Thursday, July 20, 2017

ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.5



ሰሉስ ሓምለ 18 2017
ዴል ነዛ ምዕራፍ The Secret of Socrates ኢሉ’ዩ ሰምይዋ። ኣዋድቃ ኣቦይ ሶቕራጠስ ኣይግድን’ዩ ዘብል ግን ደሓን ምስ ሓሳቡ ስለ እትኸይድ ክንድርድኣሉ’ምበር ናይ ሶቕራጠስ ነገርሲ ደሓን ንካልእ መዓልቲ ይኹነለይ። ኣነ’ኳ ኣበይ ኣርኪበሉ ንሶቕሬ ግን ታሪኹ ውሃ ዘብል’ዩ። ቅድሚኡ እዛ ውሃ ዘበለ ኣምሓርኛ ድያ፧ ካብ ምሒር ኣድናቖት ዝተላዕለ በቃ ማይ ብጽምኢ ጋሕ ትብል ማለት ድዩ፧ ክንድዚ ተመራሚሮም ኣውጺኦማ ‘ተኾይኖም ታሕያት ሚን ቢንተልዓጣር ተቀበሉ። ዓጣሪ ኣብ ትግርኛ ጸርፊ’ዩ። መሕዘን! ምኽንያቱ ነዓይ ዓቢ ትርጉም ስለ ዘለዋ“ዓጣር” ትርጉሙ ሰራሒ ጨና፡ ናይ ሓደ ሱፊ ናይ ብርዒ ስም’ዩ ኔሩ። ሓቀኛ ስሙ ኣቡ ሓሚድ ቢን ኣቡ በከር ኢብራሂም (ሸምዲደዮ ኣይኮንኩን ሕጂ ካብ Kiwix’የ ሪአዮ ሓቀኛ ስሙ) ሎሚ ቅድሚ ዞም ገልዳማት ከይመጹ፡ ኤውሮጳ ኣብ ጉልታዊ ስርዓት ከላ ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብን ፋርስን ንጥዋፍ ፍልጠት፡ ፍልስፍናን ምዕባለን ሒዞም ንዓለም ዝመርሑላ ዝነበሩ ኩነታት 1110-1200 ከባቢ’ዩ። መርኣይኡ መስቀላውያን ተሳዒሮም (ኤውሮጳውያን ክሳብ ሕጂ የሕሞም ኣሎ። ከምዚ ጥልያን ኣብ ውግእ ዓድዋ ምስ ተሳዕረ ቅጭ ዝመጾም ማለት’ዩ።) በቃ ኤውሮጳውያን ናሕሲ ናይ ዓለም ኢና’ዮም ዝብሉ ደቂ ሓራም! ነዚ ጭብጢ ድማ ናብኦም ጭንን ክብል ዝኸይድ ኣፍሪቃዊ በዚሑ። ክወራዘ ኢለ ዘይኮንኩ ሓቂ’ዩ ብኹሉ ነገር ካባና ይበልጹ። ካብኦም ክንመሃሮ ዝግንኣና ሽሕን ሚእትን ነገራት ኣሎ። ምስኦም ድሕሪ 200 ዓመት ከማን ክንወዳድር ኣይንኽእልን እዚ መስክሩለይ ኣየድልዮን’ዩ። ፖለቲካዊ ሸነኹ ነዓይ ኣየገድሰንን’ዩ ፥ ሰብ ነናቱ ትንታነ ክህቦ ይኽእል’ዩ። ንሲዶና ዘሕማ ነገር ግን ሓደ ገልዳም “ጻዕዳ” ካብ ሓደ ጸሊም ዝቆርበቱ “ኣነ እበልጽ” ክብል ከሎን እቲ ጸሊም ድማ ክኣምኖ ክጅምር ከሎን’ዩ። ጭንን ትክብል ምስ ረኣዩኻ ኣታ ሓቂ’ባ ‘ዩ “ንሕና ኢና ጐይቶት ‘ዛ ዓለም” ይብሉ በዓል ትራምፕ መሰል ‘ዚ ካባይ ዘይሓይሽ ዕንጉለ። ሰብ ንምንታይ ይስደድ፧ ካልእ ፍታሕ የለንድ’ዩ ወዘተ ኢልካ ብዙሕ ክትዛረብ ትኽእል። እዚ ነቶም ፖለቲከኛታት ገዲፈ ናብ ጉዳየይ ክኣቱ። ሲዶና ዓጣር መንፈሳዊ ኣቦኣ ከም ዝኾነያ ተዛሪባ፡ ምስ በዓል ሩሚ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ፈላስፋታት ናይ ሱፊዝም’ዩ ኔሩ። ድሕሪ ኣብ ኤውሮጳ ዝተበገሰ ምንቅቃሕ ዘመን ተገልቢጡ እታ ጥዋፍ ምዕባለ ናብ ኤውሮጳ ተመሊሳ። በዓል ዓጣር ዝነበርዎ ክፋል ማእከላይ ምብራቕ ወርቃዊ ዘመኑ ወዲኡ ናብ ዘመነ ጸላም ኣትዩ። ሰብ ከም ድላዩ ምሕሳብን ምምርማርን ወጺኡ ብዶግማ “እመን ኣይትእመን” ተለዊጡ። ንካልኦት ዝጻወር ዝነበረ መገዲ ድማ ብኣል ኢስላም ኣ’ሲያሲ ወይ ድማ ኣተሰዩስ ኣ’ዲኒ ማለት ን ሃይማኖት politicize  ብምግባር ተተኪኡ ምዕባለ ጠፊኡ እነሀ ኣብ ዳዕሽን “ኢርሃብን” ወዲቕና። ኣብ ምግላጽ ትግርኛ ምስኪናይ ምስ ዓረብ በየን ኣቢሉ ክወዳደር’ዩ፧ ፖለቲካ ትብል ቃል ስለ ዝተራዕመት ናብ ግሲ ክትቅይራ እንታይ ኢኻ  ክትብላ፧ ምፕቱላኽ?! እዚ ኹሉ ዘምጽአ ድማ “ውሃ ዘበለ” ትብል ሓረግ’ያ። ማይ ሃቡኒ ማለት ግን ኣይትመስለንን።
ናብ ጉዳና ንመለስ ምስጢር ሶቕራጠስ እንታይ ኔሩ ተበልካ ዴል “ንመካትዕትኻ  ኣብ መጀመርያ እወ! እወ!” ከም ዝብል ምግባር ይብሎ።እዚ ኣካይዳ ይብሉ ኣብ ስነ-ልቦና ሰብ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ሓደ ሰብ መጀመርያ “ኖእ” እንተደኣ ኢሉ ጸኒሑ ናብ “እወ” ክቅይራ ከቢድ’ዩ። ምኽንያቱ ይብሉ ዞም ተመራመርቲ ኩሉ ነብሰ ክብሩ ኣብታ መጀመርያ ዘውጽኣ ቃል’ያ ትምርኮስ ስለዚ ብዘለዎ ንዓኣ ክዕቅባ ኣለዎ። እዚ ኣብ ቆልዑ ብቀሊል ክንርእዮ ንኽእል። ሓንሳብ ኖእ ኣይበልዕን’የ እንተደኣ ኢሉ በቃ! ክበኣስ ጥራይ ኣለዎ። መን’ዩ ዝበኣስ ዘሎ ተበልካ ኢጎ! ስለዚ ይብል ዴል ዘረባ ምስ ጀመርካ ኖእ ከይብል ተጠንቀቕ ምኽንያቱ ሰብ ኣይፋል ክብል ከሎ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ “ኣይፋል” ዝብል ዘሎ ኩሉ መትናዊ፡ ጽካዊን፡ ጭዋዳውን ስርዓታቱ ውን ሓቢሮም “ኖ!” ኢሎምዮም ዝጭድሩ ስለዚ ብ እወታ ጀምር። ንሶቕራጠስ ኣብ ክትዕ ክስዕሮ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን’ዩ ዝበሃል። ምስጢሩ ድማ ሕቶ እናሓተተ እወ ከም ትብል