Friday, September 29, 2017

“Getting In The Zone” ኣብ 21 ክፍለ ዘመን



ኣብ እወታዊ ስነ-ኣእምሮ Positive psychology ብዙሕ እዋን ንሰምዓ ቃል ኣብ flow ክንኣቱ’ሞ ኣብቲ ሒዝናዮ ዘለና ስራሓት ኣድማዕቲ ኮንና ክንወጽእ ትብል’ያ። እዚ ኣምር ናይ getting in the zone ንስፖርተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ሰብ ዝምልከት’ዩ ይበሃል። What the hell does it mean? and why you should care ገለ ክብል’የ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ።<>
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየድ መጽናዕቲ ኔሩ። Attention span ናይ ደቂ ሰብ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን እናንቆልቀለ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ዘመነ ቅድድም ከምቲ ቀደም ዝኾነ “ላህመም” ዝብል ነገር ትጸልእ። ኩሉ ነገር ስልጥ-ስልጥ ክብል ኣለዎ ዝብል ጭርሖ ሎሚ ናብ ቅቡል ቅዲ ህይወት ኣትዩ ኣሎ። ሓደ ጐድናዊ ሳዕቤን ናይዚ rush፡ ግዜ ወሲድካ ቀስ ምባል ተሪፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዜ ክትቁጥብ መታን ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ነገራት ምግባር multitasking ከም ፋሽን ተወሲዱ ይስርሓሉ። ንኣብነት ተለብዥን እናርኣኻ ትበልዕ። እንታይ ኮን ክሓልፈካ’ዩ ተመስገን ኢልካ ቀስ ኢልካ እንተበላዕካ፧ ዜና ከይሓልፈካ ትፈርሕ። ድሕሪ ዓለም ከይትኸውን ግድን ከተህልኾ ዘለካ ዓቀን ናይ ደርፊ፡ ፊልምታት፡ ሙሰልሰላት፡ ብሓጺሩ Daily dose of entertainment እንተላይ social media ኣሎ። እዚ ከም መርፍእ እንተዘይወሲድካዮ “ትሓምም”። ንሓደ ነገር ሒዝካ ሰዓታት ምስኡ ክትጸንሕ ዓቀብ ይኾነካ፡ ሓድሽ ነገር ክትልውጥ ትደሊ። እዚ ባህሊ ኣህላኽነት፡ ግዙእ ናይቲ ተህልኾ ጥራይ ኣይኮነን ዝገብረካ፡ እቲ ዝኸፍአ ጸገሙ ብዘይ movies ህይወት ዘሎ ኮይኑ ዘይስምዓካ ትኸውን። እዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻይደ መጽናዕቲ እንታይ ኢሉ መስለኩም፧ ኣብ Millenials (ካብ መጀመርያ 1980ታት ክሳብ 2000 ዝተወልዱ) Generation y ካልኣይ ስምና’ዩ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ካልእ ነገራት ካብ Generation x ንላዕሊ ብብዝሒ ይሓስቡ። እዚ ማለት ኣእምሮኦም ኣብ ሓደ ነገር ረጊኡ involve ክኸውን የጸግሞም ኣሎ ኢሎም ‘ቶም ተመራመርቲ። <>
Definition ናይ “ፍሎው” ብሓጺሩ ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ዝኾነ ይኹን ነገር ምሉእ ኣድህቦኻ ምሃብን፡ ካብ ዓለምን egoን ወጺኻ ግዜ ከመይ ኢሉ ሓሊፉ ክሳብ ዝጠፍኣካ ክትከውን ከለኻ ማለት’ዩ። ሓንቲ ካብ ሕግታት ናይ ሓጐስ ዝብሉዋ፡ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ፍሎው ዘእትወካ እንተረኺብካ ኩሉ ጠንጢንካ ንዕኡ ስራሕ’ዮ። ይኽደንካ ‘ምበር ሳእኒ ምውልዋል ናብ ዞን ዘእትወካ እንተኾይኑ ትውልውል። ብዙሕ እዋን ንስራሓት እዚ ጽቡቕ እዚ ሕማቅ ኢልና ስለ እንፈላልዮ፡ ኣብ ፍሎው ከይኣተና ንነብር። ከም ሓዊ ቃልቃል ዘብል ስምዒት ዘምጻልካ ስራሕ ምስ ዝኸውን ወላ ምስ ሳእኒ ይተሓሓዝ ክትሰርሖ ኣለካ። ድኹም እንተኾንካ ተጸይንካ ኣብ ሓደ ዱኳን ተቆጺረ ዝጸፈፈ ስራሕ ይሕሸኒ ክትብል ትኽእል ኢኻ። follow your bliss ዝብል ለበዋ ለባማት ንከንቱ መዓስ ኮይኑ፡ ዝኾነ passionate ዝኾንካሉ ነገር ወላ ገንዘብ ኣይሃልዎ እተዎ!<>
ጽባቀ ናይ ኣብ flow ምእታው ብቀሊል ኣብነት ክንርእዮ። ወላ ሳእኒ እናወልወልካ ንበል passionate ስለ ዝኾንካ ግን ዓይነታት ቀለም ወይ ቅዲ ኣሳእን ብብዝሒ ስለ ትርኢ ብዛዕብኦም ክትግደስ ትጅምር። ምሸት ካብታ ኣብ ኣንጐሎ ዘላ ስራሕካ ምስ ኣተኻ ብዛዕባ ቀለም ሳእኒ ተጽንዕ ወይ ውን ሓድሽ ዓይነት ሳእኒ ዲዛይን ክትገብር ትፍትን። ንሓደ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን ብድኽነት ቆርቢዕካ መጽናዕትኻ ትቅጽል። ትፈትዎ ግበር ንብል ዘለናውን ነዚ ናይ ጸላም እዋን ከስግረካ ዝኽእል ፍቅሪ ትሰርሖ ጥራይ’ዩ። ንግሆ ተሲእካ ናብ ስራሕካ እናጐየኻ ከም ትኸይድ እንተደኣ ዘይገብረካ ኮይኑ፡ ህይወትካ ንከብድኻ ጽቡቕ ክትበልዕ፡ ንሕቆኻ ጽቡቕ ክትክደን ኢልካ ብኸንቱ ተጥፍኣ ኣለኻ። ድሕሪ 15 ዓመታት labor of love ምባል ይሓይሽ፡ ሓድሽ ዲዛይን ናይ ሳእኒ ተውጽእ ወይ ነዊሕ ዝጸንሕ ኬሚካል ተምጽእ። ምስ ግዜ ብስምካ brand ኣውጺኻ ኣብ ከምኒ ኒውዮርክን ፓሪስን ድኳን ትኸፍት። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ነገር ንገንዘብ ወይ ንስም ኢልካ ን15 ወይ ልዕሊኡ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ ግን ክንደየናይ ከይትዕወት። ከማኻ ክህብትም፡ ስሙ ክገንን ዝደሊ ኣብ design school ዲግሪ ዘለዎ ሰብ’ኮ ኣሎ፡ ንዓኻ ካብኡ ዝፈልየካ ፍቅሪ ምውልዋል ሳእኒ’ዪ። እዚ ፍቅሪ ድማ’ዩ እዚ nerd ኣብ መጽሓፍቲ ዘይረኸቦ ነገር ከርእየካ ዝኽእል። ኣብ ቤት ትምህርቲ  ከመይ ጌርካ ከም መምህርካ ትሓስብ ስለ ትመሃር፡ ንዓይ ቤት ትምህርቲ ማለት ቅዳሕ መማህራን ዝባዝሓሉ ቦታ’ዩ። ስለዚ ስነ-ዲዛይን ሳእኒወላ ፕሮፈሰር ኩን ጽቡቕ ሳእኒ ዲዛይን ከይገብርካ ክትመውት ትኽእል ኢኻ። ክትመሃር፡ ክትሰርሕ ከለኻ ኣብ flow እንተዘይኣቲኻ፡ ሓደ ወልዋሊ ሳእኒ ንስኻ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ክሰርሕ ይኽእል። thinking outside the box ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ካልእ ትርጉም ከይህልዎ፧ ጽባቀ ናይዛ ሳንዱቅካ፡ social status ናይዛ ሳንዱቅካ፡ ብዝሒ ኣታዊ ናይዛ ሳንዱቅካ ዘሰክፈካ እንተኾይኑ ካብዛ ሳንዱቅ ኣይክትወጽእ ኢኻ። <>
