Wednesday, July 12, 2017

ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.4



ሰኑይ ሓምለ 10 2017
ባሻይ ዴል ኣብዛ An easy way to become a good conversationalist ዘርእስታ ራብዐይቲ ምዕራፍ ግሩም ዝኾነ ብኣብነት ዝተሰነየ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ካብ ዝመሰጣኒ ጥቅስታት ሓንቲ ፕሬሲደንት ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ኒዶላስ መሪ ባትለር ዝበላ’ያ፡ እቲ ብዛዕባ ነብሱ ዝዛረብ ብዛዕባ ነብሱ ጥራይ ይሓስብ፡ ብዛዕባ ነብሱ ጥራይ ዝሓስብ ድማ ኢሉ “is hopelessly educated. He is not educated no matter how instructed he may be.” ግሩም መዐቀኒ ዝተማህሩ ካብ ዘይተማህሩ ሰባት መፍለዪ። እዚ ምስቲ ብዙሕ እዋን ዝዕዘቦ civilized ምዃን የመልክት። ወልወል ከይተረፈ ጭውነት ወይ ቺቪልታ ናይ ሓደ ወድ ሰብ ካብቲ ንካልኦት ክዛረቡ ከለው ዘርእዮ ባህርያት ክንግንዘቦ ከም እንኽእል ዘተንብህ ጽሒፉ ነይሩ። ስለዚ ኢጎ ከመይ ከም ዝሰርሕ ምፍላጥ እኹል ኣይኮነን መስለኒ፡ እንታይ ደኣ እቲ ፍልጠት ንካልኦት ሰባት ጽቡቕ ከም ዝስምዖም ኣብ ምግባር ክውዕል ኣለዎ።
ኣብዛ ምዕራፍ ተጠቂሳ ዘላ ሓንቲ መጽሓፍ’ያ Strangers in Love ትብል ብ Jack Woodford። ካብዛ መጽሓፍ ዴል ሓንቲ ጥቕሲ ወሲዱ “Few human beings are proof against the implied flattery of rapt attention” እዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና ካብተን ዝሓለፋ መዓልታት ዝፈልዮ ብዙሕ የለን። ዝኸድናዮ ጉዕዞ ነዚ ይመስል ተገደስ፡ ተፈሸኽ፡ ስም ኣይትረስዕ፡ ሎሚ ከኣ ጽን ኢልካ ስማዕ በጺሕና። በቃ ነዚ ኢጎ እንታይ ከም እንገብሮ ክሳብ ዝጠፍኣና ኡፍ ኡፍ ክንብሎ ኣለና መስለኒ! ኣቱም ሰባት እዚ ኹሉ ጸደፍደፍ ብካልኦት ንክትፍቶ’ዩ! ዋላ’ኳ ካብ ክትፍቶ ክትፈቱ ዝቀልል እንተኾነ ‘ተቲ ኣነ’ሞ ኣፈይ ሓቲመ ብዛዕባ ‘ዛ ምዕራፍ ምዝራብ ክቕጽል። ብቃላት ዴል ሕጊ ቁ.4 “Be a good listener. Encourage others to talk about themselves” ነዛ ሕጊ ዘይነስተውዕላ ሰባት ክንደይ ኮን ኢና፧ ንሰባት እናኾለፍኩ ጦቕ’የ ዘብሎም እንተዘይኮሊፈዮም ድማ ኣብ ክንዲ ምስቲ ዝበልዎ ዝሰማማዕ ኣንጻሮም መጐት አቕርብ። ናይ ምስማዕ ኣምላኽ እንተሎ በዚ ዝገበርክዎ በደል እናተናሳሕኩ እናዘዝ ኣለኹ። ፍልልይ ኣብ መንጐ ንስሓን ኑዛዜን ኣይፈልጦን’የ፡ ወይ ጉድ ትግርኛ እፈልጥ’የ ከኣ ክብል’የ። ከምዚ ገለ ኣሕዋትና ዝገብርዎ ተናዚዝካ ናብ ሓጢኣት ከይከውን ግን ሲዶና ጥንቃቀ ክትገብር ኣለዋ ‘ምበር ገለ ሓጢኣት ጌርካ ናብ ኣቦይ ቀሺ ምጉያይ እቶም ክትፈትዎም እትደሊ ዘለኻ ሰባት ካባኻ ክጐዩ እዮም። ኣብ ሃይማኖት ኑዛዜ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበካ ይኸውን፡ ካብቲ ከም ሓጢኣት ቆጺርካ እትናዘዘሉ ዘለኻ ከናግፈካ እንተዘይክኢሉ ግን ተሓጺብካ ናብ ጭቃ ጥራይ’ዩ።
“ብዙሓት ሰባት ዝጠቅም ዘረባ የብሎምን” ትብል ሲዶና “ስለዚ ከኣየ ነቲ ብድንቁርና ዘብሰልዎ ቆሎን ጥጥቆን ክበልዖ ዘይደሊ”። እዚ ሓቂ ዋላ ይኹን ጭዋ ዝኾነ ሰብ ዒብ ስለ ዝፈልጥ ስምዒት ሰብ ክሕሉ ክብል ጽን ኢሉ’ዩ ንዝዛረብ ሰብ ዝሰምዕ። ስለምንታይ፧ ጥቕሚ ስለ ዘለዎ። ወላ ከምዚ ውን ኣይበሃልን’ዩ ፥ ዕላማ ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ንኢጎ ምቅብጣር ከም ርዱእ ስለ ዝውሰድ እቶም ፕሮስ ኣይዛረብሉን’ዮም። ከም በዓል ሲዶና ዝኣመሰሉ ተልመዴን ግን ዓው ኢሎም ኢጎ፡ ጥቕሚ፡ ሓሶት ወዘተ እናበሉ በታ ንእሽቶ ፍልጠቶም ነንዝርኣይዎ ዝተቀልዐ “ሕፍረት” እናመልከቱ ይሰራሰሩ። ወይ ቁልዕነት! ልክዕ ከምቲ ክዳን ዘይገበረ ንጉስ ዝነገሮ ቆልዓ ትኸውን። እዚ ከም ርዱእ ዝውሰድ ነገራት ብምውጻካ ኣንጻር ምስሉይነት ትቃለስ ዘለኻ ሓርበኛ ኮይኑ ይስምዓካ። ነዞም መናፍቓን ከተጥፍኦም ውን ትደሊ ትኸውን፡ ኣብ ዓለም ፍትሒን ሰላምን ከተንግስ ትሃርፍ ትኸውን፡ ነዞም ኩፋር ከተስልሞም ወይ ክትሓርዶም ትብህግ ትኸውን፡ ድሌታትና ከም መልክዕና ዝተፈላለየ እዩ። ናይ ሲዶና ዕሽነት ድማ ሓሶት፡ ምስሉይነት፡ ትህኪት ከም ነቐዝ እናለቀምካ ምውጻእ እዩ ጸኒሑ እንተ ሕጂ’ሞ ካብ ተልመዴን ናብ ፕሮ ዝሰግር ዘለኹ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ወላ ቆሎ ጥጥቆ ይዛረቡ፡ ከምኡ ኣይበሃልን’ዩ በንጻሩ’ኳ ደኣ ጽን ኢልኪ ስምዕዮም። ወላ ክትርእዮ ደስ ዘይብለካ ሰብ ይምጻእ ፍሽኽታ ኣመለይ እናበልካ ተገየጽ፡ ወላ ናይ መወዳእታ መሰልቸው ሰብ ርኸብ ተገዲስካ ኣዘራርቦ ይብል ኣሎ ዴል ጋርኔጊ። እዚ ሓሶት ከይመስል ድማ ተለማመዲ! ወይ ጉድ! ሲዶና ሎምዘበን ክረምቲ ገለ ኣምጺኽለይ።
ፕሮፈሽናል ምዃን ባህ ዘብል ነገር’ዩ ወላ ኣምስሉ ኹኒ ግን ፕሮ ኣምስሉ ካብ ኣማተር ኣጸቢቓ ትሓይሽ። ነቲ ኣምሰሉ ዝብለኪ ዘሎ ከማን “ኣምሰሉነት” ከም ዛዕባ ኣልዒልኪ እንታይነቱ፡ ኣገዳስነቱ፡ ኣብ ባይታ ኣተገባብርኡ ስብከት ከተቕርቢ ትኽእሊ ኢኺ። ከምቲ ቀደም ስለ ዘይኮንኪ ‘ምበር ነታ ጣውላ ጠዊኺ ሓታቲ ንርእሱ ኣምሰሉ ምዃን ክትኸሽሕዮ ምፈተንኪ ግን ሎሚ ሲዶና ፕሮ ስለ ዝኾንኪ ከምኡ ኣይትውዕልዮን ኢኺ። ወላ እቲ ስብከት ከማን ይትረፍ ይብል ኣሎ ኣቶ ዴል ኣብ ክንዳኡ ሰማዒት ኩኒ። ሰብ ክምልሶ ባህ ዝብሎ ሕቶታት እናሓተትኪ ኢጎ ማሳጅ ኣዘውትሪ። “ከመይ ዝብል ለባም” ኢሎሞ ኣቦታትና። እዛ “ከመይ” ትብል ሕቶ ዝሓቶም ሰባት ብዙሕ እዋን መልሳ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዋ ምስ ዝጸንሑ ባህ ኢልዎም ‘ዮም ዝምልሱልካ። ከመይ፡ እንታይ፡ መዓስ ወዘተ ቀለልቲን ክትምልሰን ባህ ዘብላን ክኾና ይኽእላ “ስለምንታይ፧” ግን ሓደገኛ’ያ ስለዚ ሲዶና ኣብዛ ሕቶ ተጠንቀቂ። ከመይ ጥራይ እናበልኪ ምስ ሓበሻኺ ንበሪ። ክምልስ ዝኽእል ከማኺ ፈላስፋ እንተረኺብኪ ግን “ስለምንታይ” ሰንዲኺ ሕማም ውሽጡ (ዝሰምዖ ሰብ) ፈውስዮ። ሐራይ ግን ንዓኺ መን ክፍውሰኪ’ዩ፧ እዛ ብሎግ ትፍውሰኪ ትኸውን። ኩሉ ሰብ ኦድየንስ የድልዮ ይኸውን’ዩ ስለዚ ኦድየንስ ክትረኽቢ ቅድም ባዕልኺ ኦድየንስ ናይ ካልኦት ኩኒ። ንሰባት ብዛዕባ ነብሶም ክዛረቡ ኣተባብዒ ድዩ ዝብል ዘሎ፧ እሺ ኣቦይ ካርኔጊ። ንዓኹም ብምስማዕ ክጅምሮ።
ክንኣስሮ ሰብ ንምንታይ ንካልኦት ክሰምዕ የሸግሮ እንተበልና ንሱ ክስማዕ ስለ ዝደሊ’ዩ መሰለኒ። እናተዛረበ ኣብ መንጐ ምኹላፍ’ከ፧ እናተዛረበ ብሓሳብ ምጋሽኸ፧ ስስዐ ክስማዕ ኣለኒ ምባል ስለ ዘለና ከም ናይ ሽሬክ ስምዒ ኮይኑ እዝንና ይሓትሞ’ሞ ከምቲ ኣብ እንግሊዝኛ ዝብልዎ ኣብ ክንዲ ነቲ ሰብ ትዛረቦ ኣብቲ ሰብ ትዛረብ። ክሓልፋ ኣለወን ዝበልካየን ሕጡባትካ እናደርበኻ ውር