Thursday, September 28, 2017

ሃዋርያት ሃይማኖትን ጸወታ ብኣምላኽን ክሳብ መዓስ



ቅድሚ ገለ መዓልታት ጸረ ምዝራብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ኣብዛ ጉጅለ ርእይቶ ኣፍሲሰ ነይረ። ንፖለቲካ ዝምልከት መልሲ ስለ ዝሃብክሉ ብእኡ ክዛዝሞ እንተ ናይ ሃይማኖት ነገር ግን ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ዘለዎም ብዙሓት “ገልዳማት-ሃይማኖት” ስለዘለው ብሓደ ወገን፡ ተዓሚትኪ እተውዮ ዝብሉ “ዕውራት-እምነት” ድማ በቲ ካልእ ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፡ ንክልቲኦም ዘነጻጸረ ስነ-መጐታዊ ርእይቶ ከቕርብ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምዕባለ እምነታት ወይ ፍልቐት ሃይማኖት ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ደረጃታት ክመቅሎ። ክርስትና፡ እስልምና፡ ገንዘብ፡ ጨጐራ፡ ክፉት-ርእሲ። ንዘረባ ክጥዕመልና ኣብዚ መሳልል ፍልቐት እምነታት ብክርስትና ጀሚርና ክሳብ ክፉት-ርእሲ ብተራ ክንዛረበሉ።
1.   ቀዳማይ፡ ውሑዳት ሰባት ገዲፍካ ኩላቶም “ክርስትያን” ኢና በሃልቲ ብኣፎም “ኣምላኽ! ኣምላኽ!” ይብሉ ልቦም ግን ምስ ጥቕሚ ስጋኦም ዝተቋረነት’ያ። ልቢ ወድሰብ ካብ ኣምላኽ ክትርሕቅ ከላ መልሓሱ ስም ኣምላኽ ክትጽውዕ ትቅልጥፍ። እዚ ከም ፖለቲካ ዓው ኢልካ ክትዛረበሉ ኣይፍቀድን፡ ዝኾነ ኣንጻር ክስርትና ምስ ትዛረብ ከም ኣርዮስ’ዮም ዝውጉዙኻ። ዝወረዶ ኣርዮስ! እዚ መውጽኢ ኣፍ ንዝኾነ ተቃውሞ ዝኾነ “በሊሕ” ካህን ክርስትያን ኣብ ግብጺ ከተማ ኣሌክሳንድርያ ይነብር ከም ዝነበረ ታሪኽ ይሕብር። ከም ኣባላት ‘ዛ ጉጅለ ክትዕ ዝፈቱ ወይ “ሓቂ ትውጻእ” ዝብል ሰብ’ዩ ኔሩ ክኸውን ኣለዎ’ ክሳብ ምውጋዝ ዝበጽሐ ካብ ኮነ ደኣ( LOL)። ዘምጽኦ ሓሳብ ንመሰረት ክርስትና ክፍንቅል ዝኽእል ብምንባሩ ንመጐት ዘይቕበሉ ሰባት ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ክስርትና ኣብ 325 ከም ዝውገዝ ጌሮሞ። ኣርዮስ ክርስቶስ ፍጡር ብምዃኑ ክንዲ ኣቦ ኣምላኽ ማዕረ ስልጣን፡ ሓይሊ ወይ መለኮት የብሉን ዝብል መርገጺ ነበሮ። ምስኪናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ዮሃንስ ዘላ 14:28 እናጠቀሰ ስለ ዝተማጐቶም’ዮም ወጊዞሞ። ንምክትታሉ ክጥዕም ቃላት ክርስቶስ ከምታ ዘላታ ክጽሕፋ “ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቕሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም”። እንታይ ክንብሎም ኢና’ሞ! ኣቦይ ካባይ ይዓቢ ብርኡይ እናበለ ኖእ! ማዕረ’ዮም ኣብን ወድን ይብሉና ኣለው። እዚ ዕብዳን ከይኣኽሎም ድማ ኣቦ ‘ቲ ኣምላኽ ምስ ማርያም ጾታዊ ርክብ ክፍጽም “ጽዩፍ” ስለ ዝኾነ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ከጥንሳን ወዲ ከውልዳን ይሓይሽ ኢሎም ሓሰቡን ሰበኹን። ባዕሉ ክርስቶስ ኣነ ትሕቲ ኣብ’የ እናበለ ንቃላቱ ዓምጺጾም “ኖእ! ትሕትና ክምህረና ስለ ዝደለየ”’ዩ ‘ምበር ማዕረ ኣቦ ባዕሉ ኣምላኽ’ዩ ይብሉና ኣለው። ኣሕዋትን ኣሓትን ክርስቶስ ደቂ ማርያም ደቂ ዮሴፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ባዕሉ ኮፍ ኣቢዎም ከሎ፡ ኖእ! ማርያም ድንግል’ያ ወላ ንክርስቶስ ምስ ወለደት ውን ድንግል’ያ፡ እዞም ኣሕዋቱ ድማ ንደቂ መዛምርቱ ማለት’ዩ  ‘ምበር ማርያም ድሕሪ ክርስቶስ ኣይወለደትን ይብሉና ኣለው። እንታይ’ሞ! ንክርስትና ኣብዚ ስለ ዝጸረፍኩ ሓቂ ምሳይ ክትህሉ ኣይትኽእልን። ሃይማኖት ንዛረብ ስለ ዝበሉ’የ ምበር ንሓደ እምነት ወይ ሃይማኖት ምጽራፍ ወይ ምቁንጻብ ምልክት ዘይበሰለ ኣእምሮ’ዩ ስለዚ ንዕሽነተይ ተዓገሱዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ዝጸሓፍዎ እንተኾይኑ ንከም ሲዶና (ቀደም ጐርዞ ከለኹ) ክትዕ ዊንዊን ዝብሎ ሰብ ብዙሕ ቀዳዳት ገዲፎምሉ ኣለው። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እልቢ ዘይብሉ ጽቡቕ ማዕዳን ትምህርትን ከም ዘሎ ግን ክኽሕድ ኣየድልን። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “ጽምኢ ክትዕ ዘለዎ ሕሙም ሰብ” ከንብቦ ከሎ ግን ምድሓን ብክርስቶስን ጥበብ ኣምላኽን ዕሽነት ኮይኑ ክስምዖ ይኽእል። ኣካይዳኹም ከክውዒ ብማንካ ከክዝሕል ብኢድካ ስለ ዝኾነ ቀዳማይ፡ ንሓድነት ኣምላኽ ስለ ዘይትቕበሉ ካልኣይ፡ ንቅድስቲ ስድራቤት “ኣምላኽ ኣቦ፡ ማርያም ኣደ፡ ሓወቦ መንፈስ ቅዱስ፡ ክርስቶስ ድማ ወዲ ” ኢልኩም ምህናጽኩም ሳልሳይ፡ እምበር ካልእ ትምህርትኹም’ሲ ዝወጾ የብሉን።
2.   ካልኣይ ምስልምና፡ ኣብ ሓድነት ኣምላኽ ምእማኑ ጽቡቅ። ስእልን ምስልን ዘይምግባሩ ድማ ካልኣይ ጽቡቑ። ዘይሞቱ መንፈሳውያን ግጥምታት ዓጣር፡ ጀላለዲን ሩሚ፡ ዖማር ኸያምን ሓኪም ሳናይን ዘፍረየ በቲ ሓደ ወገን ፡ ኣነ ዝበለ ትምህርቲ መንፈሳውነት (mysticism) ንሱፊዝም ማለት’ዩ ዝሃበና በቲ ካልእ ድማ ዝበለጸ ጸጋኡ’ዩ። እንተ’ቲ ሕመቁ ግን ከምቲ ሓደ ቀሺ ዝበሎ “ክዱን በኣፈ ስላሴ” ጥራይ ኢለ ክሓልፎ። ብሰነመጐታዊ ኣገባብ ክረአ ቅዱስ ቁርኣን (ኣልቁርኣኑል ከሪም’ዮም ዝብልዎ)ንክትዕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወሓደ ቀዳዳት ኣለዎ። ስለዚ’የ ካልኣይ ደረጃ ሂበዮ ዘለኹ።
3.   ሳልሳይ መሳልል ዘሎ፡ ገንዘብ’ዩ። ገንዘብ ምስ ኣምላኽ ቀንዲ ተጻራሪ ምዃኑ ክርስቶስ ባዕሉ “ንክልተ ጐይቶት ክግዛእ ዝኽእል የለን” በለ። ነዚ ብስም “ማሞን” mammon ብዝብል ስም ዝፍለጥ ጣኦት ወይ ኣምላኽ-ሃብቲ ዘሎ ኣምልኾ ገንዘብ ብኣፍካ ዘይኮነ ብግብሪ እዩ ስለዚ ኣነ ንማሞን የምልኽ’የ ምባል ኣየድልየንካን’ዩ። ተኸተልቱ ካብ ተኸተልቲ ዝኾነት ሃይማኖት ይበዝሑ። ኣቕቕሽሽቲ ማሞን ካብ ኩሎም ሰበኽቲ ይበልጹ። ቤት ጸሎት ማሞን ካብ ዝኾነ ቤት ጸሎት ይኸብር። “ማሞን ክዛረብ ከሎ ኣምላኽ ከማን ተሰኪፉ የስቕጥ” ይብሉ ኣመንቱ። (ሓቆም ‘ያቶም መስለኒ) ንገንዘብ ከም ነዳዲ እናተጠቕመት እተንቀሳቀስ ዓለም ሒዝካ ብዘይ ገንዘብ ካልእ ሓቀኛ ሃይማኖት ክህሉ ኣይክእልን። ገንዘብ ህይወትካ ከመችኣልካ ስለ ዝኽእል፡ ካብ ጽልዋኡ ኵወጽእ ዝኽእል የለን። ኩሉ ብኣፉ ተኸታሊ ኣምላኽ እንድዩ፡ ኣብ ግብሪ ግን ደሓን ንፋለጥ ኢና። ካብ ሕልሚ መንግስተ-ሰማይ ፡ ናይ ድራር ዕለቱ ዝሓሰብ፡ ብዛዕባ ደቁን ኣታዊታቱን ዝጭነቕ፡ “ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ገደል ይእተዉ፡ ኣነ ገንዘብ’ዩ ዘድልየኒ” ዝብል ሰብ፡ “ኣገናዕ! እንቋዕ ካብ ቁርዲድ ሃይማኖት ተናገፍካ” እብሎ። ግን ፍልቐትካ ኣወዳእካን ምኽንያቱ ወላ እትሃርፎ ገንዘብ ርኸብ ሰላም ካብዛ ዓለም ክትረኽባ ስለ ዘይትኽእል። ኣብዚ ደረት ስልጣን ገንዘብን ኩሉ ‘ቲ “ከንቱነት ናይ ከንቱነታቱን” ብቀሊል ክትቀልዖ ትኽእል። ግን ካብቶም ክልተ ዝሓይሽ ግሉጽነት ኣለዎም።
4.   ራብዓይ ጨጐራ ዝበሃል ሃይማኖት’ዩ። እዚ ኣምላኺ ገንዘብ ኔሩ ክወላወል ዝጀመረ፡ “ጽባሕ ምስ ሞትኩ’ኳ ኩሉ ትርጉም የብሉን” እናበለ ሳሕቲ ክሓስብ ዝጀመረ ሰብ’ዩ። ቀንዲ ሕላገት ናይዞም ጉጅለ “ኣምላኽ የለን” ወይ ሞይቱ’ዩ ‘ዮም ዝብሉ። ትማል ትማል ኣብ ስሪኦም ዝሸኑ ሕዛላት ከምዛ ዘይነበሩ ሎሚ ጣቋ ተረኺቡለይ ያኢ “ሞት ኣምላኽ” ይእውጁ ኣለው። ሲዶና ሎም ዘመን ክረምቲ’ኮ ጉድ’የ ረኺበ ዘለኹ። ከምዛ ኣብ ቀብሪ ኣምላኽ ዝወዓሉ ኣፎም መሊኦም “ኪዲ፡ ኣምላኽ ደኣ ሞይቱ ‘ንድዩ” ይብሉኻ። ወይ ጉድ! ካበይ መጺኻ ተበልካዮ ካበይ ክብል’ዩ፧ ዓባይካ ህበይ ድየን ኔረን፧ ኢሂታ ኣኮኻ ጭራ ኔርዎ ድዩ፧ ኖእ! ላግጺ ኣይኮነን’ዚ። ዓሌትና “ ጨጓራት ኣህባይ” ኢና ኔርና ትብል ተለኻ ሲዶና “ሐራይ! ወዲ ብሄረ ህበይ” ጥራየ ክብለካ። ጽልም ኢልካ ገዚፍ ተኾንካ ከኣ “ዓሌት ጉሪላ” ኣለካ ማለት’ድዩ፧ ከምዚ በዓል ኣነ ከኣ ካብ ቺምፓንዚ ኢኺ ዲኻ ክትብለኒ፧ ኩላትኩም ካብ ኣባ ጨጐራ ኢና መጺና ትብሉ ጨጓራት “መርሓባ! እንቋዕ ብደሓን መጻኹም” እብለኩም። እቲ ዘሕዝን ‘ዞም ዓሌት ኣባ ጨጐራ ዘለዎም “ምሁራት” ኣብ ቤተ-መጽሓፍቲ ኣትዮም መጽሓፍ ስለ ዘንበቡ “ምስጢር ኣምላኽን ህይወትን በጺሕና’ዮ” ኢና ኢሎም ንርእሶም ከም ፈሪሳውያን “መማህራን” ኢሎም ሸይሞማ ኣለው። ካብዞም ዝረኣናዮም ሰለስተ ጉጅለታት እዞም ጉጅለ ጨጐራ “ፈሊጠ” ዝብል ርእሲ ስለ ዘለዎም እንትርፎ ክትዕ ካልእ ዘይፈልጡ መደንገጽ ፍጥረት’ዮም። ብዓይነይ ዘይረኣዅዎ፡ ብኣእምሮይ ዘይበጻሕኩዎ ኩሉ ነገር ህላውነት የብሉን ይብል ሓደ ጨጓር! ወይ ጉድ! ። እቲ መሰረት ስነ-ፍልጠት ዝኾነ ‘ምጥርጣር’ ናብኦም ገልቢጥካ እንተተዛረብካዮም ይሃድሙ። ናይ ኣምላኽ ዕውር ክትከውን ከም እትኽእል  ንእንተታት ቁሩብ ቦታ ክትገድፍ ኣይትኽእልን፧ ኖእ! ኣነ ጽቡቕ ጌረ እርኢ ኣለኹ፡ ብምባልካ ኣብ ዑረት ትነብር። ተዓሚትካ እቶ ኣይብለካን፡ ምኽንያቱ ከምዞም ዕውራት ኣሕዋትና ኢኻ ክትጸሪ፡ ኣባ ጨጐራ’የ ወላ በል ምዕቡል ኣባ-ጨጐራ ኩን።
5.   ሓሙሻይ ደረጃ ክፉት-ርእሲ ዘለዎ ቦታ’ዩ። ኣብዚ “ኣምላኽ ኣሎ’ዶ፧” ተበልካ፡ እንድዒ! “ኣምላኽ’ከ እንታይ ማለት’ዩ፧” ኢልና ንምልስ። “ክርስቶስ ጐይታ ሰራዊት ድዩ፧” እንድዒ ናይ ውግእ ጀነራል ምዃኑ ኣይንፈልጥን ግን ዝገበሮ ቅያታት ክትነግረና ትኽእል ኢኻ። “ኣላህ ንኣብ ጂሃድ ዝሞቱ ዓስቢ ክህቦም ድዩ፧” እንድዒ! እንታይ ፈሊጠ ኢልኩምኒ። “ሓትኒኺ ሳሬት’ያ ኔራ ዝበሃል ሓቂ ድዩ፧” እንድዒ ‘ታይ ፈሊጠ ኢልኩምኒ። ኣቲ ጓል! በሊ ስነ-ፍልጠት ክንሓተኪ ኢሉ ሓደ “ክልተ ተደመሮ ክልተ ኣርባዕተ ድዩ ኣይኮነን፧” ብዓዲ ዓሰርተ ክትድምሮ ከለኻ ኣርባዕተ’ዩ፡ ብዓዲ ክልተ ወይ ብካልእ ዓዲ ክድመር ከሎ ግን 2+2=4 ኣይኮነን እብሎ። “ማይ ኣብ 100 ዲ.ሰንቲግሬድ ይፈልሕ’ዶ ኣይፈልሕን፧” ይሓትኒ ጨጐራ ፡ ክሳብ ሕጂ ነሽሓት ዓመታት ኣብ 100 ዲ,ሰ. ስለ ዝፈልሐ ኣብ መጻኢ ከምኡ ኢሉ ክቅጽል ይኽእል’ዪ ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእልን። ኩሉ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተመርኮሰ “ፍልጠትና” ድግምጋም ናይ ትዕዝብትታ ‘ምበር ውጹእ ሓቂ’ስ ኣይኮነን። ብዝኾነ ኣብዚ ጉጅለ’ዚ ምስ ዘሎ ሰብ ክትካታዕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምስ ሓደ ንኩሉ ነገር ክፉት ዝኾነ ሰብ እንታይ ኢልካ ኢኻ’ሞ ክትማጐት፧ ከምዚ’ለ ምዝራበይ ከማን ዕሽነት’ዩ ምኽንያቱ ኩሉ ኢጎ ከምቲ ናቱ እምነት ዘለዎ ወዲ-ጉጅለ ኢዩ ዘናዲ። ወላ ናይ ፈላስፋታት ማሕበር ከም መጓሰ ኣባጊዕ ኣብቲ ማእከል ማሙቕ’ዩ። There is safety