Saturday, July 1, 2017

ስለምንታይ ሰብ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ ዓቀብ ከም ዝኾኖ



ሰነ 25 2017
ሎሚ ሰንበት’ዩ። ወትሩ ሰንበት ንግሆ ስብከት እታ ኣብ ቀረባይ ዘላ ቤ/ክርስትያን ብሰንኪ ወይ ሳላቲ ዘለዎም ዓቢ መጉልሕ ድምጺ ከይፈተኹ ሓደ ቀሺ ክሰብኽ ይሰምዖ። እቲ ዘረባ ዓገብ ምባል ዝዓብለሎ’ዩ። ሰባት ካብ ኣምላኽ ምርሓቆም ከዘኻኽሮም ይጽዕር ኣሎ። እንተ ‘ቶም ዕዱማት ናይ ኣምላኽ ግን ካልእ ዝዓጦም ዝዓበየ ነገራት ስለ ዘሎ ብዙሕ ኣየድህቡን። ኩሎም መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ውን ከምኡ ይመስሉ። ኣብዛ ዓለም ክሳብ ዘለኻ ድሌታት ክህልወካ ንቡር’ዩ ተተባሂሉ ንኣምላኽ ድማ ልክዕ ሓደ ከምቶም ድሌታትካ ግዜ ፍለየሉ ይብሉኻ። ገለ ዓለማውያን እቲ ድሕሪ ስራሕ ዘለኒ ናይ ዕረፍቲ እዋን ኣብ ክንዲ ጽንጽዋይ ናይ ሰማየ ሰማያት ዝሰምዕ፡ ምስ ጀምዓይ ከይደ ዘይሕጐስ ወይ ቲቪ ዘይርኢ ወይ ካልእ መዘጋናዕዒ ጌረ ዘይድሰት እንታይ ገደሰኒ ናብቲ “ኣብ ሓዊ ክትጥበስ ኢኻ” እናበለ ዝሰብኽ “ሓላዪ” ዝኸይድ ክብል ይኽእል። ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ኢልካ ግዜይ ኣይተጥፍኣለይ ይብል። ከምኡ ምባሉ ልክዕ ድዩ ወይ ተጋግዩ ኣነ ክምልሶ ኣይክእልን።
እዚ ኩሉ ናይ ኣምላኽ ነገር እንታይ ኮን ይዓብስ፧ ከምቲ ናይ ቀደም “ምስ ሞትካ መንግስተ-ሰማይ ክትኣቱ ኢኻ” ኢልካ ሎሚ ንሰብ ክትሓባብሎ ይኸብድ ይኸውን። ሰብ” ፈሊጠ’የ” ኢሉ ብውሽጡ ክምካሕ ምስ ጀመረ ከተእምኖ ይኸብድ’ዩ። ካብ ኩሉ ድማ “ጭብጢ” ዝደሊ እንተኾይኑ፡ “ጭብጢ” ኣምላኽ ከተምጽእ ዘይፈተነ ይፈትና። ከምቲ ኣዳም ዓይኑ ምስ ተኸፍታ ጽቡቕን ሕማቕን ዝፈለጠ፡ ናይ ሎሚ ደቂ ኣዳም ድማ ዘዋጽኦም ስለ ዝፈልጡ “ከተታዓሻሽዎም“ ከቢድ’ዩ። ሎሚ ሓደ ሃይማኖት ካብቲ ካልእ ይበልጽ ክትብል ድማ ኣይትኽእልን። ሓደ ሆቢ ካብ ካልእ ሆቢ ይበልጽ ከም ምባል’ዩ። ንኣምላኽ ኣብ ትርፊ ግዜኻ ወይ ሰንበት-ሰንበት ወይ ኣብ በዓላት ትዝክሮ እንተኾይኑ ካብ ናይ ሓሳብ ሆቢ ዝፈልዮ እንታይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ናይ ዓለም ኣገዳሲ ዝበሃል ስራሕካ ምስ ወዳእካ ትመጾ ስራሕ ድዩ፧ እንድዒ።
