Saturday, July 1, 2017

ስለምንታይ መርገጺ ዘይብላ ሰብ ክኸውን ከም ዝደሊ



ስነ 28 2017
ዘረባ ክዛረብ ስለ ዝወዓልኩ ደኺመ ኣለኹ። ሰብ ስለምንታይ ዘረባ የብዝሕ እንተልና ከእምን፡ ክልምን፡ ክገልጽ፡ ክምስክር፡ ክረድእ፡ ከስድዕ ወዘተ ዝብል መልሲ ንረክብ ንኸውን። ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኾነ ብዝሒ ዘረባ ለፍሊፈ። ትልፍልፍ ትልፍልፍ ኣብ መወዳእታ ሌፍ ትብል። ኣገዳስነት ዘረባ ክኽሕድ የልየ ዘይኮንኩ ግን መብዛሕትኡ ዘረባይ ተደጋጋምን ዘይረብሕን ከይከውን ስክፍታ ስለ ዘለኒ’ዩ መስለኒ። ሓደ ፍሉይ ዝረኣኽዎ ነገር’ተሎ ብዙሕ ስምዒት ሓዊስካ ክትዛረብ ከምዘይብልካ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ዝትንከፍ ስምዒት ክህልወካ የብሉን የስምዕ፡ እዚ ድማ ትኣነሉ ነገር ወይ ዕላማ ወይ “ኣይድያል” ክህልወካ የብሉን። እዚ ድማ መግለጺ መንነትካ ካብ ዘረባኻ ኣይተምጻዮ ማለት’ዩ። ኢልካ ኢልካ መርገጺ ዘይብሉ ሰብ ኩን ማለት’ዩ። መርገጺ ዘይብሉ ሰብ እንታይ ኢልካ ትካትዖ፧ ወላ ተኻትዓዮ ዘእምን ጭብጢ ተምጺኻ ክኣምነካ’ዩ ስለዚ ብኽፉት ዝሰምዓካ ሰብ ሓደ መርገጺ ዘይብሉ ሰብ’ዩ። እዚ ምስቲ ኣብ ከባቢና ንሰምዖ ስለ ዝገራጮ፡ ኪድ “ኣነ ኣብ መትከሉ ዝመውት ሰብ’የ ክኸውን ዝደሊ” ይብል ሓደ። ሐራይ፡ ግን ዓለም ብእልፊ ከማኻ ስለ ዝተመልአት’ያ እዚ ኩሉ ሽግር ዝመጻና ዘሎ ትብሎ ሲዶና ሓፍትኻ። “ገው ከብለኪ’የ፡ መርገጺኣ ዘይፍለጥ ፈሽዃል” ይብላ ኣብ-መትከሉ-ዝመውት ሓውና። “ኣብ ምንታይ ረጊጽካ ኣለኻ፡ እስኪ ንዓ ነዚ መርገጺኻ ንመርምሮ።” ኢልካ ገንጺልካ እንተትርእዮ እንታይ’ኮን ምረኸብና፧
“ቀራን ብዕራይ ኣብ መገዲ እናሃነፈጸ እንተትመጻኒ እልይ እብለሉ” ኢሉ ሮቤል ኪዳነ ምሁር ስነ-ልቦና ኣብ ሓደ ካብ ትምህርትታቱ። ምስ ሽግር ምርጻም ማለት ምስ ብዕራይ ምርጻም ማለት ኣይኮነን ይብሉ ገለ ምስ ብዕራይ ምርጻም ዝብርሆም። “እንድዒ!” እናበልካ ምንባር መን ይፈትዋ፧ እንድዒ ኢልኪ መልሲ ሲዶና። እዚ ዝኣከብክዎ ፍልስፍና ንበሎ ትምህርቲ ህይወት ብሓፈሻ ብዙሕ ኣሎ መንቅብ ዘይረኸብክላ ሓንቲ ነገር ኣላ፡ ንሳ “ኣይድያል ኣይሃልኻ”ትብል ነጥቢያ። መን ምዃንካ ክፈልጥሲ ምስ መን ከም ትኸይድ ንገረኒ ኢሉ ሓበሻ መሲሉ፡ ጽሑፍ ድማ ይብል “ልብኻ ኣብ ዘለዎ መዝገብካ ኣብኡ’ሎ”፡ ኦሾ ድማ “መን ምዃንካ ክፈልጥ ኣይድያልካ ንገረኒ”ይብል። ኣይድያልካ ከም ካርታ ሂወትካ እዩ። ዝርዝር ድሌታትካ ንመንነትካ ከብርሆ ይኽእል ይኸውን ወይ ድማ ኣይክእልን ግን ኩሉ ሽግራትካ ኣይድያል ስለ ዘለካ’ዩ ዝመጽእ ይበሃል። እዚ ማለት ዝኾነ ድሌት እንተዘይብልካ ከመይ ኣቢልካ ትሓርቅ፧ ክትበጽሖ ትደልዮ ቦታ ተዘየለ ከመይ ኣቢልካ ተጉረምርም፧ እትሃርፎ ነገር ተዘይብልካ ከመይ ኣቢልካ ትጭነቕ፧ ትኣምነሉ ነገር ተዘየለ እንታይ ኢልካ ኢኻ ክትካታዕ፧ ነገራት ከምዚ ወይ ከምቲ ክኸውን ኣለዎ ምባል ተገዲፍካዮ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ’ሞ ክትሽገር፧ ወላ ንሽግር ከም ዝናብ ኣባ ጅጐ ከተውርዳ እንተደለኻ ከመይ ኣቢላ ትመጻካ፧ “ኣይድያላትካ ኩሎአም ጉሓፎም!” ኢልካ ንባዕላ ከም ኣይድያል ኣይትውሰዳ ይብሉ ገሊኦም ለባማት። ወይ ናይ መወዳእታ ኣይድያልካ ትኹን’ሞ ምስ ግዜ ወላ ንዓኣ ሰንድዋ።
ብሓጺሩ መን ምዃንካ ክሳብ ዝጠፍኣካ ንእምነታትካ ቅተሎም፡ ንድሌታትካ ኣብ ዒላ ደርብዮም፡ ነቲ መሰረት ህይወትካ ዝኾነ ሓንጐልካ እንትርፎ ከም ማሺን ንገለ ስርሓት መሳርሒ ኣይትእመኖ፡ ንህይወትካ ከም ድላዩ ክጠዋውያ ኣይትፍቀደሉ ይብሉ። እዚ ኣሉታዊ ዝመስል ፍልስፍና ህይወት ምስ ሞትካ’ዩ ህይወት ዝርከብ ንዝብል ኣብ ኩለን ሃይማኖታት ዝስበኽ ትምህርቲ ውን ብገለ መዳዩ ክመሳሰል ይኽእል ይኸውን። ንህይወትካ ምጥፋእ ማለት ካብዛ ዓለም ምህዳም ወይ ካብዚኣ ዝሓይሽ ምንዳይ ማለት እመስለኒ፡ ብህይወት ከለኻ ነቲ መርገጽ መንነትካ ዝኾነ እምነትካ ደርብዮ ክትብሎ፡ ንዝኾነ ሰብ ይኸብዶ ይኸውን’ዩ። እዚ ዓይንኻ ተዓሚትካ ትገብሮ “ናይ እምነት ዝላ” ካብቲ ብሃይማኖተኛታት ዝስበኽ ኣብቲ መሰረቱ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። ንሳቶም ነቲ ብዓይንኻ ዘይትርእዮ ኣምላኽ ብእምነት ከም ዘሎ እመን’ሞ ንሱ ድማ ዓስብኻ ክህብካ’ዩ ይብሉ። ቡድሃን ላኦ ጹን ድማ እዚ ንብለካ ፈትኖ’ሞ ንህይወትካ ሰላም ክትረክብ ኢኻ እንተ ብዛዕባ መንግስተ-ሰማይ ግን ወላ ሓንቲ ነገር ኣይበሉን። ስለዚ ክልቲኦም ሓንጐልካ፡ እምነትካ፡ ፍልጠትካ ኣብ ዑቅባ ካልኦት ኣቀምጥ’ዮም ዝብሉ ዘለው እንተቲ ምምስሳሎም ግን ካብዚኣ ነጥቢ ኣይትሓልንፍን’ያ። ክርስቶስ ኣባኻ ክነግስ ወይ ክብሪ ኣምላኽ ኣባኻ ክበርህ እንተኾይኑ ንስኻ ኣበይ ክትህሉ ኣለካ፧ ክትህሉ የብልካን። በቃ! ፍቓደይ፡ ድሌተይ፡ መደበይ፡ ዋንነተይ ምባል ክትገድፎ ኣለካ። ኣብ ክንዳኡ ንኣምላኽ ምውዳስ፡ ብፍቃዱ ምኻድ ክትለምድ ይግባኣካ ይብሉ መራሕቲ ሃይማኖት። እዚ ኣይድያል ዘይምህላው ድማ ምስ ኣይድያል ኣምላኽ ምትሕውዋስ’ዩ ዝብልዎ ወገናት ኣለው። ግን ንኣይድያል ኣምላኽካ ከም መፋግኢ እምኒ ምስ ካልኦት ኣይድያል ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ትጥቀመሉ እንተለኻ ጌና ኣብቲ “ኣይድያል ኣይሃልኻ” ዝብል ትምህርቲ ኣይኣተኻን ዘለኻ ማለት’ዩ። ዴል ጋርኔጊ ኣብተን ከመይ ጌርካ ንሰብ ትጸልው ዝብል ዝርዝራቱ “ንክትዕ ብዝኾነ ዋጋ ኣቋርጾ” ትብል ምኽሪ ቁጽሪ ሓደ ጌሩዋ ኣሎ። ሲዶና’ኸ ቁጽሪ ሓደ ጌርክያ’ዶ፧
“ናይ ክትዕ ጽምኢ ዘለዎ ሕሙም ሰብ” ትብል ዘረባ ጳውሎስ ትዝ ኢላትኒ ፍሽኽ እብል ኣለኹ። ናይ ክትዕ ጽምኢ! ጽብቕቲ ሓረግ። “ክትዕ ሓሳባት መለዋወጢ ባይታ ስለ ዝኾነ ኣድላዪ‘ዩ” ዝብሉ ወገናት ኣለው “ሓቂ ምክታዕ፡ ምእማን ኣየድልያን’ዩ። ሓቂ ሓቂያ ስለዚ ክትዕ ኢጎ መንፍሒ’ምበር ትርጉም የብሉን” ዝብሉ ከኣ ኣለው። ክትዕ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዝጽላእ “ጭብጢ” ዝበሃል ነገር objective ነገር ዘይኮነ ነቲ subjective ነገር’ዩ። ን ሓደ subjective ነገር ድማ ተኻቲዕካ ስለ “ዘይትልውጦ” ኣይትካታዕ ይበሃል።
ክንኣስሮ፡ ዘረባ ምብዛሕ ኣይድልን። ብኣምላኽ ዝዛረብ እቲ ዘይፈልጥ’ዩ፡ ምኽንያቱ ዘረባ መሸፈኒ ድንቁርናኡ ስለ ዝኾነት ይበሃል። እዚ ሲዶና ኣብዚ ብሎግ ትልፍልፎ ዘላውን ኣድላዪ ኣይኮነን ማለት’ዩ። ወይ ትጉደይ! ዘረባ ምልክት ናይ ሕማም’ዩ። እቲ ሕማም ዘይዕጉብነት ወድ ሰብ’ዩ ኢሎሞ። እንተ ሓሰብካሉ ከማን ዘይተማልኡ ድሌታት’ዮም ንሰብ ዝበሃል ማሽን ዘንቀሳቅስዎ። ኩሉ ትደልዮ እንተተማሊኡልካ እንታይ ዘሸግረካ ነገር ክህሉ ይኽእል፧ ስለዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ዶብ ዘይብሉ ድሌታትካ ከተማልእ ኣብ መንጎ ሞት ዘርክበካ’ሞ እናዕረምረምካ በፍንጫ ካብ ጸወታ ሂወት ትግለፍ፡ “ንድሌታትካ ቅተሎም” ዝብል ፍታሕ ቡድሃ ኣምጺኡ። ኣይድያልስ ድማ ክፋል ናይ ድሌታት ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ብምግባርካ ደስ ኢሉካ ኣብ ጽላል ዓለም ክትቅመጥ ኢኻ ይበሃል። ኣይድያልስ ዘይብሉ ሰብ ምስ ካልእ ኣይበኣስን፡ ኣይካታዕን፡ ንካልኦት ከእምን ‘ተደለየ ውን ኣብ ዝኾነ ኣይትእመኑ ኢሉ ክእምኖም ክፍትን’ዩ ማለት’ዩ! እንድዒ መቸም ኣነ ከም ሲዶና ግን ኣይድያልስ እንተተጓሕፉ ጸገም ዘምጽኡ ኮይኖም ኣይስምዑንን። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...