ትጻወት ምስ ግዜ ክልቴኻ ብድኻም ተሰኒፍካ ንስኻ ከይኣመንካ ንሱ ከይኣመነ ትፈላለ። “ስምዑኒ! ዝብሎ ቁም-ነገር ኣለኒ!” ኢሉ ኩሉ ሰብ ዝውጭጭላ ዘሎ ዓለም ሲዶና ከምኡ ምግባራ ዓገብ! ዓገብ ሲዶና ዓለምና ዝኣክል ስምዑንን ተገደሱለይን ዝብሉ ሰባት ኣለዋ ስለዚ ናብቲ ፕሮስ ዘለዎ ቦታ ምስጋር ከድልየኪ’ዩ። ኣብ ክንዲ ስምዑኒ፡ እንታይ ክሰምዓኩም (ከም ኣሳሳይቲ ኢጎ ኮንኪ ማለት’ዩ) ምባል ጀምሪ። ኣነስ ነዞም ነፋጣት ከሳሲ ኣይትበሊ ምኽንያቱ ኩሉ ነዓይ ጥራይ ስምዑኒ ዝብል ነፋጥ’ዩ። ክንደይ ነፋጣት ኣዋልድን ኣወዳትን ኣለውዋ ‘ዛ ዓለም፧ ነፋጥ ንነፋጥ ክሰምዖ ስለዘይክእል ንነፋጥ ምስማዕ ምጅማር ማለት ንፋጥካ ምእላይ’ዩ። ዓንጃል ብዛዕባ ነብሳ ክትዛረብ ትውዕል እታ ፕሮ ግን ንካልኦት ተዳምጽ። ሃላይ ኢጎኣ ዝበላ ትገብር፡ እታ ለባም ግን ቅድም ኢጎ ካልኦት እንታይ ከም ዝደሊ ትሓትት። ገልዳም ብዛዕባ ነብሱ ጥራይ ይግደስ፡ እቲ ብልሂ ግን ብካልኦት ሓለፋ ይግደስ። ነፋጥ መልሓሱ ስለ ተሳሕዮ ስቕ ክብል ኣይክእልን፡ እቲ ፕሮ ግን እዝኑ ይኸፍት። ሰለሞን መሲለ! ምናልባት እቲ ዝለበመ ሰብ ኣብ ዓለም ዝተባህለ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ዓንጃል ብሎግ ተውጽእ፡ እታ ለባም ግን ሓንቲ ገጽ’ኳ ኣይትጽሕፍን ዶ ክንብል፧ ዝበሃል ስለ ዘይብላ ነፋጥ ስቕ ስለ ዝበለት ከኣ ለባም’ያ ክብላ የብልናን። ናይ ንፍጥና ስቕታ ኣሎ ናይ ፕሮስ ስቕታ ኣሎ፡ ናይ ሃላያት ጽን ምባል ኣሎ ናይ ፕሮስ ጽን ኣሎ። ከመይ ጌርካ ትፈልዮ፧ ከምቲ ትማል ዝበልናዮ ፕሮ ከሰምዓካ ናይ ብሓቂ’ዩ ፡ እቲ ተዋስኦ ንሱ ይኣምነሉ ንስኻ ትኣምነሉ፡ ከእምነካ ተዘይክኢሉ ናይ ፕሮ ደረጃ ኣይበጽሐን። እቲ ዓንጃል ግን ክእምነካ ከማን ኣይፍትንን፡ ንቀልዓለም ከማን “ኦሆይ” ኢሉ ኣይሰምዕን፡ ከምስል ከማን ብዛዕባኻን ህይወትካን ኣይግደስን። ንሰብ ክትሰምዕ ከቢድ’ዩ ምኽንያቱ ነቲ ክዛረብ ዝደሊ ኢጎኻ ረጊጽካ ክትሰምዖ ስለ ዘለካ። ወላውን ይኽበድ ፍልጠት ማለት ለውጢ ማለት እንተኾይኑ ነዛ ሎሚ ዝፈለጥካያ ነጥቢ ከተተግብራ ኣለካ። ነፋጥ እንትኾንካ ስምዑኒ ምባል ክትቅጽሎ ኢኻ ምኽንያቱ ንለውጢ ዘድሊ ዓቕሚ ስለዘይብልካ። ቻው! ሲዶና ነፋጥ

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...