Saturday, July 1, 2017

ስለምንታይ ህላውነት ኣምላኽ መስካሪ ከም ዘየድልዮ



ሰነ 26 2017
ቲሎፓ ዝበሃል ሓደ “ጻድቅ” ናይ ታንትራ ዝበሃል መገዲ ወይ ሃይማኖት ኣሎ። ሃይማኖት መገዲ ንኣምላኽ እንተኾይኑ ብዝተፈላለየ መገዲ ጌርካ ክትበጽሖ ትኽእል። እቲ ጸገም ግን ኣምላኽ ክብጻሕ ዝድለ ኣብቲ እነሀ ዝበሃል “ዕላማ” ኣይኮነን ይብሉ በዓል ቲሎፓ። ስለዚ እዞም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ፍርቂ ልክዕ ኣለው ምኽንያቱ ኣምላኽ ዝበሃል ኣብ ሰማየ ሰማያት ዝነብር ጨሓም ሰብኣይ የለን። እቶም ኣመንቲ ድማ ፍርቂ ልክዕ ኣለው ምኽንያቱ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ከይተመልሰት ዕረፍቲ ዝበሃል የልቦን- ኣምላኽ መልጐም ሸውሃትና ስለዝኾነ። መብዛሕትኦም ኣሕዋት ኣይቅበልዋን ‘ዮም ‘በር ክርስቶስ ውን መንግስተ ሰማይ እነሀት ኣብ ውሽጥኹም’ያ ዘላ ኢሉ ነይሩ። እቲ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ ዝብል ምስ ረኣዩ ገለ ተኸራኸርቲ እዋን ኣምላኽ ዶብ ኣልቦ ኣይኮነን ድዩ፧ የማንን ጸጋምንን ዘለዎ ኣምላኽ ንኹሉ ፍጥረት ኣድማስ ክሕዝ ኣይክእልን ስለዚ ንኣማላኽ ኣብ ፊዚካላዊ ነገር ኣይትሕጸርዎ ይብሉ።
ብዙሕ እዋን ሰባት ተከራኽር ነጥቢ ኣምላኽ ብኣእምሮ ሰብ ክብጻሕ ኣይክእልን’ዩ ትብል’ያ። ክትዕ
·         ከሓዲ “ዓይነይ ዘይርእዮ፡ እዝነይ ዘይሰምዖ ነገር ኩሉ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን’የ” ይብል።
·         ሰባኺ ከኣ ኣብ ንፋስ ዝንቀሳቀስ ኣቁጽልቲ ከም ኣብነት ኣምጺኡ “ከእምኖ” ይፍትን።
·         ከሓዲ እዚ ኩሉ ሽግራት ዓለም እናጠቀሰ ብዘይምግዳስ ወይ ድኻም ኣምላኽ ይማጐት።
·         ሰባኺ ሽግር ከም መፈተኒ ወድ ሰብ የምጽኦ፡ ነቲ ፈተና ዝሓለፈ ድማ “መንግስተ ሰማይ” ዓስቢ ይወሃብ ይብል።
·         ከሓዲ ብዙሕ ቀዳዳት ሃይማኖት ስለ ዝረኸበ ከም ድላዩ መሪጹ ይካታዕ። ንኣሽቱ ቆልዑ ብጥሜት ዝሞቱ፡ ሰናይ እናገበሩ መንሽሮ ዝሓሙ ከም ነጥቢ የምጽኦ። ብዝሒ ዘለዋ ሃይማኖታት እናጠቀሰ ድማ ኣየነይ’ተን እታ ልክዕ ምዃና ይሓትት
·         ሰባኺ ኩሉ ግዜ እታ ናቱ ሃይማኖት ጥራይ ልክዕ ከም ዘላ ከም ጭብጢ ድማ “ካብ ኣምላኽ ዝተሰደ መጽሓፍ” ይጠቅስ
·         ከሓዲ ካልእ ፍልልይ ኣብ መንጐ ናይ ሰባኺ መጽሓፍን ካልኦት ካብ ኣምላኽ ዝተሰዱ መጽሓፍትን ይሓትት
·         ሰባኺ እንታይ ኢሉ ከም ዝምልስ እንድዒ ግን ዘእምን መልሲ ከምጽእ ይሽገር’ሞ “ብእምነት” ከም ዝፈልጥ ይሕብር
·         ከሓዲ እምነት ናይ ሰባኺ ካብ ናይ ካልኦት እምነት ዝበለጸት ምዃናን ዘይምዃናን ከመይ ጌሩ ከም ዝፈልያ ይሓትት
·         ሰባኺ እምነት ኢሉ ዘረባ ይዓጹ ወይ ኣብ ካልእ ነጥብታት የተኩር

ብዙሕ እዋን ከምዚ ዓይነት ክትዕ መዛዘሚ የብሉን። እቲ ከፍርስ እቲ ክከላኸል ኛኽ ይብሉ’ሞ እታ ኣምላኽ ብኣእምሮ ሰብ ኣይፍለጥን’ዩ ትብል ቀንዲ ነጥቢ ትጠፍእ። ኣምላኽ ብኣእምሮ ሰብ ኣይፍለጥን’ዩ ትብል ‘ተለኻ ስለምንታይ ምስ ሰባት ብዛዕብኡ ትካታዕ፧ ተኻቲዕካ’ኸ ንመን ኢኻ ከተእምን፧ ሞት ፈሪሁ፡ ወይ ሽግር’ዛ ዓለም ምጻር ስኢኑ ወይ ኮሊሉ ኮሊሉ ኩሉ ትርጉም ምስ ሰኣነ ዝመጻካ ሰብ ምዕራፍ ክንድዚ ጥቅሲ ክንድዚ ጠቂስካ ክትሰብኮ ትኽእል ትኸውን። ነቲ ኩሉ ፍልጠቱ ካብ ኣእምሮኡ ጥራይ ዝቅበል ሰብ ግን ጥቅሲ ምጥቃስ ኣየዋጽኣካን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መወዳእታ ፍረ ዘይብሉ ነገር ከይኮነካ ኣይትድፍኣሉ። ኣማኻሪት ስነ-ሃይማኖት መሲለ ምሽ፧ ስለዚ ከመይ ጌርካ ንእምነትካ ተርጉዳ፧ ከመይ ጌርካ ንኣምላኽ ኣብ ጉጅለታት ትካታዓሉን ትስዕረሉን፧ ክኸውን’ዩ ‘ቲ ሕቶኻ። “ግደፍ!” ትብል ሲዶና።
ሓደ፥ ንምንታይ ትካታዕ ኣለኸ ብዛዕባ ኣምላኽ፧ ኣሎን የለን ኢልካ ተኻቲዕካ እንታዴኻ ኢኻ ከተፍሪ ደሊኻ፧ ከምዚ ክልተ ኣኻልብ ዝገብርዎ ንሰዓታት ተፋጢጥካ ተፋጢጥካ ኣብ መወዳእታ ናብ ገዛኻ። ኣምላኽ ናይ ዘረባን መደረን ክእለትካ ተመሓይሸሉ ዛዕባ ኣይኮነን። ከልቢ ኣእምሮኻ ሓሳባት ክነክስ ስለ ዝፈቱ ጥራይ ንኣምላኽ ከም ዓጽሚ ኣልዒልካ ኣይትካታዓሉ። እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ከማን ዕሽነት ‘ዩ። ኣምላኽ መስካሪ የድልዮ’ዶ ይኸውን፧ መንከ’ዩ ኣብ ቅድሚኡ ቀሪቡ ምስክር ክሓቶ፧ ሓደ ዕውር እንታይ ሪአ ኢሉ ክምስክር ይኽእል፧ ሓደ ጌና ብስጋኡ ተኣሲሩ ዘሎስ እንታይ ኮን ኢሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ክዝረብ’ዩ፧ ሓደ ጽምኢ ናይ ክትዕ ዘሎ ሓውና ብዛዕባ ኣምላኽ’ዶ ብዛዕባ ርእሱ ክዛረብ’ዩ፧ ሓንቲ ብጽባሕ ትፈርህን ብጸበባ ትሽገርን ሓፍቲ እንታይ ኢላ’ያ ክትምስክር፧ ኣምላኽ ከም ኩሕሊ ትኮሓሎን ናይ መን ኩሕሊ ከም ዝጽብቅ ምስ ካልኦት ትወዳድረሉን ዘይኮነ፡ ኣምላኽ እታ ትኮሓል ዘላ ዓይኒ ባዕሉ’ዩ። ትኮሓል ኣይትኮሓል ዓይኒ ምዃና ይተርፋ’ዶ፧  ካልኣይ ነጥቢ ድማ ሓደ በዓል ገዚፍ ኢጎ “ኣነ ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን’የ”ስለ ዝበለ ኣምላኽ የለን ማለት’ድዩ፧ ወይስ ሓደ ኣምሰሉ ኣማኒ’የ በሃሊ ቃል ኣምላኽ እናለፍለፈ “ኣምላኽ ኣሎ” ስለ ዝበለ ኣምላኽ ኣሎ ማለት’ድዩ፧ እንድዒ! ኣምላኽ ከም ሓደ ሓሳብ ክትመራመረሉ የብልካን ማለት ብኣእምሮኻ ከተልዕሎ የብልካን ማለት’ዩ። ኣኸለ!