ገለ ናይዚ ዘመን’ዚ ተመራመርቲ ሃይማኖት እቲ ናይ ቀደም ኣካይዳ ሃይማኖት ብዙሕ ክኸይድ ኣይክእልን ይብሉ እቲ ዝተርፍ ውሽጥኻ ክልውጥ ዝኽእል ሃይማኖት ጥራይ’ዩ። ኣምላኽ ውሽጥኻ ምፍላጥ’ዩ ይብልዎ። እዚ ማለት ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ወይ ኣብ መዓልቲ ክንድዚ ግዜ ንኣምላኽ ዘክሮ ዘይኮነ፡ ውሽጥኻ ምስ ተለወጠ ወትሩ 24 ሰዓታት ስሙ ትጽውዕ ማለት’ዩ። ኣብ ዘለኻ’ዮ ቦታ ነቲ ዝተዋህበካ ስራሕ ብሰላም ትሰርሕ፡ ኩሉ ስራሕካ ድማ በረኸት ንኣምላኽ ይኸውን። እዚ ኣማራጺ መገዲ ናብ ኣምላኽ፡ ኣብ ዶግማ ዝተሰረተ ኣይኮነን። “እምነትካ ዓው ኢልካ መስክር፡ እዚን እዚን ጸሎት ጸሊ፡ እዚ መጽሓፍ ኣንብብ፡ እዚ በዓል ኣብዕል፡ እዚ ስርዓት ኣምልኾ ተኸተል፡ ኣምላኽካ እዚ’ዩ ስሙ ስለዚ ከምዚ’ልካ ጸውዓዮ” ትበሃል። እዚ ኣካይካ ኣብ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ኣሎ፡ ኩላቶም ተኸተልተን ድማ ሓቀኛን እንኮን መገዲ ናብ ኣምላኽ ምዃነን “ይምሕሉ”! ወይ ጉድ ትብል ሲዶና።
እዚ ኣብ ከምዚን ከምትን ዘይተሰረተ ሓድሽ ኣካይዳ ናብ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ንክትዋሳእ ተራ ዝህበካ’ሞ ካብ ልቢ ዘይኮነ ተራ ትጻወት፡ ንውሽጥኻ ቀይር’ሞ ሽዑ ሓቀኛ ተዋሳኦ ህይወት ክትዋሳእ ኢኻ ይብሉ። ሽዑ ገንዘብ ኣክብ፡ ፍልጠት ፍለጢ፡ ኣመንዝራ ኩኒ ኣይትኹኒ እቲ ትገብር’ዮ ኣየገድስን ምኽንያቱ ንስኺ ስለ ዝተለወጥኪ። እቲ ተግባር ዘይኮነ ክልወጥ ዘለዎ እቲ ገባሪ እዩ። እዞም ሃይማኖተኛታት ጸረ ስርቂ፡ ጸረ ሓሶት፡ ጸረ ዝሙት፡ ጸረ ብዙሕ ነገራት’ዮም እንተ ኾነ ካብ ዓለም ጠፊኦም’ዶ፧
ሃይማኖት ጸረ’ቲ ባህርያዊ ሰብ ምኻድ’ዩ። እዚ ባህርይዊ ናይ ሰብ ገጽ“ሰይጣናዊ ገጽ”ይብልዎ። ተጸፊዕካ ምስ ትሓርቕ፡ ተበዲልካ ምስ ሕነ ምስ ትፈዲ፡ ጽብቕቲ ሰበይቲ ርኢኻ ብህርፋን ጣዕ ክትብል፡ ብዝፈጸምካዮም ስራሓት ሓበን ክስምዓካ፡ ክትህብትም ክትዓቢ ምድላይ፡ ብጽባሕ ክትጭነቕን ክትፈርህን፡ ብዛዕባ መንግስተ-ሰማይ ስለ ዘይረኣኻ ክትጠራጠር ወዘተ ኩሉ ከም “ዘይኣምላኻዊ” ነገራት ይቁጸር ‘ተሎ ሓጢኣት ካብ ገጽ መሬት ክጠፍእ ማለት ዘበት’ዩ። ባዕሉ ሰብ ምዃን’ካ “ብናይ ኣዳም ሓጢኣት ዝተወለድካ” ኢኻ ይብሉኻ! ምስ ተጠነስካ ጀሚርካ ሓጢኣተኛ ኢኻ እንተዘይተጠሚቕካ ድማ ኣይትድሕንን ኢኻ ምባል’ሲ እንታይ ክበሃል’ዩ፧ እፈልጥ’የ ንምባል ዘይኮነ ግን እቶም ዝተጠምቑ ፍረ’ቲ መንፈስ ቅዱስ ዝበሃል እንታይ ኮይኖም ዘይረኸቡ፧ መንፈሳዊ በረኸት’ምበር ስጋዊ ኣይኮነን ይምልሱልካ። ስለምንታይ፧ ውሽጡ ዝተለወጠ ሰብ ብደጊኡ ምልክታት “ምድሓን” ከርኢ ኣይግብኦን’ዶ፧ ከምቲ ትጸርፍዎ ትውዕሉ ዘለኹም ድሕሪ ድሌት ስጋኡ ዝኸይድ ዓለማዊ ዝፈልዮም እንተዘየለ ደኣ’ሞ ምድሓንድኩም ኣበይ ኣላ፧ ጐይታ ተቀቢለ ኢልካ ኣይትዛረብ ኣይኮነን ግን ካብ ዘረባ ኣብ ግብሪ ዘይረርእየኒ፧ ኣቲ ስም ኣምላኽ ክትጽውዒ ትውዕሊ ሓብቲ ስለምንታይ ትጭነቒ ፡ ትፈርሂ ኣለኺ፧ ክርስቶስ ካብ ማዕበል ህይወት ከም ዘድሕኪ ትኣምኒስ ኣለኺ ግን ትፈልጢ’ዶ፧ እታ ዘለኽያ ጃልባ ነቀይ ነቀይ ክትብል ምስ ጀመረት ከተእውዪ ኢኺ ምሽ፧ ልሳንኪ ትዛረቦን ኢድኪ ትገብሮን ጌና ኣይተሳነየን። እዚ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ኣምልኾ፡ ውሽጥኺ ዘይኣተወ ኣፍልጦስ ክቕይረኪ ኣይክእልን’ዩ። ከምቲ ማርያም ንክርስቶስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጠኒሳቶ ኢልኩም ትዛረብዎ ንስኺ ድማ ንእምነት ክርስቶስ ጥነሲ’ሞ ፍልጠት ኣምላኽ ክትወልዲ ኢኺ። ፍልጠት ኣምላኽ ምስ ሓዝኪ መን ክምንጥለኪ’ዩ፧ ስለዚ ይብሉ ገለ ኣሕዋት ጸረ-ባህሪ ወድ ሰብ ተቃሊስካ፡ ነቲ መዓልታዊ ትገብሮ ባህርያዊ ነገራት “ሰይጣናዊ” ኢልካ ምስማዩ ናይ ኣምሰሉነት ጸወታ’ዩ ይብሉ። እዚ ኣምሰሉነት ንኣሽሓት ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ሕጂ ከቋርጽ’ዩ ምባል ይኸብድ። ነዚ ባህርያዊ ድሌታት ወድ ሰብ ምጽቓጡ ፍታሕ ኣይኮነን፡ ስርቂ ገበን ስለ ዝኾነ ሰብ ምስራቅ ክገድፎ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ወይ ኣምላኽ ዝሙት ይጽልእ’ዩ ኢልካ ዓንገረር ስለ ዝበልካ ሰብ ምዝዋው ክገድፎ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ስለምንታይ ንባህርያዊ ነገራት ሓጢኣት ጌሮሞ፧ ኢልካ ምስ ትሓትት እቲ መልሲ (ከም ዝብልዎ) ሰብ ሕማቕ ክስምዖ ‘መታን’ሞ ናብ ኣምላኽ ይቅረ ክበሃለሉ ክጐዩ። ካብ ንእሽትኡ እንተ ጠዊኻ’ዩ ንሳቶም “መገዲ ኣምላኽ ምሓዝ” ‘ዮም ዝብልዎ ዝበለጸ ወጽኢት ይህልዎ ስለዚ ንኣሽቱ ቆልዑ ብቀዳምነት “ክመሃሩ” ዝብግኦም ይበሃል። ሓጢኣት ካብ ዓለም ምስ ዝጠፍእ ሃይማኖት ክጠፍእ’ዩ ስለዚ ክጠፍእ ዘይክእል ነገር ከም ሓጢኣት ትቆጽሮ’ሞ ውሕስነት ሃይሞኖት ተረጋግጽ ይብልዎ።
ክንኣስሮ፥ ከምቲ ተመን ተመንነቱ ክቕይር ዝኸብዶ፡ ሰብ ድማ ሰብኣውነቱ ክቕይር ይኸብዶ። ነቲ ባህሪ ዝዓደሎ ነገራት ሓጢኣት እንተ ደኣ ኢልካዮ ንተመን ነዓ ከም ርግቢት ንፈር ማለት’ዩ። እዚ ጸወታ ናይ ሓጢኣትን ጽድቕን እንተ ንገድፎ መምሓረልና። ኩሉ ኣነ ጸዲቐ ዝብል ሰብ ነቶም ዝተረፉ ብጸሊም ቀለም ሓጢኣት ምልካይ እንተዝገድፎ መምሓረልና። ድላይካ ሃይሞኖት ተኸተል ወላ ዝኾነ ነገር ኣይትስዓብ ሰብ  ወድ ሰብ ምዃንካ ኣይቅየርን’ዩ። ሰብኣውነትካ ምስ ጠመኻ ትበልዕ፡ ምስ ጸማእካ ትሰቲ፡ ምስ ደኸምካ ትድቅስ ኣይኮንካን ዲኻ፧ ባንዴራ ናይ በዓል እከለ ሃይማኖት ስለ ዘንበልበልካ ካባና ንላዕሊ “ሰብኣዊ” ይገብረካ ድዩ፧ የጽድቐካ ድዩ፧ “ጌጋታት” ናይ ካልኦት ኣሕዋት ትኣሪ ዘለኻስ ነታ “ጌጋ” ዘይብላ ሃይማኖትካ ንላዕሊ ምስቃል ድዩ፧ ንስኻስ ከምቲ መርከቦም ኣብ ማእከል ባሕሪ ክትጥሕል ዝጀመረት’ሞ ሃይማኖት ዘይብሎም ሰባት ንዑ ናብ ናተይ ዘይትጥሕል መርከብ ትብሎም ኣለኻ። ኩለን መራኽብ ህይወት ብሞት ስለ ዝጥሕላ ግን ነቶም ፍርሂ ሞት ዘለዎም ትጽዕኖም ኣለኻ። ብዝሒ ተሳፈርቲ መርከብካ ንምውሳኽ ድማ ወትሩ ትሰብኽ ኣለኻ። ተስፋ ምሃብካ ጽቡቕ’ዩ። ምስ ካልኦት መራሕቲ መርከብ ግን ኣይትበኣስ። መርከብካ ካብ ናይ ካልኦት መርከብ ትበልጸሉ ምኽንያት ከቶ የልቦን። ህይወት ተሳፈርትኻ ክትልውጥ ክሳብ ዘይከኣልካ ድማ ኣሰጋጋሪ ሰብ ካብ ግዜ ወሊድ ክሳብ ግዜ ሞት ጥራይ ኢኻ። ህይወት ተሳፈርቲ ምልዋጥ ማለት ድማ ወግዒ ናይ ኣምላኾ ምድጋም ማለት ዘይኮነ ውሽጥኻ ምልዋጥ ማለት’ዩ። ውሽጥኻ ምልዋጥ ማለት ድማ እቲ ተግባርካ ትልውጥ ማለት ዘይኮነ እቲ ገባሪ ይልወጥ ማለት’ዩ። ገባሪ ይልወጥ ማለት ይሰክር ግን ግርማ ዘለዎ ኣሰኻኽራ፡ ንድኽታት ይሕግዝ ግን ንረኣዩለይ ዘይኮነ፡ ይዝሙ ግን ሸቕጥቖጥ እናበለ ዘይኮነ፡ ይዝምርን ንኣምላኽ ይውድስን ግን ገለ ሓለፋ ደልዩ ዘይኮነ፡ ይጽሊ ግን ዝጐደሎ ክምልእ ዘይኮነ። ብሰላም ይመላለስ ግን ሰላም ረኺበ ኢሉ ኣይምካሕን። ነቲ ባህርያዊ ተግባር ወድ ሰብ ይዓብጦ ዘይኮነ ቆሪጹ ይድርብዮ ዘይኮነ ይኽሕዶ ዘይኮነ ይርድኦ ምስ ተረድኦ ይልወጥ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...