Thursday, September 28, 2017

ካንት፡ ሃይማኖት ካብ መንጋጋ “ከሓድቲ” ዘድሓነ ፈላስፋ



ሓሙስ 17 ነሓሰ 2017
ዝኾነ ርእሲ ኣለኒ፡ ኣነ ፈላስፋ’የ፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ ብመጐት ከርኢ ይኽእል’የ ዝብል ኣባል እንተሎ ነዛ ልጥፎ ኣንቢቡ መልሲ ክጽሕፍ ብኽብሪ እዕድም። ሓቂ ንምዝራብ I really don’t care ኣምላኽ ኣሎ ወይ የለን፡ ምኽንያቱ ነዛ ሕቶ መልሲ ወላ እንተረኸብካላ ኣብ መወዳእታ “እንታይ’ሞ ነዓይ፧” እየ ክብለካ። ካብ ሃይማኖታዊ ወገንነት ነጻ’ኳ እንተኾንኩ ሎሚ ግን ከም ደጋፊት ኣምላኽ ኮይነ፡ ነዞም ኢዚሀራውያን ኣሕዋትና ሕፍረቶም ክቀልዖም ወሲነ ኣለኹ። ካብ ፍልስፍና ካንት ተበጊሰ ክዛረብ። ሃየ “ኣርእዩና ጭብጥኹም” ዝዓይነቱ ቅሉዕ ክትዕ እኸፍት ኣለኹ። ንቀጽል
እዚ ኣብ ስእሊ እትርእይዎ ዘለኹም ሰብኣይ ኢማንዌል ካንት ዝበሃል (1724-1804) ጀርመናዊ ፈላስፋ’ዩ። ድሕሪ ኢማንዌል ካንት ዝመጸ ኩሉ ፈላስፋ ሓድሽ ነገር ኣይተዛረበን’ዩ ዝበሃል። ቅድሚ ኣገዳስነት ካንት ኣብ ሃይማኖት ምርኣይና ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ክንድህስስ’ሞ ቀጺልና ከመይ ጌሩ መድሕን “ሃይማኖት” ከም ዝኾነ ክንርኢ። ድሕሪ ዘመነ ተሃድሶ ሰብ ክመራመር ደለየ’ሞ “ሓቀኛ ፍልጠት ባዕልና ዝተመኮርናሉ ድዩ ወይ በእምሮና እንበጽሖ፧” ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ Brexit ካብ EU ኣብቲ እዋንቲ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበሩ ፈላስፋታት ሓቀኛ ፍልጠት ብህዋሳትና እንረኽቦ ሓበሬታ’ዩ በሉ ፡ እዞም ጉጅለ ድማ ተመኩሮኣውያን Empiricists ተባህሉ። በንጻሩ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ፈላስፋታት ህዋሳትና ብዙሕ ክእመኑ ዝኽእሉ ምንጪ ፍልጠት ኣይኮኑን በሉ። ንኣብነት ሓደ ፈራህ ኣብ ጸልማት ንበይኑ እናተጓዕዘ ገመድ፡ ተመን ኮይኑ ይረኣዮ’ሞ ጽሕጻሕ ብጽሕጻሕ ይኸውን። ስለዚ ህዋሳትና ሓቀኛ ስእሊ “ዓለም” ስለ ዘይህቡና ኣብ ርትዒ ክንምርኮስ ኣለና በሉ፡ በዚ ድማ ርትዓውያን ወይ Rationalists ተባህሉ። ካንት ካብ መኖም’ዩ ነይሩ፧ ካንት ከምዚ ንክልተ ገዛ-ገዛ እናተጻወቱ ዝበኣሱ ቆልዑ ዝዓርቅ ሰብኣይ ይመስል። ንርትዓውነት ምስ ተመኩሮኣውነት ዓረቆም። ስለዚ ሓቀኛ ፍልጠት ብርትዒ ኣእምሮኻ ድዩ ወይስ ብህዋሳትካ ዝመጸ፧ ንሕቶና ከነቅልሎ ንኣምላኽ ምስ ረኣኻዮ ዲኻ ትኣምን ወይስ ከይረኣኻ ብርትዒ ጥራይ ትኣምን ኢኻ፧
ንጹር መታን ክኸውን ካንት እንታይ መልሲ ከም ዝሃበሉ ቅድም ክዛረብ። ህዋሳትና ወላ’ኳ ብዙሕ ነገራት ኣብ ከባቢና ዘሎ ሓበሬታ ከስንቁና ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ንሳቶም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ግን ዶብ ኣለዎ። እዚ ማለት ህላወ ሓደ ነገር ኣብ ክልተ ነገራት ይምርኮስ። ቀዳማይ እቲ ነገር ኣሎ ድዩ ወይ የለን፧ ካልኣይ ድማ ህዋሳትካ ክግንዘብዎ ይኽእሉ ድዮም ወይስ ካብ “ክእለቶም” ወጻኢ’ዩ፧ ቅድሚ ካንት ዝነበረ ኣተሓሳስባ “ዝኾነ ነገር ይሃሉ ጥራይ እምበር ክንበጽሖ ኢና” ዝብል’ዩ ነይሩ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ‘ተሎ ሮኬት ጌርና ናብ መንግስተ ሰማይ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና ዝዓይነቱ ማለት’ዩ። ኣዋህልሉ ሕጂ! ካንት ዝብል ዘሎ ዝኾነ ነገር ምህላው ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ንዕኡ “ክትምኮሮ” ዝገብር “መሳርሒ” እንተደኣ ዘይተገጢሙልካ ክትምኮሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ባክተርያ ብዓይንኻ ክርአ ኣይክእልን’ዩ፡ እዚ ማለት ግን ባክተርያ የለን ማለት ኣይኮነን። ባክተርያ ከርኢ ዝኽእል መሳርሒ ስለ ዘይብልካ ጥራይ ንህላወ ባክተርያ ኣብ ምልክት ሕቶ ከተእትዎ ቅኑዕ ኣይኮነን። ካንት እምበኣር ክንፈልጦ እንኽእል ዝኾነ ነገር ካብ ማሕዩር ናይ ህዋሳትና ኣይወጽእን’ዩ በለ። ኣባሃህላ ካንት፡ ብሰንኪ ዑረት ኣዒንትኻ ንኣምላኽ ክትርእዮ እንተዘይክኢልካ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣዒንትኻ’ዩ ዘየለ ኢልና ክንትርጉሞ ንኽእል። እዚኣ ቀዳመይቲ ነጥቢ’ያ።
ካልኣይቲ ነጥቢ፡ እዚ ንዓና “ክውንነት” እንብሎ ዘለና ብመንፊት ናይ ህዋሳትና፡ ኣተሓሳስባና፡ ከባቢና ወዘተ ዝሓለፈ ተምሳል ወይ representation እዩ ‘ምበር፡ “ክውንነት” ከም ዘለዋ ኣይኮነንት። ልክዕ ከም ስእዚ ናይ ፎቶግራፍ ማለት’ዩ፡ ሓቀኛ ነገር ዘይኮነ ተምሳል ናይ ሓደ ነገር’ዩ ዘርኢ። ስለዚ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ስእሊ ናይ ዓለም በዞም ህዋሳትና ኣቢሉ ዝሓለፈ ጥምሮ ናይ ሓበሬታታት’ዩ እምበር እቶም ነገራት ባዕላቶም ኣይኮኑን። ኣዒንቲ ንዘይብሉ ሰብ ሕብሪ ዝበሃል ነገር የለን፡ ንጸማም ድምጺ ዝበሃል ነገር የለን፡ ሓንጐል ዘይብሉ ሰብ ሓሳባት ዝበሃሉ የለውን። ንካንት ብትግርኛ ክትርጉም ክብል ከየፍርሶ ነዘን ዝርኣናየን ሓሳባት እትጸሙቅ ሕጡበ ጽሑፍ ከምታ ዘለዋ ክጽሕፋ፡
“On one side we have the world of things as they appear to us- what Kant calls the world of phenomena. This is the world of possible knowledge for us. But all the forms this knowledge takes are subject-dependent. On the other hand side there is the world of things as they are in themselves, what Kant calls the noumenal world. It has nothing to do with the particular ways in which we register things. But to this realm, for that very reason, we have no means of access. Everything about this noumenal world is what Kant calls “transcendental”, by which he means that it exists but cannot be registered in experience.
ኩሉ ነብሰ ግሉጽ ስለ ዝኾነ ክዛረበሉ ኣይደልን እንትርፎ እዛ ካንት “we have no means of access” ትብል ነጥቢ። ካንት ህላወ ኣምላኽ ከም noumenon ማለት ከም the thing-in-itself ከም ዘሎ ብመጐታዊ ኣገባብ ኣርኢኻና ኣለኻ፡ ወላኳ ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ የለን እንተበልካ። ካብዚ ክንቅጽላ፡ እዞም ኢዚሀራውያን ኣሕዋትና ዝደልይዎ ዘለው ጭብጢ ንኣምላኽ ከም phenomenon ክርእይዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ግን ንሓደ ነገር ክትምኮሮሉ ንዕኡ ዝበቅዕ “መሳርሒ” ክግጠመልካ ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ህዋሳትካ ኮነ ኣእምሮኻ ዘሎ ገደብ limit ንሓደ ነገር ከይትምኮሮሉ ክዓግተካ ይኽእል’ዩ። Since we can rule out neither the limits of our experience nor our intellect ኣምላኽ ክህሉ ይኽእል እዩ ወላ ከም noumenon ይኹን። ንገጽ ኣምላኽ ክዕዘባ ዘይተዓደላ ኣዒንቲ እንተለዋኻ “ኖ! ኣምላኽ የለን” ክትብል ኣይትኽእልን። እቲ ሕቶ ዝመጽእ ኣብ noumenal existence ናይ ኣማላኽ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ክርኢ፡ ንዕኡ ከምልኽ፡ ንዕኡ ከገልግል፡ ንዕኡ ከመስግን ዝኽእል “መሳርሒ” ኣለካ’ዶ የብልካን’ዩ። ኣመንቲ ከም ዝብልዎ “እምነት” ኣብ ኣምላኽ ካብ ማሕዩር ናይ ኢጎኻን ናይ ህዋሳትካን ኣውጺኣ ህላውነት ኣምላኽ ከትርኢ እትኽእል ቴለስኮፕ’ያ።
ክኣስሮ፡ ህላወ ኣምላኽ ክኽሕድ ኣይክእልን ምኽንያቱ ገጽ ኣምላኽ ሰኣን’ዚ ተገጢሙለይ ዘሎ hardware ምርኣይ ክስእኖ ስለ ዝኽእል።


No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...