Thursday, September 28, 2017

ኦሾ



ሓሙስ 3 ነሓሰ 2017
ሓደ ሰብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምሕዝነት ብፌስቡክ ማለት (ምሕቡክ) ምስ ሓተተኒ ናይ ገጽታ profile ስእሉ ኦሾ ከም ዝነበረ ኣስተውዓልኩ። ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ ኦሾ (ብዙሕ ሕማቅ ውሑድ ድማ ጽቡቕ) ስለ ዝዛረብ፡ ምስዚ ሰብኣይ ዘለኒ ዝምድና ከምዞ ጴንጤ ኣሕዋትና ዝገብርዎ ምስክርነተይ ክህብ’የ። ነቶም መሰረታውያን ሕቶታት ከምኒ ኦሾ መን’ዩ፧ ኣበይ ተወሊዱ፧ መዓስ ሞይቱ፧ እንታይ ኢሉ፧ ወዘተ ንጐኒ ገዲፈ ብዛዕባ ካብኡ ዝተመሃርኵዏን ጌና ዝመሃሮ ዘለኹን ነገራት ክዛረብ።
ከም ኣፍልጦይ ኦሾ ወግዓዊ መጽሓፍ ኣይጸሓፈን፡ እተን ንሱ ጽሒፍወን ዝበሃላ ደብዳቤታት ናብ ፈተውቱ’የን። እዚ ምስ ክርስቶስ፡ ቡድሃ፡ መሓመድ፡ ሶቕራጠስ ዘመሳስሎ ነገር’ዩ። ዝኾነ ከይጸሓፍካ ምኻድ። ወላ’ኳ ኣይጽሓፍ ንሰዓብቱ ምምሃር ግን ዳርጋ መዓልታዊ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ክሳብ ካብዛ ዓለም ብሞት ኣብ 1989 ዝፈለ ኣየቋረጸን። ኦሾ ብ ኣሉታዊ ምውዕዋዕ negative publicity ብዙሕ ዝተዳህኩ ሰባት’ዩ ነይሩ፡ ንሱ ነዚ ከም “ጭብጢ” ልክዕ ምህላው ገይሩ ይወስዶ ነበረ። ሓንቲ ደስ ትብለኒ ኣበሃህላ ኣላ፡ ሓደ ሰብ ክሕንኩለካ እንተፈቲኑ፡ እዚ መረዳእታ ብቅድሚኡ ሓሊፍካ ከም ዘለኻ’ዩ ዘርኢ። ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ዩ ምኽንያቱ ንሱ ከም ዝበሎ ክፈራርሃካ፡ ክኣስረካ፡ ክቀትለካ ዝፈተነ ስርዓት ጸረ-ጥቅሙ ትኸይድ ስለ ዘለኻ’ዩ። ብኣሜሪካ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሉ ኦሾ መወዳእታ መዓልታቱ ጽቡቃት ኣይነበራን። እዚ ክሳብ ሕጂ ዝበልኵዎ ዝኾነ ጋዜጠኛ ክብሎ ዝኽእል፡ ጉግል ጌርካ ክትረኽቦ ትኽእልን’ዩ ስለዚ ብዛዕባ’ቲ ኣነ ዝፈልጦ ኦሾ ክዛረብ ምኽንያቱ ዘይትፈልጦ ምዝራብ ዕሽነት’ዩ።
ክልተ ዓይነታት ኦሾ ‘ዮም ዘለው ነዓይ። እቲ ቀዳማይ ብገዛእ ርእሱ ዝዛረብ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዝተቀበሎ ዝዛረብ። ከምቲ ክርስቶስ ካብ ኣብ ዝተቀበልኵዎ’የ ዝዛረብ ‘ምበር ካብ ርእሰይ ተዝዛረብ’ሲ ዘረባይ ቅኑዕ ኣይምኾነን ዝበሎ፡ ኦሾ ዝተቀበሎ ክዛረብ ከንብቦ ከለኹ ግርም’ዩ ነይሩ።
ሕጂ ግን ናይ ኦሾ ነገር ገዲፈ ስነፍልጠት ክጽሕፍ እበልጸኒ።
መሰረታውያን ንጣራት elementary particles ዝበሃሉ ናብ ዝደቀቀ ኣካል ክምቀሉ ዘይክእሉ (ክሳብ ሕጂ) ንኩሉ ግዛዕ ኣቊሞሞ ዘለው ነገራት’ዮም። ዝያዳ ልክዕነት ንምልባስ fundamental particles ኢልካ ምጽውዖም ይበልጽ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ዝበልናዮ ኩሉ ነገር እዛ ላፕቶፕ፡ ገረብ፡ ጸሓይ፡ ሲዶና ወዘተ ካብ ፈርሚዮን fermions እዮም ተሰሪሖም፡ ፈርሚዮናት ተደሚሮም ኣቶማት ይሰርሑ። ቦዞን boson ንፈርሚዮናት ከም ኮላ ኣጥቢቁ ዝሕዞም ሓይሊ force ኮይኑ ንንጣራት ርዝነት mass ከም ዝህቦም፡ ሂግስ ቦዞን ድማ god/God particle ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ሪእና። ሎሚ ንክልሰ-ሓሳብ ፍሕሶ string theory ምርዳእ ክጠቅመና መታን፡ ብዛዕባ መሰረታውያን ንጣራት ተወሳኺ ሓበሬታ ክህብ። ምንባብ ዝሰልቸወኩም ሰባት ምዕራፍ 5 A Brief History of Time ብ ስቲቨን ሆኪን ከተንብቡ ትኽእሉ።