ንኣምላኽ ከም ዘሎ ከተርኢ ኣብ ዝፈተንካሉ ካብኡ እናረሓቅካ ትኸይድ። እቲ ሓቂ ኣብ ውሽጥኻ ትጠራጠር ስለ ዘለኻ ንገዛእ ርእስኻ ከተእምን ‘ምበር ንካልኦት ሓሊኻ ኣይኮንካን ይበሃል። ብዝሒ “ዘእመንካዮም” ኣብ ዝውስኸሉ ድማ ጥርጣረኻ እናጐደለ ይኸይድ። ስለዚ ብዝሒ ኣመንቲ ኣብ ዝኾነ ሃይማኖት ኣገዳሲ ተራ ይሕዝ። ኣብ ብዝሒ ውሕስነት ይርከብ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓት ማሙቕ ኢዩ። ሓደ “ኣነ’ኮ ክንድዚ ብዝሒ ተኸተልቲ ዘለዎ ሃይማኖት’ዩ ዘለኒ” ኢሉ ክምካሕ ምስ ሰምዓቶ ወይ ጉድ ትብል ሲዶና። ኣምላኽ መጉልሒ ኢጎ ኮይኑ በቃ። እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብ ሰማይ ኮይኑ ነዚ ሰባት ዝገብርዎ ድራማ እናርኣየ ካር ካር እናበለ ይስሕቅ’ዶ ይህሉ ወይስ ብሕርቃን በርበረ ይመስል ይህሉ ይኸውን፧ ትእዛዛተይ ሓልው እናበለ ሰብ ጦቕ ዘብል ኣምላኽ፡ እቲ “ትእዛዛት” ኢሉ ዝሰደዶ በቶም “ሕሩያቱ” ክፈርስ ከሎ ባህ ይብሎ’ዶ፧ እቶም ዘይኣመንቲ ደሓን፡ እቶም ብእኡ ዝተኣስሩ ግን የኾርይዎ ይህልዉ ‘ምበር። ግን ከኣ ደሓን ይቕረ በሃሊ ኣምላኽ ‘ንድዩ ዝበደሉ እንተ በደሉ ይቅረ ክብለሎምን ካብ ዓመጻ ከድሕኖምን መብጽዓ ኣትዩሎም’ዩ።
ክንኣስሮ፥ ኣምላኽ ማለት ውሽጥኻ ምፍላጥ ማለት’ዩ ይበሃል። እዞም ናይ ደገ ኣምላኽ ዘለዎም ሃማኖታት ኩሎም ውሽጦም ክርእዩ ስለ ዝፈርሁ ‘ዮም። ገለ ነገራት ብኣእምሮ ክብጻሕ ከም ዘይከኣል ፈላስፋታት ደምዲሞሞ’ዮም። ኣምላኽ ሓደ ካብዞም ክብጽሑ ዘይክእሉ ክኸውን ይኽእል። ብኣእምሮ ክብጻሕ ዘይከኣል ደኣ ከመይ ጌረ ክበጽሖ’የ ወይ ወላ እንተ በጻሕኩዎ እንታይ ክዓብሰለይ እዩ ክብል ይኽእል ሓደ። ንህይወትካ ረኣያ ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ ዘድልየካ እንተመሲሉ ካብ ኣእምሮኻ ጀምር፡ “ኣነስ ጽቡቕ ኣለኹ” ትብል ተለኻ ከማኻ ይብዝሑ። ኣእምሮኣዊ ሰላም ከም መዐቀኒ ኣምላኽ እንተርኢናዮ ነዛ ሰላምካ ብምንታይ ረኺብካያ ብዘየገድስ ንኣምላኽ ትፈልጦ ኢኻ። ወላ ኣብ ባንኪ ብዘሎ ብዝሒ ገንዘብካ ርኸባ። ወላ ምስ ሰብኣይ ደቂስኪ ርኸብያ። ግን ሰላም