in number ድዮም ዝበልዎ ጸዓዱ፡ ከማኻ ዘጣቕዕ ሰብ ምርካብ ንኢጎኻ ምናልባት ውሕስነት ክኾኖ ይኽእል ይኸውን’ዩ። ኒቸ፡ ራሰል፡ ካንት፡ ጋንዲ፡ ወዘተ ኣንቢብካ ፍልስፍና ከም እትፈልጥ “ኢድካ ዊጥ ዊጥ” ምባል ባህ ‘ንድዩ ዝብለካ ግን ተሰተር! በዞም ክቡራት ኣህባይ ኣቦታትካ ክንልምነካ! ናትካ ፍልስፍና ተለካ ተዛረብ’ምበር  ከም ሕንጻይ ዘንበብካዮ ኣይትድገመልና! ካብ ኩሉ ነዞም ኣመንቲ ኣሕዋትና እምነቶም ኣኽብረሎም። ሸራፍ መራፍ መጐትካ ካብቲ ናቶም ዝበልጽ ስለ ዘይኮነ ልዕልና ኣይሰማዕካ። ማዕጾ ድሕነት ብድንቁርናኻ ኣይትዕጾ።
ናይ ሲዶና መገዲ ማለት እዚ ሓሙሻይ ደረጃ ተባሂሉ ዘሎ ጌጋ ስያመ እዩ ምኽንያቱ ኩላቶም ሰባት ደቂ ኣዳም ይኹኑ ደቂ ኣቦይ-ጨጐራ ማዕረ ምዃኖም ዝኣምን፡ ጽቡቕን ሕማቕን የለን ዝብል ኣካይዳ፡ ኣምላኽን ሰይጣንን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም’ዮም ዝብል መርገጺ’ዩ። ንድራማ ኩሉ ሰብ ክብሪ ምሃብ ዝብል መርገጺ’ዩ ። ከምቲ ንክርስቶስ ክሰቕልዎ ከለው “ኦ ኣቦ፡ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን’ዮም ‘ሞ ይቕረ በለሎ” ዝበሎ ኩሉ እምነት ወድሰብ ወላ ‘ዚ ናተይ ሃለውለው ካብ ዘይምፍላጥ ዝተበገሰ ከይከውን እጠራጠር። ኣብ ቁርኣን ራብዓይ ምዕራፍ ፍቕዲ 157 ብዛዕባ ስቕለት ክርስቶስ ከምዚ ይብል “…ማ ቀተሉሁ ወ ማ ሰለቡሁ ወላኪን ሹ’ቢሃ ለሁም….” ትርጉሙ (ንየሱስ ወዲ ማርያም) ኣይቀተለዎ ኣይሰቀለዎ ግን ከምኡ ከም ዝገበሩ ኮይኑ ተራእዮም ይብል። ኣምላኽ ከም መቅጻዕቲ ነቲ ዝከሓዶ ይሁዳ እዩ ከም ዝስቀል’ዩ  ጌሩዎ ይብል ቅዱስ ቁርኣን። ስለዚ ንክርስቶስ ዘይኮንኩም ንይሁዳ ኢኹም ተምልኹ ዘለኹም! ጠፋእኩም (ብዓይኒ ቅ/ቁርኣን)ካብ ካልኦት ጉጅለታት ዝፈልየና ናትና ንብላ ቁንጣሮ ፍልጠት ስለ ዘይብልና’ዩ፡ መካትዒ ዝኾነና ቅዱስ ጽሑፍ ወይ ናይ “ምሁራት” ጽሑፋት የብልናን፡ መምርሒ ህይወት ዝኾነና ኣምላኽ ወይ ፈላስፋ የብልናን፡ ንውለድ፡ ኣብ መንጐ ሓሸውየ ናይዞም ኣርባዕተ ጉጅለታት ከየእተና ንነብር፡ ንመውት ድማ።
ክንድምድሞ፡ 
ሀ) ቀዳማይ ጉጅለ ክርስቶስ ኣምላኽ ተሰቂሉ ድሕሪ ሳልስቲ ‘ተሲኡ ይብል
ለ) ወዲ ማርያም ኣይተሰቅለን ኣብ ክንዳኡ ይሁዳ እዩ ተሰቂሉ ይብለካ
ሐ) “መሓሩና! ተደልዩ ይሰቀል ተደልዩ ኣይሰቀል፡ ገንዘብና ጥራይ ሃቡና” ይብል ሳልሳይ ገጅለ
መ) ራብዓይ ጉጅለ ‘ዳ ጨጐራ ድማ ክርስቶስ ዝበሃል ሰብ ኣይነበረ ኣምላኽ ዝበሃል ውን የለን ይብሉ
ሐ) በዓል ክፉት-ርእሲ ድማ “እንድዒ!” ዩ መልሶም ንኩሉ ነገር
ኣኽባሪትኩም ሲዶና ዑመር

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...