ከይበዝሓኩም ክንኣስሮ፡ rebel ኩን ከምዞም ናይ 60ታት ሂፒስ ኩን ኣይኮነን እቲ መልእኽቲ። ሂፒስ እሱራት ናይቲ ኣንጻሩ ዝተላዕሉ ሕ/ሰብ ዮም ኔሮም። ከመይ ‘ተልካ free sex ወይ ቅድሚ መርዓ sex ሕማቅ’ዩ እንተደኣ ይብል ኣሎ ሕ/ሰብ ንሳቶም ድማ ሕ/ ሰብ እንታይ ከየምጽእ ኢሎም ኣንጻር free sex የዘውትሩ። ኣንጻር ናይቲ ዝተበሃልካዮ ምግባር “ነጻ” ዘይኮነ ዝገረካ “reactionary ባርያ” ‘ምበር። real rebels don’t need to check themselves if they are breaking prescribed roles. they don’t even care such rules exist. ስለዚ ድላይካ ግበር፡ ሳእኒ ወልውል ክበሃል ከሎ፡ ከምዚ ናይ ሆሊውድ ሂፒስ ኣይኮነን። ስለዚ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ትፈትዎ ነገር፡ ብዘይ ገንዘብ ምሉእ ህይወትካ ክትሰርሓሉ እትደሊ ነገር ርኸብ። ካልኣይ፡ ኪድ ግበሮ፡ ግዜኻ ኣብዚ ኣይተጥፍእ። ብዙሓት ካባና ዕድልና already ኣበላሺናዮ ስለ ዝኾንና we can’t start over ኢና ንብል። ኢጎና ሪስክ ክወስድ ስለ ዝፈርህ፡ በቲ ዘሎ ዝፈልጦ ክመላልሰ’ዩ ዝደሊ። ኣብ ፍሎው ምእታው 24/7 ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ እንታይ ትገብር ኣለኻ ኣስተውዕል’ሞ። ተንብብ ተለኻ ኣንብብ ጥራይ be here፡ ሕጂ ነዚ እናጽሓፍኩዎ፡ ኣብ keyboard ዘሎ ጣቅ ጣዕ ዝብል ድምጺ እሰምዕ ኣለኹ፡ ቀስ ብቀስ ኢሎም ቃላት ክመጹ ከለው እፍለጠኒ ኣሎ። ንስኻ ውን ዝኾነ ክትገብር ከለኽ ምሉእ ኣድህቦኻ ምሃብ ተላመድ። እናበላዕካ፡ እናተንቀሳቀስካ፡ ዝኾነ ነገር እናገበርካ ምሉእ ኣድህቦኻ ኣብቲ ዘለኻዮ ክትገሮ ፈትን። ወላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሃሉ፡ ቢ ዜር! ጸገም ደቂ ሰባት we can’t stay long on one thing ነጻ እንተዝወጽእ ትብል፧ ረኣየናን’ዶ ዞም ካብ እስርቤት ዝወጻና፧ ልዕሌኻ ሕጉሳት ኣይኮንናን። ንሕና ድማ ካልእ ነገር “ከምዚ እንተዝኾነለይ” ንብሎ ስለ ዘለና፡ ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ኢና ዘለና። ብሕጺሩ ኩላትና እሱራት ናይ ድሌታትና ኢና። ድሌት ኣይሃሉኻ ዘይኮነ ፡ ሓደ ድሌት ምስ ረኸብካ ናብ ካልእ ክትነጥር ስለ ዝኾንካ፡ ምርዋይ ናይ ድሌታት ከም ምስጢር ሓጐስካ ኣይትውሰዶ። ክሳብ ብህይወት ዘለኻ ድሌታት ከም ማዕበል ክመጹ’ዮም፡ ግደፎም ይምጽኡ። እንታይ ደኣ፧ ደድሕሪኦም ክትጐዩ ከለኻ እናተፈለጠካ ጉዩ፡ ገንዘብ ከተምጽእ እናኸድካ ይፈለጥካ። aware ኩን። ድላይካ ግበር። ወላ ሰብ እናቀተልካ aware ኩን፡ ዘለኻዮ ቦታ፡ ዘለካ ሓሳባት፡ ዝስመዓካ ዘሎ ስምዒታት ኣስተውዕለሉ። ኣብዛ ሕጂ ምናንባር ተላመድ። እዚ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡ ሽሕ’ኳ ቀሊል ይምሰል። እዚ ኣብ መእተዊ ዝረእናዮ መጽናዕቲ ን sex ከማን ናብ ጂምናስቲክ ይቅይሮ ኣሎ ተብ ተብ ዝመልኦ ናብራ ደቂ ሰብ። ስለዚ ኣብ ፍሎው ምእታው ቅድሚ መንደቅካ ምፍራሱ ንህይወት ክተስተማቅራ ክገብረካ ዝኽእል እንኮ መገዲ’ዩ ምኽንያቱ ትማልን ጽባሕን ንዓና ኣይተዓደላን። እታ እንኮ ዘላትና እዋን ሕጂ ስለ ዝኾነት።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...