ክንብል ከለና እታ “ፍጽምቲ፡ ተመስገን ፍቓድካ ‘ምበር ፍቓደይ ኣይኹን” ትብል ሰላም። ወላ ፍቓድካ ኣይትበላ ህይወት ከም ዝገጠመትካ ከየጉረምረምካ ትነብራ ብትማልን ብጽባሕን ዘይትጭነቕ እንተ ደኣ ኮንካ፡ ወላ ስም ኣይትሃቦ ኣምላኽ ኣይፈልጦን’የ ክትብል ኣይትኽእልን። እዛ ሰላም ብድላይካ መገዲ ርኸባ-ብድላይካ መጽሓፍ ኣንቢብካ ወይ ድላይካ እምኒ ኣምሊኽካ ርኸባ። ቅኑዕን ጌጋን ዝበሃል መገዲ ናብ ኣምላኽ የልቦን። ኣምላኽ ናይ ገለ ውሱናት ሃይማኖታት ንብረት ኣይኮነን። ኣምላኽ ማለት ነቲ መሰልካ ዝኾነ ሰላም ምርካብ ማለት’ዩ። ሰላምካ ንምርካብ ድማ ገለ ንውሽጢ እቶ ይብሉ ገለ ንደገ ውጻእ ይብሉ። ኢልካ ኢልካ እታ ምስ ሓዝካያ “ድያብሎስ” ክምንጥለካ ዘይክእል ሰላም ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ትረኽባ’ዩ። ኣብ ኣምላኽ ከይኣመንካ ‘ውን ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ ምኽንያቱ እምነት ዘይእምነት ዘይኮነት ሓቀኛ መንነትካ ምፍላጥ እያ። ከመይ ጌርካ “ሓቀኛ መንነትካ” ትፈልጦ ንዝብል ሕቶ፡ መን’ዩ እዚ መንነቱ ክፈልጥ ዝሓትት ዘሎ፧ ኣነ መንየ፧ ሓሳባተይ ካበይ ይመጹ፧ ከይተወለድኩ ከልኹ ኣበይ ኔረ ወዘተ ኢልካ ምስትንታን እዩ እቲ መገዲ ይብልዎ። ፈላጥን ተፈላጥን ክልተ ዘይኮኑ ሓደ’ዮም ይበሃል። እዚ ኣብ ልቢ ወድሰብ ዘሎ ህርፋን ኣምላኽ ወይ ህርፋን ፍልጠት ከዕርፍ እንተኾይኑ ን”ኣምላኽ” ክፈልጦ ኣለዎ። እዚድማ ንስኻ ክፋል ናይ ኣምላኽ ምዃንካ ምስ ተገለጸልካ ይዛዘም። ክፋል ናይዚ ዓቢ ኣድማስ ምዃንካ ተሱቚርካ ከም “ዘይትመውት” ሰማይ ናሕስኻ፡ መሬት ንእድኻ ምዃና፡ ኩሎም ፍጡራት ኣሕዋትካ፡ ኣምላኽ ድማ ሓድነትካ ምዃኑ ምስ “ፈለጥካ” ሰላም ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ይነግስ’ሞ ተመስገን ትብል። ፍቓድካን ፍቓድ ኣምላኽን ሓደ ምዃኑ ምስ ተረድኣካ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርካ “ኣሜን! ሽሕ ግዜ ኣሜን” ትብል። ቻው!

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...