ጸፊሕ ከም ሰተታ መሲሉ ስለ ዝተራእዮ ፡ “ቅርጺ ሰብን ቅርጺ ሰተታን ሓደ’ዮም” ኢሉ ክድምድም ኣይክእልን። እዚ reality distortion ንኩላህና ስለ ዝኾነ ካብኡ ተበጊስና ከባቢና ክንፈልጥን ብቴክኖሎጂ ክንዓብን ስለ ዝገበረና ኣየድልን’ዩ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ስነ-ፍልጠት ንከባቢና ንመልከሉ መፍትሕ’ዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ዓበይቲ ሕቶታት ክመጽእ ከሎ ጌና ካብ ሃይማኖት ብዙሕ ዝፈልዮ ነገር የለን ስለዚ ኣቱም ስነ-ፍልጠተኛታት ኢና በሃልቲ ካብ ላባራቶሪ ወጺኹም ብዙሕ ‘ተዘይተዛረብኩም ጽቡቕ። ሞዴል ጌርካ ኣብ ቤተ-ፈተነኻ ዝፈተንካዮ ስእሊ ክውንነት ምናልባት ደድሕሪ ሰተታ ምጉያይ ከይከውን!
እንታይ’ሞ ክብል ‘የ፧ ነዛ ንርእያ ዓለም ክንክሕዳ ኣይንኽእልን ሓደ። ንርእዮም ነገራት ምናልባት ዝንቡዓት ክኾኑ ይኽእሉ ወይ ድማ ዘይንርእዮን ዘይንሰምዖን ብዙሕ ነገር ክህሉ ይኽእል ክልተ። ኩሉ ንልፍልፎ ብሳይንስ ይኹን ብሃይማኖት ኣብ “ምናልባሽ” ዝተሰረተ ብላሽ እዩ ምኽንያቱ ክትዕዘብ ካብቲ ዕትሮ ዓሳታት ክትወጽ ስለ ትግደድ ሰለስተ። ስለዚ ምሕታት ዕሽነት፡ ምምላስ ዕሽነት፡ ምፍልሳፍ ዕሽነት ምኽንያቱ እቲ መልሲ ምንባር ጥራይ ስለ ዝኾነ። ምስ ክውን ወይ ህሉው እንታይ ኢልካ ኢኻ’ሞ ክትዛረብ። ካብ ናይቲ ንእሽቶ ኣነን ዛንታይን ወጺኻ ብዓበይቲ ሕቶታት ከም ካበይ መጺና፡ ሰብ ንሰተታ ይመስል’ዶ ወዘተ ኢልካ ስለ ዝተካእካዮ ናብ ሓቂ የቅርበካ’ዶ ይኸውን፧ ከም ሲዶና ቃላት ክትቆምል ስለ ዝወዓልካ ልዕሊ’ቶም ዓረብያ ክደፍኡ ዝውዕሉ ትነብር ዘለኻ ‘ዶ መልሰካ፧ ከም ሓደ ንቡር average Joe ትሓስብ፡ ትጭነቕ፡ ትፈርህ፡ ተምስል፡ በቃ ብልክዕ ንሰብ መሲልካ ስለ ዝተዋሳእካ ካብ በዓል ሲዶና ትሓይሽ’ዶ መስለካ፧
ጉድ’ኳ ዩ! ዝኾነ መርገጺኻ ክትገልጽ ኣፍካ ተኸፊትካ ኣኺሉካ ዕሽነት ኢኻ ክትነጽግ። ንኹሉ ትዛረቦ ብ እመስለኒ፡ ይኸውን፡ ኢሎሞ ወዘተ እጠማዕካ ኢኻ ከተውጽኦ ዘለካ። ስነ-ፍልጠት ነዚ በጺሕ’ዎ ሎ፡ ከምዚ ይበሃል ኣሎ፡ ከምዚ ኮይኑ ይረኣየኒ። እቲ “ንኹሉ ጽቡቕ ገበሮ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ክንዲ ኣበይ ኣሎ ጽቡቕ ኢልካ ትስንድዎ፡ እንታይ ማለት’ዩ “ጽቡቕ ገበሮ” ኢልካ ትሓትት። ወይ ጽቡቕ እንታይ ማለት’ዩ ትብል ወላ’ኳ ኩሉ ትሓስቦን ትግምቶን ድሩት ይኹን ምሕታት ግን ኣይተቋርጽን። “ስለምንታይ ምሕታት ዘይተቋርጽ፧” ትብለካ ሲዶና። “ከመይ ጌረ መልሲ ከይረኸብኩ ከቋርጽ!” ትብል። እቲ መልሲ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ እንተዝመጻካ እንታይ ምገበርካ፧ ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ዝተጻሕፈ ቃላት ምንባር ከም ተቋርጽ ክገብረካ ይኽእል ድዩ፧ ወላ ኤልየንስ ይምጽኡ! “ካልእ ፕላኔት ኣላ” ኢልካ ኣብ ዜና ንገለ ዓመታት ጦቕ መበሉና ድሕሪኡ ግን ሰብ ምሰልቸዎ ምኽንያቱ እቲ ሓድሽ ኣምጽእ ዝብል ጽምእና ካልእ ክጠልብ ስለ ዝጅምር። ወላ ሰብ ንሽሕ ዓመታት ክነብር ከም ዝኽእል ዝገብር መድሃኒት ይረኸብ! እንታይ’ሞ ሽዑ፧ በቃ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ ወዲ 300 ዓመት ምስ ኮንካ ትምርዖ፡ ወዲ 400 ምስ ኮንካ ትወልድ፡ ኣብ መበል 984 ዓመት ዕድሜኻ ትዓርፍ! ንግሆ ምትሳእ፡ ቀጨውጨው ምባል፡ ብሓጺሩ ሰብ ምዃንካ ይተርፍ’ዶ፧
ክንኣስሮ፡ ድሌት ወድ ሰብ ዝንቀሳቀስ ካብ ስልችውና ንምህዳም’ዩ። እዚ ንደቂ ሰብ ጥራይ ዘጥቅዕ ሕማም ከም በረኸትን መርገምን’ዩ። ሳላኡ ሰብ ማዕቢሉ ብሰንኩ ድማ ሰላሙ ኣጥፊኡ። ካብ ስልቻወ ንምህዳም ሰብ እንታይ ዘይገብር፧ ካብዛ መረብረብ ወይ መሰልከይ ህይወት ወላ ንደቃይቕ ከረስዓካ ዝኽእል ነገር ‘ተሎ ሓንጐፋይ ኢልካ ኢኻ ትቕበሎ። ሰብ ዝንቀሳቀስ ደው ክብል ስለ ዘጸግሞ’ዩ እዚ ግን ሕማቅ ኣይኮነ ጽቡቕ ኣይኮነ። ንኹሉ ጽቡቕ ገበሮ ወላ ነቲ መሰልከይ! ነዚ ክቕበሎ ዝኽእል ሰብ ውሑድ’ዩ። ንነገራት ከም ዘለውዎ ይኹኑ ንትብል ሰብ ማሪታዊት ይብሉዋ። ሸውሃት ስጋኣ ይኹን ኣእምሮኣ ክትመልእ ሃረምረም ስለ ዘይበለት “ዓሻ”ይብሉዋ። ኤልየን መጺኦም ኢላ ስለ ዘይተገደሰት ግልልቲ ይብሉዋ። ኣይ ምስ ሃይማኖት ኣይ ምስ ሳይንስ፡ መራሒት ኣይኮነት ተኸታሊት፡ ኣማኒት ኣይኮነት ከሓዲት፡ ካብ ክልተኣዊ ኣረኣእያ ነገራት ትወጽእ ስለ ዘላ “መርገጺ ዘይብላ” ካልኣይ ስማ’ዩ። ምናልባት! እንተ’ቲ ኣነ’ሞ ኣእምሮይ ክሸጠለይ ዝፍትን ዘሎ ‘ብሩህ መጻኢ” ናይ ገነት ብሃይማኖት ናይ ዓለም ድማ ብስራሕን ስነፍልጠትን፡ “ኣይደልን!” እብል ኣለኹ ምኽንያቱ ኩሉ ዝተፈጥረ ጽቡቕ ስለ ዝኾነ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...