Friday, July 14, 2017

ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.6



ሮቡዕ ሓምለ 12 2017
ርእሰይ ሓሚመ ኣለኹ። ብሰንኪ ተለቭዥን ምርኣይ ወይ ድማ ሰዓታት ካብ ላፕቶብ ናብ ታብለት ካብ ታብለት ናብ ቲቪ ካብ ቲቪ ናብ ሞባይል ካብ ሞባይል ናብ ላፕቶብ! ጦቕ’ኮ ኢለ። እዚ ኩሉ ጸደፍደፍ ናበይ ንምብጻሕ’ዩ ኣይርድኣንን’ዩ ዘሎ እንትርፎ ርእስኻ ክትሓምም እንተጀሚርካ ገለ ነገር ካብ ዓቀን ንላዕሊ ተዘውትር ከም ዘለኻ ነብስኻ መልእኽቲ የተሓላልፍ ከምዘሎ። ኣብ ክንዲ ቲቪ ሬድዮ ናይ ድሽ ምስማዕ የዋጽእ ይኸውን። Quantum Physics ከኣ’ባ ተሓታቲ ክኸውን ይኽእል’ዩ ፡ፕሮጀክትታት ምብዛሕ፡ ምጽሓፍ፡ ጊታር ክትላመድ ጦቕ ምባል፡ ቋንቋ ክትመሃር ጦቕ ምባል፡ ኮምፒተር ኮድ ክትጽሕፍ ጦቅ ምባል፡ ክትፈላሰፍ ጦቅ ምባል፡ ጦቕ ምስ በዝሐ ከይበሰልኩ ከይሓርር ጥራይ! ወይ ጉድ። ድቃስ ግን መግቢ’ዩ ስለዚ ካብ ትማል ሕጂ ይሓይሽ- ንግሆ ባህ ኢሉኒ ክበራበር ከለኹ ከም ደርሆ ንሰማይ ኣንቃዕሪርካ ተመስገን ምባል ጥራይ’ያ ትተርፈኒ። ትማሊ ምስ ሓንቲ ሰብ ሻሂ ምስ ሰተና ንምንታይ እጽሕፍ ከም ዘለኹ ክሓስብ ጀሚረ፡ ብትግርኛ ዶ ይሓይሽ ወይስ ብእንግሊዝኛ ሓሲበ፡ ኣርእስቲ ዝጽሕፎ ወዘተ ሓሲበ ግን ሓሳብ ናብ ግብሪ ተዘይተቀይሩ ምውት’ዩ ስለዚ ንግደፋ ሲዶና ከም ድላያ ትሕሰብ። ትማል ጌጋ ጌረ መስለኒ ናይዛ ብሎግ ኣድረስ ንሰብ ሂበ፡ ሰብ ከይወዳእክዋ ምስ ዝርእያ ከመይ ከም ዝጸልወኒ ኣይፈልጥን። ንኣንባቢ ኢልካ ምጽሓፍ ካብቲ ንርእስኻ ኢልካ ትጽሕፎ ይፍለ’ዶ ይኸውን፧ ተዓዛቢ ምህላው ንትጽሕፎ ብኻልእ ዓይኒ ክትርእዮ ይሕግዘካ’ዶ ይኸውን፧ ጽሑፍ ክቕበር’ሞ ድሕሪ እዋን ገረብ ኮይኑ ክፈሪ’ዶ ይሓይሽ ወላስ ሰብ ክርእዮ፡ ንፋስ ክሃርሞ፡ ምስ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታ ከይዱ ከስፋሕፍሕ፧ እንድዒ!
