Thursday, September 28, 2017

ብዛዕባ ሻቅሎት ስልቦ ወይ castration anxiety እንታይ ትፈልጡ፧ ምስ ኢዚሀራውነት ዘለዎ ርክብ’ከ፧



ቅድሚ ናብ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታወይ ብዛዕባ ‘ዛ ሓዳስ ትመስል ቃል- “ስልቦ” ገለ ክብል።“ልበይ ሰሊባቶ” ዝብል ሓረግ ሰሚዕና ንኸውን፡ ኣብዚ “ምስላብ” ምስራቅ፡ ምጉሕጓሕ፡ ወዘተ ከስምዕ ይኽእል። ኣብ ገድሊ ዝነበረ ጉራማይለ ትግርኛ ንስሉብ ካልእ ትርጉም ይህባ። ሰለበ እንታይ ማለት’ዩ፧ ቀዳማይ ትርጉማ ሰረቀ፡ ወሰደ ወዘተ ክኸውን ይኽእል። ሎሚ ግን በታ ካልኣይቲ ትርጉማ ክንከዳ። ተኪአ ተስፋይ ኣብዛ መዝገበ ቃላቱ፡ castrate ትብል ቃል ሰንገወ፡ መከተ፡ ኣሶረ፡ ሰለበ ኢሉ መግለጺ ሂቡላ ኣሎ። ንብዕራይ castrate ጌረዮ ክትብል “መኪተዮ” ኢኻ ትብል፡ ንሰብ ድማ “ሰሊበዮ”። ኣብ ብሉይ ኪዳን የሆዋ ንእስራኤላውያን “ኣብ ማሕበርኩም ስሉብ ኣይተእትው” ይብሎም፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ሓደ ካብ ሃዋርያት ንኢትዮጵያዊ ስሉብ ከም ዘጥመቆ ይዛረብ። ስሉብ፡ ብእንግሊዝኛ eunuch ዩኑክ ማለት’ዩ። ካብ ሰለበ ተበጊስካ ስልቦ፡ ስሉብ፡ ምስላብ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ክወጽእ ይኽእል።
ዘይትፈልጥዎ ሰባት ተለኹም እዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ ጀማሪ ዘመናዊ ትንተና-ኣእምሮ psychoanalysis ዝኾነ ሲግመንድ ፍሮይድ (1856-1939) እዩ። ሎሚ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ክልሰ-ሓሳባቱ ዝኾነት ሻቅሎት ስልቦ ክንርኢ። Castration anxiety; literal or metaphorical ኢልና ኣብ ክልተ ክንመቅሎ ንኽእል። ሎሚ በቲ ተምሳሌታዊ metaphorical ትርጉሙ ክንከዶ። ፍሮይድ ከም ዝብሎ እዚ ሻቅሎት ካብ “ኣነ ኣገዳሲ ኣይኮንኩን፡ ወይ ትርጉም ዘይብለይ ሰብ’የ” ዝብል ሓሳብ ይነቅል። ብመሰረቱ ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ውልቃዊ ህይወትካ ክትዕብለል ናይ ዘይምድላይ ኩነተ-ኣተሓሳስባ እዩ ይብል ፍሮይድ። ኣብ እዋን ቁልዕነት እዚ ዓይነት ፍርሂ ምስ ኣቦኻ ዘለካ ዝምድና ክሐርፍፎ ይኽእል። ነዚ ፍርሂ ዓቢጥካ ጽቡቅ ዝኾነ ዝምድና ምስ ኣቦኻ ክህልወካ ይኽእል፡ እቲ መውጽኢ ዝሰኣነ ሻቅሎትካ ድማ ሕነ ቅራናት ጌሩ ነቦኻ ገዲፍካ ንኣምላኽ ከም ትጸልኦ ይገብረካ። ኣምላኽ ከም ሰብኣይ ጌርካ ምግላጽ ልሙድ ስለ ዝኾነ ድማ ፡ ነዚ ሻቅሎት ስልቦ ናብ ሃይማኖት ትወስዶ።  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወላ ሓንቲ ዘይብልካ ምዃን’ካ ምስ ተሰቆረካ ፡ ኢጎኻ ተጠሊዑ ከእዊ ይጅመር። ብእንግሊዝኛ መግለጺኣ “Symbolic castration anxiety refers to the fear of being degraded, dominated or made insignificant, usually an irrational fear where the person will go to extreme lengths to save their pride and/or perceives trivial things as being degrading making their anxiety restrictive and sometimes damaging” ከምቲ ዮሃንስ ንክርስቶስ “ኣነስ ኣስእኑ ክጸውር ኣይበቅዕን” ዝበሎ ትሕትና’ስ ኣበይ ኮን’ዩ ጠፊኡ፧ ኣምላኽ ዝዓበየ ኣባታዊ ተራ ዝሓዘ ኣካል እንተኾይኑ፡ ኣንጻሩ ክትለዓል ምድላይ ነቲ ዘይርትዓዊ irrational ሻቅሎት ናይ ስልቦኻ ብጸርፊ ወይ ብምቁሻሽ ሃይማኖታት ከተተግብሮ ትኽእል። እዚ ንዓኻ ኣይርድኣካን’ዩ! ዝርድኣካ ‘ተዝነብር ካልኦት ሰባት ንኣምላኽ ከመስግኑ፡ ከምልኹ፡ ከጽልዩ ከለው ቅጭ ኣይምመጻካን። ከምኦም ኩን ኣይብለካን’የ፡ ግደፎ! ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ቁርኣን ዘሎ ኣምላኽ። ግደፎ እዚ መመኽኔታ “ኣመንቲ ካባይ ኣይሕሹን’ዮም”። ግደፎ ህላወ ኣምላኽ ከእምነካ ዝፍትን ዕሸላዊ “ጭብጥታት”! ኣነ ዝብል ዘለኹ ንዓኻ ዕሽነት መሲሉ ዝርኣየካ ትምህርቲ ንሓደ ኣብ ልቡ ክኣትዎ ከሎ ክትርኢ ከለኻ ስለምንታይ ከተባጩ ትቀዳደም፧ ወላ ኣይተባጩ ቅጭ ይመጻካ’ዶ፧ ብልብኻ ትንዕቆም’ዶ፧ ካብቲ ዘለውዎ “ዕሽነት” ከተውጽኦም ምደለኻ’ዶ፧ ድላዮም እንታይ ገደሰኒ ወላ ኣብ እምኒ ይእመኑ ኢልካ ንካልኦት ምኽባር ናይ ወራዙት እዩ። ጥርጣረ ወይ ፍርሂ ዘለዎ መሃይም ግን ላግጺ ኣብ ኣምላኽ ኣይሓድግን። ኣብዚ ነዚ ዓቢ ሰብኣይ ክሕለቀሉ ደልየ ዘይኮንኩ፡ ገለ ዘይዉርዙይ ጠባያት ከም ሕማቅ ኮሚደረ ናብ ካልኦት ከየስፋሕፍሕ እሞ ካሴታ ናይዛ ጉጅለ ‘ተን ዝተረፋኣ ዉሑዳት ጥዑያት ኮሚደረታት ማርሾ ከይልወጣ ኢለ’የ። “ኣምላኸይ ጥራይ’ዩ ልክዕ” ውን ካልእ ዓይነት ማርሾ ኮሚደረ’ዩ፡ ኣብ ቀጻሊ ክንዛረበሉ። ንቀጽል
