Thursday, September 28, 2017

ፍቁራት እንታይ ኮይኖም ይበኣሱ ወይ “ፍቅሮም ይውድኡ”፧



ነሓሰ 27
እዛ ሕቶ ብዙሕ ጸገም ኣለዋ። ዝኾነ ቅድሚ ምዝራበይ ኣብርሀት ኮይነ ከብርሃ ክፍትን’ሞ ካብ ሓሸውየ ‘ተደሓንና ክቡራት ደቂ ማሕበረይ። “ባእሲ” እንታይ’ዩ ዘመልክት ዘሎ፧ ባእሲ ማለት ናይ 5 ደቂቅ ኩራ ድዩ ወይስ next time I see you I’ll kill you ዓይነት ባእሲ፧ ካልኣይ፡ ባእሲ ኣካል ወይ ቀመም ናይ ፍቅሪ ክኸውን ኣይክእልን ድዩ፧ ዝበኣሱ ዘለው ስለ ዝፋተው’ዮም እምበር ፍቅሪ ኣብ ኢዶም ዝሓወዮም ሰብ ሓዳር’ሲ ምሽ ክበኣሱ ክዛረቡ ከማን ይስልችዎም ዝብል ሰብ ኣሎ። ሳልሳይ definition ናይ ፍቅሪ “ተባኢስካ ምትዕራቅ “እንተኾይ’ኸ፧ Vicky Christina Barcelona ትብል ናይ 2010/11 ምናልባት ዝበለጸት ክሳብ ሕጂ ዝረኣኹዋ ካብ ሆሊውድ ዝወጸት ናይ ፍቅሪ ፊልም’ያ። ራብዓይ ጸገም ናይዛ ሕቶ ፡ ፍሉጥ መልሲ ከምዘለዋ ኮይና’ያ ትሕተት ዘላ። ጸገም ፍቁራት ከም ቲቢ “እዚ’ዩ ጠንቁ እዚ’ዩ ፈውሱ” ክትብሎ የጸግም’ዩ። ሓምሻይ ፍቁራት እንተተባኢሶም ይፋቀሩ ዘይኮኑ ይጻልኡ’ዮም ማለት’ዩ ፡ ስለዚ “ባእሲ ፍቁራት” ዝብል ሓረግ ግርምቢጥ paradox ክመስል ይኽእል። ከምዚ ኣብ 1984 ናይ George Orwell ዘሎ Doublethink ዝዓይነቱ’ዩ ግርምቢጥ። እዛ ቃል “Doublethink” ኣብ መዝገበ ቃላት ቋንቋ እንግሊዝኛ ክትረኽብዋ ትኽእሉ ኢኹም፡ ቀሊል ትርጉማ “Believing two contradictory ideas at the same time” እዩ ዝብል። ንኣብነት ንሓደ ሰብ ትፈዎን ትጸልኦን፡ ተፍቅሮን ትበኣሶን፡ ተስፋ ትገርብን ተስፋ ትቆርጽን ኣብ ሓደ እዋን። ወይ ዳብልቲንክ!
ወላ ምስ ጸገማ ከላ ነዛ ሕቶ ቁሩብ ክንዛረበላ። ኩላትኩም ልጥፎን ኮመንትን ጥራይ ተህልኹ ሓሸሽቲ ፌቡ ብዝመስልኩም ስለምንታይ ፍቁራት ይበኣሱ ዝመስለኩም ገለ በሉ። ሃይማኖታዊን ፖለቲካውን ርእይቶታትና ኣብ ጁባና ይኹን፡ ፍቅሪ ግን ኣቦ ኩልና ስለ ዝኾነ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ኩሉ ሰብ ኣገዳሲ’ዩ (ንዓይ)። ምስ ሓንቲ ሓብትና እናዕለልና ከለና’ዩ እዚ ሓሳብ ክጽሕፎ ከም ዘለኒ ተሰቊሩኒ፡ ስለዚ ከምዚ ዝስዕብ ጌረ ክገልጾ።
ፍቅሪ ትብል ቃል ሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰብ ከፍቅር ምኸኣለ’ዶ፧ ከነቅልሎ ንሓንቲ ጓል ኬድካ “አፍቅረኪ’የ” ክትብላ ከለኻ ብርግጽ እዛ ቃል ካብ ከባቢኻ ስለ ዝሰማዕካያ ኢኻ እምበር ትርጉማ ፈሊጥካዮ ኣይኮንካን። እቲ ዝስምዓኒ’ኸ፡ እቲ ልበይ ተረው ተረው ትብሎ’ኸ፧ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እወ ኣሎ ግን ምልክታት ፍቅሪ ተረው ተረው ከም ዘብል፡ ረሃጽ ንረሃጽ ከምዘግብር ወዘተ ውን ክትመሃሮ ኣይትኽእልን ዲኻ፧ ሎሚ ናይ መልሓስ ፍቅሪ ምእማን ገዲፈዮ’የ ምኽንያቱ ንሱ ዘይኮነ ዘንበቦ መጽሓፍትን፡ ዝረኣዮን ፊልምታት፡ ካብ ኣዕሩኽቱ ዝሰምዖን እዩ’ምበር ናቱ ዝነገረካ ወዲ ስለ ዘየለ። ወላ’ታ ጓል ውን፡ ካብ ከባቢኣ ዝኣከበቶ፡ ከም ሞያ ክትብሎ ዝግበኣን ዘይግበኣን እናተማህረት ዝዓበየት’ያ ለይቲ ለይቲ ትደግመልካ ዘላ። እንታይ ይሓይሽ’ሞ፧ ካብ ትነገረኒ ኣርእየኒ።
