Thursday, September 28, 2017

ጸሓፊት



ነሓሰ 25 2017
ጸሓፊ ምዃን ሓሳብ ምውላድ ማለት’ዶ ይኸውን፧ ፌስቡክ ካብ ዘይኣቱ ኣርባዕተ መዓልቲ ቀሪበ ኣለኹ መስለኒ። ጥቕሚ ተኸታተልቲ ናይ ጽሑፋትካ ምህላው ብቀጻሊ ክትጽሕፍ ዝድርሕ ዓቢ ረቋሒ ምዃኑ በሪሁለይ ኣሎ። ወላ’ቶም ካብ ነቀፌታ ጸርፊ ክትብሎ ዝሓይሽ ርእይቶታት ዝጽሕፉ ጸሓፍቲ። እንታይ’ሞ ይገበር፧ ንዕስራን ሓደን መዓልታት ዝጸንሕ እገዳ ኣለኒ። መን ኣጊዱኪ፧ ባዕለይ ንባዕለይ። ከመይ ኣቢልኪ፧ ዲሲፕሊን ስለ ዝወሓደኒ። ነዚ ሕጊ ከፍርሶ ይኽእል’የ ግን ኣብ ርእሰይ ዘለኒ ክብሪ ከይትንክፍ ዝያዳ ስለ ዘገደሰኒ ኣየፍርሶን’የ። እዚ’ዶ ይኸውን ምስጢር ዲሲፕሊን፧ ስለምንታይ ገለ ሰብ ሰጥ ኢሉ ክሰርሕ ከሎ ገለ ድማ ሓላፍ ዘላፍ ዝኸውን፧

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...