ዴል ካርኔጊ ኣብዛ ናይ መወዳእታ How to make people like you instantly ኢሉዋ ዘሎ ምዕራፍ ካብ ቅድም ብዘይፍለ ነታ ምኽሩ ከምዚ ኢሉ ደምዲምዋ ኣሎ “Make the other person feel important- and do it sincerely” ንሓደ ብዙሕ ዘይትፈልጦ ሰብ ጽቡቁ ረኺብካ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝስምዖ ክትገብሮ ክብድ ክብል ይኽእል ኢልዎ ኣሎ ግን ዘይከኣል ኣይኮነን። ኣብተን ቀዳሞት ገጻት ናይዛ ምዕራፍ ክልተ ፍሉጣት ፕሮፈሰራትን ዓበይቲ ፈላስፋታትን ዝበልዎ ጠቒሱ ኣሎ። ሓድሽ ኣይኮነን ምናልባት ካብ ዓበይቲ ሰባት ክወጽእ ከሎ ተኣመንናዮ ኢሉ’ዩ ዝኸውን። ፕሮፈሰር ጆን ዲዊ ከም ዝበሎ the desire to be important is the deepest urge  in human nature ከምኡ ድማ ፕሮፈሰር ዊልያም ጀይምስ “The deepest principle in human nature is the craving to be appreciated”. እዚ ይብል ዴል ካብ እንስሳታት ዝፈልየናን መሰረት ኩሉ ስልጣኔ ወድ ሰብን’ዩ። እቲ ዝገርም ኩለን ‘ዘን ሽዱሽተ ሕግታት ብዛዕባ ካልእ ሰብ ‘ምበር ብዛዕባይ ወላ ሓንቲ ኣይዛረባን’የን። ተገደሲ፡ ተፈሸኺ፡ ብስሙ ጸውዕዮ፡ ስምዒ፡ ብዛዕብኡ ተዛረቢ፡ ሎሚ ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝስምዖ ግበሪ። እዚ ዝገብር ሰብ ጭዋ ወይ ከምቲ ዴል ዝበላ “hallmark of good breeding” ከም ዘለካ የርኢ። ነዛ ኣገዳሲ ካልእ ዝሓሸ ትርጉም ክህልዋ ኣለዎ ተክአ ተስፋይ ክቡር፡ ዓቢዪ ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ስለዚ ክቡር፡ ዓቢ፡ ኣገዳሲ፡ ቁምነገር ዘለዎ ሰብ ከም ዝኾነ ከም ዝስምዖ ክትገብሮ ኣለካ። ስለምንታይ፧ ከምዚ ምስ እትገብር ንእትረኽቦ ረብሓታት ብኣዝዮም ደስ ዘብሉ ኣብነታት ኣስንዩ ጽሒፉልና ኣሎ። ሓንቲ ን ዛራቱስትራ፡ ቡድሃ፡ ላኦ ዙ፡ ኮንፊሸስ፡ ሂንዲዩዝም እትጥርንፍ የሱስ ዝበላ “ወርቃዊት ሕጊ” ኣላ። “ከምቲ ሰባት ክገርብሩልኩም እትደልይዎ ከምኡ ግበሩሎም”ትብል’ያ። እዛ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረት ዓለም ለኻዊት ምኽሪ መእሰሪት ንኩሉ ምስ ሰባት ዘለካ ርክባት ክትከውን ትኽእል። ናይዚ ኩሉ ፍልስፍናታት