Thursday, September 28, 2017

ባህሊ ኣህላኽነትን ውልቃዊ ሸቶታትን



ቀዳም 12 ነሓሰ 2017
ተለቭዥን ክርኢ ካብ ዝጅመር ነቲ ንኣስታት ዓመት መመላእታ ጀሚረዮ ዝነበርኩ መደባት እናደኸመ ክመጽእ እርእዮ ኣለኹ። ዘሕዝን’ዩ! “ቁሩብ ደሓን” እናበልካ ብዕባራ ምኽንያታት ካብ ዕላማኻ ክትተርፍ ዘሕዝንዩ። ናይ ፌስቡክ ኣድራሻይ ካልኣይ ግዜ ደምሲሰዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ካልኣይ ግዜ ተመሊሰ ካብ ምድምሳስ ኣይክከላኸለሉን’የ። ሶኬት ናይ ተለቭዥን ውን ከውጽኦ’የ። ምርኣይ ጸሊአ ዘይኮንኩ ካብቲ ዕላማይ የታርፈኒ ሰለ ዘሎ’ምበር። “ካብ ዓለም ክተርፍ ኢኻ” እትረፍ። “ክትድንቁር ኢኻ” እደንቁር። ብሰንኪ ተለቭዥን ብላሽ ግዜይ ከጥፍኦ ኣይደልን። ስለዚ ኣይፋል ንተለቭዥን፡ ኣይፋል ንፌስቡክ።
መደብ ምውህላል ጀሚረ ኣለኹ። እዚ ሰክፍ ናይ ምቁጣብ መደብ ከመይ ከም ዝጸልወኒ ኣይፈልጥን’የ እንትርፎ ንወርሒ ብ 500 ክንቀሳቀስ ከም ዘለኒ። እዚ ናይ ክልተ ዓመት መደብ 60,000 ውልቃዊ ኣታዊ ብምግባር ሞተርሳይክል ንምግዛእ’ዩ። ሞተርሳይክል ገዚእካ ገዛ ተኻሪኻ ምንባር። ገዛ ተኻሪኻ ናብትን ናብትን እናበልካ ተወሳኺ ስራሕ ምስራሕ። ኣብዚ ሻሂ ምስታይ፡ ኢንተርነት ምጥቃም፡ በቃ ዝኾነ ገንዘብ ምጥፋእ የለን። ናይ ብሓቂ ወተሃደራዊ ኣካይዳ’ዩ ክኸውን።
ሓደ ካብ ጸገማት ናይ በርጌሳዊ ኣካይዳ ዋሕዲ ዲሲፕሊን’ዩ። እዚ ጸገም’ዚ ክትፍውሶ ይግብኣካ ስለዚ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብወተሃደራዊ ኣካይዳ ንክልተ ዓመታት ንነብሰይ ክመርሓ’የ።
ዝተሓንጸጸ መደባት ከምቲ ዝተመደቦ ኣይከይድን ዘሎ። ወላ ዝተኻየደ ውን ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ እናኾነ ስለዚ ውጹእ ወተሃደራዊ መደብ ክኸውን ይግብኦ። መዓልታዊ 500 ቃላት ዝሓቆፈ መዝገብ ክሕዝ ኣለኒ። ኣብ እንግሊዝኛ ዝተወድአ ቃላት ድግማ የድልዮ’ሎ። ምምሕያሽ ዘድልዮ ክፋላት ናይ ቋንቋ ኣሎ። ጊታር ብግቡእ ምልማድ የድልያ’ዩ። ኣብ SPSS ዝተረፈኒ ብዙሕ ኣሎ። ኣብ ፕሮግራሚን ክደፍኣሉ ዝግበኣኒ ነገራት ኣሎ። መጽሓፍቲ ናይ ኦሾ ኵውድአን ኣለኒ። ጽፈት ናይ መደባት ክህሉ ኣለዎ።
እዚ ኣብ ከባብየይ ዘሎ ምህላኽ ናይ ሜድያ ናብቲ ዝደልዮ ሸቶ ከብጽሓኒ ከቶ ኣይከኣሎን’ዩ። ስለዚ ነብሰ-ቁጽጽር ጌረ ድሌታተይ ክመልኮም ኣለኒ። ካብዚ ዘለኹዎ ብዝሓሸ እናተንቀሳቀስኩ ኣብዘን ጀሚረየን ዘለኹ ዓውድታት ገለ ከፍሪ ክፍትን’የ።
ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይንዛረብ ዝብል መርገጺ ኣብ ፌቡ ሒዘ ክጉዓዝ ጸኒሐ፡ ሎሚ ድሕሪ ወርሕን ፈረቃን ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ ዕሽነት ምዃኑ ኣዝዩ ክርድኣኒ ጀሚሩ ኣሎ። ከም መርገጺ ዘይኮነ፡ ሎሚ ከፈንፍኒ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ ሓደ ካብዚ ጥቅምታት ናይ ፊቡ ዘሕለፍኵዎ ግዜ ፍንፋነ ናይ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ነገራት’ዩ። እዚ ከም ከልቢ ድሕሪ ጭራኻ ምኹላል ኣርእስቲ ምዕጻወይ ሓደ ዘሐጉስ ውጽኢት’ዩ። ዝኾነ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ናይ ድንቁርና ምብጽሐይ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ዶ ክብሎ፧ ምዃን’ኳ ስጉምቲ ኣይኮነን፡ ንቅድሚት ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣሉ ተበልካ ……………………………….

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...