ይገብረካ። እዚ ሜላ ክትዕ Socratic Method ይበሃል ኢሎሞ። ክንዲ በቲ ዘባእሰካ ዘሎ ነገር ዝጅምር በቲ እትሰማማዓሉ ነገር ይጅምር ኔሩ ይበሃል። ሓደ ርኡይ ክትክሕዶ ዘይትኽእል ነገር ብእወ ወይ ኖኖ ዝምለስ ሕቶ ይሓተካ። ኩሉ እንስሳ ክልተ ዓይኒ ኣለዎ ምሽ፧ ይሓተካ ሶቕሬ። እወ ትብል ሽጣራኡ ዘይትፈልጥ እንተኔርካ። ሰብ’ከ ክልተ ዓይኒ ኣለዎ ምሽ፧ እወ ትደግም። ጽቡቕ! ስለዚ ኩሉ ሰብ እንስሳ ማለት ድዩ፧ ኢሉ ይፈግኣካ ሕጂ ከመይ ጌርካ እቲ ኣቀዲምካ ዝበልካዮ ክትመልሶ፧ ነብሰ-ክብርኻ መልሓስካ ክትዓጽፍ እሞ’ኸ ኣ ብርኡይ ኣብ ቅድሚ ኩላ ከተማ ኣቴንስ! ስዕረትካ ተጐልቢብካ ሰላሕ ኢላ ትወጽእ ወይ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምስ ኣዋረዶም ንክስርቶስ ክቀትልዎ ዝተማኸሩ ንስኻ ድማ ንሶቕራጠስ ክትቀትሎ ምስቶ ከማኻ ካባ ሕፍረት ዝተኸድኑ ሰባት ክትሓስበሉ ትጅምር። ሲዶና ከም ናይ ኦሾ መርገጺ ኣለኒ፡ ናይ ሶቕራጠስ ሞት ኣይትቅበሎን ምኽንያቱ ሞቱ ብሰንኪ ኢጎ ስለ ዝነበረ። ኣነ ሶቕራጠስ ኣነሲ ሃዲመ ካብ ኣቴንስ ክወጽእ፧ እሞ’ኸ ኣብ ዓዲ ጓና ስደተኛ ኮይነ ከነብር፧ ክሳደይ ንኻራ ኢሉ እዚ ቅምጥ ኢሉ ናይ ኢጎ ኣብነት’ዩ። ሰብ ንሶቕራጠስ ብዙሕ የኽብሮ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ሕማቕ ብዛዕብኡ ኣይትሰምዕን ግን ሓደ ብትዕቢት ዝተነፍሐ ሰብ ምንባሩ ግን “ኣነ!” ይብል ምንባሩን ንፈልጥ። እዚ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ከም ኬፉ! ናይ ሶቕራጠስ ጸገም ዝበሃል እቲ ዘተኣታተዎ ትምህርትን መሰረት ፍልስፍና ምዕራባዊ ዓለም (aka the whole world) ዝኾነ’ዩ። እዚ ኣብ መጐት ስተሰረተ ትምህርቲ ንስነፍልጠት ኣድላዩ’ኳ እንተኾነ ኣብ ሃይማኖትን እምነትን ምስ መጸ ግን ጉድ ጌሩና (ካልእ መዓልቲ ንዛረበሉ)። ሓንቲ ደስ ተብል ኣብነት ዴል ምስክርነት ሓደ ጄይምስ ኤበርሰን ዝበሃል ሰራሕተኛ ባንኪ’ያ። (ከም’ዞም ጴንጤ ኣሕትዋትና ምስክርነት እናጸዋዕካ ኮይና ዓዲ።) ኤእ! ሰባት ኣይንፍረድ ሲዶና! WTF መን ፈሪዱ፧ ምስክሩ ጥራይ ንስማዕ። ኣቶ ኤበርሰን ተረኛ ከሎ ሓደ ሰብ ናይ ባንኪ ሕሳብ ከውጽእ መጸ’ሞ ዝምላእ ፎርም ሃቦ። ወይ ጐበዝ ንገለ ካብቲ ሕቶታት “ክሳደይ ንኻራ” ብዝዓይነቱ ክብሪ ውልቃነተይ ዝትንክፍ ብምባል ምምላእ ኣበየ። መብዛሕትኡ ሰብ ኣብዚ ኩነት “ኪድ መንደቅ ገሃጽ” ምበሎ ነዚ ጐበዝ እታ ባንኪ ሓደ ዓሚል ምኸሰረት። ኣቶ ኤበርሰን ግን ካብ ዴል ዝተማህሮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ክሰርሓሉ ደለየ ስለዚ ብቃላቱ “I resolved this morning to use a little horse sense.” ይብል እዚ ልቦና ኣፍራስ ከም ናይ ሶቕሬ ንሰማዒ እወ! እወ! ከም ዝብል ግበሮ ካብ ዝብል ዝነቀለ’ዩ። ኣቶ ኤበርሰን ነቲ ጐበዝ “ኣይግበሮ’ምበር ገለ ድንገት እንተጓነፈካ መን ምዃኑ ክንፈልጥ ትደልየና’ዶ፧” ኢሉ ሓተቶ እታ መልሲ “እወ”ያ ቀዳመይቲ “እወኡ”ረኺቡ።”ወራሲኻ ብቅልጡፍ ክንረኽቦ ትደሊ’ዶ” ካልኣይቲ “እወ” ድሕር’ዚ እቲ ሕቶታት ንዓና ዘይኮነ ንዕኡ ምዃኑ ተረድኦ’ሞ ኩሉ ፎርም ብዘይ ጸገም መልኦ ይብል። ካልኦት ደስ ዘብላ ኣብነታት ውን ኣለዋ። በቃ ነዛ መጽሓፍ ምውዕዋዕ ናተይ ኢልኪ ሕዝክዮ ምሽ፧
ክንኣስሮ፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ክንቅይር ከቢድ’ዩ እንተኾነ ኣድላዩ’ዩ ውልቃዊ ወይስ ካልእ ሸቶታት ንምህራም። እዛ ናይ ሶቕራጦስ ሜላ ሽኽና ሰባት ከይተዓጽወ ከሎ ዘርእኻ ምእታው ዝዓለመት’ያ ትመስል። ሓደ ነገር ክትሸጠሉ ክትደሊ ከለኻ እዚ ዝበሎ ኣካይዳ ከዋጻካ ይኽእል፡ ሲዶና ግን ኣምላኽ ይመስገን ገዛ ገዛ እናኸድኩ ንብረት ዝሸይጥ “ቤላ-ሮባዕ”ኣይኮንኩን። ሶቕሬ ይቕረ ይብለለይ ይኸውን’ዩ ምኽርኻ ከመይ ጌራ ኣብ ህይወተይ ከም እትጠቕመኒ ኣይፈልጥን’የ ተበልክዎ። ኣብዛ ኩሉ (ብፍላይ ኣብ ፌስቡክ) ፈላጥ ዝመስለላ ዓለም ምስ ሰብ ካብ ትሸናኸር እንታይ ገደሰካ ምስኦም ኮንካ ዘይተጣቅዕ ውሽጦም ምስ ፈለጥካ ድማ ኢድ ብኢድ ትረትዖም። ኩሉ ሓሸውየ’ኳ’ዩ! ቢዝነስውማን ተዝኸውን መዓልታዊ ንነገራት ብዓይኒ መኽሰብ እናርኣኹ ነዚ ምኽርታት ኣብ ባይታ እናውዓልኩ ምኸድኩ። ከም’ቲ ሶቕራጦስ ዝገበሮ ዕሽነት ሰባት እናኣወጅኩ ምስ ዝኸይድ ብዙሕ ከይጸንሑ ክሰቅሉኒ’ዮም። ይወኣኒ ኣነ ድማ ጌና ፒሮ ከማን ኣየልዓልኩላን ነዛ ዓለም ስለዚ ቁሩብ ክጸንሕ’ሞ ምንጨይ ፈሊጠ ክመውት ይሕሸኒ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...