ካልኣይ ነጥቢ፡ ዘፍቅርዎ ሰብ ምርካብ ኣኻሊ ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት’ዮም። ንፍቅሪ ከምዚ’ዩ ኢለ ቆጽለ መጽሊ ቃላት ኣቀሚጠ ከበላሽዎ ኣይደልን’የ ስለዚ ክግለጽ ኣይክእልን’ዩ እናበልኩ ብዛዕብኡ ምዝራብ ግርምቢጥ ዝመስለኩም ተለኹም doublethink ዘክሩዋ። ተፍቅሮ ሰብ ምርካብ ስለምንታይ ኣኻሊ ዘይኮነ፧ ብመልክዑ፡ ብሃብቱ፡ ብጠባዩ፡ ብትምህርቱ፡ ብስልጣኑ፡ ብኮኾቡ ወዘተ እናበልካ ንሓደ ወዲ ክትፈዎ ወይ ንሓንቲ ጓል ክትፈትዋ ትኽእል። ፍትወት ናብ ፍቅሪ መዓስ ይልወጥ ካባይ ዝሕሹ ኣባላት ናይዛ ጉጅለ ይመልሱዋ፡ ንሕጂ ካብ ፍትወት ናብ ፍቅሪ ኣቲኻ ኣለኻ። ምስ ግዜ ነቲ ብፍቅሩ ትሓምም ዝነበርካ ሰብ፡ ሕማም ፍቅሪ ክሕሸካ ይጅምር’ሞ በብቅሩብ ሸለል ክትብሎ ትጅምር። እቲ ከም ሓዊ ዘቃጽል ዝነበረ ሃፈጽታ ፍቅሪ፡ ክበርድ ይጅመር። ናበይ ከይዱ ሓይሊ ፍቅሪ፧ ወይስ ብቀደሙ ኣይነበረን፡ ሃይነይነይታ ኢሎም ይሰምይዎ ሓካይም ፍቅሪ። ሐራይ ትብል ሲዶና። መፍለዪ ኣብ መንጐ ሃነይነይታን ሓቀኛ ፍቅሪን ዘሎ ግዜ ጥራይ እንተኾይኑ፡ ሓቀኛ ፍቅሪ ንኽንደይ እዋን ክጸንሕ ኣለዎ፧ ድሕሪ 20 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝፋትሑ ሰባት ሃነይነይታ’ዩ ነይሩ’ዶ ክንብሎም፧ ወይስ ሓቀኛ ፍቅሪ ከም ተኽሊ እንተዘይተኸናኺንካዮ ስለ ዝመውት፡ ሰኣን ሓልዮት ፍቁራት’ዩ ድቂ ፍቅሪ ሞይቱ ክብል፧ ተኽሊ ፍቅሪ እንታይ ኮይኖም ምክንኻን ይሕንግዱ ኣለው ‘ዞም ፍቁራት፧ ምስዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን ምኽንያቱ ሱር ማይ ኣይስሕብን’የ፡ ቆጽሊ photosynthesis ኣይገብርን’የ ኢሎም ይኣብዩ ኣለው ስለ ዘስምዕ። እቲ ሕቶ “ስለምንታይ ተኽሊ ፍቅሪ ይመውት ኣሎ፧” ነቲ ርኡይ ጠንቅታት ከም ጥልመት፡ ንቪዛ ኢልካ ምምርዓው፡ ምቅያሕ፡ ድኽነት፡ ፊዚካላዊ ዘይምስናይ ወዘተ ዝበሃሉ ጠንቅታት ባእስን ፍትሕን ገዲፍና ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብዚ ዘሎ ኣርእስቲ ኣብ ጋዕ ገልጠም ናይ ኮሚደረ ሽጉርቲ ዘይኮነ ኣብቲ ፍቅሪ ስለምንታይ ይውዳእ ኣሎ ዝብል’ዩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልኩዎ ሆሊውድ ፍቅሪ ከም ዘልኣለማዊ ገይሩ ስለ ዝነግረና፡ ንሕና ድማ ዝውዳእ ፍቅሪ ምስ እንርኢ “ሓቀኛ” ኣይኮነን ኣብ ምባል ንጓየ። ልክዕ ከምዚ ዕምሪ ፍቅሪ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ዘለዎ፡ ህላውነት “ሓቀኛ” ፍቅሪ ውን ከምኡ ክንሓስበሉ ይግብኣና’ዩ። እቲ ሕቶ ምስ ወዲ ሰብ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ሰብ ይውለድ፡ ይዓቢ፡ ይኣርግ ሽዑ ድማ ይመውት፧ ስለምንታይ ቃልቃል ዝብል ዝነበረ ፍቅሪ በረድ ይኸውን፧ እንታይ ፈሊጠ ኢልካኒ ኢኻ’ሞ። ዘላትኒ ክልሰ-ሓሳብ ኣካፊለ መድረኽ ንሓካይም ፍቅሪ ክገድፎ።
ካብ 3ይ ክፍሊ ስነ-ፍልጠት እናወሰድኩ ብምስላ ክዛረብ ፡ ፍቅሪ ከም ተኽሊ’ዩ ኢልናዮ ኣለና። ቆጽሊ ካብ ብርሃን ጸሓይ photons ወሲዱ light energy ናብ chemical energy ይቅይሮ። ከምዚ ጌሩ ክቅይሮ ዘኽእሎ ዓቅሚ ኣብ chlorophyll ኣሎ። ሰኣን ብርሃን ጸሓይ ብግቡእ ኣኪብካ መግብኻ ምስራሕ ንእትመውት ተኽሊ፡ መን ቀቲልዋ ክንብል፧ ብርሃን ጸሓይ ከሎ ሰኣን ሜላ ጌርካ ምዕቃቡ። እዛ “ሜላ” ኣብ ፍቁራት ከመይ’ያ፧ ምፍቃር’ኮ ቀሊል’ዩ። ንጆርጅ ክሉኒ ወይ ኣንጀሊና ጆሊ ከተፍቅር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጃፓን ብፍቅሪ ገጸ ባህርያት characters ናይ anime ዝሳቀዩ ብዙሓት ኣወዳት ኣዋልድን ኣለው። ምፍቃር ከም ጸሓይ ንብርሃን ካብ ምዝርጋሕ፡ ከም ደበና ዝኸበድካ ማይ ምዝናብ እዩ። ከም ጸሓይ ብርሃን ፍቅሪ ምውላዕ ሓደ ወገኑ’ዩ እቲ ካልኣይ ወገኑ ከምታ ተኽሊ ፍቅሪ ክትቅበል ትኽእል’ዶ፧ Can you let someone love you? Do you know how to receive love? ስለዚ ካብ ኣፍቂረ ክትብል ተፈቂረ ምባል ይኸብድ። ኣፍቂረ ማለት ክህብ፡ ከካፍል፡ ክሓሊ፡ ከመስግን፡ ክብጆ ደልየ ማለት እንተኾይኑ ተፈቂረ ማለት ድማ ክቅበል፡ ክምቀል፡ ክሕለየለይ፡ ክብጀወለይ ተደልየ ማለት’ዩ። ከምዚ ብዘይ ጸሓይ ተኽሊ ዘይትህሉ ፡ ብዘይ ተፈቃሪ ኣፍቃሪ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ጸሓይ ብዘይ ተኽሊ ክትነብር ትኽእል’ያ ግን ንብርሃና ዝቅበሎ ህይወታዊ ተዘየሎ ምብራቃ ትርጉም የብሉን። ፍቁራት ስለምንታይ ይበኣሱ፧ ሰብ ፍቅሪ ምሃብ እምበር ፍቅሪ ምቅባል ኣጸቢቁ ስለ ዘይተማህሮ።
ምስ ግዜ እንተሞትና’ኸ፧ ሞት ነቶም ፍቅሪ ምቅባል ዝፈልጡ ኣየፍርሆምን’ዩ። ንሓደ ምጽምጸ ዕምባባ ፍቅሪ ዝጠዓመ ንህቢ፡ “ሞት ኣሎ እንታይ ይሓይሽ፧” ኢልካ ምስ ትሓቶ እንታይ ኢሉ ምመለሰልካ፧ እንቋዕ ደኣ ምጽምጸ ፍቅሪ ጠዓምኩ’ምበር፡ ዕላማ ህይወት እንቋዕ ሃረምኩ’ምበር “ሞት፧ እንታይ’ሞ ሞት ነዓይ፧” ስለዚ ክቡር ኣፍቃሪ ቆጽሊ ፍቅርና ከይቅምስል ከም ክሎሮፊል፡ ብርሃን ፍቅሪ ዝማርኽ ዕምባባ ኩነለይ። ዕምባባ ፍቅሪ ፍሬኣ ከይረግፍ ሓልዮት ፍቅሪ ዝመጹ ሱር ኩነለይ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...