ሓደ ፕሮቶን ምስ ካልእ ፕሮቶን ወይ ኤለክትሮን ብኣዝዩ ዓቢ ፍጥነት ምስ ተጋጭዎም ካብ ፕሮቶንን ኤለክትሮንን ዝንእሱ ንጣራት particles ተረኺቦም፡ ‘ዞም ንጣራት ኳርክስ ይበሃሉ። ሽዱሽተ ዓይነታት “flavors” ናይ ኳርክ ኣለው፡ up, down, strange, charmed, bottom, and top. ሓደ ፕሮቶን ወይ ኒውትሮን ብሰለስተ ኳርካት ይቀውም። ፕሮቶን ክልተ up ኳርክ ምስ ሓደ down ኳርክ፡ ኒውትሮን ድማ ክልተ down ኳርክ ምስ ሓደ up ኳርክ የጠቃልል። ንፈርሚዮናት ጽቡቕ ጌሩ ዝገልጾም ሕጊ ብ Wolfgang Pauli ኣብ Pauli’s Exclusion Principle ተዋሂቡ። ክልተ ኤለክትሮናት ሓደ ዓይነት ቦታን ሓደ ዓይነት ባህርን ኵውንኑ ኣይክእሉን ኢሉ። ዝኾነ ንጣር ነዛ ሕጊ ናይ ፓውሊ ዘኽብር fermion ይበሃል፡ ንኽብሪ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ኤንሪኮ ፌርሚ። ስለዚ ፕሮቶንን ኒውትሮንን ንዕኦም ኣቊሞሞ ዘለው ኳርካትን፡ ፈርሚዮናት እዮም።
ፎቶንስ ዝበሃሉ ዓይነት ንጣር particle ግን ናይ ፓውሊ ሕጊ ኣየኽብሩን’ዮም፡ ምኽንያቱ ክልተ ፎቶናት ሓደ ዓይነት ባህርያት ክህልዎም ስለ ዝኽእሉ። እዞም ንጣራት ብ Albert Einstein ከምኡ ውን Saytendra Bose ዘማዕበልዎም ምዕሪት equation ጌርና ባህርያቶም ፈሊጥናዮ። ንኽብሪ Bose ድማ ቦዞንስ ተባሂሎም። እዚ ንኩሎም ንጣራት ኣብ ፈርሚዮንን ቦዞንን ኢልካ ምምቅቃል ልክዕ ከምቲ ንቁጽርታት ኣብ ዝኑቅን ዘይዝኑቅን even and odd ኢልካ ምምቃሎም ይመስል። ድምር ዝኑቅ ቁጽሪ ምስ ዝኑቅ ቁጽሪ፡ ዝኑቅ’ዩ። ዝኑቅ ምስ ዘይዝኑቅ ዘይዝኑቅ። ብኣብነት ንርኣዮ፡
ናይ ሃይድሮጅን ኣቶም ክልተ ፈርሚዮናት ኣለዋ። ሓደ ኤለክትሮን ሓደ ፕሮቶን፡ ብድምር ግን ዝኑቅ ቁጽሪ ናይ ፈርሚዮናት ስለ ዘለዋ እታ ኣቶም ኩላ ክትሪኣ ከለኻ ቦዞን’ያ። ብ ናይ ፖውሊ ሕጊ-ውገዳ፡ እታ ናይ ሃድይድሮጅን ኤለክትሮን ምስ ካልእ ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ኤለክትሮናት ተመሳሳሊ ባህርያት ክህልዋ ኣይክእልን። ስለዚ ፈርሚዮን ትኸውን። እታ ሃይድሮጅን ኣቶም ባዕላ ግን ምስ ካልእ ሃይድሮጅን ኣቶም ተመሳሳሊ ባህርያት ስለ ዘለዋ (ሕጊ-ውገዳ ፓውሊ ስለ ተፍርስ ዘላ) ቦዞን ትኸውን። ትርጉም ናይዚ ኣምር ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ክትርእዮ ትኽእል። ኤለክትሮናት ፈርሚዮን (ሓደ ዓይነት ባህርያት የብሎምን)፡ ቦዞናት እንተዝኾኑ’ኸ እንታይ ፍልልይ መምጽአ፧ ኣብ ሓደ ኣቶም ዝርከቡ ኤለክትሮናት ሓደ ባህሪ እንተዝህልዎም ኣብ ምትሕልላፍ ኤለክትሪሲቲ ዝሰርሑ ኩሎም ነገራት ክሰርሑ ኣይምኸኣሉን፡ ምኽንያቱ ዋሕዚ ናይ ኤለክትሮናት ስለ ዘይህሉ።


No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...