እዚ ብመሓመድ፡ ብየሱስ፡ ብካልኦት ነብያት፡ ብኣምላኽ ምውርዛይ ከምዚ ፍሮይድ ዝበሎ ሻቅሎት ስልቦኻ ንምዕባጥ እንተኾይኑ፡ ኢዚሀራዊ ኣጆኻ! ዝኾነ ሰብ ፍረ-ነብስኻ ኣይትንክፈልካን’ዩ፡ ወላ ኣነ ኵወሓሰካ። ጸረ-ኣምላኽ ተርእዮ ዘለኻ ተቃውሞ ኣብ መወዳእታ እንታይ ክጠቅመካ’ዩ፧ ካብ ሞት ከድሕነካ፧ እዚ ዘለና ጭንቀት ብሰሓቅ ዝፍታሕ ‘ተዝኸውን ኣነ ምሳኻ ሓቢረ ንኣምላኽ ምተዋዘኹሉ ኔረ፡ ግን ህይወት ሃሃ! ወይ ክክክ! ኢልካ ትሕለፍ ጭርቃን ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ጽባሕ ኣብ መቃብር ፍልሖ ክበልዓካ ከሎ መንዮም ምሳኻ ኮይኖም ከሳሕቁኻ፧ ኣምላኽ የለን’ሲ ትብል ኣለኻ ጽባሕ ግን ንሱ ዘይኮነ ንስኻ ኣይክትህሉን ኢኻ። ኣምላኽ “ሓሳብ” እንተኾይና ዝሓስብ ኣእምሮ ክሳብ ዝሃለወ ኣይክትጠፍእን’ያ። Atheists are doing a greater favor to God than theists because denying His existence is even more enabling to Him than accepting it.
ኣብ ፈቡ (ሓብትና ወሓዚት ንፌስቡክ ፌቡ ንበላ ትብል ነበረት፡ ግርም ሓሳብ’ዩ) ኣብ ፌቡ ንኣምላኽ ዘለካ ጽልኢ ክትገልጽ ክርእየካ ከለኹ፡ ፍረ-ነብስኻ ከይቁረጻኻ ብኢድካ ሒዝካየን ትነብዕ ዘለኻ ንእሽቶ ቆልዓ መሲልካ ትረኣየኒ። ኣጆኻ ኣይትፍራህ ኣምላኽ ኣይጭክነልካን’ዩ። ወላ ኣምላኽ ዝበሃል ሓሳብ ገዲፍና ኣብ ምቅባል ወይ acceptance to what is ንዛረብ። ኩላትና ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተፈላለየ ህይወት ነሕልፍ ኣለና። ኩላትና ክሻ ምሉእ ጸገማት፡ ዘይተመልኡ ድሌታት፡ ናፍቆት ነፍቅሮም ሰባት፡ ኮታስ እንተዝጽብጸብ ነዊሕ ዝርዝር እንደልዮ’ሞ ዘይኮነልና ነገራት ኣሎ። ከተመሓይሾ ትኽእል ኩነታት እንተሎ ተቀቢልካ ኣብ ምምሕያሹ ክትጽዕር ኣለካ፡ ክትቅይሮ ዘይትኽእል እንተኾይኑ ድማ ኣሜን ኢልካ ትቅበሎ። ኖእ! ኣነ ክቅበሎ ኣይደልን’የ ኢልካ ክትግተር ትክእል ኢኻ! ንኣብነት ናይ ኩላትና ኣዴታት ክሞታ እየን፡ ደቅና ድማ ሓደ መዓልቲ ገዲፍናዮም ክንከይድ ኢና፡ ደቅና ጥራይ ዘይኮኑ ነፍቅሮም ሰባት፡ ሃብትና፡ ስምና፡ ነብስና ከይተረፈት ኩሉ ሓላፊ’ዩ። ኣዴኻ እንተ ሞይታ፡ ኣይቅበሎን’የ ! ኡይ! ኣይትሓዙኒ! ኢልካ ኣብ መሬት ከተንገርግር ትኽእል ኢኻ! እወ ግን ሞት ኣደ ብኣኻ ዝተጀመረ መዓስ’ሞ ኮይኑ፡ ድሕሪ ግዜ ምስኡ ምንባርካስ ኣይተርፍን። ንኣምላኽ  ምፍላጥ ማለት ንዘለኻዮ ኩነታት ምቅባል ማለት’ዩ ግደፎ ናይ መሓመድ ወይ ናይ ክርስቶስ ዶግማ፡ ንዓታቶም ዝሰርሓሎም መገዲ ኣምላኽ ኣብ 21 ክፍለዘመን ዘይክሰርሓልካ ይኽእል፡ ኣብዚ እቲ ዶግማ ኣይኮነን ዘገድስ፡ እቲ ዝዓበየ ትምህርቲ ሃይማኖት እግሪ ክርስቶስ ምስዓም ዘይኮነ ነዛ ሕጂ ዘላ ህሞት ምቅባላ’ዩ። ኩሉ ሽግር ሰብ ነዚ ዘሎ ካብ ዘይምቅባል ዝመጽእ’ዩ። ብጌጋ ከይተንብቦ፡ ዓይንኻ ተዓመት ማለት ዘይኮነ ቅድም ንኩሉ ሕማቅን ጽቡቅን ተቀበሎ። እቲ ኩነታት ተቀበሎ ኣይትቀበሎ ፡ እቲ “ዘሎ” ምህላው ኣይተርፍን፡ ኣብ ሓመድ ኣንገርጊርካ ኣብ መወዳእታኡስ ካብ ኵውንነት መዓስ ክትወጽእ ኮንካ። ከምዚ ሓደ ሓውና ዝበሎ “ኣብ ርእሰይ ጥረ ስለምንታይ ኣእቲኻለይ፧” ኢልካ ምስ ኣምላኽ ተታሪኽካ እታ ጥረኻ ትጠፍኣላ መዓስ ኮይና። ትሕትና ክትመሃር ክርስቶስ ኣብ መልሓስካ ጥረ ተዝገብረልካ፡ ባህ ምበለኒ። መንሽሮ ኣለካ ምስ ዝበሃል ኢጎ ኢዚሀራዊ “ጥረ ኣለኒ፧! ኣነ ዝኣክል ዓቢ ሰብ’ሲ መንሽሮ ክሓምም!”። እወ ክቡር ጃንሆይ ንስኻ ዘይሓመምካ ድኣ መን ክሓምም! ሰበይትኻ ገዲፋትካ ትኸይድ፡ ደቅኻ ምእዛዝ ይኣብዩኻ፡ ኣብ ስራሕ ምቅናዕ ይኣብየካ፡ ብድኽነት ትቆራባዕ፡ ሓጐስ ትስእን ወዘተ ወዘተ። ህይወት ከም ወዲ ንጉስ ኡፍ! ኡፍ! ክትብለካ ትደሊ ኣለኻ፧ ተስእ! ደቃሲ! “ኣየከውንን’ዩ’ዚ ግደፉኒ ከንገርግርየ!” ድሓን ከም ኣድጊ ነቶም ዘለውኻ ቁንጪ ኢጎ ኣብ ሓመድ ኣንገርጊርካ ኣውጻዮም’ሞ ድሕሪኡ ተሲእካ ህይወትካ ምራሕ።
እዚ ናይ ዳዕሽ ወዲ ዳዕሽ፡ ናይ “ወሃባውያን” ወይ ካልእ ናይ ደናቁር ኣተራጉማ ምስልምና ገዲፍና፡ ኢስላም ኣብ ልቡ ክርእዮ ከለና፡ ሓደ ሰብ ሰለመ ማለት ተቀበለ ማለት’ዩ። እንታይ ተቀበለ፧ ፍቃድ ኣምላኽ። ስለዚ ኩላትና ኣስላም ኢና። ከይትበልዑኒ! ንክርስቶስ ዝስቀለላ ሰዓት ምስ ቀረበት “ኦ ኣቦ እዛ ጽዋእ ካባይ ኣሕልፋ፡ ግን ፍቓድካ ‘ምበር ፍቓደይ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ። ስለዚ ኩላትና ውን ክርስትያን ኢና። እዛ ጽዋእ ተባሂላ ዘላ ህይወት ምስ ኩሉ ዘይርጉጽነታ እያ። ነዓይ ድላይካ እመን ኣይትእመን ኣየገድስን’ዩ። እዛ ፍቃድካ ይኹን ምባል እንተኽኢልካያ ወዲ መዝሙረይ መጓዕዝተይ ኢኻ። በዞም ገልዳማት “ኣመንቲ” ተሰናቢድካ ኣምላኽ  የለን ኣይትበል። እቲ ሕቶ ካብ ሰማይ ኣውርዶ’ሞ ኣብዛ ዘለኻ ህሞት ኣምላኽ እንታይ ክጠቅመካ’ዩ፧ ወላ ኣብ ጓንታናሞ ተኣሲርካ፡ ግብረ ሰዶሞኛታት ኣሜሪካውያን ሓለውትኻ ብጉጅለ ይዕምጹኻ ኣለው ንበል። ክጻወቱልካ ከለው ኣምላኽ እንታይ ክጠቅመካ’ዩ፧ ሃይማኖት “እዚ ፍቃዱ እዩ” ክትብል ዘኽእል ትብዓት እንተዘይሂቡካ ዕላምኡ ኣይሃረመን። ምዕማጽካ ኣይተረፈን፡ ከተጉረምርም ውን ትክእል ኢኻ፡ ንህሉው ኩነታትካ ዘይምቅባልካ ንቃንዛኻ መሊሱ የግድዶ። ተቆንዚኻ ከተእዊ ደስ ዝብሎም ወተሃደራት ድማ ብኣውያትካ መመሊሶም ክዕምጹኻ ትዕድሞም። ብተመሳሳሊ ኣብ ህይወት ሽግር ምስ ዝገጥመካ ዓዊ ኢልካ ናብ ኣምላኽ ከተጉረምርም ከለኻ፡ ካልእ ሽግር “ክዕምጸካ” ባዕልኻ ትዕድም። ኣምላኽ የለን ኢልካ ከተንገርግር ከለኻ፡ ነጥብታት “ዘይህላውነቱ” መመሊስካ ትረክብ።
እዚ ናይ ኢዚሀራውያን ኣሕዋትና “ኣምላኽ የለን” ኢልካ ቱታ ምባል እንበኣር ንነገራት ክትቅበሎም ካብ ዘይምድላይ፡ ኣሜን ኢልካ ድንን ክትብል ናይ ዘይምድላይ ሕማም ናይ ኢጎ ‘ዩ። ኣማኒ ጸግዒ ዝኾኖ ኣምላኽ ኣለዎ፡ ኣደኡ ‘ተሞተት ደሓን ኣብ መንግስተ ሰማይ ኣላ ወይ ፍቃድ ኣምላኽ’ዩ ክብል ይኽእል። ኣብ እዋን ሓዘኑ ክጸናናዕ ይኽእል፡ እንተ’ቲ ውጹእ ኣረሜን ግን ኣዲኡ ምስ ሞተት እንታይ ኮን ክብል’ዩ፧ ኢዚሀራውያን ካብዛ ዘለናያ ወጻኢ ካልእ ህይወት የለን ትብሉ ‘ተለኹም ሞት ኣዴታትኩም’ሲ ብምንታይ ክትገልጽዎ ኢኹም፧ ከምቲ ማርክስ ዝበሎ “ሃይማኖት ዕጸ opium ኣህዛብ” እንተኾይኑ፡ ምረት ህይወት ኣብ ዝባንካ ክዓልብ ከሎ መን’ዩ ቃንዛኻ ከህድኣልካ፧ ኢጎ ቃንዛ ስለ ዝፈቱ መሊሱ’ዩ ቁስልኻ ክጐዳኣካ። ትፈትውዎ ሰባት ምስ ዝሞቱ፡ ጽባሕ እርጋን መጽያ ጐርበብ ጐርበብ ምስ በልኩም፡ ዝሰራሕኩሞ ኩሉ ጽባሕ ንኣሽቱ መንእሰያት መጺኦም ክብለጹሉ ከለው፡ እዚ ኩሉ ተዓብ፡ ሽግር፡ ቃልሲ መወዳእታኡ ማይ ምዑሟኽ ምዃኑ ምስ ተረደኣኩም እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧ እዚ ከም ሕንጻይ ካብ መጽሓፍቲ ዘንበበኩሞ መልሲ ኣይደልን’የ። Ce la vie! ከይትብሉኒ። ብዛዕባ Sugar coating ኣይኮንኩን ዝዛረብ  ዘለኹ፡ ኣብቲ ጸልማት እዋናት ናይ ህይወት ኣብ መን ክትውከሉ ኢኹም፧ ኣስላማይ ኣብ ኣላህ፡ ክርስትያን ኣብ ክርስቶስ፡ ኣይሁድ ኣብ G-d፡ ኩሉ ጸጸግዑ ኣለዎ፡ ወላ ኣምልኸቲ ሰይጣን ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ሽግር ተመጾም ኣብኡ ኵውከሉ’ዮም። “ጸግዒ ኣየድለየንናን’ዩ!” ባዕልና ጐቦ ክንከውን እናኸኣልና ንምንታይ ኣብ ጐቦ ንጽጋዕ ክትብል ትክእል። ኢጎኻ እዩ ክንዲ ጐቦ ‘ምበር ንስኻስ ጐቦ ኣይኮንካን። እንታይ ኣለካ ናተይ ትብላ ኣብዛ ዓለም፧ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዓራት ደቂሶም (ንገሌና ድማ ብደዎም) ዝፈጠሩኻ ፈሳሲ እኳ ኢኻ። ትማል ኣብ ስሬኻ ትሸይን፡ ነፋጥ ቆልዓ ከም ዝነበርካ ከዘክረካ’ዶ፧ “ኣነ” ትብሎ ዘለኻ’ሲ መን ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ፧ ነቲ ኮልታፍ መልሓስካ ቋንቋ ክትምህር ኣዴኻ ክንደይ ግዜ ኣጥፊኣ ትኸውን፧ “ፍልጠት ኣለኒ” ከኣ ትብል ኣለኻ፡ መን ድዩ ሀ፡ሁ ምሂሩካ፧ መን ኢኻ፧
ኣብ ፋብሪካ ሕብረተሰብ ዝተሰናዕካ ሰንኬሎ ኢኻ። (ኣነ ውን ከማኻ’የ ግን “ጐቦ እየ” እናበልኩ ሰብ ኣየጽምምን’የ)። እዚ tough guy act ገዲፍኩም ቁሩብ ትሕትና ‘ተትለብሱ ምሓሸ። ብጌጋ ኣይትረድኡኒ ኣሕዋት፡ ኣብ ኣምላኽ እመኑ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ምኽንያቱ ነዞም ኣመንቲ ውን ናቶም ሕማም ኣለዎም ካልእ መዓልቲ ክቀልጦም’የ ግደፍዎም ግን “ርትዓዊ” ትብልዎ ዘለኹም መጐትኩም ንጣር ርትዒ የብሉን። ከም ሳንኬሎ ኒቸ ኣንቢብካ “ሞት ኣምላኽ” ምእዋጅ እንታይ ክንብሎ፧ ንኒቸ ሓሳዊ ክብል ኣይክእልን’የ ምኽንያቱ ናቱ ርኽበት ስለ ዝኾነ።፡ ናቱ ቃላት ሰሚዑኩም ኣምላኽ የለን ትብሉ ግን ባዕልኹም ሞት ኣምላኽ ከትርእዩና ክሳብ ዘይከኣልኩም፡ ጭል ጭል ዝብሉ ሓሰውቲ ሰንኬሎታት ኢኹም።
ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምና ኣዋልድ’ከ፧ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል። ሻቅሎት ስልቦ ኣይኮነን ዘለወን ኢሉ ፍሮይድ እንታይ ደኣ “ሰብኣይ” ክኾና ስለ ዝደልያ እምበር፡ ነዚ ኩነት ተዓዚቡ ፍሮይድ penis envy ወይ ቅንኢ-መትሎ ኣለወን ይብል። ንዝኾነ ሰብኣይ ይኹን ኣምላኽ ክደና ዘይደልያ ፍጡራት’የን ‘ዩ ዝበሃል። ብዙሓት ካብ ተሓለቅቲ ደቀንስትዮ ወይ feminists ሰብኣይ ‘ተዘይኮንና እየን ዝብላ፡ ኩሉ ነገረን ኣብ ክንዲ ንኣንስታውነተን ዘዕብያ “ሰብኣይ” ናይ ምዃን ሸውሃት ኣለወን። ከም ሰብኣይ ክዛረባ፡ ከም ሰብኣይ ክኽደና፡ ከም ሰብኣይ ክኣትዋን ኵወጻን ይደልያ። ኣብ ስራሕና ክንደይ ቅንኢ-መትሎ ዘለወን ሓለፍቲ ኣለዋ መስለኩም!
ክንኣስሮ፡ ኢዚሀራውነት ሓደ ሸነኹ ብካልእ ክትእዘዝ ወይ ክትምለኽ ናይ ዘይምድላይ ኩነት’ዩ። ስለምንታይ ክትእዘዝ ዘይትደሊ፧ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ኢጎ ስለ ዘለኻ። ኢጎኻ ልጓም ምቁጽጻር ከረብክ ኣይብርሆን’ዩ ስለ ዝኾነ እንትርፎም ንነብሱ ንዝኾነ ነገር ክደንን ኣይደልን። ወላ ኣብ ኣምላኽ ኣይትእመን፡ ንዘለኻዮ ኩነታት ብክፉት ልቢ ክትቅበሎ ወይ accept ክትገብሮ ይጽግመካ። Acceptance ትብል ቃል ሕማም ርእሲ ትኾነካ። ፍቓድካ ‘ምበር ፍቃደይ ኣይኹን ኢልካ፡ ኩሉ ነገርካ ንኣምላኽ ኣሕሊፍካ ምሃብ ሞት ኮይኑ ይስምዓካ። ካብ ፍቓዱ ወጻኢ ዝኾነ ነገር ስለ ዘየለ፡ ከምዚልካ ክተጉረምርም ውን ፍቓዱ’ዩ። ናይዚ ሓውና ጥረ ውን ፍቃዱ’ያ ዘሕዝን’ዩ ምስ ጥረኻ ክትንቀሳቀስ ኣምላኽ ስለ ዝፈቀደልካ። ንሕና ንብል ዘለና ጽባሕ ኩሉ ጻዕርኻ ከንቱነት ኮይኑ ክስመዓካ ምስ ዝጅምር ኢጎኻ መጸግዒ ኣይክኾነካን’ዩ። እዚ ፕሮፖጋንዳ ኣምላኽ ዘይኮነ ንዝኾነ ክመውት ዝቀረበ ሰብ ኬድካ ከተረጋግጾ ትኽእል ነገር’ዩ። ኬድኩም ንኣረጋውያን ሰባት ኣዘዛርብዎም፡ ትርጉም ህይወትኩም ካብ ክመውት ዝቀረበ ኢዚሀራዊ ክትመሃሩ ፈትኑ። ብኽፉት ልቢ ምስ ሓላዊ ስጡሕ ኣረጋዊ እንተዕሊልካ ኣብ ኣዒንቱ ፍርሂ እምበር ተመስገን ኣይንበበን። ብደጌኻ ሓያል፡ ተባዕ ፡ ፈታው-ሓቂ ወዘተ ክትኮነልና እንዲልኻ ትፍትን ዘለኻ፡ ውሽጥካ ግን “ከይስለብ” ዝፈርህ ገልባድ ቆልዓ ኢኻ። ወደሓንካ

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...