ጹማቕ ኣብ ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ክጥርንፋ ከሎ ዴል “Always make the other person feel important” ስለምንታይ ‘ተበልካ ኢሉ ንስኻ ከምኡ ስለ ትደሊ። ኣብዚ ብፍልስፍናዊ ዓይኒ ከም ሲዶና ብዙሕ ዕቃበታት’ኳ ‘ተለኒ ግን ኣገዳስነት ‘ዛ ሕጊ ምስ ድሌታት ኢጎ ብምንጽጻር ክኽሕዳ ኣይደልን።
ንሰብ ጽቡቕ ከም ዝስምዖ ጌርካ ወላ ቀጥታዊ ጥቅሚ ኣይትርከበሉ ብቃላትካ ጌርካ ከተሐጉሶ ከለኻ ምርኣይ ምናልባት ዝህበካ ደስ ዘብል ስምዒት እኹል ክኸውን ይኽእል። እዚ ግን ካብ ልባዊ ዘይኮነ “ፍላተሪ” ምስ ዝኸውን ክስልበጠካ ይኽእል። ቁሩብ ክፈላሰፍ፡ ስለምንታይ ንሰብ ኣሓጉስካ ደስ ዝብለካ፧ ከምዚ ባምቡላ ትገዝኣሉ ንእሽቶ ቆልዓ ብሓጐስ ዝፍንጫሕ፡ በባህላ ዴልን ኩሎም ፕሮፈሰራትን ፈላስፋታትን ኩሉ ሰብ attention’ዩ ዝደሊ።(ትርጉም attention ብተኪአ ተስፋይ ቆላሕታ፡ ኣቃልቦ፡ ሓልዮት፡ ክንክን፡ ሃሚ፡ ሰሃሮ፡ ኣስተብህሎ፡ ቀልቢ፡ ጥንቃቀን) ሃመይን ቀልበይን ይበሃል እንድዩ ግን ብመልሓስ ደረፍቲን ፈሽኳላት ገጠምትን ኣመሰሉታት ጸሓፍትን ክትሰምዓ ከለኻ ሲዶና ኣይትኣምኖንም’ያ። ካብ ንደርፊ ንምውጫጭ ዝጥዕም ድምጺ ጌራ ሃመይ ንስኻ ኢኻ ኢላ ትደርፍ ደራፊት እንተ ሰሚዕካ ነታ ቃልን ኣብ ትሰምዓሉ ነታ ደራፊት እናዘከርካ ሞት ኣዝያ ጽብቕቲ ቃል ተረዲእኻ ንትግርኛ ትነብዓሉ ሃም ትብል ቃል ክትጥቀመላ ኣብ ትፍትነሉ ነብስኻ ኣይገብረልካን፡ ዓሻ ዝተኸሎ’ኳ ዝተባህለ። ወይ ጉድ! ከምቲ ቆልዓ ባምቡላ ዘድልዮ ዓበይቲ ከኣ ባምቡላ-ሃም የድልዮም በጺሕና ኔርና። ነዛ ሃም ምስ ሃብካዮም ዝስምዖም ደስታ ካብ ገጾም ኣንቢብካ ንስኻ ከማን ትሕጐስ ኩሉ ባህ ይብሎ ማለት’ዩ። ጭዋ ዝበሃል ሰብ ነቶም ትሕቲኡ ዘለው ከመይ ጌሩ ከም ዝሕዞም ሪእኻ ክፍለጥ ይኽእል ይበሃል። ወላ ውን ባምቡላ-ሃም እናዓደለ የሐጉስካ እቲ ዘገደስ ባምቡላ ረኺብካ’ዶ ኣይረኸብካን’ዩ መስለኒ።
ክንኣስሮ ኢጎ ኣብ “ካልኦት” ዝምርኮስ ኢንቲቲ ‘ዩ ዝበሃል። ስለዚ ካብ ካልኦት ሰባት ኣፍልጦ ዝህበካ፡ ኣገዳስነትካ ዝቅበል፡ ንዘለካ ጽቡቕ ነገራት ዘድንቅ ሰብ ምስ ትረክብ ካብ ምፍታዉ ዓዲ ኣይትውዕልን ኢኻ ዝብለና ዘሎ ዴል። እዚ ኹሉ ጸደፍደፍ ውን ኣገዳሲ ሰብ ምዃንካ ንምርግጋጽ ወይ ጭብጢ ናይ “ኣገዳስነትካ” ምድርዳር ክኸውን ይኽእል። ሲዶና ኣሽሓት ገጽ ጽሒፋ እንታይ ኮን’ያ ክትብል፧ ኣገዳሲት ሰብ’የ! ጥቕሚ ዘለኒ ሰብ’የ! ኣፍልጦ ሃቡኒ! ምስ ግዜ ኩሉ ኣፍልጦ ዝሃበካ ሰብ ኣፍልጦ ትህቦ። ንዝፈተወካ ትፈትዎ። ንብዛዕባኻ ዝግደስ ትፈትዎ። ንዘድንቀካ (ሓቀኛ ጥራይ ይኹን) ትፈትዎ። ክርእየካ ከሎ ባህ ከም ዝብሎ ፍሽኽ ዝብለካ ሰብ ትፈትዎ። ንብዛዕባ ዘገድሰካ ነገራት ዝዛረብ ሰብ ትፈትዎ። ደዊሉ ብዛዕባኻ ዝግደስ ሰብ ትፈትዎ።
ፎእ! ግዙእ ናይ ኢጎ ምዃን ሕጂ ከምልሰኒ ክሳብ ዝደሊ ዕግርግር የብለኒ ኣሎ! ኩላህና’ሞ ረኣዩና! ከም ዝጠመየ ዝብኢ ጐድፍ ጐድፍ ሃም ደሊና ጸደፍደፍ ንብል ኣለና። ኖእ ኣነ ናይ ካልኦት ሃም ኣየገድሰንን’ዩ ዝብል ከኣ ብስልጣን፡ ብሃብቲ፡ ብትምህርቲ ጌሩ ጌና ኣገዳሲን ዓብን ሰብ ምዃኑ ከረጋግጸልና ይፈትን! “ገለ ነገር ክገብር ኣለኒ!” ይብለካ። ስለምንታይ፧ ኣገዳሲ ስለ ዝንኩ፡ ጥቕሚ ዘለዎ ሰብ ስለ ዝኾንኩ፡ ህይወተይ ትርጉም ክትህልዋ! ናይ ብሓቂ’ዶ ይኸውን፧ “ካብ ማእስርቲ ኢጎ ነጻ ዝኾነ ሰብ ብጹእ’ዩ!” ካብዚ መፈንፈን ካብ ዓለም በቃኝ ዝኸፍእ ቤት ማእስርቲ ዝወጸ፡ ነብሰ ክብሩ ኣብ ካልኦት ዘይምርኮስ ሰብ፡ ካብ ብዓጸቦ ናይ “ረኣዩንን፡ ኣብዚ ከም ዘለኹ ፍለጡንን” ዝተናገፈ ሰብ ናይ ብሓቂ ብጹእ እዩ። ካብቲ ክፍቶ ኢሉ መዓኮር ዝልሕስ፡ ወላ ናይ ኣምላኽ መዓኮር ዝልሕስ ምኽንያቱ ትልሕስ ዘለኻ ብኣምላኽ ተፈቲኻ ናብ መንግስተ ሰማይ ክትኣቱ ደሊኻ ኣይኮንካን ዲኻ፧ ኣምላኽ ኣብ እዋን ጸበባኻ ከናግፈካ ደሊኻ ኣይኮንካ ዲኻ፧ በረኸት ኣምላኽ ደሊኻ ኣይኮንካን ዲኻ፧ ስለዚ ጥቕሚ ደሊኻ ትገብሮ ኩሉ ወላ ምልሓስ መዓኮር ተዋስኦ’ዩ። ንኣምላኽ ምርካብካ ክኣኽለካ ምተገብአ እንተ ንስኻ ግን ….. ኣብ ሓጢኣት ከይተእትወኒ ክገድፎ’የ። ሰብ ግን ኣምላኽ ኣይኮነን ስለዚ ክለሓስ ዝደሊ ይልሕስ፡ ክለሓስ ባህ ዘይብሎ ሰብ ስለ ዘየለ ድማ ጻማ ናይ ልሕሶኻ ክህበካ’ዩ። ንስኻ መልሓስካ ትጥቀመሉ ንሱ መቀመጫኡ ይጥቀመሉ ኣብ መወዳእታ ክልቴኻ ባህ ኢሉካ ትፈላለ። እቲ ጸገም ካብቶም ክልሕሱ ዝደልዩ እቶም ክለሓሱ ዝደልዩ ስለ ዝበዝሑ ኣብ ክንዲ ቀምሽካ ምውጻእ መልሓስካ ምውጻእ የዋጽእ። ኩሉ ከም ለማኒ “ሃም” ደልዩ ጭንን ኣብ ዝብለላ ዓለም ሃም ክትተኩብ እንተጀሚርካ ኣብ ሓጺር እዋን ሰባት ክፈትውኻ ይጅምሩ። ሲዶና ሃየ በሊ’ሞ ዝተመሃርክዮ ኣብ ምትግባር (ኣብ ምልሓስ) ኣይትሕመቂ። ቻው

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...